ጾም- ብቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ

ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ  ካብ 329 ክሳብ 379 ዝነበረ፣ ሓደ ካብ ናይ ኮፖዶቅያ ኣቦታት ተባሂሎም ዝፍለጡ፣ ሊቅ ናይ ቤተክርስቲያን እዩ። ብዛዕባ ጾም ካብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ዝተወስደ ትምህርቲ ናቱ፣ ከተንብቡ ይዕድመኩም። ብሩኽ ንባብ!
flower_in_a_desert_by_tsitra360-d2xw8mg copy

“ብሰርቂ ወርሒ፣ ብምልኣት ወርሒ፣ ብመዓልቲ በዓልና” ይብል እቲ ዘማራይ “መለኸት ንፍሑ” /መዝ 81፥4/። እዚ ትእዛዝ`ዚ ትንቢታዊ እዩ። ልዕሊ ዝዀነ ሙዚቃዊ መሳርሒን፣ ልዕሊ መለኸትን፤ እዚ ቃል መጽሓፍ ቅዱስ`ዚ ዝያዳ ድምጺ ኣለዎ፣ ድሕሪ እተን መዓልታት ዝመጽእ በዓል ከም ዘሎ ዉን ይሕብረና።

ድሕሪ ጾም ዝመጽእ ጸጋን በርኸትን ከም ዘሎ ባዕሉ ኢሳይያስ ነጊሩና እዩ። ንሱ ነቢዪ ኢሳይያስ ነቲ ናይ ኣይሁድ ኣጻዉማ መንገዶም ብምንጻግ፣ እቲ ሓቀኛ መንገዲ ጾም ኣዊጁልና እዩ፣ “እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን” /ኢሳ 58፥6/። ጐይታ ዉን “ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ።” /ማቴ 6፥16/።

እምበኣር ብዛዕባ መጻኢ ህይወት እንዳተጨነቕና ዘይኰነስ፣ ነቲ ዝተማሃርናዮ ብግቡእ እንዳተግበርና፣ ንቅዱሳን ዝበቅዕ ናብራ ንንበር። ማንም ተስፋ ዝቖርጽ ሽልማት ኣይረክብን፣ ማንም ብትህኪት ዝቃዝን ዉን ኣብ ዓወት ኣይበጽሕን። ትፍወስ ስለዘለኻ ኣይተስቆርቅር።

በዚ ሓደ ወገን ነፍሲኻ እንዳተፈወሰት እንከላ፣ ኮይኑ ግና ዓይነት መግቢ ስለዝቀየርኻ (ንጾም ከመልክት እንከሎ`ዩ) ከተስቆርቅር ኣይግባኣኻን፤ ከምዚ ትገብር እንድሕሪ ዀይንካ፣ ልዕሊ ናይ ነፍሲኻ ጥዕና ፍትወት ከብድኻ የገድሰካ ማለት እዩ። ጽጋብ ንኸብዲ የሐጉሳ፣ ጾም ግና ንነፍሲ የርብሓ። ሓኪም ንሓጢኣት ዝቐትል መድሃኒት ስለዝሃበኻ፣ ደስ ይበልካ። ከምቲ ኣብ መዓናጡ ህጻናት ዝርኸቡ ደቀቕቲ ሓሰኻታት ብመሪር መድሃኒት ዝጠፍኡ፣ ጾም ዉን ተመሳሳሊ ዉጽኢት ኣለዎ። ጾም ኣብ ህይወትኻ እንድሕሪ ኣተኣታቲኻዮ፣ ማለት ክትጸዉም እንድሕሪ ጀሚርካ፣ ነቲ ኣብ ነፍስኻ ተሓቢኡ ዘሳቕየካ ሓጢኣት ይቕተል። ስለዚ ነዚ ሓቀኛ መድሃኒት ዝዀነ ጾም፣ ከተድንቖ ይግባእ።[1]

“ርእስኻ ተለኸ ገጽካ ዉን ተሓጸብ” /ማቴ 6፥18/። እዛ ሙሉእ ሓሳባት ክልተ ሚስጢራት ዝሓዘት እያ። እቲ ርእሱ ዝተለኽየ ሰብ ቅብኣት ኣለዎ፣ እቲ ዝተሓጽበ ዉን ይነጽህ። ነዚ ትእዛዝ`ዚ ኣብ ዉሽጢ ህይወትኻ ተግብሮ (ነዚ ትእዛዝ ኣብ ነፍስኻ ኣዉዕሎ)። ነፍስኻ ካብ ዘለዋ ሓጢኣት ኣንጽሃያ። ምስ ክርስቶስ ሕብረት ክህልወኻ፣ ርእስኻ ብቅዱስ ዘይቲ ተለኸይ። ንጾም ድማ ብኸምዚ መንፈስ ቅረቦ። ከምቶም ግቡዛት ዝገብርዎ ገጽካ ኣይተጸምልዉ።

ሓደ ሰብ ግዳማዊ ትርኢቱ የሕፊርዎ፣ ብዉሽጡ ሕማቕ እንድሕሪ ዝስምዖ ኮይኑ፣ ገጹ የጸምልዉ እዩ። ብዉሽጡ ካልእ ክነሱ ብግዳም ግና ካልእ ናይ ሓሶት ምስሊ የርኢ። ናይ ተዋስኣይ ህይወት ኣለዎ። ተዋስኣይ ኣብቲ ናይ ሓቀኛ ህይወቱ ካልእ ክነሱ፣ ኣብ መድረኽ ግና ዝተፈላለየ ምስሊ ይሕዝ። ባርያ ክነሱ፣ ከም ጐይታ ይዋሳእ፣ ተራ ዜጋ ክነሱ ንጉስ ይኸዉን። ኣብ ህይወት ዉን ተመሳሳሊ እዩ፤ ገለ ሰባት ኣብ ገለ ደረጃ ምስ በጽሑ፣ ንህወቶም ናብ ተዋስኦ ይቕይርዎ። ሰባት ዝርእይዎ ግዳማዊ ትርኢት ብደገ እንዳጸባረቑ፣ ብዉሽጢ ልቦም ግና ካልእ ይሓስቡ። ንስኻ ግና ገጽኻ ኣይተጸምልዉ፣ ከምቲ ኣብ ዉሽጢኻ ዘሎ፡ ኣብ ግዳምኻ ዉን ከምኡ ይኹን። ንሰባት መግቢ ዘይትፎቱ መሲልኻ ስለዝተራእካዮም፣ ዝህቡኻ ርእቶን ዉዳሴን ባህ ኣቢሉካ፣ ካብ ሰባት ከንቱ ዉዳሴ ንኽትረክብ ገጽኻ ኣይተጸምልዉ። ኲሉ ብግዳም ዝግበር ዘበለ ኣብቲ ዝመጽእ ህይወት ዓስቢ የብሉን። ሰባት ትሰርሖ ዘለኻ ሰናይ ግብሪ ክፈልጡልካ መለኸት ምንፋሕ ዓስቢ ኣየዉህብን፣ ጾምካ ንሰባት ምርኣይ ዉን በረኸት የብሉን። ከንቱ ዉዳሴ ቀታሊ እዩ።

እምበኣር ጾም ብዝህቦ ህያባት ተሓጉስኻ ጉየይ (ቅረብ)። ጾም ካብ ጥንቲ ዝተዋህበና ህያብ እዩ፣ ብግዜ ኣይኣርግን፣ ብዘመን ዉን ዘይቅየር እዩ፣ እኳ ደኣ ነናሻዕ ብትግሃት ዝሕደስን መመሊሱ ዝደምቕን እዩ።

ምናልባት ከምዚ ስለዝበልኩ፣ ንጾም ካብ ሕጊ ሙሴ ከም ዝተበገሰ ጌረ ዝገለጽኽዎ ይመስለኩም ይኸዉን። ግን ክትፈልጥዎ ዘለኩም፣ ጾም ቅድሚ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ እዩ። ጾም ኣብታ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይ ሳብዐይቲ ወርሒ ዝግበር መዓልቲ ዕርቂ ዝተበገሰ ይመስለኹም ይኸዉን /ዘሌ 23፥27/፣ ግን ኣይኰነን። ጥንቲ መበገሲ ጾም ቀደም እዩ። ዘመን ዘመጽኦ ሓድሽ ተፈጥሮ ዘይኰነስ፣ ካብ ኣቦታትና ዝተሰጋገረ እዩ።

ካብ ጥንቲ ዝተሰጋገረ ኲሉ ነገር ብሉጽ እዩ። ጥንታዊነት ናይ ጾም ኣኽቢርካ ሓዞ። ዕድመ ጾም፣ ልክዕ ዕድመ ደቂ ሰባት እዩ። ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ገነት እዩ ተኣዚዙልና። ኣዳም ዝተቀበሎ ቀዳመይቲ ትእዛዝ ጾም እዩ፣ “ካብታ ሕማቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና . . .ዕጸ በለስ ካብኣ ኣይትብላዕ” /ዘፍ 2፥17/። “ካብኣ ኣይትብላእ” ብዝብል ቃል ትእዛዝ መስረት፣ ሕጊ ጾምን፡ ‘ካብ መግቢ ምኽላካልን’ (ዘይምብላዕ) ተሰሪቱ። ሄዋን ካብታ ኦም ጾይማ እንተትኸዉን፣ ሕጂ ምጿም ኣይመድለየናን። “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን” /ማቴ 9፥12/። ብሓጢኣት ቆሲልና ነበርና፣ ብንስሓ ድማ ተፈዊስና፣ ንስሓ ብዘይ ጾም ግና ፍረ ኣልቦ እዩ።

ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትዂን. . . እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካ” /ዘፍ 3፥17-18/። ብምቾት ዘይኰነ ብመኸራ ክትነብር ኢኻ ተኣዚዝካ። ብጾም ኣቢልካ ልማኖኻ ናብ እግዚአብሔር ኣቕርብ። ኣብ ገነት ዝነበረ ህይወት ምስሊ ጾም ዝሓዘ ነበረ። ኣብ ገነት፣ ሰብ ብዘለዎ ዉሑድ ነገር ይኣኽለኒ ብምባሉ፣ ምስ መላእኽቲ ዘመሳስሎም ነገር ነበሮ። ወይኒ ምስታይ፡ እንስሳታት ሓሪድካ ምብላዕ፡ ካልእን ንኣእምሮ ደቂ ሰባት ዝሰረቑ ፍትወታት ኩሎም፣ ኣብ ገነት ኣይነበሩን፣ ደሓር ደቂ ሰባት ተባላሒቶም ዘተኣታተውዎም እዩ እምበር፣ ኣብ ገነት ዝነበሩ ሰባት ነዚ ነገር ኣይገብሩን ነበሩ።

እምበኣር ስለዘይጾምና ካብ ገነት ወደቕና፣ ስለዚ ምእንቲ ናብኣ ክንምለስ ኣብዚ ምድሪ ጾም ንጹም! ኣልኣዛር እቲ ድኻ ከመይ ጌሩ ብጾም ገነት ከም ዝወረሰ ርኢኹም`ዶ? /ሉቃ 16፥19-31/ ናይ ሄዋን ዘይምእዛዝ ኣቃሊልካ ኣይትርኣዮ፣ ንስጋካ ብምሕላይ ክትበልዕ ዝደፍኣካ ምኽሪ ዲያብሎስ ዉን ኣይትቐበሎ። ጥዕና ምስኣንን ስንክልና ወይ ድኻም እንዳመኽነይካ ካብ ጾም ኣይትርሓቅ። እዚ ምኽንያት ንዓይ ኣይዀንካን ትነግረኒ ዘለኻ፣ ነቲ ዂሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ኢኻ።

እስከ ንገሩኒ፣ ክትጾሙ ኣይትኽእሉን፣ ግን ከኣ ኣብ ሙሉእ ህይወትኩም ኲሉ ዓይነት መግቢ ትበልዑን፣ ስጋዊ ኣካላትኩም ዉን ብብዝሒ ብልዒ ተጨንቕዋ፣ እዚ ከመይ ኢሉ ይኸዉን? እቲ ዝገርም ብዙሓት ኣነ ዝፈልጦም ሓካይም ኣለዉ፣ ኣብ ክንዲ ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ፣ ንሕሙማቶም፣ ጾምን ካብ መግቢ ምኽልካልን፣ ይእዝዙ። ስለምንታይ ደኣ ኢኹም፣ ሓኻይም ዝኣዘዙልኩም ብዘይምዉልዋል ትትግብርዎ፣ ነቲ ቤተክርስቲያን ዝኣውጀቶ ኣጽዋማት ግና ኣይንኽእሎን እንዳበልኩም ካብ ጾም ትርሕቁ?Accidents or life threatening situations can happen generico viagra on line browse address now anywhere and anytime.

ንኸብዲ ኣየናይ እዩ ዝሕሻ? ከብድኻ መሊእኻ ምድቃስ`ዶ፣ ዋላስ ፎኪስ መግቢ በሊዕካ ድሕሪ ምዉዓል ቅልል ኢልካ ምድቃስ? ኣየናይ ይሓይሽ? ድቃስ ስኢንካ፣ ምዕልባጥን፡ ምግልባጥን`ዶ ይሓይሽ? ዘኽሩ`ሞ ንሓደ መርከበኛ ኣየናን ይቐሎ፣ ብብዝሒ ንብረት ዝተጻዕነት ጃልባ`ዶ፣ ዋላስ ብዝሒ ንብረት ዘይብላ ፍኹስ ዝበለት ጃልባ? እታ ብዝሒ ንብረት ዘለዋ ጃልባ፣ ዋላ እቲ ማዕበል ድኹም ይኹን፣ ቀልጢፋ ትጥሕል። በንጻሩ እታ ብዙሕ ንብረት ዘይሓዘት ጃልባ፣ ነቲ ዝመጽእ ጃልባ እንዳ መኸተት፣ ጸብለል ኢላ ክትሓልፎ ትኽእል።

ኣብ ኣካላት ደቂ ሰባት ዉን ተመሳሳሊ እዩ፣ ቀጻሊ ብብዝሒ ብልዒ ዝተመልአት ሰብነት፣ ብሕማም ይኹን ብመከራ ቀልጢፋ ትደኽም፣ ኣብ ምህዳም ዉን ብዙሕ ጸገም ይገጥማ። እታ ፎኪስን ቀሊል መግቢ እትምገብ ሰብነት ግና፣ ንሕማም ተጻዋርነት ኣለዋ፣ ካብ መከራ ዉን ቀልጢፋ ትሃድም። ኣብ ብዝሒ ብልዒ ዘሎ ሕማም ዉን ኣይቐርባን። ኣብ ኣተሓሳስባኹም፣ ኣብ ክንዲ ተጊህኻ ምቅላስን ምጉያይን፣ ምድቃስን ምዕራፍን ጻዕሪ ዘድልዮ ይመስለኩም። በቲ ካልእ ኣዘራርባ፣  እቶም ሓሚሞም ዘለዉ ኣብ ክንዲ ፎኪስን ቀሊል መግቢን ዝበልዑ፣ ፍተወቶም ዘርዉይ ብልዒ ክበልዑ  ትምዕዱ ማለት እዩ። ህይወትና ትነብረሉ ተፈጥሮ፣ ንመጠነኛ ኣመጋግባን፡ ፎኪስ መግቢን ዘይፎቱ፣ ኣብ ክንዲኡ ብዝሒ ብልዒ ዝመርጽ እዩ። ስለዚ ድማ ነቲ ዝለመድናዮ ብዝሒ ብልዒ ሓዲግና ኣመጋግባና ናብ ፎኪስን ቀሊልን ምስ ንቕይሮ፣ ሰብነትና ነዚ ክጻወሮ ኣይኽእልን፣ ስለዚ ድማ ድኻምን ሕማምን ይስማዓና።

ሕጂ ግና ጥንታዊነቱን ታሪኻዊነት ናይ ጾም ብምምርማር፣ ቅዱሳን ነዚ ጥንታዊ መሳርሒ ብጸጋ ተቐቢሎም ከመይ ጌሮም ንረብሓ ነፍሶም ከምዘዉዓልዎን፣ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ናብ ደቆም ከመይ ጌሮም ከም ዘሰጋገርዎ ክንርኢ ኢና። እዚ መሳርሒ`ዚ (ጾም) ብምስግጋር ካብ ዝሓለፈ ወለዶ እንዳተወራረሰ ዝመጽአ እዩ። ኣብ ገነት፣ ወይኒ ኣይነበረን፡ ምሕራድ እንስሳታትን ኣይነበረን፡ ስጋ ምብላዕ ዉን ኣይነበረን። ድሕሪ ማይ ኣይሂ ግና፣ ሰብ ወይኒ ክሰቲን፣ ስጋ ክበልዕን ጀመረ፣ “ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ”  ዝብል ትእዛዝ ዉን ተዋህበና /ዘፍ 9፥3/።

ሰብ ናብ ፍጽምና ከብጽሖ ዘኽእሎ ዝነበረ ተስፋ ምስ ኣጥፈአ፤ ምስትምቓርን ምቾትን ተኣታተወ። ኖህ ቅድሚ ሕጂ ናይ ወይኒ ኣጠቃቕማ ይፈልጥ ከም ዘይነበረ፣ ሓደ ኣብነት እዩ። ቅድሚ ማይ ኣይሂ ደቂ ሰባት ካልእ ተሞክሮ ነበሮም፣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ድማ ካልእ ልማድ ኣጥረዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ `ዚ ግዜ፣ ወይኒ ኣብ ደቂ ሰባት ኣይፍለጥን፣ ኣብ ህይወት ሰባት ዉን ኣይተኣታተወን ነበረ፤ ማንም ዉን ናይ ወይኒ ልማድ ኣይነበሮን። ቅድሚኡ ርኢዎ፡ ጥዒምዎ ይኹን፣ ሰትዪዎ ኣይፈልጥን፣ ብዝሒ ወይኒ ዘስዕቦ ዉጽኢት ዉን እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ኣይነበረን፣ ስለዚ ድማ እዩ፣ “ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ኪኸውን ጀመረ፡ ወይኒ ኸኣ ተኸለ። ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፡ ኣብ ማእከል ድንኳኑ ኸኣ ጥራዩ ዀነ።” ብምባል መጽሓፍ ዝገለጾ /ዘፍ 9፥20-22/። ኖህ ናይ መስተ ልማድ ስለዝነበሮ ኣይኰነን፣ ዝሰኸረ፤ እንታይ ደኣ ክንዲ ምንታይ ወይኒ ክሰቲ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ኣይነበረን።

እምበኣር ካብዚ ንርድኦ ነገር ተሃልዩ፣ ወይኒ ምስታይ ድህሪ ገነት  ዝመጽአ፣ ጾም ድማ ቅድሚኡ ዝነበረ እዩ። ሙሴ ዉን ብጾም ናብ ከረን ሲና ደየበ /ዘጸ 24፥18/። ንጾም ከም መሳርሒ እንተዘይለብሶ፣ ናብቲ ዝተኽክ ከረን ክድይብ ኰነ፡ ናብቲ ጸልማት ክኣቱ ኣይምደፈረን። ነቲ ብኣጻብዕቲ እግዚአብሔር ዝተጻሕፈ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝተቐበለ ዉን ብጾም እዩ። ጾም ሕጊ የዉህብ፣ ብልዒን ጽጋብን ግና ናብ ኣምልኮ ጣኦት ይመርሕ፣ ምክንያቱ ጽሑፍ እዩ “እቶም ህዝቢ ድማ ኪበልዑን ኪሰትዩን ኮፍ በሉ፡ ኪስሐቑ ኸኣ ተንስኡ።” /ዘጸ 32፥6/ ይብል።

ባርያ እግዚአብሔር ሙሴ፣ ብኣርባዓ መዓልቲን ለይቲን ጾም፡ ንእግዚአብሔር ተጸብዩ ዝረኸቦ ዓሰርተ ትእዛዝ፣ ብሰንኪ መስተ ተሰብረ። ምኽንያቱ እቶም ህዝቢ ትእዛዝ ኣምላኽ ክቕበሉ ድሉዋት ኣይነበሩን። እቲ ብፍሉይ ተኣምራት ተመሪሑ፡ ባዕሉ እግዚአብሔር ድንቂ ነገር እንዳገበረን እንዳመሃረን ዘደሓነ ህዝቢ፣ ብሓደ ግዜ ብሃርገፍገፍ ብልዒ ተሳዒሩ፣ ናብ ኣምልኮ ጣኦት ግብጻዉያን፣ ብርእሱ ተኖቒቱ ኣተዎ። እምበኣር ሕጂ ንክልቲኡ ሸነኻት ጾም ኣዛሚድና ንመርምሮ፤ ጾም ናብ እግዚአብሔር ዝያዳ የቕርበካ፣ በንጻሩ ብልዒ ሃርጎምጎም ካብ ድሕነት የርሕቀካ። ናብ ብልዒን ሃርጎምጎምን ዝዘንበለ፣ ዳርጋ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ዘሎ እዩ።

ኤሳዉ ተታሊሉ፣ ባርያ ሓዉ ክኸዉን ዝገበሮ እንታይ እዩ? ብሰንኪ ሓንቲ ዘይትጠቅም ብልዒ`ዶ ኣይኰነን ቡኽርንኡ ዝሸጠ? /ዘፍ 25፡29-34/

ንሳሙኤል`ኸ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከምዝጥነስ ዝገበሮ እንታይ እዩ፣ ጾም ዝተሓወሶ ጸሎት`ዶ ኣይኰነን? /1 ሳሙ 1፡13-16/

ንሳምሶም ዘይሰዓር ሓይሊ ክህልዎ ዝገበረ እንታይ ይመስለኹም? ብጾም`ዶ ኣይኰነን ኣብ ማህጸን ዝተጠንሰ? /መሳ 13፡4/ ብጾም ተወልደ፡ ብጾም ዉን እንዳተዓንገለ ዓበየ፣ ጾም ናብ እኹል ሰብኣይ ኣብጽሓቶ፣ መልኣኽ እግዚአብሔር ዉን ብጾም ናይታ ኣደ ተሓጐሰ። “ካብ ኦም ወይኒ ዚወጽእ ዘበለ ኣይትብላዕ፡ ወይንን ዜስክርን ከኣ ኣይትስተ፡ ርዅስ ዘበለውን ኣይትብላዕ፡” /መሳ 13፡14/።

ብጾም ነብያት ተወልዱ፣ ሓይሎም ዉን ተሓደሰ፣ ጾም ንጸሓፍቲ ሕጊታት ጥበብ ትህቦም። ጾም ንነፍሲ ትሕልዋ። ጾም ናይ ሰብነት እሙን ዓርኪ፣ ናይ ጅግና መሳርሒ፡ ናይ ስፖርተኛ መሰልጠኒ ማእኸል እያ። ጾም ፈተና ተርሕቀልና፣ ናብ ስነ ምግባር ብቅብኣት ተብጽሓና። ጾም ናይ ንቕሓት ብጻይ፣ ናይ ንጽህና መሳልል እያ። ኣብ ኲናት ብትብዓት ትቃለስ፣ ኣብ ግዜ ሰላም ድማ ስቕታ ትምህረና። ንናዝራዉያን ዝዀኑ ባሕታዉያን እትቅድስ፣ ንካህናት ድማ ናብ ፍጽምና እተብጽሕ።

[1] “Νηστεία” ጾመ ማለት ቃል ብቃሉ፣ ምሕዳግ ወይ ድማ ምቁራጽ ማለት እዩ። ብሓጺሩ መግቢ ምሕዳግ እዩ። ቅ.ባሲልዮስ ዝገልጾ ዘሎ፣ ጾም ነቲ ሓጢኣት እንዳተመገበት እትስልጥነሉ ብልዒ ብምሕዳግ፣ ንሓጢኣት ከም ትቐትላ እዩ።

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል. . . .