ብዛዕባ ዲድኣኬ እንታይ ትፈልጡ?!!!

ዲድዲድኣኬ- ብ12 ሓዋርያት ናብ ኣህዛብ ዝተሰብኸ ናይ ጐይታ ትምህርቲ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን። ዲድኣኬ ማለት ቃል ብቃሉ ካብ ዲዳስኬን ዝብል ናይ ግሪክ ቃል  ዝተወስደ ኮይኑ፣ “ትምህርቲ ምምሃር” ማለት እዩ።

ኣብ ምዉዳእ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሶሪያ ከም ዝተጻሕፈ ዝእመነሉ፣ ሓዋርያዊ ሕጊ ዝሓዘ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጽሑፍ እዩ። ብፍላይ ንዓና ንኦርቶዶክሳዉያን፣ ኣዝዩ ጠቃሚ መወከሲታት ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ከም በዓል ቅዱስ ኤዉሳብዮስ ዘቂሳርያ (324 ዓ.ም. ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ታሪክ ኣቦ)፡ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድሪያ (367 ዓ.ም.)፡ ከምኡ ዉን ቅዱስ ሮፊኖስ (380 ዓ.ም.) ዝኣመሰሉ ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት፣ ስም እዚ መጽሓፍ ጠቂሶሞ ንረኽቦም። ዋላኳ ኣብ ዝርዝር ቀኖና መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኣይእቶ፣ ሓዋርያዊ ሕጊታት ዝሓዘለ ኣዝዩ ጠቃሚ ቅዱስ ሰነድ ምዃኑ ግና ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

መብዛሕቶኦም ናይ ታሪክ ተመራመርቲ ንዲድኣኬ ካብ 80 – 110 ዓ.ም. ከም ዝተጻሕፈ ይእምቱ። ሓዋርያት ናብቶም ኣብ ከባቢ ሶሪያ፡ ግብጺን፡ ፍልስጤምን ዝነበሩ ኣህዛብ (ካብ ወገን ዓሌት ኣይሁድ ዘይነበሩ ግን ብክርስቶስ ዝኣመኑ ህዝቢ) ዝጸሓፍዎ፣ መባእታዊ (መሰረታዊ) ሕጊ ክርስትና ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ።

እቲ ኦርቶዶክሳዊ ሓርበኛ ተባሂሉ ዝተጸዉዐ፣ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ነዚ መጽሓፍ`ዚ ብሓደስቲ ክርስቲያናት ክንበብ ይምዕድ ነበረ። ምክንያቱ መሰረታዊ ሕጊ ክርስቲና ሓዘል ትምህርቲ ስለዘለዎ እዩ።

እዚ መጽሓፍ 16 ምዕራፋት ዘለዎ ኮይኑ፣ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ክንመቕሎ። ቀዳሞት 6 ምዕራፋት፣ ኣብ መንጎ ክልተ መንገዲ፣ መንገዲ ሞትን ህይወትን ዘሎ ፍልልይ ብምንጽጻር ይምህረና። እቲ ትምህርቲ ድማ ኣዝዩ ጥንታዊን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕጊታትን ዝሓዘለን እዩ። ዕላምኡ ድማ ናብ ክርስቲና እምነት ንዝተጸምበሩ ሓደስቲ ምእመናን መበገሲ ሕጊታት ክኾኖም ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ድማ ብዛዕባ፣ መግቢ፡ ጾም፡ ጸሎት፡ ጥምቀትን፡ ቁርባንን ዝሓዘ ኮይኑ፣ ንመራሕቲ ቤተክርስቲያንን፣ ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ እንታይ ዓይነት ትጽቢት ከሕድሩ ከምዝግባእ፣ ዝተጻሕፈ እዩ። ኣብ ዉሽጡ ዉን ቅዳሴ ዝመስል ጽቡቕ ጸሎት ንረክብ። ብዛዕባ “ሓዋርያትን”፣ “ነብያትን” ዝምልከት ሕጊዉን ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ እዚ፣ ነብያትን ሓዋርያትን ተባሂሎም ዘለዉ፣ ናይ ትምህርቲ፡ ናይ ክህነትን፡ ትንቢት ናይ ምንባይ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ሰባት እዮም።You need cialis 40 mg raindogscine.com to work out what sort of sadness or emotional instability you really have.

ኣብ ኣርባዕተ ክንመቕሎም

  1. ቀዳማይ ክፋል ካብ ምዕራፍ 1-6፣ ብዛዕባ ክልተ ኣንጻራዊ መንገዲ ዝሕብር ኮይኑ፣ ሞትን ህይወትን እንዳዛመደ ትምህርቲ ይነግር።
  2. ካልኣይ ክፋል ካብ ምዕራፍ 7-10፣ ብዛዕባ ጾም፡ ጥምቀት፡ ቁርባን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ስርዓት ይነግረና።
  3. ሳልሳይ ክፋል ካብ ምዕራፍ 11-15፣ ብዛዕባ ስብከት ወንጌልን ብዛዕባ እቶም ካብ ሃገር ናብ ሃገር እንዳ ተጓዓዙ ዝምህሩን ይነግር።
  4. ራብዓይን መወዳእታን ክፋል ምዕራፍ 16፣ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ ይዛረብ።

ስለቲ ዘይንገር ዉህብትኡ ንኣምላኽ ምሳጋና ይዂኖ! ብሩኽ ንባብ