ዲድኣኬ-1

ዲድኣኬ- ትምህርቲ ሓዋርያት

ቀዳማይ ክፋል ብዛዕባ ክልተ መንገዲ

መንገዲ ህይወት

1. ክልተ መንገዲ ኣለዋ፣ ሓንቲ ናብ ህይወት ተብጽሕ፣ እታ ሓንቲ ድማ ናብ ሞት ተበጽሕ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ መንገዲታት ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ናብ ህይወት ትመርሕ እዚኣ እያ። ብቀዳምነት፣ ነቲ ዝፈጠረካ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከተፍቅሮ ይግብኣካ። እታ ካልአይቲ ድማ፣ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ከተፍቅር ይግባእ። ነቲ ኣባኻ ክበጽሕ ዘይትደልዮ ነገር፣ ንስኻ ዉን ኣብ ካልእ ኣይትግበር። 3. እምበኣር እቲ ግቡእ ትምህርቲ እዚ እዩ። ንዝረግምኹም መርቁ፣ ምእንቲ ጸላእትኹም ጸልዩ፣ ምእንቲ ሰጎግትኹም ድማ ጹሙ። ንዝፈትዉኩም እንተፈቶኹም፣ እንታይ ጥቅሚ ኣለዎ? ኣህዛብ (ዘይኣመንቲ) ዶ ከምኡ ይገብሩ ኣይኰነን? ነቶም ዝጸልኡኹም እንተፍቐርኩሞም ግና፣ ሽዑ ጸላእቲ ዝበሃሉ ኣይክህልወኩምን እዮም። 4. ካብ ስጋዊን ዓለማዊን ፍትወት ረሓቁ። ኣብ የማናይ መልታሕትኩም ንዝወቅዓኩም፣ ጸጋማይ ወገንኩም ምለስሉ። በዚ ፍጹም ክትኮኑ ኢኹም። ሓደ እመት ንኽትከዱ እንድሕሪ ጎቲትኩም፣ ክልተ እመት ምስኡ ኪዱ። ነጸላኹም ንዝወሰደልኩም፣ ካቦትኹም ዉን ሃብዎ። ናትኩም ዘበለ ንብረት ምስ ዝዉሰደኩም፣ ክምለሰልኩም ኣይትሕተቱ። ክትመልስዎ ኣይኰነልኩምን እዩ። 5.ንዝሓተተኩም ዘበለ ሃቡ፣ ክምለሰልኩም ድማ ኣይትሕተቱ። ምክንያቱ ኣቦ፣ ካብ ኲሉ ሃብቱ ንዂሎም ብልግሲ ህያባት ክዕደል ይፎቱ እዩ። ብሓቂ እቲ ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ ህያባት ዝህብ ሰብ (ምጽዋት ዝህብ ሰብ) ብጹእ እዩ፣ ምክንያቱ ንሱ በደል የብሉን። እቲ ዝቕበል ግና ወይልኡ፣ እቲ ስእነት ሃልዪዎ ዝቅበል በደል የብሉን፣ እቲ ስእነት ከየጓነፎ ዝቕበል ግና፡ ንምንታይ ከምዚተቐበለ ጸብጻብ ክህብ እዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፣ ስለቲ ዝገበሮ ኩሉ ግብሪታት ክምርመር እዩ፣ ነታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ ዝፈዲ ድማ ኣይክወጽእን እዩ። 6. ብዛዕባ`ዚ ዝምልከት ከምዚ ዉን ተባህለ፣ ንመን ክወሃብ ከም ዝግባእ ክሳዕ እትፈልጥ ድማ፣ ኲሉ ምጽዋትካ ዘበለ ካብ ረሃጽ ኢድካ ይኹን።

2. ካልኣይ ሕጊ ናይዚ ትምህርቲ እዚ እዩ። ኣይትቕተል ኣይትዘሙ፣ ንኣወዳት ከተራኽስ ኣይግባኣካን፣ ክትምንዝር ኣይፍቀደካን፣ ብጾታዊ ስምዒት ግብረ ፍኑው ኣይትዂን። ኣይትስረቕ፣ ሽሑርን ኣስማትን ጥንቆላን ኣይትግበር። ጥንሲ ብምስዳድ ንህጻን ኣይትቕተል፣ ምስ ተወልዱ ዉን ክትቐትሎም ኣይግባኣካን። 3. ቤትን ንብረትን ጎረቤትካ (ብጻይካ) ኣይትመነ፣ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ካልኦት ብሓሶት ክምስክሩ ዉን ኣይትድለ፣ ክፋእ ኣይትዛረብ፣ ቂም ድማ ኣይትሓዝ። 4. ክልተ መልሓስ ናይ ሞት መፈንጠራ እያ እሞ፣ ክልተ ዝመልሓሱን ክልተ ዝሓሳቡን ኣይትኹን። 5. ዘረባኻ ሓሶት ወይ ድማ ተግባር ዝጎደሎ ባዶ ኣይኹን፣ ብተግባር ዝተሰነየ ደኣ ይኹን እምበር። 6. ስሱዕ፡ ዘማቲ (ሰራቒ)፡ ግቡዝ፡ ቁጡዕ፡ ወይ ድማ ዕቡይ ኣይትኹን። ኣንጻር ጎረቤትካ ክፋእ ኣይትምሃዝ። 7. ንማንም ሰብ ኣይትጽላእ፣ እንተዀነ ግና ንገሊኦም መዓድ፣ ምእንቲ ገሊኦም ጸልይ፣ ምእንቲ ገሊኦም ድማ ልዕሊ ስድራቤትካ ኣፍቅሮም።

3. ወደየ፣ ካብ ኲሉ ክፋእ ነገርን፡ ንዑኡ ዝመሳሰልን ረሓቕ። ምኽንያቱ ሕርቃን ናብ ምቕታል ስለዘብጽሕ፣ ኣይትቆጣዕ ቀናእ፡ ተቛያቚ፡ ወይ ዉን ሓራቕ ኣይትኹን፣ ምኽንያቱ ቀተልቲ ነፍሲ ከምዚ ስለዝዀኑ። 3. ዉሉደይ፣ ስጋዊ ፍትወት ናብ ዝሙት ክመርሓካ ስለዝኽእል፣ ካብ ስጋዊ ፍትወት ረሓቕ። ጽዩፍ ዘረባ ኰነ ዓይንኻ ምጽቃጥ ኣይተዘዉትር፣ ምኽንያቱ እዚ ዂሉ ዘመዉቲ ስለዘዘዉትርኦ። 4. ነዚ ምስትገብር ናብ ኣምልኮ ጣኦት ክትወድቕ ስለትኽእል፣ ዉሉደይ፡ መጻኢ ነገር ክትግምት ኢልካ ኣይትፈትን። ደጋሚ፡ ዛዕጎል ቆጻሪ፡ ኮኮብ ቆጻሪ፡ ወይ ድማ ኣስማተኛ ክትከዉን ኣይትፈትን፡ ዋላ ክትፈልጦም ኢልካ ናብኡ ገጽካ ኣይትጠምት፣ ምኽንያቱ ነዚ ምስትግበር ናብ ኣምልኮ ጣኦት ክትኣቱ ኢኻ። 5. ዉሉደይ፣ ሓሶት ናብ ስርቂ ክመርሓካ ይኽእል እዩ እሞ፣ ኣይትሓሱ። ስስዐን ከንቱ ዉዳሴን ኣይትፍቶ፣ እዚ ዂሉ ሰረቕቲ የዘዉትርዎ እዮም። 6. ዉሉደይ፣ መማረሪ ኣይትኹን፡ ምክንያቱ ምምራር ናብ ጸርፊ ስለዝመርሕ። ክሳዱ ተሪር ኣይትኹን፣ ክፋእ ሓሳብ ዉን ኣይትሕሰብ፣ እዚ ኹሉ ንጸረፍቲ ጠንቂ እዩ። 7. የግዳስ የዋህ ኩን፣ ምክንያቱ የዋሃት ምድሪ ክወርስዋ እዮም። 8. ዕጉስ፡ ተደናጋጻይ፡ ኣበር ዘይብሉ፡ ሱቕ በሃሊን ዝተማሃርካዮ ቃል እትፈርሕ ኲን። 9. ገዛእ ርእስኻ ልዕል ልዕል ኣይተብል፡ ናብ ነፍሲኻ ዉን ትዕቢት ኣይተእቱ። ብትሕትናን ጽድቂን ደኣ ተመላለስ እምበር፡ ነፍስኻ ኣብ ኣዝዩ ዓበይቲ ነገር ክትጠብቅ ኣይትግበር። ዘጋጥመካ መከራ ኲሉ ብሓጎስ ክትቅበሎ ይግብኣኻ፣ ምክንያቱ ዝዀነ ነገር ብዘይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍቓድ ኣየጋጥምን እዩ።

4. ዉሉደይ ነቲ ቃል ኣምላክ ዝመሃረካ፣ ለይትን መዓልትን ዘክሮ፣ ከም ጐይታ ጌርካ ዉን ኣኽብሮ፣ ምኽንያቱ ኣብቲ ጐይትነት እግዚአብሔር ዝንገረሉ ቦታ፡ ኣብኡ ጐይታ ኣሎ። ብዘይካዚ ዉን፣ በቲ ናታቶም ቃል ዕረፍቲ ምእንቲ ክትረኽብ፡ መዓልታዊ ንቅዱሳን ሰባት ከታናድዮም ኣለካ። 3. ፍልልይ ዝበሃል ኣይትፍጠር፣ እዃደኣ ነቶም ዝከራኸሩ ሰባት ክትዓርቆም ይግባኣካ። ብጽድቂ ፍረድ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ዉን ንዝበደለ ሰብ ክትግስጾ ይግብኣካ። 4. በቲ ትገብሮ ድማ ጥርጥር ኣይተሕድር፣ ክኸዉን ድዩ ወይስ ኣይክኸዉንን ኣይትበል።

5.ኢድካ ንክትቕበል ዘይኰነሲ፣ ንክትህብ ዘርግሓዮ። 6. ግድን ኮይንኻ እንተተቐበልካ ግና፡ ስለ በደልካ ካሕሳ ክትከፍል ይግባኣካ። 7. ንክትህብ ኣይትወላወል፣ ክትህብ እንኮለኻ ዉን ኣይተጉረምርም፣ ምክንያቱ ናይቲ ዂሉ ሰናይ ግብርኻ ዓስቢ ዝህበካ ሕያዋይ ጐይታ መን ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። 8. ካብቲ ዝልመነኻ ነዳይ ገጽካ ኣይትምለስ፣ ንሓዉኻ ኣብ ኲሉ ነገርካ ተማቓሊ ግበሮ፣ “እዚ ናተይ ጥራይ እዩ” ድማ ኣይትበል። ምኽንያቱ ኣብቲ ዘይሓልፍ ነገር ተማቓሊ ካብ ዀንካሲ፣ ክንደየናይ ደኣ ኣብቲ ሓላፊ ነገር ተማቓሊ ዘይትኸዉን?

9.ንኣወዳትካን፡ ኣዋልድካን ኢድካ ኣይትኽልኣዮም፣ እዃ ደኣ ካብ ንእስነቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ክትምህሮም ይግብኣካ። 10. ነቶም ከማኻ ኣብ እግዚአብሔር ዝእመኑ፣ ባሮትካ፡ ኣገልገልቲኻን ይኹኑ ሞግዚታትካን፣ ብቁጥዐ ክትእዝዞም ኣይግባኣካን፣ ከምዚ ብምግባርካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልቴኹም ዝገዝእ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ምፍራሕ ከቋርጹ ምክንያት ክኾኖም ይኽእል። ንሱ (እግዚአብሔር) ናብ ደቂ ሰባት ዝቐርብ ብመጠን እቲ ዘለዎም ክብሪ ርእዩ ዘይዀነሲ፣ እንታይ ደኣ ናብቶም መንፈሶም ድሉው ዝዀነ ሰባት እዩ ዝቐርብ። 11.ንስኹም ኣንቱም ባሮት ድማ፣ ነቶም ጐይቶትኩም ልክዕ ከም ኣምላኽ ብፍርሒን ብራዕዲን ክትግዝእዎም ይግባእ። 12. ኲሉ ግብዝናን፣ ኲሉ ነቲ ንኣምላኽ ባህ ዘየብል ነገር ክትጸልእ ይግባእ። 13.ካብ ሕጊ እግዚአብሔር ፈጺምካ ኣይተልግስ፣ የግዳስ ነቲ ዝተቐብልካዮ ሕጊ ኲሉ ክትፍጽም ይግባኣካ፣ ካብቲ ዝተቐበልካዮ ሕጊ ኣምላኽ ገለ ኣይትወስኽ፡ ገለ ዉን ኣይተጉድል። 14. ኣብ ቤተክርስቲያን ሓጢኣትካ ክትናዘዝ ይግባእ፣ ብርኹስ ሕልና ድማ ኣብ ጸሎት ኣይትሳተፍ። እዚ መንገዲ ህይወት እዩ።

መንገዲ ሞት

Impaired or broken connections of the middle ear and other bacterial infections of the breathing organs Skin pathologies of the infectious etiology, infected diseases of the soft tissues: erysipelas, impetigo, dermatosis infected for the second time, diseases of organs of the urinary excretion of the microbial origin (cystitis, urethritis) Contraindications : Microbial lesion of the stomach and duodenum It is contraindicated for the levitra no prescription secretworldchronicle.com use.
5. ናብ ሞት ዝመርሕ መንገዲ ግና እዚ እዩ። ብቐዳምነት፣ ርኹስን መርገም ዝመልኦን እዩ። ቅትለት፡ ኣመንዝርነት፡ ስጋዊ ፍትወት፡ ዝሙት፡ ስርቂ፡ ኣምልኮ ጣኦት፡ ሽሑር፡ ጥንቆላ፡ ምዝራፍ፡ ብሓሶት ምምስካር፡ ግብዝና፡ ክልተ ልቢ ምዃን፡ ምትላል፡ ትዕቢት፡ ድርቅና፡ ተንኮል፡ ስስዐ፡ ሓሶት ምዝራብ፡ ቅንኢ፡ ድፍረት፡ ገዛእ ርእስኻ ልዕል ምባል፡ ትምክሕቲ፡ ንሕያዎት ሰባት ምስዳድ፡ ንሓቂ ምጽላእ፡ ንሓሶት ምፍታዉ፡ ዓስቢ ጽድቂ ዘይምፍላጥ፡ ናብ ሰናይ ነገር ዘይምክታል፡ ኣብ ናይ ጽድቂ ፍርዲ ዘይምሕባር፡ ንሰናይ ነገር ሓዲግካ ንክፋእ ግብሪ ምንቃሕ፡ ካብ ሕያዉነትን ትዕግስቲን ምርሓቅ፡ ከንቱ ነገር ምፍታው፡ ንድኻ ዘይምድንጋጽ፡ ካሕሳ ምድላይ፡ ነቲ ኣብ ጻዕሪ ዘሎ ሰብ ዘይምሕላይ፡ ፈጣሪኦም ዘይምልላይ፡ ቀተልቲ ህጻናት[1]፡ ፍጥረት ኣምላኽ ዘራኽሱ፡ ኣብ ድኻ ገጾም ዝመልሱ፡ ነቲ ዝተበደለ ዝጸቕጡ፡ ንሃብታማት ዝጣበቑ፡ ንድኻ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ዝህቡ፡ ብጠቕላላ ሓጢኣተኛታት ኢዮም። ደቀየ ካብ ከምዚ ዘበለ ነገራት ክትርሕቁ ይግባእ።

መደምደምታ

6. ማንም ሰብ ካብዚ መንገዲ ጽድቂ ከየርሕቀኩም ተጠንቀቑ፡ ምኽንያቱ ካብ መንገዲ እግዚአሔር ክፈልየኩም እዩ ዝምህረኩም ዘሎ። ምኽንያቱ ንዂሉ ኣርዑት ጐይታ ክትስከምዎ እንድሕሪ ክኢልኩም፣ ፍጹማን ክትዀኑ ኢኹም፣ ንኹሉ ኣርዑት ክትስከምዎ እንድሕሪ ዘይክኢልኩም ግና፡ ዝዓቕምኹም ተሰከሙ።

7. ብዛዕባ ብልዒ ዝምልከት ግና፣ መጠን እቲ ዝከኣለኩም ነቲ ሕጊ (ባህሊ)[2] ሓልዉ፣ ሓንቲ ግና ካብ ንጣኦት ዝተሰዉአ ስጋ ፍጹም ንኸይትበልዑ ብዂሉ መንገዲ ተሓለዉ፣ ጣኦት ህይወት ዘይብሎም ኣማልኽቲ እዮም።

[1] እዛ ነጥቢ ንጥንሲ ምስዳድ ተመልክት

[2] ኣብዚ ነጥቢ`ዚ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ብልዒ ሕጊ ወይ ባህሊ እዩ ክሕልዉ ተነጊርዎም ዘሎ

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል!

ኣምላኽ ኣቦታትና እግዚአብሔር ይኽበር ይመስገን!!