ዲድኣኬ-2

ካልኣይ ክፋል፣ ስርዓት ቤተክርስቲያን

ጥምቀት

  1. ብዛዕባ ጥምቀት፣ ኩሉኹም ክትጥመቁ ይግባእ። ቅድም ነዚ ኹሉ ይድገምዎ፣ ደሓር ግና ኣብ ፈሳሲ (ከያዲ) ማይ[1]ብስም ኣብን፡ ወልድን፡ መንፈስ ቅዱስን ኣጥምቅዎም። ፈሳሲ ማይ እንድሕሪ ዘይተረኽበ ኸኣ፣ ኣብ ዝዀነ ማይ ኣጥምቅዎም፣ ዝሑል ማይ እንድሕሪ ዘይተረኽበ ኣብ ዉዕይ ማይ ኣጥምቅዎም። 3.እዚ ዂሉ እንድሕሪ ዘይተረኽበ ግና፣ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሰለስተ ግዜ  ማይ ኣብ ርእሶም ኣፍሲስኩም ኣጥምቅዎም። 4.ቅድሚ ጥምቀት ግና፣ እቲ ዘጥምቕ ኣገልጋሊን፡ እቲ ተጠማቃይን፡ ካልኦትን[2] ይጹሙ፣ ብፍላይ ነቲ ተጠማቓይ ንሓደ ወይ ድማ ንኽልተ መዓልቲ ክጸዉም ኣዝዞ።

ናይ ጾም መዓልታትን ጸሎትን

  1. ክትጾሙ እንኮሎኹም ከምቶም ግቡዛት[3] ዝገብርዎ ኣይትግበሩ፣ ንሳቶም ኣብ ካልአይቲን (ሰኑይ) ሓሙሸይቲ (ሓሙስ) መዓልቲ ናይ ሶሙንን ይጾሙ። ንሕና ግና ኣብታ ራብዐይቲን (ሮብዕ) ሻዱሸይቲን (ዓርቢን) መዓልቲ ናይ ሰሙን ኢና እንጸዉም። ክትጽልዩ እንኰለኹም ዉን ከምቶም ግቡዛት ዝጽልይዎ ኣይትጸልዩ፣ የግዳስ ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌል ዝኣዘዞ ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ፣ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፣ መንግስትኻ ትምጻእ፣ ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ከምኡዉን ኣብ ምድሪ ይኹን፣ ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና፣ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም ዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና፣ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፣ መንግስትን ሓይልን ክብርን ምስጋናን ንዘለዓለም ናትካ እዩ እሞ፣ ኣሜን። 3. ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ጸልዩ።

ቁርባን[4]

  1. ንምስጋና ቁርባን (ህብስቲን ወይኒን) ዝምልከት ድማ፣ ኲሉ ግዜ ኣመስግኑ። መጀመርታ ንጽዋእ (ወይኒ/ደም) ዝምልከት እዩ፣

ኦ ኣቦና፣ ነቲ ብወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልካ ናባና ዝገለጽካዮ፣ ናይ ወድኻ ዳዊት ቅዱስ ተኽሊ ወይኒ[5] ነመስግነካ ኣለና፣ ክብርን ሓይልን ንዘለዓለም ዓለም ናትካ እዩ፣ ኣሜን።

  1. ብዛዕባ ሙቕራስ ህብስቲ (ስግኡ) ዝምልከት ድማ፣

ኦ ኣቦና ነቲ ብወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልካ ዝገለጽካዮ ህይወትን ፍልጠትን[6] ነመስግነካ ኣለና፣ ክብርን ሓይልን ንዘለዓለም ዓለም ናትኻ እዩ፣ ኣሜን።

  1. ከምዚ እዚ ዝተቖርሰ ህብስቲ ኣብ ጎቦታት ፋሕ ኢሉ፣ ምስ ተኣከበ ድማ ሓደ ዝኸዉን፣ ከምኡ ድማ ቤተክርስቲያንካ ካብ ኲሉ ጫፍ ዓለም ናብ መንግስትኻ ትተኣከብ። ክብርን ሓይልን ናትኻ እዩ፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።
  2. ጐይታ ባዕሉ፣ ነቲ ቅዱስ ነገር ነካልብ ኣይትሃብ ስለዝበለ፣ ብዘይካ እቶም ብስም ጐይታ ዝተጠመቑ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ማንም ካልእ ካብዚ ቁርባን ኣይብላዕን ካብዚ ጽዋእ ዉን ኣይስተን።
  3. ምስ ጸገብኩም፣ ከምዚ ኢልኩም ኣመስግኑ፣

2.ኦ ቅዱስ ኣቦና እግዚአብሔር፣ ስለቲ ኣብ ልብና ክሓድር ዝገብርካዮ ስምካን፣ ብወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልካ ዝገለጽካዮ ፍልጠት፡ እምነትን ዘለዓለማዊነትን ነመስግነካ ኣለና። ንዘለዓለም ንዓኻ ክብሪ ይግባእ።

3.ንስኻ ኲሉ እትኽእል እግዚአብሔር፣ ምእንቲ ቅዱስ ስምካ ኢልካ ንኲሉ ነገር ፈጠርካ። ምእንቲ ከመስግኑኻ ድማ፡ ንሰባት ዝብላዕን ዝስተን ትህቦም። ንዓና ድማ ብጸጋኻ መንፈሳዊ መግብን መስተን ከምኡ ዉን ብወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ ህይወት ሂብካና። 4.ልዕሊ ዂሉ ግና ፍጹም ሓያል ብምዃንካ ነመስግነካ ኣለና። ንዘለዓለም ንዓኻ ክብሪ ይግባእ።

5.ኦ ጐይታ ንቤተክርስቲያንካ ኲሉ ግዜ ዘክራ፣ ካብ ክፉእ ኣድሕና፣ ብፍቕርካ ፍጹም ግበራ፣ ነቶም ንጹሃት ናብቲ ንስኻ ዘዳለኻዮ መንግስቲ ኣክቦም። ክብርን ምስጋናን ንዘለዓለም ዓለም ንዓኻ ይኹን።

6.ጸጋ[7] ይምጻእ፣ እዛ ዓለም ድማ ትሕለፍ። ሆሳእና ንዳዊት ኣምላኽ፣ ንጹህ ዝዀነ ይቕረብ፣ ንጹህ ዘይኮነ ይነሳሕ። ማራንኣታ[8] (ኦ ጐይታ ንዓ) ኣሜን።

7.እቶም ነቢያት[9] ግና፣ ከምቲ ንሳቶም እኹል ዝመሰሎም ምስጋና ከመስግኑ ፍቐዱሎም። ብዛዕባ እቲ ቅብኣት ድማ ከምዚ ኢልኩም ኣመስግኑ፣

ኦ ኣቦ፣ ነቲ ብኣገልጋሊኻ[10] ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጽካልና ቅዱይ ቅብኣት ነመስግነካ ኣለና፣ ንዘለዓለም ዓለም ንዓኻ ክብሪ ይግባእ! ኣሜን።

ቅኑዓት መማህራን

  1. ስለዚ ማንም ሰብ ናባኹም መጺኡ ነዚ ቅድም ዝበልናዮ እንድሕሪ ምሂርኩም፣ ተቐበልዎ። ኮይኑ ግና እቲ መምህር፣ ንርእሱ ካብቲ ቅኑዕ ትምህርቲ ኣልጊሱ፣ ንዓካትኹም ዉን ካብዚ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ካልእ ዲድኣኬ (ትምህርቲ) ዝምህረኩም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣይትቀበልዎ። እቲ መምህር ዝምህሮ ትምህርቲ ንጽድቂ ህይወት ዘተባብዕን፣ ፍልጠት ጐይታ ዘዕብይን እንድሕሪ ኮይኑ ግና፣ ከም ጐይታ ጌርኩም ተቐበልዎ።

3.ሕጂ ከኣ ብዛዕባ ሓዋርያትን ነብያትን ከምቲ ወንጌል ዝህበና መምርሒ፣ ከምዚ ግበሩ። 4.ናባኹም ዝመጽእ ሓዋርያ፣ ልክዕ ከም ጐይታ ጌርኩም ተቐበልዎ፣ 5.ግና ግድን ኣድላዪ እንድሕሪ ዘይኰነሲ ልዕሊ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ኣይጽናሕ። ልዕሊ ስለስተ መዓልቲ እንድሕሪ ጸኒሑ ንሱ ሓሳዊ ነቢዪ እዩ። 6.ሓደ ሓዋርያ ካብ ዓዲ ክለቅቕ እንከሎ፣ ብዘይካ እታ ንሓንቲ ለይቲ ዘድልዮ ስንቂ እንድሕሪ ዘይኮይኑ ካልእ ኣይቀበል።  ገንዘብ እንድሕሪ ሓቲቱ፣ ንሱ ሓሳዊ ነብዪ እዩ።

7.ሓደ ነብዪ ብመንፈስ ተመሊኡ፡ ቃላት ክዛረብ ምስ ጀመረ፣ ማንም ካባኻትኩም ነቲ ነቢዩ ክፍትኖ ኰነ፡ ካብኡ መረጋገጺ  ክደሊ ኣይፈትን፣  ኲሉ ሓጢኣት ክሕደገልኩም እዩ፣ ከምዚ ዝበለ ሓጢኣት ግና ኣይኽሕደገልኩምን እዩ[11] 8.ኮይኑ ግና ብመንፈስ ዝዛረቡ ዘበሉ ኲሎም፣ ከም ናይ ጐይታ ህይወትን ኣካይዳን እንድሕሪ ዘይብሎም፣ ነቢያት ኣይኰኑን። ብጠባያቶም ኢኹም፣ ነቶም ሓቀኛ ነብያት ካብቶም ሓሰዉቲ ነብያት ክትፈልይዎም ትኽእሉ። 9.ስለዚ ሓደ ነብዪ፣ ብመንፈስ እንከሎ ዝብላዕ መግቢ እንድሕሪ ሓቲቱ፣ ካብቲ መግቢ ኣይክበልዕን እዩ፣ እንድሕሪ በሊዑ ግና፣ ንሱ ሓሳዊ እዩ። 10.ከምኡ ዉን ሓደ ነብዪ፣ ዝምህሮ ዘበለ ትምህርቲ ኲሉ ሓቂ ክነሱ፣ ንርእሱ ግና ነቲ ዝምህሮ ዘይገብሮ እንድሕሪ ኰይኑ፣ ንሱ ሓሳዊ እዩ። 11.ካልእ ዉን ሓደ ብኲሉ ህይወቱን ትምህርቱን ሓቀኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ነብዪ፣ ኣብ ዓለም ሚስጢር ቤተክርስቲያን ዝፍጽም፣ ኮይኑ ግና ካልኦት ነቲ ናቱ ኣብነት ህይወት ክስዕቡ ዘይምህር እንድሕሪ ኮይኑ፣ ማንም ሰብ ኣብ ልዕሊ`ዚ ነብዪ ፍርዲ ኣይፍረድ። ነዚ ነብዪ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ፈራዲኡ፣ እቶም ናይ ቀደም ነቢያት ዉን ተመሳሳሊ ነገር ጌሮም እዮም[12]12.ከምኡ ዉን ሓደ ነብዪ፣ ብመንፈስ ተመሪሑ “ገንዘብ ሃቡኒ” ወይ ድማ ነዚ ዝመስል ምስ ዝዛረብ፣ ኣይትስምዕዎ። ኮይኑ ግና ኣብ ክንዲ ካልኦት ድኻታት፣ ገንዘብ ክወሃብ ምስ ዝሓትት፣ ማንም ኣይፍረዶ።

  1. ነቲ ብስም ጐይታ ዝመጽኣኩም ኲሉ ገያሻይ ተቐብልዎ። ምሳኹም ምስ ጸንሐ ድማ ኣጸቢቕኩም የማኑን ጸጋሙን ክትፈልጥዎ ኢኹም። ኮይኑ ግና ሓላፋይ መንገዲ ጥራይ እንድሕሪ ኰይኑ፣ ብዂሉ ዝከኣለኩም ሓግዝዎ። ግድን ኮይኑ ምሳኻትኩም ዘጽንሖ ምኽንያት እንድሕሪ ሃልዪዎ ድማ፣ ካብ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ንላዕሊ ኣይጽናሕ። 3.ኣብ ማእከልኩም ክነብር እንድሕሪ መሪጹ ግና፣ ክእለት እንተሃልዪዎ ወይ ድማ፡ ሸቀጥ ዝኽእል እንድሕሪ ኮይኑ፣ ሰሪሑ ይብላዕ። 4.ሸቀጥ ዘይክእል እንድሕሪ ኮይኑ ግና፣ በቲ ዘለኩም መጠን ክእለት ብኸመይ ዘበለ ኣገባብ ሰሪሑ ነብሱ ይኽእል መርሚርኩም፣ ከም ክርስቲያን ሰሪሑ ክበልዕ እምበር ብትህኪት ከይነብር ሓገዝዎ። 5.ብኸምዚ መንገዲ ክመላለስ እንድሕሪ ዘይመሪጹ ግና፣ እዚ ሰብ`ዚ ብስም ክርስቶስ ዝሽቅጥ እዩ`ሞ፣ ንኸምዚ ዝመሰለ ሰብ ኣስተብህሉሉ።
  2. ኣብ መንጎኹም ክነብር ዝደሊ ነብዪ እንተሃልዩ፣ ቀለቡ ክትህብዎ ግቡእ እዩ። ኣብ ማእከልኩም ክቕመጥ ዝደሊ መምህር እንተሃልዩ ዉን፣ ከምቲ ንዝሰርሕ ሰብ ቀለቡ ዝግብኦ፣ ነቲ መምህር ዉን ቀለቡ ክትቕርቡሉ ግቡእ እዩ። 3.ናይ ወይንኹም ይኹን ናይ እኽልኩም ቀዳማይ ምህርቲ፣ ናይ ከብትኹምን ኣባጊዕኩምን ዉን ቀዳማይ ዉጽኢት፣ ቅድም ነቲ ነብዪ ሃብዎ። ምኽንያቱ ኣብ ማእከልኩም ዝርከቡ ሊቃነ ካህናትኹም ንሳቶም እዮም። 4.ነብያት እንድሕሪ ዘይብልኩም ግና፣ ንድኻታት ሃብዎ። 5.ሕብስቲ (እንጌራ) እንድሕሪ ሰንኪትኩም፣ “ናይ መጀመርያ ፍረኹም” ወሲድኩም፣ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ከምኡ ሃቡ። 6.ከምኡ ዉን ጀሪካን ወይኒን ወይ ጀሪካን ዘይቲ እንድሕሪ ጾሚቕኩም፣ “ናይ መጀመርያ ፍረኹም” ወሲድኩም ነቲ ነብዪ ሃብዎ። 7.ከምኡ ዉን ካብ ገንዘብኩም፡ ክዳዉንትኹምን፡ ኲሉ ሃብትኹም፣ ከምቲ ንዓኹም ብቁዕ ኮይኑ ዝተሰምዓኩም “ናይ መጀመርያ ፍረኹም” ዘበለ ወሲድኩም፣ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ሃቡ።
  3. levitra sale check for source It’s easy to see that the future is commingled with the past.

  4. ኣብ መዓልቲ ጐይታ[13] ኲሉኹም ተኣከቡ፣ ህብስቲ ቁረሱ፡ ቁርባን ዉን ኣቕርቡ፣ ቅድሚኡ ግና ምእንቲ መስዋእቲኹም ንጹህ ክኸዉን ሓጢኣትኩም ተናዘዙ። ምስ ብጻዩ ዝተባእሰ እንተሃልዩ፣ ቅድሚ ምስቲ መባእስቱ ምትዕራቁ፣ ናብ ቁርባን ፍጹም ክቐርብ ኣይግብኦን፣ እንተዘይኰይኑ መስዋእትኹም ከራኽሶ እዩ። 3.መስዋእቲ ኢሉ ጐይታ ዝተዛረቦ ብዛዕባ እዚ እዩ፣ “ኣነ ዓቢይ ንጉስ ስለዝዀንኩ፣ ኣብ ኲሉ ግዜን ኣብ ኲሉ ቦታን ንጹህ ዝዀነ መስዋእቲ ኣቕሩቡለይ፣ ይብል እግዚአብሔር። ስመይ ዉን ኣብ ኲሉ ህዝቢታት ግሩም እዩ።”
  5. ንዓኻትኩም ዘገልግሉ፣ ብቁዓት፡ ትሑታት፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰኑን፡ ቅኑዓትን፣ ዝዀኑ ጳጳሳትን ዲያቆናትን ሕረዩ። እዚኣቶም ናይ ነብያትን መማህራንን ኣገልግሎት ዝፍጽሙ እዮም። ከም ተራ ሰባት ጌርኩም ዉን ኣይትንዓቅዎም፣ ከም መማህራንን ነቢያትን ማዕረ ክብሪ ኣብ መንጎኹም ክትህብዎም ይግባእ።

3.ከምቲ ኣብ ወንጌል ዘንበብኩሞ፣ ነንሕድሕድኩም ተኣራረሙ፣ የግዳስ ብሕርቃን ዘይኰነሲ ብሰላም ግበርዎ። ነቲ ንብጻዩ ሕማቕ ዝገብር ሰብ ኣይተዛርብዎ፣ ክሳብ ጌግኡ ኣሚኑ ዝንሳሕ ዉን ካባኻትኩም ቃል ዝበሃል ክሰምዕ የብሉን። 4.ኣብ ኲሉ ትገበርዎ፡ ኣብ ጸሎትኩምን ኣብ ምጽዋትኩም ዉን፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ጐይታ ተጻሒፉ ዘሎ ከምኡ ግበሩ።

  1. ንህይወትኩም ኲሉ ግዜ ሓልዉዋ፣ ብርሃንኩም ክትጠፍእ ኣይትሕደግዎ፡ ሕቘኩም ዉን ዕጡቕ ይኹን፣ ምክንያቱ ጐይታ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፣ ኲሉ ግዜ ተዳሊኹም ንበሩ። ገዛእ ነፍስኹም ብመንፈሳዊ ነገራት ክትሃንጽዋ ኲሉ ግዜ ተኣኸቡ፣ ምኽንያቱ ክሳብ መወዳእታ ሰዓት ፍጹማት ኰይንኩም እንተዘይጸናሕኩም፣ እቲ ቀደም ዘሕልፍኩሞ ናይ እምነት ህይወትኩም ኣይክጠቕመኩምን እዩ።

3.ኣብቲ መወዳእታ ዘመን ሓሰዉቲ ነብያትን መታለልቲን ክበዝሑ እዮም፣ ብዙሓት ኣባጊዕ ዉን ናብ ተዃሉ ክቕየሩ እዮም፣ ፍቕሪ ናብ ጽልኢ ክትቅየር እያ። 4.ክፍኣት ኣብ ምድሪ ስለዝበዝሕ ድማ፣ ሰባት ነንሕድሕዶም ክጻልኡን፡ ክከሓሓዱን እዮም፣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከሳድዶ እዩ። ሽዑ እቲ ናይ ዓለም መስሓቲ ከም ወዲ ኣምላኽ መሲሉ፣ ተኣምራትን ምልክታትን እንዳገበረ ክግለጽ እዩ፣ ምድሪን ንዕዑ ኣሕሊፋ ክትዋሃቦ እያ፣ ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ተገይሩ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ርኹስ ነገራት ድማ ክገብር እዩ። 5.ሽዑ ሰባት ናብ ሓዊ ፈተና ክኣትዉ እዮም፣ ብዙሓት ዉን ክስሕቱን ክወድቑን እዮም፣ እቶም ብእምነቶም ክሳብ መወዳእታ ዝጸንዑ ግና ብእኡ በቲ መርገም[14] ባዕሉ ክድሕኑ እዮም።

6.ብድሕሪ‘ዚ ምልክት ናይቲ ሓቂ ክግለጽ እዩ፣ ቅድም ሰማያት ክኽፈቱ እዮም፣ ብድሕሪኡ ድምጺ መለከት ክስማዕ እዩ፣ ኣብ ሳልሳይ ድማ ሙታን ክትንስኡ እዮም፣ 7.ግን ኲሎም ኣይኰኑን። ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ፣ “ጐይታ ምስ ኲሎም ቅዱሳኑ ክመጽእ እዩ።8.ጐይታ ድማ ብደመና ሰማይ ተጻዒኑ ብግርማ ሓይላትን ስልጣናትን ክመጽእ እንከሎ ዓለም ክትርእዮ እያ፣ ንኲሉ ሰብ ዉን ብሓቀኛ ፍትሒ፣ ኣብ ቅድሚ ሰባትን መላእኽቱን፣ ገግብሩ ክፈርዶ እዩ። ኣሜን!

[1] ከያዲ ማይ ማለት ፈለግ ወይ ድማ ዉሕጅ ማለት እዩ።

[2] ካልኦት ኣገልገልትን ስድራቤትን

[3] ግቡዛት ዝብሎም ዘሎ፣ ብክርስቶስ ንዘይኣመኑ ኣይሁዳዉያንን ከምኡ ዉን ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ክነሶም ሕጊ ኣይሁድ ዝስዕቡ እዩ

[4] ኣብዚ ምዕራፍ`ዚ፣ «ክብሪን ሓይሊን ንዘለዓለም ዓለም ናትኻ እዩ፣ ኣሜን።» ዝኣመሰሉ ሓሳብት ተደጋጊሙ ንረኽቦ ኢና። እዚ ብምእመናን ዝምለስ ተሰጥኦ እዩ።

[5] ተኽሊ ወይኒ ተባሂሉ ዘሎ፣ በቲ ሓደ እቲ ንቤተክርስቲያን ዝምግባ ናይ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደም የመልክት፣ በቲ ካልእ ድማ ንሕብረት ምእመናን የመልክት «ጕንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፣ ኣህዛብ ሰጒግካውን ተኸልካያ።» መዝ 80፡8 ተባሂሉ ከምዝ ተጻሕፈ።

[6] ህይወትን ፍልጠትን ተባሂሉ ዘሎ፣ ዘለኣለማዊ ህይወት (ዮሃ 3፡15)፡ ከምኡ ዉን ፍልጠት ኣምላኽ «ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ።» 2ይ ቆሮ 4፡6። እዚ ዂሉ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ናባና ናብ ደቂ ሰባት ዝተዋህበ ህያባት እዩ። እዚ ጸሎት`ዚ ካብ ኣይሁድ ስርዓት ዝተወርሰ እዩ።

[7] ጸጋ ማለት ናይ ክርስቶስ ስም እዩ። ጐይታ ባዕሉ ጸጋ ተባሂሉ ይጽዋዕ

[8] ብኣራማዪክ፣ «ጉያታና ንዓ» ማለት እዩ። ካብ ቅዱስ ጳዉሎስ መልእክቲ ካብ ራእይ ዮሃንስን ዝተወስደ ናይ ጥንቲ ክርስቲያናዊ ጸሎት እዩ (1 ቆሮ 16፡22 ራእ 22፡20)

[9] መማህራን

[10] ኣብ ጸሎታት ገሊኡ ትርጉም፣ «ብወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ» ይብሎ፣ ኣብ ገሊኡ ትርጉሙ ድማ «ብኣገልጋሊኻ ኢየሱስ ክርስቶስ» ይብሎ

[11] ምኽንያቱ ነቲ ነቢዩ ብመንፈስ ተመሪሑ ዝዛረቦ ነገራት ምጥርጣር ማለት፣ ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ እዩ። ምክንያቱ ኣብቲ ነብዪ ሓዲሩ ዕዮ ዝዓዪ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

[12] ናይዛ ነጥቢ መልእክቲ ክትርድኦ ቅሩብ ክብድ ይብል፣ “ኣብ ዓለም ሚስጢር ቤተክርስቲያን ዝፍጽም” ኢሉ ዝገልጾ፣ እሞ ድማ ናይ ቀደም ነብያት ከምኡ ይግበሩ ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ፣ እንታይ እዩ። ምናልባት እዚ ነገር ከምቲ ነብዪ ሆሴእ ዝገበሮ፣ መልእክቲ እግዚአብሔር ናብታ ዘማዊት ሃገረ እስራኤል ከመሓላልፍ ኢሉ፣ ዘማዊት ሰበይቲ ዝተመርዓወ፣ ወይ ድማ ከምቲ ነብዪ ኤልያስን መጥምቀ መለኮት ዮሃንስ ዝገበርዎ ብድንግልና ምንባር ክኸዉን ይኽእል፣ ወይ ድማ ከምኦም ሃብተ ትንቢት ዝተዋህባ ነብዪት ምምርዓው ይኸዉን። ምናልባት እቲ ኣብ ዓለም ሚስጢር ቤተክርስቲያን ዝፍጽም ተባሂሉ ዘሎ፣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክኸዉን ይኽእል። ስለዚ እቲ ነብዪ ንከምዚ ዓይነት ነገራት፣ ካልኦት ክስዕብዎ ስለዘይመሃረ ማንም ሰብ ክፈርዶ ኣይግባእን።

[13] መዓልቲ ጐይታ ማለት ሰንበተ ክርስቲያን እያ።

[14] ኣብዚ “መርገም” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ፣ “ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኮይኑ” ተባሂሉ ዝተነግረ፣ ንክርስቶስ እዩ ዘመልክት።

ሙሉእ ጽሑፍ ከተንብብ ኣብዚ ጽቐጥ ዲድኣኬ

ምስጋና ንኣቦ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ኣሜን!!