ደም ሰማእታት ናይ ቤተክርስትያን ዘርኢ እዩ

21 ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ቅንያት፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዂሉ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣንጻር ኣምንቲ ክርስቶስ ዝወርድ ዘሎ መከራ፣ ኣብ ፍሉይ ጥርዙ ከም ዝበጽሐ ዝተጋህደሉ ቅንያት እዩ። 21 መናእሰያት ግብጻዉያን ክርስቲያናት፡ በቶም ሰዓብቲ ናይ ‘ሰላም’ ተሓሪዶም። ጽባሕ ሰንበት ኲለን ናይ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት ናይ ቅዳሴ ጸሎተን ምእንቲ እዞም ሰማእታት ከብጽሓ እየን።

እዚ ቅንያት ሕጂ ዉን ቤተክርስትያን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ትዓዪ ከም ዘላ ዝተመስከረሉ እዩ። እዞም መናእሰያት ንገሊኦም ዉላድ፡ ንገሊኦም ስድራ፡ በዓልቲ ሓድርን፡ ኣለይቲ ስድራቤትን ኔሮም፣ ብሰብ ዓይኒ ክንጥምቶ እንከለና ዕረፍቶምን ካብ ፈተዉቶም ምፍላዮምን ዘንብዕ እዩ፣ እንተዀነ ቤተክርስትያን በዞም ሰማእታት እዚኦም ሕጉስቲን ሕብንቲን እያ።

ሰማእት ማለት፡ “ሰምዕ” ዝብል ቃል ኰይኑ ትርጉሙ “ምስክር” ማለት እዩ። እቲ፣ ነቲ መንገዲ ሓቂን ህይወትን ዝዀነ ጐይታ፣ ዝስዕብ ሰብ፣ ብሰንኪ እምነቱ ዝወርዶ መከራ ዝቕበል፡ ብህይወቱ ሓይሊ ኣምላኽ ዘርኢ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንስም ክርስቶስ ዝእመን፡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ነፍሱ በጃ ኣሕሊፉ ዝህብ፡ ኣብ መወዳእታ ዉን ደሙ ክሳብ ምፍሳስ ክሳብ ሞት እሙን ዝኸዉን፣ ኩሉ ሰማእት /ምስክር/ ይበሃል። “ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ
ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ድማ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። “ /ማቴ 10፡32-33/

እዞም 21 መናእሰያት ዉን ሰማእታት እዮም። ምክንያቱ ስሙ ንከይክሕዱ መሪጾም፡ ዋጋ ምርጭኦም ድማ ተሰዪፎም። ጅሆ ተወሲዶም ቀንዮም፡ ኣብ ቅድሚኦም ዉን ምርጫ ተዋሂብዎም፡ ወይ ናብ ‘ሰላም’ መንገዲ ክቅይሩ፡ ወይ ዉን ነቲ212 ጀማሪን ፈጻሚን እምነቶም ምዃኑ ኣሚኖም ዝሓዝዎ “ንጉስ ሰላም፡ ሰላማዊ ኢየሱስ ክርስቶስ” ክኽሕዱ። ኣብ ቅድሜኦም ጐይታ ኣሎ፣ ካብ ዝዉለዱ ጀሚሮም ዝፈለጥዎ፣ መስቀሉ ተሰኪሞም ዝሰዓብዎ፡ ንኽብሩ እንዳሰገዱ ብሰዓታት ጸሎት ዘመስገንዎ፣ ቃሉ ክዝክሩ ጀመሩ። “እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ።” /ማቴ 10፡39/ ዉሳኔ ዉን ወሲኖም። ዉሳኔ ጐይትኦምን፡ ዉሳኔ ንጐይታ ዝሰዓቡ ሰማእታትን።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ከድሕን ኢሉ፣ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ፣ ምርጫ ቀሪቦምሉ ኔሮም፣ “ርእስኻ ኣድሕን” እንዳበሉ ካብ መስቀል ንኽወርድ፣ ኮይኑ ግና ፍቕሪ ስለዝመረጸ፣ ኣብ መስቀል ክጸንሕ መረጸ። “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።” 1ይ ጴጥ 2፡12 ብድሕሪኡ ዝመጽኡ ኩሎም ሓዋርያት ዉን ናቱ ኣሰር ብምስዓብ ብሰማእትነት ሓለፉ።

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ወደ መዝሙር ዘነበረ ሰማዕት ቅዱስ ፖሊካርፐስ፣ ተታሒዙ ንስም ክርስቶስ ክጸርፍ፡ ብስም ቄሳር ድማ ክምህል፣ ነዚ እንድሕሪ ጌሩ ድማ ናጻ ክሓድግዎ ምዃኑ ምርጫ ሂቦሞ፣  ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፣

“86 ዓመት ሙሉእ ኣገልጊለዮ ኣለኹ፣ ሓንቲ መዓልቲ እዃ ትኹን ሕማቅ ኣይፈደየንን፤ ስለዚ ከመይ ጌርኩም ነቲ ንጉሰይን መድሓኒየይን ክጸርፍ ይኽእል? ነቲ ንስኻትኩም በሊሕ እትብልዎ ብዛዕባ ቄሳር ክምሕል ትጽበዩኒ ተሃሊኹም፣ ምስክንርነተይ ስምዑ፣ ኣነ ክርስትያን እየ። ብዛዕባ ክርስቲና ክትመሃሩ እንድሕሪ ደሊኹም ድማ ግዜን ቦታን ፍለዩ።” ዑ ብሰማእትነት ማለት ብሓዊ ተቓጺሉ ዓረፈ።

ቅዱስ ኣግናጥዮስ ዘኣንጾክያ ምጥዉ ለኣንበሳ፣ ዉን፣ ተታሒዙ ናብ ሮም ብሰማእትነት ክመዉት ይወስድዎ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፣ ኲሉ ግዜ ስም መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣፍ ይፈልያ ኣይነበረን። እቶም ዘጋፍዕዎ ዝነበሩ ወታሃደራት፣ “ነዛ ስም እዚኣ ኣይተዕርፋን ዲኻ?” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ “ከመይ ጌረ ስም ኢየሱስ ካብ ኣፈይ ክፈልያ ኣብ ልበይ እንድያ ሰፊራ!” በሎም። ኣብ ሮም በጺሑ ኣብቲ ጉድጓድ ኣናብስ ተደርበየ፣ ኣናብስ ዉን ን ቅዱስ ኣግናጥዮስ ጠሓርዎ፡ ስግኡን ዓጽሙን ዉን ጣሓንዎ። ካብተን ኲሉ ኣካላቱ ግና፣ ልቡ ንበይና ብመለኮታዊ ተኣምራት ተረፈት። ሽዑ እቶም ‘ስም ኢየሱስ ኣብ ልበይ ሰፊራ ኣላ’ ኢሉ ዝተዛረቦም ወታሃደራት፣ ንልቡ ጥራይ በይና ተሪፋ ምስ ረኣይዋ፣ “እስከ ንዑናይ ኢየሱስ ዝብል ስም ኣብ ልቡ እንተሃልያ ንፈትሻ” ኢሎም፣ ንልቡ ብካራ ጭድድ ምስ ኣበልዋ። “ኢየሱስ” ዝብል ስም ዘለዎ ብወርቂ ዝተሰርሐት ንኢሽተይ ኩዕሶ ኣብ ልቡ ረኸቡ። ስለዚ ዉን እዩ ናይ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ካልእ ስሙ “ተሰካሚ ኣምላኽ/Theophorus” ዝተባህለ።

እዛ ሕጂ ቱኒዝያ ትበሃል ዓዲ፡ ቀደም ካርቴጅ ወይ ዉን ክርጣግና ትበሃል ነበረት። ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ቱኒዝያ ብዙሕ ናይ ሰማእታት ደም ፈሲሱ እዩ። እምበኣር ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ኲነታት እዩ፣ ኣብቲ ግዜ`ቲ ዝነበረ መምህር፣ “ደም ሰማእታት ናይ ቤተክርስትያን ዘርኢ እዩ” ዝበለ።

ደም ሰማእታት ቤተክርስትያን ዝያዳ ትፈርየሉ፡ ዘርኣ እዩ። ዘርኢ ፋሕ ኢሉ ክዝራእ እንከሎ፡ ጽቡቕ ዝርጋሐ ይህልዋ። ቤተክርስቲያን ዉን ብደም ሰማእታት እያ ዝያዳ እትዓቢ። ለንቀነ ዉን ብደም ናይዞም 21 ሰማእታት ቤተክርስቲያን ዝያMartyዳ ክትዓቢ እያ፣ ምክንያቱ ንሳቶም ዘሪኢ ኮይኖም ከስፍሕዋ እዮም፣ እንተ ኣብዚ ምድሪ`ዚ ክሳብ ሞት እሙን ብምዃኖም ብዝገደፉልና ኣብነት፣ እንተ ኣብ ሰማያዊ መንግስቲ ብየማን ኣምላኽ ደዉ ኢሎም ብዝገብርዎ ጸሎት። ቤተክርስትያን ብደም ሰማእታት ዝጠጥዐት ትኽለ ወይኒ እያ። ሕጂ ዉን ክትፈሪ እያ። ድጌታት ሲኦል ዉን ኣይክሕህይልዋን። ቅድም ኣይህዱ፡ ደሓር ሮማዉያን፡ ቀጺሎም ዉን ኣረመኔታት፡ ፋሪሳዉያን፡ ኣዕራብ፡ ኣስላም፡ ቱርካዉያን፡ ኮሙኒዝም. . .ወዘተ ኣሳቕዮማ፣ ንሳ ግና ብደም ሰማእታት ዝያዳ ኣንዳጠጥዐት መመሊሳ ትፈርይ ኣላ። ስታሊን ንሩሳዉያን ናብ ናይ ሳይበርያ ካምፒታት እንዳወሰደ እንተኣሰሮም፣ ኣብ ናይ በረድ ባሕሪ እንተጥሓሎም፣ ንክርስቶስ ክስዕሮ ኣይከኣለን። ሽዑ ናይቲ ግዜ`ቲ ናይ ኮሚንስት ቀንዲ ኣነሃሃሪ ዝነበረ ሩሲያዊ የመልያን ያሮስላቭስኪ ንናይ ክርስቲያናት ጽንዓት ምስ ረኣየ ከምዚ በለ፣

“ክርስቲያናትን መስማርን ሓደ እዮም። ኣትሪርካ እንተሃረምካዮምሲ፡ ኣጥቢቆም ይለግቡ።” ክርስቲያን መስማር እዩ። ኣብዚሖም መከራ እንተዉረዱልና፣ ኣጥቢቕና ናብ ክርስቶስ ክንለሓግ ኢና።

ቅዱስ ቆጵርያኖስ ዘክርጣግና (200-258)፣ ናይዛ ሕጂ ቱኒዝያ ትበሃል ዓዲ (ናይ ቀደም ካርቴጅ) ጳጳስ ነበረ። ናይ ሮም ንጉስ ቫለሪያን ኣንጻር ክርስቲያና ናይ ስደት ኣዋጅ ኣብ 256 ዓ.ም. ምስ ኣወጀ፣ ንምእመናን ብሕቡእ ዘጸናንዕ ዝነበረ፣ ድሓር ዉን ንርእሱ ብሰማእትነት ኣብ 258 ዓ.ም. መስከረም 14ዝዓረፈ እዩ። ቅድሚ ዕረፍቱ ብዛዕባ ሰማእታት ካብ ዝጸሓፎ እነሆ፦

You can simply go with any of the choice to make navigate to these guys order cheap viagra his sexual health great.

ጽኑዕ እምነት ሰማእታት

እንቱም ኣዚኹም ተባዓት ዝዀንኩም ኣሕዋተይ፣ ንዓኹም ዝዉድስ ቃላት ኣበይ ክረኽብ? ነቲ ኣብ እምነትኩም ዘሎኩም ጽንዓትን ኣብ ልቢኹም ዘሎ ብርትዐን፣ ዝበቅዕ ዘረባ`ኸ፣ ከመይ ጌረ ከዳሉ? ነቲ፣ በቶም ጨቃናት ገፋዕቲ ዝወረደኹም መከራ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊስኩም ኢኹም። ንመከራ ፈሪሕኩም ኣይተሳዕርኩምን፣ መከራ ደኣ በንጻሩ ብኣኹም ተሳዕረ። እቲ ዝወረደኩም ግፍዒ ናይ ስቓይኩም መፈጸምታ ኣይነበረን፣ እንታይ ደኣ በዚ ስቓይ ኣቢልኩም ኣክሊል ህይወት ደኣ ረኸብኩም። ናይቲ ስቓይ ሓይሊ እንዳወሰኸን እንዳሓየለን ኸደ፣ እንተዀነ ግዳ፣ ነቲ ኣብ እምነት ዝነበረ ጽንዓት ኣይሰበሮን፣ በንጻሩ ደኣ፡ ነቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት ናብ እግዚአብሔር ጐይትኦም ቀልጢፎም ንኽኸዱ ገበሮም።

እቶም ተኣኪቦም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ህዝቢ፣ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊ ኲናትን ናይ ክርስቶም መንፈሳዊ ቅልስን ብባሮቱ ኣቢሉ ክፍጸም ከሎ ኣስተዉዓሉ፣ ሓሳባቶም ኣይተሳዕረን፡ ድምጾም ዉን ንጹር ነበረ፡ ብመለኮታዊ ሓይሊ ጸኒዖም ደዉ ምባሎም ድማ ምስ ረኣዩ፣ ሽዑ ኣዝዮም ተገረሙ። እቶም ሰማእታት ዓለማዊ ኣጽዋር ኣይነበሮምን፣ ኮይኑ ግና ብናይ እምነት ኣጽዋር ሙሉኣት ነበሩ። ደዉ ኢሎም ብዙሕ መከራ ተቀበሉ፣ ግና ጽንዓቶምን እምነቶምን ልዕሊቶም ዘጋፍዕዎም ዝነበሩ ሰባት ጽኑዕ ነበረ። ዋላዃ ኣካላቶም ዝተቐጥቀጠ፡ ዓጽሞም ዝተስበረ፡ ስግኦም ዝተሓርደ እንተነበረ፤ ነቲ ዘሳቕዮምን ዝሃርሞምን ዝነበረ መሳርሒታት ግና ስዒሮሞ እዮም።

ኣዝዩ ብዙሕ መከራ ወሪድዎም፡ ስግኦም ተዘልዚሉ፡ ዓጽሞም ክሳብ ዝቑጸር ተቐጥቂጦም፤ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኩርማጅ ዝዓርፈሉ ስጋ ክሳብ ዝስእን መከራ ተቐበለ፣ ግን ማንም ነቲ ጽኑዕ እምነት ዝስዕር ሓይሊ ኣይነበረን። ነቲ ዝወርድ ዝነበረ ናይ ስደት ግፍዒታት ከርዊን፡ ናይ ገሃነም እሳት ከጥፍእን፤ ደም ቅዱሳን ከም ማይ ወሓዘ።

እዚ ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክንዲ ምንታይ መስተንክር እዩ? ክንደይ ደስ ዘብል ልዑል ነገር እዩ? እዚ ነገር`ዚ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ኣዝዩ ቅቡልን ክቡርን እዩ። ምኽንያቱ ናይ ወታሃደራቱ (ሰማእታት) ጽንዓቶም፡ ተኣዛዝነቶምን እምነቶምን ዘርኢ ስለዝዀነ። መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ እቲ ዘማራይ ኣቢሉ፣ ” ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።” /መዝ 116፡15/ በለ። እቲ ብደሙ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝዓደገ ናይ ሰማእታት ሞት ኣዝዩ ክቡር እዩ፣ ብዘርኣዮ ሰናይ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣክሊል ህይወት ዝተቐበለ ናይ ሰማእታት ሞት ኣዝዩ ክቡር እዩ።

ክርስቶስ ክንዲ ምንታይ ተሓጒሱ ይኸዉን! በዞም ኣገልገልቱ ኣቢሉ ተቃሊሱን ስዒሩን እዩ፣ ነቶም ኣመንቲ ድማ እምነቶም ዓቂቡ ዘድልዮም ዋጋ (ዓስቢ) ድማ ሂብዎም። ኣብቲ ቃልሲን ገድሊን ንሱ ባዕሉ ኣብኡ ነበረ፣ ነቶም ስሙ ልዕል ዘበሉ ተዓወትቲ ጎባልል ዉን ንዕኦም ክብ ክብ ኣበሎም፣ ሓድሽ መንፈስ ሂቡ ዉን ዝያዳ ኣሐየሎም። እቲ ምእንታና ክብል ሓንሳብ ንሞት ዝሰዓረ፣ ሕጂ ዉን ኣባና ሓዲሩ ንሞት ይስዕር ኣሎ።

ቤተክርስትያንና ኣዝያ ተሓጒሳ ኣላ፣ ብኽብሪ ምሕረት ኣምላኽ ኲሉ ግዜ ብርህቲ እያ፣ ሕጂ ድማ ብደም ክቡራት ሰማእታትና ነጺሃ ኣላ! ቅድም ብሰናይ ግብሪ ደቃ (ኣመንቲ) ጻዕዳ ብርሃን ኣብረሀት፣ ሕጂ ድማ ብደም ሰማእታት ቀይሐት። ካብ ኣጸድ ቤተክርስቲያንና ጻዕዳን ቀይሕን ዕምባባ ይዕንብብ ኣሎ።

እምባኣር ናብዚ ክብሪ`ዚ ንመጣጠር፣ ካብዘን ክልተ ክብሪታት ንሓዲአን ክንበጽሕ ንጋደል። ነፍሲ ወከፍና፣ ወይም ሰናይ ህይወትን ሰናይ ግብሪን ብምሓዝ ብጻዕዳ ዕምባባ ንሰለም፣ ወይ ድማ ምእንቲ ስሙ መከራ ብምቕባል ቀይሕ ኣክሊል ንሰለም።

ምሳጋና ንኣቦን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን፣ ኣሜን!

ነዛ መኽፈቲ ሓረግ ዝተዛረባ፣ ጠርጡላን /Tertullian/ ይበሃል። ቅድም ናይ ቤተክርስቲያን መምህር ዝነበረ ደሓር ግና ናብ ካልእ ምንፍቅና Montanism ሞንታኒዝም ዝበሃል ኣትዩ ዝተወገዘ እዩ። ነዛ ቃል ገና ክርስቲያን እንከሎ ዝተዛረባ እዩ።