ጾም 2ይ ክፋል-ብቅዱስ ኣግናጥዮስ ናይ ብራይንኮኒኖቭ

fastካብ ቀዳማይ ክፋል ዝቐጸለ

ልዕሊ ዓቀን ጾም፣ ማለት ካብ ዓቅሚ ሰብነትና ንላዕሊ ካብ ብልዒ ምኽልካል፣ ብቅዱሳን ኣቦታት ኣይድገፍን እዩ።

ጾም ንሰብ ካብ ስጋዊ ፍትወታት ሓራ ትገብሮ እያ። ብጸሎት ኣቢልና፣ ኣንጻር ስጋዊ ፍትወትና እንዳተቃለስና ክንስዕር እንከለና፣ ጾም ድማ ንኩልንትናዊ ሰብነትና ሰንጢቃ ብምእታዉ፣ ንዉሽጥና ተንጽሆ። ናብዚ፣ ዝነጽሀ መንፈሳዊ መቅደስ ሰብነትና ድማ፣ ንእግዚአብሔር ተእትዎ።

እቲ ንመሬቱ ከይሓረሰ፣ ዝዘርእ ሓረስታይ፣ ዘርኡ ብከንቱ የባኽን፣ ኣብ ክንዲ ስርናይ ድማ እሾኽ ክረኽብ እዩ። ከምኡ ዉን፣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና፣ ስጋና ከየጽረና፡ ናይ ጸሎት ዘርኢ እንተዘራእና፣ ኣብ ክንዲ ጽድቂ፣ ሓጢኣት ክነፍሪ ኢና። ጸሎትና ብዝተፈላለየ ሓሳባትን ስምዒትን (ፋንታዝያ) ክርበሽን ክስረቕን እዩ፣ ብስጋዊ ስምዒት ዉን ክንረኽስ ኢና። ስጋና ካብ መሬት (ሓመድ) እዩ ተፈጢሩ፣ ስለዚ ከም መሬት ጌርና ክንከናከኖ ይግባእ፣ ከም መሬት ጌርና እንድሕሪ ዘይኰስኪስናዮ፣ ናይ ጽድቂ ፍረ ክህበና ኣይኽእልን።

በንጻሩ ሓደ ሰብ፣ ንመሬቱ ጽቡቕ ጌሩ ኰስኪሱን፡ ብብዙሕ ወጻኢታት ኣጽርዩን ከብቅዕ፣ ዘርኢ ከይዘርአ እንድሕሪ ሓዲግዎ፣ ብጽዑቅ ጻህያይ ተመሊኡ፣ ድኻሙ ንከንቱ ኮይኑ ይተርፍ። ስለዚ ነፍሲ ዉን፣ ብጾም ጸርያ ከተብቕዕ፡ ብጸሎት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን፡ ትሕትናን ጌርና እንድሕሪ ዘይኰስኪስናዮ፣ ትዕቢት፡ ከንቱ ዉዳሴን፡ ሰብ ምንዓቅን፣ ዝኣመሰሉ ናይ ነፍሲ ጻህያይ ከነፍሪ ኢና። ጾምና ዉን ናይ ጻህያይ መፍረዪ ኮይኑ ይተርፍ።

ሃርጎምጎምን ስኽራንን ዝኣመሰሉ ፍትወታት ካብ ምንታይ ይብገሱ? መግቢን መስተን ባህሪያዊ እዩ፣ ግቡእ ዓቀን ዉን ክንምገብ ኰነ ክንሰቲ ይግባእ። ኮይን ግና፣ ሚዛናዊ ኣመጋግባን ኣሰታትያን እንድሕሪ ዘይብልና፣ ማለት ቅኑዕን ግቡእን ምፍላይ እንድሕሪ ስኢንና፣ ካብቲ ስብነትና ንክዓዪን ክንቀሳቀስን ዘድልዮ ባህሪያዊ ዓቀን ንላዕሊ፣ ክንምገብን ክንሰቲን እንድሕሪ ጀሚርና፣ ፍትወት መግቢን መስተን ከነጥሪ ንጅምር። ካብ ዓቀን ንላዕሊ መግቢ ምምጋብ፣ ሓይሊ ከም ዝስምዓና ይገብረና እሞ፣ ባህሪያዊ ኣጠቃቅምኡ ሓዲግና፣ ብዘይ ባህሪያዊ መንገዲ ክንጉዓዝ ንጅምር።  ብኸምዚ መንገዲ ዉን ከዳኽመና፡ ከዕንወናን፡ ክጎድኣናን ይኽእል።

ጥዑማት ብልዒ ኣወጊድና፣ ታራ ብልዒ ብምምጋብን፡ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ብዘይምብላዕን፤ ንፍትወት መግቢ ክንቆጻጸሮ ይከኣል እዩ። ቅድም፣ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ብልዒን፡ ጥዑማት መግቢን ከነወግድ ይግባእ። በዚ ዉን፣ እቲ ናይ ሃርጎምጎም ስምዒትን ናይ ብልዒ ፍትወትን፣ ክጸሪ ይጅምር። እቲ ናይ መግቢ ድሌት ዉን ኖርማል ይኸዉን፣ ብታራ ዓይነት ብልዒ ዉን ክንዓግብ ንኽእል።

በንጻሩ ግና፣ ነቲ ናይ መግቢ ድሌታትና፣ ካብ ዓቀን ንላዕሊን፡ ጥዑም ዓይነት መግቢን፣ ብምብላዕ ክንዓግብ ንፍትን እንድሕሪ ኮይንና፣ ብቀሊሉ ፍትወት ከነማዕብል ንኽእል፣ ሸዉሃትና ዉን ምዉት ይኸዉን። ነቲ ዝሞተ ሸዉሃትና ምእንቲ ከነለዓዕሎ ድማ፣ ዝተፈላለየ ጣዕሚን ዓይነትን መግቢን ብምብላዕ ፈተነ ንገብር። ኣብቲ መጀምርታ፣ ዝዓገበ ይመስለና፣ ኮይኑ ግና እቲ ድሌታት እንዳዓበየ ስለዝመጽእ፣ ተለዋዋጢ ህርፋን መግቢ ነማዕብል። ኣብ መወዳእታ ዉን፣ ናብ ብልሽዉ ፍትወት ይቕየር፣ ከብድና ከየዕረፈ ዝተፈላለየ ዓይነት ብልዒ ክጠልብ ይጅምር፣ ፍጹም ዉን ዕግበት ዘይብሉ ይኸዉን።

ገዛእ ነፍስና ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ብምቕዳስ፣ መሰረት ናይ ኲሉ መንፈሳዊ ህይወትና ጻዕሪ ጾም ንግበሮ። ናይ ሓደ መሰረት ኣገዳስነቱ፣ ኣብ ምጽንዑ እዩ። ጽኑዕ መሰረት እንድሕሪ ሃልዩና፣ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ንሃንጾ ቤት ዉን ድልዱል ይኸዉን። እንድሕሪ መሰርት ዘይጽኑዕ ኮይኑ ግና፣ ገዛ ክትሃንጽ ኣይከኣልና፣ ዋላ እቲ ገዛ ኣዝዩ ድልዱል ይኹን፣ ኲሉ ነገር ንከንቱ ይኸዉን። እምበኣር ንሕና ዉን፣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚን፣ ኲነታትን፣ ንጾምና ኣብዚሕና ብምብላዕ ክንሰብሮ ኣይነፍትን። ብፍላይ ድማ ብስኽራን!

ዝበዝሑ ቅዱሳን ኣቦታት ከም ጽቡቅ ጾም ጌሮም ዝምስክርዎ፣ ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ብዓቀን ምምጋብ እዩ። ከምዚ ዓይነት ጾም፣ በቲ ሓደ፡ ንሰብነትና ብጥሜት (ነዊሕ ሰዓታት ብምጿም) ኣየድክሞን፣ በቲ ካልእ ዉን ብብዝሒ መግቢ ዉን ሰከም ኣየብዝሓሉን። ሰብነትና ንነፍሲ ከምትድግፍ ጌሩ ግቡእ ዓቀን መግቢ ከም ትረክብ ይገብር። ከምዚ ዓይነት ጾም ጎሊሑ ዝርአይ ስምዒት ስለዘየሕድር፣ እቲ ጸዋማይ ሰብ ብዛዕባ ነፍሱ ኣይምካሕን። እቲ ጾም ፍሉይ ዓይነት ጠመተ ዝህብ እንድሕሪ ኮይኑ ግና፣ ካልኦት ሰባት ከም ፍሉይ ስነ ምግባር ወሲዶም ክዉድሱ ይጅምሩ።

እቶም ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሑን፣ ድኹም ሰብነት (ጥዕና ጸገም ዘለዎምን ስጋዊ ኣካላቶም ድኹም ዝኰኑን) ዘለዎም ሰባትን፣ ማለት ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ በሊዖም ክዉዕሉ ዘይክእሉ፣ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ክበልዑ ይግባእ።

ኣስተዉዕሉ፣ ጾም ምእንቲ ሰባት እዩ፣ ሰባት ኣይኰንናን ምእንቲ ጾም፣ ማለት ጾም`ሲ ንሕና ክንግልገለሉ እዩ ተዋሂብና እምበር፣ ንሕና ናይ ጾም ባርያ ክንኸዉን ኣይኰነን። መግቢ ብተደጋጋሚ ይኹን፣ ስሕት ኢልና ንመገብ ብዘየግድስ፣ ኲሉ ግዜ ግና፣ ጽጋብ (ካብ ዓቀን ንላዕሊ ምምጋብ) ከነወግድ ይግባእ። ጽጋብ ንመንፈሳዊ ዕዮ ዓንቃጺ እዩ፣ ንስጋዊ ፍትወት ዉን ኣፍደገ ዝኸፍት እዩ።

ልዕሊ ዓቀን ጾም፣ ማለት ካብ ዓቅሚ ሰብነትና ንላዕሊ ካብ ብልዒ ምኽልካል፣ ብቅዱሳን ኣቦታት ኣይድገፍን እዩ። ዓቀኑ ዝሓለፈ ጾም፣ ናብ ጽንኩር ድኻም ክመርሓና ይኽእል፣ ብሰንኪ `ዚ ጽንኩር ድኻም ድማ፣ እቲ ሰብ`ቲ መንፈሳዊ ዕዮ ዝዓየሉ ሓይሊ ይስእል፣ ስለዚ ዉን ዓቀኑ ዝሓለፎ ጾም ዘዘዉትር ሰብ፣ ንመንፈሳዊ ዕዮ ዘይብቁዕ ይኸዉን። ብዘይኻዚ ዉን፣ ናብ ትምክሕትን ትዕቢትን ክመርሓና ይኽእል እዩ።

ክደግሞ እየ፣ ጾም እዩ ምእንቲ ሰብ ዝተዋህበ እምበር፣ ሰባት ኣይኰንናን ምእንቲ ጾም ዝተፈጠርና። ንሰብነትና ክሕግዝ ዝተዋህበና ብልዒ፣ መዕነዊ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን።

እቲ ቀንዲ ዘገድስ፣ ዓይነት መግቢ እዩ። እታ ኣብ ገነት ዝነበረት ዝተኸልከለት ፍረ ኦም በለስ (ዕጸ-በለስ)፣ ዋላዃ ብትርኢታ ኣዝያ ጽብቕቲን፣ ንምብልዓ ዉን ኣዝያ ጥዕምቲን ትኹን፣ ነፍሲ ክትቐትል ዘኽእላ ሓይሊ ግና ኔርዋ። ናይ ሕማቕን ጽቡቕን ፍልጠት ብምሃብ፣ ንንጽህና ቀዳሞት ወለድና (ኣዳምን ሄዋንን) ኣርኪሳቶ እያ። ሕጂ ዉን መግቢ፣ ኣብ ነፍሲና ዝተፈላለየ ዓይነት ጽልዋ የሕድር ኣሎ።

ካብዚ ኲሉ ፍሉይ ጽልዋ ዘለዎ  ዉን ወይኒ (መስተ) እዩ። ናይ መስተ ጽልዋ፣ ኣብ ስጋናን ደምናን ዝተፈላለየ ስምዒት ብምዝራእ እዩ ስርሑ ዝሰርሕ። እቲ ካብቲ መስተ ዝወጽእ ጋዝ፣ ካብ ከብዲ ሓሊፉ ብደም ኣቢሉ፣ ናብ ርእስና ስለዝድይብ፣ ንሓጎልና ይጸልዎ። መስተ ብዝፈጥሮ ጽልዋ፣ ልብና ኣጥፊእና፣ ዘይንቁሓት ይገብረና፣ ሓሳባትና ዉን ክንቆጻጸር ዘይንኽእል ንኸዉን። ስለዚ ዉን እዩ፣ መስተ ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ስለዘለዎ፣ ማንም መነኮስ ወይ ባሕታዊ፣ ዝዀነ ዓይነት መስተ ክሰቲ ኣይፍቀዶን። መስተ ብዘለዓዕሎ ፍትወት ተደፊኡ፣ ዝተፈላለየ ዓይነት ስምዒትን ስጋዊ ሓሳባትን ይህልዎ፣ ብከምዚ ዉን፣ መንፈሳዊ ጸጋታታ ካባና ርሒቁ፣ ኣብ ሓጢኣት ተሳዒርና ክንወድቕ ንኽእል። ነዊሕ ግዜ ተቃሊሶም ዘጥረይዎ፣ ትግሃትን ንቅሓትን፣ ብዉሑዳት ደቓይቕ ተሳዒሩ ይተርፍ።

“ማንም መነኮስ ዝዀነ ዓይነት መስተ ክሰቲ ኣይፍቀዶን” ይብል ቅዱስ ኣባ ጶሜን ዓቢ።

babaንጽህንኡን ቅድስንኡን ክሕሉ ዝደሊ ኲሉ ክርስቲያን፣ ነዚ ሕጊ ክስዕቦ ይግባእ። ኲሎም ቅዱሳን ኣቦታት ነዚ ሕጊ`ዚ ተጠቂሞሙሉ እዮም፣ ስሕት ኢሎም ወይኒ እንድሕሪ ሰትዮም ድማ፣ ብብዙሕ ጥንቃቐታት እዮም ዝገብርዎ። ጉዕ፡ ጂንጂብልን. . ካልኦት ቅመማት ዝተሓወሶም ዉዕይ መግቢ ዉን ካብ ጣዉላ ናይ ተሓራሚ ከልግስ ኣለዎ፣ ምክንያቱ ንፍትወት ከለዓዕሉ ስለዝኽእሉ።

 It can also allow you to get you could try these out purchase levitra online a discounted rate on insurance for teen drivers, which is a very expensive policy in most cases.

ፍጥር ምስ በልና፣ ብፈጣሪና እግዚአብሔር ዝተኣዘዘልና ዓይነት መግቢ፣ ፍረታትን ኣሕምልቲን እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንቀዳሞት ወለድና ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦

“ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።” /ዘፍ 1፡29/

ድሕሪ ማይ ኣይሂ እዩ፣ ስጋ ክንበልዕ ዝተፈቕደልና /ዘፍ 9፡3/።

ካብ ኣትኽልቲ ዝርኸቡ ዓይነት ብልዒ (ጥረ ምረ፡ ኣሕምልቲን፡ ፍረታትን) ጽቡቕ መግቢ እዩ። ንደምና ብዙሕ ኣየርስኖን፣ ንስጋና ዉን ብዙሕ ስብሒ ኣይህብን። ካብቲ ኣሕምልቲ ዝወጽእ ጋዝ፣ ብደም ኣቢሉ ናብ ርእስና እንተኸደዉን፣ ብዙሕ ጽልዋ የብሉን። ብዘይካ`ዚ ኣብ ከብድና ብዙሕ ልፋጭ ኣይፈጥርን። ስለዚ ኣታክልታዊ መግቢ፣ ብኲልንትንኦም ተመረጽቲ እዮም። ንባሕታዊ ዉን ኣዝዮም ምቹኣት እዮም። ኣታክልታዊ መግቢ ክንጥቀም እንከሎና፣ ናይ ሓንጎልና ንቅሓትን ንጽህናን ብቀሊሉ ክንዕቅብ ንኽእል፣ ናይ ኣእምሮና ሓይሊ ዉን ሙሉእ ይኸዉን። ዝዀነ ዓይነት ፍትወት ክለዓዓል እንከሎ ዉን፣ ቅልጥፍ ኢልና ክንቆጻጸሮ ዓቕሚ ይህልወና። ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ዉን ጽሙዳት ክንኸዉን ይሕግዘና።

ዓሳ ዉን ሓደ ክንጥቀቀሉ ካብ ዝግባእ ዓይነት መግቢ እዩ፣ ብፍላይ ካብ ዓበይቲ ዓሳታት ባሕሪ ዝርኸብ ስጋ ዓሳ፣ ደምና ቀልጢፎም ከርስንዎ ይኽኡሉ፣ ሰብነትና ዉን ክሰብሕን፣ ሓንጎልና ዉን ክጸልዉዎን ይኽእሉ። ብተደጋጋሚ ግዜ ክንምገቦም እንኰለና ዉን፣ ንኸብድና ብሓደገኛ ልፋጭ ክመልእዎ ይኽእሉ።

ኣብ ስጋ ክንመጽእ እንከሎና ግና፣ እቲ ጽልዋ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ቀልጢፍና ክንሮግድ ይገብር፣ ንደም ብቅልጡፍ የርስኖ፣ ናብ ዝፍጣጠ ዉን ክመርሓና ይኽእል። እቲ ካብ ከምዚ ዓይነት መግቢ ዝወጽእ ጋዝ ዉን ንሓንጎልና ኣዝዩ ጸላዊ እዩ። ስለዚ ዉን እዩ፣ ብዙሓት መነኮሳት ስጋ ኣይበልዑን። እቶም ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሳተፉ፣ ሰባት ጥራይ እዮም ብዝያዳ ዘዘዉትርዎ። ዋላ ንዓታቶም ዉን፣ ክበዝሕ እንከሎ ጎዳኢ እዩ።

ገሌኹም፣ “እንታይ!” ኢልኹም፣ ብምግራም “ስጋ ኣምላኽ እዩ ንብልዒ ዝሃበና፣ ንስኻ ዲኻ ትኽልክሎ ዘላኻ?” ኢልኩም ትሓቱኒ ትዀኑ።

ነዚ ሕቶ ብቃል ሓዋርያ ክምልሰልኩም፣

ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ።” 1 ቆሮ 10፥23

ስጋ ዘይንበልዕ፣ ርኹስ እዩ ኢልና ስለዝተጸየፍናዮ ኣይኰነን፣ ኮይኑ ግና ሩግዲ ዘስዕብን፣ ንመንፈሳዊ ዕብየት ዉን ዓንቃጺ ስለዝዀነ እዩ።

ቅድስት ቤተክርስቲያን፣ በቲ መንፈሳዊነት ዝመልኦ ጥበባን ሕጋን፣ ኣብ ዓለም ኮይንና ክርስቲያናዊ ህይወት ክንነብር እንከሎና፣ ስጋ ከም ብልዒ ክንጥቀመሉ ፈቒዳትልና ኣላ። ኮይኑ ግና፣ ስጋ ንበልዓሉ ወቕቲን፣ ዘይንበልዓሉን ወቕቲን ሰሪዓትልና ኣላ። ማለት ኣብ ግዜ ጾም፣ ስጋን ዉጽኢት እንስሳን ኣይንበልዕን፣ ጾም ኣብ ዘይብሉ ወቕቲን ድማ፣ ንበልዕ ኢና። ብኸምዚ ድማ ብፍትወት ብልዒ ስጋ ከይንእሰር ትገብረና። ዉጽኢት ናይ ከምዚ ዓይነት ጾም፣ ኣብቶም ብጾም ዝተሞከሩ ክርስቲያናትን፡ ብግቡእ መንፈሳዊ ርዝነት ኣብ ዝጾሙ ምእመናንን ክርአ ይኸኣል።

ነቶም ገዳማዊ ህይወት ዝመርሑ፣ መነኮሳትን ባሕታዉያንን፣ ስጋ ኣይፍቑድን እዩ። ኣብ ክንድኡ፣ ጾም ኣብ ዘይብሉ ግዜ፣ ጸባን ዉጽኢት ጸባን፡ እንቋቁሖን ክበልዑ ይፍቀደሎም እዩ። ኣብ ዉሑዳት መዓልቲን ወቕቲን ድማ፣ ዓሳ ክበልዑ ይፍቀዶም። ኮይኑ ግና ኣብቲ ዝበዝሐ ግዜ፣ ኣታክልታዊ መግቢ ጥራይ እዮም ዝምገቡ።

ኣታክልታዊ መግቢ በቶም ፍጹም መንፈሳዊ ቅንኢ ዘሕደሩ ባሕታዉያን ዝዉትር እዩ። ብፍላይ እቶም ብመንፈስ እግዚአብሔር ተመሪሖም ዝጉዓዙ መነኮሳት፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ፣ ንመፈሳዊ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕሚ ስለዝህብን፣ ሕሱር ብምዃኑን፣ ኣታክልታዊ መግቢ ኲሉ ግዜ የዘዉትሩ። መስተ ናይ ባሕታዉያንን መነኮሳትን ጽሩይ ማይ ጥራይ እዩ፣ ዝኰነ ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መስተ ይኹን ካልእ ጣዕሚ ዝህብ ነገራት ኣይዉስኹሉን። ዋላ ከም ጥሕኒ መሳሊ ነገር ኣይገብርዎን።

ቤተክርስቲያን ናይ ጾም ሕጊ ዝሰርዓትልና ቀንዲ ምክንያት፣ ክርስቲያናት ኲልና ብማሕበር ዝተጠርነፈ ሓደ ዓይነት ስርዓትን ሓይሊን ክህልወናን፣ ደቃ ካብዚ ናይ ሕብረት ሓይሊ ተኸፈልቲ ክዀኑን  ብምሕሳብ እዩ። ኮይኑ ግና፣ በዚ ናይ ሓባር ሕጊ ኲሉ ሰብ ክቕየድ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ምስ ናይ መንፈሳዊ ኣቡኡ እንዳተማኸረ፣ ብዘለዎ መጠን ተሞክሮን፣ ዓቕሚን ተወሲኑ ክጸዉም ይግባእ። እቲ ናይ መንፈሳዊ ኣቡኡ፣ ነቲ ዘለዎ ኲሉ ተሞክሮን፣ ብስለትን ገምጊሙ፣ እቲ ዉላድ ብመንፈሳዊ ህይወቱ ዝዓብየሉ፣ መንገዲ ክሕብሮ ይኽእል። እንተኾይኑ ግና፣ ማንም ክርስትያን ብኢደ ዋኒኑ ተበጊሱ፣ ማለት ንመንፈሳዊ ኣቡኡ ከየማኸረ፣ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝዀነ ጾም፡ ክጸዉም ኣይግባእን።

ክደግሞ እየ፣ ጾም እዩ ምእንቲ ሰብ ዝተዋህበ እምበር፣ ሰባት ኣይኰንናን ምእንቲ ጾም ዝተፈጠርና። ንሰብነትና ክሕግዝ ዝተዋህበና ብልዒ፣ መዕነዊ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን።
 ቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ ከምዚ ይብል፣ “ከብዲኻ እንድሕሪ ተቆጻጺርካዮ፣ ናብ ገነት ክትድይብ ኢኻ። እንድሕሪ ዘይተቆጻጺርካዮ ግና፣ ግዳይ ሞት ክትኸዉን ኢኻ” በለ።

ኣብዚ ብሂል`ዚ፣ ቅዱስ ኣቦና፣ ገነት ዝብሎ ዘሎ፤ ናይ ጸሎትን ናይ ጸጋን ደረጃ ማለት እዩ። ሞት ዝብሎ ዘሎ ድማ፤ ብፍትወት ዝተገዝአ ህይወት ማለቱ እዩ። ኣብዚ ምድራዊ ህይወት ዝህልወና፣ ናይ ጸጋ ህይወት፣ ደሓር ኣብታ ሰማያዊት ገነት፣ ንዝህልወና ክብሪ መርኣያ እዩ። ኣብ ሓይሊ ሓጢኣት ምዉዳቕን፣ ብቃልሲ መንፈሳዊ ህይወት ምዉት ምዃኑን ድማ፣ ደሓር ኣብ ገሃነም እሳት ወዲቕና ንዝህልወና ስቓይ መርኣያ እዩ።

ስለቲ ዘይንገር ዉህብትኡ ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን፣ ንዘለዓለም ዓለም፣ ምስጋና ይኹን፣ ኣሜን።

እዚ ጽሑፍ`ዚ ንመነኮሳት ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ። እቲ መንፈሳዊ መልእክቱ ግና፣ ንዂልና ጠቓሚ እዩ።

ምንጪ፦ http://www.oodegr.co/english/psyxotherap/concerning_fasting.htm