55 ሓጸርቲ ሕጊታት ክርስቲያናዊ ህይወት- ቀሺ ቶማስ ሆፕኮ

thoኣብ ናይ ኦርቶዶክሳዊ ቴኦሎጂ ዓለም ኣዚኹም ትግደሱ እንድሕሪ ኮይንኹም፣ ዕረፍቲ ናይዞም ቀሺ ሰሚዕኩም ክትዀኑ ተስፋ ይገብር። ቀሺ ቶማስ ሆፕኮ (Fr Thomas Hopko) ይበሃሉ። ናይ ቴሎጂ ምሁር፣ ፕሮፌሰር፣ ትሑት ኣገልጋሊ፣ ንዂሉ ብቅንዕና ዝምርምሩ፣ ኣዝዮም ሕያዋይ ኣቦ ኔሮም። ካብ ዝዓርፉ ሳልስቲ ጌሮም። ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ናቶም ትምህርቲ ዝወሰድክዎ፣ ጽሑፍ ክከፍለኹም። 55 ሓጸርቲ ሕጊታት (ብግሪክ maxims) ዝሓቆፈ ኮይኑ፣ ንክርስቲያናዊ ህይወት፣ ብዕምቆትን፣ ብቐሊልና ክንነብር ዝሕግዛና እየን። ኻብዚአን እተን ዘገድሳኹም ንመንፈሳዊ በረኸት ኣብ ህይወትኩም ተግብርዎ። ተቋደሱ

 

  1. ኲሉ ግዜ ምስ ክርስቶስ ኲን
  2. ክትደሊ ከለኻ ዘይዀነስ፣ ከም ዓቕምካ ጸልይ
  3. ብዘይ ምቁራጽ ብዲሲፕሊን እትፍጽሞ ናይ ጸሎት ስርዓት ይሃልወኻ
  4. “እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ” ትብል ጸሎት መዓልታዊ ደጋግሞ
  5. ኣእምሮኻ ናጻ ክኸዉን እንከሎ ምእንቲ ክትጽልይ፣ ብቃልካ ዘጽናዕካዮ ሓጺር ጸሎት ይሃልወኻ
  6. ክትጽሊይ ከለኻ ስገድ
  7. ጽቡቕ መግቢ ብዓቀን ብላዕ
  8. ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ጾም ሕጊታት ሓሉ
  9. መዓልታዊ ብስቕታ ተሕልፈሉ ግዜ ይሃልወኻ
  10. ብሕቡእ ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕ ግበር
  11. ቀጻሊ ብስሩዕ ኣብ ቅዳሴ ተሳተፍ
  12. ብስሩዕ ሓጢኣትካ ተናዘዝን ቅዱስ ቁርባን ተቐበልን
  13. ዝርብሸኻ ሓሳብን ስምዒትን ኣይትቐበል፣ ገና ካብ መጀምርትኡ ኣወግዶም
  14. ኲሉ ግዜ ሓሳብካን ስምዒትካን፣ ንሓደ እሙን ሰብ ኣካፍሎ
  15. መጽሓፍ ቅዱስ ብቀጻሊ ኣንብብ
  16. ሕልፍ ኢልካ፣ ጽቡቃት መጽሓፍቲ ኣንብብ
  17. ምስ ቅዱሳን ሕብረት ፍጠር
  18. ታራ ሰብ ኲን
  19. ምስ ኲሉ ትሑት ኲን
  20. ኣብ ገዛኻ ንጽህናን ስርዓትን ሓሉ
  21. ጥዑይ ተገዳስነት (hobby) ይሃሉኻ
  22. ብስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ግበር
  23. ኣብ ሓደ እዋን፣ ንሓንቲ መዓልቲን፣ ንክፋል መዓልቲን ጥራይ ክትነብር ፈትን /Live a day, and a part of a day, at a time./
  24. ኲሉ ግዜ ሓቀኛ ኲን፣ ብቀዳምነት ምስ ገዛእ ርእስኻ
  25. ብነኣሽቱ ነገራት ኲሉ ግዜ እሙን ዂን
  26. ዕዮኻ ኲሉ ፈጽሞ፣ ብድሕሪኡ ረስዓዮ
  27. ነቲ ኣዝዩ ከቢድን ዘሸግረኻን ነገራት ቅድም ግበሮ
  28. ንህልው ኲነታት መኽቶ
  29. A common dosage which is given to the donssite.com generico levitra on line beginners is 25mg.

  30. ብዂሉ ነገር ኣመስግን
  31. ኲሉ ግዜ ሕጉስ ኲን
  32. ተራ፡ ሕቡእ፡ ሱቕ በሃሊን፡ ንኢሽተይን ኲን
  33. ናብ ገዛእ ርእስኻ ጠመተ ኣይትስሓብ
  34. ሰብ ክዛረበካ እንከሎ፣ ስማዕ
  35. ንቁሕን ኣስተብሃሊን ኲን
  36. ብዛዕባ ነገራት ካብቲ ዝግብኦም ንላዕሊ፣ ኣይትዛረብን ኣይትሕሰብን
  37. ዘርባኻ፣ ንጹር፡ ቀሊል፡ ጽኑዕን ቀጥታዊን ይኹን
  38. ሓሳባት ምሕሳብን፣ ምምርማርን፣ ምስልሳልን ሕደግ (ንናይ ቀትሪ ሕልሚ ዝዓይነቱ ሓሳብ)
  39. ስጋዊን ዝሙታዊን ነገራት ገና ካብ መጀመርትኦም ህደመሎም
  40. ኣይተማርር፡ ኣይተጉረምርም፡ ኣይተዕዘምዝም፡ ምኒን ዉን ኣይትበል
  41. ንገዛእ ርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድራ
  42. ካብ ካልኦት ሰባት፣ ድንጋጸ ይኹን፣ ዉዳሰ ኣይትጸበ
  43. ንዝዀነ ሰብ ብዝዀነ ምኽንያት ኣይፍረድ
  44. ንሓደ ነገር ኢልካ ሰባት ክተእምን ኣይትጽዓር
  45. ንገዛእ ርእስኻ ኣይትከላኸል፣ ቅኑዕ ምዃንካ ከተረጋግጽ ኣይትፈትን
  46. ብኣምላኽ ጥራይ ዝተመስከረልካን ዝተወሰንካን ኲን
  47. ርእይቶን ነቀፌታን ተቐባሊ ዂን፣ ኮይኑ ግና ንኲሉ መርምሮ
  48. ምዕዶ ክትህብ ምስ ተገደድካ ወይ ዉን ምስ ተሓተትካ ጥራይ ሃብ
  49. ሰባት ባዕሎም ክገብርዎ ዝኽእሉ፣ ወይ ዝግባኦም፣ ንስኻ ኣይትግበረሎም
  50. መዓልታዊ፣ ሕንቃቐን ቀበጥበጥ ዘይተሓወሶ፣ ንጥፈታት ይሃልወኻ
  51. ምስ ገዛእ ርእስኻን ምስ ካልኦትን፣ መሓሪ ኲን
  52. ክሳብ መወዳእታ እስትንፋስካ፣ ክትፍተን ምዃንካ ደኣ ዘክር እምበሪ፣ ካልእ ዓይነት ትጽቢታት ኣይሃሉኻ
  53. ኣብ እግዚአብሔርን ብርሃንን፣ እምበር፣ ኣብ ሓጢኣትና ጸልማትን ኣይተቶክር
  54. ካብቲ ናትካ ድኽመት ንላዕሊ፣ ምሕረት ኣምላኽ ዓቢ እዩ እሞ፤ ኲሉ ግዜ ንዘጋጥመካ ፈተና፡ ዉድቀትን፡ ሓጢኣትን ብሰላም ተጻወሮ።
  55. እንድሕር ወዲቕካ፣ ቅልጥፍ ኢልካ ተንስእ እሞ፣ ከም እንደገና ጀምር
  56. ሓገዝ ከድልየካ እንከሎ፣ ከይሓፈርካን፡ ከይፈራሕካን ሕተት

ነፍሲ ኣቦና ኣብ መንግስተ ሰማያት የዕርፈልና። ኣሜን!