ጾም 2ይ ክፋል- ብቅዱስ ባሲልዮስ

flower_in_a_desert_by_tsitra360-d2xw8mg copyካብ ቀዳማይ ክፋል ዝቐጸለ

ዝዀነ ይኹን ናይ ቅድስና ስራሕ፣ ብዘይ ጾም ኣይፍጸምን። ዋላ እቲ ቀደም፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ናይ ጽላሎት ኣገልግሎት እኳ ባዕሉ፣ ዂሉ ብጾም ዝተሰነየ እዩ ኔሩ። ኣብ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣማናዊ ኣገልግሎት ዉን ከምኡ፣ ብጾም እዩ። ንኤልያስ ረኣይዎ፣ ብጾም ኣቢሉ ነፍሱ ንኣርባዓ መዓልቲ  ምስ ኣንጽሃ፣ ብምሕረት ኣምላኽ ተሓልዩ ኣብ ሆሬብ በጽሐ፣ ኣብኡ ዉን ነቲ ዓቢይ ራእይ ክርእይ በቅዐ /1 ነገ 19፥8-13/። ብጾም ኣቢሉ ኣንጻር ሞት ስለዝተቓለሰ፣ ደሓር ዉን ወዳ ናይታ መበለት ካብ ሞት ናብ ህይወት ክመልሶ ክኢሉ እዩ፣ እዚ ዂሉ ዉን ካብ ጾም ከይረሓቀ እዩ ጌርዎ /1 ነገ 17፥17-24/። ካብ ኣፍ ናይዚ ጸዋማይ ሰብ ዝወጽአት ሓንቲ ቃል፣ ንሰማይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዓጸወቶ፣ ምኽንያቱ ሓጢኣት ናይቲ ህዝቢ ኣዝዩ ስለዝበዝሐ። ልቢ ናይቶም ተረርቲ ክሳድ ህዝቢ፣ ምእንቲ ክሰብር፤ ንገዛእ ርእሱ ማዕሪኦም ንመከራ ኣሕሊፉ ሃበ። ሽዑ ዉን ከምዚ በለ፣ “በዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ኣነ ኸይተዛረብኩ፡ ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ” /1 ነገ 17፥1/። ብሰንኪ ጽጋብ ንዝኣተወ ኣምልኾ ጣኦት ካብቲ ህዝቢ ምእንቲ ከጥፍእ፣ ድርቂ /ጥሜት/ ብምስዓብ ኣብ ልዕሊ`ቲ ዂሉ ህዝቢ ጥሜት ኣዉረደ። ኤልሳእ`ኸ እንታይ ዓይነት ህይወት ነበሮ? ንሱ ባዕሉ፣ ከመይ ጌሩ ነቶም ነቢያት ከም ዝተቐበሎም ዘኽሩ? ብቁራዕ ሓርጭን፡ ሓምሊ መሮርን ጌሩ`ዶ፣ ኣጋይሽ ኣይተቐበለን /2 ነገ 4፥39-41/?

ሓደ ኣሚያንቱስ ዝበሃል፣ ክቓጸል ዘይኽእል ነገር ኣሎ፤ ኣብ ሓዊ ምስ ተእትዎ፡ ከም ጓህሪ ይቐይሕ፤ ምስ ኣዉጻእኻዮ ግና፣ ልክዕ ብማይ ከም ዝሓጸብካዮ፣ ኣዝዩ ጽሩይ ይኸዉን። ሰብነት ናይቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ሰለስተ መናእሰያት ዉን ከምኡ እዩ ኔሩ፣ ጾይሞም ብዝገብርዎ ጽንዓት፣ ልክዕ ከም ኣሚያንቱስ እዮም ኮይኖም /ዳን 1፥8-16/። ምኽንያቱ፣ ኣብ ሓዊ ምስ ተደርበዩ፣ ከምቲ ወርቂ ኣብ ሓዊ ኣትዩ ዝፍተን፣ ከምኡ ተፈቲኖም፣ እቲ እሳት ግና ኣብ ልዕሊኦም ዋላ ሓንቲ ሓይሊ ኣይነበሮን። ወረዃ፣ ልዕሊ ወርቂ ብሉጻት ምዃኖም እዮም ኣመስኪሮም፤ ምኽንያቱ፣ እቲ እሳት ንዕዖም ኣየምከኾምን፣ እኳ ደኣ ሓለዎም እምበር። ሓይሊ ናይቲ እቶን ሓዊ ግና ኣይትዘንግዕዎ፣ ብነዳዲ፡ ብዕንጨይቲ፡ ብዝተፈላለየ መቀጻጸሊን ዝነደደን፣ 49 እመት ናብ ላዕሊ ዝወጽአን፣ ካብ ምብርትዑ ዝተላዕለ ዉን፣ ነቶም ንሰለስተ መንእሰያት ክድርቢይዎም ዝቀረቡ ሰባት፣ ዘቐተለ ብርቱዕ ሓዊ እዩ። ንጾም ከም እጽዋር ተዓጢቆም፣ ናብቲ ባርዕ ኣተዉ፣ ብኣእጋሮም ዉን ነቲ እሳት ረገጽዎ፣ ኮይኑ ግና ኣብ ማእኸል `ቲ ብርቱዕ ሓዊ ዝሑሉን ጥዑምን ንፋስ የስተንፍሱ ነበሩ። ብጾም ዝተነድቁ ስለዝነበሩ፣ ዋላ ንጸጉሪ ርእሶም ከየተረፈ ሓዊ ኣይተንከዮምን /ዳን 3፥50/።

ዳንኤል፣ እቲ ኣዝዩ ፍቱው ቅዱስ ሰብ /ዳን 10፡11/፣ ንሰለስተ ሶምን ከይበልዐ ማይ ዉን ከይሰተየ ዝነበረ /ዳን 10፥2-3, ስጋ ኣይበላዕኩን ወይኒ ዉን ኣይሰተኹን/፣ ናብ ጉድጓድ ኣናብስ ምስ ተደርበየ፣ ነቶም ኣናብስ እንኰላይ ጾም ምሂርዎም እዩ /ዳን 6፥16-22/። ሰብነት ዳንኤል ካብ እምኒ፡ ወይ ካብ ሓጺን፡ ወይ ካብ ሓደ ተሪር ንጥረ ነገር ዝተስረሐ ኮይኑ ስለዝተሰምዓም፣ ኣናብስ ኣብ ስግኡ ኣስናኖም ክተኽልሉ ኣይደፈሩን። ጾም ንሰብነት ዳንኤል ኣትሪራቶን፡ ንኣስናን ኣናብስ ዉን ከም ዘይሰዓር ጌራቶ እያ። ከምቲ ሓጺን ኣብ ማይ ምስ ኣተወ ዝዀኖ ድማ፣ ዳንኤል ናብ ጉድጓድ ኣናብስ ምስ ተደርበየ፣ ክደፍርዎ ኣይከኣሉን፣ ኣናብስ ኣፎም ኣንጻር እዚ ቅዱስ ሰብ ዉን ክኸፍቱ ኣይከኣሉን።

ጾም ንሓይሊ እሳት ዝሰዓረትን፡ ንኣፍ ኣናብስ ዉን ዝዓጸወትን እያ።  ጾም ናይ ጸሎት መንገብገብ ኮይና፣ ንጸሎትና ናብ ሰማያት እተዕርግ እያ። ጾም፣ ናብ ሓንቲ ስድራቤት መትረሪ፡ ናይ ጥዕና ኣደ፡ ናይ ነኣሽቱ መራሒት፡ ናይ ሽማግለታት ግርማ፡ ናይ ተቃለስቲ ሰባት ብጻዮም፡ ናይ ክልተ ሰብ ሓዳር ዉን መሓዛ ዓርኪ እያ። ሓደ፣ ሕጊ ጾም እትኽተል ሰበይቲ፣ ዘላቶ ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ ፍጹም ኣይጠራጠራን እዩ። ከምኡዉን ሰብኣያ ጸዋሚ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ሰበይቲ ብቅንኢ ኣይትሓምምን።

እስከ ኣብ ግዜ ጾም እንታይ ጎዲሉ ይፈልጥ? ስለዝጾምኩም`ከ እንታይ ዓይነት እቶት እዩ ጎዲልኩም? ኣብ ገዛኹም ዘሎ ኲሉ ነገር ጸብጽብዎ፣ ጾም ምስ ተወድአ ዉን ዳግማይ ጸብጽብዎ። ስለዝጾምኩም፣ ዝጎድለኹም ነገር ፈጺምኩም ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ንሞቱ ዝበኺ እንስሳ ኣይክህሉን፣ ደም ዉን ኣይክፈስስን፣ ብሰንኪ እዛ ዘይትጸግብ ከብዲ ዝዉሰን ዝነበረ ናይ ጠለ ቢጊዕ ማሕረድቲ ዉን ተሪፉ እዩ። ካራ ናይቲ መግቢ ዘዳልዉ ሰብ ዉን ንጹህ እዩ፣ መኣድና ዉን ብተፈጥሮ ካብ ዝቦቕሉ ነገራት ሰሲኑ ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነግረና፣ ሻዉዐይቲ ሰንበት ማለት ቀዳም፣ ንኣይሁድ ዝተዋህበት፣ ማሎም፡ እንስሳታቶምን፡ ግዙኣቶምን ምእንቲ ከዕርፉ እዩ /ዘጸ 20፡10/።  እምበኣር ኣብ ግዜ ጾምና ዉን ንሕና ከምኡ ንግበር፣ ሙሉእ ዓመት ዘገልገሉና ኩሎም፣ ኣብ ግዜ ጾምና ካብቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ስራሕ ነዕርፎም። ነቲ ጽዋእኻ ዝስከምን፡ ደድሕሬኻ ዝኸይድ ኣገልጋሊኻን፣ ዕረፍቲ ሃቦም። ሕብስቲ ዝስንክቱልካ ኣገልገልቲኻ ዉን፡ ዕረፍቲ ሃቦም። ነታ ዘይትዓግብ ዉሻማኻ ዝዀነት ከብድኻ፣ ከዕንግሉ፣ ናብዚን ናብቲን ዝብሉ፡ ብዘይ ዕረፍቲ ዉን ሓንሳብ ብትኺ ናይ ሓዊ፡ ሓንሳብ ብሓፋ ናይ ጸብሒ፡ እንዳነደዱ ዘገልግሉኻ፤ ኣገልገልቲኻ፣ ቅሩብ ዕረፍቲ ሃቦም።

ተቀበልቲ ቀረጽ እኳ፣ ነቶም ገንዘብ ዝዓድይዎም ሰባት ዕረፍቲ ይህቡ እዮም። ስለዚ፣ ከብዲና ንኣፋ ዕረፍቲ ክትህብ ይግባእ። ብፍላይ ሓሙሽተ መዓልቲ /ካብ ሶንይ-ዓርቢ/ ነዚ ተግባር፣ ክትፍጽሞ መሃራ። እንተዘይኮይኑ ግና፣ ከብዲ ኲሉ ግዜ ኣይትዓግብን፣ ጠላባታ ዉን ኣይዉዳእን፣ ሎሚ ትቕበል ጽባሕ ድማ ትርስዕ እያ። ክትጸግብ እንከላ፣ ካብ መግቢ ምክልካል ትፈላሰፍ እያ፣ ክትጠምይ እንከሎ ግና፣ ነዚ ሓሳብ ፈጺማ ኣይትዝክሮን። ጾም ልቃሕ ኣይትፈልጥን፣ መኣዲ ናይ ጸዋማይ ሰብ ዉን ካብ ሓረጣ ብዝርከብ ገንዝብ ኣይኰነን ዝስስን። ከምቲ ገበል ኣብ ክሳድ እቶም ዝጥቅዕዋም ኣካላት ዝጥምጠም፣ ናይ ሓደ ኣቦ፡ ዕዳ ኸኣ ኣብ ክሳድ እቲ ዘኽታም ዉላድ ኣይእከብን።

ብካልእ ኣዘራርባ፣ ጾም ናይ ሓጎስ ኣጋጣሚ እዩ። ከምቲ ጽምእ ጸኒሕካ፣ ማይ ክትሰቲ እንኰለኻ ትሕጎሶ፣ ወይ ጠሚኻ ጸኒሕካ እንድሕሪ በሊዕኻ፡ እቲ መግቢ ጥዑም  ዝኸዉን፤ ከምኡ ዉን ጾም ንመግቢ ከነስተማቕሮ ይሕግዘና እዩ። ነቲ ቀጻሊ ናይ ምብላዕ ልምድና ብምስባርን ብምንዋሕን፤ ጸኒሕና መግቢ ክንበልዕ እንከለና፣ ባህታ ክፈጥረልና ይኽእል። ከምቲ ንሓደ ዓርክኻ ናፊቅካ እትረኽቦ ማለት እዩ። ብሓቂ ንብልዒ ሽዉሓት ብዝኸፍት ኣገባብ ከተስተማቕሮ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ንጾም ተቐበሎ።

ጾም ንዉሽጥኻ ሕዳሴ ክህበልካ እዩ። ሓጎስ ብብልዒ ጥራይ እዩ ዝርከብ ዝብል እምነት ናይ ሄዶንነት[1] ስለዝሓዝኻን፣ ቀጻሊ ብዘይ ምቁራጽ ብምብላዕካን፤ ጣዕሚ መግቢ ከምቲ ዝግባእ ጌርካ ከተስተማቕሮ ኣይከኣልኻን። ቀጻሊ ትረኽቦ ነገር ኣይትናፍቖን ኢኻ። እቲ ሓሓሊፊ እትረኽቦ ነገር ኢኻ እትናፍቖ። ስለዚ ዉን እዩ፣ ንሱ እቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ፣ ክፈጥረና እንከሎ፣ ነቲ ንሱ ዝሃበና ኲሉ ነገር፣ ኣብ መነባብሮ ህይወትና ምቅይያር እንዳገበርና ከም እነስተማቕሮ ጌሩና[2]። ዋላ ኣብ ህይወትና ከነስተዉዕሎ ንኽእል ቀሊል ነገራት ኣሎ፣ ንኣብነት ጥዕና ዝያዳ እተስተማቕሮ ሓሚምኻ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ። ንጽባቐ ጸሓይ ዉን ዝያዳ ኣነድንቓ፣ ጸልማት ሓሊፉ ካብ ድቃስና ምስ ተንሳእና እዩ። ጣዕሚ መግቢ ዉን ድሕሪ ጾም እዩ፣ ዝያዳ ዝምቕር። ገሊኦም ሃብታማትን ምስትዉዓል ዝጎደሎም ሰባትን፣ ጾም ዝጾሙ ሰባት፣ ቁጠብኦም ከመሓያይሹ ዝደለዩን፣ ወይ ድማ ድኽነት ዘለዎም ሰባት ጥራይ ጌሮም ይሓስብዎ። ኮይኑ ግና ጥቕሚ ጾም ንኲሉ ሓደ እዩ።

እምበኣር፣ ነቲ ኣብ መሬት እንከሎ ናይ ምቾት ህይወት የሕሊፉ፣ ደሓር ግና ኣብ ሰማያት ኣብ ሲኦል ሓዊ ዝተደርበየ፣ ናይቲ ሃብቶም ሰብኣይ ዕጫ፣ ንፍርሓዮ /ሉቃ 16፥19-31/። ዝገበሮ ሓጢኣት ስለዝነበረ ኣይኰነን፣ ኣብ ሓዊ ተድርብዩ፤ እንታይ ደኣ፣ ስለቲ ዝነበሮ ዓቀኑ ዝሓለፈ ናይ ምቾት ህይወት እዩ፣ ስለዚ ኣብቲ ናይ ሲኦል ሓዊ እቶን ተደርበየ። እምበኣር፣ ነቲ ሓዊ`ቲ ንምጥፋእ፣ ማይ ከድልየና እዩ።

ጾም ነቲ ደሓር ዝህልወና ህይወት ጥራይ ኣይኰነን ዝጠቕመና። ጾም ንስጋና /ንሰብነትና/ ዉን ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ተፈጥሮ ባዕላ በይና ጥራይ ንምልኣት ጥዕና ክትሕልዎን ከትጽንዖን ኣይትኽእልን። እዚ፣ ዋላ እቶም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዝነብሩ ሰባት ተሞኪሮምሉ እዮም። እምበኣር ሕጂ፣ ካብ ከምዚ ዓይነት ማይ ተጠንቀቕ[3]! እምበር`ኸ ከምቲ ሃብታም ሰብኣይ ዝገብሮ፡ ከምኡ እንዳ ናፈቕካዮ ክትነብር ኢኻ።

ማንም ሰብ ማይ ሰትዩ ኣይሰኽርን፣ ብዝሒ ማይ ስለዝሰተይ፣ ርእሱ ዘሕምሞ ኣይረኣናን። ማይ ጥራይ ዝሰቲ ዝኰነ ይኹን ሰብ፣ ብካልኦት ሰባት ክድገፍ ኣይረኣናን[4]። ብማይ ዝተዓንገለ ሰብ፣ ኣጠቓቅማ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ኣይጠፍኦን እዩ። ንጥዑም መግቢ ጥራይ ብዘይዕረፍቲ ከናድይዎ ዝዉዕሉ ሰባት፣ ናይ ስርዓት ምሕቃቅ መግቢ ጸገም የጋጥሞም እዩ። ድኹም ስርዓተ ምሕቃቅ መግቢ ድማ፣ ንሰብነትና ክሃሳዮ ይኽእል።

ባህሪያት ናይ ሓደ ዝጸዉም ሰብ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ብሕርቃን ገጹ በርበረ ኣይቅየርን፣ እኳ ደኣ ብህድኣት ገዛእ ርእሱ ብምግታእ፣ ንነገራት ሰጊሩ ይሓልፎም። ኣጠማምትኡ ህድኣት ዝመልኦ እዩ፣ ኣካይድኡ ዕቱብ፣ ዘረብኡ ዉሑድ፡ ልቡ ንጹህ እዩ፣ ብዘይተደልየ ሰሓቅ ዝድረኽ ዘይኰነስ፡ እንታይ ደኣ፣ ብሓልዮት ዝቐርብ እዩ። ካብ ቀደም ጀሚሮም ዝነበሩ ቅዱሳን ዘኽርዎም፣ “ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።” /እብራ 11፡37-38/። ርስቲ እዞም ቅዱሳን ክትረኽብ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ህይወቶም ሰዓቦ።

ንኣልኣዛር ኣብ ሕቁፊ ኣብራሃም ከዕርፎ ዝኸኣለ እንታይ እዩ? /ሉቃ 16፡23/ ጾም`ዶ ኣይኰነን? ህይወት መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ዉን ብጾም ዝተሰነየ ነበረ /ማቴ 3፡4/። ዓራት፡ ጣዉላ፡ ዝሕረስ መሬት፡ መሕረሲ በዕራይ፡ ስርናይ፡ ወይ መጥሓኒ እኽሊ ኣይነበሮን፣ ዝዀነ ይኹን ዝዕንገለሉ መንገዲ ኣይነብሮን። ስለዚ ዉን እዩ “ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን።” /ማቴ 11፡11/ ተባሂሉ ዝተመስከረሉ። ብዛዕባ ጾም፣ ካልእ ክንዝክሮ ንኽእል ዉን ኣሎ፣ ቅዱስ ጳዉሎስ ዝተዛረቦ እዩ፣ ሓደ ካብቲ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ዘብጽሖ ነገር ጾም እዩ /1 ቆሮ 11፡27, 12፡2/።

ነቲ ዝተዛረብናዮ ከነጠቃልሎ። ጐይታና፣ ነቲ ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ ዝተወሃሃዶ ስጋ ብጾም ኣቢሉ ምስ ኣጽንዖ፣ ገዛእ ርእሱ ንዲያብሎስ ፈተና ኣሕሊፉ ሃበ፤ ከምዚ ብምግባሩ ድማ፣ ንዓና ክልተ ነገር መሃረና፤ ቅብኣት ክህልወናን፡ ገዛእ ርእስና ድማ ብጾም ኣቢልና ንመንፈሳዊ ቃልሲ ከነዳልዉን ከነለማምዳን፣ ብጥሜት ኣቢልና ነቲ ፈታኒ ክንቃለሶ እዩ /ማቴ4፡2/። ማለት ነቲ ፈታኒ ብጥሜት ኣቢልና፣ ዕድል ብምሃብ፣ ኣንጻሩ ብምቃልስ ነፍስና ከነለማምድ እዩ። ብምልኣት መልኮቱ ዲያብሎስ ክቐርቦ ኣይምከኣለን፤ ኮይኑ ስጋና ስለዝለበሰ፣ ጾም ብዘስዓቦ ጥሜት ኣቢሉ፣ ገዛእ ርእሱ ንፈተና ዲያብሎስ ኣሕሊፉ ሃበ። ቅድሚ ናብ ሰማያት ምዕራጉ ድማ፣ እቲ ዝለበሶ ስጋ ሓቀኛ ምዃኑን፣ ኻብ ሞት ሒዝዎ ዝተንሰአ ስጋ ዉን ኣማናዊ ምዃኑ ምእንቲ ከረድኣና፣ መግቢ ወሲዱ በልዐ። እምበኣር ሕጂ`ከ፣ ገዛእ ርእስካ ምስባሕን፡ ብስስዐ ምብላዕን`ዶ ኣይክተቋርጽን ኢኻ? ነቲ መድሓኒን ወይሃቢ ህይወትን ዝዀነ ትምህርቲ ሸለል ብምባልኻ`ዶ፣ ገዛእ ኣእምሮኻ ናብ ጥፍኣት ክትመርሓ ኢኻ? ዋላስ ኣብ ኲናት፣ እቲ ምስቲ ሓደ ወገን ኮይኑ ዝቃለስ ኣካል፣ ነቲ ኣንጻሩ ዘሎ ጸላኢኡ`ዶ ይስዕሮ ኣይኰነን? ስለዚ እቲ ምስ ስጋ ዝዉግን፣ ኣንጻር መንፈስ ይቃለስ፤ እቲ ምስ መንፈስ ዝዉግን ግና፣ ንስግኡ ኣብ ትሕቲ ነፍሱ የግዝእ። “ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም።” /ገላ 5፡17/። እምበኣር ንኣምሮኻ፣ ሓያል ክትገብራ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ብጾም ኣቢልካ ንስጋኻ ቅጽዓያ። እቲ ሓዋርያ፣ ወጻኢ ሰብነትና እንተ በስበሰ፡  እቲ ዉሽጥና ግና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፣ ዝበሎ ነዚ ከመልክተና ደልዩ እዩ /2 ቆሮ 4፡16/። “እምበኣርከ ምስ ዝደክም፣ ሽዑ እየ ዝብርትዕ” /2 ቆሮ 12፡10/።  ነዚ ሓላፊ ብልዒ ንዒቅኻ፣ ነቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝረኸብ መኣዲ ብልዒ`ዶ ኣይምሓሸካን? እምበኣር ናብቲ መኣዲ ክትቕርበ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ኣብዚ ምድሪ`ዚ ብምጿም ምድልዋትካ ግበር። ዋላስ ኣይትፈልጥን ዲኻ፣ እቲ ኣብዚ ምድሪ`ዚ ብትበልዖ መግቢ፣ ሓሳኹ ደሓር ምእንቲ ከሳቕዩኻ፣ ሰብነትኻ ተስብሓ ከምዘለኻ? መኖም`ከ እዩ፣ ቀጻሊ በዓላት ብምግባርን፡ ጥዑም ብልዒ ብምምጋብን፣ መንፈሳዊ ጸጋ ዝተቐበለ?  ሙሴ እኳ ባዕሉ፣ ሕጊ ምእንቲ ክቕበል፣ ክልተ ግዜ እዩ ጾይሙ /ዘጸ 34፡28/። ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኲሎም እንስሳታት ዉን፣ ምስቲ ህዝቢ ነነዊ ሓቢሮም እንተዘይጾሙ ኔሮም፣ ካብቲ ዝመጽእ ቁጥዓ ኣይምደሓኑን /ዮና 3፡4-10/።

ናይ መን ሬሳታት’ከ እዩ ኣብ በረኻታት ዝተረፈ? /እብራ 3፡17 ዘሁ 14፡29/ ናይቶም ስጋ ክበልዑ ናይ ዝደለዩ ሰባትዶ ኣይኰነን? /ዘሁ 11፡33/ ካብ ሰማይ ዝወረደ ማና እንዳተመገቡን፣ ካብ ከዉሒ ዝፈሰሰ ማይ ዉን እዳሰተዩን፣ ዓጊቦም (ኣመስጊኖም) ክጓዕዙ እንከለዉ፤ ንግብጻዉያን ሰዓርዎም፡ ብማእከል ባሕሪ ዉን ሓለውፉ፣ ኣብ ማእኸል ዓሌቶም ኸኣ ድኹም ኣይነበረን /መዝ 105፡37/። ደሓር ግና፣ ብፍትወቶም ንቁራዕ ስጋ ግብጺ ምስ ናፈቁ፣ ናብታ ተስፋ ዝገብሩላ ምድሪ ኣይኣተዉን።
While it may not be a major concern for older men, the condition of iffy erections and ED might become look at more info order generic levitra increasingly prevalent.
እዚ ኣብነት’ዚ እከ ኣየፍርሓናን? ንሕና ዉን፣ ካብታ ተስፋ እንገብሮ ዘለና ምእንቲ ከንተርፍ፣ ነዚ ናታቶም ናይ ሃርጎምጎም ጠባያት፣ ኣይንስዓቦ። ዋላ እቲ ጥበብኛ ዳንኤል እኳ፣ ነፍሱ ብጾም ኣቢሉ እንተ ዘይንጽሃ ኔሩ፣ ነቲ ራእይ ኣይምረኣንየን። ካብ ጥዑም መግቢ ዝወጽእ፣ ልክዕ ከም ደመና ዝመስል ነገር ኣሎ፣ ዝሽፍን ነገር ኣሎ፤ እዚ ነገር`ዚ ኣእምሮና ብመንፈስ ቅዱስ ብርህቲ ምእንቲ ከትኸዉን ድማ ይኽልክላ /ይሽፍና/።  መግቢ ናይ መላኣኽቲ ዉን እንታይ ይመስለኹም፣ “ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዔ” ከም ዝተባህለ፣ እንጌራ ማለት ህብስቲ እዩ መግቦም /መዝ 78፡25/። ወይኒ፡ ወይ ስጋ ኣይበልዑን፣ እቶም ናይ ከብዶም ባሮት ዝዀኑ ሰባት ዘዘዉትርዎ፣ መግቢ ዉን ኣይበልዑን። ጾም ኣንጻር ናይ ኣጋንንቲ ሰራዊት ዝቃለስ መሳርሒ እዩ፣ “እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡” /ማር 9፡29/። ረብሓ ጾም ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፣ ጽጋብ ግና ናይ ስጋዊ ህርፋን መጀምርታ እዩ። ምቾት፡ ስኽራንን፡ ጥዑም ብልዒ ጥራይ ምብላዕን፣ ናብ ኣራዊታዊ ስጋዊ ድሌታት ይመርሓና። ሰባት፣ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ከርዉዩ እንከለዉ፣ ናብ ነፍሲ ዉዑይ ፍትወት የተኣታትዉ እሞ፣ ከም ዉዑያት ኣፍራስ ድማ ይዀኑ /ኤር 5፡8/። ካብ ናይ ስክራን መንፈስ ዝተበገሰ፣ ባህሪያዊ ነገራት ክጥፍኦም ይጅምር። ነቲ ናይ ኣዋልድ ኣብ ኣወዳት ይደልይዎ፣ ነቲ ናይ ኣወዳት ድማ ኣብ ናይ ኣዋልድ ይደልይዎ። ጾም ግና ንሰብ ሓዳር፣ ሚዛናዊ ኣካይዳ ትምህር፣ ዋላ ኣብቲ ቅዱስ ዝዀነ መዉስቦ፣ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምግታእ ልምዲ ብምትእትታዉ፣ ክልቲኦም መጻምድቲ ብስምምዕ ካብ ስጋዊ ርክብ ብምርሓቅ፣ ከም ሓደ ኣካል ኮይኖም ናብ ጸሎት ከም ዝተግሁ ትገብር /1ቆሮ 7፡5/።

ኮይኑ ግና፣ ንረብሓ ጾም፣ ካብ መግቢ ምኽልካል ጥራይ ጌርኩም፣ ኣይትተርጉምዎ። እቲ ሓቀኛ ጾም፣ ካብ እከይ ምርሓቅ እዩ፣ “ንማእሰር እከይ ምፍታሕ” /ኢሳ 58፡6/። ጎርቤትካ እንተ ኣቀየመካ፣ ሕደገሉ፣ በደሉ ይቕረ በለሉ፣ ብባእሲን ብጉስጢን ብክትዕን ኣይትጹም /ኢሳ 58፡4/።

ስጋ ኣይበላዕካን ትኸዉን፣ ግና ስጋ ሓዉኻ ትግህጾ ኣለኻ። ወይኒ (መስተ) ኣይሰተኻን፣ ኮይኑ ንካልኦት ካብ ምጽራፍ ኣየዕረፍካን። ክሳብ ጸሓይ ትዓርብ፣ ከይበላዕካ ትጸንሕ፣ ኮይኑ ግና እዚ ኲሉ ግዜ ኣብ ቤተፍርዲ ክትካሰስ ተሕልፎ።

ብወይኒ ዘይኰነስ፣ ብካልእ ሰኪርና ኣለና`ሞ፣ ወይሎና /ኢሳ 51፡21/። ከምቲ ወይኒ ንሓንጎልና ዘስክረና፣ ህርቃን ንነፍሲ ዘስኽራን ዘናዉጻን እዩ። ጓሂ ዉን ንኣተሓሳስባና ብምሽፋን ዘስክረና እዩ። ፍርሒ፣ ንካልኦት ነገራት ክንጸልእ ብምግባር፣ ናብ ስኽራን ክመርሓና ዉን ዝኽእል እዩ፣ መጽሓፍ ከም ዝበሎ፣ “ንህይወተይ ካብ ፍርሃት ጸላኢ ሐልዋ” /መዝ 64፡1/። ብሓፈሻ፣ ናይ ሓንጎል ምንዋጽን ምምዝባልን ዘስዕበልና ዝዀነ ይኹን ፍትወት፣ ስክራን ይበሃል። እቲ ብህርቃን ዝተለኽፈ ሰብ፣ በዚ ፍትወት እዚ ክንዲ ምንታይ ከምዝሰኸረ እንዳተኣመነ ክጽሊይ ይግባእ።

ሓራቅ ሰብ፣ ንነብሱ ኣይፈልጣን፣ ገዛእ ርእሱ ኣይገትእን፣ ኣብ ጥቕኡ ንዘለዉ ሰባት ዉን ኣየለልይን።  ከም ኣብ ዉሽጢ ጸልማት ዝግበር ኲናት፣ ምስ ኲሉ ይጋራጨዉ፣ ንኲላቶም ዉን የጥቅዖም። ብዘይ ኣደብ ይዛረብ፣ ይህድድ፡ ኢዱ ዓሙኹ ጣዉላ ይዱግዱግ፣ የፈራርሕ፣ ይምሕል፣ ቅጥዕ (ኣፖፕለክቲካዊ ይኸዉን) ዉን እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ስኽራን ረሓቅ፣ ካብ ወይኒ ዝመጽእ ስኽራን ዉን ኣይትቐበል።

ነቲ ጾም ማይ ጥራሕ ብምስታይ የሕሊፍካዮ ከተብቅዕ[5]፣ ደሓር ግና፣ ድሕሪ ቅነ ጾም ኣብዚሕካ ወይኒ ክትሰቲ ኣይግብኣካን። ብስኽራን ንጾም ኣይትጀምር። ነስተዉዕል፣ ብስስዐ ዉን ጽድቂ ኣይክርከብን፣ ብስጋዊ ፍትወት ዉን ገዛእ ርእስኻ ክትገትእ ኣይከኣልን፣ ብናይ እከይ ግብሪዉን ስነ ምግባር ኣይጥረይን። ኣፍደገ ጸም ፍሉይ እዩ። ስኽራን ናብ ሕሉፍ ስጋዊ ፍትወት፣ ምቁጣብ ዉን ናብ ጾም ክመርሓን ይኽእል እዩ። ሓደ ስፖርተኛ (ኣትሌት) ቅድሚ ቅድድም ልምምድ ይገብር፣ ጸዋማይ ሰብ ዉን ቅድሚ ጾም ምጅማሩ፣ ካብ መግቢ ናይ ምኽልካል ልምምድ ክገብር ኣለዎ። ነተን ጾም እትጾመን ዝግባኣኻ ሓሙሽተ መዓልቲ[6]፣ መከሓሓሲ ክኾናኻ፣ ወይ ድማ ነቲ ወሃባይ ሕጊ ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ክትብለጸሉ ኢልካ፣ ቅድሚ ጾም ምጅማርካ መስተ ኣብዚሕካ ብምስታይ ገዛእ ርእስ ኣይተርዉይ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ስጋኻ ብከንቲ ኢኻ ዝቀጻዕካ፣ ናይ ጾምካ ዓስቢ ዉን ኣይክትረኽብን[7]። እቲ መቅድሒ ኣቅሓኻ ኣይጥዑይን፣ ማለት ብዝነኮለ ሸሓኒ ማይ ምቅዳሕ ማለት እዩ። ወይኒ ኣብ ሰብነትካ፣ መንገዲ ረኺቡ ክመላለስ እንከሎ፣ ሓጢኣት ድማ ኣብ ዉሽጥኻ ይተርፍ ኣሎ። ሓደ፣ ጐይትኡ ዝሃርሞ ባርያ፣ ካብቲ ጐይትኡ`ቲ ይሃድም እዩ። ንስኻ ግና ወይኒ ርእሲ ርእስኻ እንዳጠፍዓካ ክነሱ፣ ምስኡ ልሕግ ኢልካ ትቕጽል ኣለካ። ስጋዊ ድሌታት ወይኒ ይጠልብ እዩ። ካብቲ ዝግብኣኻ መጠን ዝያዳ ምስ እትሰቲ ድማ፣ ንግሆ ምስ ተንሳእኻ፣ ርእስኻ ትሓምም፡ ድንዙዝን ድኹምን ትኸዉን፣ ካብቲ ብርቱዕ ዝጨንኡ ወይኒ ዉን፣ ኣፍኻ ሕማቕ ጨና ይሕዝ። ኲሉ ነገር ዝዘዉርን፣ ኲሉ ነገር ዝንቀሳቐስን እዩ ዝመስለኻ። ስኽራን፣ ልክዕ ንሞት ዓርኩ ዝመስል ብርቱዕ ድቃስ ጥራይ ኣይኰነን ዘምጽእ፣ ንቁሕ ክነስኻ ዉን ኣብ ሕልሚ ዘለኻ ኮይኑ ከምዝስመዓኻ ይገብር እዩ።

እምበኣር ንመን ኢኻ ክትቕበል?[8] “ (ኣነን ኣቦን) ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና” /ዮሃ 14፡23/ ኢሉ ቃል ዝሃበልና መን ድዩ? ስለምንታይ ደኣ ኢካ፣ ነቲ ናብ ዉሽጢኻ ክኣቱ ዝደለየ ጐይታ፣ ብስኽራን ዓጊትካ ምእታዉ እትኽልክሎ? ስለምንታይ ነቲ ጸላኢ ኣብ ዉሽጢኻ ዕርዲ ክሕዝ ዕድል ትህቦ? ሰኽራም ንጐይታ ኣይቅበልን፣ ስኽራን ንመንፈስ ቅዱስ የርሕቆ እዩ። ከምቲ ትኺ ንንህቢ ዘህድሞ፣ ስኽራን ዉን ንመንፈሳዊ ዉህብቶታት የርሕቆ። ጾም ናይ ሓንቲ ከተማ ግርማ፣ ናይ ዕዳጋ ህድኣት፣ ናይ ገዛ ሰላም፣ ናይ ሃብቲና ሓለዋ እያ። ክብሪ ጾም ክትርኢ እንድሕሪ ደሊኻ? ሎሚ ምሸት ጸልይ፣ ሽዑ ምስቲ ናይ ጽባሕ ምሸት እትጽልዮ፣ ኣወዳድሮ። ሓደ ነገር ክትርኢ ኢኻ፣ እታ ህዉከት መሊእዋ እትርበሽ ከተማኻ፣ ሰላም ዝመልኣ ስፍራ ኮይና ክትቅየር እያ።

እታ መዓልቲ እቲኣ ብክብረታ ንጽባሕ ክትመስል ይምነየልኩም፤ እታ ጽባሕ ድማ፣ ነዚ ናይ ሎምዓንቲ ፍስሃኩም ዕጽፊ ትግበረልኩም። እቲ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ናይዛ ዓመት፣ ዝሓለወና እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ከም ተወዳደርቲ፣ ንዂሉ ብጽንዓትን ብተወፋይነትን ብምቃልስ፣ ናብ መዓልቲ ጐይታ ክንበጽሕን፣ ኣብኡ ድማ ኣክሊል ህይወት ክንቅበልን፣ በዚ ዉን ናይ ክርስቶስ ሕማማት ምእንቲ ክንዝክርን፣ ክርስቶስ ንፍርዲ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ድማ፣ ጻማ ሰናይ ግብሪና ክንፍደይን፣ የብቅዓና። ንመድሓኒና ንክርስቶስ ንዘለኣለም ኣለም፣ ምስጋና ይዂኖ። ኣሜን።

[1] ሄዶን፡ ወይ ሄዶኒዝም፡ ወይ ሄዶንነት /hiedonism, or hedonist/ ዝብሃል ንሓጎስ ካብ ብልዒ፡ ዕንደራን ዝሙትን ክረኽብ ዝፍትን ዓለማዊ እምነት እዩ

[2] ማለት ዝጽወመሉን ዘይጽወመሉን ግዜ ብምፍላይ፣ ምቅይያር ከነተኣታትዉ ንኽእል

[3] ኣብ ግዜ ጾም ዝዀነ ይኹን ዓይነት መስተ ክትሰቲ ፍቑድ ኣይኰነን

[4] ምስ ሰኽራን ዘጋጥም ደርገፍገፍ

[5] ኣብ ስርዓት ጾም ናይ ቤተክርስቲያን፣ ኣብ ግዜ ጾም ዝዀነ ዓይነት መስተ ምስታይ ኣይፍቐድን

[6] ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ጥራይ እዩ ዝጽወም፣ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ኣይንጸዉምን፣ ማለት ኣይነራፍድን፣ ካብ ጥሉል መግቢ ግና ንርሕቅ ኢና።

[7] ጾም ቅድሚ ምጅማሩ፣ ወይ ድማ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ናይ ጾም፣ ብዝሒ መስተ ብምስታይ ነሕልፎ እንድሕሪ ኮይንና፣ እቲ መስተ ነቲ መንፈሳዊ ተወፋይነትና ስለዘዳኽሞ፣ ኣብ ግዜ ጾም ክንገብሮ ዝግብኣና፣ ጸሎት ዉን ከይንገብር ይዕንቅጸና። ብኸምዚ ዉን ናይ ጻማና መንፈሳዊ በረኸት ክንረኽብ ኣይንኽእልን።

[8] ስግኡን ደሙን

ምንጪ፦ Fasting ang feasting /ጾምን በዓል ምብዓልን/ ካብ ዝብል መጽሓፍ ገጽ 50 ዝተወስደ ጽሑፍ http://www.svspress.com/on-fasting-and-feasts-pps50/