ጸሎት ዓርቢ ስቕለት- ቅ.ስምኦን ኣምዳዊ

ናይ ቅዱስ ስምኦን ኣምዳዊ ጸሎት፣ ዓርቢ ወጋሕታ ዝጽለ

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ ንዓካ ናይ ድሕሪት ኣሲሮም ናብ ናይ ሊቀ ካህናት መጋብኣያ ዝወሰዱኻ፣ ከምኡ ዉን ንዓይ እሰረኒ እሞ፣ ናብታ ወሃቢ ህይወት (ማህየዊት) ዝዀነ ቤትኻ ሰሓበኒ። ንስኻ ንኲሉ መዓሙቕን በረኽቲን ቦታታትን ብቃልኻ እትኣስር ክነስኻ፣ ኢድኻ ተኣሰርኻ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነዛ ዓለም እዚኣ ምእንቲ ክጸልኣ፣ ብፍቕርኻ እሰረኒ። ኦ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ዝዀንካ፣ ብኣኻ ተቐዲሰ ናይ ቅድስና ዓለም ከም ዝስዕብ ግበረኒ።

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ ንስኻ ኣብ ጉንዲ ዝተኣሰርኻ፣ ከምኡ ዉን ንዓይ ብፍቕርኻ እሰረኒ፣ ንልበይ ዉን ብእሳታዊ ፍቕሪኻ ኣቃጽሎ፤ ምእንቲ ናባኻ ክበጽሕ ድማ፣ ንኲሉ ኣካላተይ፣  ካብ ፍትወታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝተፈትሐ ግበረለይ፤ ናተይ ናይ ድሕነተይ ቀርኒ ዉን ዂነለይ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንኣዳም ካብ ማእሰርቲ ሞት ምእንቲ ከተድሕኖ፣ ምእንትኡ ተኣሰርኻ፣ ንዓይ ዉን ካብ ፍቕሪ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፈቲሕካ፣ ብፍቕርኻ እሰረኒ። 

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ንክትፍረድ ዝቖምካ፣ ከምኡ ዉን ንዓይ ብዘይ ነዉሪ ኣብ ቅድሜኻ ኣቁመኒ፣ ንስኻ ህያዉን ቅዱስን ኢኻ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኪሩቤልን ሱራፌልን ቆይሞም ንዕብየት ጐይትነትኻ ከድንቑ ኣብ ቅድሜኻ ዝሰግዱልካ ክነስኻ፣ ከመይ ኢልካ፣ ኣብ ቅድሚ ግብሪ ኢድኻ ዝዀነ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ንክትፍረድ ደዉ በልኻ። ንዓኻ ምስጋና ይኹን፣ ንትሕትናኻ ዉን ምስጋና ይኹን፣ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ናይ ትሕትና መንፈስ ዓድለኒ፣ እዚ ዉን እቲ ኣምላኽነትካ ዝተወሃሀደቶ ስጋዊነትኻ እዩ።

ናይ ቅዱስ ስምኦን ኣምዳዊ ጸሎት፣ ዓርቢ ፋዱስ ዝጽለ

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ዕርቃንካ ዝተሰቐልካ፣ ከምኡ ዉን ንዓይ ካብ መንፈሰ ሰይጣንን፡ ጸልማት ካብ ዝዀነ ናይ ስሕተት መንፈስን፣ ዕርቃነይ ግበረኒ። ብሓይልኻ ክሕደስን፣ ብጥበብኻ ክምገብን፣ ናይ ህይወት ክዳን ኣልብሰኒ።

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንስኻ ንመላእኽቲ ናይ ብርሃን ግርማ እተልብስ፡ ሓይሊ ዉን እተዕጥቆም ክነስኻ፣ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ግና፣ ዕርቃንኻ ደዉ በልኻ። ሕጂ ድማ ንልቦናይ ካብ ናይ ፍጹም ጸልማት ጣቋ ጥራያ ግበራ፤ ሰብነተይ ካብ ናይ ምድራዊ ባህሪ ናብ ሰማያዊ ባህሪ ተለዊጣ፣ ምስ መላእኽቲ ምእንቲ ከተመስግነኻ፣ ኣብ ዉሽጢ ልቦናይን ሕሊናይን ናይ ምስጋናኻ ብርሃን ኣብርህ። 
Pomegranates contain active chemicals like polyphenols, tannins and anthocyanins of the pomegranate naturally lowers blood pressure, in addition to increasing the levitra 20 mg you could check here effect of medication or recreational drugs which may worsen the situation.
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ እተን ቅዱሳት ኣእዳዉኻ ኣብ መስቀል ዝዘርጋሕካ፣ ብፍቕርኻ ኣብ ዉሽጠይ ምእንቲ ክምላእ፣ ልበይ ኣብ ቅድሜኻ ዘርግሓለይ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንመላእኽቲ ካብ ዝነድድ ሓዊ ዝፈጠርካ፣ ንሰማይ ከም ቴንዳ ዝዘርጋሕካ፣ ናይ ምድሪ ስፍሓት ዉን ዘብዛሕካ ንስኻ ኢኻ። ነቲ ላዕሊ ሰማይ ካብ ኲሉ ክብ ኣቢልካ ዝሰራሕካ፣ ኣብ ታሕቲ መሬት ዘሎ ጥልቀታት ዉን ኣዕሚቕካ ዝገበርካ፣ ንዙርያኡ ዉን ብባሕሪ ዝኣሰርኻ፣ ምድሪ ንባሕሪን ንኲሉ ኣብኣ ዘሎ ክትጾሮ ብቃልኻ ዝኣዘዝኻ ንስኻ ኢኻ። ከመይ ኢልካ ደኣ፣ ኣእዳዉኻ ኣብ ልዕሊ ዕንጨይቲ መስቀል ዘርጋሕካ? ከምይ ኢልኻ`ኸ ብሽንካር ተሸንከርኻ? ናበይ`ኸ ወረድኻ? ንኣዳም ኣዚኻ ስለዘፍቀርካዮ፣ ምእንትኡ ክሳብ ሞት በጻሕካ። መን እዩ እስከ፣ ኣፍን ልሳንን ሃልዪዎ፣ ንናይ ጐይትነትኻ ምስጋና ከብጽሕ ዝኽእል?

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ መሕወዪ ዝዀነ መስቀልኻ ሓቚፈ፣ ካብኡ ናይ ህይወትን ናይ ምድሓንን መኣዛ ዘለዎ ጥዑም ጨና ምእንቲ ከሽትት፣ ግበረኒ። ንጹህ ደምኻ ዉን ኣብ ልዕሊ ሕሊናይ ይዉረድ እሞ፣ ምእንቲ ናይ ቅዱስ ነገር መሰዉኢ ክኸዉን ይቐድሶ፣ ኣብ ዉሽጠይ ዉን ናይ ህይወት መንፈስ ይንቀሳቐስ፣ ልቦናይ ካባኻ ካብ ናይ ህይወት መንፈስ ይስተይ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ መስቀል ኮይንኻ ናይ ሓሞትን ከርቤን መጺጽ መስተ ዝሰተኻ፣ ከምኡ ዉን ንዓይ፣ ካብታ ዓባይን ንጽህቲን ዝዀነት ፍቕርኻ ኣስትየኒ፣ ካብ መሪር ሞት ዉን ኣድሕነኒ።

ክርስቶስ ኣምላክነ፣ ሓመ ብእንቲኣነ፣ ወበሕማማቲሁ በዘወነ!

ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ምእንታና መኸራ ተቐበለ፣ ብሕማማቱዉን ተበጀወና! ኣሜን!

ምንጪ፦ መጽሓፍ ሕማማት ገጽ 653