መልእክቲ ፋሲጋ-ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስን አሐዱ አምላኽን አሜን። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ኣብ 4 ክፍለ ዘመን ዝጸሓፈ መልእክቲ ኮይና፣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ በዓል ፋሲጋ ማለት ኣብ ዕለት ትንሳኤ ድሕሪ ሊጦን እትንበብ፣ ብልጽቲ መጸናንዒት መልእክቲን እያ። ኣብ መጽሓፈ ሕማማት ብግእዝ ፈቲሸ ኔረ ግን ክረኽባ ኣይከኣልኹን።
Russian-Icon-Resurrectionንእግዚአብሔር ብሙሉእ ልቡ ዘፍቅሮን ዝግዝኦን እንተደኣ ሃልዩ፣ ሎሚ በዛ ኣዝያ ክብርቲ፡ ጽብቕቲን ብርሃናዊትን በዓል ይተሓጎስ። እሙን ኣገልጋሊ እንተደኣ ኮይንካ፣ ብባህታ ናብ ሓጎስ ጐይታኻ እቶ። ብጾም ነፍሱ ዘድከመ እንተሃልዩ፣ ዓስቡ ይቀበል። 
 
ካብ ቀዳመይቲ ሰዓት ጀሚሩ ዝሰርሐ እንተደኣ ሃልዩ፣ ግቡእ ክፍሊቱ ይርከብ። ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት ዝመጽአ እንተሃልዩ፣ ብኣኰቴት በዓሉ የብዕል። ኣብ ሻዱሸይቲ ሰዓት ዝኣተወዉን፣ ምንም ኣይስኣን፣ ምኽንያቱ ዝጐድሎ ነገር ስለዘየለ። ክሳብ ታሽዐይቲ ሰዓት ዝዶንገየ ዉን፣ ከየተወላወለ ይቕረብ። እቲ ኣብ ሰዓት ዓሰረተሓደ ዝመጽአዉን፣ “ዶንግየ” ኢሉ ኣይፍራሕ፣ ምክንያቱ ጐይታ ሕያዋይ እዩ።ነቲ ዳሕረዋይ፣ ከምቲ ቀዳማይ ጌሩ ዝቅበል እዩ። ነቲ ሰዓት ዓሰርተሓደ ዝመጽአ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳመይቲ ሰዓት ዝመጽአ ጌሩ፣ ዕረፍቲ ይህብ። ነቲ ዳሕረዋይ ምሕረት ይገብር፣ ነቲ ቀዳማይ ዉን ይሓሊ። ነቲ ሓደ ከምትግሃቱ ይከፍሎ፣ ነቲ ዳሕረዋይ ብጸጋ ይዕድሎ። ነቲ ዝሰርሕን ነቲ ዝሕልንን፣ የኽብር። እምበኣር ኩሉኹም፣ ዳሕረዎትን ቀዳሞትን፣ ናብ ዕረፍቲ ጐይታኹም እተዉ፣ ዓስብኹም ዉን ተቐበሉ።
 
 ኣንቱም ድኻታትን ሃብታማትን፣ ብሕብረት ዘምሩ! ኣንቱም ትጉሃትን፣ ከምኡዉን ኣንቱም ዘይግዱሳትን፣ ነዛ ዕለትኣብዕልዋ! ኣንቱም ዝጾምኩምን፣ ዋላ ኣንቱም ጾም ዘየኽበርኩም፣ በዛ ዕለት ተሓጎሱ! መኣዲ ተቐሪቡ ኣሎ፣ እንጀራ ዉን ተዳልዩ፣ ኩሉኹም ብኽብሪ ኣብዕልዎ። ስብሕቲ ላም ተሓሪዳ ኣላ`ሞ፣ ኩሉኹም ጽገቡ። ኣብዛ ናይ እምነት በዓልና፣ ኩላህና ንሳተፍ። ካብ ሃብቲ ለዋህነቱ ኩላህና ንቐበል።
 
ሰማያዊ ንጉስ ስለዝተገልጸ፣ ማንም ብድኽነቱ ኣይብከይ። ምሕረት ካብ መቃብር ትበርቕ ኣላ`ሞ፣ ማንም ብበደሉ ኣይጉሃይ። ሞት መድሓኒ ዓለም ሓራ ኣዉጺኡና እዩ’ሞ፣ ንሞት ኣይንፍራሕ። ብሞቱ ንሞት ሰዓረልና። እቲ ናብ ሲኦል ዝወረደ፣ ንሲኦል ማሪኽዋ ኣሎ። ናብ ሲኦል ብስጋ ምስወረዳ፣ ሰዓራን፣ ኣቅሓራን። ነብዪ ኢሳይያስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ፣ “ኣብ መዓሙቕ ክፍሊ ምድሪ ምሳኻ ምስ ተራኸበት፣ ሲኦል ቀሓረት።” [1]
ሲኦል ቀሓረት፣ ምክንያቱ ስለዝተሳዕረት። ቀሓረት ምክያንያቱ ስለዝተናዕቀት። ቀሓረት ምክንያቱ ጥራያ ስለዝተረፈት። ኩሉ ሓይላ ስለዝተሳዕረ፣ ሲኦል ቀሓረት። 
ሲኦል፣ ስጋ ዝወሰደት መሲልዋ፣ ግን ምስ ኣምላኽ ተራኸበት። ምድራዊ ዝኣተዋ መሲልዋ፣ ግና ሰማያዊ ኮይኑ ረኸበቶ። በቲ ዝረኣየቶ ተታሊላ ክትወርሶ ሓሰበት፣ ግን ካልእ ዘይረኣየቶ ስዓራ። 
 
“ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ 
ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧”[2]

ክርስቶስ ተንስአ፣ ንስኻ ሞት ዉን ዓነውነው በልካ።
ክርስቶስ ተንስአ፣ ኣጋንንቲ ተሳዕሩ።
ክርስቶስ ተንስአ፣ መላእክቲ ተሓጎሱ።

It is see for more purchase cheap cialis safe for use by men of all ages.

ክርስቶስ ተንስአ፣ ህይወት ተረኽበ።
ክርስቶስ ተንስአ፣ ሓደ ምዉት እኳ ኣብ መቓብር ኣይተረፈን።
ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ብምትንስኡ፣ ቦክሪ ናይቶም ደቂሶም ዘለዉ ዀነ።
ክብሪን ምስጋናን ንዘለዓለም ዓለም ንክርስቶስ ኣምላኽና ይኹን፣
ኣሜን!

[1] እዚ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናይ ግሪክ (ኢሳ 14፥9) ዝርከብ ኮይኑ፣ ኣብቲ ናይ ትግሪኛን ግእዝን ትርጉሙ ፍልይ ዝበለ እዩ። ቅ.ዮሃንስ ኣፈወርቅ ነዛ መልእክቲ ብግሪክ  እዩ ጽሒፍዋ።
[2] 1 ቆሮ 15፥55