ዕርገት-ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ

ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ ኣብ 5ይ ክዘ ዝነበረ ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦ እዩ፣ ጽሑፋቱ ብግእዝ የለን፣ ኣብ ስንክሳር ኰነ፣ ኣብ መጽሓፈ ሃይማኖተ ኣበው ዉን የለን። ዝያዳ ኣብቲ ምዕራባዊ ክፋል ጥራይ እዩ ዝፍለጥ። ኮይኑ ግና፣ ትምህርቱን መንፈሳዊ መልዕክቱን ኣዝዩ ደስ ዘብልን፣ ተስፋ ዘስንቕን እዩ። ብዛዕባ ዕርገት ካብ ዝጸሓፈ፣ ገለ ክፋሉ፣ እዚ ይመስል።

ሎሚ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢascension-icon-185x300የሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ኣዩ፣ እምበኣር ናትና ልብና ዉን ምስኡ ክዓርግ ይግባእ። እቲ ቅዱስ ሓዋርያ እንታይ ከም ዝበለ ስምዕዎ፣ “ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ  ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።” /ቆላ 3፥1-3/። ከምቲ ንሱ፣ ዋላ እኳ ናብ ሰማያት ዓሪጉ ክነሱ`ሲ ሕጂ ዉን ምሳና ዘሎ፤ ንሕና ዉን፣ ዋላ`ኳ እቲ ተስፋ ተዋሂቢና ዘሎ ነገራት ኣብ ስጋና ኣይፈጸም፣ ኣብ ምድሪ እንኰለና ብእኡ (ብክርስቶስ) ግና ኣብ ሰማያት ክንህሉ ንኽእል ኢና። ።

ሕጂ ክርስቶስ ካብ ሰማያት ልዕል ኢሉ ከቢሩ ኣሎ፣ ኮይኑ ግና፣ ሎሚ ዉን ምሳና ምስ ኣካላት ስግኡ (ማሕበሩ) ዝዀንና፣ ምሳና ሓቢሩ፣ ነቲ ንሕና እንቕበሎ መከራ ይካፈሎ ኣሎ። “ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧” /ግብረ 9፥4/ ኢሉ ክዛረብ እንከሎ፣ ነዚ ነገር ከመልክተና ደልዩ እዩ። ካልእ ዉን “ጠምዬ ኣብሊዕኩምኒ” ኢሉ ክምልስ እንከሎ ዉን፣ ንሱ ጠምዩ ዘይኰነስ፣ ምሳና ኮይኑ ነቲ ጥሜት ይካፈሎ ስለዘሎ እዩ።

ስለምንታይ ደኣ ኢና፣ ኣብ ሰማያት ምስኡ ክንዓርፍ፣ ብእምነትን ተስፋን ፍቕሪን ዘይንጽዕር? ንሱ ኣብ ሰማያት እንከሎ፣ ሕጂ ዉን ምሳና ኣብ ምድሪ ኣሎ፤ ንሕና ድማ፣ ኣብ ምድሪ እንከሎና፣ ምስኡ ኣብ ላዕሊ ኣለና። ብመለኮታዊ ሓይሉ፡ ብስልጣኑ፡ ብፍቕሩን ሓይሉን፣ ምሳና ኣብዚ ኣሎ። ከምቲ ንሱ ብኣምላክነቱ ኣብዚ ምድሪ ምሳና ዘሎ፣ ብከምኡ ኣገባብ ንሕና ኣብ ሰማያት ክንህሉ ኣይንኽእልን፣ ኮይኑ ግና ብእኡን ምስኡን ብፍቕሩን፣ ኣብ ሰማያት ክንህሉ ንኽእል።

ናባና ብተዋህዶ ክወርድ እንከሎ፣ ነቲ ሰማያዊ ዙፋኑ ኣይሓደገን፣ ከምኡ ዉን ናብ ሰማያት ክዓርግ እንከሎ ዉን፣ ካባና ኣይተፈልየን። ኣብዚ ምድሪ ብስጋ ኣብ ዝተገልጸሉ ግዜ፣ ፈጹሙ ካብ ኣምላካዊ ዙፋኑ ከም ዘይተፈልየ ከረድኣና እንከሎ፣ ባዕሉ ብቃሉ ከምዚ እዩ ዝበለ፣ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።” /ዮሃ 3፥13/።
This drug is safe and has proven to be particularly effective in cialis properien cute-n-tiny.com men who are 50 years of age are at greater risk to impotence because of cardiovascular diseases, neural problems, obesity and other factors.
እዘን ቃላት እዚአን፣ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት ዘረድእ እዩ፣ ምኽንያቱ ንሱ ርእስና እዩ፣ ንሕና ድማ ሰብነቱ (ስግኡ) ኢና። ብዘይካ ክርስቶስ ማንም ናብ ሰማይ ዝዓረገ የለን፣ ንሕና ክርስቶስ ኢና ( ክርስቶስ ማለት ቅቡእ ማለት እዩ፣ ብቅብኣቱ ቅብኣት ኣሎና)። ከማና ስጋ ሰብ ለቢሱ፣ ምስና ስለዝተወሃሃደ፣ ንሱ ወዲ ሰብ ተባሂሉ እዩ። ንሕና ድማ፣ ምስኡ ሓድነት ስለዘለና፣ ንሕና ዉን ዉሉድ ኣምላኽ ኢና። ስለዚ ዉን እዩ እቲ ቅዱስ ሓዋርያ ከምዚ ዝበለ፣ “ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ።” /1 ቆሮ 12፥12/። ንሱ ማለት ጐይታ፣ ብዙሕ ኣካላት ኣለዎ፣ ኮይኑ ግና ሓደ ስጋ እዩ።

ንዓና ፍሉይ ሓልዮትን ፍቕሪን ስለዘለዎ፣ ካብ ሰማያት ናባና ወረደ፣ መሊሱ ዉን ናብ ሰማያት በይኑ ዓረገ። ብጸጋ ምስኡ ሕብረት ስለዘለና፣ ንሕና ዉን ምስኡ ዓሪግና ኢና። ብዘይካ ክርስቶስ ማንም ናብ ታሕቲ ኣይወረደን፣ ብዘይካ ክርስቶስ ዉን ማንም ናብ ሰማያት ኣይዓረገን። ብርግጽ ኣብ መንጎ ርእሲን ካልእ ሰብነትን ፍልልይ የልቦን ማለት ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ፣ እቲ ርእሲ ምስቲ ስብነት ሓድነትን ሕብረትን ስለዘልዎ፣ ንሕና ዉን ምስኡ ምስቲ ርእስና ዝዀነ ክርስቶስ ሕበረትን ሓድነትን ኣሎና። ምስኡ ድማ ዓሪግና ኣለና።

ምስጋና ንኣቦን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን፣ ኣሜን!!!

ምንጪ፦ St. Augustine (Sermo de Ascensione Dominit, Mai 98, 1-2, PLS 2, 494-495).