ዕርገት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ- ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ

ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ ዘሂፖ፣ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ዝሰበኮ፣ ናይ በዓል ዕርገት ትምህርቲ

08.09.12.3484ከምቲ ፈሊጥኩሞን፣ ኣሚንኩሞን፣ ተቐበልኩሞን ዘለኹም፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እቲ ሓደ ወዱ ንኣቦ ዝዀነ፣ ምስ ወላዲኡ ዘለዓለማዊ፣ ፍጹም ዘይረአ፡ ኣብ ኲሉ ሙሉእ፣ ኲሉ ዝኽእል ዝዀነ፣ ብኣምላኽነቱ ምስኡ (ምስ ኣቦ) ማዕረ ዝዀነ፣ ምእንታና ክብል ሰብ ኮይኑ እዩ። ኲሉ ናይ ደቂ ሰባት ባህሪ ለበሶ፣ ካብ መለኮታዊ ባህሪኡዉን ኣይተፈልየን። ከምቲ ትፈልጥዎ፣ ምእንቲ ንሕና ዳግማይ ክንዉለድ፣ ንሱ ተወልደ።ምእንቲ ንሕና ንዘለዓለም ከይንመዉት፣ ንሱ ምእንታና ሞተ። ፍጹም ከይዶንገየ፣ ድሕሪ ሳልሰይቲ መዓልቲ፣ መሊሱ ዉን ካብ ሞት ተንስአ፣ በዚ ዉን ኣብ መወዳእታ ሰዓት ንሕና ኲልና ከም ንትንስእ ኣረጋገጸልና።

ንሞት ስዒሩ ምስ ተንስአ ዉን፣ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ተገለጸሎም፣ ብዓዒንቶም ረኣይዎ፣ ብኣእዳዎም ዳህሰስዎ፣ ነቲ ናይ ቀደም ስግኡ ከም ዘይለወጦን ከም ዘይሓደጎን ኣርኣዮም። ንኣርብዓ መዓልታት ዝኣክል ድማ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ እንዳተገልጸ፣ ምስኦም እንዳበልዐ እንዳሰተየን፣ ብግህዶ ተዛረቦም። ምስኦም ክበልዕ እንከሎ፣ ብሓቂ ስለዝጠመየ ወይዉን መግቢ ስለዘድለዮ ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ ሓይሉ ምእንቲ ከርእይን፣ ሓቀኛ ባህሪያት ስግኡ ምእንቲ ከርእይ እዩ። ናቱ ስጋ፣ ኣብ መስቀል መዋቲ፣ ካብ መቃብር ግና ዘይመዋቲ፣ እዩ።

ሎሚ ናይዛ ቅድስት ቤተክርስቲያን በዓል እዩ ፣ ዕረፍቲ መስራቲ ናይዛ ቤተክርስቲያን ዝዀነ ናይ ቅዱስ ሌዮንተስ እዩ። የግዳስ፣ ወርሒ እያ ብብርሃን ጸሓይ ዝያዳ ትደምቕ እሞ፣ ስለዚ ብዛዕባ ጐይታ ዝያዳ ክንዛረብ ይግባእ፣ ኣገልጋሊ ድማ ጐይትኡ ክምስገን እንከሎ እዩ ዝያዳ ዝሕጎስ።

ስለዚ፣ ሎሚ፣ ኣርባዓ መዓልቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ፣ ጐይታ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ንሕና ክዓርግ እንከሎ ኣይረኣናዮን፣ ግን ኣሚንና ኢና። እቶም ሽዑ ክዓርግ እንከሎ ዝረኣይዎ፣ ናብ ኲሉ ምድሪ ዞይሮም፣ ነቲ ዝረኣይዎ መስኪሮምልና እዮም፣ ከምቲ መጽሓፍ ዝብሎ ዉን፣ “ዘረባ የልቦን፣ ምዝርራብ የልቦን፣ ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ። ዜንኦም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፣ ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም።” (መዝ 19፥4)።

ስለዚ ዉን ትምህርቶም ናባና በጽሐ`ሞ፣ ንዓና ዉን ካብ ድቃስና ኣተንስኣና። እዚ ሞት`ዚ ዉን ኣብ ኲሉ ዓለም ይኸብር እዩ።

“ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።” (መዝ 57፥5)

ነዚ መዝሙር እስኪ ንዘክሮ፣“ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል” ይብል። እዚ ንመን እዩ ዝተነግረ? ንኣብ (ንእግዚአብሔር ኣቦ) ድዩ? ክኸዉን ኣይኽእልን፣ ምኽንያቱ፣ ኣቦ ማለት ኣብ፣ ካብ ክብሩ ለጠቅ ኣይበለን። ስለዚ ንመን ይመስለኩም፣ ንወልድ እዩ።One can get all the information regarding patient’s amerikabulteni.com purchase levitra online sexual function.

ኦ ንስካ ኣብ ማህጸን ኣዴኻ ዝሓደርካ፣ ንስኻ ልዕል በል። ኣብታ ንስኻ ዝፈጠርካያ ፍጥረትካ፣ ኣብ ዉሽጣ ዝተስራሕካ ንስኻ፣ ልዕል በል። ኣብ መብልዒ ማል ዝሓደርካ፣ ሓቀኛ ህጻን ኮይንካ፡ ካብ ኣጥባት ጸባ ዝተዓንገልካ፣ ኣብ ኣእዳው ኣዴኻ ኮይንካ ክነስኻ፣ ንዂሉ ዓለም እትምግብ ንስኻ፣ ልዕል በል። ንስኻ፣ እቲ ጻድቅ ስምኦን ሓቊፉ ልዕል ዘበለካ። ንስኻ፣ እታ ሰብኣያ ዝሞታ ነብዪት ሃና ርእያትካ፣ ኲል እትኽእል ምዃንካ ዝፈለጠትኻ። ንስኻ ምእንታና ክትብል፣ ዝጠመኻ፡ ጽምኢ ማይ ዝተጻወርካ፡ ብንዉሓት መንገዲ ኣዚኻ ዝደኸምካ። 
ግና፣ ባዕሉ እቲ ናይ ህይወት ህብስቲ ዝዀነ`ዶ ይጠሚ እዩ፣ እቲ ባዕሉ ምንጪ ማይ ዝዀነ`ዶ`ኸ ይጸምእ፣ እቲ ባዕሉ መገዲ ዝዀነ`ዶ `ኸ ይደኽም እዩ?
እዚ ዂሉ ምእንታና ክትብል ተጻወርካ። እቲ ዘየታክስ ሓላዊ እስራኤል፣ ንስኻ፣ ድቃስ ደቀስካ። ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ተታሓዝካ፡ ተኣሰርካ፡ ተገርፍካ፡ ኣክሊል እሾክ ዉን ተሰልምካ፡ ኣብ ገረብ ተሰቐልካ፡ ኣብ ጎንካ ተወጋእኻ፡ ሞትኻ፣ ተቐብርካ ዉን። ንስኻ እወ ንስኻ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልዕል በል።
ኣምላኽ ስለዝዀንካ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል። ንስኻ ኣብ መስቀል ተሰቒልካ ዝነበርካ፣ ሕጂ ግና፣ ናብ ሰማያዊ ዝፏንኻ ተመለስ እሞ፣ ኣብ መንበርካ ክበር። ንስኻ፣ ኣብ ቅድሚ ፈረድቲ ቀሪብካ ዝተፈረድካ፣ ሕጂ ግና ንዓለም ክትፈርዳ ኢኻ።

እዚ ሓሳብ`ዚ ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ፣ ብዘይ ናይ ጐይታ ሓገዝ ዉን ክንርድኦ ይኸብድ እዩ። ኣምላኽና “ምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።” (መዝ 113፥8)። ንሱ ባዕሉ ጐይታ፣ ነቲ ናቱ ድኻ ስጋ ኣተንሲኡ፣ ኣብ ማእኸል መሳፍንቲ ኣቐመጦ። ምስዞም መሳፍንቲ ህዝቢ ኮይኑ ድማ፣ ነዛ ዓለም እዚኣ ክፈርዳ እዩ። “ኣብ ዓሰርተ ክልተ መንበር ተቐሚጥኩም ንዓሰርተ ክልተ ነገደ እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም” (ማቴ 18፥29)፣ ኢሉ ንሓዋርያት ከም ዝነገሮም። እታ ድኻ ሰብነቱ ኣብ መንጎዞም ቅዱሳን እዩ ኣንቢርዋ።

ቤተክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ክብሪ እያ

እቲ ኣቐዲምካ ዝተነበኻዮ ቃልካ መፈጸምታ ረኺቡ ኣሎ`ሞ፣ ስለዚ፣ ኦ ኣምላኽና፣ ካብ ኲሉ ሰማያት ልዕል በል። ሕጂን ንመጻኢን ዉን፣ “ኦ ኣምላኽና ልዕል በል፣ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል”። ነዚ ኲሉ ነገራት ኣይረኣናዮን፣ ግን ከይረአና ኣሚንና ኣለና።  “ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።” ዝብል ቃል ክፍጸም እንከሎ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ርኢና ኣለና።

“ኣብ ሰማያት ልዕል በል” ዝብል ቃል፣ ክፍጸም እንከሎ ኣይረኣናን፣ ግን “ኣብ ልዕሊ ኲሉ ምድሪ” ልዕል ኢሉ ክኽብር እንከሎ ግና፣ ርኢና ኣለና። “ኣብ ልዕሊ ኲሉ ምድሪ” ተባሂሉ ዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ`ታ ኣብ ኲላ ምድሪ ተዘርጊሓ ዘላ ኣብ ቤተክርስቲያን፣ ማለት እዩ። እቲ መርዓዊ (ክርስቶስ) ኣብ ኲላ ምድሪ ተዘርጊሑ እዩ፣ እታ መርዓቱ (ቤተክርስቲያን) ዉን፣ ኣብ ኲላ ምድሪ ተዘርጊሓ ኣላ። እታ ፍቕርትካ፣ እታ ርግቢትካ፣ እታ ሰበይትኻ፣ ንሳ ክብረትኻ ዝዀነት ባዕላ፣ ቤተክርስቲያን እያ። ሓዋርያት ዉን ነዚ እዮም ምሂሮምና፣  “ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ።” (1ይ ቆሮ 11፥7)።

እንድሕሪ፣ ሰበይቲ ክብረት ሰብኣያ ኮይና፣ ቤተክርስቲያን ዉን ናይ ክርስቶስ ክብሪ እዩ፣ ንሱ ምስ ኣቦን፡ መንፈስ ቅዱስን ኮይኑ፣ ንዘለዓለም ዓለም ይነግስ። ኣሜን!