በዓለ ዕርገት

aseበስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ፣ ኣሜን! ሰላም ንዓካትኹም ይኹን፣ ክቡራት ኣንበብቲ እዛ ብሎግ። እንኳዕ ናብ በዓል ዕርገት ጐይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓና። ዕርገት ሓደ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ዋላ እኳ፣ እዚ በዓል እዚ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ክብር በዓላት መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ ይኹን፣ ኣብ ኣከባብርኡ ግና፣ ዳርጋ እቲ ኣዝዩ ትሑት ግምት ዝወሃቦ በዓል እዩ፣ እንተበልኩ ምግናን ኣይኰነን። ምናልባት ነዚ ክኸዉን ዝገበሮ ምክንያት፣ ኲሉ ግዜ ሓሙስ መዓልቲ ስለትበዓልን፣ ኣብዛ መዓልቲ ድማ፣ ስራሕ ስለዘሎን ክኸዉን ይኽእል። እዚ ቅንያር፣ ቤተክርስቲያን ንዕርገት ተኽብረሉ ስለዝዀነ፣ ቅሩብ ብዛዕብኡ ወስ ክብል።

መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ

ናይ ዕርገት በዓል፣ ትንሳኤ ካብ ዝወዓለሉ ሰንበት፣ ኣብ መበል 40 መዓልቲ፣ ዂሉ ግዜ ኣብ ዕለት ሓሙስ ትዉዕል። ናይዚ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት፣ ኣብተን ቅዱስ ሉቃስ ዝጸሓፈን ክልተ መጽሓፍቲ፣ ወንጌል ሉቃስን፡ ግብረ ሓዋርያትን፣ ብዝርዝር ተጻሒፉ ንረኽቦ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዕለተ ዓርቢ ፋዱስ ተሰቒሉ፣ ሰዓት 9 ቀትሪ (ሰዓት 3 ናይ ምሸት) ነፍሱ ካብ ስግኡ ተፈልያ፣ ሰዓት 11 ኣጋ ዕራርቦ ቅድሚ ጸሓይ ምዕራባ፣ ኣብ ሓድሽ መቃብር ምስ ተቐብረ፣ ድሕሪ ሳልሰይቲ መዓልቲ፣ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ፣ ተንስአ። ድሕሪ ትንሳኤኡ ድማ፣ ንሓዋርያት እንዳተግለጸ ይምህሮምን፣ የረድኦምን ነበረ። ቅድም ንማርያም መግደላዊት፣ ደሃር ንሉቃስ ቀልዮጳን፣ ጸኒሑ ዉን፣ ኲሎም ደቀ መዝሙርቱ ኣብ ዝተኣከቡሉ፣ እንዳተገልጸ፣ ክርምስስዎን፣ ክትንክፍዎን፣ እንዳገበረ፣ ኣብ ቅድሚኦም ዉን ጎጎ መዓርን፣ ጥቡስ ዓሳን እንዳበልዐ፣ ብዂሉ ነገር ንሱ ባዕሉ ምዃኑን፣ እቲ ሒዝዎ ዝተንስአ ስግኡ ዉን፣ እቲ ናይ ቀደም ስግኡ ምዃኑን ኣረጋገጸሎም። ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ስኢኖም ተደኒቆም ኔሮም። ወንጌል ከምዚ ይብል

“ንሱ ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡ ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።” /ሉቃ 24፥41-49/

” ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ’። ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ። ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡ ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ
ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም።”/ማር 16፥15-18/

“እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ። ምስ ረኣይዎ፡ ሰገድሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ። ኢየሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” /ማቴ 28፥16-20/

“ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ። ንሳቶም ከኣ ሰገድሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።” /ሉቃ 24፥50-53/

08.09.12.3484“ክሳዕ እታ ዝዐረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሐረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም፡ ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ ኣሎኹ። ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም። ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡ እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዚብሀል፡ ንየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዚኣክል ካብ ዚቐርብ ከረን፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።” /ግብረ 1፥2-12/

ስለዚ ካብዘን ኩለን ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ እንርድኦ፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኤየሱስ ክርስቶስ፣ ድሕሪ ትንሳኤኡ፣ ን 40 መዓልቲ ከም ዝመሃሮምን፣ እቲ ናይ መወዳእታ ብስጋ ኣብዚ ምድሪ ዝጸንሓሉ ድማ፣ 40 መዓልቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ከምዝዀነን እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ዝነግረና፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም እዮም ኔሮም። ጐይታ ተገሊጹ፣ “ተስፋ ኣቦ” ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝቕበሉ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ከጸንሑ ኣዘዞም፣ “ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡”/ግብረ 1፥5/።

ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ነገሮም፣ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ደብረ ዘይቲ ሒዝዎም ደየበ፣ ኣብዚ ቦታ`ዚ ድማ፣ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም”/ግብረ 1፡8/። ኣብዚ እዋን እዚ ዉን እዩ፣ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ፣ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” /ማቴ 28፡19/፣ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ዉን ምሳታቶ ከም ዝህሉ ቃል ኣተወሎም።

ኲሎም ደቀ መዛሙርቱ እንዳረኣይዎ ድማ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ባረኾም፣ ሽዑ “እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ።” /ግብረ 1፥9/። ኣንቃዕሪሮም ናብ ላዕሊ ክጥምቱ እንከለዉ ድማ፣ ጻዕዳ ክዳዉንቲ እተኸድኑ፣ ክልተ መላእኽቲ ተገሊጾም፣ “እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” /ግብረ 1፥11/

ትንቢት ብዛዕባ ዕርገት

ሓደ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበረ፣ ብኣምላኽ ዝተቀብአ፣ ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ዕርገት ብዙሕ ነገር ዘሚሩ እዩ፣ ገለ ካብኡ ከምዚ እዩ ዝብል፣ “ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ዐረገ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ። ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ” /መዝ 47፥5/። ከምኡ ዉን ኣብ መበ 68፡18 ከምዚ ይብል “ናብ ላዕሊ ደየብካ፣ ምርኮ ማረኽካ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪነብሩስ፣ ካብ ሰብ፣ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ።” “ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።” መዝ 132፡8

ካብዚ ትንቢት እንርድኦ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ብመሰረቱ እቲ ስጋና ለቢሱ ዝተወሃሃደ፣ ባዕሉ ኣምላኽ ማለት እግዚአብሔር ወልድ እዩ፣ በቲ ካልኣይ ዉን፣ እቲ ሓንሳብ ንስጋና ዝተወሃሃደ ጐይታ፣ ነቲ ንሱ ዝተወሃሃዶ ስጋ ኣብዚ ምድሪ`ዚ ሓዲግዎ ኣይከደን፣ ነቲ ስግኡ (ነቲ መሐደሪኡ ዝዀነ ታቦቱ) ሒዝዎ እዩ ናብ ሰማያት ዝዓረገ፣ ክዓርግ እንከሎ ድማ፣ ብዝማሬን ብዕልልታን ናይ መላእኽቲን ቅዱሳንን ነበረ።

ኮይኑ ግና መሰረታዊ ትሕዝቶ ናይ ዕርገት እንታይ እዩ? ስለምንታይ ክንድዚ ዝዓክል ክብሪ ንዕርገት ጐይታ ይወሃቦ? ብመሰረት ሊቃዉንቲ ቤተክርስቲያንና፣ ትሕዝቶ ናይ ዕርገት እዚ ዝስዕብ እዩ።

መዛዘሚ ምዕራፍ ድሕነትና

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ መድሓኒናን በጃናን ምዃኑ ኲሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ኣድሒኒና ክንብል እንከሎና ድማ፣ እታ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዝፈጸማ ናይ መስዋእትነት ደም ምፍሳስ ጥራይ እይኰነትን፣ እንታይ ደኣ ካብ ልደቱ ጀሚሩ ክሳብ ዕርገቱ፣ ኲሉ ናይ ድሕነት ስራሕ እዩ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ብሓድነትን ፍቅሪን ባህሪን ሓደ ዝዀነ፣ ሰለስተ ኣካላት ዝነብር፣ ስሉስን ቅዱስን እዩ። እዚ ሓደ ኣምላኽ፣ ፍጹም ዘይርአ፣ ዘይምርመር እዩ። ነዚ ዘይርአን፡ ዘይምርመርን ባህሪኡ ድማ፣ ኣብ ዝርአይ ፍጥረት ብግህዶ ክገልጾ ፈተወ። ስለዚ ዉን ሰብ ተፈጥረ!

ካልኦት ፍጥረት ክፍጠሩ እንከለዉ፣ ብቃሉ ክፈጥሮም እንከሎ፣ ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ ግና፣ ፍሉይ ዕላማ ከምዘለዎ ምእንቲ ከረድኣና፣ “ብመልክዕና ከም ምስሊና ሰብ ንፍጠር” በለ። ስለዚ ድማ ሰብ መልክዕን ምስሊን ናይቲ ብባህሪኡ ዘይርአ ኣምላኽ ዝሓዘ ክቡርን ፍሉይን ፍጡር እዩ። ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ ከም ዝገለጾ፣ እቲ መልክዕ ኣባና ሕቱም እዩ፣ ነቲ ዝተወሃበና ትእዛዝ ሓሊና ብናጽነትን ብፍቕሪን ክነምልኮ እንከሎና ድማ፣ ብዝያዳ ናብ ምስሊ ኣምላኽ ብጸጋ ክንዓቢ ንኽእል። ስለዚ ኣዳም ወይ ዉን ሰብ፣ ብመሰረቱ ናብዚ ክብሪ እዚ ክዓቢ፣ ማለት ብተኣዛዝነት፡ ብፍቅርን ብናጽነትን፣ ናይ ኣምላኽ ሕጊ ብምሕላዉ፣ “ኣምላክ ዘበጸጋ” /ናይ ጸጋ ኣምላኽ/ ንክኸዉን ነበረ።

እቲ ኣቀዲሙ “ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ” /ኢሳ 14፥14/ ኢሉ፣ ብትዕቢት ዝትበገሰ እሞ፣ ካብ ክብረቱ ዝተድርበየ፣ ዲያብሎስ፣ ንኣዳም ኣቦና ካልእ ትምህርቲ መሃሮ። ነዛ ዕጸ በለስ እንድሕሪ በሊዕካ ኣምላኽ ክትከዉን ኢኻ፣ በሎ። ሰብ ነቲ ክብሪ እቲ ተሓርዩ ነበረ፣ ብተኣዛዝነት ድማ፣ ናብቲ ክብሪ`ቲ ክበጽሕ ምኸኣለ፣ ኮይኑ ግና እቲ ዉዱቕ ፍጥረት ሰይጣን ጸላኢና፣ ንኣዳም ኣቦና ትእዛዝ ብምጥሓስ፣ ናብ ኣምላኽነት ክሰጋገር ኣታለሎ። ከም ዉጽኢቱ ድማ፣ ካብቲ ወሃቢ ህይወት እግዚአብሔር ኣምላኽ ስለዝተፈለየ፣ ሞት ኣብ ልዕሌና ነገሰ /ሮሜ 5/። ሕጊ ብምጥሓሳ፣ ሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈለየ፡ ሓጢኣት ዘይፈልጥ ባህሪኡ ሓጢኣት ፈለጠ፡ ካብ ጸጋ ኣምላኽ ረሓቀ፡ ዉልድነት ኣምላኽ ኣጥፈአ፡ ካብ ህይወት ተፈለየ፡ ባርያ ሞት ኰነ፡ ሓጢኣት ድማ ብሓይሊ ሞት ኣቢላ ትገዝእ ነበረት።

ካብዚ ኲሉ ዉድቀት ከድሕነና፣ ባዕሉ ኣምላኽ፣ ማለት ሓደ ኣካል ካብ ስላሴ፣ ብመለኮቱ ወዲ ልዑል እግዚአብሔር ጸባኦት፡ ብስግኡ ድማ ወዲ ድንግል ማርያም ንጽህት፡ ብተዋህዶ ሰብ ኮይኑ መጽአ። ስጋና ለቢሱ ድማ፣ ኲሉ እቲ ንሕና እንዀኖን፡ ዝሰመዓናን ዘጋጥመናን፡ ኣብ ገዛ ስግኡ ተቐበለ። ብጀኻ ሓጢኣት ድማ፣ ኲሉ እቲ ንሕና ንገብሮ ገበረ። ብመለኮቱ ኣምላኽ እዩ፣ ብሰብነቱ ድማ ከማና ሰብ እዩ። ብመዋቲ ስግኡ ንሞት ብምጥዓም ድማ፣ ብመለኮታዊ ሓይሉ ንሞት ስዒሩ ተንስአ። ብሞቱ ንሞት ደምሰሶ፣ ንሓጢኣት ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ጾይሩ ቀተሎ። ንዓና ዉን ኣብነት ሓደገልና። ኣብ መወዳእታ ዉን ነቲ ዝተወሃሃ31f81c6a472371f63b61260d1d29538dዶ ስጋና፣ ሒዝዎ ናብ ሰማይ ዓረገ። እዚ ማለት፣ ነቲ ስጋና ኣብ ዝፏን ኣምላኽ ኣንበሮ፣ ማለት ኣምላኽ ገበሮ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ካልኣይ ኣዳም ወይዉን ናይ መወዳእታ ኣዳም ተባሂሉ እዩ /ሮሜ 5 1ይ ቆሮ 15/። ነቲ ኣቀዲሙ ትእዛዝ ብምሕላዉ ናብ ምስሊ ኣምላኽ ክዓቢ ዘይከኣላ ኣዳም ብምትካእ፣ ባዕሉ ካልኣይ ኣዳም ኮይኑ፣ ነቲ ኣዳም ክዛዝሞ ዘይከኣለ፣ ጉዕዞ ብስጋና ኮይኑ፣ ኣብ ክንዳና ዛዘሞ። ሰብ፣ ሓቀኛ መንነቱ፣ ምስ ኣምላኽ ክሓብር እንከሎ፣ ከም ዝርከብ ኣርኣየና። ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ ክነሱ፣ ምእንታና ክብል፣ ሰብ ኮይኑ ኲሉ ጉዕዞ ፈጸሞ። ንዓና ዉን፣ ካብ ባርነት ሞት፣ ናብ ህይወት፣ ካብ ሓጢኣት ናብ ጽድቂ፣ ካብ ጸልማት ናብ ባርነት፣ ካብ ሕጊ ናብ ጸጋ፣ ካብ ዉሉድ ዓለም ናብ ዉሉድ ኣምላኽ፣ ኣሰጋገረና።

ጐይታ ዓሪጉ ክበሃል እንከሎ፣ ኲሉ ሰብ ዝዝክሮ ሓደ ተራ ነገር ኣሎ። ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም እዚ ን33 ዓመት ምስ ጸንሐ፣ ናብ ናይ ቀደም ዙፏኑ፣ ናብ ኣቡኡ፣ ናብ ሰማይ ተመሊሱ። ዝበዝሐ ሰብ ነዚ ሓሳብ ጥራይ እዩ ዝዝክር፣ እዚ ዉን ሓቂ እዩ ኮይኑ ግና፣ ሓደ ዝሰሓትናዮ ነገር ኣሎ። ንሱ፣ ማለት ክርስቶስ ካብ ሰማያዊ ዙፏኑን ካብ ኣቡኡን ፍጹም ተፈልዩ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ምድሪ ብስጋ እንከሎ፣ ብኣምላካዊ ባህሪኡ ግና ፈጺሙ ካብ ዙፏኑ ኣይተፈለየን፣ ምስ ኒቆዲሞስ ክዛረብ እንከሎ፣ እንታይ ከም ዝበለ ነስተዉዕሎ “ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ፣ ኣብ ሰማይ ዉን ዘሎ ወዲ ሰብ፣ ናብ ሰማይ ዝዓረገ (ዝደየበ) ሓደ እኳ የልቦን።” /ዮሃ 3፥13/ ። ኣብ ምድሪ ምስ ኒቆዲሞስ እንዳተዛረበ ክነሱ፣ ካብ ናይ ባህሪ ኣቡኡ ካብ ሰማያዊ ዙፏኑ ከም ዘይተፈለየ ከረድእ እንከሎ ግና፣ “ኣብ ሰማይ ዉን ዘሎ” በለ።

ስለዚ ዓሪጉ ክበሃል እንከሎ፣ ብኣምላካዊ ባህሪኡ ካብ ሰማያዊ ዙፏኑ ካብ ሑቅፊ ኣቡኡ ፈጺሙ ተፈልዩ ኣይፈልጥን፣ እወ ብርግጽ ጐይታ ዓሪጉ እዩ፣ ናብ ሰማያዊ ዙፏኑ ተመሊሱ እዩ፣ ክምለስ እንከሎ ግና፣ ምስኡ ነቲ ስጋና ተማሊእዎ እዩ። ናብ ሰማያዊ ዙፏኑ፣ ናብ የማን ሓይሊ ኣቡኡ ክዓርግ እንከሎ፣ ነቲ ዝተወሃሃዶ ስጋና ከይፈለዮ፣ ናብ ሰማያት ወሲዱ ኣብ ዙፏን ኣምላኽ ኣንበሮ። ካብ ደብረ ዘይቲ ክዓርግ እንከሎ፣ ደቀ መዛሙርቱ “እናረኣይዎ ዐረገ”፣ ማለት፣ ብመንፈስ ወይ ብዘይርአ ኣካል ኣይኰነን፣ ብርግጽ ብዝረአ ስጋ፣ ብሰብኣዊ ባህሪኡ እዩ ዓሪጉ።
This cialis prices http://appalachianmagazine.com/2017/01/28/three-individuals-shot-at-south-aiken-high-school-basketball-game-suspect-at-large/ problem is associated with psychological factors such as exposure to environmental pollutants and pesticides may be another cause and so can substance abuse, like taking drugs, alcohol, steroids and smoking.
እምበኣር መዛዘሚ ጉዕዞ ድሕነት፣ ዕርገት እዩ። ዕርገት፣ ካብ ናይ ዕለተ ዓርቢ መከራ መስቀልን፡ ሞትን፡ ትንሳኤን ፍሉይ እዩ። ብዕርገቱ፣ ማሕተም ድሕነትና ተረጋገጸ። ብናይ መስቀል መከራን ሞትን፣ ንሞት ብሞቱ ሰዓሮ። ብዕርገቱ ድማ፣ ስለምንታይ ንሞት ኣቀዲሙ ከም ዝሰዓሮ፣ ኣረድኣና። ካብ ቀዳማይ ክሳብ 5ይ ክ/ዘ ዘነበሩ ኣቦታት፣ ንዕርገት፣ “ዝዓበየ ነጥቢ ድሕነትና” ብምባል ይገልጽዎ።

"ኣብ ቤተልሄም፣ ካብ ሰማያት ናብ ምድሪ ወሪዱ፤ ካብ ደብረ ዘይቲ ድማ፣ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ኣብ ቤተልሄም፣ ግብሪ ድሕንት ክጅምር ናብ ሰባት መጽአ፤ ካብ ደብረ ዘይቲ ድማ፣ ናይ ግብሪ ድሕነት መዛዘሚ ዝዀነ ኣክሊል ክቅበል ናብ ሰማይ ዓረገ።" ቅ.ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም

እምበኣር፣ ሕጂ፣ ወልደ እግዚአብሔር ኣብ የማን ኣቡኡ፣ ኣብቲ ፈጺሙ ዘይተፈለዮ መንበሩ፣ ኣሎ። ብዕርገቱ፣ ነቲ ዝተወሃሃደ ስጋ ሒዙ፣ ኣብ ሰማያዊ ዙፏኑ ኣሎ፣ ማለት ኣብ የማን እግዚአብሔር ኣቦ፣ ሰብኣዊ ባህሪ ኣሎ። እዚ ሓሳብ እዚ እዝዩ ድንቂ እዩ፣ ግን ድማ ብእምነት እንቅበሎ ኣማናዊ ነገር እዩ።

ካልእ ዉን እንርድኦ ሓቂ ኣሎ፣ ብዕርገት፤ ኣብ መንጎ ቃልን ስጋን፣ ኣምላኽን ሰብን፣ መለኮታዊ ባህሪን ሰብኣዊ ባህሪን ዝነበረ ዉህደት፣ ሓቀኛ ምዃኑ ንርዳእ፣ ፍጹም ተዋህዶ! ክርስቶስ፣ ኣምላክ እንከሎ ሰብ፣ ሰብ እንከሎ ድማ ኣምላክ እዩ። ብግእዝ፣ “ኣምላክ ወሰብእ” ንብል፣ “ኣምላኽን ሰብን” እዩ። ነቲ ስጋና ኣብዚ ምድሪ`ዞ ዘይምሕዳጉ መረዳእታ ናይዚ ነጥቢ እዩ።

ብሳልሳይ ደረጃ ዉን ንርድኦ ነገር ኸኣ፣ “ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት” እዩ። “ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፣ ከመይ እዩ?” /ዮሃ 6፥62/። ክርስቶስ፣ ሰብ ኔሩ ጥራይ እንተዝኸዉን፣ ሰልምንታይ “ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ክድይብ” ይብል? ኮይኑ ግና፣ ካብ ሰማያት ብናይ ባህሪ ኣቡኡ እንድሕሪ ተላኢኩ፣ ሰብ ጥራይ ከም ዘይኰነ ክንርዳእ ንኽእል። ምክንያቱ፣ ከምቲ ንሱ ዝበሎ፣ ማንም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ወዲ ሰብ የለን። ስለዚ፣ እቲ ካብ ሰማያት ዝወረደ፣ ብቀደሙ ዉን ኣብ ሰማያት ዝነበረ፣ ናይ እግዚአብሔር ቃል፣ ማለት ባዕሉ እግዚአብሔር ወልድ እዩ።

ብዕርገት ክርስቶስ፣ ሓድሽ ፍጥረት ከም ዝዀንና ዉን በሪሁልና እዩ።  “ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ህይወትና ምስ
ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።” /ቆላ 3፥1-4/

"እግዚአብሔር ኣብቲ ዝተጋገየ ሰብ፣ ምሕረት ክገብር መረጸ። ስለዚ እንታይ ይግበር? ደጊሙ ካልኣይ ኣዳም ፈጠረ፣ ካብቲ ባህሪና ካልእ ጽላል ክኸዉን ዝኽእል ባህሪ፣ ካብ ድንግል ሓመድ ተለቂሑ፣ ፈጠረ (ካብ ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ንስጋ ክርስቶስ ፈጠረ)። ነቲ ሓድሽ ድቂ ድማ፣ ምእንቲ ነቲ ናቱ ዝዀነ ሓቀኛ መልክዕ ክሕዝ፣ ሓድሽ መልክዕ ሃቦ። ነቲ ማህጸን፣ ልክዕ ከም ናይ ነገስታት ገዛ ጌሩ ተጠቀመሉ፣ ነቲ ድቂ ዉን ኣብኡ ሃነጾን ሰርሖን። ናይቲ ኣቀዲሙ ተፈጢሩ ዝነበረ`ሞ ጥራዩ ዝዀነ፣ ዕርቃን ናይ ቀዳማይ ፍጥረት (ኣዳም) ምእንቲ ክኸድን ድማ፣ ነቲ ናጽላ ሓቀኛ መልክዑ ከደኖ። ኣዝዩ ሓያል፣ ነቲ መታለሊ(ዲያብሎስ) ክስዕር ዝክእል፣ ልዕሊ ሓጢኣት ዝዀነን፣ ንሞት ክስዕር ዝኽእል ጌሩ ኣግሃዶ። ድሕሪ ሞቱ፣ ዘይመዋቲ ኮይኑ ተንሰአ። ኣብ መቃብር ኮይኑ ነቶም መቃብራት ፈትሖም፣ ናይ ዘለኣለማዊ ኣክሊል (ናይ ዘይሙሟት ኣክሊል) ዉን ኣጎናጸፎ። ደጊሙ ዉን ናብ ናይ ቀደም ክብሩ መለሶ። ነዚ ብምግባሩ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ኲሉ ፍጥረት ሓድሽ ግርማ ኣልበሰና፣ ማለት ቦክሪ ፍረትታ ናይ ባህሪኡ ዉን ገበረና።" ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ (ዓቢ)

ምዉራድ መንፈስ ቅዱስ

"ሰማያት፣ ቅዱስ ስጋ ተቀበለት፤ ምድሪ ድማ፣ ቅዱስ መንፈስ ተዋህበት" ቅ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ዕርገት ጐይታ፣ ምስ ምዉራድ መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ምትሕሓዝ ኣለዎ። ወንጌል ጽቡቕ ጌርና ክንምርምር እንከለና፣ እዚ ሓቂ ይበርሃልና።   ዮሃ 7፥ 37-39 “በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል ኢየሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ። ኢየሱስ፣ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ።” ዉህብቶ መንፈስ ቅዱስ ንኲልና፣ ብፍላይ ግን፣ ንምስፍሕፋሕ ቀንጌል ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ኮይኑ ግና እቲ መንፈስ ቅዱስ ክወርድ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ጐይታ ክኸብር ኔርዎ። ጐይታ መዓስ እዩ ከቢሩ? ብቐዳምነት ኣብ መስቀል እዩ እዩ ከቢሩ፣ በቲ ናይ መዛዘሚ ዕዮ ክንምርምሮ እንከሎና ድማ፣ ኣብ ግዜ ዕርገቱ፣ ኣብ የማን ኣምላኽ ኮፍ ምስ በለ፣ እዩ ከቢሩ።

“እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ። ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርያ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።” /ዮሃ 15፡26/

እንተ ኸድኹ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም
ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ። ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ።  ብዛዕባ ጽድቂ፥ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ደጊም ኣይትርእዩንን። ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፥ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ። ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።” /ዮሃ 16፥7-13/

ካብዘን ጽሑፋትን፣ ካብ ጽሑፋት ግብረ ሓዋርያት (1፡4-11)፣ ሓደ ነገር ንመሃር ኢና፣ ማለት ኣብ መንጎ ዕርገት ጐይታን፣ ምዉራድ መንፈስ ቅዱስን ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ኣለዎ። ኣብዚ ግና እግረ መንገድና ክንግንዘቦ ዝግባእ ኣሎ። ከምቲ ዮሃ 20፡22 ዝነግረና፣ ሓዋርያት ካብ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም እዮም። ቅዱስ ቂርሎስ ዘእስክንድርያን ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅን ነዚ ነገር ብግልጺ ይምስክርዎ እዮም። ቅድም ዝተቀበልዎ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ብምልኣት ዝወረደ ግና ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ናይ ትንሳኤ፣ ወይ ዉን ኣብ መበል 10 መዓልቲ ናይ ዕርገት እዩ። “ምድያብን፣ ምዉራድን” ይብልዎ፣ ቅዱሳን ሊቃዉንቲ። ምድያብ ስጋ ዝተወሃሃደ ጐይታን፣ ምዉራድ ጐይታ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስን።

"ድሕሪ ዕርገት፣ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ወረደ፣ ኮይኑ ግና ናይ መንፈስ ቅዱስ ዕዮ ኣብዚ ምድሪ ጥራይ ዝተሓጸረ ኣይነበረን። ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ክርስቶስ ሕብረትን ሓድነትን ስለዘለና፣ ስለዚ ናይ ህይወት መብጽዓ ኣብ ሰማያት ኣለና፣ ምክንያቱ ምስ ክርስቶስ ናብ ሰማያት ተወስዲና ኢና።" ቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ
"ዕርገት ክርስቶስን፣ ምዉራድ መንፈስ ቅዱስን፣ ንዓና ሓደ ዕድል ከፊቱልና። ብናይ ክርስቶስ ስብ ምኳን፣ ናብ መለኮታዊ ባህሪኡ ክንበጽሕ ንኽእል፣ በዚ ድማ ኣምላኽ ምዃኑ ክንኣምን የኽእለና" ቅ.ኣዉግስጢኖስ
"ብመንፈስ ቅዱስ ናብ ወልድ ንበጽሕ፣ ብወልድ ድማ ናብ ኣቦ ንበጽሕ" ቅ.ኢራኔዎስ ዘልዮን

መደምደምታ

በዓል ዕርገት፣ ኣብ እምነትናን፣ ኣብ ክርስቲያንዊ ህይወትናን፣ ፍሉይ ነጥቢ ዘለዋ እያ። ዕምቁቱን፣ ስፍሓቱን፣ ምንዋሑን ምግፋሑን ክንርድኦ ዉን ይግባእ። ከምቲ ኣቐዲሙ፣ ካብ ሰማያት ዝወረደ፣ መሊሱ ነቲ ካባና ዝተወሃሃዶ ስጋ፣ ሒዙ ናብ ሰማያት ዓሪጉ እዩ። ፈቲና፣ ጸሊእና፣ እቲ ናትና ስጋ፣ ኣብ የማን ዙፋን ኣምላኽ፣ ኮፍ ኢሉ ኣሎ። ጽዉንጽዋይ ኣይኰነን፣ ሓቂ እዩ። መዐንቀፊ እምኒን መንደልሃጺን ዉን ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ፣ ኒቅያ ዝመስከረቶ መሰረተ ከዉሒ ዝዀነ ሓቂ እዩ። ስለዚ ዕርገት፣ ንዂልና ዝህበና ተስፋ መጻኢ ህይወት ኣሎ። ናብቲ ክብሪ`ቲ ክንዓቢ ዉን፣ ብጸግኡ ይከኣል እዩ። ኣብቲ መጻኢ ህይወት ጥራይ ኣይኰነን፣ ሕጂ ዉን ተስፋ ኣሎና። እምበርከ፣ ክርስቶስ ርእስና እዩ፣ ንሕና ድማ ስግኡን ሰብነቱን ኢና። ስለዚ ምስኡ ሕብረት ካብ ሃለወና፣ ምስኡ ዉን ክንኸብር ኢና። ክርስትና፣ ማለት ምስ ክርስቶስ ፍጹም ሓድነትን ሕብረትን ሃልዩካ ምንባር እዩ።

ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፣ ድሕነት ክበሃል፣ እንከሎ፣ ካብ ሲኦል ትሃድመሉ፣ ጻዕዳ ናይ ይሕለፍ ወረቐት ምርካብ ጥራይ ጌርና ኣይንርድኦን። ድሕነት ንዓና፣ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ቅዱስን ፍጹምን ዝዀነ፣ ንሕና ዉን ከምኡ ቅዱስን ፍጹምን ክንኸዉን፣ እንጓዓዞ ህይወት እዩ /ዘሌ 19፡2 ማቴ 5፡48/። ነዚ ህይወት ድማ፣ ኣብ ግዜ ጥምቀት፣ ንክርስቶስ ብምልባስ ይጅመር። እቲ ኣረጊት ሰብነት ኣዳም ምስኲሉ ፍትወቱ ተቐቢሩ፣ ንክርስቶስ ዝለበሰ ሓድሽ ህይወት፣ ሒዝና ንጅምር። ብመንፈስ ቅዱስ ማሕተም ብቅብኣ ሜሮን ተቐቢእና፣ በቲ ናቱ ስጋን ደምን ተሓቲምና፣ ጉዕዞ ይጅመር። እቲ ጉዕዛ ናብቲ ክርስቶስ፣ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፣ ናብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።

ኮይኑ ግና፣ ዝበዛሕና ነቲ ኣብ ግዜ ጥምቀትና ዝተቐበልናዮ ጸጋ ዉልድነት ደርቢናዮ ኢና። ስለዚ መሊስና ነዚ ጸጋ ዉልድነት እዚ ኣሐዲስና፣ ነቲ ጉዕዞ ክንቅጽሎ ይግባእ። ነዚ ክንገብር ድማ፣ ዳግማይ ክንዉለድ ይግባእ፣ ብናይ ንስሓ ማይ ተሓጺብና ክንጥመቅ ይግባእ። ገዛእ ርእስና ክሒድና፣ መስቀልና ተሰኪምና፣ መዓልታዊ ንጐይታ ክንስዕብ ይግባእ። ልብና ዉን ብቃል ኣምላኽ፣ ነናሻዕ ክትሕደስን ክትዉለድን ይግባእ። ናብቲ መግቢናን መስተናን ዝዀነ፣ መኣዲ ጐይታ ቀሪብና፣ ክንምገብ ይግባእ። “ብዘይ ብኣይ ዋላ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” /ዮሃ 15/። ሽዑ ናብቲ፣ የማን ኣምላኽ ዘሎ ጐይታ፣ ናብታ ናትና ዕረግት ክንዓቢ ይከኣል።

ዕረገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ነገር ኣብሪሁልና ኣሎ፣ ዕቁር ጸጋን ሃብቲን ከምዘሎና። ዕብየትና ናብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቢሩሉ ዘሎ፣ ናብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዩ። ምስኡ ካብ ደብረ ዘይቲ ክንዓርግ እንድሕሪ ኮይኑ ድማ፣ ብዙሕ ትግሃትን ገድሊን ከድልየና እዩ።

“ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ። ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ። ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሃበ፡ ይብል። እዚ፤ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቝ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ  ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ። ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ። ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ።” /ኤፈ 4፡1-16/

ነቲ ዝዓረገ ጐይታ፣ ንኣማናዊ ቃልን-ስጋን፣ ንመድሓኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምስ ኣቡኡን ምስ መንፈስ ቅዱስ፣ ንዘለዓለም ዓለም ክብሪና ምስጋናን፣ ኣምልኮን ዉዳሴን ይዀን፣ ኣሜን።