ስራሕ መንፈስ ቅዱስ- ቅ.ባሲልዮስ ዘቂሳርያ

"ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።" ገላ 5፡18-23

ዝኰlast ned (1)ነ ሰብ፣ ንመንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎ ዘሎ ኣስማት ክምርምር እንከሎ፣ ነፍሱ ይለዓዓል እሞ፣ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ልዕሊ ኲሉ ዝዀነ ኣካል (ማለት ኣምላኽ)፣ ምዃኑ ይርዳእ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ መንፈስ ኣምላኽ፡ ካብ ኣቦ ዝሰርጽ መንፈስ ሓቂ፡ ጽኑዕ መንፈስ፣ ዝመርሕ መንፈስን ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። ልዕሊ ኲሉ ግና፣ በታ ቀንዲን ዉልቃዊን ስም ይፍለጥ፣ “መንፈስ ቅዱስ”።

ኲሎም ፍጥረታት፣ ኣብ ግዜ ሽግሮም፣ ንክነጽሁ ናብ መንፈስ ቅዱስ ይቐርቡ፣ ኲሎም ፍጥረታት ከም መጠን እቲ ዘለዎም ክእለት ንመንፈስ ቅዱስ ይደልይዎ። ካብኡ ዝወጽእ እስትንፋስ ድማ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓይሉ ብምሃብ ናብቲ ዝተመደበሎም ባህሪያዊ ቦታ የብጽሖም።

መንፈስ ቅዱስ ናይ ቅድስና ምንጪን መንፈሳዊ ብርሃንን እዩ፣ ናብ ኣእምሮ ኲሉ ሰብ ድማ፣ ብርሃኑ ብምልኣኽ፣ ኲሎም ነቲ ሓቂ ክረኽብዎ ይገብር። ብባህሪኡ፣ መንፈስ ቅዱስ ልዕሊ ኣእምሮ እዩ፣ ተመራሚርና ዉን ኣይንበጽሖን፣ ኮይኑ ግና ብሰናይ ግብሩ ንፈልጦ ኢና። ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ንዂሉ ኣድማስ መሊእዎ ኣሎ፣ ኮይኑ ግና ነቶም ብቁዓት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ እዩ፡ ብመጠን `ቲ ዘለዎም እምነት፣ ገዛእ ርእሱ እንዳሃበ፣ ጸግኡ ዝዕድሎም።

መንፈስ ቅዱስ ብባህሪኡ ሰናይ እዩ፣ ብሓያል ግብሩ ድማ ብዙሕ ዕዮ ይዓዪ። ምልኣት ህላዌኡ ንነፍሲ ወከፍና ቀረባ እዩ፣ ምልኣት ህላዌኡ ኣብ ኲሉ ሙሉእ እዩ። ሃብቲ ጸግኡ ንብዙሓት ይዕድል፣ ኮይኑ ግና ካብኡ ዝጎድል ነገር የለን፣ ብዙሓት መንፈስ ቅዱስ ኣለዎም፣ ኮይኑ ግና ንሱ ኣይልወጥን። ከም ጸሓይ ማለት እዩ፣ ኣብ ኲሉ ጠፈር፡ ማያትን ምድሪን ጩራ ብርሃና ትልእኽ፣ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ድማ፣ ንዕኡ ጥራይ ተባሂላ ዝተፈጥረት ጌሩ የስተማቅራ። መንፈስ ቅዱስ ዉን ከምኡ እዩ፣ ንዂሉ ዝኣክል ጸግኡ ብምልኣት ኣብ ኲሉ ሰብ የፍስስ፣ ኮይኑ ግና ኣብቲ ክቕበሎ ዝኽእል ጥራይ እዩ ዝሓድር። ነቶም ዝተቀበልዎ ፍጥረታት፣ ፍሉይ ፍስሃ ይመልኦም፣ እዚ ዉህብቶ ድማ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ኽእለት ዘይኮነሲ፣ ብመጠን እቲ ዘለና ባህሪ እዩ ዝዉሰን።
ED in the sense refers to the inability to achieve or generico cialis on line Discover More maintain an erection for a good intimacy.
መንፈስ ቅዱስ፣ ልብና ናብ ሰማያት የልዕሎ፣ መገዲ ጉዕዞ ናይ ድዂማት ይመርሕ፣ ነቶም ዝተግሁ (ዝጽዕሩ) ድማ ናብ ፍጽምና የብጽሖም። ነቶም ካብ ርስሓት ሓጢኣት ዝነጽሁ፣ ዝያዳ ብሩሃት ይገብሮም፤ ምስ ገዛእ ርእሱ ብምዉህሃድ ድማ መንፈሳዊ ይገብሮም።

ከምቲ ሓደ ነገር፣ ናይ ጸሓይ ብርሃን ምስ ረኸበ፣ ንርእሱ በሪሁ፣ ንካልኦት ብርሃን ዘንጸባርቕ፣ ከምኡ ዉን መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበለት ነፍሲ፣ ብመንፈስ በሪሃ፡ መንፈሳዊ ትኸዉን፣ ንካልኦት ዉን ምንጪ ጸጋ ትኸዉን።

መንፈስ፣ ናይ መጻኢ ነገራት ይፈልጥ፣ ሚስጢራት ናይ እምነት ይምርምር፣ ሕቡእት ትርጉም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ የብርህ፣ ካልእ መንፈሳዊ ዉህብቶታት ዉን ይህብ። ብመንፈስ ቅዱስ፣ ሰማያዊ ዜግነት ንቕበል፤ ናብ ሕብረት መላእኽቲ ንጽንበር፣ ናብ ዘለኣለማዊ ፍስሓ ንኣቱን፣ ምስ ኣምላኽ ዉን ሓድነት ይህልወና። ብመንፈስ ቅዱስ፣ ናብ ምስሊ ኣምላኽ ንዓቢ፣ ካብ ባህሪና ንላዕሊ ዝዀነ ነገር ዉን ክንበጽሕ ንኽእል፣ ማለት፣ ከም ኣምላኽ ክንኸዉን ንኽእል (ብጸጋ ኣምላኽ ንኸዉን ማለቱ እዩ)።

ምስጋና ንኣቦን ንወልዲን ንመንፈስ ቅዱስን ንዘለኣለም ኣለም ኣሜን!!