ጴንጤቆስጤ (በዓለ ሃምሳ) ምዉራድ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት- ቅ ኤራንዮስ ዘሊዮንስ

ቅዱስ ኤራንዮስ (130-200 ዓ.ም.)፣ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝነበሩ፣ ናይ ሊዮንስ እትበሃል ዓዲ ጳጳስ ዝነበሩ፣ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታት እዩ። ንወንጌላዊ ቅዱስ ዮሃንስ ወደ መዝሙሩ ዝነበረ፣ ንሰማእት ቅዱስ ፖሊካርፐስ ወደ መዝሙር ዝነበረን፣ ኣብ ሮማ ናይ ሰማእት ቅዱስ ጀስቲን ተማሃራይ ዝነበረ፣ ኣዚ ኣቦ እዚ፣ “ኣንጻር መናፍቃን/ Against Heresies” እትብል 9 ክፋል ዘለዎ ዓቢ መጽሓፍ ዝጸሓፈ እዩ። ጽሑፋቱ ኲሉ ምስ ሓዋርያት ብቀጥታ ዘተሓሕዝ ስለዝዀነ፣ ኣብ ትምህርቲ ክርስቲና ፍሉይ ቦታ ዘለዎ እዩ።
/ግብ 2፡1-13/ “ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኲhpሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፡ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ።”

ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ፣ ናብ ኲሉ ዓለም ዞይሮም ንክምህሩን፣ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንኸጥምቁ ክእዝዞም እንከሎ፣ ንሰባት ሓድሽ ህይወት ከዉህቡ ዘኽእል ሓይሊ ካብ ኣምላኽ ከም ዝቕበሉ፣ ቃል ኣትዪሎም ነበረ።

ብኣፍ ነብያቱ ኣቢሉ፣ ኣብ ዳሕረዎት መዓልታት መንፈሱ ኣብ ኲሎም ኣወዳትን ኣዋልድን፣ ኣብ ልዕሊ ኲሎም ስጋን ክዂዕዉን፣ ኲሎም ከም ዝንበዩን ራእይ ከም ዝርእዩን፣ ተነብዩ ነበረ /ኢዩኤል 2፡28/። ስለዚ ዉን፣ ወዲ ኣምላክ፡ ወዲ ሰብ ምስ ኰነ፣ እቲ መንፈስ ዉን ኣብኡ ወረደ። ኣብ ልዕሊ ኲሉ ፍጥረት ኣምላኽን ከም ዝሓድርን፣ ኣብ ኲሎም ደቂ ሰባት ከም ዝወርድን ዉን በዚ መንገዲ ኣርኣየና። መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብቶም ብሓጢኣት ዝኣረጉ ሰባት ብምዉራድ፣ ብክርስቶስ ሓድሽ ህይወት ሃቦም፣ በዚ ድማ ናይ ኣቦ (እግዚአብሔር ኣብ) ፍቃድ ፈጸመ።

ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝነገረና፣ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ዕርገት ጐይታ፣ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ኣብ መዓልቲ ጴንጤቆስጤ (ጴንጤቆስጤ ማለት ብግሪክ መበል 50 መዓልቲ እዩ፣ ፔንታ ማለት 50 እዩ) ወሪዱ፣ ናብ ዂሉ ስጋ ናይ ህይወት ኣፍደገ ዝኸፍት ሓይሊ ተዋሂቡን፣ እቲ ሓድሽ ኪዳን ናብ ኲሉ ሰብ ተነጊሩን እዩ። እቶም ኣብ ኲሉ ዓለም ፋሕ ዝበሉ ዓሌታት ህዝቢ፣ ብሓደ መንፈስ ሓበሩ፤ እቶም ካብ ኲሉ ቋንቋታት ዝተኣከቡ ህዝቢታት ድማ፣ ብሓደ ምስጋና ኣምላኽ ሓበሩ፣ እዚ ሕብረት እዚ ዉን፣ ከም መስዋእቲ ቦኽሪ ፍረታት፣ ካብ ህዝቢ ናብ ኣቦ ተዋህበ።

እምበኣር በዚ ምክንያት እዚ እዩ፣ ጐይታ ነቲ መጸናንዒ መንፈስ ከም ዝሰደልና ተስፋ ዝሃበ። እቲ መንፈስ እቲ፣ መስዋእቲ ኣምላኽ ምእንቲ ክንኸዉን፣ የዳልወና እዩ። ከምቲ ሓደ ንቁጽ ሓርጭ፣ ብዘይ ጠሊ፣ ቦኪዑ ባኒ ወይ ሕብስቲ ዘይከዉን፣ ከምኡ ዉን ንሕና፣ ብቁጽሪ ብዙሓት ስለዝዀንና፣ ብዘይ እቲ ካብ ሰማይ ዝወርድ ማይ፣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ክንኸዉን ኣይንኽእልን። ከምቲ ዝተሓርሰ ንቁጽ መሬት ብዘይ ጠሊ ማይ፣ ፍረ ከፍሪ ዘይክእል፣ ከምኡ ዉን ንሕና፣ ማይ ዘይብልና ኣግራብ ዝነበርና፣ ካብ ላዕሊ ዝወርድ ማይ ኣባና እንተዘይፈስስ፣ ህይወት ኣይምሃለወናን፣ ፍረ ዉን ኣይመፍረናን። ካብ ጥፍኣትን ምምሽማሽን ዘድሕን ጥምቀት፣ ብስጋ ሓደ ገበረና፤ ብምዉራድ መንፈስ ቅዱስ ድማ፣ ብነፍሲ ሓደ ኮንና።The New Jersey Physical therapist has to communicate with the look at here ordine cialis on line athlete’s doctors in order to overcome your problem.

"ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።" /1ይ ቆሮ 12፡6-10/

መንፈስ ጥበብን ርድኢትን፣ መንፈስ ፍልጠትን ሓይሊን፣ መንፈስ ምፍራህ ኣምላኽን ቅድስናን፣ ኣብ ጐይታ ወረደ፤ ጐይታ ድማ ብግዲኡ ነዚ መንፈስ እዚ ናብ ቤተክርስቲያን ሃባ። ከምቲ ባዕሉ ብቃሉ ዝነገረና፣ ነቲ መጸናንዒ ዝዀነ መንፈስ ካብ ላዕሊ ካብ ኣርያም ናብ ዓለም ለኣኮ፣ ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ፡ ዲያብሎስ ካብ ላዕሊ ከም መብረቅ ተደርበየ።

ካብ ዘለናዮ ናይ ምዉት ህይወት ወጺእና፣ ፍረ ዘለዎም ክንኸዉን ንደሊ እንድሕሪ ኮይንና፣ ጠሊ (ዝናብ) እግዚአብሔር ኣምላኽ ከድልየና እዩ። ኲሉ ግዜ ዝቃወመና ከሳሲ ስለዘለና ድማ፣ ንዓና ዝጣበቀልና መጸናንዒ ድማ ከድልየና እዩ። ስለዚ ዉን እዩ፣ ጐይታ ካብቲ ንዓና ዘለዎ ሓልዮት ተበጊሱ፣ ሓደ ዓቢ ነገር ገበረልና። ንሕና፣ እቶም ኣብ ኢድ ሸፋቱ ወዲቕና ተኸትኪትና ተደርቢና ዝነበርና፣ ካብ ዉድቀት ኣልዒሉ፣ ኣብ ክንዳና ብሙቅሳል ባዕሉ ንቁስልና ሰፈፈልና፣ ናቱ ናይ ንግስነት ሓቀኛ  ምስሊ ዘለዎ ክልተ ዲናር ሳንቲም ሂቡ ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ኣንበረና፣ ክከናከነና ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ብሓላፍነት ኣረከበና። ሕጂ እምበኣር፣ ብመንፈስ ቅዱስ፣ እቲ መልክዕን ምስሊን ናይ ኣቦን ወልድን፣ ንዓና ተዋሂቡና እዩ፣ ሕጂ ዝተቐበልናዮ መኽሊት ኣሎ፣ ስለዚ ነዚ ተዋሂቡና ዘሎ መኽሊት ብኣግባብ ተጠቂምና፣ ንጐይታ ዝኸዉን ሃብቲ ክንረብሕን ከነጥሪን ይግባእ።

ምስጋና ንኣቦን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስ፣ ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን!