ማይ ህይወት ናይ መንፈስ ቅዱስ- ቅ.ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም

ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም (313-386 ዓ.ም.) ሓደ ካብቶም ኣብ ራብዓይ ክ/ዘ ዝነበሩ ብሉጻት ሊቃዉንቲ ኮይኑ፣ ብፍላይ ንሓደስቲ ኣመንቲ ዝኸዉን መጽሓፉ ኣዝያ ፍልጥቲ እያ። ብቅድስንኡ፣ ብተባዕ ዉሳኔታቱን፣ ንኣርዮሳዉይና ብምቅዋሙ ዝፍለጥ ቅዱስ ቂርሎስ፣ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዝመሃረ ሊቅ እዩ። ገለ ካብቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ካብ ዝጸሓፎ ነዚ ይመስል፣ ብሩኽ ንባብ!

"ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ፣ ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።" /ዮሃ 7፡38/ 

last ned (2)እዚ ሓድሽ ዓይነት ማይ እዩ፣ ሩባታት ኮይኑ ዝዉሕዝ ማይ ህይወት፣ እሞ ድማ ነቶም ዝጸምኡን ብቁዓት ዝዀኑን ዘርዊ ማይ። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ክዛረብ እንከሎ እዩ፣ ከምዚ ዝበለ፣ “እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ” /ፍቕዲ 39/። ስለምንታይ ግና ክርስቶስ፣ ነቲ ዉህብቶ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ከም ማይ ዝመሰሎ?

ምክንያቱ ኲሉ ፍጥረት ኣብ ማይ እዩ ዝሙርኮስ፣ ናይ ኲሉ እንስሳ፡ ኲሉ ኣታኽልቲታት፡ ኲሉ ፍጥረት መበቆልን ህላወን ካብ ማይ እዩ። ማይ ከም ዝናብ ካብ ሰማይ ይወርድ፣ ዋላዃ እቲ ማይ ሓደ ዓይነት ትሕዝቶ ይሃልዎ፣ ዉጽኢቱ ግና ዝተፈላለየ እዩ። ገሊኡ ኣብ ዓርኮብኮባይ፣ ገሊኡ ኣብ ወይኒ፣ ከምኡ እንዳበለ ኣብ ኲሉ ፍጥረታት ይወርድ። ሓንሳብ ከምዚ፣ ካልእ ግዜ ድማ ካልእ ኮይኑ ኣይወርድን፤ ኲሉ ግዜ ትሕዝትኡ ሓደ ዓይነት እዩ፣ ኮይኑ ግና ንኲሉ ፍጥረታት ከከም `ቲ ዘድልዮም ጌሩ ይህብ።

መንፈስ ቅዱስ ዉን ከምኡ እዩ፣ ባህሪያቱ ፍጹም ዘይቅየር ሓደ እዩ፣ ኲሉ ግዜ ሰናይን ዘይርአን እዩ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ግና ከከም ድሌቱ ጌሩ ጸጋ ይዕድሎ። ከምቲ ንቁጽ ተኽሊ ማይ እንድሕሪ ረኺባ ትጸድቕን ትቦቕልን፤ ከምኡ ድማ፣ እታ ብንስሓ ተሓጺባ ድልዉቲ ዝዀነት ነፍሲ፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢላ ፍረታት ከተፍሪ ትኽእል። ናይቲ መንፈስ ባህሪያት ፈጺሙ ኣይልወጥን፣ ኮይኑ ግና እቲ ኣብ ነፍሲ ዘሕድሮ ጽልዋታት ግና ኲሉ ግዜ ይፈላለይ እዩ። ብፍቃድ እግዚአብሔር ኣቦ ኣቢሉ፣ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ፣ ዝገብሮ ስራሓት ብዙሕን ድንቂን እዩ።

"እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ። እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ።" /1ይ ቆሮ 12፡4-11/

እቲ መንፈስ ንሓደ ናይ እግዚኣብሔር ቃል መምህር ይገብሮ፣ ነቲ ሓደ ንክንበይ ይገብሮ፣ ነቲ ካልእ ኣጋንንቲ ናይ ምዉጻእ ሓይሊ ይህቦ፣ ነቲ ካልእ ድማ ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምቱርጓም ጸጋ ይወሃቦ። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሓደ ገዛእ ርእሱ ከምዝገትእ ይገብሮ፣ ነቲ ካልእ ንድኻታት ናይ ምሕጋዝ ጸጋ ይዕድሎ፣ ነቲ ሓደ ድማ ክጸዉምን ክጽልይን ክሰግድን ናይ ብሕትዉና ገድሊ (ኣስቄጥሳዊ ተግባራት) ከም ዝሰርሕ ይገብሮ፣ ነቲ ካልእ ስግኡ ከምዝንዕቃ ይገብሮ፣ ነቲ ካልእ ድማ ንሰማእትነት የዳልዎ። ግብሪታት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ እዩ፣ እቲ መንፈስ ግና ኲሉ ግዜ ሓደ እዩ፣ ኣይልወጥን። መጽሓፍ ባዕሉ ከምዝነገረና፣ “ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ. . .ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ።”Kamagra is an effective and fast-acting drug that has helped millions of buy cheap cialis men bounce back and get hold of their lives.

መንፈስ ቅዱስ ኲሉ ግዜ ብህድኣትን ብርግኣትን ይቀርብ፣ በቲ ምኡዝ ጨንኡ ድማ ግብሪታቱ የፍልጠና። ከም ከቢድ ጾር ኮይኑ ሰከም ኣይዉስኸልናን፣ እንታይ ደኣ ኲሉ ግዜ፣ ንሱ እቲ መንፈስ ፎኪስ እዩ። ንሱ ክቐርበና እንከሎ፣ ጩራ ብርሃንን፣ ዋሕዚ ፍልጠትን ይበዝሓልና። መንፈስ ቅዱስ ከም እሙን ዓርኪን ሓላዊን  ኮይኑ ብለዉሃት ይቐርበና፣ ክድሕነና፡ ክፍዉሰና፡ ክምህረና፡ ከጸናንዓና፡ ከሐይለና፡ ከተሓዛዝነና፡ ክድግፈናን፡ ክመርሓናን ይቐርብ። [pullquote]መንፈስ ቅዱስ ከም እሙን ዓርኪን ሓላዊን  ኮይኑ ብለዉሃት ይቐርበና፣ ክድሕነና፡ ክፍዉሰና፡ ክምህረና፡ ከጸናንዓና፡ ከሐይለና፡ ከተሓዛዝነና፡ ክድግፈናን፡ ክመርሓናን ይቐርብ። [/pullquote]መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ዝቐበልዎ ቅድም ይሓድር፣ ንዕኦም ቀዲሙ ልቦንኦምን ኣእምርኦምን የብርሃሎም፣ መሊሱ ድማ ብእኦም ኣቢሉ ናብ ኣእምሮ ካልኦት ይሰግር።

ከምቲ ሓደ ኣብ ጸልማት ዝጸንሐ ሰብ፣ ብርሃን ክረኽብ እንከሎ፣ ኲሉ ነገር በሪሁ ዝረኣዮ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ክፈልዮ ዘይከኣለ ድማ ፈልዩ ከለልዮ ዝኽእል፤ ብርሃን ዝተቐበለት ነፍሲ ዉን ከምኡ እያ። ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክትቕበል ዝበቕዐት ነፍሲ፣ ብዙሕ ነገር ይግለጸላ፣ ቅድሚ ሕጂ ሓሊማቶ ዘይትፈልጥ ነገር ዉን ይረኣያ።

"እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሐደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።" /ፊሊ 2፡1-5/

ብቅዱሳኑ ኣቢሉ ንዝመሃረናን ልዑለ ባህሪ እግዚአብሔር ይኽበር ይመስገን። ኣሜን!!