ናይ መንፈስ ቅዱስ ቅብኣት- ቅ.ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም

images (1)[pullquote]"ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣት ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ።" /1 ዮሃ 2፡27/[/pullquote]

ንሕና ኲልና ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠሚቕና፣ ንዕኡ ምስ ለበስናዮም፣ ናብ ምስሊ ወዲ ኣምላኽ ንልወጥ ኢና። ብጸጋ ዉልድ ኣምላኽ ንክንኸዉን ዝተመደብና ስለዝዀንና፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብምስጋና ክብሩ ንክርስቶስ ንመስለሉ ጸጋ ይዕድለና። ምስቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ (ሉቃ 9፡20) ዝኰነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምስኡ ሕብረትን ሓድነትን ስለዘለና፣ ንሕና ዉን ከምኡ “ቅቡኣት” ተባሂልና ተጸዊዕና ኢና። እግዚአብሔር ኣምላኽ “ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም” (መዝ 105፡15) ክብል እንከሎ፣ ብዛዕባና እዩ ከምኡ ዝበለ።

ንሕና ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበልና ፣ “ቅቡኣት” ንኸዉን። ኣባና ዝፍጸም ዘበለ ኲሉ ነገር፣ በቲ ምስሊ`ቲ እዩ፣ እምበር`ከ ንሕና ባዕልና ዉን፣ ምስሊ ናይ ክርስቶስ ኢና። ክርስቶስ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ምስ ተጠምቀ፣ ካብ መኣዛ ኣምላካዊ ባህሪኡ ናብቲ ማይ ኣመሓላለፈ፣ ካብ ማይ ምስ ወጽአ ድማ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ዓለበ፣ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ። ንሕና ዉን፣ ካብ ማይ ጥምቀት ምስ ወጻእና፣ ብቅብኣ ሜሮን ንቅባእ፣ እዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዉህብቶ እዩ። ክርስቶስ ዉን በዚ መንፈስ እዩ ተቀቢኡ፣ ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ቅብኣት ጐይታ ክዛረብ እንከሎ ድማ ከምዚ በለ፣ “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ።” /ኢሳ 61፡1 ሉቃ 4/።

ጐይታ ብኢድ ሰብ ኣይኰነን ዝተቀብአ፣ እቲ ናቱ ናይ ዘይቲ ቅብኣት ዉን ታራ ኣይነበረን። ናይ ኲሉ ዓለም መድሓኒ ክኸዉን ዝተመደበ ስለዝነበረ፣ ባዕሉ ናይ ባህሪ ኣቡኡ እዩ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝቐብኦ። ቃላት ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ እየን ዝምስክራ፣  “ብዛዕባ ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ” /ግብረ 10፡38/። ነብዪ ዳዊት ዉን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዝተነበየ፣  “ዎ ኣምላኽ፣ ዝፋንካ ንዘለአለመ ኣለም እዩ፣ ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ። ጽድቂ ትፈቱ፣ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ።” /መዝ 45፡6-7/buy cialis click here now As more amount of blood travels across this region, it is sure to achieve harder erections of the penile region during intercourse.

ክርስቶስ ዝተቐብኦ ናይ ሓጎስ ቅብኣት፣ መንፈሳዊ ቅብኣት እዩ ኔሩ፣ ዎረ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ናይ ፍስሃን ሓጎስን ምንጪ ስለዝዀነ፣ ናይ ሓጎስ ቅብኣት ተባሂሉ እዩ። ንሕና ዉን ብዘይቲ ተቐቢእና ኢና፣ በዚ ቅብኣት`ዚ ድማ፣ ናብ ሕብረት ክርስቶስ ኣተና፣ ኣብቲ ናቱ ህይወት ዉን ተማቐልቲ ገበረና። ኣስተዉዕሉ፣ እዚ ዘይቲ እዚ ከም ታራ ዘይቲ ጌርኩም ኣይትዉሰድዎ፣ ጥቕሚ ዘይብሉ ከይመስለኹም። እቲ ዘይቲ እቲ፣ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣለዎ፣ ሓንሳብ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምስ ረኸበ ዉን፣ ደጊም ታራ ዘይቲ ኣይኰነን። እዚ ዘይቲ እዚ ናይ ክርስቶስ ዉህብቶ ስለዝዀነ፣ ብመለኮታዊ ባህሪኡ ዉን ዝተባረኸ ስለዝዀነ፣ መንፈስ ቅዱስ እንቕበለሉ ነገር እዩ። ብትእምርቲ ምልክት፣ ኣብ ግንባርና፡ ህዋሳትና፡ ስምዒታትናን ኣካላትናን ብዝረአ ዘይቲ ተቐቢእና ኢና። ነፍሲና ድማ በቲ ዘይርአ፣ ወሃቢ ህይወት ቅዱስ መንፈስ ነጺሃን ተቀዲሳን እያ።

images[pullquote]ኦ ጐይታ ሰማይ መጸናንዒ፣ ኣብ ኲሉ ቦታ ዝርከብ፣ መንፈስ ሓቂ ንዂሉ ዝመልእ፣ ማዕከን ሰናያት፣ ወሃቢ ህይወት ነዓ ኣባና መጺእኻ ሕደር። ኦ ሔር ካብ ኲሉ ደነስ ኣንጺህካ፣ ንነፍስና ኣድሕና። ኣሜን![/pullquote]

ኣምላኽ ኣቦታትና እግዚአብሔር ምስ ዂሎም ቅዱሳኑን ምስ ወላዲቱን፣ ይኽበር ይመስገን፣ ኣሜን!