ጸሎት ናይ ነፍሲ ብርሃና እያ-ቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ግዜና ንጸሎት ንህብ እንድህሪ ኮይንና፣ ጥቕሚ ጸሎት ኣብ ህይወትና ብግህዶ ከነስተማቕሮ ኢና። ምስ እግዚአብሔር ካብ ምዝርራብን፣ ናብ ኣምላኽ ካብ ምጽላዪን ዝዓቢ፣ ነገር ፈጺሙ የለን። ከምቲ ሓደ ሰብ ምስ ብጻዩ ክራኸብ ዝደሊ፣ ከምኡ ዉን ጸሎት ከም ብጻይ ምስ እግዚአብሔር ተራኽበና። ናይ ስጋና ዓይኒ፣ ብርሃን ምስ ዝረኽብ፣ ይበርህ። ከምኡ ድማ ናይ ነፍሲና ዓይኒ፣ ብዛዕባ እግዚአብሔር ብጸሎት ከተስተንትን እንኮለና፣ ብርሃን ይመልኣን፣ ትዂላዕን።

ጸሎት ክብል እንከሎኹ፣ ልባዊ ዘይኰን ናይ ልሙድ ጸሎት፣ ወይ ሰዓት ኣኪሉ ጥራይ ኢልካ፣ ካብ ልቢ ከየንቀልካ ዝቐርብ ኣይኰነን። እቲ ናይ ልቢን ብሓቂ ብሂግካ ዝቐርብ ጸሎት፣ ለይቲን መዓልቲን እትዉንኖ ናይ ሕሊና ኲነት እዩ። ነፍሲና ኲሉ ግዜ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትሓስብ ይግብኣ። ጸሎት ክንጽልይ እዀለና ጥራይ ዘይዀነ፣ ዝዀነ ዓይነት ስራሕ ክንሰርሕ እንኮለና ዉን ነፍሲና ብዛዕባ ኣምላኽ ክትሓስብ ይግብኣ። ንድኻታት ክንሕግዝ፣ ካልእ ንጥፈታት ክነሳልጥ፣ ዝኰነ ዓይነት ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕ ክንሰርሕ እንከሎና ድዩ. .ወዘተ፣ ኮታስ ኹሉ ዕዮና፡ ንኣምላኽ ብምዝኻርን፡ ንዕኡ ብምብሃግን ክንገብሮ ይግባእ።

ፍቕሪ ኣምላኽ ናይ ህይወትና ጨዉ እዩ፣ ብጸሎት ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ ይበዝሓልና፣ በዚ ጨዉ እዚ ድማ፣ ህይወትና ይምቅር እሞ፣ ጥዑማት መግቢ ንኣምላኽ ንኸዉን። [pullquote]ጸሎት ናትና ሓይሊ ኣይኮነን፣ ናይ ኣምላኽ ጸጋ እዩ። ጸሎት ንኣምላኽ ምንፋቕን፣ ንዕኡ ዘለና መግለጺ ዘይብሉ ተዋፋይነት እዩ።[/pullquote]

ጸሎት ናይ ነፍሲ ብርሃን፣ ሓቀኛ ፍልጠት ኣምላኽን፣ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን እትቀዉም መንጎኛ እያ። ብጸሎት ኣቢላ፣ ነፍሲ ናብ ሰማያት ትድይብ፣ ኣብኡ ዉን ክግለጽ ብዘይከኣል ማሙቕ ሕቁፊ ንእግዚአብሔር ትሓቅፎ። ከምቲ ሓደ ህጻን ጸባ ኣዲኡ ደልዩ ኣብ ሕቁፋ ኮይኑ ዝበኺ፣ ኣዚ ርክብ እዚ ዉን ከምኡ እዩ። ነፍሲ ዉን ነቲ ዘለዋ ድሌታት ንምርካብ ኣዝያ ሃረር ትብል፣ ካብ ኣምላኽ እትረኽቦ ዉን ኣብዚ ዓለም እዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር እዩ።

ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዘራረበሉ ክቡር መንገዲ እዩ፣ ናይ ነፍሲ ሓጎስን፣ ነቲ ዘለዋ ፍቕሪ ዉን ዕረፍቲ ዝህብን እዩ። ጸሎት፣ ቃላት ምዉጻእ ጥራይ ጌርኩም ከይትሓስብዎ። ጸሎት ናትና ሓይሊ ኣይኮነን፣ ናይ ኣምላኽ ጸጋ እዩ። ጸሎት ንኣምላኽ ምንፋቕን፣ ንዕኡ ዘለና መግለጺ ዘይብሉ ተዋፋይነት እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳዉሎስ ዝበሎ፣ “ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና” /ሮሜ 8፡26/።Psychological factors, immune factors, physical injury of prostate are all possible inducements. pamelaannschoolofdance.com cheapest cialis 4.

[pullquote]ነዚ መግቢ`ዚ ሓንሳብ ምስ ጠዓሞ፣ ነፍሱ ብናይ እሳታት እሳት ትኲላዕ፣ ብዘለዓለማዊ ናፍቆት ዉን ናብ እግዚአብሔር ይቐርብ።[/pullquote] ከምዚ ጌርካ ናይ ምጽላይ ጸጋ ካብ እግዚአብሔር ዝተቐበለ ሰብ፣ ካብኡ ማንም ከሕድጎ ዘይክእል ሃብቲ፣ ንነፍሱ ዝመልእ ሰማያዊ መግቢ ረኺቡ ኣሎ፣ ነዚ መግቢ`ዚ ሓንሳብ ምስ ጠዓሞ፣ ነፍሱ ብናይ እሳታት እሳት ትኲላዕ፣ ብዘለዓለማዊ ናፍቆት ዉን ናብ እግዚአብሔር ይቐርብ።

ነዚ ዓይነት ጸሎት ምእንቲ ከተቕርብ፣ ናይ ነፍሲኻ ገዛ ብስነስርዓት ንደቃ፣ ትሕትና ዉን ልበስ፣ ፍትሓዊ ብምዃን ዉን ብርሃን ወልዓላ። ልዕሊ ኲሉ ግና፣ ብናይ ሰናይ ግብሪ ወርቂ ሰልማ፣ መናድቓ እምነት፣ ኣእማና ድማ፣ ለጋስነት ይኹን።  ኣብ ልዕሊ`ዚ ዂሉ ድማ፣ ኲሉ ምስ ተገጣጠመ ምእንቲ ጸኒኡ ደው ክብል፣ ናይ ነፍሲኻ ናሕሲ ጸሎት ግበራ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ነቲ ኲሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብቲ ኣዝዩ ክቡር ግሩም ገዛ ነገስታት ትቕበሎ ኣለኻ። በቲ ናቱ ጸጋ ድማ፣ እቲ ናቱ ምስሊ ኣብ ነፍሲኽ ክሕተም እዩ።

ስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!