ስለምንታይ ኣምላኽ ሰብ ኰነ? 2

ካብ ቀዳማይ ክፋል ዝቐጸለ፣

ኣምላኽ ኣብ መዋጥር

ቅዱስ ኣትናትዮስ ዘሓዋርያ`ዩ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ ኲነታት ከብርህ እንከሎ፣ ኣምላኽ ኣብ መዋጥር ኣተወ ዝበለ[1]። እዚ መዋጥር ተባሂሉ ዘሎ፣ ከም ኣዘራርባ ሰባት ክንዛረብ እንከሎና እዩ፣ እምበሪ፣ ሰባት ዓቕሎም ኣጽቢቦም ኣብ መዋጥር ከም ዝኣትዉዎ ኣይኰነን። ስለዚ ኣምላኽ እንታይ ይግበር?

ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዘን ዝስዕባ ምርጫታት ኣለዋ፦

  1. ኣዳም ካብ እግዚአብሔር ተፈልዩ ክተርፍ፡ ሓጢኣት ክገዝኦን፣ ንዘለኣለም ሞይቱ ክተርፍን።
  2. እንተ እግዚአብሔር፣ ንሰብ ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ተበጊሱ ድዩ፡ ወይስ ኣዳም ንስሓ ስለዝኣተወ፤ ኣምላኽ ሓሳቡ ክልዉጥ`ሞ፣ ነቲ ሞት ዉን ከርሕቆ።
  3. ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝበሃል፣ እግዚአብሔር ንሰይጣን ኣጥፊኡ፡ ካልእ ሓድሽ ፍጥረት ክፈጥር።
  4. እግዚአብሔር ንኣዳም ከድሕኖ፣ ማለቶ ናብ ናይ ቀደም ሕብረትን ሓድነትን ክመልሶ፣ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ክመልሶ።

images (5)ነዘን ነፍሲ ወከፋት ምርጫታት፣ ሓደ ብሓደ ንመርምረን። እዛ ቀዳመይቲ ምርጫ፣ /ኣዳም ካብ እግዚአብሔር ተፈልዩ ክተርፍ፡ ሓጢኣት ክገዝኦን፣ ንዘለኣለም ሞይቱ ክተርፍን/ ክንምርምራ እንከሎና፣ ምስ ጠባያት ኣምላኽ ኣይሰማማዕን። ሕሰብዎ! እቲ ፍጹም ጥበበኛ ዝዀነ መለኮታዊ ኣካል፣ ዕሽነት ናቱ ካብቲ ናትና ጥበብ ዝበልጽ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝፈጠሮ ፍጡር፣ ነበረያ ነበረ ኮይኑ ክተርፍ፣ ወዲቑ ክተርፍ፣ ኣየምሕርን! ኣብ ዓለም ዘለዉ መሃንዲሳት እዃ ነቲ ተመንዮም ዝሰርሕዎ ስራሕ፣ ከንቱ ኮይኑ ክትርፍ ኣይወሓጠሎምን። ንኣብነት ነታ ኣብ ማእኸል ኣስመራ እትርከብ ብልጽቲ ናይ ምህንድስና ስራሕ ዝዀነት፣ ናይ ፊያት ጽላል ዝሃንደሰ ጁሰፐ ፒታዚ፣ ንኹሉ ነገራት ተጠንቂቑ ሰሪሑ ምስ ወድአ፣ ብልጽቲ ስራሕ ምዃኑ ምትእምማኑ ከርኢ፣ ኣብ ዝባና ወጺኡ ደው ኢሉ ብምምልላስ፣ ብሉጽነት ናይ ስርሑ ኣመስኪሩ እዩ። ነሀለ ክሳብ ሕጂ ዉን ንልዕሊ 77 ዓመት ጸኒዓ ትርከብ። እምበኣር ምድራዉያን መሃንዲስት እዃ ክንድዚ ዝእክል ካብ ተገደሱ፣ እቲ መለኮታዊ ኣምላኽ፡ ኲሉ ዝኽእል፡ ኣምላኽ ግዳ፣ ብኢዱ ፈጢሩ፡ ዘለኣለማዊ እስትንፋሱ ሂቡ፡ መልክዑን ምስሉን ኣሰሊሙ ዝፈጥሮ ፍጥረት፤ ከንቱ ኮይኑ ክተርፍ እንታይ ይበሃል?!! ንሱ ዝፈጠሮ ፍጡር ሰብ፣ ብዉዲት ካልእ ፍጡር (ብምክሪ ዲያብሎስ) ወዲቁ ክተርፍ እንከሎ፣ እሞ ኣምላኽ ድማ ሱቕ ኢሉ እንተዝጥምቶሲ፤ ደጊምና ንኣምላኽ፣ ኲሉ ዝኽእል ክንብሎ`ዶ ይከኣል? እምበኣር እዛ ቀዳመይቲ ምርጫ ኣይትሰማምዖን።

እታ ካልአይቲ ድማ፣ እንተ ኣዳም ተጋግዬ ኢሉ ስለዝተጣዕሰ ይኹን፡ እንተ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ተበጊሱ ድዩ፣ ነቲ ሞት እንተዘርሕቆ`ከ? ኣምላኽ ቃሉ እንተዝልዉጥ`ኸ? ማለት ‘ኣዳም ክትመዉት ኢኻ ኢሌኻ ኔረ ሕጂ ግና ገዲፈዮ ኣለኹ’ እንተዝብሎ`ኸ? ኣብዚ ዉን ዓቢ ጸገም ኣሎ። ኣምላኽ ቃሉ ይቅይር ኣሎ፣ ማለት ሓሳዊ ይኸዉን ኣሎ። ሓደ ካብ ጠባያት ኣምላኽ፣ ፍጹም ፍትሓዊ፣ ፍጹም ሓቀኛ እዩ። «ብርግጽ፡ ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ድማ ፍትሒ ኣይደፍንን።» /ኢዮ 34፡12/ «እቲ ንነፍሱ ኣብ ምድሪ ዚባርኽ፡ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዚባርኽ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዚምሕል ከኣ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዚምሕል።» /ኢሳ 65፡16/። እዛ ምርጫ ዉን ኣይተድሊን፣ ምክንያቱ ምስ ባህሪያት እግዚአብሔር ስለዘይሰማማዕ። ከምኡ እንድሕሪ ጌሩ፣ ኣምላኽ ሓሳዊ ይኸዉን ኣሎ /እግዚኦ ተሳሃለነ/።

ሳልሰይቲ ምርጫ ዉን ምስታ ቀዳመይቲ ሓሳብ ተመሳሳሊት እያ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሰይጣንን ኣጥፊኡ፣ ካልእ ሓድሽ ፍጥረት ክፈጥር ምኸኣለ፣ ግን ከምቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ሓሳብ ዝተገልጸ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ድኻም ዘለዎ ይከዉን ኣሎ።

እምበኣር እታ ተሪፋ ዘላ፣ ንኣዳም ናብቲ ናይ ቀደም ክብሩ፣ ናብቲ ንሱ ዝተፈጥረሉ መልክዕ ኣምላኽ፣ ናብ ሕብረትን ሓድነትን ኣምላኽ ክመልሶ። ብዂሉ ነገሩ እንተሓሲብናዮ፣ እዚኣ እታ ዝሓሸት ምርጫ ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ እታ እንኰን ዉን እያ። «ጐይታ ነቲ ትኹዝን ሕዙን ልቢን ኮይኑ ዝነበረ ኣዳም፣ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ክመልሰ ፈተወ» ከም ዝብለ ቅዱስ ኤፍሬም ሶሪያዊ ኣብ ዉዳሴ ማርያም ናይ ሶኒ። ኣብዚ ኩነት እዚ ኣምላኽ፣ ፍትሓዊን ከምኡ ዉን ፈቃርን ክኸዉን ኣለዎ።This medicine start browse around that viagra uk reacting fast on the body and its side effects are extracted, to let you prevent yourself from colon disorders those are actually non-resolvable.

እምበኣር ነዚ ዕማም መን ክፍጽሞ ይኽእል? እቲ ክፍጽሞ ዝክእል ኣካል`ኸ መን እዩ? እንታይ ዓይነት ኩነታት ከማልእ ኣለዎ? ሰብ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝወደቐ ብንጹር እንድሕሪ ተረዲእናዮ፣ ሽዑ ከተዓርቐና ዝኽእል ኣካል መን ምኳኑ ብቀሊሉ ክንርድኦ ንኽእል።

  • ኣዳም ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ስለዝወደቐ፣ እቲ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ክመልሶ ዝኽእል ኣካል፣ ፍጹም ንጹህ፡ ሓጢኣት ዘይብሉ ክኸዉን ይግባእ። ንሓደ በዓል ዕዳ፣ ዋሕስ ክዀኖ ዝኽእል ኣካል፣ ባዕሉ እቲ ዋሕስ፣ ኣቀዲሙ ካብ ዕዳ፣ ናጻ ክኽዉን ኣለዎ።
  • «ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ» /ሮሜ 6፡23/ ስለዚ ኣዳም ኣብ ትሕቲ ዘለኣለማዊ ሞት ስለዝወደቐ፣ እቲ ከድሕኖ ዝኽእል ኣካል፣ ንሞት ክስዕር ዝኽእል ክኸዉን ይግባእ። ማለት ባዕሉ ወሃቢ ህይወት ክኸዉን ኣለዎ።
  • እቲ ኣብ ሰብ ዝነበረ፣ መልክዕ ኣምላኽ ተጸይቑ ስለዘሎ[2]፣ እቲ ከድሕኖ ዝኽእል ኣካል፣ ነዚ መልክዕ እዚ መሊሱ ክሕድሶ ዘኽእል ሓይሊ ክህልዎ ይግባእ።
  • «ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።» /ዕብ 9፡22/ ከም ዝተባህለ። ደም ክፈስስ ዉን ግድን እዩ። ደም ናይ ህይወት ምልክት እዩ፣ ስለዚ ዉን እዩ ስጋ ምስ ደሙ ከይንበልዕ ዝተኸልከልና /ዘፍ 9፡4 ግብረ 15፡29/።

እምበኣር ነዘን ኣርባዕተ ነገራት ዘማልእ ኣካል መን ክኸዉን ይኽእል? ካብ ሓጢኣት ዝነጽሀ፡ ደም ክፈስስ፡ ሞት ክጥዕም፡ መሊሱ ግና ንሞት ክስዕርን፡ ነቲ መልክዕ ኣምላኽ ድማ መሊሱ ክሕድሶን፣ ናብ ሕብረት ኣምላኽ ክመለሰና መን ይኽእል? መላእኽቲ ከይንብል፣ መላእኽቲ ስጋ ስለዘይለበሱ፣ ንሞት ጥዒሞም፡ ደሞም ኣፍሲስሶም ከድሕኑና ኣይክእሉን። ቅዱሳን ሰባት ዉን ከይንብል፡ ኩሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ሞት ወዲቖም ስለዘለዉ፣ ንርእሶም እኳ ከድሕኑ ኣይክእሉን። እምበኣር፡ ነዚ ኲሉ ፍታሕ ክኸዉን፡ ሓደ ኣካል ካብ ስላሴ፡ ናይ እግዚአብሔር ቃል፡ ማለት ወልድ፣ ስጋ ሰብ ለቢሱ ክግለጽ መረጸ።

[1] On the Incarnation ch,2/ ትስጉተ ዘእግዚአብሔር ቃል፣ ቅ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ

[2] እቲ ኣባና ዝሓደረ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ፣ ፈጺሙ ካባና ኣይጠፍአን፤ እንታይ ደኣ፣ ተዳኺሙን ተጸዩቁን እዩ ኔሩ። ማለት ሰብ ናብ ቅድስና ክበጽሓሉ ዝኽእል ዓቕሚ ተዳኺሙ ኔሩ።

መወዳእታ ክፋል ይቅጽል. . .ይትባረክ እግዚአብሔር ኣምላክ ኣበዊነ!!