ስለምንታይ ኣምላክ ሰብ ኰነ? መወዳእታ ክፋል

ካብ ቀዳማይንካልኣይን ክፋል ዝቐጸለ

ፍታሕ ብተዋሕዶ[1]

bridg«እምበኣር በዚ ምክንያት`ዩ፣ እቲ ዘይነገራዊ፣ ዘይመዉት፣ ስጋዊ ዘይኮነ ቃለ ኣብ ናብ ዓለም ዝመጽአ። ከምዚ ክበሃል እንከሎ፣ ቅድም ርሒቁ ኔሩ ማለት አይኮነን። ካብ ፍጠረት ፈጺሙ ርሒቁ ኣይፈልጥን፣ ፍጥረት ዉን ብዘይብኡ ንበይኑ ነቢሩ ኣይፈልጥን። ምስ ኣብ ብሓድነት እንከሎ፣ ንመላዕ ዓለምዉን መሊእዋ ነበረ። ናብ ዓለም መጽአ ክንበል ከለና፣ ብሓድሽ መልክዕ መጽአ ማለት እዩ፣ ብፍቕሩ ገዛእ ርእሱ ገለጸልና፣ ነዚ ዉን ከማና ትሕት ብምባል፣ ናብቲ ናትና ደረጃ ለጠቕ ኢሉ ብምዉራድ ስጋ ለቢሱ ናብ ዓለምና ኣተወ። እቲ ልክዕ ከምኡ (ከም ቃል) ሓሳብ እግዚአብሔር ኣብ ዝገልጽ፣ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፣ ብብልሽዉና ኣቢሉ፣ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስለዝነገሰት ናብ ጥፍኣት የምርሕ ነበረ። ዉጽኢት ናይ ሕጊ ምጥሓስ ዝዀነ፣ ብልሽዉና ተቖጻጺራቶም ነበረት። ሕጊ ከይተፈጸመ እቲ ዉሳኔ ክሰዓር ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ንሱ ባዕሉ ብኢዱ ዝፈጠሮ ፍጡር ክጠፍእ ማለት ዉን ዘበት። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ኣብ ሓጢኣት እንዳጠለቑ ይኸዱ ከምዘልዉን፣ ሞት ዉን ሙሉእ ንሙሉ ተቆጻጺራቶም ከም ዘሎ፣ ረኣየ። ሰብ ዓቕሙ ድሩት ከምዝዀነን፣ ነቲ ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ዝነበረ ሞት ዉን ክንጻወሮ ከምዘይንኽእልን፣ ፍጥረት እግዚአብሔር ዉን ብኸንቱ ይጠፍእ ከምዘሎ ምስ ረኣየ፣ ብደቂ ሰባት ፍቕሪን ሓልዮትን ተደሪኹ፣ ከድሕነና ናብ ዓለምና ኣተወ። ከማና ስጋ ለቢሱ ዉን ኣብ ማእከልና ሓደረ። ክርአ ጥራይ ኢሉ ኣይኮነን፣ ስጋ ሰብ ዝለበሰ። ከምኡ እንተዝኸዉን ካልእ መንገዲታት ምመረጸ። ካልእ ዝሓሸን ዝጸበቐን ነገራት ምመረጸ። ግን ከማና ሰብ እዩ ኮይኑ። ስግኡ ዉን ካብ ማንም ኣይኮነን። ካብታ ሕፍንቲ፣ ኣበሳ ኮነ መንቅብ ዘይብላ፣ ብሩካቤ ስጋ ዘይረኸሰት፣ ንጹሕ ስጋ ዝሓዘት ድንግል እዩ ወሲድዎ። ካብኣ ዉን ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ፣ ስጋ ብምልባስ ሰብ ኮነ። ንሱ እዚ ሓያል፡ ገባሬ ኩሉ ዝዀነ፡ ኣምላኽ፣ ባዕሉ ኣዩ፣ ነዚ ስጋ መቅደሱ ንኽከዉን ኣብ ማሕጸን ድንግል ዘዳለዎ። ምስ ኣዳለዎ ዉን መሳርሒ ንኽገብሮ፣ ክሓድረሉን፣ ክግለጸሉን ንገዛእ ርእሱ ወሰዶ። በዚ ስጋዚ ዉን ኢና ንሕና ዝፈለጥናዮ። ኩሉ ስጋ (ሰብ) ኣብ ግዝኣት ሞትን ጥፍኣትን ስለዝነበረ፣ ከማና ስጋ ሰብ ብምልባስ፣ ኣብ ክንዲ ኩላትና ገዛእ ርእሱ ንሞት ኣግዝአ፣ ህይወቱውን ንኣብ (እግዚአብሔር አብ) መስዋእቲ ክትኸውን ወፈያ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ስጋ (ሰብ) ንዝነበረ ኣብ ስግኡ ብምጿር፣ ኣብ ክንዲ ክላትና ሞተ፣ ሓይሊ ሞት ዉን ተሳዕረ፣ ብሞቱዉን ንሕና ምስኡ ሞትና፣ በዚ ዉን ኣብ ልዕሊ ኩልና ንዝነበረ ሞት ተሰረዘ። ስለዘፍቀረና ነዚ ኩሉ ገበረልና። ንደቂ ሰባት ካብ ዘልዓለማዊ ምምሽማሽ (corruption) ናብ ናይ ዘልዓለማዊ ህይወት (to incorruption) ክመልሰና፣ ገዛእ ስግኡ ናብ ሞት መደባ፣ ብጸጋ ናይ ትንሳኤዉን ኣድሓነና። ከምቲ ሓሰር ብሓዊ ተለቕሚጹ ዝጠፍእ፣ ከምኡዉን ሞት ብትንሳኤ ተሳዕረ።» ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ[2]

ኣብዚ ሓደ መሰረታዊ ነገር ክንርዳእ ይግባእ። እግዚአብሔር ኣቦ፣ ንዓለም ኣዝዩ ስለዝፍቀራ፣ ንሓደ ውዱ፡ ንእግዚአብሔር ወልድ ናብ ምድሪ ለኣኾ። እግዚአብሔር ወልድ ዉን ንዓለም ስለዝፍቀራ፣ ብፍቓዱ ካብ ንጽህት ድንግል ስጋ ሰብ ለቢሱ፣ ፍጹም ሰብ ኰነ። ንሱ፣ ማለት ክርስቶስ፣ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ እዩ። ብግእዝ «ኣምላክ ወሰብእ» ንብል፣ ማለት ኣምላኽን ሰብን እዩ። 50% ሰብ፣ 50% ድማ ኣምላኽ ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ፣ 100% ኣምላኽ፣ 100% ሰብ እዩ፣ ክልተ ዉን ኣይኰነን ሓደ እዩ። ንመለኮት ምስ ስጋ ዘወሃሃደ፣ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፣ ብተዋህዶ ዝኸበረ፡ ሓደ ባህሪ ስግዉ ቃል እዩ። ቤተክርስቲያን ነዚ ትምህርቲ`ዚ፣ ሚስጢረ ስጋዌ ትብሎ። «ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።» /1 ጢሞ 3፥15/። ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ «ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ» /ቆሌ 2፥9/፣ ማለት መለኮት ምስ ስጋ ተወሃሂዱ እዩ።

ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምላኽን፣ ጽልኢ ተሰሪቱ ኔሩ። ንሕና ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዘይብልና ኮይንና፣ ብሓጢኣት ካብኡ ተፈሊና ነበርና። ስለዚ ንኽልቴና ዝዓርቀና ኣካል የድልየና ነበረ። ግን መን እሞ`ዩ ንዓና ምስ ኣምላኽ ክዓርቀና ዝኽእል። ሰብ ምስ ሰብ እንተ ተባእሰ፣ ሰብ ይዓርቆ። ሰብ ምስ ኣምላኽ እንተ ተባእሰ ግና፣ መን ንክልቴና ክዓርቀና ይኽእል። «ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስ፡ ኣምላኽ ይፈርዶ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደሎ ግና መን የማልዶ፧» 1 ሳሙ 2፥25።

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እኳ፣ ሰባት እንድሕሪ ተባኢሶም፣ ክዓርቅ ዝኽእል፣ ሽማግለ ክምረጽ እንከሎ፣ ነቶም ዝተባእሱ ክልተ ኣካላት ጽቡቕ ጌሩ ዝፈልጥ (ንክልቲኦም ብማዕረ ዝዉክሎም)፡ ፈቃርን፡ ፍትሓዊን ዝዀነ ሽማግለ ምስ ረኸብና ኢና፣ ንክሽምግሉ ንሰዶም። ንሕና ምስ ኣምላኽ ተባኢስና ኣለና፣ ስለዚ መን እዩ ነዚ ነጥቢ እዚ ከማልእ ዝኽእል?[3] ስለዚ፣ ባዕሉ ኣምላኽ፣ ስጋ ሰብ ለቢሱ ክመጽእ ግድን ኰነ፣ «ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ» /2 ጢሞ 2፥5/።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነዚ ክትርጉሞ እንከሎ፣ ማእከላይ ማለት፣ ንኣምላኽን ንሰብን ዝዉኽል፣ ክልቲኡ ዝዀነ፣ ኣምላኽን ሰብን ዝዀነ፣ ብምባል ይገልጾ። [pullquote]«ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን፣ ማዕከላይ ኮይኑ ክርስቶስ ከተዓርቐና መጽአ። መለኮታዊ ባህሪኡ፣ ናይ ኣቡኡን፡ ናቱ ናይ ባሕሪኡ እዩ። ስጋዊ (ሰብኣዊ) ባሕሪኡ ድማ ናትና እዩ። ነዞም ክልቲኦም ባህሪያት ዓሪቅዎም፣ ንነፍሲ ወከፎም ብተዋሕዶ ሓደ ገበሮም። በዚ ድማ ነቲ ኣብ ማዕኸልና ዝነበረ ጽልኢ (ባእሲ) ኣርሓቆ። /ወከምዝ ኣማሰነ ቦቱ ጽልኣ።/»[/pullquote]«ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን፣ ማዕከላይ ኮይኑ ክርስቶስ ከተዓርቐና መጽአ። መለኮታዊ ባህሪኡ፣ ናይ ኣቡኡን፡ ናቱ ናይ ባሕሪኡ እዩ። ስጋዊ (ሰብኣዊ) ባሕሪኡ ድማ ናትና እዩ። ነዞም ክልቲኦም ባህሪያት ዓሪቅዎም፣ ንነፍሲ ወከፎም ብተዋሕዶ ሓደ ገበሮም። በዚ ድማ ነቲ ኣብ ማዕኸልና ዝነበረ ጽልኢ (ባእሲ) ኣርሓቆ። /ወከምዝ ኣማሰነ ቦቱ ጽልኣ።/»[4]

Russian-Icon-Resurrectionቅዱስ ጳዉሎስ ነዚ ነገር ጽቡቕ ጌሩ ኣብሪህዎ ኣሎ፣ «ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን» /1 ቆሮ 5፥18/። «ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና» /ሮሜ 5፥10/። «ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም» /ኤፈ 2፥13/። «ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ።» /ቆላ 1፥20/

ክርርስቶስ ብተዋህዶ፣ ማለት ኣምላኽን ሰብን፣ መለኮትን ስጋን፣ ስለዝዀነ፣ ንኽልቴና ክዉክል ይኽእል። ብመለኮት ማዕረ ኣብ እዩ /ዮሃ 10፥30/፣ ስጋ ብምልባሱ ድማ ማዕሬና እዩ /እብራ 2/። ብመለኮቱ፣ ወልደ እግዚአብሔር እዩ፤ ብሰብነቱ፣ ድማ ወልደ ማርያም እዩ። ኣብ ሰማያት ብዘይ ኣደ፣ ኣብ ምድሪ ድማ ብዘይ ኣቦ ዝተወልደ እዩ፣ ስለዚ ድማ፣ ንሱ፣ ምስ ገዛእ ርእሱ፡ ምስ ናይ ባህሪ ኣቡኡን፡ ምስ መንፈስ ቅዱስን ኣተዓረቐና።

ካልእ ኣብነት ንዉሰድ፣ ኣብ ሓንቲ ዓዲ፣ ሓደ ፍጹም ሓቀኛፍጹም ፍትሓዊፍጹም ፈቃር ዝዀነ ኣቦ ኣሎ፣ ንበል። ናይዚ ኣቦ ስርሑ ዳኛ እዩ። ንኲሉ ገበነኛ ሰብ ዘዝግብኦ ዝፈርድ ፍጹም ፍትሓዊ እዩ። ንበል ሓደ ካብቶም ደቁ ገበን ፈጺሞም ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ይቐርቡ። እቲ ፈራዲ ዳኛ ባዕሉ ኣቡኦም እዩ። እንታይ ክገብር ኢልኩም ትጽበይዎ? በቲ ሓደ ሓቀኛን ፍትሓዊን እዩ፣ በቲ ካልእ ድማ ፍጹም ፈቃር እዩ። ከመይ ጌሩ ነዘን ክልትኤን ነገራት ከማልእ ይኽእል? ሓደ ነገር ጥራይ`ዩ ክገብር ዝኽእል፣ ሓቀኛን ፍትሓዊን ስለዝዀነ፣ ነቲ ወዱ ግቡእ ፍርዱ ክፈርዶ እዩ፤ በታ ሓደ ድማ፣ ፍጹም ንደቁ ዘፍቅር ስለዝዀነ፣ ነቲ ዕዳ ማለት ነቲ ፍርዲ ባዕሉ ክስከሞ መረጸ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ዉን ከምኡ እዩ ጌሩ። ኣዳም ብዝገበሮ ሓጢኣት ሞት ግቡእ ፍርዱ እዩ፣ ግን ኣምላኽ ንኣዳም ኣዝዩ ስለዝፍቅሮ ነቲ ናይ ኣዳም ሞት ባዕሉ ክሞተሉ መሪጸ። «ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡
ምእንታኻትኩም ደኸየ» /2 ቆሮ 8፥9/ ንሕና ናይ ህይወት ድኻታት ነበርና፣ ስለዚ፣ ንሕና ምእንቲ ብናቱ ሃብቲ ህይወቱ ክንህብትም፣ ነቲ ናትና ድኽነት ወሰደ። ናቱ ህይወት ሂቡ፣ ሞትና ወሰዶ።

«ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን።  ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ። ሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቊጸርን እዩ።  ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ።  ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።» /ሮሜ 5፥10-መፈ/

ሓንቲ ሓዳስ ንብረት ገዚእና፣ ምስ ትበላሸወና፣ እቲ ምጀመርታ ዝመሃዛ ሰብ ጥራይ እዩ ከዕርያ ዝኽእል፣ ንዓና ናብ ናይ ቀደም ክብሪና ክምለሰና ዝኽእል ዉን፣ ባዕሉ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝፈጠረና ቃለ እግዚአብሔር ኣምላኽ ማለት ወልደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። እግዚአብሔር ኣብ፡ ብቃሉ ማለት ብወልድ ኣቢሉ እዩ ፈጢሩና፣ «ብእኡ ዂሉ ኮነ፣ ካብቲ ዝዀነ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን» /ዮሃ 1፡3/ «ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ።» /ቆላ 1፥16/። ስለዚ መሊስና ምስ ወደቕና ዉን ናብቲ ናይ ቀደም ክብሪና ክመልሰና ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ።

ሰባት፣ ዝተፈጠርናሉ ምስሊ ጸዪቕና፣ ናብ ምስሊ ኣምላኽ ክንዓቢ ዘይንኽእል፣ እቲ ኣባና ሓዲሩ ዝነበረ፣ ናይ ናጻ ፍቓድ ጸጋ ድማ ንግብሪ ስጋ ንጥቀመሉ ነበርና /ገላ 6፥13/። ንሕና ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ኣይከኣልናን፣ ስለዚ ባዕሉ ንሱ፣ ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ መጽአ። ንሱ ባዕሉ መልክዕ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ እዩ /2ይ ቆሮ 4፥4፡ ቆሎ 1፥15/፣ ንሕና ዉን በቲ ናቱ ምስሊ ኢና፣ ዝተፈጠርና፣ ስለዚ መሊሱ ንሱ ማለት ወልድ (እግዚአብሔር ቃል) ነዚ ምስሊ፣ ኣባና ከሐድሶ ይኽእል። «ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን።  መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ።  ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ፣ ኺእመን . .» ከምዝግብኦን፣ ኲልና ዉን ነዚ ልዑል ስም`ዚ ክንብርከክ ምስ ነገረና፣ ቅዱስ ጳዉሎስ፣ እዚ ሓሳብ`ዚ ኣባና ክህሉ ይምዕደና /ፊሊ 2፥5-11/።

ካልእ ዉን፣ ብሰንኪ ዉድቐት ዘስዓቦ ድንቁርና፣ ሰባት መንነትናን ዘንጊዕናን፡ ፍልጠት ኣምላኽ ርሒቁናን፡ ፈጣሪና ረሲዕና፡ ንፍጡር ከነምልክ ጀሚርና ኔርና። ንኣምላኽ ዉን ኣብ ማእኸል ፍጡራት ነናድዮ ነበርና። «ሰብ ንኣምላኽ ሓዲጉ፡ ናይ ሰብ ምስሊ እንዳገበረ ክሰግድ ጀመረ። በዚ ምክንያት`ዚ ዉን፣ ምስሊ ደቂ ሰባት ብሓሶት ከም ኣምላኽ ክምለኽ ጀመረ። ስለዚ ድማ፣ ምእንቲ እዚ ሓሶት`ዚ፣ ሓሶት ምዃኑ ምእንቲ ክገሃድ፣ ኣምላኽ ባዕሉ፣ ሓቀኛ (ፍጹም) ሰብ ኰነ»[5] ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም። ፍጡር ነቲ ዝፈጠሮ ፈጣሪ፣ ዘይፈልጥ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ዉርደት እዩ። ስለዚ ኣምላኽ፣ ምእንቲ ዂሉ ሰብ ናብ ፍልጠት ሓቂ ክመጽእ፣ ንወዱ፣ «መገዲን ሓቅን ህይወትን» ዝዀነ፣ ለኣኾ። ንወልድ ክንርኢ እንኮለና ድማ፣ በቲ ዝርአ ባህሪ ናይ ወልድ፣ ንኣምላኽ ማለት ንኣቦ ክንፈልጦ ንኽእል፣ «እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ» ኢሉ ባዕሉ ከም ዝመስከረ /ዮሃ 14/።

ክንፍጠር እንከለና፣ ዉሉድ ኣምላኽ ነበርና /ሉቃ 3፥38/። ደሓር ግና፣ ካብ መንገዲ ኣምላኽ ስለዝዓለና፣ እቲ ዉልድነት ኣምላኽ ዉን ካባና ኣልገሰ። ስለዚ ናብዚ ናይ ዉልድነት ክብሪ ምእንቲ ክመልሰና፣ ባዕሉ፡ እቲ ብባህሪኡ ወዲ ኣምላኽ ዝኰነ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኰነ። «ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።» /ዮሃ 1፥12፡ ገላ 3፥26/

hመንገዲ ኣምላኽ ሓዲግና፣ ብሰንኪ ዝገዝኣና ዝነበረ ሞት ርእስና ኣድኒንና፣ ንሓጢኣት ንግዛእ ፍጡር ነበርና። ደጊም ብዂልንትንኡ፣ ንዓና ብምምሳል /እብ 1ን 2ን/፣ ኣርኣያ ሓደገልና። «ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።» /ማቴ 11፥28/ «ነ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም» /1 ጴጥ 2፥20/ «እቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ።» /1 ዮሃ 2፥6/።

ተላዊሆሙ ለሓዋርያት ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዱስ ኣብሊደስ ዘሮም «እምነትና ካብ ካብ ባዶ ቃል ዝተበገሰ ኣይኰነን፣ ብህርመት ትርግታ ልብና ዉን ኣይኰነን ዝምራሕ፣ ብዘስድዕን ጽባቐን ዘረባ ዉን ኣይኰንናን ንበጋገስ። የግዳስ ነቲ መለኮታዊ ቃል ኢና እንኣምን። እግዚአብሔር ኣብ ንቃሉ ማለት ንወልድ መዝነት ሂብዎ እዩ። ናይ እግዚአብሔር ቃል ተዛረበ፣ በቲ ዝተዛረቦ ቃል ንሰብ ካብ ዘይምእዛዝ መለሶ። ክመልሶ እንከሎ ግና ገዲዱ ውይ ድማ ብሓይሊ ኣይነበረን፣ እንታይ ደኣ ብናጽነት ንዕዑ ዝሕሾ ንክመርጽ ብምዕዳም እዩ። ኣብቲ መወዳእታ መዓልቲ ዉን እግዚአብሔር ኣብ ንቃሉ ናብ ዓለም ለኣኾ። ቃል ከምቲ ቅድሚ ዝገበሮ ብኣፍ ነብያት ክዛረብ፣ ወይ ዉን ንክትርድኦ ብዘሸግር ራእያት ኣይኰነን ክዛረብ መሪጹ። ዓለም ንዕዑ ርእያ ብእኡ ንክትድሕን እዩ፣ ባዕሉ ብዝርአ መልክዕ ተጋህደ። ቃል ካብ ድንግል ስጋ ለበሰ፣ ሓድሽ ስጋ ብምድላዉ ዉን ነቲ ኣረጊት ሰብነትና ለበሶ። ንሱ ፍጹም ሰብ ምዃኑን፡ ከምቲ ንሕና ዝዀንናዮን ንሱ ከም ዝዀነን፣ ንፈልጥ ኢና። ብዂሉ ነገሩ ንዓና መሰለ። ንሱ ከምቲ ንሕና ዝዀንናዮ፡ እንተ ዘይኸዉን ኔሩ፣ ከም ጐይታ ኣብነት ጌርና ክንስዕቦ ዝሃበና ትእዛዝ ንኸንቱ ምዀነ። ንሱ ከማና እንድሕሪ ዘይኰይኑ ደኣ፣ ከመይ ጌሩ ንሱ፣ ንዓይ ንድኹም፡ ንዕዑ ክመስል ዝእዝዘኒ? ካባና ፍጹም ዝተፈልየ ከም ዘይኰነ ምእንቲ ከረድኣና፣ ብዙሕ ናይ ጻዕሪ ስራሕ ሰርሐ፡ ጠመየ፡ ጸምአ፡ ደኺሙ ዉን ደቀሰ፡ ንመከራ ከርሕቆ ኣይፈተነን፣ እንታይ ደኣ ትንሳኤ ደኣ ሃበና። ምእንቲ ንሕና መከራ ክገጥመና እንከሎ ከይንደሃል ብምባል፣ ብዂሉ ነገሩ ንገዛእ ርእሱ ወፈየልና።»[6]

መጠቃለሊ

aseኣዳም ካብ ድንግል መሬት ተፈጥረ፣ እቲ ካልኣይ ኣዳም ዝዀነ ጐይታ ዉን፣ ካብ ድንግል ማህጸን ተወልደ። ሄዋን፣ ቃል ሰይጣን ሰሚዓ፣ ብታህዋኽ ዕጸ በለስ በሊዓ፣ ትእዛዝ ኣፍሪሳ፣ ሞት ኣምጽአት። ድንግል ግና፣ ቃል ቅዱስ መልኣክ ሰሚዓ፣ ብትሕትናን ህድኣትን መርሚራ ተኣዘዘት፣ ንወሃቢ ህይወት ድማ ወለደትልና። ቀዳማይ ፍረ ማህጸን ናይ ሄዋን (ቃዬል)፣ ቀታሊ ሰብ እዩ ኔሩ። ፍረ ማህጸን ናይ ድንግል ግና (ክርስቶስ)፣ ወሃቢ ህይወት እዩ። ብሰንኪ ሄዋን፣ ገነት ተዓጽወ፣ ዳግማይ ድማ፣ ብሰንኪ ድንግል ተራሕወልና።[pullquote]«ቃለ እግዚአብሔር ዝኰነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ ንሕና፣ ነቲ ንሱ ዝዀኖ ክንኸዉን፤ በቲ ዘይዉዳእ ፍቕሩ ተደሪኹ፣ ንዓና መሰለ።» ቅዱስ ኢራኔዎስ ዘሊዮንስ[/pullquote] ሄዋን፣ ትእዛዝ ኣፍሪሳ፣ ዕጸ በለስ በሊዓ፣ ሞት ኣዉረሰትና፤ ድንግል ግና፣ ብትሕትና ተኣዚዛ፡ ንጐይታ ወሊዳ፣ ንሱ ድማ ብዕጸ መስቀሉ ኣድሓነና። ሰይጣን ኣብ ተመን ተሓቢኡ፣ ንሰብ ናብ ግዝኣት ሞት ኣዉደቖ፣ ካልኣይ ኣዳም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፣ ብስጋ ሰብ ተሰዊሩ፣ ንርእሲ ተመን ጨፍሊቑ፣ ካብ ሞት ኣድሓነና። ካብ ጎኒ ኣዳም፣ ሄዋን ተፍጥረት፣ ካብ ጐኒ ጐይታ ብዝፈሰሰ ደምን ማይን ድማ፣ ቤተክርስቲያን ተቐደሰት /ኤፈ 5፥26፡ 1 ቆሮ 6፥11/። ብሓጺሩ፣ ኲሉ ነገር ብክርስቶስ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ተመሊሱ እዩ፣ ነዚ ዝገበረ ኣምላኽና፡ ንጉስናን፡ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይብጽሓዮ።

«ቃለ እግዚአብሔር ዝኰነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ ንሕና፣ ነቲ ንሱ ዝዀኖ ክንኸዉን፤ በቲ ዘይዉዳእ ፍቕሩ ተደሪኹ፣ ንዓና መሰለ።»[7]  ቅዱስ ኢራኔዎስ ዘሊዮንስ። «ምእንቲ ንሕና፣ ሰብ ከመይ ጌሩ ንኣምላኽ ከም ዝመስል ምእንቲ ክንመሃር፣ ናይ እግዚአብሔር ቃል ባዕሉ፣ ሰብ ኰነ» ቅዱስ ቀለሜንጦስ ዘእስክንድርያ[8]«ናይ ሰብ ባህሪ፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ስዒሩን ተዓዊቱን እዩ (ኣብ ዓወት በጺሑ እዩ)። ምእንቲ ተኻፈልቲ ሃብቱ ክንኸዉን፣ ንሱ (እግዚአብሔር ቃል) ከማና ሰብ ኮነ (ኣብቲ ናትና ሰብነት ተሳታፊ ኮነ)» ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ[9]«ምእንቲ ንሕና ኣማልኽቲ ክንኸዉን፣ ኣምላኽ ሰብ ኰነ»[10] ቅዱት ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ። [pullquote]«ምእንቲ ንሕና ኣማልኽቲ ክንኸዉን፣ ኣምላኽ ሰብ ኰነ»[10] ቅዱት ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ።[/pullquote]It makes the reproductive organs cialis sale http://icks.org/n/data/ijks/1482459178_add_file_6.pdf weak and it also weakens the nerves that connect the brain with basic orientations, data and information which it can then process.

ስለምንታይ ኣምላኽ ሰብ ዀነ? ንዝብል ሕቶ፣ መልሱ፣ ምእንቲ ንሕና «ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ» /1 ጴጥ 1፥14/ ክንኸዉን እዩ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፣ ናይዞም ቅዱሳን ኣቦታት ምስክርነት ዉን፡ ነዚ እዩ ዘብርሃልና። ከምዚ ክንብል እንኰለና ግና፣ ንሕና ከም ኣምላኽ፣ መለኮታዉያን ንኸዉን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፣ ኣብቲ ናቱ መንፈሳዊ ባህሪያቱ ኢና፣ ብጸጋ ተሳተፍቲ እንኸዉን። ብመንፈሳዊ ባህሪይ፣ ብቅድስና፣ ብንጽህና፣ ብትሕትና፣ በለዉሃት፣ ብብጽእና፡ ብምሕረት. .ወዘተ፣ ብህይወት ኢና፣ ንዕዑ እንመስል። ብጹእ ኣቡነ ጳዉሎስ «ንሕና ነኣሽቱ እግዚአብሔር ክንከዉን ኢና ተጸዊዕና፣ ከምቲ ንሱ ርህሩህ ዝዀነ፡ ንሕና ርህሩሃት ንኹን፣ ከምቲ ንሱ ፈቃር ዝዀነ፡ ንሕና ፈቃራት ንኹን፣ ከምቲ ንሱ ይቕረ ብሃሊን፡ መሓሪን ዝዀነ፣ ንሕና ዉን ከምኡ ንኹን» ከምዝበሉ[11]። ክርስቶስ ሰብ ኮነ፣ ምእንቲ ንሕና ንዕዑ ንክርስቶስ ብህይወት ክንመስል እዩ። ምእንቲ ንስኻ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ ክትኸዉን፣ ንሱ እቲ ወዲ ኣምላኽ፡ ወዲ ዳዊት ኰይኑ ኣሎ፣ ስለዚ ኣይትጠራጠር። እምበኣር ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ኣምላኽ ለጠቕ ኢሉ ወሪዱ ዘሎ፣ ንከንቱ ኣይኰነን፣ ናብ ዝለዓለ ክብሪ ክብ ምእንቲ ከብለና እዩ። ምእንቲ ንስኻ ካብ መንፈስ ዳግማይ ክትዉለድ፣ ንሱ ካብ ስጋ ተወልደ! ንስኻ ምእንቲ ወዲ እግዚአብሔር ክትኸዉን፣ ንሱ ካብ ሰበይቲ ተወልደ  ቅ. ዮሓንስ ኣፈወርቅ[12]

ወንጌል ዉን ነዚ እዩ ዝምህረና፣ ሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ኔሩ፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ዝጠፍአ ከናድይ፣ ሰብ ኮይኑ መጽአ። እምበኣር ድሕነት፣ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያንና፣ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ምፍጣር እዩ። መገዲ ድሕነት፣ ምስ ሥሉስ ቅዱስ፣ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ፣ ሓድነትን ሕብረትን ምፍጣር እዩ /ዮሃ 14፥23 1 ቆሮ 3፥17ን 6፥19/። እዚ ጉዕዞ`ዚ ብጥምቀት ይጅምር። ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። /ሮሜ 6፥4/ “ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ” /ገላ 3፥27/። ኣብ ግዜ ጥምቀትና፣ እቲ ናይ ኣዳም ስጋ ተቐቢሩ፣ ብክርስቶስ ሓድሽ ፍጥረት ኮይንና ንትንስእ። ብማሕተም መንፈስ ቅዱስ ተሓቲምና፣ ድማ ስግኡን ደሙን ንቕበል። ስግኡን ደሙን ክንቐበል እንኸሎና፣ ኣምላኽ ኣባና ይሓድር፣ ንሕና ዉን ምስኡ ሓድነት ይህልወና /ዮሃ 6/። ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ብሰንኪ ግብሪ ሓጢኣት ምስ እንወድቕ ዉን፣ ተመሊስና ብንስሓ ናብዚ ሕብረት እዚ ክንምለስ ንኽእል። ኣቦታትና ከም ዝመሃሩና ድማ፣“ንሕና ልክዕ ከም ኣምላኽ ክንኸዉን ኢና ተጸዊዕና ዘለና፣ ማለት እቲ ንሱ ብባህሪኡ ዝኰኖ፣ ንሕና ድማ ብጸጋ ከምኡ ክነኸዉን እዩ” “[pullquote]ንሕና ልክዕ ከም ኣምላኽ ክንኸዉን ኢና ተጸዊዕና ዘለና፣ ማለት እቲ ንሱ ብባህሪኡ ዝኰኖ፣ ንሕና ድማ ብጸጋ ከምኡ ክነኸዉን [/pullquote]እዩ”። እምበኣር መንገዲ ድሕነት እዚ እዩ፣ ንሕና ድማ ናብ ከምዚ ዓይነት መንገዲ ኢና፣ ተጸዊዕና ዘለና እሞ፣ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።  ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።/እብ 12፥1/

 መልእክቲ ኤፈሶን 3፥18-መፈጸምታ «ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ። ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ብክርስቶስ ኢየሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።»

ስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

 

[1] እዚ ሓሳብ ካብ ምዕራፍ 2ን 3ን ናይ On the Incarnation ብ ቅ. ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ዝተወስደ እዩ

[2] On the Incarnation nr.9

[3] ሃይማኖተ ኣበው፣ ዘዮሓንስ ኣፈወርቅ ክፍል 21፡16-9

[4] ዘዮሓንስ ኣፈወርቅ ክፋል 22፡21-22

[5] St Cyril of Jerusalem Lecturer 12:15, ቅ. ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም

[6] The word made flesh defies us. ቅ ኣብሊደስ ዘሮም

[7] Against Heresies, Book 5, Preface

[8] Clement, “Exhortation to the Heathen,” Ante-Nicene Fathers, 2:174.

[9]  Commentary on Luke 4, Temptation of Christ ቅ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ ኣብ ትሩጓሜ ሉቃስ 4

[10] On the Incarnation 54:3

[11] ብጹእ ኣቡነ ጳዉሎስ ናይ ኢትዮጲያ ፓትሪያሪክ ኣብ ቃለ መጠየቆም ካብ ዝሃብዎ መልሲ ዝተወስደ

[12] ትርጓሜ ማቴዎስ 2:2