ብጽእና ጴጥሮስን ጳዉሎስ- ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ

last ned (7)እዛ ዕለት እዚኣ፣ ብሰማእትነት ናይ ክልተ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳዉሎስን፣ ተቀዲሳትልና ኣላ። እዞም ቅዱሳን ሓዋርያት ሕቡኣት ኣይነበሩን፣ ኣብ ኲሉ ፍሉጥ ዝነበሩ እዮም፣ “ድምጾም ናብ ኲላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳብ ኲላ ዓለም በጽሐ” /መዝ 19፡4/። እዞም ክልተ ሓዋርያት፣ ነቲ ዝረኣዮ ነገር ብስብከት ዝኣወጁ፤ ንሓቂ ብምምስካር ንፍትሒ ዘንገሱን፤ ምእንቲ ሓቂ ዝሞቱን እዮም።

ቀዳሞት ካብ ሓዋርያት ዝዀነ፣ ቅዱስ (ብጹእ) ጴጥሮስ፣ ፍሉይ ፍቅሪ ናይ ክርስቶስ ዝነበሮን፣ “ኣነ ኸኣ እብለካ ኣለኹ፣ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ።” ዝብል ቃል ክሰምዕ ዝበቕዐ እዩ። ኣቀድም ኣቢሉ፣ ንሱ፣ “ኣንተ ዉእቱ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ህያው/ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ ዝመስከረ ዉን እዩ። ክርስቶስ ከኣ ከምዚ በሎ፣ “ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንቤተክርስቲያነይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡” /ማቴ 16፡13-20/። ኣብዛ ከዉሒ እዚኣ፣ ንእምነተይ ክምስርታ እየ። ኣብዛ፣ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ትብል ቃልካ፣ ንቤተክርስቲያነይ ክሃንጻ እየ፣ ምክንያቱ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ጴጥሮስ፣ ካብ ፔትራ ዝብል ቃል ዝወጽአ እዩ፣ ትርጉሙ ከዉሒ እዩ (ብግሪክ)። ጴጥሮስ፣ ካብ ኣካዉሕ ዝርከብ ከዉሒ እዩ፣ ካብ ከዉሒ ዝርከብ ኣካዉሕ ኣይኰነን። ከምቲ ክርስቲያን ዝብል ቃል ካብ ክርስቶስ ዝተወስደ፤ ከምኡ ዉን ጴጥሮስ ዝብል ቃል፣ ካብ ከዉሒ ዝተወስደ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ቅድሚ ስቕለቱ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ባዕሉ መሪጹ፣ ሓዋርያት ክዀኑ ሓረዮም። ካብዞም ኲሎም ግና ዳርጋ ሓደ ጴጥሮስ ጥራይ እዩ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፣ ንቤተክርስቲያን ብምልኣት ክዉክላ፣ ዕድል ዝተዋህቦ። ንሱ፣ ንቤተክርስቲያን ብምልኣት ይዉክላ ስለዝዀነ እዩ፣ ነታ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ”፣ እትብል ቃል ንዕኡ ዝተነግረቶ። ንሱ እዚ ሓደ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን፣ ነዛ መፍትሕ ወይ መርሖታት መንግስተ ሰማያት ዝተቐበለ፣ እንታይ ደኣ፣ እታ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ብሓድነታ እያ፣ ነዛ መፍትሕ ዝተረኸበቶ። ጴጥሮስ፣ ንቤተክርስቲያን፣ ብኣድማሳዊነታን፣ ብሓድነታን ስለዝዉክላ እዩ፣ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፣ ዕያዉተይ ሓሉ” ዝብል ቃል ዝተዋህቦ። እምበኣር ቤተክርስቲያን እያ፣ መርሖታትን መፍትሕ መንግስተ ሰማያትን ዝተቐበለት። ኣብ ካልእ ቦታ ጐይታ ንሓዋርያት እንታይ ከም ዝበለ ስምዕዎ፣ “እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም።” /ዮሃ 20፡22-23/።

ጐይታ ድሕሪ ትንሳኤኡ፣ ንጴጥሮስ ኣባጊዕ ክሕሉ፣ ዕያዉቲ ከብልዕ፣ ሓላፍነት ሂብዎ /ዮሃ 21፡15-19/። ኣብዚ ዉን ሓደ ነገር ክንርዳእ ኣለና፣ ጴጥሮስ በይኑ ንሱ ጥራይ ኣይኰነን ካብ ሓዋርያት ተፈልዩ፣ ንኣባጊዕ ክሕሉ፣ እንታይ ደኣ፣ ብሓድነት እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ጴትሮስ ኢሉ፣ ክነግር እንከሎ፣ ብሓድነት ንዂሎም ስለዝዉክል እዩ። እምበኣር ክቡራት ሓዋርያት፣ ጴጥሮስ ካብ ቀዳሞት ስለዝዀነ፣ ንዕኡ ብስም ጸዊዑ ስለዝተዛረቦ፣ ኣይትሕዘኑ።

ኣብዚ ግዜ`ዚ፣ ንጴጥሮስ ሰለስተ ግዜ ሓተቶ፣ ሓንሳብ መሊሱ፣ ካልኣይ ግዜ ደጊሙ፣ ሳልሳይ ግዜ ዉን ሰሊሱ። ኣቐድም ኣቢሉ (ኣብ ግዜ መከራ መስቀል)፣ ርእሰ ምትእምማን ብሰንኪ ፍርሒ ሰለስተ ግዜ ተሳዒሩ ኔሩ (ሰለስተ ግዜ ክኽሕዶ እንከሎ)፣ ሕጂ ድማ፣ ብፍቕሪ ሰለስተ ግዜ ክምስክር ገበሮ። ሰለስተ ግዜ ዝኣሰርካዮ ሰለስተ ግዜ ክትፈትሖ ይግባእ። ብፍርሒ ዝኣሰርካዮ፣ ብፍቕሪ ፍትሓዮ። ስለዚ ዉን፣ ጐይታ፣ ንጴጥሮስ፣ ሓንሳብ፡ ደጊሙ፡ መሊሱ ዉን ሰሊሱ፣ ኣባጊዕ ክሕሉ፣ ሓላፍነት ሃቦ።

እዞም ክልተ ሓዋርያት ንዝተቐበልዎ መከራ፣ ንዝክረላ፣ ሓንቲ መዓልቲ እያ (ሓምለ 5 ዝበዓል)። እዞም ክልተ ሓዋርያት፣ ጴጥሮስን ጳዉሎስን፣ ዋላዃ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት መከራ ይቐበሉ፣ ኮይኑ ግና፣ ክልቲኦም ሓደ እዮም። ብገድሎምን ጽንዓቶምን፣። ቅድም ጴጥሮስ ጀመረ፣ ደሓር ድማ፣ ጳዉሎስ ሰዓበ። ነዛ ብደም ናይዞም ክልተ ሓዋርያት ዝተቀደሰት ዕለት ክንዝክር፣ ኣብዛ በዓል`ዚኣ ተረኺብና ኣለና። እምበኣር፣ እምነቶም ነፍቅሮ፣ ህይወቶም ንስዓቦ፣ መከርኦም፡ ጻዕሮም፡ ናይ እምነት ምስክሮምን ስብከቶምን፣ ንስዓቦ።

ዉስተ ኲሉ ምድር ወጽአ ነገሮሙ/ ናብ ኲሉ ምድሪ ወጽአ ድምጾም፣
ወእስከ ኣጽናፈ ዓለም በጽሓ ነቢቦሙ/ ክሳብ ኲሉ ዓለም በጽሐ ቃሎም
ጳዉሎስ ወጴጥሮስ እለ ከዓዉ ደሞሙ/ ጴጥሮስን ጳዉሎስን ከዓዉ ደሞም፣More learningworksca.org order levitra online to You: Men should take immediate step to prevent the problem of erectile dysfunction.
በሞቶሙ ወበህይወቶሙ ኢተሌለዩ ቀዲሙ/ ብሞትን ህይወትን ኣይተፈላለዩን ካብ ቀደም፣
በድሮሙ ወስምዖሙ ኅቡረ ፈጸሙ/ ገድሎምን ሰማትነቶምን ሓቢሮም ፈጸሙ
Sermo 295, 1-2, 4, 7-8; PL 38, 1348-1352) by St. Augustine,

በእንተ ጴጥሮስ ወጳዉሎስ፣ መሓረኒ ክርስቶስ፣ ኣሜን።