በዓለ ሓዋርያት-ጴጥሮስ ወጳዉሎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን። እንኳዕ ናብ ክቡር በዓል ናይ ሓዋርያት፣ ጴጥሮስ ወጳዉሎስ፣ ብሰላም ኣብጽሓና፣ ክቡራት ኣንበብቲ። በረኸቶምን ጸሎቶምን ናይ ኲሎም ሓዋርያት ምስ ኲልና ይኹን።

መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ገንጺሉ ዘንብብ ሰብ፣ ብዛዕባ ጴጥሮስን ጳዉሎስን ደጋጊሙ ከየንበበ ከም ዘይሓልፎ ርዱኡ እዩ። ኣብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን፣ ድሕሪ ስም ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ስሞም ብተደጋጋሚ ዝለዓል ናይዞም ክልተ ቅዱሳን፣ ሰማእታትን ሓዋርያትን ዝዀኑ፣ ጴጥሮስን ጳዉሎስን እዮም። ጴጥሮስ፣ ካብ ሓዋርያት ቀዳሞት ዝነበረ፣ ብዛዕባ መንነት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመስከረ፣ ክርስቶስ ዉን ኣብዚ ናይ ጴጥሮስ ምስክርነት ንቤተክርስቲያኑ ክሃንጻ ምዃኑ ቃል ዝኣተወሉ፣ ቅዱስ ሓዋርያ ክኸዉን እንኸሎ። ጳዉሎስ ብወገኑ፣ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ናብ ክርስቶስ ዝተመልሰ፣ ናይ ኣህዛብ ሓዋርያ፣ ጽኑዕ ሰባኬ ወንጌል፣ ብጽሑፋቱ ንክርስቶስ ዝመሃረ፣ ሊቅን፣ ሰማእትን እዩ። እዞም ክልተ ናይ ቤተክርስቲያን ዓንዲታት ኮይኖም፣ ብደም ሰማእትነቶም ንቤተክርስቲያን ዘጠጥዑ ቅዱሳን እዮም። ሳልሳዮም ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ፣ ቤተክርስቲያን ነዞም ሰለስተ፣ “ናይ ቤተክርስቲያን ብርሃን/ ብርሃና ለቤተክርስቲያን” ኢላ ኣብ ቅዳሴ ትጽዉዖም።

ንክብሪ መዘከርታ ኲሎም ሓዋርያት፣ ብፍላይ ድማ፣  ንሰማእትነት ሓዋርያት-ጴጥሮስ ወጳዉሎስ፣ ቅድስት ቤተክርስቲያን ንሓምለ 5 ዓቢ በዓል ተብዕል እያ። ኣብዚ መዓልቲ`ዚ ዕድል ጌርና፣ ኣብ ማህሌት ዝተረኽብና ሰባት፣ መልክኣ ጴጥሮስ ወጳዉሎስ፣ እንዳተዜመ፣ “ፈጸሙ ገድሎሙ፣ ክሌሆሙ/ ክልቲኦም፣ ገድሎም ፈጸሙ” እንዳተባህለ ክዉረብ፣ ክንሰምዕ እንከለና፣ ዝህበና ሓጎስ መግለጺ የብሉን።

ሰላም እብል፣ ብርሃናተ ክልኤተ፣

በዓዉደ ንጉስ ኔሮን እለ ፈጸሙ ሩጸተ፣

ጳዉሎስ ወጴጥሮስ ዘያጽንኡ ጸበርተ፣

ኣሓዱ በመስቀል ተሰቅለ ቊልቊሊተ፣

ወኣሓዱ ተመትረ ክሳዶ ክብርተ።

ኣብ ዓዉዲ ንጉስ ኔሮን ጉያ ሰማእትነቶም ዝወድኡ፣ ክልተ ብርሃናት ሰላም ይብል፣ ጳዉሎስን ጴጥሮስን ሓምድ እተጽንዑ ኢኩም። እቲ ሓደ ኣብ መስቀል ቁልቁል ኣፉ ተሰቕለ፣ እቲ ካልእ ድማ ክብርቲ ክሳዱ ተመትረ።

ታሪክ ሰማእትነቶም

ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳዉሎስን፣ ኣብ ከባቢ 60ታት (64 ዓም)፣ ማለት ከባቢ 30 ዓመት ድሕሪ ሞት ጐይታ፣ ኣብ ሮም ብሰማእትነት ከም ዝሓለፉ ታሪክ ናይ ቤተክርስቲያን ይነግረና። ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ብሸነኽ ጸጋም ናይዚ ሕጂ ናይ ቫቲካን ቤተክርስቲያን ተሃንጺዎ ዘሎ፣ (St. Peter’s Basilica) ኣብ መስቀል ብቁልቁል ኣፉ ተሰቒሉ ብሰማእትነት ክዓርፍ እንከሎ። ቅዱስ ጳዉሎስ ድማ፣ ኣብ መንጎ ሮምን ባሕሪን ዘሎ ከባቢ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትሬ ፎንታና (ብቋንቋ ጥልያን 3 መንጫዕጫዕታ) ዝበሃል ቦታ፣ ኣብኡ ርእሱ ተሰይፉ ብሰማእትነት ከምዝዓረፈ፣ ትዉፊት ይሕብረና። ኣብ መቃብር ናይዞም ክልተ ሓዋርያት፣ ዓቢ ቤተክርስቲያን ተሃንጹ ይርከብ።

ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ብህዝቢ ኣዝዩ ፍትዉ እዩ ኔሩ። ኣብ ሮም ኣትዩ ወንጌል ክሰብኽ ምስ ጀመረ ድማ፣ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ንጉስ ዝነበረ፣ ኔሮን፣ ክቐትሎ ይደልዮ ነበረ፣ ነዚ ዝሰምዑ፣ ክርስቲያናት፣ ንጴጥሮስ ሓጹር ሮም ኣዝሊሎም ከም ዝሃድም ገበሩ። ጴጥሮስ ካብ ሮም ሃዲሙ ክኸይድ እንከሎ፣ ኣብ መንገዲ፣ ጐይታ ቀይሕ ግምጃ ለቢሱ፣ ናብ ሮም ገጹ ክኸይድ ረኸቦ። ጴጥሮስ ኸኣ፣ “ጐይታይ ናበይ ትኸይድ ኣለኻ” ኢሉ ምስ ሓተቶ፣ ጐይታና ድማ “ናብ ሮም ዳግማይ ክስቀል ይኸይድ ኣለኹ” በሎ። ኣብዚ ግዜ፣ ጴጥሮስ ብሰማእትነት ንጐይትኡ ክኸብር ከምዝግብኦ ተረድኦ።

“ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ። ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፥ ስዐበኒ፡ በሎ።” /ዮሃ 21፡18/

ናብ ሮም ተመሊሱ ድማ፣ ናብ ወታሃደራት ኔሮን ኢዱ ሃበ፣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደዉ ኢሉ ዉን፣ ኣምላክነት ክርስቶስን፣ ከንቱነት ናይ ጣኦትን፣ ሰማይን ምድሪን ዝፈጠረ ሓደ ሰማያዊ ንጉስ ኢየሱስ ክርስቶስ እምበር፣ ኔሮን ዋላ ሓንቲ ከምዘይኰነ ብትብዓት መስከረ፣ በዚ ድማ፣ ናብ ሞት ተፈርደ። ወታሃደራት ኒሮን፣ ከምቲ ጐይታኻ ዝተሰቕሎ፣ ክንሰቕለካ ኢና፣ ብምባል መስቀል ኣዳልዮም ክሰቕልዎ ምስ ጀምሩ፣ “ኣነ ምስ ጐይታይ ማዕረ ኣይኰንኹን እሞ፣ ቁልቁል ኣፈይ ስቐሉኒ” 

በሎም። ንሳቶም ዉን ከምኡ ጌሮም ሰቐልዎ፣ በዚ ዉን ክቡር ኣክሊል ሰማእትነት ተቐበለ፣ ንጐይትኡ ዉን ክሳብ ሞት እሙን ኰነ።

"ሃሌሉያ ይቤሎሙ ጴጥሮስ ለጳውሎስ ጥብዓኬ እኁየ ጳውሎስ ወኢትናፍቅ እምዝ ዳግመ ኢንመውት ዳግመ ወእምዝ ዳግመ ኢንመውት። /ሃሌ ሉያ፣ ጴጥሮስ ንጳዉሎስ፣ ሓወየ ጽናዕ፣ ኣይትጠራጠር፣ ደጊም ሞት የለን" ምልጣን ዘበዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ። ሐምሌ ፭

ጳዉሎስ በንጻሩ፣ ኣብ ሮም ክሰብኽ እንከሎ ተታሒዙ፣ ኣብ ማእሰርቲ ነበረ። ካብ ማእሰርቲ ኣዉጽኦም ድማ፣ ክስይፍዎ ናብ ባሕሪ ገጾም ወሰድዎ። ኣብ መንገዲ ብዙሓት ክርስቲያናት ይበኽያ ነበራ። ብፍላይ ሓንቲ ካብተን ኣንስቲ፣ ክስየፍ እንከሎ፣ ደሙ ምእንቲ ከይፈስስ፣ መንዲላ ፈቲሓ ሃበቶ። ኣብቲ ዝስይፍሉ ቦታ ምስ በጽሑ፣ ንጳዉሎስ ብብርኩ ኣትሒቶም፣ ክሳዱ ሰየፍዎ፣ በዚ ዉን ከም ሓዉን ብክርስቶስ መጋድሉትን፣ ከም ጴጥሮስ፣ ኣክሊል ሰማእትነት ተቐበለ። የግዳስ፣ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ።” /ዮሃ 11፡25/ ከም ዝበለ ጐይታ፤ ጳዉሎስ ስግኡ ይቕተልዋ እምበሪ፣ ነፍሱ ግና፣ ንሞት ስዒራ ብምትንሳእ፣ ናብታ መንዲላ ዝሃበቶ ሰበይቲ ተመሊሱ፣ መንዲላ ከም ዝመለሰላን፣ ብክርስቶስ ኣጸናኒዑ ናብ ጐይትኡ ከምዝኸደን፣ ታሪኽ ይነግረና።

እቶም ዝሰየፍዎ ወታሃደራት፣ እንዳተመልሱ እንከለዉ ነታ መመንዲላ ዝሃበቶ ሰበይቲ፣ ረኸብዋ`ሞ፣ “እቲ መምህርካ ኣብቲ ሜዳ ተድርብዩ ኣሎ” በልዋ። ንሳ ሽዑ ከምዚ ኢላ መለሰትሎም፣ “ወሸለ ንስኹም ኣይፈልጥኩምን እምበሪ፣ ንሱስ ብሓይሊ ጐይትኡ ተንሲኡ፣ እነሀለ መንዲለይ መሊሱለይ በዚ ሓሊፉ ከይዱ” ብምባል መንዲላ ኣርኣየቶም።

“እምበኣር ናብ ናይ እምነት ጀጋኑና ንመለስ፣ ኣብዚ ዘመንና ዘጋጥም ዘሎ ዉን ኣብነት ንዉሰድ። ብዙሓት ብቅንኢን ተንኮልን፣ ተታሒዞም ተገፊዖም እዮም፣ ብፍላይ ድማ እቶም ዓበይቲን፣  ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ጽድቂ ዓንዲታትን ዝዀኑ፣ ተሰዲዶምን፣ ሞይቶምን እዮም። እስከ ሕጂ ናይቶም ፍሉያት ሓዋርያት ታሪክ ነልዕል። ጴጥሮስ፣ ብሰንኪ ክፋእ ዘንቀሎ ተንኮል፣ ብዙሕ መከራ ተቐበለ፣ ልዕሊ ሓደን ክልተን ግዜ ብዙሕ መከራ ወረዶ፣ ድሕሪ ተደጋጋሚ ስቃይ ድማ፣ ብሰማእትነት ዓረፈ፣ ናብ ናይ ክብሪ ቦታ ድማ ሓለፈ። ጳዉሎስ ዉን ብሰንኪ ቅንኢ፣ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ተቀበለ፣ ሸዉዓተ ግዜ ኣብ ማእሰርቲ፣ ብዙሕ ግዜ ብስደት፣ ብኣእማን ተወግረ። ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ወንጌል ሰበከ፣ ኣብ ኲሉ ቦታ እንዳዞረ ዉን ወንጌል ሰበከ፣ ዓለም ብጽድቂ መንገዲ ንኣምላኽ ከም እትፈልጦ ገበረ፣ ኣብ ጫፍ ዓለም በጺሑ ዉን፣ ብፍጹም ገድሊ ተጋዲሉ ብሰማእትነት ዓረፈ። በዚ ድማ፣ ፍጹም ናይ ትዕግስቲ ኣብነት ኮይኑ ካብዚ ዓለም ናብታ ዳሕረወይቲ ዓለም ተሰጋገረ።  ፍቑራተይ ብዛዕባ እዚ ንጽሕፈልኩም ዘለና፣ ብዛዕባ ግቡእኹም ክግስጸኩም ደልዬ ኣይኰንኩን፣ እንታይ ደኣ ምእንቲ ከዘካኽረኩም ኢለ እየ። ምክንያቱ፣ ንሕና ዉን ከምኣቶም፣ ኣብ ተመሳሳሊ ገድሊን፣ ኣብ ተመሳሳሊ መንገዲን ኢና ዘለና። እቲ ዕዮ ዉን ንክልቴና ሓደ ዓይነት እዩ። እምበኣር ኲሉ ከንቱነትን ፍረ ኣልቦ ነገራትን ሓዲግና፣ ናብቲ ክቡርን መንቅብ ዘይብሉን ኣገልግሎት ቅዱስ ጽዉዓና፣ ንቅረብ። ናብቲ፣ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪና ሰናይ፡ ቅቡልን ባህ ዘብልን ነገራት ንቕረብ። ናብቲ ምእንቲ ድሕነትና ዝፈሰሰን፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ ንሙሉእ ዓለም ናይ ንስሓ ድሕነትን ጸጋን ዝዓደለና፣ ናብ ክቡር ደም ክርስቶስ ንጠምት።” ቅዱስ ቀለሜንጦስ ዘእስክንድርያ The First Epistle of Clement, 5-6.

ጴጥሮስን ጳዉሎስን

ክልተ ዝተፈላለዩ ገጸ ባህርያት፣ ክልተ ዝተፈለላዩ ኣተዓባብያ ዘለዎም፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ዓይነት ህይወት፡ ተሞክሮ፡ ዕድመ. . .ብብዙሕ መንገዲ ዝፈላለዩ፣ ኮይኑ ግና፣ ብክርስቶስ ሓደ ዝዀኑ ሓዋርያት እዮም። ኣብ መንጎ እዚኦም ክልተ ሓዋርያት ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ፣ የግዳስ ከምቲ መጽሓፍ ዝብሎ፣ ኩላትና ብክርስቶስ ሓደ ኢና።

ጴጥሮስ፣ ገና ካብ መጀምርያ ኣገልግሎት ጐይታ፣ ሓዋርያ ክኸዉን ዝተመርጸ እዩ (ማቴ 10)። ጳዉሎስ ግን፣ ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ይኹን ካብቶም 70 ኣርድእት፣ ኣይነበረን። ክርስቶስ ኣብ ምድሪ እንከሎ ዉን ይፈልጦ ኣይነበረን። ንቤተክርስቲያን ከሳድዳ እንከሎ`ዩ ንጐይታ ዝፈለጦ። “ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንዓይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። ኣነስ ነታ ቤተክርስቲያን ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን።” /1 ቆሮ 15፡8-9/። ድሕሪ ኩላቶም ሓዋርያ ክኸዉን ዝተጸዉዐ እኳ እንተዀነ፣ ሓለፋ ኲላቶም ዝጸዓረ ዉን እዩ (ፍቕዲ 10)። ቀዲምካ ናይዝጀምርካ ኣይኰነን፣ ብጸጋ ኣምላኽ ጸኒዕካ ናይ ዘገልገልካ`ዩ።

ጴጥሮስ ኣብ ቤተሳይዳ ተወሊዱ ዝዓበየን፣ በዓል ሓድርን፣ ኣቦ ቆልዑትን እዩ /ማቴ 8፡14-15፣ 19፡27 1 ቆሮ 9፡5/። በንጻሩ ጳዉሎስ፣ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቅልቂያ (ኣብ ግዝኣት ሮም ከባቢ ቱርኪ) ተወሊዱ ዝዓበየን፣ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከይዱ፣ ኣብ እግሪ ብሉጻት መማህራን (ገማልያል) ናይ ብሉይ ኪዳን ተማሂሩ ዝዓበየን /ግብረ 22፡3/፣ ብድንግልና ጸኑዑ ዝነበረን እዩ። “ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ ኣለዎ።. . . ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ።” /1 ቆሮ 7፡7..17/። ጴጥሮስ ብዂሉ ነገሩ ድኽነት ኣስተማቒሩ ዝዓበየን፣ ገፋፊ ዓሳ ዝነበረ ታራን፣ ፍጹም ትምህርቲ ዘይነበሮ ጭዋን ነበረ /ማቴ 4, ግብ 4፡13/። ንሱ ሓደ ካብቶም፣ ኣምላኽ “ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ።”  ዝተባህለሎም እዩ /1 ቆሮ 1፡27/። ጳዉሎስ ግና፣ መጽሓፍ ዝጸገበ ምሁር፣ ፈሪሳዊ፣ ከተማ ዝዓበየ ብሱል ኣትሓሳስባ ዝነብሮ እዩ። ገጠርን ከተማን ናይ ዝዓበካን፣ ወይ ምሁርን ዘይምሁርን ናይ ዝዀንካን፣ ገፋፊ ዓሳን ፈሪሳዊ ናይ ዝዀንካን፣ ሕጊ ናይ ዘጽፈፍካን ዘየጽፈፍካን ኣይኰነን፣ ኣምላኽ እንድሕሪ ፈትዩ፣ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዙዝ መሳርሒ እንድሕሪ፣ ኮይንና፣ ኣድጊ በለኣም ዉን መልእክቲ ኣመሓላሊፋ እዩ። እዞም ቅዱሳን ሓዋርያት ግዳ፣ ክንደይ ዝጸዓሩን፡ ክንደይ መከራ ዝተቀበሉን፣ መዓይይቲ ኣምላኽ ዝነበሩን እዮም፣ “ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ” /1 ቆሮ 3፡9/።
ጴጥሮስ ናይ “ግዙራት” ሓዋርያ ክኸዉን እንከሎ፣ ጳዉሎስ ግና ናይ “ዘይግዙራት” ሃዋርያ እዩ። “እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሃዋርያነት ኣብ ግዙራት ዝዓየየ፡ ኣባይ ድማ ኣብ ኣህዛብ (ዘይግዙራት) ዓየየ እሞ፡ ከምቲ ንጴጥሮስ ኣብ ግዙራት ንኣይ ግዳ ኣብ ዘይተገዝሩስ ወንጌል ምሕጽንታ ተውሂብኒ” /ገላ 2፡7-8/። ጴጥሮስ፣ ብድምር 8 ምዕራፋት ዘለዎ ክልተ መልእክቲ ዝጸሓፈን፣ ኣጸሓሕፍኡዉን ኣዝዩ ቀሊልን እዩ። ጳዉሎስ ግና፣ ብድምር 100 ምዕራፋት ዘለዎ 14 መልእክቲ ዝጸሓፈን፣ ኣጸሓሕፍኡ ዉን፣ ብዙሕ ፍልስፍናዊ ኣገላልጻ ዝነበሮ እዩ። ባዕሉ ቅዱስ ጴጥሮስ ዉን፣ ብዛዕባ ናይ ጳዉሎስ ኣጸሓሕፍኡ ከምዚ እዩ ዝበለ፣ “ንሱ ኣብ ኵላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓይሎ ነገር አሎ።” /2ይ ጴጥ 3፡16/።
እዚ ጥራይ ኣይኰነን፣ ጠባያቶም ዉን ኣዝዩ ብዙሕ ፍልልይ ኔርዎ። ጴጥሮስ፣ ዉዑይን ህዉኽን ነበረ። ተቀላጢፉ መንነት ክርስቶስ ዝመስከር ንሱ እዩ፣ በዚ ዉን ጐይታ ንኢድዎ ጥራይ ዘይኰነ፣ ንቤተክርስቲያን ኣብ ምስክርነት ናይዚ ዓቢ ሃዋርያ ከም ዝምስርታ ቃል ኣትዩሉ እዩ /ማቴ 16/። ጐይታ ብኢድ ጸሓፍቲ ክስቀል ምዃኑ ክነግሮም እንከሎ፣ ንጐይትኡ ክገንሖ ዝፈተነ ጴጥሮስ እዩ፣ በዚ ምክንያት ዉን፣ ጐይታ “ኪድ ካባይ ረሓቅ ሰይጣን” ዝበሎ /ማቴ16፡21..23/። እዚ ጥራይ ኣይኰነን፣ ጐይታ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ዝሰርዓሉ ዕለት፣ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ክሓጽብ ምስ ጀመረ፣ ጴጥሮስ በይኑ እዩ “ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሐጽበንን ኢኻ” ኢሉ ዝተቀወመ፤ ጐይታ ግና “ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ።” /ዮሃ 13፡8-10/። ኣብታ ጐይታ ዝተትሓዘላ መዓልቲ ዉን፣ ሴፍ ኣልዒሉ እዝኒ ማልኮስ ዝቆረጸ ጴጥሮስ ነበረ /ዮሃ 18፡10-11/። ንጐይታ፣ ካልኦት እንተ ከሓዱኻ፣ ኣነስ ፈጺመ ኣይኽሕደካን እየ፣ ብምባል ዝተዛረበን፣ ዶርሆ ክሳብ ዝንቁ ዉን 3 ግዜ ዝከሓዶ ንሱ፣ ጴጥሮስ እዩ። እዚ ዂሉ ኣጋጣሚታት፣ ናይ ጴጥሮስ ገጸ ባህሪያት ዘርእየና እዩ። ምናልባት እዚ ዂሉ ታህዋኽ፣ ካብቲ ንጐይትኡ ዝነበሮ ፍቕሪ ዝተበገሰ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

ጳዉሎስ ዉን እንተኾነ፣ በቲ ናቱ መንገዲ፣ ፍሉይ ባህሪያት ኔርዎ። በቲ ዝኣመኖ ኣዝዩ ቀናእን፣ ተባዕን፣ ኣዝዩ ሓያል ሰብ ዝነበረ እዩ። ቅድሚ ብክርስቶስ ምእማኑ፣ ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ክኣስር ዝተበገሰ፣ ቀዳሜ ሰማእት እስቲፋኖስ፣ ብእምኒ ክዉገር እንከሎ፣ ዝመስከረ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ሰፊሩ ከም ዘሎ፣ ጳዉሎስ ክርስቲያን ኮይኑ ወንጌል ክሰብኽ ምስ ጀምረ፣ ኲሉ ግዜ ክርክርን ምትህልላኽን  ከም ዝነበረ፣ ደሓር ናብ ጠርሴስ ምስ ሰደድዎ ግና፣ እተን ኣብ ይሁዳ ገሊላን ሰማርያን ዝነበራ ኣብያተክርስቲያና፣ ሰላም ረኺበን ከምዝረኸባ /ግብረ 9፡30-31/ ይነግረና። ብዘይካዚ ኣብ መንጎ ጳዉሎስን በርናናብስን ብሰንኪ ማርቆስ ወንጌላዊ ዝተኸራከርሉ ኣጋጣሚ ኔሩ/ግብ 15፡39/።

ሓደ ግዜ ዉን ጳዉሎስ፣ ንግብዝና ጴጥሮስ ፊት ንፊት ተቃዊምዎ እዩ፣  “ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሐቢሩ ይበልዕ ነበረ፡ ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ። እቶም ዝተረፉ ኣይሁድውን ምስኡ ተገበዙ፡ በርናባስ እኳ በቲ ግብዝንኦም ክሳዕ ዚሰሐብ ኰነ። ከምቲ ሓቂ ወንጌል ብቕንዕና ዘይምምልላሶም ምስ ርኤኹ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም በልክዎ፡ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ኪህልዉ ብግዲ ትብሎም አሎኻ” /ገላ 2፡11-14/

መልክዖምን ቁመንኦምን ዉን እንተኾነ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣዝዩ ኣረጊት ሰብኣይ ዝነበረ እዩ። ጳዉሎስ ግና በንጻሩ፣ እኩል ድልዱል፣ ሕጽር ኢሉን በራሕን፣ እዩ ዝነበረ።

ኣብ ገጸ ባህሪያት እዞም ክልተ ቅዱሳን ሓዋርያት ክንርኢ ኣንከሎና፣ ሓደ ዓቢ ነገር ንመሃር። ኣምላኽ ንክልቲኦም፣ መዓይይቲ ክኾንዎ ከም ዝሓረዮምን፣ ብክልቲኦም ኣቢሉ ዉን ንብዙሓት ናብ መንገዲ ህይወት ከም ዝመለሰን እዩ። ኣብ ክልቲኦም ሓዋርያት ዝነበረ፣ ድኹምን ሓያል ጎንን፣ ኣብ ጥቕሚ ስብከተ ወንጌል ዉዒሉ እዩ። ብናይ ጴጥሮስ ቀናእ ባህሪ፣ ንኣባጊዕ ብፍቕሪ ከም ዝሕልዉ ጌሩ፤ ብናይ ጳዉሎስ ጽንዓትን ፈሪሳዊ ክኸዉን ዝተመሃሮ ትምህርቲን ጌሩ ድማ፣ ንብዙሓት ኣይሁድን ኣህዛብን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣእትዩ እዩ። እዚ ንዓና መዘኻከሪ እዩ። ድኹም ይኹን ሓያል ጎንና፣ ንኣገልግሎት ወንጌል ክዉዕል ይኽእል እዩ፣ ንሕና ጥራይ፣ ብዝደለዮ መልክዕ ክሰርሓናን ቅርጺ ከትሕዘናን፣ ኣብ ኢድ እቲ ፍጹም መሓሪ ዝዀነ ኣምላኽ፣ ጭቃ ኮይንና ንረኸብ።

ካብቲ ዝፈላልዮም ግና፣ እቲ ሓደ ዝገብሮም፣ ነገራት ይበዝሕ። ክልቲኦም፣ ብጐይታ ዝተጸዉዑን፣ ስሞም ዝተለወጠን እዩ። ስምኦን ኔሩ ደሓር ጴጥሮስ ኮይኑ (ጴጥሮስ ብግሪክ፣ ኬፋ ድማ ብኣራማዪክ ቋንቋ- ትርጉሙ ከዉሒ) /ማቴ 16/። ሳዉል ዝነበረ ናብ ጳዉሎስ ተቀይሩ /ግብር 9፡4 23፡11/። ክልቲኦም ምዉት ዝተንስኡ እዮም /ግብረ 9፡36-41 20፡7-12/።  ጴጥሮስ ብጽላሎቱ፣ ጳዉሎስ ብመንዲሉ ሕሙማት ይፍዉሱ ነበሩ /ግብረ 5፡15 19፡11/። ክልቲኦም መንፈስ ቅዱስ ዝነበሮም፣ ክልቲኦም ንሓጢኣት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዉ፣ ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ነገስታት ሰጋእ ከይበሉ ወንጌል ዝመስከሩ፣ ክልቲኦም ንጠንቆልቲን ሓሰዉቲ መማህራንን መታልልቲን ዝገሰጹ፣ ክልቲኦም ምእንቲ ወንጌል ብዙሕ ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ እዮም። ሓደ ግዜ፣ ንምንታይ ወንጌል ምሂርኩም ተባሂሎም፣ ብዙሕ መግረፍቲ ምስ ወረዶም፣ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት” ጸኒዖም ነበሩ /ግብረ 14፡22/። ቅዱስ ጳዉሎስ ዉን ኣብ ኣገልግሎቱ ዘጋጠሞ መከራ ክዛረብ እንከሎ፣ “ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ። ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ። ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰልሰተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዓልኩ። ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ከተርቲ ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል
ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ። ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾም፡ ብቝርን ብዕርቃንን ነይረ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዅሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ብዅላተን ማሕበራት ዝሐልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ።” /2ይ ቆሮ 11፡23-28/።

ሰላም ለልብክሙ ይዋሄ ክርስቶስ ዘሓተሞ፣ ነተን ብለዉሃት ክርስቶስ ዝተሓትማ ልብኹምን
ወለዂልያቲክሙ ንጹሃት እለዉጽኣት እምተቀይሞ፣ካብ ቂም ናጻ ዝዀና ኲሊትኩምን ሰላም
እላህወክሙ እንዘ እብል በብዙሃ ኣስተሃምሞ፣ ብብዙሕ እህህታ ከምዚ ኢለ ክሓተኩም፣
እፎ ለጴጥሮስ ቅንዋት ከዓዉ ደሞ፣ ስለምንታይ ብቅንዋት መስቀል ደም ጴጥሮስ ፈሰሰ
ወእፎ ለጳዉሎስ ኣፈ ሰይፍ ገዘሞ። ስለምንታይ ሰይፊ ንርእሲ ጳዉሎስ ቆረጸት

ልዕልና እዞም ክልተ ሃዋርያት

ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ነታ መሰረት እምነትና ዝዀነት “ኣንተ ዉእቱ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ህያው፣/ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ ዝመስከረን፣ ናይ ቤተክርስቲያን ከዉሒን፣ መፍትሕ መንግስተ ሰማያት ዝተዋህበን እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ሓደ ግዜ ንደቀ ማዛሙርቱ፣ ሰባት ንዓይ ንወዲ ሰብ መን ይብሉኒ፣ ንስኻትኹም`ከ መን ትብሉኒ፣ ኢሉ ምስ ሓተተ እዩ፣ ከምዚ ኢሉ ጴጥሮስ ዝመለሰ። ጐይታ ዉን ናይ ጴጥሮስ ልዕልና ክምስክር ኣንከሎ፣ “ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ። ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ።
ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።” /ማቴ 16፡16-20/። ብዘይካዚ ዉን፣ ጐይታ ድሕሪ ትንሳኤኡ፣ ሕድሪ ዝሃቦ ንቅዱስ ጴጥሮስ እዩ፣ “ኣባጊዐይ ሃሉ፣ ዕያዉተይ ኣብልዕ” /ዮሃ 21/።

ቅዱስ ጳዉሎስ ዉን እንተዀነ፣ ናይ ኣህዛብ ሓዋርያ ክኸዉን ዝተመርጸ እዩ። ልዕልንኡ ዉን፣ ጐይታ ባዕሉ ከምዚ ክብል ገሊጽዎ እዩ፣ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ” /ግብ 9፡15/

እቲ ኣብ ራብዓይ ክብለ ዘመን ዝነበረ፣ ናይ ኢየሩሳሌም ሊቀ ጳጳስ፣ ቅዱስ ቄርሎስ፣ ልዕልና ናይዞም ክልተ ቅዱሳን ሃዋርያት ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል፣

"ኣገልጋሊ ክርስቶስ ክሳብ ሳልሳይ ሰማይ ምብጽሑ፣ ኣዚኹም ይደንቀኩም ይኸዉን። ኤልያስ ክሳብ ሰማያት ክበጽሕ እንድሕሪ ዕድል ረኺቡ፣ እዚ ሃዋርያ ጳዉሎስ ግና፣ ክሳብ ሳልሳይ ሰማይ እዩ በጺሑ። ስለዚ እዚ ዳሕረዋይ ካብቲ ቀዳማይ ዝበለጸ ክብሪ ረኸበ። ብሃዋርያትና ኣይንሓፍርን፣ ካብ ሙሴ ዝትሕቱ ኣይኰኑን፣ ድህሪ ነቢይታ ዉን ኣይስርዑን፣ ካብ ክቡራት ዝኸበሩ ክቡራት እዮም፣ ሕጂ ዉን ክቡራት እዮም። ብርግጽ ኤልያስ ናብ ሰማያት ተወሲዱ እዩ፣ ጴጥሮስ ግና መርሖን መፍትሕን መንግስተ ሰማያት ኣለዎ። "ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ኣብ ሰማይ እሱር እዩ፣ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዉን ኣብ ሰማያት ፍቱሕ እዩ"። ኤልያስ ክሳብ ሰማያት ጥራይ እዩ ዝበጽሐ፣ ጳዉሎስ ግና፣ ካብ ሰማያት ሓሊፉ ናብ ገነት በጺሑ እዩ፣ ኣብኡ ድማ  "ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡" /2ይ ቆሮ 12፡2/፣ በዚ ድማ ደቁ መዛሙርት ኢየሱስ ድርብ ዕጽፊ ጸጋ ከም ዝተቀቐበሉ ንርኢ ኣለና። ጳዉሎስ ኣብኡ ምስ በጽሐ፣ ተመሊሱ ወሪዱ እዩ፣ እዚ ግና ኣብ ሳልሳይ ሰማይ ክጸንሕ ብቅዓት ስለዘይነበሮ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ፣ ነቲ ሰብ ፈጺሙ ክበጽሖ ዘይክእል ነገራት ኣስተማቒሩ ምስ ወረደ፣ መልሲ ኣብ ኲሉ ዓለም ወንጌል ክሰብኽ እሞ፣ ተመሊሱ፣ ናይ ሰማእትነት ኣክሊል፣ ምእንቲ ክስለም።" ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም —Catechetical Lectures 14:26.

መልእክቲ በዓለ ሓዋርያት

እምበኣር ናይዚ በዓል መልእክቲ እንታይ እዩ። እዞም ክልተ ሓዋርያት ሓደ ዝምህሩና ሓቂ ኣሎ። ጐይታ ዓየይቲ ይደሊ እዩ። “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ዉሑዳት እዮም”። መንነት፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ናይ ስራሕ ተሞክሮ፡ መበቆል ዓዲ፡ ቁመትን መልክዕን፡ ፍጹም ኣገዳሲ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ዘገድስ፣ ብሙሉእ ልብኻ፡ ብዂሉ ነፍስኻ፡ ብዂሉ ኣእምሮኻ፡ ብዂሉ ስጋኻ፣ ንኣምላኽ ምፍቃር እዩ። ምናልባት ጥቕሲ ጠቂስና ዘይንምህር፣ ኣጋንንቲ ገሲጽና ዘይነዉጽእ፣ መዝሙር ዘሚርና ዘይነዝዪም፣ ተኣምራት ጌርና ዘይንፍዉስ ንኸዉን፣ እዚ ዉን ኣገዳሲ ኣይኰነን። የግዳስ፣ ህይወትና ብግቡእ እንመርሕ ክርስቲያናት፣ እንድሕሪ ኮይንና እኹል እዩ። “ካል ሞሉ ኣይፈሱም” ከምዝበሃል፣ ንገዛእ ርእስና እንድሕሪ ዘይኰንና፣ ንካልኦት ክንኸዉን ኣይንኽእልን። ቅድም ቀዳድም፣ ንህይወትና፣ ብጨዉ ክርስቶስ ነለምልማ። ጨዉ ኮይንና ንረኸብ። ሽዑ መን ይፈልጥ፣ ኣብቲ ዓቢ ድስት ኣቲና፣ ንካልኦት ሰባት እነመቅር፣ ጨዉ ክንኸዉን ኢና።

ኣዳም ማለት ብእብራይስጥ፣ ሓመድ ማለት እዩ። ሓመድ ኢና፣ ኣብ ኢድ ጐይታ ምስ በጻሕና፣ ሽዑ፣ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ዘለና፣ ክቡራት ፍጥረት ክንኸዉን በቃዕና። እዚ ምስሊን መልክዕን ኣምላኽ ኣባና ተዓቂቡ ዝነበርን፣ መመሊሱ ዉን ዝሕደስን፣ ብሓይሊ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ከምቲ፣ ጴጥሮስ ገፋፊ ዓሳ ዝነበረ`ሞ ደሓር ግና ገፋፊ ሰብ ዝገበሮ /ሉቃ 5/፣ ንጳዉሎስ ዉን፣ ኣሳዳዲ ዝነበረ፣ ደሓር ግና መሊሱ ምእንቲ ወንጌል ክስደድ ዝጀመረ፣ እቲ ናትና ህይወት ዉን ከምኦም ክቕይሮ፣ ጐይታ ድሉው እዩ። ጐይታ፣ ናብ ዝደለዮ ቅርጺ ክቕይሮ ዝኽእል ሓመድ ኮይንና፣ ኣብ ኢድ ጐይታ እንድሕሪ ዘይዓሪፍና ግና፣ ብገዛእ ርእስና፣ ዋላ ሓንቲ ኣይኰንናን።

"[pullquote]ማዕረ ሓዋርያት ክትኸዉን እንድሕሪ ደሊኻ፣ ምንም ዝዓግተኻ የለን። ናብቲ ንሳቶም ዝበጽሕዎ፣ ክትበጽሕ ዝእግደካ፣ ነገር የለን። ስለዚ ማንም ሰብ ንተኣምራት ኣይጸበይ።[/pullquote] ማዕረ ሓዋርያት ክትኸዉን እንድሕሪ ደሊኻ፣ ምንም ዝዓግተኻ የለን። ናብቲ ንሳቶም ዝበጽሕዎ፣ ክትበጽሕ ዝእግደካ፣ ነገር የለን። ስለዚ ማንም ሰብ ንተኣምራት ኣይጸበይ። ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ክወጽእ እንከሎ ይጉሂ እዩ። የግዳስ፣ ሓንቲ ነፍሲ ካብ ሓጢኣት ሓራ ክትወጽእ እንከላ ምስ ዝርእይ ግና፣ ዝያዳ እዩ ዝጉህይ /ግብ 8፡10/። ምክንያቱ ሓጢኣት ናይ ዲያብሎስ ሓይሊ እያ። እዚ ሓይሊ እዚ ሞት የምጽእ ነበረ፣ ክርስቶስ ዉን ነዚ እዩ ዝሞተ፣ ናይ ሓጢኣት መግዛእቲ ምእንቲ ክስዕር ሞተ። ድሕሪ ደጊም ኲሉ ነገር ተቀይሩ እዩ። ስለዚ፣ ንስኻካብ ህይወትካ ንሓጢኣት ኣርሕቃ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ንኲሉ መትኒታት ዲያብሎስ ቆርጺካ፣ ርእሱ ጨፍሊቕካ፣ ንዂሉ ሓይሉ ዉን ስዒርካን፣ ንጭፍራታቱ ሶጊግካን፣ ኣለኻ። እዚ ድማ ካብ ኲሉ ተኣምራት ዝበልጽ ተኣምር እዩ። 
እዚ ናተይ ዘረባ ኣይኰነን፣ ናይ ቅዱስ ጳዉሎስ እዩ። "ነተን ዚዓበያ ውህበታት ደኣ ጽዓቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ
ኽሕብረኩም እየ" /1 ቆሮ 12፡31/ ምስ በለ፣ ኣብቲ ዝቕል ምዕራፍ ብዛዕባ ተኣምራት ኣይኰነን ዝዛረብ። ብዛዕባ ፍቕሪን ሓልዮትን እዩ ዝዛረብ፣ ምክንያቱ ናይ ኲሉ ሰናይ ነገር ምንጪ፣ ፍቕሪን ሓልዮትን ስለዝዀነ። ስለዚንሕና፣ ነዚአን ነገራት ንትግብረንን፣ ካብዚ ተበጊስና ዉን ገዛእ ርእስና ክሒድና ንመለላስን እንድሕሪ ኮይንና፣ ተኣምራት ዝበሃል ኣየድልየናን እዩ። በንጻሩ፣ ነዚአን ነገራት ዘይነተግብርን፣ ዘይንፍጽምን እንድሕሪ ኮይንና፣ ተኣምራት ዋላ ሓንቲ ኣይጠቕመናን።
እምበኣር ነዚ ነገር ኣብ ልቢና ኣስፊርና፣ ንሓዋርያት ዓበይቲ ክኾኑ ዝገብሮም ነገራት ምስዓብ። ጴጥሮስ እንታይ ከም ዝበለ ስምዕዎ፣ "እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧"፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ዝሃቦ መልሲ ስምዕዎ፣ "ንስኻትኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስለ ስመይ ኢሉ፡ ኣባይቲ ዀነ፡ ወይስ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ።" /ማቴ 19፡27-30/። ስለዚ፣ ከምቲ ንሱ ዝኣወጆ፣ ማዕረ ሃዋርያት ምእንቲ ክንከዉን፣ ዘለኣለማዊ ህይወት ዉን ክንወርስ ካብ ኲሉ ዓለማዊ ነገራት ንርሓቅ፣ ህይወትና ዉን ንክርስቶስ ንወፍያ።" ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ- መበል 46 ክፋል ትሩጓሜ ወንጌል ማቴዎስ

“እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ንሃዋርያት ምስኡ ክኾኑን፣ ናብ ኲሉ ዓለም ዘይሮም ወንጌል ክምህሩን፣ ኣጋንንቲ ከዉጽኡን፡ ሕሙማት ክፍዉሱን፣ ሓረዮም። ኲልና ክርስቲያናት ዉን፣ ሃዋርያት ከም ዝገበርዎ ክንገብር ዝተሓረና ኢና። ብዘይምቁራጽ ብዛዕባ ኣምላኽ እንዳዘከርና፣ ምስኡን ክነብርን፣ ኲሉ ሕጋጋቱ ክንፍጽምን፣ እምነትና ክንምስክር ዉን ድልዋት ክንኸዉንን ይግባእ። ከምዚ ጌርና እንነብርን፣ ብከምዚ መስርሕ ዉን እንመላለስ እንድሕሪ ኮይንና፣ ኲሉ ሰብ ብንጹር ዝሰምዖ፣ ናይ እምነትና ስብከት፣ ንህብ ኣለና ማለት እዩ። ኲልና ክርስቲያናት ዉን ሕማም ክንፍዉስ ንኽእል ኢና፣ የግዳስ ናይ ካልኦት ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእስና ሕማም እዩ፣ ናይ ስጋ ዘይኰነስ ናይ ነፍሲና እዩ፣ ማለት ንሓጢኣትን ሓጢኣታዊ ባህሪን ክንፍዉስ ንኽእል ኢና። ነቲ ብኣጋንንቲ ኣቢሉ ናባና ዝተዘርአ ኲሉ ናይ ክፋእ ሓሳባት ብምንጻግን፣ ብእኦም ኣቢሉ ኣባና ዝተላዕለ ስጋዊ ፍትወታት ብምጥፋእን፣ ንኣጋንንቲ ክነዉጽእ ንኽእል። ነዚ ግበር እሞ፣ ሽዑ ሓዋርያ ክትኸዉን ኢኻ። ልኡኽ ኮይንካ፣ ናይ ጐይታኻ መልእኽቲ ዘብጻሕካ፣ ጐይታ ንምንታይ ከም ዝጸዉዓካ እትፈልጥ፣ ንፉዕ ክርስቲያን ክትኸዉን ኢኻ። ከምዚ ጌርካ፣ ቅድም ንገዛእ ርእስኻ እንድሕሪ ሃኒጽካያ፣ ሽዑ መን ይፈልጥ፣ እግዚአብሔር ባዕሉ ኣምባሳደሩ ክትኸዉን ይምድበኻን፣ ንካልኦት ዉን ከተድሕን ይልእከኻ ይኸዉን። ቅድም ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን፣ ሽዑ ንካልኦት ከትድሕን ክትለኣኽ ኢኻ፤ ቅድም ንዘጋጥመካ ፈተናታት ሕለፎ፣ ደሓር ነቶም ዝፍተኑ ዘለዉ ካብ ፈተና ከተድሕኖም ኢኻ፤ ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን ተሞክሮ ዘለካ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ካብ ተሞክሮኻ ከተካፍል ኢኻ። ግን፣ ቅድም ቀዳድም፣ ስራሕካ ሓንቲ እያ፣ ንገዛእ ርእስኻ ህነጻ፣ ነዚ ኢኻ ተሓሪኻ ዘለኻ፣ እቲ ካልእ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ። ርእሱ ትሕት ዘብል ክኸብር እዩ።” ቅዱስ ቴኦፋን ባሕታዊ- Thoughts for Each Day of the Year

ኦ ኣምላከ ጳዉሎስ ላዕለ ሰይፈ ደሞ ዘነዝሓ፣ ኦ ነቲ ብሰይፊ ደሙ ዝፈሰሰ ንጳዉሎስ ኣምላኹ
ወእግዚአ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመልዕልተ መቀል ዘሰፍሐ፣ ኣብ መስቀል ንዝትሰቕለ ንጴጥሮስ ጐይትኡ
መሓረኒ እንበለ ፍትሕ እስመ ሓጢኣትየ በዝሓ፣ ሓጢኣተይ ስለዝበዝሐ ኣብ ፍርዲ ከየብጻሕካ መሓረኒ
እስመ ኀሠሥከ ፍትሓ፣ ፍርዲ እንተ ኣምጺእኻ`ሲ
እምኢረከቡ በቅድሜከ መላእክት ንጽሓ። ኣብ ቅድሜኻ ዋላ መላእክቲ ይኹኑ ንጹሓት ኣይኰኑን፣ ኣሜን!!