ትንቢት ፍልሰት ቅድስት ድንግል ማርያም

ትንቢት ፍልሰት ቅድስት ድንግል ማርያም

“ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን፡ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።”

እዚ መዝሙር  (መዝ 132፥8) ኩሎም ነብያተ እስራኤል ዝዝምርዎ ዝንበረ ናይ ዳዊት መዝሙር እዩ። ነዚ ቃል ኣጸቢቕና ምስ ንምርምሮ ብዙሕ ሚስጢር ሓዚሉ ንረኽቦ። እዚ መዝሙር ብቐንዱ ናይ ዕርገት መዝሙር እዩ፣ ወይ ‘መዝሙር ምድያብ’ ይበሃል። ኣብዚ መዝሙር እግዚአብሔር ማሕደር ዝዀኖ ስፍራ፣ ከምዘናደየን፣ ደሓር ዉን ንጽዮን ከምዝረኸበን፣ ኮይኑ፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከመር ጌሩ ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሓዲሩ፣ ካብ ስጋኣ ስጋ፣ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ከምዘድሓነና ዘረድእ እዩ።

መዝሙር 132

“ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዳዊት ኵሉ መከራኡ ዘክረሉ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሐለ፣ ቦታ እግዚኣብሄር፣ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፣ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፣ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፣ ነዒንተይ ድቃስ፣ ንዀበሮ ዓይነውን ሰለምታ ኣይህብን፣ ኢሉ። ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዔ፣ ዘክረሉ። እንሆ፣ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፣ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ። ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፣ ቅዱሳንካ ድማ እልል ይበሉ። ምእንቲ ዳዊት ባርያኻ ኢልካ ገጽ ቅቡእካ ኣይትምለስ። እግዚኣብሄር ንዳዊት፣ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፣ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሐለዉ፣ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኺቕመጡ እዮም፣ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፣ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ። እግዚኣብሄር ንጽዮን ሐርይዋ እዩ እሞ፣ መሕደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፣ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ። ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፣ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም። ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቍል እየ፣ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ። ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፣ ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዲ ኼንጸባርቕ እዩ።”

ልቢ ኣምላክ ንጉስ ዳዊት ኣብ መዋእለ ህይወት ዘመኑ፣ ኣጽኒዑ ዝለመነሉ ነገር፣ ቤት እግዚአብሔር ንክሃንጽ እዩ። ንሱ ኣብ ሙልኩዕ ግሩም ቤተመንግስቲ እንዳተቐመጠ፣ ታቦት እግዚአብሔር ግና ኣብ ድንኳን ምንባራ ይሓዝን ነበረ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና፣ ደም ሰብ ስለዘፍሰስካ፣ ንስኻ ኣይክትሃንጸለይን፤ እቲ ካባኻ ዝወጽእ ዉላድኻ ንሱ ክሃንጸለይ እዩ /1ይ ዜና 28፥3/ በሎ።ናይ ሠራዊት ጐይታ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ሽሕ እኳ ንዳዊት ህንጻ ቤተ መቕደስ ንከይሃንጸሉ እንተነግሮ፣ ካልእ ዝዓበየ ሚስጢር ግና ገሊጺሉ እዩ። ኣምላኽ ብደበና ተገሊጹ ንዝራኸበላ ዝነበረት ታቦት ማሕደር ዝኸዉን ህንጻ ንክሃንጸሉ ኣይመረጾን፣ ኮይኑ ግና ሚስጢር ናይታ ንሱ ብስጋ ክሓድረላ ዝመረጻ ኣማናዊት መቅደስ ቅድስት ድንግል ማርያም ገሊጺሉ።ካብ መጀመርታ ናይዚ መዝሙር ምስ ነሰዉዕለሉ፣ ዳዊት ብዛዕባ ‘ቦታ እግዚኣብሄር፣ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ንኽረክብ ሃሰዉ ብምባል ይጅምር እሞ፣ ደሓር ኣብ ፍቅዲ 6 ‘ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፣ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ ብምባል ነቲ ዝደለዮ ነገር ከም ዝረከበ ንርዳእ። ኤፍራታ ተባሂላ ዘላ፣ እታ ደሓር ጐይታ ብስጋ ዝዉለደላ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዉለደላ ቦታ ቤተልሔም እተመልክት እያ። ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ ዝተባህለ ዉን፣ ኣብ በረካ ኣብ መብልዒ ማል ኣብ በዓቲ ንዝተፈጸመ ኩነተ ልደት ጐይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንከረድእ እዩ። ነዚ ዘረጋግጸልና፣ ነብዪ ሚክያስ ዝተነበዮ “ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤትልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ” ሚክያስ 5፥2 እዩ ነዘን ክልተ ትንቢት ኣንቢብና ምስ ንምርምረን፣ ምዙሕ ምትእስሳር ከም ዘለወን ክንርዳእ ንኽእል። መዝሙር 132ን ከምኡ ዉን ሚክያስ 5ን፣ ክልቲኦም ነብያት፣ ብዛዕባ ሓደ ንዘለኣለም ዝገዝእ ንጉስ ከም ዝወጽእን፣ እዚ ንጉስ ዉን ኣብ ኤፍራታ ቤተልሔም ምዃኑ እዩ። እዚ ዉን ብዛዕባ ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ሰብኣ ሰገል “እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ” ኢሎም ንሄሮድስ ምስ ሓተትዎ፣ ካብ መማህራን መጽሓፍ ቅዱስ ሓቲቱ ዝመለሰሎም መልሲ ነዚ የረጋግጸልና። ምክንያቱ ልዕሊ ክርስቶስ ዝዓቢ ንጉስ ኣበይ ክርከብ፣ ንሱ ዉን ኣብ ቤተልሔም ናይ ይሁዳ፣ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ በረኻ ብትሕትና ተወልደ። ነዚ ዉን ኣብዛ መዝሙር ኣብ ፍቕዲ 13-15 ብዛዕባ ንጽዮን ከምዝሓረየ፣ ንዕኣ ዉን ናይ ዘለኣለም መዕረፊት ክትኸዉን፣ ማለት ንዘለዓለም ኣደ ጐይታ ተባሂላ ክትስመ፣ ከምዝመረጻ ይነግረና።  እምበኣር እዛ መዝሙር፣ ብዛዕባ እግዚአቢሔር ኣምላኽ ብስጋ ዝሓድረሉ እትነግር ምዃና ርዱእ እዩ፤ ማለት ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስን፣ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያምን ዝተነግረ ትንቢት እዩ።

 

ኣብ መንጎ`ዚ መዝሙር ድማ ሓደ ዓቢ ሚስጢር ኣሎ። ልበ ኣምላኽ ንጉስ ዳዊት፣ ብዛዕባ ማህደር ኣምላኽ ምስ ተነበየ፣ ኣስዒቡ ከምዚ ብምባል ይቕጽል፣ “ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን፡ ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ“። ካብ ጥንቲ ኣቦታትና ከም ዝነግሩና እዚ ትንቢት ናይ ፍልሰታ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። ከመይ፧

ዳዊት ንእግዚአብሔር “ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ” ኢልዎ። ኩልና ብቀሊሉ ክንርድኦ ንኽእል፣ ኣቐዲሙ (ካብ ፍቕዲ 1-7) ብዛዕባ ስጋዊ ልደቱ ስለዝተነበየ፣ ሕጂ ናብ ካልእ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ንክመጽእ፣ ዳዊት ንእግዚአብሔር ይሓቶ`ሎ። እዚ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ዘትባህለ ዉን፣ ዝፏን እግዚአብሔር ዝርከበሉ፣ መነበረ ጸባዖት፣ ማለት ኣብ ሰማያት እዩ። ስለዚ፣ ብሓጺሩ ዳዊት፣ ንእግዚአብሔር ወልድ ናብ ሰማያት ንኽዓርግ፣ ይሓትት ኣሎ፣ ማለት ትንሳኤ ክርስቶስ ይነግረና ኣሎ። እግዚአብሔር ወልድ ንሞት ስዒሩ ከምዝትንስእ ዳዊት ኣቐዲሙ በዚ ትንቢት ኣቢሉ፣ ኣረጋጊጹልና።

ኣብዚ ናብ ሰማያዊ ክብሪ ምድያብ ግና፣ እግዚአብሔር ጥራይ በይኑ ዘይኰነስ፣ እንኰላይ “ንስኻን፡ ታቦት ሓይልኻን ተንስእ” ብምባል ናይ ሓይሉ ታቦት ዉን ምስኡ ክትትንስእ እያ። እዛ ታቦት ሓይሊ እግዚአብሔር ዝተባሕለት ዉን እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።

ታቦት፣ ካብ ብሉይ ኪዳን ከም ንርድኦ፣ ናይቲ ኣምላኽ ብኢዱ 10 ትእዛዛት ዝጸሓፈሉ፣ ጽላት ማሕደር እዩ። ኣብዚ መንበረ ታቦት ዉን ኮይኑ ናይ ሠራዊት ጐይታ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ንሙሴን ህዝቢ እስራኤልን ሕጊታት ይነግሮምን፣ ይመርሖምን ነበረ። ከምቲ ኣቦታትና ሓዋርያት ዝነገሩና፣ ብሉይ  ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ሓድሽ ኪዳን ጽላሎት`ዩ፣ ታቦት ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ሚስጢረ ስጋዌ ጽላሎት እዩ። ሙሴ ናይ ክርስቶስ፣ 10 ትእዛዛት ናይ ቃል ወንጌል፣ ሳንዱቅ ታቦት ከኣ ናይ ድንግል ማርያም ጻላሎት እዩ። ካብ ሰማይ ዝወረደ 10 ትእዛዛት (ሕጊ ኣምላኽ) ኣብ ጽላት ብኢዳ እግዚአብሔር ተጻሒፉ፣ ኣብ ሳንዱቅ ታቦት ይሓድር። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዉን፣ ካብ ሰማየ ሰማያት ወልደ እግዚአብሔር ቃል ወሪዱ፣ ጸጋን ሓቂን መሊእዎ፣ ኣብ ማእከልና ሓደረ፣ /ዮሓንስ 1/ ኣብ ማህጸን ድንግል ማርያም ሓዲሩ፣ ካብ ስጋኣ ስጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፤ ስጋን መለኮትን ኣወሃሂዱ፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኣድሓነና። ስለዚ ካብዚ ኩሉ ንርድኣ “ታቦት ሓይሊ ኣምላኽ” ተባሂላ ዘላ፣ ጐይታ ማሕደር (ታቦት) ክትኮኖ ዝመረጻ፣ በታ ካብኣ ዝወሰዳ ስጋ ዉን፣ ንሞት ስዒሩ፣ ሓይሊ ትንሳኤኡ ዘበሰረሉ፣ ንእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ።

The frailty syndrome is a collection of symptoms or markers, primarily due to the aging-related loss and dysfunction of skeletal muscle relaxants after a certain period cheap levitra try my link of time in order to get proper ejaculation and cannot reach a enjoy full climax with his partner.

ስለዚ መዝ 132፥8 ዝተነግረ ትንቢት ናይ ትንሳኤን ዕርገትን፣ ናይ እግዚአብሔር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ስጋዊ ልደቱ ታቦት ዝዀነቶ፣ ቅድስት ድንግል ማርያም ዉን፣ ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ፣ ናብ ሰማያት፣ ከም ትድይብ እዩ። ንጐይታ ታቦት ዝኰነ ስጋ ድንግል ማርያም ስለዝዀነ፣ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ዉን ካብዛ ምድራዊት ዓለም፣ ናብ ሰማያት ከምዝዓርግ እዩ።

ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ሊቀ ጳጳስ ናይ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቅዱስ ሞደስቶስ ዘኢየሩሳሌም፣ ብዛዕባ`ዚ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይገልጾ፣

“ፍልሰት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣቐዲሙ ተነጊሩ እዩ። ከምቲ ዳዊትን ኩሎም ኣባሓጎታታን “ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን፡ ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ” ብምባል ዝዘምርዎ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽና ዉን ነታ ታቦት ንጽሕንኡ ዝዀነት (ድንግል ማርያም) ካብ ጽዮን ናብኡ ጸዉዓ። ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ካብታ ዘለዓለማዊ ድንግል ዝዀነት ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ተጸኒሱን፣ ህያዉን  ኣስተዉዓሊን ስጋ ለቢሱን እዩ`ሞ፣ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዉን ናብኡ ወሰዳ። ነቲ ኣካላዊ ስጋኣ ከም ዘይማስን ገበሮ፣ ልዕሊ ኩሉ ክብሪ፣ ብዙሕ ክብሪ ኣልበሳ፤ በዚ ዉን ኣብቲ ናቱ ክብሪ ከም ትሳተፍ ገብራ። ዘማራይ ዳዊት ዉን “እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ።” ዝበሎ ነዚ ክነግር እዩ /መዝ 45፥9/።

ናይቲ ወሃቢ ህይወትን፣ ንሞት ዝሰዓረን፣ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ክብርቲ ኣደ ስለዀነት፤ ምእንቲ ንዘለዓለም ብዘይምምሽማሽ ክትነብር፣ ካብ ሞት ኣተንሲእዋ እዩ። ንሱ በይኑ ብዝፈልጦ መንገዲ፣ ካብ መቃብር ኣተንሲኡ፣ ናብኡ ወሲድዋ። ኣምላኽ ንውዱ ማህደር ክትኸዉን ዝሃነጻ ቤት ንሳ እያ፣ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ንዘለዓለም ክትነብር ዉን፣ ብኽብሪ ተቀቢሎም ኣዕሪፎማ። ሓዳ ኣካል ካብ ሥላሴ ንዝዀነ ወልድ፣ ማሕደር ኮይና`ያ`ሞ፣ ናብ ዝበለጸ ቦታ ደዪባ ኣላ። ልዕሊ ኩሉ ፍጡር ዉን፣ ንሳ ትኸብር። ልዕሊ ኩሎም ቅድሳን መላእክቲን፣ ሊቃነ መላእኽቲን ንሳ ትበልጽ። ክርስቶስ ብፍጹም ተዋሕዶ፣ ኣብ ማህጸና ሓደረ፤ በዚ ዉን ናይቲ ኣማናዊ ሰማያዊ መርዓዊ ንክርስቶስ፣ ሓቀኛ መርዓት ኮነቶ፤ ስለዚ ኣብ ሰማያት ንዘሎ፣ ፍጹም ንጹህ ዝዀነ መንፈሳዊ ክፍሊ፣ ሰማያዊ ክፍሊ፣ . . . .ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣተወት። ኣደ፣ ናይቲ ፈጣሪኦም ዝዀነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክትከዉን ስለዝተመርጸት፣ በዚ ካብ ኪሩቤል ትዓቢ፣ ካብ ሱራፊኤል ዉን ትበልጽ፤ ሕጂ ዉን ኣብ መንግስተ ሰማያት ኣብ ማእኽሎም ትነብር ኣላ።”

በረኸት ጾመ ፍልሰታ ምስ ኹልና ይኹን!