ፍልሰታ-ቅነ ቅድስት ድንግል ማርያም

ፍልሰታ-ቅነ ቅድስት ድንግል ማርያም

dormition
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ኣብ ኲሉ ዓለም ዘለና ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስቲያናት፣ ካብ ባሕቲ ነሓሰ ክሳብ ኪዳነ ምሕረት (ካብ ዕለት1-16 ግእዝ) ፍልሰታ ብምባል፣ ብጾም ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ እንቐርበሉ፣ ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ልብና ነሐደስሉ ቅነ ኣሎ። ዳርጋ ኲሉ ኦርቶዶክሳዊ ነዛ ጾም ማዕረ ጾም ኣርባዓ የኽብርዋ እንተበልኩ ዉን፣ ምግናን ኣይመስለንን። ኣብ ሃገርና ኣብ ኩለን ቤተክርስቲያናትን፡ ገዳማትን ካብ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 4፡00 -7፡00 መልክዓ ፍልሰታ ዘለዎ ስብሓተ ነግሕ፡ ኪዳን ሊጦን ብምብጻሕ፣ ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዉን ን16 መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ቅዳሴ ብምቅዳስ፣ ፍሉይ መንፈሳዊ ሃዋሁ ዘለዎ ቅነ ነሕልፍ። ብፍላይ ሰናብቲ ናይዚ ጾም፣ ሰዓታትን መዝሙራትን ብምቋምን ቅዳሴ ብምቅዳስን ዝህሉ መንፈሳዊ መደባት ኣዝዩ ልቢ ይምስጥ። በዚዉን ነዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለና ልባዊ ተወፋይነት ነርኢ። ወርሒ ነሓሰ፣ ወርሒ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ኣብ ጸሎትና ዉን፣ ልዕሊ ስጋዊ ፍልጠት፤ ፍቕሪ ወዳን በረኸታን ምስትምቓር ንመርጽ።

“ይቴክዝ ኣብድ፣ ሶበ ልበ ጥበብ ዉሕዶ፤ በኢያእምሮቱ ኣብዝኀ ሕማመ ዘይፈድፍዶ፤ ብፁዕሰ ለፍቅርኪ ዘይፀመዶ፤ ብቅድመ ሥዕልኪ እግዝእትየ ለለጊዜ ያነሥእ እዶ፤ ተስፋሁ ይረክብ ወይፌጽም መፍቅዶ። ዓሻሲ ስጋዊ ጥበብ ስለዝዉሓዶ ይትክዝ፤ ከይተርድኦ ዉን ዘይጠቕሞ ሕማም የብዝሕ፤ እቲ ብጹእ ግና ብፍቅርቂ ተታሒዙ`ሎ፤ ተስፋ ዝገብሮ ንኽረክብን፡ ፍቓዱ ክፍጸመሉን፤ ኣብ ቅድሚ ሥእልኺ  እንዳሰገደ የመስግነኪ።

ክርስትና ብባዕላዊን ዉልቃዊነትን ዝተዓብለለ ናይ ግሊ ህይወት ዘይኰነስ፣ ዝያዳ ብሕብረትን ሓድነትን ዝንበር ሓባራዊ ህይወት እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ዉን እያ፣ ቤተክርስቲያንና ሓባራዊ ጸሎት፡ ጾም፡ ናይ ምስጋና ሰዓታት፡ ማሕሌት፡ ወዘተ ስርዓት ኣዳልያ፣ ብሕብረት ናብ ኣምላኽ ክንቐርብን፡ ብፍቕሪ ነንሕድሕድና ክንህነጽን ትገብር። ብፍላይ ኣብዚ ቅነ ፍልሰታ እቲ ሓባራዊ ኣምልኾ ዝያዳ ዝገሃደሉ ግዜ እዩ። ኣብዚ ሕብረት፣ ኣብ ምድሪ ዘለና ክርስቲያናት ጥራይ ዘይኮንናስ፣ እንኮላይ እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ቅዱሳን ብጸሎት ይሓብሩና።
ስለምንታይ ግን ነዚ ቅነ ንቅድስት ድንግል ማርያም፧ ፍልሰታ`ኸ እንታይ ማለት እዩ፧ ምስ ድሕነት ነፍስና`ኸ እንታይ ምትሕሓዝ ኣለዎ፧ ኣብዚ ብሎግ ዝያዳ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጽሑፍ ከዉጽእ ዕላማይ ከምዝዀነ ኩልና ንዝኽሮ ይመስለኒ። እምበኣር ንሎሚ ታሪክ ፍልሰታ ክንርእይ ኢና። ኣብ ቀጻሊ ዉን ቅዱሳን ሊቃዉንት ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝመሃርዎ ከዉጽእ እየ።

“ሰላም ለፍልሰተ ሥጋኪ መካነ ፍሥሓ ወኑዛዜ፡ ኀበ ኢይሬእይዎ ለላህ ወኢይሔይልዎ ለትካዜ፡ ማርያም ህሉት ዉስተ ልበ ኣምላክ እምቅድመ ግዜ፡ ትፍሥሕትሰ ተፈሣሕኩ ብፍልሰትኪ ይእዜ፣ ገጸ ዚኣኪ እሬኢ ማዕዜ። ትርጉም፣ መከራን ትካዘን ዘይብሉ፣ ናይ ፍስሓን ኑዛዜን ቦታ ንዝዀነ ናይ ስጋኼ ፍልሰት ሰላም እብል፣ ማርያም ኩሉ ግዜ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ነበርኺ፣ ኣብ ግዜ ፍልሰትኪ ሓጎስ ተሓጉሰ፣ ገጽኺ ኮን መዓስ እየ ዝርእዮ።”  

ፍልሰታ ማለት ‘ፈለሰ’ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኮይኑ፣ ትርጉሙ ከምቲ ተኽሊ ዘሪእኻ ኣብ ሓደ ቦታ ምስ ጸደቐ፣ ናብ ቀዋሚ ጀርዲን ተሳግሮ፣ ከምኡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምስግጋር እዩ። እምበኣር ‘ፍልሰታ’ ማለት ስጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ምድሪ ናብ ሰማያት ዝፈለሰሉ ወይ ዝተሳገረሉ በዓል እዩ። ነዚ ዉን እዩ “ፍልሰተ ስጋሓ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም [ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ዝፈለሰሉ] ዝበሃል።

ታሪካዊ ፍጻመ

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ጓል 15 ምስ መልአት፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምዉላዳ፣ ምስኡ ኣብ ዝዉዓሎ እንዳወዓለት፡ ኣብ ዝሓደሮ እንዳሓደረት 33 ዓመት ሙሉእ፣ ኣብ ስብከት ወንጌል ከይተፈለየቶ፣ ክሳብ መስቀል ሰዓበቶ። ኣብ መስቀል ዉን ጐይታ ነቲ ኣዝዩ ዝፍቅሮ ወደ መዝሙሩ ን ዮሃንስ “እነሆ ኣዴኻ” ብምባል ሓላፍነት ሃቦ። ቅዱስ ዮሃንስ ዉን ናብ ቤቱ ወሰዳ፤ ምስኡ ዉን 15 ዓመት፣ ብድምር 64 ዓመት ኣብዚ ምድሪ ብስጋ ነበረት።
ከምቲ ትዉፊት  ቤተክርስቲያን ዝነግረና፤ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝርኸብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ፣ ምስ ብዙሓት ደናግል፣ ፍርሓት እግዚአብሔርን፣ ንጽህናን እንዳመሃረተ፣ ከም ኣደ እንዳሓብሓበት ትነብር ነበረት። ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሃንስን ዉን ካብ ጎና ኣይተፈለዩን። ብከምዚ መንገዲ ብቅድስናን ብንጽህናን፣ ንኣምላኽ እንዳመስገነት ንምእመናን እንዳመሃረት እንኮላ፣ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ዕለት 20 ጥሪ፣ ሃዋርያት ናብ ድንግል ማርያም ምስ ቀረቡ ገጻ ናይ ሓዘን ምልክት ከምዝዓሰሎ ኣስተዉዓሉ። ስለምንታይ ከምኡ ከምዝዀነት ዉን ተወከስዋ፣ ንሳ ዉን ጐይታ ግዜ ዕረፍታ ብራእይ ከምዝገለጸላ ነገረቶም። ኣብቲ ራእይ፣ ፍረ ማህጸና ዝዀነ ወልደ እግዚአብሔር ቃል፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓዋርያት ይቕርብ እሞ፣ ኣብ ኢድ ሓዋርያት ዉን ነዊሕ ዓለባ ነበረ። ‘ስለምንታይ እዮም ደቀመዛሙርትኻ ዓለባ ሒዞም ዘለዉ፧’ ኢላ ትሓቶ`ሞ ንሱ ንስጋኣ ዝግነዘሉ ምዃኑ ነገራ። በዚ ራእይ ዉን ግዜ ዕረፍታ ከምዝኣኸለ ተረድአት።ሓዋርያት ዉን ነዚ ነገር ምስ ሰምኡ፣ ኣዝዮም ጉኋዩ፣ ናብ ጐይታ ዉን ከምዝ ብምባል ጸሎቶም ኣቕረቡ “ኦ ጐይታ ክሳብ ሕጂ ናይቲ ወሃቢ ህይወት ሕማማትካ ኣይረሳዕናዮን፣ ሕጂ ኸኣ ነዛ ኣደ ካባና ብምዉሳድ መሊስና ኣብ ሓዘን ክንኣቱ ኢና። ዘኽታማት እንድሕሪ ኮይንና፣ ከመይ ዝበለ ሓዘን ኮን ይከዉን ክበጽሓና፧”ኣብ ከምዚ ኩነት እንከለዉ፣ ኣብ ደብረ ዘይት ዝነበራ ዳናግል ኩለን ተኣኪበን ናብቲ ቤት ኣተዋ። ኣብ ኣእዳወን ዉን ኩለን ቀንዴል ሒዘን ነበራ። ነዚ ምስ ረኣየት፣ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ “ደቀይ ስለምንታይ ደኣ ከምዚ ኢልክን ተኣኪብክን መጺኽን፧” በለተን። ንሳተን ዉን “ኣብ ግዜ ጸሎት እንከለና ‘ኦ ደናግል ደብረ ዘይት፣ ተንስኣ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣደ ህይወት ድንግል ማርያም ኪዳ፣ ጽባሕ ነፍሳ ካብ ስጋኣ ክፍለ እዩ’። ዝብል ድምጺ ሰማዕና ንሕና ዉን ነዚ ቃል ሰሚዕና ናብዚ መጺእና” በልዋ። ንሳ ዉን ነዚ ምስ ሰምዐት፣ ንኣምላኽ ኣመስገነት። ካብኦም ፍልይ ኢላ ዉን ጸሎት ክትጽልይ ጀመረት፣

ጸሎት ቅድስት ድንግል ማርያም

“ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ካብ ናይ እግዚአብሔር ኣብ ኣፍ ወጺእኻ፣ ኣብ ማህጸነይ ትሽዓተ ወርሒ ዝነበረካ፣ ዘለዓለማዊ ቃል፣ የመስግነካ ኣለኹ። ማዕከን ሰናያት ዝዀንካን፣ ንኹሉ ስጋ እትምግብን፣ ካብ ኣጥባተይ ብኣፍኻ ጸባ ዝሰተኻን፣ ስምኻ ይባረኽ። ክትጽወር ዘይትኸኣል ክነስኻ፣ ኣብ ማህጸነይ ተጾይርካ ኢኺ`ሞ ተመስገን። ብሓይሊ ቃልካ ንኲሉ ዝሓዝካ፣ ኣብ ሑቕፈይ ሓደርካ። ህይወት ኣቦና ኣብራሃም፣ መጽናንዒ ኢሳይያስ፣ ንእስራኤል ዝባረኽካ፣ ትንቢት ክትፍጽም ዝመጻእኻ ናይ ነቢያት ነብዪ፣ ስምካ ይባረኽ። ኣብ ቃልሲ መድሓኒ፣ ኣብ ድኻም ፈራዲ፣ ብሩኽ ኩን። ጽድቒ እትፈርዲ፣ ናይ ሓቀኛ ነገስታት ኣክሊል ዝዀንካ ተባረኽ። መላኣኽቲን ሊቃነ መላኣኽቲን ዘመስግኑኻ፣ ሱራፌል ዝዝምሩልካ፣ ኪሩቤል ድምጺ እንዚራ ዝነፍሑልካ፣ ብሩኽ ኢኻ። ትብዓት ናይ ሰማእታት፣ ኣክሊል ዓወቶም ዝዀንካ፣ ተመስገን። ናይ ደናግል ተስፋ፣ ብርሃን ቀንዴሎም ኢካ። ብመኣዛ ጨናኦም ናብ ኲሉ ዓለም ዞይሮም ዝስብኹካ፣ ስብከተ ሓዋርያት ንስኻ ኢካ። ንስኻ ወደይን ኣምላኸይን ኢኻ። ምሕረትካን ረድኤትካን እሓትት ኣለኹ፣ ኣይትግደፈኒ፣ ካባይ ዉን ኣይትርሓቕ። ነፍሰይ ካብዚ ማእሰርቲ ሓራ ጌርካ፣ ኣብ ቅድሜኻ ንምስክርነት ደው ኣብለኒ። ምሕረትካ ይስዓበኒ፣ ጸልማት ካባይ ይርሓቅ፣ ብርሃንካ ይገለጽ፣ ኣፍ ጸላኢ ይተዓበስ። ህያው ዝዀነ ምሕረትካ ንነፍሰይ ኣብዝሓላ። እወ ኣምላኸይን ወደይን፣ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፣ ነዛ ፍርሓትን ስግኣትን ዘለዋ ልበይ፣ ብርሓንካ ፈንወላ። ናይ ነፍሰይ ፍቕራ ንስኻ ጥራሕ ኢካ`ሞ ናባይ ነዓ። ቅዱስ መንፈስካ ብመንገዲ ሓቂ ይመርሓኒ። ጐይታይን ኣምላኸይን ብናይ ጽድቂ መዝሙር ኣብ ቅድሜኻ ቀሪበ፣ ንኽሰግደልካን ከመስግነካን ኣብቅዓኒ። ክብሪን ምስጋናን ዉዳሴን ንዓኻን፣ ነቲ ሠናይ ኣቦኻን፣ መንፈስ ቅዱስን ሕጂን ንዘለዓለምን ይግባእ። ኣሜን”

ዕረፍቲ

ከምዚ ኢላ ጸሎት ምስ ወድአት፣ ኩሎም ሓዋርያት፣ ከካብ ዝነብርኦ ናይ ስብከት ኣሕጉር፣ ክፋነውዋ ተኣኻኸቡ። ብዘይካ ቶማስዉን ኩሎም ኣብ ኢየሩሳሌም መጽኡ። ሽዑ እቲ ዝነበርዎ ገዛ ሃንደበት፣ ብመብረቅን ነጎድጓድን መሰረቱ ተንቀጥቀጠ። ኣብ መንጎ ከኣ፣ ጐይታ ብሰረገላ ሓዊ ኣብ ማከሎም ተራእየ፣ ምስኡ ዉን ሊቀ ነብያት ሙሴ፡ መዘምር ንጉስ ዳዊት፡ ኩሎም ነብያትን ነበሩ። እቲ ቦታ ብብርቱዕ ብርሃን መልአ፣ ኩሎም ዉን በቲ ትርኢት ሰንቢዶም ኣብ ምድሪ ሰገዱ። ካብ ማእኸል `ቲ ትኪ፣ ብጥዑም ድምጺ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ሰላም ለኪ ኦ ድንግል ማርያም ወላዲተይ፣ ኩሉኩም ደቀ መዛሙርተይ ‘ሰላም ለኪ’ በልዋ፣ ኩልኽን ደናግል ሰላም ለኪ በልኣ” በለ። ነዚ ደሃይ ምስ ሰምዑ ኩላቶም ተጸናንዑ፣ ብግምባሮም ተደፊኦም ዉን ሰገድሉ።

ናብ ወላዲቱ ብምጥማት ዉን “ጸሎትክን ልማኖኽን ሰሚዐ፣ ካብቲ የማን ሓይሊ ዘሎ ዙፋን ኣብን መንፈስ ቅዱስን፣ መጺአ ኣሎኹ። ኦ ድንግል ኣደይ እምበኣር ንዒ ካብዚ ንኺድ፣ ኣብ ሰፈር ጻድቃን ቦታ ተዳልዩልኪ ኣሎ`ሞ ንዒ ካብዚ ሓጥኣን ዝመልእዎ ዓለም ንኺድ። ኦ ሕያወይቲ ወላዲተይ፣ ካብዚ ተፈለዪ፣ ስለምንታይ ኣብታ ንነብያት ዝቐተለት፣ ንልኡኻተይ ኣብ ዝጨፍጨፈት፣ ምድራዊት ኢየሩሳሌም ይሓድገኪ፧ ኣብ ከተማ ኣብን መንፈስ ቅዱስን፣ ኩሎም ሰማያዉያን ቅዱሳን ንዓኪ ይጽበዩ ኣለዉ`ሞ ናብኡ ንኺድ። ኣብ ሰማያት ኣብታ ጽብቕቲ ከተማ ስፍራ እንከሎ፣ ስለምንታይ ኣብታ ብሓመድን እምኒን ዝተሃንጸት ገዛ ትነብሪ። ኦ ርህርህት ኣደይ፣ ኣብ ምድሪ መሕደሪተይ ነበርኪ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ ሰማየ ሰማያት ኣብቲ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ዝቕመጠሉ፣ ስፍራ ንዒ ኣብኡ የዕርፊ። ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ዝገብረና መለኮታዊ ባህሪየይ ጾይርኪ ኢኪ`ሞ ናብ ቦታ ዕረፍትኪ እተዊ። ኦ ፍቅርቲ ኣደይ፣ ካብዚ ንብዓትን ጓሂን ዝመልኦ ቦታ፣ ናብቲ ፍስሃን ሓጎስን ዝመልኦ ሃገር፣ ካብ ዓዲ ምዉታን ናብ ዓዲ ህያዋን፣ ንዒ ተንስኢ ናብኡ ምሳኡ ንዕናይ” በላ።

ነዚ ምስ ሰምዑ፣ ኩሎም ሓዋርያትን ደናግልን፣ ድንግል ማርያም ካብኦም ክትፍለ ስለዝዀነት ኣዝዮም ሓዘኑ። እተን ደናግል ዉን ከልቅሳ ጀመራ፣ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ዉን ከምዚ ኢላ ከተጸናንዐን ጀመረት፣ “ደቀየ ስለምንታይ ብሓዘንክን ንልበይ ተጉህይኦ ኣለኽን፧ ኩሉ ስጋ ሞት ክጥዕም`ዶ ጽሑፍ ኣይኰነን፧ ኣነ ዉን ከምቲ ኣብዛ ምድሪ ዝነብር ኩሉ ሰብ ናብ ሓመድ ክምለስ ኣለኒ። ንሱ ከም ዘይሓድገክን ተስፋ ሂቡክን እዩ`ሞ፣ ኣይትጉሃያ፣ምክንያቱ ንሱ ጐይታ፣ ኩሉ ግዜ ምሳኽን ኣሎ፣ ልብኽን ይጽናዕ” በለተን። ኣስዒባ ዉን “ብሩኻት ደቀይ፣ ምስቲ ሓቀኛ መርዓዊ፣ ክርስቶስ ዝኣተክንኦ፣ ቃል ኪዳን ኣይትጥለማ። ንሱ ክመጽእ እንከሎ፣ ናብቲ ሰማያዊ መርዓ ምስኡ ምእንቲ ክወስደኽን፣ ቀንዴልክ ዘይቲ መሊእኽን፣ ብርሃን ኣብሪህኽን፣ ተዳሊኽን ተጸበይኦ” ብምባል ተማሕጸነተን  ናብ መድሓኒ ዓለም ተመሊሳ ዉን ከምዚ በለቶ “ኦ ፍቑር ወደይ፣ ድሕሪ ዕረፍተይ፣ ጉህዩ ንዘሎ ልቦም ከተጸናንዕ ይልምነካ ኣለኹ፤ በቲ ዝበጽሖም መከራን፣ ኣብ ኢድ ጨካናት ኣይሁድ ዝበጽሓካ ሕማማተ መስቀልን ልቦም ጉህዮ ኣሎ። ብመስማር ተሸንኪርካ፣ ብጦር ተወጊእኻ፣ መላእ ሰብነትኻ ብደም ተኣሊኹ ርኢናካ ኔርና። ማይ ጸሚኡካ፣ ኣብ ክንዲ ጽሩይ ማይ ሓሞት ከስትዩካ፤ ኣክሊል እሾኽ ኣብ ርእስኻ ክደፍኡልካ፤ ምእንቲ ድሕነትና ዝተወጋእካዮ፣ ኩሉ ርኢና ኢና። ካብ ሞት ስለዝተንሳእኻ ግና፣ በዚ ተሓጉሶም። ትንሳኤኻ፣ እንተዘይንርኢ፣ ኩልና ምሞትና ኔርና። ኣነ ዉን፣ ሳላ ምሕረትካ፣ ክሳብ ሕጂ መደዓዓሲ ኮይነዮም ኔረ”።ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፣ “ኦ ርህርህት ወላዲተይ፣ ኣዳም ሕገይ ምስ ጠሓሰ፣ ኣብ ልዕሊኡ ‘መሬት ኢኻ`ሞ ናብ መሬት ክትምለስ ኢካ’ ኢለ ፈረድኩሉ። ኣነ ዉን በቲ ካባኺ ወሲደ ምስ መለኮት ዘወሃሃድክዎ ሰብነት ኣቢለ ንሞት ጥዒመ . . . .ሕጂ ዉን ኣነሲ ሞት እንተዘይትጥዕሚ ምፈተኹ፣ ከም ኢልያስን ሄኖክን ብህያዉነት እንተትነብሪ ምመረጽኩ፣ እንተኾነ ግን ንሳቶም ዉን ንሞት ክጥዕሙ እዮም። እቲ ኣባታቶም ዝተገብረ ኣባኺ እንተዝኸዉን ግና፣ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሓጥኣን፣ ንገዛእ ርእሶም ሰማያዊ ሓይሊ ጌሮም ክሓስብዋ እዮም። እቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ናይ ድሕነት ስራሕን፣ መለኮት ምስ ስጋ ኣወሃሂደ ዝተቀበልክዎ መከራን፣ ከም ሕልሚን ሃተውተዉን ወሲዶም ከንቱ ክሓስብዎ እዮም። ሓሳባት ደቂ ሰባት ዝምርምር ኣምላኽ እየ” በላ። ናብ ሓዋርያት ግልጽ ኢሉ ዉን “ደቀ ማዝሙርተይ፣ ኣብዚ ዝነግረኩም ተስፋ እመኑ፣ ንቅሩብ ግዜ ኣይክትርእይዋን ኢኹም፣ ድሓር ባዕላ ክትግለጸልኩም እያ። ካብ ዕለተ ዕረፍታ ክሳብ ዕለተ ፍልሰታ፣ 206 መዓልቲታት ቁጸሩ፣ ሽዑ በዚ ስጋዚ ናብ ሰማያት ናብ ኣብን፡ መንፈስ ቅዱስን ክትዓርግ እንከላ ክትርእይዋ ኢኹም፣ ኣብኡ ዉን ኣብ የማን ደዉ ኢላ፣ ምእንታኹም ክትልምን እያ”።ቀጺሉ ዉን “ናብቲ ቅዱስ ቦታ፣ ናይ ማዕጠንቲ ዘለዎ ክፋል እተዉ`ሞ፣ ኣብኡ ንፍቕርቲ ወላዲተይ ምእንቲ ከኽብራ፣ ካብ ኣቦይን መንፈስ ቅዱስን ዝተሰደ መግነዝን፣ ጥዑም ሽቶን ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ዉን ናብኡ ከይዶም ነቲ ዝተባህለ ረኸብዎ`ሞ ናብኡ ኣምጽኡሉ። ንሱ ዉን ክዝርግሕዎ ኣዘዞም። ከምቲ ዝኣዘዞም ምስ ገብሩ፣ ንወላዲቱ ከምዚ በላ “ኦ ንግስቲ ኩለን ኣንስቲ፣ ንዒ ኣብዚ የዕርፊ፣ ካብዚ መከራ፡ ሓዘንን፡ ጓህን ዘልዋ ስፍራ፤ ናብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲን፣ ዘለዓለማዊ ፍስሃን እተዊ” በላ። ድንግል ማርያም ብድድ ኢላ፣ ኣእዳዋ ዘርግሐት፣ “ኣዶናይ፡ ኤልሻዳይ፡ መሲሕ፡ ረቢ፡ ኣማኑኤል፤ ናባኻ ዉሰደኒ ወደይ። ኣብ ቅድሜኻ ተረኺበ፣ ምእንቲ ክሰግደልካ፣ ኣፍደገታት ቅዱስ መንግስትኻ ኣብ ቅድመይ ይከፈታ። ክብሪን ምስጋናን ዉዳሴን ንዓኻ ጉይታይን፣ ነቲ ሠናይ ኣቦኻን፣ ወሃቢ ህይወት መንፈስ ቅዱስን ሕጂን ንዘለዓለምን ይግባእ። ኣሜን” ብምባል ጸለየት። ጸሎታ ምስ ወድአት፣ ኣብቲ  መግነዝ ደቀሰት፣ ኣዒንታ ዉን ናብ መድሓኒናኣ ኣቕነዐት፣ ብኡንብኡ ነፍሳ ካብ ስጋኣ ተፈልያ፣ ኣብ ኢዱ ተማዕቆበት። ሓዋርያት ዉን ብክቡር ጨና ጌሮም፣ ገነዝዋ። ኣብ ሓድሽ መቃብር ክቀብርዋ ዉን ነቲ ስጋኣ ሒዞሞ ኸዱ።
To get the best treatment to this issue, without seeking the levitra price http://deeprootsmag.org/2018/04/22/feeling-natures-rhythms-mystery-spiritual-beauty-2/ right treatment and advice from the sexologist doctor.

“ሰላም ለግንዘተ ሥጋኪ ብእደ ሓዋርያት ኣርጋብ፤ ብአፈወ ዕፍረት ቅዱው ዘሐሳብ ሴቱ ዕጹብ፤ ማርያም ድንግል ውለተ ህሩያን ሕዝብ፤ ረሰይኩኪ እግዝእትየ ህየንተ እም ወኣብ፤ ይኅጽነኒ ከመ ጥብ ፍቅርኪ ሓሊብ። ረጋቢት ብዝምሰሉ ሓዋርያት ንዝተግብረ ምግናዝ ስጋኺ ሰላም ይብል፤ ብዙሕ ብዝውግኡ ጥዑም ጨና ጌሮም ገነዙኺ፤ ድንግል ማርያም ጓልቶም ሕሩያት ህዝቢ ኢኺ፤ ኣብ ክንዲ ወለደይ (ኣቦይን ኣደይን) ንዓኺ መሪጸ ኣለኩ፤ ጸባ ዝዀነ ፍቕርኪ ከም ጡብ ይመግበኒ።

ቀብሪ

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ምስ ኩሎም ደናግልን፡ ኣመንቲን፣ ኮይኖም ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ጼሮም፣ ናብ ጌተ ሴማኒ፣ ናብ መቃብር ቦታ ከዱ። ኣብ መንገዲ ዉን ጭፍራ ኣይሁድ ተጓነፍዎም። ጭፍራ ኣይሁድ ነንሕድሕዶም፣ ሓዋርያት ናይ መን ስጋ ከምዝጾሩ ተሓታተቱ። ስጋ ወላዲተ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ዉን፤ ነቲ ስጋ ኣሕዲጎም ከቃጽልዎ ተሰማምዑ`ሞ፣ ሓደ ታዉፎንያስ ዝስሙ ድልዱል ጎበዝ ነቲ ስጋ ካብ ሓዋርያት መንጢሉ ከምጽኦ ነገርዎ። ጭፍራ ኣይሁድ ቀሪቦም ነቶም ኣመንቲ ከጋፍዕዎም ጀመሩ፣ ታዉፎንያስ ቀሪቡ ዉን ነቲ ስጋ ክወስድ ኢዱ ሰደደ፣ ብኡንብኡ፣ ካብ ሰማይ ደበና ወረደ፣ ነቶም ጭፍራ ኣይሁድ ዉን ኣዒንቶም ከም ዘይርኢ ገበሮም፣ ኢድ `ቲ ብሓይሉ ዝምካሕ ታዉፎንያስ ዉን፣ ብሃልሃልታ ሴፍ ቅዱስ መላኣኽ ተቆሪጻ ተረፈት። ብዘይካ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ፣ ካልኦት ሓዋርያት ዉን ብመጥቃዕቲ ኣይሁድ ተሰናቢዶም ፋሕ ኢሎም ሃደሙ። ጭፍራ ኣይሁድ `ቲ ዝዀነ ነገር ምስ ኣስተብሃሉ፣ ዓቢ ጌጋ ከምዝ ዝፈጸሙ ኣሚኖም ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሎም ምሕረት ለመኑ “ኦ ጐይታና ክርስቶስ፣ ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርና፣ ሕጂ ኸኣ ደቂ ኣብራሃም ኢና`ሞ መሓረና፣ ኣዒንትና ኣብራሃልና፣ ንሕና ዉን ናብ ግርማ መልኮታዊ ብርሃንካ ክንቀርብ ኢና። ብኣኻን በታ ሓፍትና ዝዀና ድንግል ወላዲትካን ክንኣምን ኢና” በሉ። ኣምላኽና መድሓኒናን ክርስቶስ፣ ርህሩህ ስለዝዀነ፣ ኣዒንቶም ኣብራሃሎም፣ ኢድ ታዉፎንያስ ዉን ከምቲ ቀደም ዝነበረቶ ጥዕይቲ ኾነት፤ ኩላቶም ዉን ብጐይታ ኣሚኖም ናብ ማሕበር ሓዋርያት ተሓወሱ። እንተ ስጋ ቅድት ድንግል ማርያም ግና፣ መልኣኽ እግዚአብሔር ምስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ጌሩ ናብ ሰማያት፡ ወሰዶ። ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ህይወት ዉን ኣንበሮ። ዮሓንስ ወንጌላዊ ነዚ ሚስጢር ርእዩ ናብ ምድሪ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ። ሓዋርያት፣ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ከመይ ኰነ፣ ኢሎም ሓተትዎ፣ ንሱ ዉን ኣብ ትሕቲ ዕጸ ህይወት ኣብ ገነት ከም ዝዓረፈ ነገሮም። 

ፍልሰታ

ሓዋርያት ብመሰረት`ቲ ጐይታ ኣቐድሙ ዝነገሮም ተስፋ፣ 206 መዓልቲ ጸብጺቦም፣ ዕለት ሓደ ነሐሰ (ባሕቲ) ክልተ ሱባኤ ጾም ኣተዉ። ንክልተ ሶምን ብፍቕሪ፡ ጸሎት፡ ናይ ለይቲ ምስጋናን፡ ጾምን ኣቢሎም፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ልማንኦም ኣቕረቡ። ጐይታ ዉን በቲ ዝኣተወሎም ተስፋ፣ ዕለት 14 ነሓሰ ስጋ ድንግል ማርያም ካብ ገነት መሊሱ ንሓዋርያት ሃቦም። ሓዋርያት ዉን ንስጋ ድንግል ማርያም ገኒዞም ኣብቲ ቅድም ዘዳለዉዎ ስፍራ፣ ኣብ ጌተ ሰማኒ ቀበርዎ።  ጐይታ ዉን ነፍሳ ምስ ስጋኣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣወሃሂዱ፣ ብክብሪ መላኣኽቲ ናብ ሰማያት ኣዕረጋ። እቲ ኣብ ኣብ ህንዲ ሃገር፣ ወንጌል ዝሰብኽ ዝነበረ ሓዋርያ ቶማስ ግና፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣይተሳተፈን ነበረ። ናብዚ ሱባኤ ከርክብ፣ ብደመና ሰማይ ተጻዒኑ እንዳመጽአ እንከሎ፣ ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ዉን ምስ ነፍሲ ተወሃሂዱ፣ ድሕሪ ቀብሪ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፣ ተንሲኡ ናብ ሰማያት ክዓርግ፣ ኣብ ደበና ተራኸቡ። ሓውርያ ቶምስ ዉን፣ “ትንሳኤ ወድኺ፣ ድሕሪ ኹሉ ርእየ፤ ሕጂ ኸኣ ትንሳኤኺ ከይረኣኹ፧” ብምባል ጉህዩ ናብ መሬት ክጸድፍ በለ። ርህርህተ ሕሊና ድንግል ማርያም ግና፣ ነዚ ነገር ብዘይብኡ፣ ማን ከም ዘይረኣየ ኣበሰረቶ። ምልክት ምእንቲ ክኸዉን ዉን፣ ነቲ ተገኒዛትሉ ዝነበረት ጨርቂ ሃበቶ። በዚ ተጸናኒዑ ቶማስ ናብ ሓዋርያት ከደ።
ቅዱስ ቶማስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፣ ብዛዕባ ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ከመይ ኮነ፣ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ዉን ከም ዝቐበርዋ ነገርዎ። ንሱ ዉን፣ “ሞት ብጥሪ ቀብሪ ብነሓሰ ከመይ ኣቢሉ ይኸዉን፧” በሎም። ሓዋርያት ኸኣ ንምእማን ብምዱንጓዩ እንዳገንሑ፣ ስጋ ድንግል ማርያም ናብ ዝተቐብረሉ ቦታ ወሰድዎ። ነቲ እምኒ ናይቲ መቃብር ኣልዒሎም ኣርኣይዎ፤ እንተዀነ ግን እቲ ስጋ ኣብቲ ቦትኡ ኣይነበረን። ቅዱስ ቶምስ ዉን፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድሕሪ ቀብራ፣ ናብ ሰማያት ክትዓርግ እንከላ፣ ኣብ ደበና ከምዝተራኸቡ`ሞ፣ ንምልክት ዉን መግነዛ ከምዝሃበቶ ነገሮም፣ ነቲ ዓለባ ዉን ኣርኣዮም። ሓዋርያት ዉን ነቲ ዓለባ ንበረኸት ክኸዉን ተማቐልዎ።
ከምቲ ኣቐዲሞም፣ ዮሓንስ ዝረኣዩ ንክርእዩ፣ ሱባኤ ዝኣተዉዎ፣ ደጊሞም ዉን ቶማስ ንዝረኣዮ ዓቢ ጸጋ ክርእዩ፣ ኣብ ዓመቱ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ድሕሪ ክልተ ሱባኤ ዉን ጐይታ ምስ ቅዱሳን መላኣኽቲን፣ ነብያትን፣ ሰማእታትን ብሓባር ኮይኑ፣ ንድንግል ማርያም ሒዙ ኣብ ማእኸሎም ተረኽበ። ዘማራይ ንጉስ ዳዊት ዉን መዝሙር ምድያብ “ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።” እንዳበለ ኣብ ማእኸሎም ይዝምር ነበረ። በዚዉን ጐይታናን ኣምላኽና መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምስ ሓዋርያት ኮይኑ ቅዳሴ ቀዲሱ፣ ስግኡን ደሙን ኣቐቢሉ፣ ንዕርገት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣርኣዮም።

መልእኽቲ ቅዱሳን ኣቦታት

ንፍልሰት ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ጌሮም ብዙሓት ቅዱሳን ሊቃዉንታ ኣስተምህሮ ሂቦምን፣ ነዚ ታሪካዊ ፍጻመን፣ ተስፋ ድሕነትና ዝዀነ ዕርገት ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣርጊጾም መስኪሮምልና ኣለዉ። ገለ ካብኦም ቅዱስ ቴዎድዮስ ዘእስክንድርያ እዩ። ንሱ ነዚ ዕረፍቲ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ንህዝቢ ምሂሩ ምስ ወድአ ከምዚ ብምባል ይምዕድ፣

“እምበኣር ታሪክ ናይዛ ምእንቲ ኹሉ ደቂቀ ኣዳም (ደቂ ኣዳም) ክትብል ናብ ክብሪ ዝዓረገት፣ ምልዕተ ጸጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ነጊርናኩም ኣለና። ስለዚ ኹልና በቲ ዘለና ዓቅሚ፣ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ከነፍሪን፣ ሽማ ክንጽዉዕን ይግባእ። ኣንጻር ፍትወት ስጋ ኣበርቲዕና ንቃለስ፤ ካብ ሸለልተኝነት ርሒቕና ብጸሎት ንትጋህ፤ ንቃል ኣምላኽ ዉን ኩሉ ግዜ ንዘኽሮን ሕጊ ኣምላኽ ዉን ንሓሉ፤ ንምድሪ ህያዋን ክንወርስ ለዋሃት ንኹን፤ ዉልድ ኣምላኽ ምእንቲ ክንስመ ገብርቲ ሰላም ንኹን፤ ‘ንጹሓት ልቢ ንኣምላኽ ኪርእይዎእዮም እሞ ብጹዓን እዮም’ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ`ሞ ኣበር ዘይብልና ንጹሓት ልቢ ንኹን፣ ሽዑ ንእግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ክንርእዮ ኢና፤ ምእንቲ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ክምሕረና ንዝተጨነቑ ምሕረት ንግበር፤ ኩሉና ብዓቕምና ንድኻታት ንርዳእ፣ ሽዑ ኣብ ግዜ ፍርዲ ምሕረት ክንረኽብ ኢና። መዘክርታ ቅዱሳን ዉን ኩሉ ግዜ ኣብ ቤትና ንግበር፣ ምኽንያቱ ብእኦም ኣቢልና ጸጋ ካብ ክርስቶስ ክንቀብል ኢና፣ ነፍስና ስጋናን ዉን ድሕነት ክትወርስ እያ። ልዕሊ ኩሉ ግና ነዛ ድንግል ንዘኽራ! ንሳ ልዕሊ ኩሎም ቅዱሳን ናብ ኣምላኽ ዝቐረበት እያ።

ሕጂ ዝብለኩም ስምዑ፣ ኣንቱም ተጠራተርቲ ዉን ኣስተብህሉ። ሓደ ምድራዊ ሰብ፣ ምስ ንጉስ ምሕዝነት ክህልዎ እንከሎ፣ ወይ ናይ ስጋ ዘመድ ምስ ዝኸዉን ኣዝዩ ሕቡንን ሕጉስን እዩ። ኣብ ግዳም ምስ ሰባት ክዛረብ እንከሎዉን፣ ምስ ንጉስ ቀረባ ዝምድና ከምዘለዎ እንዳጠቐሰ ይነግር። እቶም ህዝቢ ዉን ነዚ ሰሚዖም ንዕዑ ኣዝዮም የኽብርዎ፣ ምኽያቱ ናብ ንጉስ ኣዝዩ ቀረባ ስለዝዀነ። እዚ ምስ ምድራዊ ንጉስ ክንድዚ ዝኣኽል ዝምድና ዘለዎ ሰብ ክንድዚ ከሳልጥ ከምዝኽእል፣ ካብ ተኣምነሉ፤ እታ ምስቲ ሰማይን ምድሪን ዝፈጠረ፣ ንጉሰ ነገስት ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱ ክርስቶስ ብስጋ ኣዲኡ ምስ ዝዀነት ድንግል ማርያም፣ ዝምድና ዝመስረተ ግዳ ክንደየናይ ኣብዚሑ በረኸት ዘይረክብ። ንሳ ናብቲ ንጉስ ዝዀነ ወዳ ከይዳ፣ ስለ ትልምነሉ፣ እዚ ሰብ`ዚ ኩሉ ግዜ በረኸት ካብ ኣምላኽ ክቕበል እዩ። ናብ ንጉስ ቀሪባ ምሕጽንታን ልማኖን ካብ ምቕራብ ማንም ዝኽልክላ የልቦን። ናብቶም ብምልጅኣ ዝምሕጸኑ ዉን ከተድሕኖም ትኽእል። እስከ ከምዚ ዓይነት ክብሪ ዘለዎ መን እዩ፧ መኖም ካብ ቅዱሳን እዩ ከምዚ ክገብር ዝኽእል፧ እግዚአብሔር በቶም ዝቐርብዎ ኣዝዩ ሕጉስ እዩ። በቶም ምስኡ ዘለዉ፣ ዘመስግንዎ ቅዱሳን መላእኽቲን ሰባትን ይሕጎስ። ንሕና ዉን ምሕረት ኣምላኽ በዚሑልና ዘሎ፣ ሳልኦም እዩ። በዚ ዉን ንኹሎም ቅዱሳን ነመስግኖም። እምበኣር ኣምላኽ በቶም ምስኡ፣ ዝሕጎስ ካብ ኮነ፤ በቶም ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘፍቅሩ ሰባት ዉን ይሕጎስ እዩ። ብፍላይ ዕለት 16(ኪዳን ዝተቐበለቱን ዝፈለሰትሉን)ን 21(ዕለተ ዕረፍታ)ን፣ ከም መጠን ሃብቶም ዝኽራ ንዝዝኽሩ ሰባት፣ ብዙሕ ጸጋ ይህብ። ምክንያቱ ጽሑፍ እዩ፣ ጣሳ ዝሑል ማይ ብስም ካብዞም ነኣሽቱ ንጽሙእ ዘስተየ፣ ዓስቡ ክዉሃቦ እዩ። ኣምላኽ “ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፣ ጸሚአ ኣስቲኩምኒ” ብምባል ምሕተኡ ክብዝሓልና እዩ፣ ቃል ኪዳኑ ዉን ኣይርስዕን።

ስብሓት ለእግዚአብሔር!
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!

1 Response

  1. Anonymous says:

    Kale hiwet yesmialna diuakon….dingl mariyam xegia tebzihalka …amen.