ብስራተ ገብርኤል

ነዛ ጽሕፍቲ መን ከም ዘዳለዋ ብልክዕ ክፍለጥ ኣይተካእለን፣ ብትዉፊት ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈ-ወርቅ ከም ዝጸሓፋ እዩ ዝንገር፣ ኮይኑ ግና ብዙሓት ናይ ታሪክ ተመራመርቲ፣ ንሱ ከም ዘይጸሓፋ ይኣምኑ። ገለገለ ዉን ናይ ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ ወደ መዝሙር ዝነበረ፣ ዮሓንስ ዝስሙ መነኮስ ከም ዝጸሓፋ ይእምቱ። ጸሓፊኡ እኳ ብልክዕ ኣይፈለጥ፣ ትሕዝቶኣ ግና፣ ሓዋሪያዊ ትዉፊት ስለዘንጸባርቅ፣ ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። ጸሓፋይ ናይዛ መልእክቲ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስ ገብርኤልን ድንግል ማርያምን ዝተገብረ ዝርርብ፣ ብኪነ ጥበባዊ (ስነ-ጥበባዊ) መልክዕ እንዳወሃሃደ፣ ብዛዕባ ሚስጢረ ስጋዊ ይምህር፣ ወልደ እግዚአብሔር ሰብ ዝዀነሉ ሚስጢር የረድእን፣ ነቲ ወልድ ፍጡር እዩ ዝበለ፣ ንከሓዲ ኣርዮስ ዉን መልሲ ይህብ። እግረ መንገዱ ዉን፣ ሚስጥር ሰለስትነትን ሓድነትን የረድእ። ኣንቢብኩም በረኸት ተካፈሉ።

“ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። እቲ መannunciationiconልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ምስ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሐሰበት። እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡  ኣይትፍርሂ። እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ወርሒ እዚ ሻድሻያ እዩ፡ በላ። ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።” ሉቃ 1፥26-38

“ብስራተ ገብረኤል ንወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያምን፣ ኣንጻር እቲ ርኩስ ኣርዮስን”

“ናብኣ ኣትዩ፣ “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ፣ ባህ ይበልኪ፣ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ” በላ” (ሉቃ 1፡26-28)። ኤልሳቤጥ ብፍሉይ መንገዲ ካብ ትጠንስን፣ ዘካሪያስ ድማ ብዘይምእማኑ ተረጊሙ፣ በሃም ካብ ዝኸዉን ሽዱሽተ ወርሒ ጌሩ ኣሎ። ዮሓንስ መጥምቅ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማህጸን ኣሎ። ኣብ ቦታ መኻንነት መንገዲ እግዚአብሔር ዝጸርግ ኣዋጅ ነጋሪ ተቐልቀለ፣ ኣብ ቦታ ጸልማት ድማ ፋኑስ በርሀ።

እምበኣር ኣብዚ ግዜ`ዚ እዩ፣ ብጸሓየ ጽድቅ (ክርስቶስ-ሚል 4፡2) መልኣክ ቅዱስ ገብርኤል ዝተላእኸ። ከምዚ ድማ በሎ፣ ኣብ ገሊላ ናብ ትርከብ ሃገረ ናዝሬት፣ ነቲ ሃናጻይ ዝዀነ ዮሴፍ ዝተሓጽየት፣ ናብ ድንግል ማርያም ኪድ። ኣነ፣ እቲ ንዂሉ ፍጥረት ዝሃነጽኩ፣ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት፣ ነዛ ድንግል ከም ዝሕጸያ፣ ንገራ። እዛ ድንግል፣ ንዓይ ክትቅበል ኣንከላ፣ ብዘይ ፍላጥ ተደናጊራ ምእንቲ ከይትጋገ፣ ኣቀዲምካ ነቲ ናተይ ምምጻእ ኣፍልጣ። ንደቂ ሰባት ዘለኒ ፍቕሪ ኣረድኣያ። ንደቂ ሰባት ስለዘፍቅሮም፣ ካብኣ ተወሊደ ሰብ ኮይነ፣ ናብ ዓለም ክመጽእ እየ። ስለዚ ነቲ ናይ ድሕነት መደብ ተቐቢላ ማህጸና ክዓቢ ምስ ጀመረ ምእንቲ ከይትጭነቅ፣ ቅድም ናይ ድሕነት መደበይ ኣፍልጣ።

ኲሉ ጉዕዞኻ ብቕልጡፍ ፈጽሞ። ንዓይ ኣብቲ ሕጂ ዝሰደኻ ዘለኹ ቦታ ክትረኽበኒ ኢኻ። ዋላ እኳ ኣብዚ እንተለኹ፣ ኣብኡ ሓሊፈ ዉን ክጸንሓካ እየ። ቀዲሜካ ናብኣ ክሓልፍ እየ፣ ድሕሬካ ዉን ኣብኡ ክህሉ እየ። ንስኻ ብዝርአ መንገዲ፣ ናተይ ምምጻእ ከተበስራ እንከሎኻ፣ ኣነ ድማ ብዘይርአ መንገዲ፣ ንቃልካ ብተግባር ክፍጽሞ እየ። ኣነ፣ ብድንግልናዊ ማህጸና ኣቢለ፣ ንዘርኢ ሰብ መሊሰ ክሕድሶ እየ። ናብ ምድሪ ብምዉራድ፣ ነቲ ቅድሚ ዝፈጠርክዎ መልክዕ፣ መሊሰ ከጽንዖ እየ። ነቲ ናይ ጥንቲ መልክዕን ምስሊን ክዕቅቦን፣ መሊሰ ሓድሽ መልክዕ ከትሕዞን እየ። ካብ ድንግል መሬት ነቲ ቀዳማይ ሰብ ፈጠርክዎ። ኮይኑ ግና፣ ዲያብሎስ፣ ንገዛእ ርእሱ ጐይታ ክመስል፣ ከም ጸላኢ ዘሚቱ ናብ ምድሪ ደርበዮ፣ በዚ ድማ ኣብቲ ዝወደቀ መልክዐይ ኣላገጸ። ሕጂ ግና ኣነ ሓድሽ ኣዳም ካብ ድንግል መሬት ንዓይ ክፈጥር እየ፣ በዚ መንገዲ ድማ፣ ተፈጥሮ ጽባቐ ዘለዎ ዕርዲ ኣዳልያ፣ ኣንጻር እቲ ዝሰዓራ ግቡእ ናይ ፍትሒ ኣክሊል ክትቅበል እያ። እቲ ጸላኢ ድማ ግቡእ ሕፍረት ክስከም እዩ።

ኦ፣ ካብ ሰማይ ናይ ምዉራድካ ሚስጢር፣ ክንደይ ይዓሙቕ! ኦ፣ መወዳድርቲ ዘይብሉ ንሰብ ዘለኻ ኣምላካዊ ፍቕሪ ክንደይ የድንቕ! እቲ ንጉስ፣ ብዙሓት መላኣኽቲ፣ ወይ ካብ ሓዳ ንላዕሊ መልእክተኛ ኣይለኣኸን። ፈጣሪ፣ ንኲሎም ጭፍራ ሰራዊተ ሰማያት ኣየንቀሳቀሶምን፣ ከምኡ ኣይገበረን። ነቲ ናቱ ምምጻእ ምእንቲ ከበስር፣ ንሓደ መልኣክ ለኣኮ። እታ ኣደ፣ ነቲ ንጉስ ክትቅበሎ ስለዝዀነት፣ በዚ ብስራት ኣቢሉ ኣቀዲሙ ከም ትዳሎ ገበራ።

እቲ መልኣክ ዉን ናብ ገዛ ድንግል ማርያም በጽሐ፣ ኣትዩ ዉን ከምዚ በላ፣ “ኦ ምልእተ ጸጋ፣ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ፣ ደስ (ባህ) ይበልኪ! እቲ ናይ ጐይታ ኣገልጋሊ፣ ነዛ ድንግል ሰላም ክብላ እንከሎ፣ ዳርጋ፣ ቅድም ኣቢላ ኣደ ጐይታ ከም ዝዀነት ሓሲቡ፣ ከም ንሓንቲ ንግስቲ ዝግበር ሰላምታ ጌሩ ሰላም በላ። ኦ ምልእተ ጸጋ ደስ ይበልኪ! ኣዴኪ ሔዋን፣ ሕጊ ብምጥሓሳ ዉላድ ብጻዕሪ ክትወልድ ተፈሪዳ ነበረት። ንስኺ ግና ክትሕጎሲ ባህ ዉን ክብለኪ ይንገረኪ ኣሎ። ሔዋን ነቲ ቀናእን ቀታሊ ሰብ ዝዀነ ቃየል ወለደት፤ ንስኺ ግና፣ ንኲሉ ዓለም ህይወትን፣ ዘለዓለማዊ ህይወት ዝህብን ዉላድ ክትጸንሲ ኢኺ።

ስለዚ ተሓጎሲ፣ ደስ ዉን ይበልኪ፣ ብሓጎስ ንጠሪ፣ ንርእሲ ተመን ዉን ጨፍልቒ።  መርገም ኣልጊሱ፣ ምምሽማሽ ኣብቂዑ፣ ጓሂ ሓሊፉ፣ ሓጎስ ዉን መጺኡ፣ እቲ ብናይ ኦሪት ነብያት ዝተነግረ ናይ ሓጎስ ዘመናት በጺሑና ኣሎ እሞ፣ ኦ ምልእተ ጸጋ ደስ ይበልኪ። መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፣ “ድንግል ክትጸንስ ወዲ ዉን ክትወልድ ኢያ” /ኢሳ 7፡14/ ኢሉ ዝተዛረባ፣ ንስኺ ኢኺ። ንስኺ እታ ድንግል ኢኺ። ስለዚ ኦ ምልእተ ጸጋ ደስ ይበልኪ። ንፈጣሪ እተሐጒሲ፣ ንገብሪ ኲሉ ምቹእ ዝዀንኪ ኢኺ። ንሱ ድማ ብጽባቐ ነፍስኺ፣ ሕጉስ እዩ። ንድንግልናኺ ዘማስን ዘይኰነሲ ዝሕሉን ዘጽንዕን፣ ሰብኣይ ረኺብኪ ኢኺ። ንደቂ ሰባት ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ዝተላዕለ ዉላድኪ ኮይኑ ክዉለድ ዝፈቐደ፣ ሰብኣይ ረኺብኪ ኢኺ።

እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ!  እቲ ኣብ ኲሉ ሙሉእ ዝዀነ፣ ሕጂ ኣብ ዉሽጥኪ እዩ። ንሱ ምሳኺ እዩ፣ ካባኺ ዉን ክወጽእ እዩ። ጐይታ ሰማይ፣ ፈጣሪ ዂሉ፣ ወሰን ዘይብሉ ልዕሊ ኲሉ፣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝቕመጥ፣ ሱራፍኤል ብዘይ ዕረፍቲ ዘመስግንዎ፣ ምስ ኣብ ዝነበረ ወልድ፣ ሓደ ወዱ ንኣቦ፣ ንሱ ጥራይ ብዝፈልጦ መንገዲ፣ ኣብ ማህጸንኪ ሓዲሩ ኣሎ። ሙሉእ በኩልሄ፣ ኣብ ኲሉ ሙሉእ ክነሱ፣ ሕጅ ድማ ብምልኣት ኣባኪ ኣሎ።

ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ! ካብ ኲሎም ደናግል፣ ንስኺ ኣቐዲምኪ ተሓሪኺ ኣለኺ፣ ማህደር ኣምላኽ ክትዀኒ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ። ነቲ ማንም ዘይዉስኖ፣ ኣባኺ ክዉሰን ፈቐደ። እቲ ንዂሉ ዝመልእን ኣብ ኲሉ ዝርኸብን፣ ኣባኺ ሓደረ። ናይ ኣምላኽ ምድሓን ስራሕ ክፍጸም እንከሎ፣ ንጽህቲ ቤት ዕዮኡ ዝዀንኪ ንስኺ ኢኺ። ንጉስ ናብዚ ምድሪ ክመጽእ እንከሎ፣ ጸዋሪቱ ሰረገላ ክትዀኒ ዝበቃዕኪ ንስኺ ኢኺ። ነቲ ብሉጽ መንፈሳዊ ሉል፣ ሰማያዊ ሃብቲ ገለጽክዮ። ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ!

ፍጹም ቅድስቲ ድንግል፣ ንቃል ናይቲ መልኣኽ ምስ ሰምዐት፣ ትርኢቱ እንዳስተዉዓለት፣ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኮን ይኸዉን፣ ክትብል ጀመረት። እዚ ዝርርብ ናብ ምንታይ እዩ ክመርሓኒ? ናይ ቃላቱ መልእክቲ እንታይ እዩ? መልኣክ መጺኡ ንዓይ ሰላም ኢሉኒ። መን እየ ኣነ? እንታይ ዝመሰለ ክብሪ እዩ? ንዓይ’ሲ፣ `ጸጋ ዝመልኣኪ`! ግን፣ ከመይ ኢሉ፣ ስለምንታይ? `እግዚአብሔር ምሳይ እዩ`፣ `እግዚአብሔር`ዶ ምስ ኲሎም እቶም ዝፈርሕዎ`ዶ ኣይኰነን? ኣነ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኹ ክበሃል፣ ብምንታይ መምዘኒ፣ ስለምንታይ፣ ብከመይ? እንታይ ዉህብቶ ስለዝረኸብኩ እዩ? እዚ ቃላቱ`ከ እንታይ ተኣምራት እዩ?

እቲ መልኣክ፣ ክትሽገር ምስ ረኣያ፣ ከምዚ በላ፣ ማርያም ኣይትፍርሒ። ሰላም ዝበልኩኺ ከፍርሓኪ ኣይኰነን። ምእንቲ ክትሕጎሲ እዩ ጥዑም ዘረባ ዝተዛረብኩኺ፣ ። ኣብ ዉሽጥኺ ነቲ ናይ ኣድማስ ሰላም ስለዝጾርኪ፣ ኣብ ነፍስኺ ፍርሒ ኣይሰምዓኪ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡  ኣይትፍርሂ! ካብ ኲሎም ፍጥረታት ዝጸበኺ ክትዀኒ ተሓሪኺ ኣለኺ። ካብ ሰማይ ላዕሊ ዝበራህኪ፣ ካብ ጸሓይ ንላዕሊ ኣተንጸባርቒ፣ ልዕሊ መላኣኽቲ ዝኸበርኪ፣ ኢኺ። ኣብ ምድሪ ኮይንኪ፣ ናብ ሰማይ ዉን ከይደየብኪ፣ ገና ኣብዚ ምድሪ እንኮለኺ፣  ነቲ ሰማያዊ ኣምላኽን፣ ናይ ኲሉ ንጉስን፣  ናባኺ ስሒብኪ ኣዉረድክዮ።

ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። ናይዚ ተግባር ፍጻመ፣ ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ፣ ካብ ቃላተይ ንላዕሊ ይቅድም፣ ሚስጢር ናይ ምጥናስኪ ካብ ድምጸይ ንላዕሊ ይቅልጥፍ። ንኲሉ ዓለም ዝፈጠረ እግዚአብሔር፣ ንሱ ሕጂ ኣብ ማህጸንኪ ኣሎ፣ ንስኺ ጾርኪዮ ኣለኺ። ካብቲ ቅዱስን ዘይረኸሰን ስጋኺ፣ ብዘይ ገለ ሽግር፣ ንዕኡ፣ ነቲ ቅዱስ ስግኡ ዝኸዉን መቅደስ፣ ካባኺ ሃነጸ። ንፍጥረት ብጽባቐ ዘወቀበ፣ ፍጹም ጥበበኛ፣ ኣብ ዉሽጥኺ ኣሎ። ብጸግኡ፣ ነቲ ዝወደቀ መልክዑ ከሐድሶ እዩ።

ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ። ዓቢ ክኸዉን እዩ! ብመለኮታዊ ባህሪኡ ፍጹም ዓቢ እዩ፣ ሰብ ብምዃኑ ዉን ዓቢ ክኸዉን እዩ። ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። እግዚኣብሄር ንዳዊት፣ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፣ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሐለዉ፣ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኺቕመጡ እዮም፣ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ። /መዝ 132፥11/ መሓለ እግዚአብሔር በጽድቅ፣ ወኢይነስህ-እግዚአብሔር ንዳዊት ብጽድቂ መሓለሉ፣ ኣይክሕስዉን እዩ። እንታይ ኢሉ ብሓቂ መሓለ? ካብ ፍረ ከርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ። እዚ ማሕላ እዚ፣ ሎሚ ተፈጸመ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። ካብዚ ንጉስ ንላዕሊዝዓቢ ማንም የለን፣ ነዚ ንጉስ ካብ ዝወለደት ሰበይቲ ዉን ዝዓቢ ካልእ ማንም ሰበይቲ የላን።

ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ። ንዮሴፍ ተሓጽየ እምበር፣ ገና ሰብኣየይ ኣይኰነን ዘሎ፣ እምበር`ከ እቲ ሕጊ ናይ ሕጸ ንኸምዚ ይኽልክል እዩ፣ ክሳብ ንምርዖ ዉን በዚ ሕጊ ኢና ንምእዘዝ። ከመይ ኢልካ ደኣ፣ ብዘይ ሰብኣይ ክትጠንሲ ኢኺ ትብለኒ? ዘርኢ ዘረኣይ ከይረኸብኩ፣ ከመይ ኢለ ክፈሪ ይኽእል? ምናልባት`ዶ፣ ንፈለማ ግዜ፣ ሕጊ ተፈጥሮ ኣብኣ ዝተቀየረ ናይ መጀመርያ ሰበይቲ ክኸዉን ኮይነ? ምናልባት ባህሪያዊ መስርሕ ጥንሲ`ዶ፣ ኣባይ ክቅየር ኮይኑ? እቲ ናይ ጥንቲ ሕጊ ምዉላድ`ከ፣ ኣባይ ንመጀምርያ ግዜ ክልወጥ ድዩ? ኦ መልኣክ፣ እስከ ነዚ ዘረባኻ ኣብርሃለይ፣ ትርጉም ቃላትካ ኣነጽረለይ፣ ናይዚ ጽባቀ ዝመልኦ ብስራትካ ኣረድኣኒ፣ ነዚ ዘይባህሪያዊ መስርሕ ጥንሲ ጽቡቕ ጌርካ ግለጸለይ። ሚስጢር ናይቲ ኣነ ዝወልዶ ቀስ እንዳበልኩ ምእንቲ ክፈልጦ፣ ከመይ ጌሩ ፍጹም ዘይከኣል ነገራት ከም ዝከኣል፣ ዘይግብራዊ ነገር ከመይ ጌሩ ብግብሪ ከም ዝፍጸም፣ ዘይከዉን ነገር ክዉን ከም ዝኸዉን፣ ከመይ ጌሩ ጸጋ ንተፈጥሮ ከም ዝቅይሮን ከም ዘመሓይሾን፣ ከመይ ጌሩ ተፈጥሮ ንጸጋ ከም ዝእዘዝን፣ ምእንቲ ክፈልጥ፣ ኣረድኣኒ።

እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ።  ነቲ ፍጹም ጥበበኛ ዝዀነ፣ ነቲ ፈጣሪ፣ መን ምዃኑ እንድሕሪ ፈሊጥኪ፣ ከመይ ከም ዝሰርሕ ብዙሕ ኣይትሕሰቢ። ነቲ ቀራጻይ ነዳቓይ ሃናጻይ ዝዀነ ኣምላኽ፣ ጽቡቕ ጌርኪ እንድሕሪ ተረዲእክዮ፣ ብዛዕባ ስርሑ ብዙሕ ኣይትሕተቲ። ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ፣ ስለዚ መንፈስ ስርሑ ክፍጽም ሕደግዮ። መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፣ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፤ ነዚ ጥራይ ክብለኺ እየ ተላኢኸ፣ ‘ክትጠንሲ ወዲዉን ክትወልዲ ኢኺ’። ከመይ ጌርኪ ክትወልዲ ኢኺ፣ እቲ ካባኺ ዝዉለድ ባዕሉ ክገለጸልኪ እዩ። ኣነ ከም ባርያ ነቲ መልእክቲ ኣብጺሐ ኣለኹ፣ እግዚአብሔር ባዕሉ ነቲ ዕዮ ክፍጽሞ እዩ፣ እንታይ ከም ዝግበር ዉን ንሱ ይፈልጥ። ኣነ፣ ነቲ ካብ ንጉስ ዝተዋህበ መልእክቲ ዘብጽሕ እምበር፣ ኣምላካዊ (መለኮታዊ) ፍቃድ ዝትርጉም ኣይኰንኩን። ኣነ፣ ነቲ ዘይተማሃርክዎ ክምህረኪ፣ ነቲ ዘየተነገርክዎ ድማ ክትርጉመልኪ፣ ወይ ዉን ነቲ ሚስጢር ዝዀነ ዉን ክገለጸልኪ ኣይክእልን። ነቲ ብስራት ከረድኣኪ ዓቅሚ የብለይን።

ኣነ ነቲ መልእክቲ የበስረኪ ኣለኺ፣ ከመይ ጌሩ ከም ዝፍጸም ግና ኣነ ክገልጸልኪ ኣይክእልን። ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ኣይምርምርን፤ ዘይብጻሕ ነገር ኣይመጣጠርን፤ ኣብቲ ንዓይ ዘይምልከተኒ ጉዳይ ኣይኣትዉን፣ ነቲ ተመራሚርካ ዘይብጻሕ ነገር ማለት ጸጋ ከመይ ጌሩ ከም ዝዓዪ ኣይመራመርን። ነቲ ክግለጽ ዘይከኣል ልደት፣ ክዝተየሉ ኣይክእልን። ብሓቂ ናይዚ ጥንሲ መንፈሳዊ ዕዮ፣ ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ እዩ፣ ካብ ኲሉ መግለጺታት ንላዕሊ እዩ፣ ናይዚ ንድሕነት ዝኸዉን ልደት ዝገለጽ ሓተታ የለን።

Kamagra is introduced in market by Ajanta pharma specifically to combat the inability to gain erection can be a frequent difficulty when guys achieve the age cialis price http://deeprootsmag.org/category/departments/deep-roots-theater/page/2/?feedsort=date of 30-70.
መንፈስ ቅዱስ ክወርደኪ እዩ።  መንፈስ ቅዱስ ከመይ ከም ዝዓዪ ንሱ ይፈልጥ፤ ወልድ ዉን ንዕኡ ዝኸዉን መንፈሳዊ ማህደር ከመይ ጌርካ ከም ዝዳለው ጽቡቕ ጌሩ ይፈልጥ እዩ። ንሱ፣ እቲ ንፍጥረታት ዝፈጠረ፣ ንሕጊ ተፈጥሮ ኣይግዛእን፤ ንሱ በይኑ ይምድብን ይፍጽምን፤ ንሱ በይኑ፣ ከምቲ ናቱ ፍቃድን ዕላማን፣ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ክግለጽ እዩ።

ኣቦ (እግዚአብሔር አብ) ዉን፣ እቲ ሓደ ወዱ ስጋ ክለብስ እንከሎ ይፈልጥ እዩ፤ ምክንያቱ ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ፣ ኣብኡ ወልድ ኣሎ፣ ኣብቲ ወልድ ዘሎ ድማ ኣብኡ ኣቦ ኣሎ። ስሉስ ቅዱስ ኣይፈላለይን ኣይምቀልን። ኣብቲ መጀመርያ ዉን ከምኡ እዩ ኔሩ፣ ኣቦ ንዓለም ክፈጥር ምስ መደበ፣ ንወልድን ንመፈስ ቅዱስ ምስኡ ንክሓብሩ፣ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” /ዘፍ 1፥26/ ብምባል ክዛረቦም ከሎ ንሰምዕ። ኣብዚ ሓድሽ ፍጥረት ድማ፣ ስሉስ ቅዱስ፣ ደጊሞም ብሓባር ንረኽቦም። እቲ ቀዳማይ ፍጥረት ናይ ስላሴ ሓባራዊ ስራሕ ነበረ፣ እዚ ካልኣይ ፍጠረት ዉን ናይ ስላሴ ሓባራዊ ዕዮ እዩ።

ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። ብሓቂ ንሱ፣ ካብ ዘርኢ ሰብኣይ ዘይተወልደ፣ ቅዱስ ዘርኢ እዩ፣ ፍጹም ቅዱስ ልደት ዉን እዩ። ብመለኮታዊ ባህሪኡ ወዲ እግዚአብሔር እዩ፣ ብስጋዊ ባህሪኡ ድማ፣ ወዲኺ እዩ። ብእምነት ከም ዝተረዳእናዮ፣ ንሱ ብባህሪኡ ምስ ኣብ ማዕረ እዩ፣ በቲ ዝርአ ባህሪያቱ ድማ ምሳኺ ማዕረ እዩ። ሰማያዊ ምድራዊን፤ ዝረአን ዘይረአን፤ ብመለኮታዊነቱ ዘይምርመር፣ ብሰብኣዊነቱ ድማ ዝምርመር እዩ። ንሱ፣ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ኢየሱስ ፍጹም ሰብ ዉን እዩ። ኮይኑ ግና፣ ከምቲ ንሱ ስጋዊ ለቢሱ ክነሱ፣ ካብቲ ኣምላካዊ ባህሪኡ ፍጹም ዘይተቀየረ፤ ንስኺ ዉን፣ ንጽህቲ ኣደ ክነስኺ ድንግልናኺ ግና ኣይክልወጥን እዩ። ኣብዚ ኲነት እዚ፣ ድንግልና ምስ ልደት፣ ልደት ዉን ምስ ድንግልና ኣይክጻረርን።

ክትፈልጢ ትደሊ ዲኺ? ነዚ ኣባኺ ዝፍጸም ዘሎ ተኣምር`ዚ፣ ብዝረአ መልክኡ መርምርዮ። ኣብዚ ናይ ጥንሲ መስርሕ ዝፍጸመ ሚስጢራዊ ነገራት ክትርድእዮ ትደልዪ ዲኺ? ነታ ዘመድኺን ጓል ጎደቦኽን ዝዀነት ኢልሳቤጥ ተመልክትያ። እነሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ ኣብ እርግናኣ ወዲ ካብ ትጠንስ፣ እዚ ወርሒ እዚ ሻድሻያ እዩ፡እግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን። /ሉቃ 1፥36-37/

ኤልሳቤጥ፣ ተስፋ ዘይነበራ መካን እኳ እንተ ነበረት፣ ሕጂ ግና ሓራ ኮይና ኣላ። እዚ ድማ፣ ድንግልናኪ ከም ዘይትንከፈ ዘረድኣኪ ተኣምር እዩ። ንሳ፣ ዕድሜኣ ዝሓለፋን መካንን ዝዀነት፣ ሕጂ ግና፣ ነቲ ካባኺ ዝዉለድ ንጉስ፣ ኣዋጅ ነጋሪን መንገዲ ጸራጊን (ዮሃንስ መጥምቅ) ዝዀነ ዉላድ ወሊዳ፤ በዚ ድማ፣ ነቲ መድሓኒ ክትወልድዮ ምዃንኪ፣ ክትኣምኒ ኢኺ። ስለዚ፣ ኪዲ ናብ ኤልሳቤጥ፣ ከምቲ ዝበልኲኺ ኮይኑ እንድሕሪ ዘይጸንሓኪ ድማ፣ ቃላተይ ኣይትእመንዮ።

ብመንፈስን ብስጋን ድንግል ዝዀነት፡ ኣማኒት፡ ፈርሃ እግዚአብሔር፡ እዝዝቲ፡ ትምክሕቲ ደቂ ሰባት፡ ኣፍደገ ህይወት፡ ናይ ድሕነትና ማምጽኢት፣ ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ብዛዕባ ቃላት ናይቲ መልኣክ እንታይ በለት?

ንቃላት ናይቲ መልኣኽ ብሓጎስ ተቀቢላ፣ ከምዚ በለት፤ “ነያ ኣመቱ ለእግዚኣ ኲሉ፣ ይኲነኒ ብከመ ትበሌኒ/ እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር እየ፣ ከምቲ ዝበልካኒ ይዀነለይ”። ኣነ ባርያ እየ፣ ንትእዛዝ እግዚአብሔር ግዝእቲ እየ። ከም ጭቃ (መሬት)፣ ነብሰይ ኣብ ኢድ ሰራሓይ ጭቃ (መሬት) ኣሕሊፈ ይህብ። ንሱ ፈጣራይ እዩ፡ መድቡ ኣባይ፣ ከምቲ ኣምላካዊ ስልጣኑ፣ ፍቃዱ ይፈጽም። ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ምእንቲ ክገልጽ፣ ነቲ መግለጺ ዘይብሉ ፍሉይ ዝዀነ ልደት፣ ብተኣምራቱ ይፈጸም። ከም ቃልኻ ይዂነለይ፣ ቃላትካ ኣባይ ይተግበር፣ እቲ ዝትግበር ዘበለ ሓቂን ግሉጽን ይዂን።

ሽዑ እቲ መልኣክ እግዚአብሔር ሓዲግዋ ኸደ፣ ካብ ሰማያት ወሪዱ፣ ነታ ድንግል ተዛሪቡ፣ ድልዉቲ ገበራ። ከም መጠን ዘለዎ ክእለት፣ ዓሊሙ ኣስለጠና። ካብኣ ዉን፣ እቲ ክሰምዖ ዝግባእ ነገራት ረኸበ። ስለዚ ዉን፣ ናብቲ ቀደሙ ቦትኡ፣ ናብ ላዕሊ ተመልሰ። ነቲ ዝለኣኾ (ኣምላኽ-ወልድ) ምስኣ ኣብ ታሕቲ (ኣብ ምድሪ) ሓዲግዎ ናብ ሰማያት ተመልሰ። እቲ መልኣኽ፣ ናብ ላዕሊ ምስ ተመልሰ ግና፣ (ወልድ) ኣብኡ ኣብ ሰማያት፣ ብዂሎም መላኣኽቲ ክምስገን ጸንሖ።

እስከ ስማዕ ኣርዮስ፣ ብዛዕባ`ዚ ኸ እንታይ ክትብል ኢኻ? እስኸ ንገረኒ፣ ኣታ ድኹም፣ እቲ ማንም ክዉስኖ ዘይክእል፣ ከመይ ጌሩ ኣብ ማህጸን እታ ድንግል ተወሰነ? ድንግል፣ ነቲ ምድሓኒና ዝዀነ ጸኒሳን ብጸጋ ድማ ተመሊኣ ኣላ። ከመይ ጌራ ድንግል፣ ክትጠንስ ትኽእል፣ መሊሳ ድማ ብድንግልና ከመይ ጌራ ክትጸንዕ ትኽእል?

ፈጺምካ ክትምልሶ ኣይትኽእልን። ኣይኰነን ንስኻ`ስ፣ እታ ነቲ ሚስጢር ክትወልድ ዝበቅዐት ኣደ እዃ፣ መጀመርያ፣ ቅድሚ ምዉላዳ ኣይተረድኣን ኔሩ፣ ንስኻ ደኣ ከመይ ጌሩ ክርድኣካ? መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል፣ ኣደ ጐይታ፣ ‘ከመይ ጌሩ እዚ ይኸዉን፣ ሰብኣይ ከይፈለጥኩ‘ ምስ በለቶ፤ ካልእ መግለጺ ስለዘይነበሮ፣ ናብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እንዳ ጎየየ ከይዱ /መንፈስ ቅዱስ ክወርደኪ እዩ ብምባል እቲ ዕዮ ንመንፈስ ቅዱስ ሓደጉሉ/። ንሱ ገብርኤል ዘይተረድኦ ደኣ ከመይ ጌርካ ንስኻ ክትገልጾ ትኽእል?

ነቲ ኣብ መልኣት ዘመን ዝዀነ፣ ናይ ክርስቶስ ስጋዊ ልደት፣ ማንም ክገልጾ ካብ ዘይከኣለ፤ ከመይ ተባሂሉ ደኣ፣ ነቲ ካብ ዘለዓለም ዓለም ጀሚሩ ዝነበረ ወልድ፣ ካብ ባህሪ ኣቡኡ ዝተወልዶ፣ ሰማያዊ፡ ዘለዓለማዊ፡ ዘይጭበጥ፡ ዘይርአ፡ ዘይምርመር፡ ክግለጽ ዘይከኣል፡ መለኮታዊ ልደቱ፣ ክትገልጾ ትደፍር?

ምስጋና ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን፣ ኣሜን!

Pseudo-Chrysostom, On the Annunciation to the Mother of God and Against the Impious Arius

ምንጪ፦ Mary and The Fathers of the Chruch, by Luigi Gambero pg 275