ምዕራፍ 2.ፍቓድካ ምቁጽጻር- መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ

መእተዊ 1.ኣእምሮኻ ምግዛእ

ፍቓድካ ምቁጽጻርwill

ቅ.ጳውሎስ «ብውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዉን ዝማርኸኒ ካልእ ሕጊ እሪኢ ኣለኹ።» /ሮሜ7፥22-23/

ኣቦታት ነዚ ክገልጽዎ እንከለዉ፣ ሰብ ክልተ ፍቓድ ኣለዎ ይብሉ። እቲ ቐዳማይ ላዕለዋይ ፍቓድ ኮይኑ፡ ዉሽጣዊ እዩ «ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ» /ቆላ 3፥1/ ዝድሊ፣ ሰናይ ፍቓድን ሰናይ ግብርን ክገብር ዝደሊ እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ታሕተዋይ ፍቓድ፡ ስምዒታዊ ፍቓድ ወይ «ሕጊ ሓጢኣት» ኮይኑ፡ ዓለማዊ ምንባርን ስጋዊ ፍትወትን ዝደሊ እዩ። እዘን ክልተ ፍቓድ ተጻረርቲ ስለዝኾና፣ ዘዉትር ኣብ ኲናት እየን።

መብዛሕቲኡ ግዜ ግና፡ ሓጢኣት ንሰናይ ፍቓድ ክስዕሮ ይረኣይ። እዚ ስምዒታዊ ፍቓድ ወይ ሕጊ ሓጢኣት ብጸላኢና ዲያብሎስ ዝምራሕ ኮይኑ፣ እቲ ሰናይ ፍቓድ ወይ ላዕለዋይ ፍቓድ ግና ብጸጋ ኣምላኽ፣ ብክርስቶስ ዝምራሕ እዩ።

ዕላማ ክርስትያን፣ ንታሕተዋይ ፍቓድ ስዒሩ ንላዕለዋይ ፍቓድ ክግዛእ፡ ማለት ንሓጢኣት ገዲፉ ብጽድቂ ንክጉዓዝ እዩ። እዚ ግን ከቢድ እዩ። ንቅ.ጳውሎስ እኳ «ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ ካብዚ ናይ ሞት ስጋሲ መንኮን ከድሕነኒ እዩ» /ሮሜ 7፥24/ ብምባል ክሳዕ ዘማርር እዩ ከቢድዎ።

ዲያብሎስ በሊሕን ተንኮለኛን እዩ። ዋላውን ንሓጢኣት ገዲፍና (ንታሕተዋይ ፍቓድ ሲዒርና) ሰናይ ግብሪ ክንፍጽም እንተበቓዕና፣ መንገዱ ብምልዋጥ መሊሱ ከውድቐና ይጽዕር። ነቲ ንፍጽሞ ሰናይ ግብሪ ዉን ካብ ጸጋ ኣምላኽ ሪሒቕና ከምንሰርሖ ይገብረና። በዚ ድማ፣ ዋላውን ጽቡቕ (ሰናይ) ነገር እንተገበርና፣ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጺእና ስለዝገበርናዮ፣ እግዚኣብሔር በቲ ስራሕና ኣይሕጎስን [pullquote]ዋላውን ጽቡቕ (ሰናይ) ነገር እንተገበርና፣ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጺእና ስለዝገበርናዮ፣ እግዚኣብሔር በቲ ስራሕና ኣይሕጎስን[/pullquote]።

ነዚ ዉዲት ተጊህና እንድሕሪ ሰጊርናዮ ድማ፣ መሊሱ ካልእ ዉዲት ይኣልም። ትዕቢትን፡ ገዛእ ርእስኻ ምዉዳስን፡ ኣብ ልብና የሕድር። ብኸምዚ ኸኣ በቲ ዝሰራሕናዮ ጽድቂ ስራሕ፣ በረኸት ከም ዘይንረኽብ ይገብረና።

ስለዚ ቃልስና መሪር ምዃኑ ንገንዘብ! ክሳዕ ናይ መወዳእታ ትንፋስና ትሓልፍ ኽንቃለስ ይግባእ። «ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ክሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን» ብምባል  ቅ.ጳውሎስ ኣጠንቂቑና እዩ/ዕብ 12፥4/። «እቲ ቅልስና ምስ ህልቅነትን ስልጣናትን ምስናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን እሞ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋም ምእንቲ ክትክእሉስ ኩሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለቲ ቦታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ክትክእሉ ኩሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ» /ኤፌ 6፥12-13/።

ቅ.ጴጥሮስ ብግዲኡ «ዲያብሎስ እቲ መጸርርትኹም ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጥንቀቑ ንቅሑ» /1 ጴጥ 5፥8/ እንዳበለ ይመኽረና።

እዚ ኲናት እዚ፣ ክንቃለሶን፣ ተቃሊስና ዉን ስዒርና ክንወጽእ ይግባእ። ኮይኑ ግና እቶም ዝበዛሕና ሰባት «ብጣዕሚ ከቢድዩ» ንብል። እወ ከቢድ እዩ! ጐይታ ውን ከቢድ ምዃኒ ስለዝፈልጥ እዩ «እታ ናብ ህይወት ትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መንገዳ ውን ቀጣን እያ እቶም ዝረኽብዋ ከኣ ሒደት እዮም» ዝበለና /ማቴ 7፥14/።

እቲ ባህ ዘብል ግና፣ እቲ ዝጓዝም ኣንበሳ መጻርርትና ድያብሎስ፣ ነቲ ኣባና ዘሎ ናጻ ፍቓድ ኣይቆጻጸሮን ኣይግድዶን እዩ። ኲሉ ግዜ ዘዋጽኣና ክንዉስን፣ ናጻ ኢና፣ ነዚ ናጽነትና ድማ ዲያብሎስ ኣይዉንኖን።

ዲያብሎስ፣ ልኽዕ ከም ሓደ ኣርቴፊሻል ኣቕሑት ኽሸይጥ ዝደሊ፣ መታለሊ ሸቃጣይ ኮይኑ ይቐርበና። ነቲ ንሱ ዝምሃዞ ነገራት፣ ክንቅበሎ ይጉስጉሰና፤ ኮይኑ ግና ነቲ ዘቕርቦ ነገር ክንቅበሎ ወይ ክንነጽጎ ንዓና ይምልከት።[pullquote]ዲያብሎስ፣ ልኽዕ ከም ሓደ ኣርቴፊሻል ኣቕሑት ኽሸይጥ ዝደሊ፣ መታለሊ ሸቃጣይ ኮይኑ ይቐርበና። ነቲ ንሱ ዝምሃዞ ነገራት፣ ክንቅበሎ ይጉስጉሰና፤ ኮይኑ ግና ነቲ ዘቕርቦ ነገር ክንቅበሎ ወይ ክንነጽጎ ንዓና ይምልከት።[/pullquote]

መታለልቲ ሸቃጦ እሞ ዘክርዎም! ዘይረብሕ ንብረት ሒዞም መጺኦም፣ ብጡዑም ልሳን ጠቢሮም፣ ንመዓልታት ከገልግለና ዘይክእል ንብረት እዮም፣ ክሽጡልና ዝፍትኑ። ምስኦም ክንረዳዳእ ከማን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ገለ እዋን ውን ምስኦም ንጋጨው ኢና።

እቲ ሓጢኣት ከም ንብረት እንዳሸጠ፣ ንሰባት ዘዉድቅ መታለሊ ዲያብሎስ ውን ከምኦም እዩ። ክንቅበሎ ብዝከኣል ሓሳብ ደጊፉ ደጋጊፉ፣ ዝተፈላለየ ሓጢኣት ክሸጥልና ይፍትን፤ ክንቅበሎ ኮነ ክንነጽጎ ግና ንዓና እዩ ዝገድፎ።

ስለዚ፣ ነቲ ዲያብሎስ መዓልታዊ ዝድርብየልና ዘሎ ሓጢኣት ከምይ ጌርና ክንቃወሞ ይከኣል?

ቀዳምነት ብጸሎት እዩ። ዲያብሎስ ኣብ ቅድም’ቲ፣ ድኽመቱ ንእግዚኣብሔር ዝነግር ሰብ፣ ክቐውም ኣይክእልን። ስለዚ፣ ድኽመትካ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንገሮ። ብሰዓታት ጸሎት ጌርካ «እቲ ጽድቂ ብሓይሊ ገደል ዝድሕን ካብ ኮነስ ኣነ ሓጥእ ደኣ ኣበይ እየ ዝቐውም፡ ብምክንያት ድኽመት ሰብነተይ ንሙቐትን ክብደት መዓልቲ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን» በል። ምስ ቅ.ጳውሎስ «ዎ ጐይታይ ብዘይካኻ ካብዚ ናይ ሞት ስጋ መን ኮን ከድሕነኒ እዩ» ኢልካ ብኸ። «ዎ እግዚኣብሔር ማህሚነ እየ’ሞ መሓረኒ» በል ምስቲ ዘማራይ /መዝ 6፥2/።

ካልኣይ ድማ፣ ንሓጢኣትን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘቕርበልካ ዘሎ ዲያብሎስን ምጽላእ ተላመድ። ከምቲ መታለልቲ ሸቃጦ ንጸልኦም፤ ንሰይጣን ውን ከምኡ ጌርና ንጽልኣዮ። ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ምዃኑን፣ ይቅረብ ይንዋሕ ብዘየገድስ ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደዉ ኢልና፣ ጸብጻብ ግብሪና ከም እነቅርብን፣ ከከም ግብሪና ከም እንፍረድን፣ ንዘክር።
It has been estimated that http://secretworldchronicle.com/tag/jack/ commander cialis ED condition affects 30 million men in the United States.
«እነሆ ኣብ ቅድሚ ቅኑዕ ፈራዲ ክቐውም ተዳልየ ኣለኹ። እቲ ኣብ ምግጋይ ዝሓለፈ ዕድመይ ንኩነኔን ንፍርድን ብቑዕ ስለዝኾነ ብብዝሒ ሓጥያተይ እርዕድን እንቅጥቀቕን ኣለኹ» ትብል ናይ ሰዓታት ጸሎት ንዘክራ። ሞትናን፡ መዓልቲ ፍርዲናን ምዝካር፣ ንሓጢኣት እንከላከለሉ ዕርዲ እዩ። [pullquote]ሞትናን፡ መዓልቲ ፍርዲናን ምዝካር፣ ንሓጢኣት እንከላከለሉ ዕርዲ እዩ።[/pullquote]

ጸላኢና ድያብሎስ ከጥቅዓና እንከሎ፣ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ንኣብነት ሓደ ሰብ መጺኡ ይጸርፈና። ብኡንብኡ፣ እቲ ሸቃጢ ሓጢኣት ዝኾነ ድያብሎስ ሸቀጡ (ስርሑ) ይጅምር። «ኤእ ክብርኻ ዓቅብ፡ በዚ ማንም ዘይረብሕ ስበ ክትዋረድ፡ ገለ ግበር ሱቕ ኣይትበል ንገዛእ ርእስኻ ተኸላከለላ» ይብለና።

ብቐዳምነት ክንዝክሮ ዝግበኣና ነገር እንተሃልዩ፣ እዚ ሓሳብ ናይ ሰይጣን ምዃኑን፣ ሓጢኣት ክሸጠልና ይሓስብ ከምዘሎ ዉን ንረዳእ። እንታይ ዓይነት ሓጢኣት ክሸጠልና ይሓስብ ከምዘሎ ንመርምር። «ለካ ሕርቃንን፡ ሕነ ናይ ምፍዳይን ሓጢኣታት ክሸጠለይ ይሓስብ ኣሎ» ብምባል ንገዛእ ርእስና ነዘኻክራ። እቲ ሓጢኣት ገና ናብ ልቢ ከይሰገረ እንከሎ፣ ቆሪጽና ከነልግሶን፣ ስምዒትና ከነህድእን ኣለና። «ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ» ንበሎ።  ክሰምዓና እዩ! ሰሚዑ ክርሕቐልና ግና ኣይንጸበይ።

ካልእ ሓሳብ ምሂዙ፣ ደጊሙ ይፍትነና። ኣብዚ፣ እቲ ዓንተቦይ ዝተዛረብናሉ ነገር ንዘክር። ዲያብሎስ ዘምጽኣልና ክፋእ ሓሳባት፣ ከም ቀታሊ ጸላኢና ሪኢና፣ ክንጸልኦን ክንፍንፍኖን ንጽዓር፣ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ዉን ንገዛእ ርእስና ነላምድ። ምስ ዘማራይ ዳዊት «ኣቲ ክትዓንዊ ዘሎኺ ባቢሎን ሕነ እቲ ዝገበርክና ዝፈድየኪ ምስጉን እዩ። ንህጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዘራጽሞም ምስጉን እዩ» /መዝ 137፥18-19/። ጓል ባቢሎን ዝተባሃለት ኣብ ኣእምሮና ዝገማጠል ክፉእ ሓሳባት ምዃኑ፣ ኣቦታት ይምህሩ።

መነኮሳት ኣቦታትናን ኣዴታትናን፣ ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ክብርትዖም እንከሎ፣ ዝጥቀምሉ ሚስጢራዊ መሳርሒ ኣለዎም። ንኣብነት፣ ናይ ሓሳብ ኲናት ከጋጥሞም እንከሎ፣ እንዳደጋገሙ ዝጽልይወን  ሓጸርቲ ጸሎት ኣለዋ። እዚአን ጸሎታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስዳ፣ ሓጸርቲ ሓረጋት እየን። «ኦ ኣምላኽ ንምድሓነይን ኦ እግዚኣብሔር ንሓገዘይ ቃልጥፍ»/መዝ 70፥1/ ዝብል ጸሎት ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ንከምዚ ዓይነት ሓሳብ ፈጺምና ክነርሕቖ እንድሕሪ ደሊና፣ ኣንጻር`ቲ ድያብሎስ ዘምጽኦ ሓሳብ ንግበር። ፍጽምና ማለት ካብ ሓጢኣት ምርሓቅ ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፣ ኣብ ክንዲ ክፉእ ካልእ ሰናይ ግብሪ (Virtues) ምግባር እዩ። «ካብ እከይ ርሓቕ፡ ሰናይ ከኣ ግበር፡ ንሰላም ድለያ ሰዓባ ውን» /መዝ 34፥14/ ብምባል ዳዊት ዝዘመሮ፡ ነዚ ንምግላጽ እዩ። ጐይታ ውን «ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ… እግዚኣብሔር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርህሩህ እዩሞ ዓስብኩም ብዙሕ ክኸውን እዩ ውሉድ እቲ ልዑል ውን ክትኮኑ ኢኹም።» /ሉቃ 6፥35/ ይብለና።

ዋላ ነዚ ኩሉ ጌርና ከነብቅዕ፣ ምናልባት እቲ ቓልሲ ዕረፍቲ ዘይህብ፡ ከም ማዕበል ባሕሪ ቀልጢፉ እናተመላለሰ ከሸግረና ይኽእል። ንከምዚ ዓይነት መሪር ቃልሲ፣ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዕና፣ ብኣፍና እንዳደጋገምና ብምጽላይ፣ ክንቃወሞ ይከኣል። ንኣብነት /መዝ 27፥1-3/ «እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምጽሓነይን እዩ ካብ መንደኣ’የ ዝፈርሕ፣ እግዚኣብሔር ሓይሊ ህይወተይ እዩ ካብ መን’ከ እየ ዝስንብድ፣ ገበርቲ እከይ ንስጋይ ክዎሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዕ እሞ ወደቑ፡ ክቃወመኒ ኢሉ እዃ ሰራዊት እንተዝዓርድ ልበይ ኣይፈርህን እዩ ኩናት ውን እንተዘለዓለኒ እምነት ኣሎኒ» ነዚ ጸሎት ደጋጊምካ ጸልዮ።

ኣማልድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ሕተት፣ ወትሩ ብጸሎታ ክትሕግዘካ ተማሕጸና። «ኦ ንጽህት ድንግል ናብ ባርያኺ ኣቲ ቅልጡፍ ጽላል ረድኤትኪ ዘርግሒ። ነቲ ኣብ ሕልናይ ከም ማዕበል ዝገማጠል ክፉእ ሓሳባት ካባይ ኣርሕቕዮ» እንዳበልካ ብጸሎት ሰዓታት ለምና። ኣብ «መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት» እዚ ጸሎት ንረኽቦ። ኣቦታትና ንከምዚ ዓይነት ፈተናታት ንክሕግዘና ብምባል እዩ፣ ኣብ መጽሓፍ ጸሎት ነዚ ዘእተዉልና።

ምናልባት ፈተና ክብርትዓና እንከሎ ግና፣ ልዕሊ እቶም ኣንጻርና ዝቃለሱ ጸላእቲና፣ እቶም ንዓና ዝሕግዙ ቅዱሳን ከምዝበዝሑ ንዘክር።

ሓደ እዋን ሓደ ክፉእ ንጉስ ንነብይ ኤልሳዕ ክሕዞ ኢሉ ጸላእቱ ኣኽቲቱ ናብ መንበር ገዛ ኤልሳእ ወፈረ። ኣገልጋሊ ኤልሳዕ ነቲ ናይ ንጉስ ሰረገላታትን ኣጽዋር ዝዓጠቑ ሰራዊት ምስ ረኣዮ ብጣዕሚ ፈረሐ።  ኤልሳዕ ግና «ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ ኣይትፍራሕ በሎ። ኢልሳዕ ድማ `ዎ እግዚኣብሔር እልምነካ ኣለኹ ክርእስ ኣዒንቱ ክፈተሉ’ ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሔር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ’ሞ ረኣየ። እነሆ ድማ ካብ ዙርያ ኤልሳዕ እቲ ከረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰለገላታትን መሊእዎ ነበረ» /2 ነገ 6፥16-17/።

ኣብ ህይወት ቅዱስ ሙሴ ጸሊም ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙ እዩ። ብዙሕ ግዜ ክፉእ ሓሳብ እንዳተመላለሰ ይፍትና ነበረ። ቀጻሊ ኸኣ ናብ ኣብ ነፍሱ ቅዱስ ኤስዶሮስ እንዳተመላለሰ ይናሳሕ ኔሩ። ንመበል 14 ግዜ ምስ ፈተኖ፣ ቅዱስ ኤስዶሮስ ንሙሴ ጸሊሙ፣ ናብ ልዕሊ ብዕቱ ወሲዱ ናብ ምዕራብ ጠምት’ሞ ዝርኣየካ ኩሉ ንገረኒ በሎ። «ኣንጻር መነኮሳት ናይ ኩናት ፍለጻ ዝድርብዩ ኣጋንንቲ ይረኢ ኣለኹ» በሎ።  መሊሱ ከኣ ናብ ምብራቕ ጠምት`ሞ ዝረኣየካ ንገረኒ በሎ «ካብ ኣጋንንቲ ንዝስንደዉ ፍላጻታት ኣብ መነኮሳት ንከይበጽሕ ዝከላከሉሎም ቅዱሳን መላእክቲ ይርኢ ኣሎኹ» በሎ። «መኖም ይበዝሑ፣ እቶም ኣንጻርና ዝዋግኡ`ዶ፣ ዋላስ እቶም ምሳና ኮይኖም ዝቃለሱ?» ኢሎም ሓተትዎ። ቅ.ሙሴ ጸሊም ከኣ «እቶም ዝከላኸሉልና መላእክቲ ይበዝሑ» ብምባል መለሰ። ብድሕሪዚ እቲ ክፉእ ሓሳብ ካብኡ ረሓቐ።

ጸላኢ ሰናይ ዲያብሎስ ንዘምጽኦ ሓሳባት ክንቃወሞ እንከሎና፣ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብዙሕ ዓስቢ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፣ ኣብ ሓደ ገዳም ሓደ ንእሽተይ መነኮስ ነበረ፣ ኩሉ ግዜ መምህሩ ማለት ኣበ-ነፍሱ ከይባረኽዎ ኣይድቅስን። ከም ልማዱ፣ ሓደ ግዜ «ባርኹኒ ኣባ» ብምባል ርእሱ ምስ ኣድነነ፣ እቶም ኣቦ ግና ደቂሶም ስለዝነበሩ ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን። እቲ ወዲ ግና `ኣባ’ ክትንስኡ እዮም ኢሉ ተስፋ ጌሩ ተጸበዮም፣ እቶም ኣቦ ለይቲ ሙሉእ ደቂሶም ሓደሩ። ደቂሶም እንከለዉ ግና፣ እቶም ኣቦ፣ ሸውዓተ መላእኽቲ፣ ሸውዓተ እኽሊል ኣብቲ ወዶም (ንእሽተይ መነኮስ) ከቐምጡ እንከለዉ፣ ራእይ ተራኣዮም። ምስ ወግሐ ነቲ ወዶም ጸዊዖም ትማሊ ምሸት እንታይ ጌርካ ኢሎም ሓተትዎ። እቲ መነኮስ «ይቕረ በሉኒ ኣባ ትማሊ ምሸት ክትባርኹኒ ኢለ ርእሰይ ኣድነንኩ፣ ደቂስኩም ኔርኩም፣ ገዲፍካዮም ኪድ ዝብል ሓሳብ ሽውዓተ ግዜ ፈተነኒ፣ ሸውዓተ ግዜ ተቓወምክዎ» ብምባል ነገሮም። ብኡ ንብኡ፣ እቶም ኣቦ፣ እቲ ዝረኣይዎ ሸዉዓተ ኣኽሊል፣ ንኽፋእ ሓሳብ ብምቅዋሙ ዝረኽብ ዓስቢ (ስልማት) ምዃኑ ተረድኦም። ነዚ ነገር እዚ ንትምህርቲ ኢሎም፣ ንካልኦት ተመሃሮ ነገርዎም፣ ነቲ መንእሰይ ግና ብኸንቱ ውዳሴ ምእንቲ ከይወድቕ ኣይነገርዎን።

ኩሉ ግዜ፣ ኣብ ክንዲ`ቲ መታለሊ ድያብሎስ ዘምጽኣልና ክፋእ ሓሳብ፣ ካልእ ሰናይ ግብሪ ክንገብር ንጽዓር። ንኣብነት ንበል፣ ፈተና ትወድቕ ወይ ዝሓሰብካዮ ከይሰመረልካ ይተርፍ ። ድያብሎስ ግና «እዚ ግቡእ» ኣይኮነን እንዳበለ፣ ከነማርርን ክንወቅስን ይደፋፍኣና። ኣብ ከምዚ ህሞት`ዚ «ተመስገን ኣምላኽ» ንበል። ኣብቲ መጀመርያ፣ ብኣፍካ ጥራይ ክንብል ኢና፣ ደሓር ግና ብልቢ ከንመስግን ኢና።

ካልእ ኣብነት ንዉሰድ። ሓደ ኲሉ ግዜ ክፋእ ዝሓስቢን፣ ክፋእ ዝምህረናን፣ ክፋእ ዝገብሪን ሰብ ይህሉ። ዲያብሎስ፣ ነዚ ሰብ`ዚ፣ ክንጸልኦን ክንሓርቅን፣ ክፋእ ኣብ ክንዲ ክፋእ፣ ክንመልስ ይደፋፍኣና። ከምዚ ከጋጥመና እንከሎ፣ ነቲ ሰብ`ቲ ይቕረ ብምባል፣ ክንቃወሞ ይከኣል። እንድሕሪ ከቢድና ድማ፣ «ኦ ጐይታ ይቕረ በሎ፣ ንዓይ ዉን ይቕረ በለኒ» ኢልና ክንጽልይ ይከኣል።

ብጸሎት ኣበ ነፍሲ ኣቢልና ዉን ንጸላኢ ሰናያት ድያብሎስ ክንስዕሮ ይከኣል እዩ። ኣብ መጽሓፈ መንኮሳት ነዚ ዘረድእ ኣብነት ኣሎ። ሓደ እዋን ሓደ መነኮስ ኣበ ነፍሱ (መምህሩ) ናብ ከተማ ይልእኽዎ እሞ፣ ናብቲ ዝተለኣኮ ገዛ ምስ በጸሐ፣ ሓንቲ ጽብቕቲ ጎርዞ፣ ምስኣ ምእንቲ ክዝሙ ክትፈታትኖ ጀመረት። እቲ መነኮስ ግና ቅልጥፍ ኢሉ፣ «ኦ ጐይታ ብጸሎት ኣበነፍሰይ ኣድሕነኒ» ብምባል፣ ዓው ኢሉ ጸለየ። ብኡ ንብኡ ድማ ካብቲ ገዛ ተሰዊሩ፣ ናብቲ ገዳም ዝወስድ መገዲ ተወስደ።

ብሰላም ጽንሑ፣ ምዕራፍ 3 ይቅጽል