ምዕራፍ 3. ምቁጽጻር ህዋሳታትና-መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ

last ned (12)ሰብ ሓሙሽተ ህዋሳት ኣለዎ፣ ዓይኒ መርኣዪ፡ እዝኒ መስምዒ፡ ኣፍንጫ መሸተቲ፡ መልሓስ መጥዓሚን፡ ኢድ መዳህሰሲን።

ቅዱስ ቲዮፋን ባህታዊ፣ ንሰብ ከም ኣብ ቤተ-መንግስቲ (ኣብ ስጋ) ዝነብር ንጉስ (ንነፍሲ) ጌሩ፣ ሓደ መንፈሳዊ ሓሳብ ይምህር። ቤተመንግስቲ ዝተባህለት ስጋና እያ፡ ንጉስ ዝተባህለት ከኣ ነፍሲ እያ። እዛ ቤተመንግስቲ ሓሙሽተ መሳኹቲን ሓንቲ ማዕጾን ኣለዋ። ጸላኢ ክመጽእ እንከሎ ብመስኮት ወይ ብኣፍ ደገ ጥራይ`ዩ ክኣቱ ዝኽእል። እዝኤን እንድሕሪ ተዓጽየን ድማ ጸላኢ ፈጹሙ ኣይኣትውን። ማዕጾ ኣእምሮ እዩ፣ ሓሙሽተ መሳዂቲ ዝተባህላ ድማ እተን ሓሙሽተ ህዋሳታትና እየን። ሸቃጢ ሓጢኣት ዲያብሎስ በዘን መሳዂቲ ኣቢሉ፣ ዝተፈላለየ ጣዕምን ስምዒትን ዘለወን ሓጢኣታት ብምምጻእ ንነፍሲ የታልላ። ንነፍሲና ምቖትን ፍትወትን ከም እትግዛእ ይገብራ። ሓንሳብ ናብ ከምዚ ታኼላ ምስ ኣተወት ከኣ፣ ኣርዑት ዲያብሎስ ተሰኪማ ባርያ ሓጢኣት ትኸዉን፣ ኩሉ ጉዕዞ ዉን ይቕየር። ነፍሲ፣ ኣብ ክንዲ ንእግዚኣብሔርን መንግስቱን እትናፍቕ፣ ምቖትን ፍትወትን ክትደሊ ትጅምር።

ኣምበኣር መንገዲ ክርስቲያናዊ ፍጽምና ክጅምር ዝደሊ ሰብ፣ ብመጀመርያ ነቲ መሰረታዊ ሕጊ ህይወት፣ ማለት ጣዕሚ እግዚኣብሔር ከስተማቕርን፣ ጣዕሚ ዓለም ድማ ክንዕቅን ኣለዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ውሳነ ንውስን ኢና፣ ኮይኑ ግና እቲ ቃልሲ ነዊሕን ከቢድን ምዃኑ ኣይንዝክርን። ብስጋዊ ትምኒትን ፍትወትን ንዓመታት ክንግዛእ ጸኒሕና፡ ተመሊስና ንዘለና ሕማቕ ባህሪ ክነጥፍእ ከቢድ እዩ፣ ንክትዕወት ውን ዓመታት ይወስድ፣ ዓቅሊ ዉን የድልየና እዩ። መሰረታዊ ኣካይዳና ከነመዕራሪ  እንድሕሪ ደሊና፣ ቅድም ቀዳድም ህዋሳትና ክንቆጻጸር ይግባእ።

ነፍስ ወከፍ ህዋሳትና ጽቡቅን ሕምቕን ጎድንታት ኣለዎ። ስጋዊ ኣካላትና ምቖት ይፎቱ እዩ። ብምቾት ኣቢሉ ልምዲ ይምዕብል፤ ድሕሪ ግዜ ድማ ልምዲ ናብ ወልፊ ይቅየር። ስጋዊ ፍትወት ናብ ደረጃ ወልፊ ምስ በጽሐ፣ ትምኒት ክገዝኣና ይጅምር። ኣብ መወዳእታ ናብ ዘይዉዳእ ዕንክሊል ንኣቱ። እዚ ኹሉ ግና ብህዋሳታትና እዩ ጀሚሩ። እንድሕሪ ንነፍሲ ወከፍ ህዋሳታትና ተዘይተቆጻጺርናየን፣ ናብ ባርነት ሓጢኣት ክሸማና ይኽእላ።

ነፍሲ፣ ንትምኒት ብህዋሳት ክሳዕ እተስተማቕሮ፣ እቲ ትምኒት ድጉል ሓዊ ኮይኑ ይጸንሕ። ሓንሳብ ግና፣ እታ ነፍሲ ብናይ ነዳዲ ፍትወት ኣቢላ፣ ነቲ ትምኒት ምስ ኣስተማቐረቶ፣ ብኡንብኡ ናይ ወልፊ ዓንኬል ይጅምር። «ሽዑ ትምኒት ምሰ ተጠንሰት ንሓጢኣት ትወልዳ፣ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመት ድማ ንሞት ትወልዳ» /ያዕ 1፥15/። «ከመይ ሞት ብምሳኹትና ደይቡ ናብ ኣደራሻትና ኣትዩ እዩ» ብምባል ነብይ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቃል ዉን ይፍጸም / ኤር 9፥21/። ሞት ብህዋሳታትና ኣቢሉ ናብ ነፍሲና ኣትዩ።

ህዋሳትና ብክልተ መንገዲ ኣቢልና ክንቆጻጸሮም ይከኣል። ብቀዳምነት ህዋሳታትና ንሕማቕ ስምዒት ካብ ምስትምቓር ክንክልክለን ይግባእ፣ ብተወሳኺ ድማ ጽቡቕን ሰናይን ነገር ክንመሃር ይግባእ።

ዓይኒ

በዙሓት ጥቕሲታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዓይኒ ክንቆጻጸራ ከምዝግበኣና ይነግረና። «ዓይኒ ናይ ሰብነት መብራህቲ እዩ ስለዚ ዓይንኻ ጥዑይ እንተደኣ ኾይኑ ብዘሎ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕሙም እንተድኣ ኮይኑ ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ይከውን» / ማቴ 6፥22-23/። «የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ካባኻ ጎጥጊጥካ ደርብያ። ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ ሓንቲ ኣካልካ እንተጠፍአት ይሓይሽ» /ማቴ 5፥29/ «ጓል ኣንስተይቲ ርእዩ ዝምነያ ኹሉ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ» /ማቴ 5፥28/።

ኣብቲ ቀደም ዘመን፣ ዓይንኻ ብንጽህና ምሕላው ከቢድ ኣይነበረን። «ንሰበይቲ ብትምኒት ኣይትርኣያ» ዝብል ትእዛዝ ብቐሊሉ ይትግበር ነበረ። ምክንያቱ ኣብቲ ግዜቲ ዝነበራ ኣዋልድ ብጽፉፍ፡ ምሉእ ኣካላተን ዝሽፍን ክዳን ይኽደና ነበራ። ኣብዚ ሕጂ ግዜ ግና፣ ከቢድ ኮይኑ ንረኽቦ፤ ምክንያቱ ኣከዳድና ኣዋልድ ኣዝዩ ፈታኒ ስለዘሎ። ብዘይካ`ዚ ዲያብሎስ ርክሰት ዘተኣታትወሉ ብዙሕ መነገዲታት መስሪቱ ኣሎ። መጽሄታትን፡ መጽሓፍትን በኣጸያፊ /ብዕልግና/ ስእልታት ዝወቀባ እየን። ሕብረተ ሰብ በዚ ኣጸያፊ ስእልታት /pornography/ ተጻዋርነቱ እንዳተጸቀቐ እዩ።

ዝተፈላለያ ገዛውቲ፣ ንዓይኒ ኣብ ቦታኣ ንኸይትጸንዕ ብዝግበር ኣጸያፊ ስእሊ ይዉቅባ። ናብ ዓበይቲ ድኳውንቲ /shopping mall/ ክትኣትዉ እንከለኻ፣ ብናይ ብዕልግና ስእሊ ትዕንቀፍ። ከምቲ ካራሜላ ዘይሽየጦ ድኳዉንቲ ዘለውዉ፣ ከምኡ ዉን ናይ ኣጸያፊ ስእሊታት ዘይንጸብረቐሉ ድዃዉንቲ እንተዝጅመር፣ ጽቡቕ ኔሩ።

ዋላ ካልእ ነገር ክንዕድግ ኢልና ኣቲና ክነስና፣ ኣብ ካሳ ክንኸፍል ምስ ተሰራዕና፣ ዓይኒና ብኣጸያፊ ስኢል ይፍተና። ናብ ዉሽጢ ከይኣተና፣ ብደገ ዉን ክንሓልፍ እንከሎና ዉን፣ ኣብቲ መስተያት ብዓቢ ፖስተር ይዝርጋሕ፣ ወይ ዉን ነቲ ዝሙታዊ ክዳን ዝተኸድና ባምቡላታት ኣብቲ መስቆት ደዉ የብልዉን። እዚ ከይኣክል፣ ኣብ ፈቖዶ ጽርግያታትን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታትን ዝግበር ምዉዕዋዕ፣ ናይ ዝሙት ስእሊ ብዘለዎ ፖስተራት እዩ።

ኣብ መደበራት ቴሌቪዥን ዝሙት ብፊልም መልክዑ ይቀርብ። ዋላ ኣብ ናይ ካርቱን ፊልማታት ከይተረፈ፣ ብዕልግና ዘርኢ ምንቅስቓሳት ኣለዎ። ኢንቴርኔት ልዕሊ መደባራት ቴሌቪዥን ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ። ነታ ናይ ኮምፕዩተር ማዉዝ ክሊክ፣ ጥራይ ብምግባር፣ ኣዝዩ ኣጸያፊ ዝዀነ ስኢሊታትን ቪድዮታትን ክትረክብ ይከኣል።

ንዓይኒ ካብ ዝጽይቑ ነገራት ምእንቲ ክንርሕቅ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና ቃል ክንሰምዕ ግድን እዩ። ካብ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት «እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ መልክዐኛታት ከም ዝኾና ምስ ረኣየ ካባታተን ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ» ይብለና / ዘፍ 6፥2/። ከም ሳዕቤኑ ከኣ «እግዚኣብሔር ከኣ ነቲ ዝፈጠርክዎ ሰብ ካብ ገጽ ምድሪ ክድምስሶ እየ በለ» /ዘፍ 6፥7/ ንጓል ኣንስተይቲ ብትምኒት ምርኣይ ጥፍኣት ደቂ ሰባት የስዕብ።

ዓይንና ከይተቖጻጸርና ድላይና ምጥማት ዉድቀት የስዕብ እዩ፣ ካብ ታሪኽ ንጉስ ዳዊት እንመሃሮ እዚ እዩ። ዓይንኻ ዘይምቁጽጻር ነቲ ን150 መዝሙራት ዝደረሰ፣ ነብዪ ዳዊት ከም ዝዝምዉንን ነፍሲ ከም ዝቐትሊን ጌርዎ እዩ።

ሓደ ሰብ፣ ኣንጻር ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ነገራት ክሳዕ ደም ምፍሳስ ክቃለስ ይግባእ። ከቢድ አኳ እንተዀነ፣ ንድሕነትና ግና ኣድላይ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስ ተጠንቂቕና ክንጉዓዝን፣ ሕማቕ ነገር ካብ ምርኣይ ድማ ክንቁጠብ ይግባእ። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ሕማቕ ንክንርኢ ጽዕሪታት ክንገብር ፍጹም ኣይግባእን። ናይ ጸያፍ ተግባራት ዘለዎ ናይ ፊልም ክሴት ምክራይ፣ ወይ ኣብ መደበራት ቴሌቪዥን ምድላይ፣ ወይ ኢንተርኔት ዌብሳይት ኣጸያፊ ትርኢታት ክንርኢ ሃሰው ኣይንበል። ብፍላይ ናይ ብዕላግና ካሴት ምክራይ ወይ መጽሄት ምግዛእ፣ ወይ ናይ ፖርኖግራፊ ድረገጻት ምፍታሽ፤ እዚ ከምዚ ዝመሰለ ተግባራት ፍጹም ክንገብሮ ኣይግባኣን። ከምዚ እንድሕሪ ጌርና ተሪር መቕጻዕቲ ከምዘለና ኣይንዘንግዕ።

እቲ ብዓይኒና ክንርኢ እንኽእል ካልእ ሓጢኣት፣ ባእሲ ምርኣይ እዩ። ባእሲ ዘይብሉ ፈልም ዳርጋ የለን፣ እንተበልና ምግናን ኣይኰነን። ዋላ እቲ ንቆልዑት ተባሂሉ ዝዳለው ካርቱን ፈልምታት ጎነጽን ባእሲን ዘለዎ እዩ። መብዛሕቱኦም ናይ ስፖርት ዓይነታት ጎነጻዊ እዮም።። ብዙሓት ቆልዑት ድማ፣ ነዚ ስፖርት እዚ ይፎትዎ እዮም። ኣብዚ መዳይ`ዚ፤ ወልዲ ደቆም እንታይ ዓይነት ፈልም ከምዝርእዩ ክቆጻጸርዎም ይግባእ። ንደቅና፣ ኣብ ቲቪን ኢንተርኔትን ጸያፊን ጎነጽን ከይርእዩ ክንሕልዎም ይግባእ። ደቅና ከምዚ ዓይነት ነገራት ንከየዘዉትሩ ዝዓግት ሜላታት ኣሎ። ኣብ ኢንተርኔትን ቲቪ ፕሮግራማትን ንከምዚ ዓይነት ጸያፍ መደባት ዝዓግት፣ ሶፍትዌራት ብምጥቃም ንደቅና ክንሕልዎም ይግባእ።

ኣብ ነፍስ ወከፍ መጽሔታት ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት መግቢ ዘርእዩ ስእሊ ንረክብ። ኣብ ግዜ ጾም፣ ንብልዒ ብስእሊ መልክዕ እንዳረኣኻ፣ ምህራፍ ዉን ኩልኩል እዩ። ሄዋን ዝገበረቶ ኣይንረስዕ «እቲ ሰበይቲ ድማ እቲ ኦም ንምርኣያ ጽብቕቲ እቲ ፍሬኣ ንምብልዑ ጥዑም ምዃኑ ርእያ ካብ ፍረ እታ ኦም ወሲዳ በልዐት» ዘፍ 3፥6/። ድሕሪኡ እንታይ ከምዘጋጠመ ኲላትና ንፈልጦ ኢና።

ከም መኪና፡ ቪላ ገዛ፡ ክዳን፡ ኮምፒዩተር… ወዘተ ርኢኻ ዓለማዊ ነገራት ብትምኒት ምብሃግ ዝኣመሰሉ እቲ ኻልእ ብዓይንና ንፍጹሞ ሓጢኣት እዩ። ንጐይታና ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  «ዲያብሎስ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ እንባ ወሲዱ መንግስታት ኩሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርእዮ’ሞ ተደፊእካ እንተሰገድካለይ እዚ ኹሉ ክህበካ እየ» /ማቴ 4፥8-9/ ብምባል ፈቲንዎ እዩ። ሕጂ ውን ዲያብሎስ ነዚ ሜላ`ዚ ይጥቀመሉ እዩ። መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ብመጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ጌሩ ከምዝስዓሮ ንዘክር። ንሕና ውን ነዚ ሜላ እዚ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ብፍትወት ዓለም ክንፍተን እንከሎና «ሓደ እኳ ንዓለም እንተፈተወ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የለን»/ዮሃ 2፥15/ «ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ እዩ። ዓርኪ ዓለም ክኸዉን ዝደሊ ሰብ ጸላኢ ኣምላኽ ይኸውን» /ያዕ 4፥4/ ዝብላ ጥቕስታት ንዘክር።

ቅንኢ እቲ ብዓይኒ ዝመጽእ ካልእ ፈተና እዩ። ካልእ ሰብ ኣብ ዝውንኖ ነገር ምቕናእ ሓጢኣት እዩ። እዚ ኣብ ክልቲኡ ኪዳናት ዝተጻሓፈ ጽሑፍ እዩ። «ንሰነፍ ቅንኣት የጥፍኦ» /ኢዩ 5፥2/። ኣብ ወንጌል ዘሎ ምስላ፣ ናይቲ ስራሕተኛታት ኣታክልቲ ወይኒ ዝተወዓዓለ በዓል ቤት ዉን ነዚ ይምህረና። በዓል ቤት ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት ስራሕተኛ ብውዕለት ቆጸሮም። እቶም ስራሕተኛታት ብዝሰርሕዎ ብዝሒ ሰዓታት ይፈላለዩ እምበር በቲ ዝተሰማምዑሉ ደሞዝ ደዲናሮም ንኹሎም ከፈሎም። እቶም ሙሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ምስቶም ሓንቲ ሰዓት ዝሰርሑ ማዕረ ስለዝተኸፈሉ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም ኣዕዘምዘሙ፤ በዓል ቤት ግና «ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ክገብርዶ ኣይግበኣንን እዩ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ስለዝኾንኩ ዓይንኻ ዶ ቀናእ እዩ» / ማቴ 20፥1-15/ ብምባል መለሰሎም።

ብዙሓት ሰባት «ስለምንታይ እዮም እቶም ካብ እግዚኣብሔር ዝርሓቑ ሰባት ጥዑም ናብራ ዘለዎም፧?» እንዳበሉ ይሓቱ። እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ዘማራይ ንጉስ ዳዊት ውን ነበረ። / መዝ 73/

«ራህዋ ሓጥኣን ምስ ረኣኹ ንዑቡያት ቀናእኩሎም… ከም ካልእ ሰብ ጸገም የብሎምን ከም ካልኦት ስቓይ የብሎምን… ሓጥኣን እዚኣቶም እዮም ኩሉ ግን ሓያላትን ህብታማትን ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ. .» እግዚኣብሔር መወዳእታ ሓጥኣን ጥፍኣት ምኻኑ ኣብ መወዳእታ እዚ ምዕራፍ የርእየና። «ሽዑ ኣብ መቕደስካ ኣተኹ ንሓጥኣን ኣብ መወዳእታ እንታይ ከምዝረኽቦም ተረዳእኩ። ብርግጽ ኣብ መንዳልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም ኢኻ። ናብ ጥፍኣት ውን ክተውድቖም ኢኻ ከምቅጽበት ዓይኒ እውን ባደሙ ጸነቱ ብስምባደውን ተወድኡ።» / መዝ 73/

እግዚኣብሔር ፍትሓዊ እዩ። እቶም ዘልኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ዘይደልዩ ሰባት፣ ኩሉ ዓስቦምን ሓጎሶምን ኣብ ምድሪ ይህቦም፣ ኣብ ምድሪ ዉን ይዉዳእ። ዳዊት ኣብ መዝሙር ከምዚ ይብል «ካብ ናይዛ ዓለም እዚኣ ሰባት ካብቶም ተሳፋኦም ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ ዝኮነ ኣድሕነኒ። ኣነ ግና ጽድቂ ስለዝገበርኩ ኽርእየካ እየ፡ ምስ ነቓሕኩ ከኣ ንስኻ ምሳይ ስለዝኾንካ ክሕጎስ እየ» /መዝ 17፥14-15/። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ንኣብርሃም ኣቦና «ብጫፍ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ከዝሕለለይ ንኣልኣዛር ስደደለይ» ምስ በሎ «ወደይ ንስኻ ብህይወትካ ተድላኻ ከምዝተቐበልካ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ከም ዝጸገበ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ ኣሎ ንስካ ግና ትሳቐ ኣለኻ» / ሉቃ 16፥19-25/ ብምባልዩ ኣቦና ኣብራሃም ዝመለሰሉ።

ቅኑዕ ኣጠቓቕማ ዓይኒ

ዓይንና ሕማቕ ነገር ንኸይትርኢ ጥራይ ምኽልካል እዂል ኣይኰነን፣ ሰናይ ነገር ንክትርኢ ዉን ከነላምዳ ይግባእ። ነገራት ብትምኒት ካብ ምርኣይ ተቆጢብና፣ ኣብ ክንዲኡ፣ ኣብ ኩሉ እንሪኦ ነገራት ንእግዚአብሔር ምድላይን ምርኣይን ክንላመድ ኣለና። ኣብ መጽሓፈ መነኮሳት ነዚ ዝሕግዘና ኣብነት ኣሎ። ሓደ እዋን ሓደ መነኮስ ናብ እስክንድርያ መልእኽቲ ከብጽሕ ተላኣኸ። ተልእኹኡ ፈጺሙ ምስ ተመልሰ ካልኦት መነኮሳት «እስክንድርያ ከምይ ኣላ?» ኢሎም ሓተትዎ። እቲ መልእኽቲ ከብጽሕ ዝተላእኸ መነኮስ ድማ «ኣብ እስክንድርያ ዝኾነ ክርኢ ኣይመደብኩን» ዝብል መልሲ ሃቦም፤ ማለት ብጀካ`ቲ ዝተዋህቦ መልእኽቲ ከብጽሕ፣ ካልእ ነገር ከማዕዱ ኣይደለየን።

ኣብ ካልእ ኩነት ዉን፣ ሓደ እዋን ብዙሓት መነኮሳት፣ ንገዳም ዘድልዮም ክገዝኡ ንከተማ ተላኢኾም ይኸዱ’ሞ፣ ኣጋጣሚ ሓንቲ ሕምምቲ ጓል፣ ጥራያ ኮይና፣ ፊት ንፊቶም መጽአት። ኲሎም መነኮሳት ገጾም ጠዉዮም፣ ናብ ካልእ ኽጥምቱ እንከለዉ፣ እቲ ብዕድመ ካብ ኲሎም ዝዓቢ ዝነበረ መነኮስ ግና፣ ናብኣ ኣቶኪሩ ኽጥምት ጀመረ። ብድሕሪ`ዚ ግና፣ እቶም ካልኦት መነኮሳት ነቲ ኣቦ`ቲ፣ ነታ ጓል ምስ ጠመታ እንታይ ስምዒት ከም ዝተሰምዖ ክነግሮም፣ ተወከስዎ። «ኣነስ ነቲኣ እትመስል፣ ጽብቕቲ ጓል፣ ንዝፈጠረ ኣምላኽ የመስግን ኔረ» ብምባል መለሰሎም።

ካብዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኣብነታት ሓሳባት ወሲድና፣ ከምዚ ዓይነት ነገራት ንምግባር ዓይኒና ከነላምዳ ይግባእ። ብንርእይዮን ብንጥምቶን ነገራት፣ ፍጥረት ኣምላኽ ኣብ ምድናቕን፣ ግብሪ እግዚአብሔር ኣብ ምምርማርን፣ ንላመድ። ኣንጾር ጾታና ዝኾነ መልከዐኛ ሰብ ምስ ንርኢ፣ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝረኣናዮ ጽባቐ ምንጪ ትምኒት ጌርና ንጥቐመሉ፤ ነቲ ጽቡቕ ኣካላት ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ክነመስግኖ ንፈትን። ጐይታ «ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተኾነት ብዘሎ ኣካላትካ ብሩህ ይኹውን» ዝበለና፣ ነዚ ንኸረድኣና እዩ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ጽቡቕ ቪላ ገዛ ክንርኢ ከለና፣ ዘልኣለማዊ ገዛና ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ምዃና ንዘክር። «እዚ ገዛ ክንዲዚ ካብ ጸበቐ፣ እታ ኣብ ሰማያት ዘላ «ብኢድ ሰብ ዘይተሃንጸት» ገዛ ደኣ ክንደየናይ ኣብሊጻ ዘይትጽብቕ» እንዳበልና ንገዛእ ርእስ ነዘኻክራ። «ኢየሩሳሌም ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቆይመን ኣለዋ» ትብል መዝሙር ውን ንዘምር። ጽቡቕቲ ማኪና ክንርኢ ከሎና፣ ጽባቐ ናይታ ንኤልያስ ናብ ሰማያት ዝወሰደት ናይ ሓዊ ሰረገላ ነስተንትን።

መነኮሳት ኣቦታትና፣ ዝኾነ ነገር ኪሪኡ እንኸለዉ ምስ ሕማማት ክርስቶስ የዛምድዎ። ንሕና ዉን ከምኡ ንግበር። ገመድ ክንርኢ እንኮለና፣ ነቲ ምእንታና ኢሉ ንድሕሪት ዝተኣስሮ እስራት፣ ንዘክር። መስማር ክንርኢ እንከሎና ዉን፣ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣትናን ሓጢኣት ኲሉ ህዝቢን፣ ብመስማር ዝተሸንከረ፣ ሽንክራቱ ንዘክር።

ሃንደበት ኣጸያፊ ስኢሊታት ምስ እንርኢ፣ እንታይ ክንገብር ይከኣል? ነቲ ዝረኣኻዮ ሕማቅ ስእሊ ክትድምስሶ ጸዓር። ማለት ከምቲ ካብ ኮምፕዩተር ፋይላት ዝድምሰስ፣ ከምኡ ዉን ነቲ ኣብ ሓንጎልና ዝተዓቀበ ስእሊታት፣ ክንድምስሶ ንፈቲን። ነዊሕ ግዜ ክወስደልና እዩ፣ ኮይኑ ግና ክንዕወት ኢና። ጐይታ «ዓይንኻ እንተኣስሓተትካ ጎጥጊጥካ ኣዉጽኣያ» ዝበለና፣ ነቲ ኣብ ህይወትኩም ናብ ፈተና ዘብጽሓኩም ዘበለ፣ ካብ ልብዂም ካብ ኣእምሮኩም ኣልክግስዎ፣ ደምስስዎ፣ ማለቱ እዩ። ነቲ ኣብ ሓንጎልና ተኣኪቡ ዘሎ፣ ሕማቕ ሓሳባት ኣዉጺእና፣ ኣብ ከዉሒ ነራጽሞ፤ ከዉሕና ድማ ክርስቶስ እዩ፣ ብቃል ወንጌል ጌርና ንደምስሶ።

እዝኒ

ብእዝኒ ኣቢሉ ካብ ዝፍትኑና ነገራት ብቐዳምነት ዝጥቀስ ደርፊ እዩ። ሕማቅ ጸርፊ፡ ዓውታን ጎነጽን ዝመልኦ ደርፊ ክነወግድ ይግባኣና። ኣብ ገለ ናይ ሙዚቃ መደበራት ክንሓልፍ እንከሎና፣ ድምጺ ናይቲ ደርፊ ኣዝዩ ዓዉ ሰለዘብልዎ፣ ንከበሮ እዝንና ከንኲሎ ቅሩብ’ዩ ዝተርፎ። ገለ ገለ ሙዚቃታት እሞ፣ ነቲ ከበሮ/ድራም (drum) ባዕሉ ዲያብሎስ ብኣካሉ እዩ መስለኒ ዝሃርሞ፣ ንጥዕና እዝንና እኳ ኣይሰማምዖን።

ብቪደዮ ዝዳለው ደርፊታት (ክሊፕ-clip) ኣዝዩ ፈታኒ እዩ። ግጥሚ ናይተን ደርፊታት፡ ኣደራርፋ ሜላ፡ ኣብቲ ደርፊ ዝግበር ምንቅስቃሳት ሳዕስዒትን፣ ዝኽደንዎ ክዳንን፣ ዂሉ ስጋዊ ትምኒት ዘለዓዕልን፣ ናብ ስጋዊ ፍትወትን ዝሙትን ዝደፋፍእን እዩ። ብኹሉ መደበራት ቴሌቪዥን ዉን፣ ከምዚ ዓይነት ጥራይ እዩ ዝመሓላለፍ። ኣጋጣሚ ካልእ ስራሕና ክንሰርሕ እንከሎና እግረመገዲና ዝሰማዕናዮ ደርፍታት ኣብ ኣእምሮና ስለዝሓድር፣ ቃላት ናይቲ ደርፊ ባዕሉ፣ ኣብ ሓንጎልና እናተደጋገመ የሸግረና። ኣብ ስራሕ፡ መንገዲን፡ ኣብ ጸሎትን ከይተረፈ ዉን ይመላለሰና። ስለዚ ነዚ ነገር ካብ ምስማዕ ንእዝንና ክንቆጻጸር ይግባእ።

ካልእ ድማ፣ ናይ መናፍቃንን ከሓድያንን ስብከት ምስማዕ እዩ። ኣብዚ ግዜ`ዚ ብሬድዮን ብቴሌቪዥን፣ ናይ መናፍቃን ስብከት ይመሓላለፍ እዩ። ኩለን ድማ፣ ኦርቶዶክሳዊ ዘይኰነ፣ ካብ ቅኑዕ ትምህርቲ ዝረሓቀ፣ ኦንጻር ኦርቶዶክስ (ሄትሮዶክሳዊ-Heterodox) እየን ዝምህራ። ሓደ እኳ ቅኑዕ ትምህርቲ ዝምህር የብሎምን። ካብ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳገበሩ፣ ነቲ ምስኪንን ዕጥቂ ዘይብሉን፣ ምንም ዘይፈልጥ ሰብ የታልሉን፣ ሓቢሮም ድማ ነታ ናይ ክርስቶስ ቤተክርስቲያን ከዳኽምዋ ይፍትኑ።

ቃላቶም መዓር እዩ ዝጥዕም፡ ዉሽጡ ግን ስሚ እዩ። «ሰባክያን» ኢና በሃልቲ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ክትርጉሙ ዝፍትኑ ሓሰውቲ መማህራን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሬድዮ ባንድ ንረኽብ። ንኣብነት፣ ነቶም ካብ 150 ዓመት ንላዕሊ ዘይገበሩ፣ እምነት ናይዞም ብ «Rapture heresy» (እዞም ጉጅለ-ሰብ ብህይወት እንከሎና ናብ ኣምላኽ ክዉሰድ እዩ፣ እንዳበሉ፣ ንህዝቢ ናብ ጌጋ መንገዲ ዝምህሩ ከሓድቲ እዮም) ዝፍለጡ፣ ድኹም ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ንዉሰድ። ዓለም ቅድሚ ምሕላፋ፣ ክርስቶስ ንቤተክርስቲያን ክወስድ ክመጽእ`ዩ፣ እንዳበሉ ንሰባት የታልሉ ኣለዉ። ብዙሓት፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መታለልቲ ኣለዉ። ሓደ ቅድም ፕሮቴስታንት ዝነበረ፣ ሕጂ ግና ናብ ቤተክርስቲያን ክኣትው ዝሓስብ ዘሎ ሰብ፣ ዝሰደደለይ መልእክቲ ክንብበልኩም።

«ካብ ቀደመይ ብዛዕባ ሓቀኛ መንገዲ ክርስትና የናዲ ኔረ። ብዛዕባ እምነት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ክመሃር ይደሊ እየ። ካበይ ከምዝጅምር ግን ኣይፈልጥን። ሰናይ ምዕዶኻ ስደደለይ! ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ሓቀኛ ምዃና ክኣምን ዝደረኸኒ ኩነታት ክገልጸልካ። ቅድም ምስ ጴንጤቆስጤ፣ ቀጺለ ምስ ኤንገሊካን ቸርች ን6 ዓመት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዐ። በቲ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ልበወለዳዊ ዛንታ ብጣዕሚ ተደናገርኩ፣ ደሓርዉን ናብቲ ትውፊት ዘይብላ ፕሮቴስታንት ኣትየ ክመሃር ጀመርኩ። ኣብዚ ዉን ልበይ ዘዕግበለይ መልሲ ኣይረኽብኩን። ኣብ መወዳእታ ግና፣ ብትግሃት ምስ መርመርኩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብትምህርቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኣንድሕሪ ዘይኾይኑ፣ ብካልእ መንገዲ ነቲ ቅኑዕ መልእክቱ ክርድኦ ከምዘይክእል በሪሁለይ።»

ኣብ ግዜ ሓሳዊ መሲሕ፡ ኦርቶዶክሳዊ ዘይኰነ /ዘይኦርቶዶክሳዊ/ ስብከት ምስማዕ፣ እቲ ቀንዲ ንዉድቀት ዘምርሕ መንገዲ ክኸዉን ኣዩ። እቲ መደናገርን መታለልን ሰይጣን፣ ስሙ ኣብ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳሓዋወሰ፣ ሰባት ክታልል እዩ።So now you can buy Kamagra oral jelly helps men in treating the erectile dysfunction (ED) that is the inability to keep up a rigid erection until the peak of sexual pleasure. generic viagra online http://davidfraymusic.com/read-davids-new-feature-in-the-epoch-times/

ሓሜት ምስማዕ እቲ ካልእ ሓጢኣት እዩ። ምናልባት ኣይንሓምይን ንኸውን፣ ኮይኑ ግና ሓሜት ምስማዕ ባዕሉ ሓጢኣት እዩ። ናይ ካልኦት ሰባት ጉዳይ ክትፈልጥ ምጽዓር ሓጢኣት እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ፣ ነዚ ሓጢኣት`ዚ ማዕረ ምስ ሰረቕትን ቀተልትን ጠቒስዎ ኣሎ፤ «ሓደ እኳ ካባኻትኩም ቀታሊ ወይ ሰራቒ ወይ ገባር ክፉእ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ምዃኑን ስቓይ ዝቅበል ኣይሃልኹም» /1ጴጥ 4፥15/። ሓሜት ክንሰምዕ እንከሎና፣ ብዛዕባ እቲ ዝሕመ ዘሎ ኣካል፣ ሕማቕ ኣረኣእያ ከም እነሕድር ይገብረና። ኣብ መወዳእታ፣ ብዛዕባ እቲ ሰብ`ቲ ሕማቕ ክንዛረብ ንጅምር፣ ብጌጋ ውን ክንፈርድ ይገብረና።

ወረ ምቅብባል ሓደገኛ እዩ፤ እዚ ነገር`ዚ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ዓቢ ጸገም እዩ። ሓደ ሰብ መጺኡ፣ «ክስቶ፣ ንስኻ ምስኸድካ ብዛዕባኻ ሕማቕ ስለዝተዛረበ፣ ብድሕሪ ሕጂ ከይተዛርቦ» ክብለና እንከሎ፣ ኣብዚ ከነስተዉዕል ይግባእ! እቲ ከምዚ ዝብል ዘሎ ሰብ ባዕሉ፣ እቲ ከምኡ ዝተዛረበ ሰብ፣ ኣብ ዘይብሉ`ዩ፣ ንዓኻ መሊሱ ሕማቕ ተዛሪቡዝብለኻ ዘሎ። ንከምዚ ዓይነት ጉዳይን ተመሳሳሊን ነገራትን፣ ፍታሕ እንድሕሪ ደሊና፣ ነቲ ዘረባ ዘቀባብል ዘሎ ሰብ፣ ምስቲ ሕማቅ ተዛሪቡ ዝተባህለ፣ ፊት ንፊት ኣራኺብና ነቲ ሓቂ ከነረጋግጽ ይከኣል። እቲ ሰብ በደል እንተዘይብሉ፣ ንጹህ ምዃኑ ንዘክር፣ ኮይኑ ግና ኲሉ ግዜ ይቕረ በሃልቲ ክንኸዉን ይግባእ።

ዘይጠቅም ዕላል ወይ ቃላት ምስማዕ ዉን ሓጢኣት እዩ። ጐይታ ዝበሎ ቓል ንዘክር፣ «ሰባት ብዝተዛረብዎ ዘይጠቅም ቃል ኩሉ ብመዓልቲ ፍርዲ ጽብጻብ ክህቡሉ እዮም» / ማቴ 12፥36/። እቲ፣ ነቲ ዝሰምዖ ከንቱ ዕላል ናብ ዉሽጢ በዓቱ ሒዙ ክኣቱ ዘይደለየ እሞ፣ ነቲ ብዓቲ ዝኮልል ዝነበረ መነኮስ ንዘክሮ።

ካልእ ከቢድ ነገር ከኣ፣ ጥበራን ከንቱ ውዳሴን ምስማዕ እዩ። ሰባት ብዛዕባና ጽቡቕ ነገር ክዛረብ እንከለው ኩላትና ንሕጎስ ኢና። «ኩሉ ሰብ ጽቡቕ እንተተዛረበልኩም ወይለኹም» /ሉቃ 6፥26/ ትብል ቃል መድሓኒና ንርስዖ። ሓሳዊ መሲሕ ብጥበራን ምትላል ንብዙሓት ከስሕት እዩ። ብዛዕባ እዚ ዳንኤል ነብይ ከምዚ ይብለና «ብዘይተሓሰበ ክመጽእ ነታ መንግስቲ ድማ ብምትላል ኪሕዛ እዩ. . . ነቶም ሃይማሮቶም ዝጠለሙ እናቀባጠረ ከስሕቶም እዩ።» /ዳን 11፥12,32/።

ቅኑዕ ኣጠቓቕማ እዝኒ

እዘንና ካብቲ ሕማቅ ልምዲታት ከነርሕቃ ይግባእ። ሕማቕ ደርፊ፡ ሓሜት፡ ዘይጠቅም ቃላትን፡ ከንቱ ውዳሴን ካብ ምስማዕ ክንርሕቕ ይግባእ። ሕማቕ ዘበለ ነገር ካብ ምስማዕ ንርሓቕ። ገዛእ ርእስና’ውን በዚ መገዲ ነለማምዳ። ኣብ ጾም ኣርብዓ ከምዚ ዓይነት ሰናይ ኣካይዳ ከነዕብይ ጽቡቕ ግዜ እዩ።

ብተወሳኺ፣ ኣብ ኩሉ ንሰምዖ ነገር ንእግዚኣብሔርን ተግባራቱን ምዝካር ዝበለጸ እዩ። ንኣብነት፣ ጥዑም ጽምጺ ክንሰምዕ እንከለና፣ ነቲ ኣብ ሰማያት ዝስማዕ ኣዝዩ ጥዑም ድማጺ ኽንዝክር ይከእል። ኣብ ሰማያት ዳዊት ብበገንኡ ምስ እልፍ ኣእላፍ መላእኽት ምስ ቅዱሳን ኮይኑ ይዝምር ከምዘሎ ንዘክር። ካልእ ድማ፣ ንሰምዖ ነገራት ምስ ሕማማት ክርስቶስ ምዝማድ ውን ሰናይ እዩ። ንኣብነት ሰዓት ጠቕ ጠቕ ዝብል ድምጺ ክንሰምዕ እንከሎና፣ ጐይታ ብምስማር ክሽንከር እንከሎ ካብ ማህረምቲ ምስማር ዝወጽእዝነበረ ድምጺ ክነዛምዶ ይከኣል። እዚ ውን ድምጺ ተመስጦ ክኾነካ ይኽእል። በዚ ድማ ንሕምማት ክርስቶስ ኲሉ ግዜ ክንዝክር ይሕግዘና።

መልሓስ

ጣዕሚ ነስተማቕረላ ምልሓስና ክንቆጻጸራ ኣድላዪ እዩ። እንተዘይኮይኑ ግና ኣብ ኣመጋግባና ጸቅጢ ክትፈጥረልና ትኽእል። ጥዑማት መግቢ ምፍታው፡ ተራ መግቢ ከኣ ምጽላእ፣ ናብ ክርስቲያናዊ ፍጽምና ኣየብጽሕን። ኣዴና ሄዋን ካብቲ ኦም በለስ ሓንሳብ ጥራይ ምስ ጠዓመት`ያ፣ ናብ ዓቢ ጥፍኣት ዝተሸመምና። «ኣንቱም ኣብ ዓራት ሰኒ ሓርማዝ ትግምሰሱ ኣብ መንጸፍኩም እትጋደሙ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታውቲ ካብ ደሞበ ኣሓውን ኣባትይ ትበልዑ ወይለኹም» /ኣሞ 6፥4/ ይብለና ነብይ ኣሞጽ። ኣብዚ ጥዑም መግቢ ምምጋብ ኣይኮነን ተጸሊኡ፣ እቲ ዓይነት ህይወት እዩ።

«ኩሉ መዓልቲ ከኣ እናጋየጸ ዝሕጎስ» /ሊቃ 16፥9/ ዝከበረ ሃብታም ሰብኣይ ውን ንዘክሮ። ኩሉ ግዜ ከምዚ ይገብር ኔሩ። ሓሓሊፍካ ጥዑም መግቢ ምብላዕ ሓጢኣት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ በዓላትን ጋሻ ክመጸና ከሎ ከምዚ እንተገበርና ጽቡቕ እዩ። ኣቡኡ ንጥፉእ ወዲውን «ስብሕቲ ላም ኣምጺኢኩም ሕረዱ ንብላዕ ንታሓጎስ» /ሉቃ 15፥23/ ከምዝበለ ንዘክር። መነኮሳት ኣቦታት ውን ኣጋይሽ ክመጽዎም ከለዉ ባኒን ማይን ምብላዕ ገዲፎም ንጋሻ ዝኸውን ዓደስ ሰሪሖም ይበልዑ እዮም።

ቅ.ጳውሎስ « ኣብ ጽጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት ብሃብቲ ኮነ ድኽነት ኣብ ኩሉን ብኹሉን ልሙድ እየ» /ፊሊ 4፥12/ ብምባል ጽቡቕ (ጥዑም) ክበልዕ ከምዝኽእል፡ ጥሜት ውን ከምዝጻወር ይነግረና። ገለ እዋን ጽቡቅ ይበልዕ ኣብ ካልእ ግዜ ከኣ ተራ መግቢ ይበልዕ ነበረ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ጾም ጥዑም ካብ ምብላእ ንቆጠብ። ሸዉሃትካ ዝሃርፎ መግቢ ኣይትብላዕ፡ ነዚ ክትቆጻጸር ዉን ንነፍስኻ ኣላምዳ።

ብመልሓስ ዝፍጸም ካልእ ሓጢኣት

መልሓስ መጥዓሚት ጥራይ ዘይኮነት መዛረቢት (ልሳን) ኣካል ዉን እያ። ብልሳን ዝመጽእ ሓጢኣት ደርጋ ኩላትና ንፈልጦ ኢና። ምምሓል፡ ምሕሳው፡ ምሕማይ፡ ስም እግዚእብሔር ብከንቱ ምልዓል፡ ነዚኣተን ዝመስላ ሓጢኣትን እየን። እዚኣተን ኣዝየን ፍሉጣት ስለዝዀና፣ ንስሓን ክንኣቱ እንከለና፣ ኣብ ቅድሚ ኣበነፍስና ቀሪብና ውን ተናዚዝናየን ክንኸውን ተስፋ እገብር። ኮይኑ ግና፣ ንሕና ፈጾምና ከም ሓጢኣት ዘይቅጽረን፣ ካልኦት ብመልሓስ ዝፍጸማ ሓጢኣታት ኣለዋ፣ ብዛዕባ እዚኣተን ክንዘራረብ ኢና።

ብዙሕ ምዝራብ

ብዙሕ ምዝራብ (ምልፍላፍ) ሓጢኣት እዩ። መጽሓፍ ቕዱስ ነዚ እዩ ዝነግረና። « ብዙሕ ዝዛረብ ኣብ ኣበሳ ከይወድቕ ኣይተርፍን ለባም ግን ስቕ ይብል» /ምሳ 10፥19/ «ፍልጠት ዘለዎ ዘረባ ኣየብዝሕን እዩ» /ምሳ 17፥27/ « ብዙሕ ዘረባ ኸኣ ዘረባ ዕሽነት ከም እትዛረብ ይነግረካ» /መክ 5፥3/ ልዕሊ እዚ መጠንቀቕታ ግና ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብለና፦ « ኣነ ግና እትጸድቅ ብቓልካ እትኹነን ብቓልካ ኢካ’ሞ ሰባት ብዝዛረብዎ ዘይጠቕም ቃል ኩሉ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ክህቡሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ» /ማቴ 12፥36-37/ ኣድላይነት ዘይብሉ ቃላት ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ክንህበሉ ኢና።

መማህራን ኣቦታት «ብዙሕ ምዝራብ ናይ ትዕቢት ምልክት እዩ» ይብሉ። ብዙሕ ዝዛረብ ሰብ፣ ንሰባት ከካፍሎ ዝደሊ ፍልጠት ኣለኒ ኢሉ ስለዝሓስ፣ ብዙሕ ይዛረብ። ብዙሕ ምዝራብ፣ ናይ ካልኦት ሰባት ጹቡቕ ስም ዘበላሽው፣ ናይ ሓሜት ኣደ እዩ። ናይ ትዕቢትን ክትዕን ሱር ዉን እዩ። ተዛራባይ ሰብ ካብ ሰማዕቱ ኣድናቖትን ክብርን ምእንቲ ክረክብ ብዛዕባ ዝገበሮም ነገራት ብምግናን ብምሕሳውን ይዛረብ። መንእሰያት ጌጋ ምኻኑ ከይተሰቖሮም ኣብ ቴሌፎን ሰዓታት የዕልሉ። ብርግጽ እቲ ጸብጻብ እንህበሉ «ዘይጠቅም ቃላት» ዝበለና ነዚ እዩ። ካብ ቴሌፎን ሓሊፍካ ሕጂ ኸኣ ናይ ኢንተርነት ዕላል (chating) ይገድድ። እቲ ዘገርም ብኢንተርኒት ሰዓታት ኣዕሊሎም፡ መሊሶም ድማ ለዓት ቴሌፎን ኣልዒሎም ነቲ ዕላሎም ዝቕጽልዎ ውን ብዙሓት ሰባት ኣለዉ።

ኣቦታት ብዛዕባ`ዚ ሓጢኣት ብዙሕ ጥንቃቀታት ጌሮምን፣ ንስቕታ ውን ከም ባህሪ ንከጥርዪዋ፣ ልምምድ ጌሮም ኢዮም። ቅዱስ ኣርሳንዮስ «ብዙሕ ስለዝተዛረብኩ ተጣዒሰ ይፈልጥ እየ፣ ስቕ ብምባለይ ግና ፈጺመ ተጣዒሰ ኣይፈልጥን» ይብል።

ነዛ ሓጢኣት ክንቃለስ እንከሎና፣ ብቐዳምነት ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ ሓጢኣት ከም ዝዀነ ጽቡቕ ጌሩ ክነስተዉዕለሉ ይግባእ። ኣብ /ማቴ 12/ ዘላ «ዘይጠቅም ቃላት» ትብል ጥቕሲ ኣብ ልብና ነስርጻ። ብድሕሪ እዚ ስቕታ ንላመድ። ኣባ ኣጋቶን፣ ኣብ ኣፉ ጸጸር ብምግባር መልሓሱ ብዙሕ ንኸይትዛረብ ማእሰር ይገብረላ ኔሩ። ንሕና ውን ጽሬቱ ብዝተሓለወ ነገር ኽንፍትን ንኽእል።

ምዕዶ

ንሰብ ምዕዶ ምልጋስ ሓጢኣት ድዩ? ሓጢኣት ከኸዉንን ከይኸዉንን፣ እቲ ኲነታት ይዉስኖ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኲነታት፣ እወ ሓጢኣት እዩ! ንኣብነት፣ ናይ ምምዓድ ክእለት ከይሃለወና፣ ኣብቲ ምዕዶ እንህበሉ ዘለና ጉዳይ እዂል ርድኢት ዘይብልና ከነስና፣ ከይተሓተትናን ክንመክርን ክንምዕድን ምፍታን። እቲ ጸገም ሰባት ክነማኽሮም ክሓቱና እንከለዉ፣ ዋላ ውን ኣብቲ  ጉዳእ ኣፍልጦ ኣይሓልወና፣ ብቅጽበት ክኢላ ናይቲ ኣርእስቲ ክንኸወን ንፍትን። «ኣብዚ ጉዳይ ኣፍልጦ የብለይን» ዝብሉ ዉሑዳት እዮም።

ብዙሓት መንእሰያት፣ ብዛዕባ መንፈሳዊ መንገድን ዕርክነትን፡ ነንሕድሕዶም ክመዓዓዱ ይረኣዩ። ኣብ ክንዲ ነቶም ፍልጠትን ተመኩሮን ዘለዎ ሰብ ዝሓቱ፡ ክምዕድ ንዘይክእል ሰብ ይሓቱ። «ዕውርዶ ንዕውር ክመርሖ ይክእል እዩ፡ ክልቲኦምዶኸ ኣብ ጉድጓድ ኣይወድቑን» /ሉቃ 6፥39/።

ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ምኽሪ ክንህብ እንከለና፣ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ክኸዉን ሰለዝኽእል፣ እቲ ሓጢኣት ዓቢ እዩ። ምኽንያቱ ንሓደ ሰብ ምኽሪ እንድሕሪ ለጊስናሉ፣ ኣብቲ ዝመዓድናዮ ሰብ ዝመጽእ ናይ ባህሪ ለውጢ፣ ሓላፍነት እንወስድ ንሕና ባዕልና ኢና። ብርግጽ ሓደ ሰብ ኣብ ዕዮ ገዛ ወይ ንዕዑ ዝመስሉ ነገራት ምኽሪ ሓቲትና፡ ከንመኽሮ ጽቡቕ እዩ። ኮይኑ ግና፣ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ምስ ጾታዊ ዕርክነት ማለት ጾታዊ ፍቕሪ ምዕዶ ክሓተና እንከሎ፣ እሞ ከኣ ኣብዚ ጉዳይ ተሞክሮ ዘይብልና እንተኾይኑ፣ ክንመክር ኣይንፈትን። እምበርከ እቲ ሰብ፣ ብመሰረት እቲ ዝለገስናሉ ምዕዶ ዝኰነ ነገር ጌሩ፣ እሞ ዘይተደልየ ሳዕቤን፣ ወይ ናብ ሓጢኣት እንተወደቐ፣ ተሓተቲ ንሕና ባዕልና ኢና።

ካልእ ውን፣ ናይ ሓሽሽ፡ ሽጋራ፡ መስተ፡ ግብረ ሕቡእ ወይ ናይ ዝሙት ውልፊ ግዙኣት ዝኾኑ ሰባት መጺኦም ምኽሪ ክሓቱና እንከለዉ፣ ምዕዶ ክንህብ ቅድሚ ምፍታንና፣ ናብ ኣበ ነፍሶም ከይዶም ክዛተዩ ንንገሮም። ምኽንያቱ ንሕና ዉን ባዕልና፣ በዚ ጸገም`ዚ ስለእንሽገር፣ ምዕዳ ናይ ምሃብ ዓቅሚ የብልናን። እንተክኢልና ነቲ ምዕዶ ዝሓትት ሰብ`ቲ፣ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኔሩኒ ናብ ኣበነፍሰይ ከይደ፣ ንሶም ስለዝሓገዙኒ ድማ ሕጂ ነጻ ኮይነ፣ እንዳበልና ነተባብዓዮ።  ምዕዶ ግና ይጽንሓልና፣ ሓደ ነገር ግን ንግበረሉ፣ ጸሎት! ስም ናይቲ ሰብቲ ጺሒፍና ንካህናት ንሃቦም ንሳቶም ውን ብጸሎት ይዘክርዎም።

ገለ ገለ እዋን፣ ሓደ ሰብ መጺኡ ጸገሙ የዕልለና እሞ፣ ሕሊናና ሽዑ፣ ነቲ ጉዳይ ግድን ካህን ክሰምዖ ይግባእ ዝብል ድሪኺት የሕድረልና። እቲ ብጻይና`ቲ፣ ነቲ ነገር ሚስጢር ኢሉ፣ ኣምሒሉ ነጊሩና ንበል፣ ሚስጢሩ ድማ ክንዕቅበሉ ኣለና። ኣብ ከምዚ ጉዳይ እንታይ ክንገብር ይሓይሽ?

ምእንቲ ብጻይና ኢልና፣ ኣብ ክንዲ`ቲ ሰብቲ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣበነፍስና ክንናስሖ ይከኣል እዩ። ማለት ነቲ ካህን፣ ኣብ ክንዲ ብጻይና ንናሳሕ ከምዘለና ክንሕብሮ ይከኣል። ከምዚ እንድሕሪ ጌርና፣ ኣበነፍስኻ፣ ነቲ ጉዳይ ናብ ማንም ከየብጽሐ፣ ምእንቲ እቲ ሰብ`ቲ ጸሎት ክገብርን፣ ናብ እግዚአብሔር ክልምንን እዩ። ብጸሎት እቲ ካህንን፣ ብጸሎትናን ድማ፣ ናይቲ ሰብ ህይወት ክመዓራረን፣ ናብ መንገዲ ኣምላኽ ክምለስን፣ እዩ። እግዚኣብሔር ናብ ቅኑዕ መንገዲ ክመርሖ እዩ። ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፣ ባዕሉ ናብ ኣበነፍሱ ውን ክቐርብ ይኽእል።

ኣፍንጫ-ናይ ምሽታት ህዋስ

ኣፍንጫና ብናይ ምሽታት ህዋስ ኣቢላ፡ ናይ ስጋዊ ፍትወት ስምዒትን ሓሳብን ከተበጋግሰልና ትኽእል። ሓያልን ጥዑምን ጨና፣ ስጋዊ ፍትወት የለዓዕል። ደቀንስትዮ ኣሓትና፣ ንኻልኦ ምእንቲ ከይፍትና ሓያል ጨና ክጥቀማ የብለንን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጨና ምልካይን ክቡር ክዳን ምግባርን ከምዚ እንዳበለ የጠንቕቐና «…ጥዑም ዝመኣዝኡ ጨና ከኣ እትልከዩ… ወይለኩም» /ኣሞ 6፥6/ «ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቶ ዲን ክጨንዋ እየን» /ኢሳ 3፥24/።

ስጋዊ ትምኒት ዘለዓዕለ ምኡዝ ጨና ምስ እነሽትት ኢሳይያስ ከምዝበሎ፡ ደሓር ተመሊሳ ዲን ከም ትሽትትን ከም ትብስብስን ዘክር። ጨና መግቢ ውን ፈታኒ እዩ፣ ብፍላይ ኣብ ግዜ ጾም። ቤት መግቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ክንሓልፍ እንከለና፣ ግድን እዩ ክሸተና፣ ኮይኑ ግና ካብ ምስትምቃር ክንቁጠብ ይግባእ።

ናይ ፊዮም ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ኣባ ኣብራም፣ ሓደ እዋን ደርሆ ክበልዕ ህርፋን ምስ ሓደሮ፣ ንኣገለጋሊኡ ከዳልወሉ ሓበሮ። ዶርሆ ተዳልያ ምስ ተወድአት ግና፣ ኣብኡ ግደፎ በልዎ። መላሊሱ ከቅርበሎም ምስ ሓተቶም ዉን ግደፎ ጥራይ ይብለዎ ኔሮም። ድህሪ ሒደት መዓልታት እቲ ዝተዳለወ መግቢ ተበላሽዩ ሕማቅ ጨና ከዉጽእ ጀመረ። ሽዑ እዞም ቅዱስ ኣቦ ነቲ መግቢ ቀሪቦም ከምዚ በሉ፣ «ኣብራ፣ ልብኻ ነዚ ሃሪፋ እዩ`ሞ ብልዓዮ በል፣ ቀልጥፍ።»

ቅኑዕ ኣጠቃቅማ ኣፍንጫ

ጥዑም ጨና ምስ እነሽትት ብቕዱስ ሽቶ ጌራ ኣእጋር ጐይታ ዝለኸየት ማርያም እንተእፍረት ንዘክራ። «ጨና እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ሽቶ መለአት» /ዮሃ 12፥3/።

ናይ ምድህሳስ ህዋስ

ምድህሳስ ኣብ ሓጢኣት ጥንተ ኣብሶ ቀንዲ ተራ ኔርዎ። ሰይጣን ንሄዋን ከታልል እንከሎ፣ ብተመን ተመሲሉ መጺኡ፣ ኣምላኽ ብዛዕባ እታ ክፋእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም በለስ እንታይ ከም ዝኣዘዘ ሓተታ። ንተመን ከምዚ ኢላ መለሰትሉ «ከይትሞቱስ ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋ ውን» /ዘፍ 3፥3/ በለቶ። ሄዋን ግን ካብ ህንጡይነታ ዝተለዓለ ምስ ተንከፈታ ጽቡቕ ምዃና ፈለጠት ቐንጢባ ውን በለዐት።

ምትንካይን ምድህሳስን፣ ኣብ ኣኣምሮናን ስጋናን፣ ርኹስ ስምዒት ከምዘለዓዕል፣ ኩላትና ንፈልጥ ኢና። ንኣብነት፣ ኣብ ናይ ህዝቢ ባስ ደይብና ክንጉዓዝ እንከለና፣ ኣጋጣሚ ኣካላትና ምስ ኣካላት ኣንጻር ጾታ ምስ ዝተናከፍ፡ ዋላኳ ክዳን ይሃልወና፣ ኣብ ኣእምሮናን ስጋናን ግና ዝርብሽና፣ ዘይተቐደስ ሓሳብ ይቀላቐል እዩ። ገለ እዋን ንቃለስ ኢና፣ ገለ እዋን ከኣ ነዚ ስምዒት ንግዝኣሉ ኢና። ንከምዚ ዓይነት ጸገም ዝፈልጥ ሰብ ብኹሉ ሽነኽ ካብዚ ሃዋሁ`ዩ ክሃድም ዝፍትን።

ኣብ መጽሓፈ መነኮሳት ነዚ ኣብነት ዝኾነና ታሪኽ ኣሎ። ሓደ እዋን ንሓደ መንእሰይ መነኮስ፡ ኣዲኡ ክትሪኦ ኢላ ትመጽእ እሞ ምስኡ ኣብቲ ገዳም ትቕኒ። ቀንያ ናብ ቦታኣ ክትምለስ እንከላ፣ ወዳ ናብታ ከባቢ ዓዲ ከፋንዋ ኢሉ ምስኣ ይኸይድ። ኣብ መንገዲ ውሕጅ ስለዘጋጠሞም ነዲኡ ሓቒፉ ከሳግራ ግድን ኰነ። ቅድሚ ምሕቋፉ ግና በቲ ምስኡ ዝነበረ ኮቦርታ ጌሩ ጥቕልል ኣበላ- ኣዲኡ በቲ ተግባሩ ተገሪማ «ወላዲትካ እኮ እየ!» በለቶ። እቲ መነኮስ ወዳ ግና፣ ከምዚ ኢሉ መለሰላ፣ «ኣደይ ስጋኺ ክይትንክፍ ኣይኮነን ዘፍርሓኒ፣ ግና ንዓኺ ምስ ተንከፍኩ ነቲ ኣብ ዘመን ዕሽነተይ ዝተንከኸዎ ኣካላት ከይዝክር ሰለዝደለኹ እየ» በላ።

ቅዱስ ይሁዳ ኣብ መልእኽቱ ነቲ ብትምኒት ስጋ ዝረኸሰ ክዳን ክንጸልኦ ከም ዝግበኣና ነጊርና እዩ። ነዘን ክዳን ምትንካይ ዘይተቀደሰ ስምዒት ይፈጥር እዩ። /ይሁ 1፥23/

ኣብ መዓልታዊ ማሕበራዊ ህይወትና፣ ኣብ ኣጠቃቕማ ኣእዳውና ጥንቃቀታት ክንገብር ይግባእ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘለና ርክብ ከነስተዉዕለሉ ኣለና። ብዙሓት መንእሰያት፣ `ሕውነት’ ብዝብል ስም፣ ምስ ኣንጻር ጾታ ክተሓቛቆፉ ይረኣዩ። ገሊኦም «ንሕማቕ ሓሲበ ኣይኮንኩን» ይብሉ ገሊኦም ከኣ «ምንም ሕማቅ ነገር ኣይስማዓንን» ይብሉ። ኣብዚ ግና ከነስተዉዕለሉ ዝግባእ ኲነት ኣሎ፣ ምናልባት ነቲ ናትና ስምዒት ንፈልጥ ንኸዉን፣ ግን እቲ ካልእይ ሰብ`ከ፣ እንታይ ከም ዝስምዖ ብኸመይ ንፈልጥ። ንሕና መጺና ጥምጥም ክንብሎ እንኸለና ናይቲ ካልእ ኣካል ስምዒት እንታይ ከምዝስምዖ ኣይንፈልጥን፣ እዚ ዉን ሓደገኛ እዩ።

እዚ ጥራይ ዉን ኣይኰነን። ክቡር ክዳውንቲ ተኸዲንና፣ ብፍሉይ ቅብኣት ደሚቕና፣ ቆርበትና ኣልሚጽና፣ ሰባት ካብ ምፍታን ውን ክንርሕቕ ይግባእ። ስለዚ ኲሉ ግዜ፣ ሚዛናዊ ኣካይዳ ይሃልወና።

ናይ ምድህሳስ ህዋሳት፣  ሕማቕ ነገርን ወይ ቃንዛን ከነስተማቕረሉ ዘኽእለና ህዋስ እዩ። እቲ ናይ ምድህሳስ ህዋሳቱ ብኣገባብ ዝጥቀም ሰብ፣ ንቃንዛን ሕማምን ብምሳጋና ናይ ምቅባል ልምዲ ከማዕብል ይክእልን፣ ከምኡ ዉን ነቲ ዝስምዖ ቃንዛ ንመንፈሳዊ ኣስተንትኖ ክጥቅመሉ ይኽእል። ቅዱስ ቴኦፋን ባሕታሂ፣ ከምዚ ብምባል ይምዕደና። «ኣብ ኢደይ ቃንዛ ክስመዓኒ እንከሎ፣ ነተን ኣብ ኣእዳዉ ጐይታ ዝተሰመራ መስማር ክዝክር ይኽእል። ዛባነይ ቃንዛ ክስመዓኒ እንከሎ፣ ነቲ ምእንታይ ኢሉ፣ ኣብ ዝባን ጐይታ ዝወረደ 39 መግረፍቲ ኲርማጅ ይዝክር። ኣብ ጎነይ ክቅንዞ እንከሎዂ፣ ነቲ ኣብ ጎኑ ዝተወግኦ፣ ርእሰይ ከሐመኒ እንከሎ ድማ፣ ኣብ ርእሲ ጐይታ ዝተነብረ ኣክሊል እሾኽ ይዝኽር»።