ምዕራፍ 4. ምቁጽጻር ዝኽሪን ስእላዊ ሓሳብን

last ned (13)እግዚአብሔር ነገራት ክንዝክር ዘኽእለና ጸጋ ዓዲሉና እዩ። ነገራት ኣብ ኣእምሮና ብምዕቃብ መሊስና ዘኪርና ክንጥንቀመሎም ንኽእል። ሕጉ ንክንዝክር፣ ናይ ምዝካር ክእለት ሂቡና «ንኩሉ ትእዛዛተይ ክትዝክርዎን ክትገብርዎን ኢኩም» /ዘሁ 15፥39-40/።

ሓዋርያት ጐይታ ምሳቶም እንከሎ ዝተዛረቦም ቃል ብምዝካር፣ ኣብ ወንጌልን መልእኽታቶምን ጽሒፎም እዮም። ቅዱስ ወንጌል፣ ቅድሚ ኣብ ጽሑፍ ምስፋሩ፣ ከም ኣፋዊ ትውፊት ኣብ ኣእምሮ ኣመንቲ ተዓቂቡ ነበረ።

ናይ ምዝካር ክእለት ዝተዋሃብናሉ ካልእ ምክንያት፣ እግዚአብሔር ዝገበረልና ጽቡቕ ነገር ምእንቲ ክንዝክር እዩ። «ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ እግዚብሔር ብሓያል ኢዱ ካብ ግብጺ ኣውጺእኩም እዩ እሞ፣ ነዛ ካብ ምድሪ ባርነት ዝወጽኣኩምላ መዓልቲ ዘክርዋ» /ዘጻ 13፥3/።

ስእላዊ ሓሳብ /imagination/ ግና ባንጻር ውህብቶ ኣምላኽ ኣይኮነን። ቅዱስ ቲዮፋን ባሕታዊ፣ “እግዚአብሔር ነቶም ኣእምሮ ዘለዎም ፍጥረታት ማለት፣ ንሰብን መላኣክትን ክፈጥሮም እንከሎ፣ ብዘይ ስእላዊ ሓሳብ /without imagination/ እዩ” ይብለና። ሰይጣን ካብቲ ዝነበሮ ጸጋን ክብርን ክወድቕ ዝገበሮ ዉን ስእላዊ ሓሳብ ከማዕብል ምስ ጀመረ እዩ። `ኣነ ከምቲ ልዑል ክኸዉን እየ’ እንዳበለ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ክኸዉን፣ ክሓስብ ጀመረ። ንኣዳምን ሄዋንን ድማ፣ ዕጸ በለስ እንተበሊዕኩም ኣምላኽ ክትኮኑ ኢኹም፣ ብምባል ስእላዊ ኣተሓሳስባ ኣተኣታተወ።

ሰይጣን፣ ብስእላዊ ኣተሓሳስባን ብተዘክሮን ኣቢሉ፣ ሓጢኣት ክንፍጽም ይፍትነና። ብህዋሳታትና ዘስተማቐርናዮም ነገራት፣ ኣብ ኣእምሮና ጦብላሕታ ማለት ተዘክሮ ክገድፉ ግዲን እዩ። እዚ ጦብላሕታ`ዚ ድማ፣ እንተ ንሕማቕ ወይ ንጽቡቅ ክዝከር ይከኣል።

ብተዘክሮን ስእላዊ ሓሳብን ዝፍጸም ሓጢኣት፣ ካብቲ ብህዋሳትና ዝፍጸሙ ሓጢኣት ዝኸፍአ እዩ። ምኽንያቱ፣ ብህዋሳትና ኣቢልና ንፍጽሞ ሓጢኣት፣ ንስምዒት ህዋሳታትና ዘነቃቕሕ ነገራት ከርከብ እንከሎ፣ ማለት ገለ ነገር ክንርኢ ወይ ክንሰምዕ ወይ ክነሽትት እንከሎና እዩ ዘጋጥመና። ብሓጺሩ ብህዋሳትና ዝፍጸሙ ሓጢኣት ብግዳማዊ ነገራት ወይ ፈተናታት እዮም ዝበጋገሱ።

ብተዘክሮን ስእላዊ ሓሳብን ዝፍጸሙ ሓጢኣት ግና፣ ነቲ ብህዋሳትና ዘሰተማቐርናዮ ስምዒት ብምዝካር ሓጢኣት ክንፍጽም ንኽእል። ስእላዊ ሓሳብ ከኣ (ኢማጂኔሽን/ስእለ ኣእምሮ) ነቶም ኣብ ኣእምሮና ብዝኽሪ መልክዕ ዝዓቀብናዮም ስምዒታት፣ ፍሉይ ለውጥታትን ጣዕሚታትን ብምውሳኽ፣ ካብቲ ቀዳማይ ዝነበሮ ኩነት ብዝበለጸ ሰሓቢ ብምግባር፣ ናብ ዝኸፈኣ ዓዘቅቲ ከም ንኣቱ ይገብረና። ካልእ፣ ህዋሳትና ንሕና ክንድቅስ እንከለና፣ ንሳቶም ዉን ይዓርፉ እዮም። ዝኽሪን ስእላዊ ሓሳብን ግና ደቂስና እንከሎናዉን፣ ብሕልሚ ኣቢሉ ክፍትነና ይኽእል።

ናይ ዝክሪ ሓጢኣት

ክፋእ ምዝካር ሓጢኣት እዩ። ኣብ ግዜ ቅዳሴ «ሞት ዘሰዕቡ ሕማቕ ነገራት ካብ ምዝካር ኣድሕነና» እንዳበልና ናብ እግዚአብሔር ንጽሊ ኢና። ንክፋእ ምዝካር ማለት፣ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሓናዮ ክፋእ ምዝካር ወይ ካልኦት ኣብ ልዕሌና ዝፈጸምዎ ክፍኣት ምዝካር እዩ።

ዝሙት

ኣቐዲምና ንፍጽሞ ዝነበርና ዝሙት፣ ዋላውን ንግደፎ፣ ኣብ ኣእምሮና እንዳ ተመላለሰ ብመልክዕ ዝኽሪ ይፈታተነና እዩ። ዓበይቲ ገዳማውያን ቅዱሳን በዚ ሓጢኣት ተፈቲኖም እዮም። ቅዲስ ሙሴ ጸሊም ንኣብነት፣ ንነዊሕ ግዜ፣ ብኸምዚ ሓጢኣት ዝሰረቶም ሓሳባት ዝሙት ተፈቲኑ እዩ። ኣብ ግዜ ቅዱስ መቃርስ ዓቢ ዝነበረት እመምኔት ሳራ፣ ን14 ዓመት ዝኣክል ብከምዚ ዓይነት ናይ ዝሙት ሓሳብ ተፈቲና እያ። ደሓር ግና እግዚአብሔር ነዚ ፈተና ኣርሓቀላ። ኣብ ፊልምታት፡ ቲቪ፡ ኢንተርኒትን፡ መጽሄታትን ዝረኣናዮምን፣ ኣብ መጸሓፍቲ ዘንበብናዮምን፣ ሕማቅ ናይ ብዕልግና ኣሳእል፣ ኣብ ኣእምሮና ብቀሊሉ ክሕከኽ ዘይኽእል ኣሰር ዝኽሪ ስለዝሓድጉ፣ መመሊሶም ብስእላዊ ሓሳብ ይፍትኑና።

ሕርቃን

ንኣብነት ምስ ሓደ ሰብ ተጨቃጪቕና ወይ ተባኢስና ንበል። ምስ ተዓረቕና ግና፣ ነቲ ዝተፈጸመ ነገራት ብምዝካር ናይ ሕርቃንን ሕነ ናይ ምፍዳይን ሓሳባት፣ ኣብ ዉሽጥና ክለዓዓል ይኽእል። ድያብሎስ ነቲ ዝነበረ ኩነት ኣዝዩ ብምግናን፣ ኣብ ሓሳብና ኣክፊኡ የቕርቦ። ብኸምዚ ነገራት ኣብ ሓዳሮም ንፋስ ዝኣተዎም፣ መጻምድቲ ብዙሓት ኣለዉ።

ቅድሚ ስራሕ ምውፋሮም ዝፍጠር ክትዕ ድያብሎስ ጽቡቕ ጌሩ እዩ ዝምዝምዛ። ኣብ ስራሕ ምስ ከዱ፣ ኣብ ክልቲኦም ኣእምሮ፣ ነቲ ኩነት ዳግማይ ከም ዝዝከር ይገብሮ። ናይ ሕርቓንን ሙግትን መንፈስ ኣብ ሓንጎሎም የንግስ፣ ናብ ገዛ ምስ ተመለሱ፣ እታ ካብ ገዛ ንግሆ ክወጽኡ እንከለዉ ንእሽቶ ዝነበረት ክትዕ ዓባይ ኮይና ትመጽእ። ብከምዚ ኸኣ ክልቲኦም ተጻመድቲ ውሽጣዊ ስላሞም ይስረቕ።

ፍትሕ ብኸመይ ድዩ ዝጅምር፧? ገለ ሰባት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተፈጸመ ነገራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክትዕ፣ እንዳዘከሩ ዝጨቃጨቑ ውን ኣለዉ። ንኣብነት፣ ንልዕሊ 10 ዓመት ብሓዳር ዝጸንዑ ተጻመድቲ፣ ኣብ ዝጨቓጨቕሉ ግዜ፤ ሰበይቲ ሰብኣያ ኣብ ሕጽኖት ዝፈጸሞ ጌጋ ትዝክረሉ፣ ሰብኣይ ውን ኣዲኣ ንዕኡ ዝተዛረበቶ ሕማቕ ዘረባ ይዝክረላ።

ኣብ ካልኦት ምፍራድ

ምናልባት ሓደ ሰብ ሕማቕ ነገር ክገብር እንከሎ ንርኢ ወይ ንሰምዕ እሞ፣ ብቐጥታ ኣብቲ ሰብቲ ንፈርድ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣብ ልዕሊ `ቲ ሰብ`ቲ ብምፍራድና፣ ሓጢኣት ምኳኑ ስለዝተረዳእና፣ ተናሲሕናሉ ንበል። እዚ ጉዳይ እዚ ግና በዚ ኣይዓርፍን። ነቲ ሰብቲ ክንረኽቦ እንከሎና፣ ዝገበሮ ነገር ብምዝካር፣ ነቲ ሰብቲ ደጊምና ኣብ ኣእምሮና ንፈርዶ። ነቲ ሰብ ብምፍራድና ድማ፣ ደጋጊምና ኣብ ሓጢኣት ንወድቕ።

 ውዳሴ ከንቱ

ገለ ገለ እዋን ንዓና ጽቡቅ ዝመስለና ሰናይ ነገር ንገብር። ንኣብነት ክልተ ዝተባኣሱ ሰባት ንዓርቆም። ደሓር ግና፣ ነቶም ሰባት ክንዓርቕ እንከሎና፣ ዝተዛረብናዮ «ጥበብ ዝመልኦ ቃላት» እንዳ ዘከርና ብትዕቢት ክንፋሕ ንጅምር። ንገዛእ ርእስና ውን «ብጣዕሚ ንፉዕ እየ!!» እንዳበልና ንሙግሳ።

ካህናት፡ መንእሰያትን መማህራን ትምህርቲ ሰንበትን፣ ዝምህርሉ ጸጋ ካብ ኣምላኽ ተዓዲልዎም ክኸውን ይክእል። እዚ ጸጋ’ዚ፣ እግዚአብሔር ደቁ ንክመሃሩ ኢሉ ዝዓደሎ ጸጋ እዩ እምበር፤ መንፋዕቲ ናይቲ መምህር ክግለጽ ደለዩ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ መማህራን ነቲ ኣብ መድረክ ዝተዛረብዎ ቃላት ብምዝካር ብትዕቢት ይንፍሑ። እቲ ቃላት ካብ እግዚአብሔር ዘይኮነስ ካብ ገዛእ ርእሶም ከምዝወጸ ጌሮም ብምውሳድ፣ ብልቦም ይዕበዩ።

እዚ ዓይነት ፈተና ክገጥመናን፣ ኣብ ኣእምሮና ውን ናይ ትዕቢት መንፈስ ክለዓዓልን እንከሎ፣ እግዚአብሔር ንነብይ በላኣም ብኣድጊ ጌሩ ከም ዝገሰጾ ንዘክር። ንገዛእ ርእስና ውን «ካብ ኣድጊ በላኣም ኣይሓይሽን እሞ፣ ብቃላት ዘረባይ ክዕበይ የብለይን» ንበላ።

ናይ ሓሳብ ሓጢኣት

Oxidative stress has a critical role to play in the initiation of erection process. downtownsault.org cialis 20 mg

ዝሙት

last ned (14)ንኣብነት፣ ኣነ ምስ ሓንቲ ኣንጻር ጾታ፣ ብሓንሳብ ሰርሕ፣ ንበል። ንሳ ብኣካይድኣ ኲሉ ስነስርዓት ዝመልኣ፣ እድብቲ፣ ብዙሕ ኮሸምሸም ዘይትብል እያ። ብኣካይዳኣ ኲሉ ጽፍፍቲ ክነሳ፣ ኣብ ሓሳበይ ግን ምስታ ንጽህቲ ሰብ ኩሉ መስርሕ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ይኽእል።

ኣከዳድንኣ ስነ-ስርዓት ዘለዋ ክኸዉን ይኽእል። ኣብ ሕሳበይ ግና ዝደለኹዎ ነገር፣ ብዝደለኽዎ መንገዲ ክፍጽም ይኽእል። ክዳኑ/ክዳና ካብ ምውጻእ ጀሚሩ ኩሉ ዓይነት ዝሙት ደጋጊመ ይፍጽም። እዚ ጥራይ ከይኣክል፣ ብድሕሪ ዚ ውን ነቲ ሰብቲ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ክረኽቦ እንከለኹ ነቲ ዝሙት ደጊመ ይዝክሮ። ኣብ ዓለም ዝተፈጸመ መብዛሕትኡ ስጋዊ ዓመጽ፣ ብኸምዚ መልክዑ እዩ ዝፍጸም!!!

ኻልእ ብሓሳብ ዝፍጸም ዝሙት፣ ኣብናይ ካልኦት ሰባት ጾታዊ ሕይወት ምእታው እዩ። ንኣብነት ኣብ ባስ ወይ ቤት መግቢ ኮፍ ኢልና እንከሎና፣ ሓደ ዓቢ ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ጎርዞ ከዕልል ንርኢ። ብኡንቡኡ፣ ብሓሳብና ናይ ሓጢኣት ስእሊ ክንቕርጽ ንጅምር። ነቲ ሰብኣይ ከም ሓላፊኣ፣ ነታ ጓል ከኣ ከም ውሽምኡ ጌርና ንወስዶ። እቲ ሓቂ ግና፣ ምናልባት እቲ ሰብኣይ ነታ ጓል ኣቡኣ ክኸዉን ይኽእል ። ብዝሙታዊ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኻልኦት ብምፍራድና ውን ሓጢኣት ንፍጽም ኣለና።

ሕርቃን

ንኣብነት ኣብ ስራሕ ኩሉ ሳዕ ዘሸግረና ሓላፊ፣ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝሃርመና ሓያል ሰብ ኣሎ፣ ንበል። ኣብ ባይታ መጺእና፣ ኣንጻር እቶም ዝገፍዑና፣ ዋላ ሓንቲ ነገር ክንገበር ኣይንኽእልን፣ ኣብ ክንድኡ ግና ብሓሳብና ሕነ ክንፈዲ ንኽእል። ብሓሳብና፣ ነቲ ሰብ ሓንሳብ ክንጸርፎ፡ ወይ ክንሃርሞ፡ ወይ ሓደጋ መኪና ገጢምዎ፡ ወይ ካብ ደርቢ ወዲቁ ክመውት እንከሎ ይረኣየና። ከምዚ ብምኻኑ ውን ብልብና ንሕጎስ። ከምዚ ዓይነት ሓሳብ፣ ጌጋን ሓጢኣትን እዩ። ምኽንያቱ ከይተረድኣና፣ ብሓሳብና ነቲ ሰብ`ቲ ንቐትሎን ንሃርሞን ኣለና።

ኣብ ካልኦት ምፍራድ

ንኣብነት ሓደ ሰብ፣ ገለ ነገር ይገብር እሞ፣ ነቲ እቲ ሰብ`ቲ ዝሰርሖ ስራሕ ንግምግሞ፣ ምናልባት እቲ ናትና ገምጋም ጌጋ ወይ ቅኑዕ ክኸውን ይኽእል)። ብድሕሪዚ፣ ነቲ ጉዳይ፣ ኣብ ትምህርቲና ከም ነጥቢ ሒዝና፣ ብዛዕባ እቲ ነገር ንሰብኽ ከለና ንሓስብ። እቲ ንህቦ ሓሳባዊ ሰብከት፣ ብስምዒት ኮይኑ፣ እቲ ሰብ’ቲ ስለቲ ዝገበሮ (ዝገበረቶ) ተግባር፣ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቅስታት ጌርና፣ ክንግስጾ እንከለና ንሓስብ። እግዚአብሔር ንከምዚ ዝበለ ግብሪ ከምዝጽየፎን ነቲ ሰብ’ቲ ከም ዝቐጽዖን እንዳዘከርና ነቲ ሰብ’ቲ ንኽናሳሕ ዝዕድም ስብከት ክነቕርብ ከለና ንሓስብ።

ኣብዚ ዘየስተዉዓልናዮ ነገር ኣሎ፣ ከምዚ ብምግባርና ኣብ ካልኦት ሰባት ንፈርድ ኣሎና። እዚ ከኣ ዓቢ ሓጢኣት እዩ። ኣይተረዳእናዮን እምበር፣ ምናልባት እግዚአብሔር ካብቲ ነቲ ሰብ’ቲ፣ ንዓና ኣብሊጹ ይፈርደና ይኸውን። እዚ ሓጢኣት እዚ ሕቡእ ስለዝኾነ፣ ገለ እዋን ንናይ ቤ/ት/ሰንበት መምሃራን፡ ንወለድና ንኣበ ነፍስና . .ወዘተ ክንምህሮምን ክንሰብኮምን እንከለና ንሓስብን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ዉን ንህንጠይን ኢና።

ከንቱ ውዳሴ

ገለ እዋን ዲያብሎስ ኣብ ሓሳባይ ናይ ጽድቂ ስርሓይ ኣጋኒኑ የርእየኒ። ብ «ጥበብ ዝመልኦ ቃላተይ» ወይ «ጽድቂ ዝመልኦ ህይወተይ» ጌረ፣ ሚልዮናት ነፍሳት ዘድሕን ፍሉጥ መምህር ወይ ኣገልጋሊ ወይ ካህን ክኸውን ይከለኹ ይሓስብ። ወይ ብኹሉ ገዳማዊ ህይወተይ ዝበለጸ መነኮስ ወይ ድንግል ጌረ ንርእሰይ ይሓስባ። ወዲ 12 ዓመት ከለኹ ስማእት ናይ ምዃን ሕልሚ ኔርኒ! ንኹሉ ሰይጣናዊ ስቃያት ትዓጊሰ ጸኒዐ ክጻወሮ እንከለኹ ጌረ ንነብሰይ ይቖጽራ። እዚ ኲሉ ናይ ብሓሳብ እንፍጽሞ ናይ ከንቱ ዉዳሴ ሓጢኣት እዩ።

ሕልሚ ቀትሪ

ካብ ሓልሚ ቀትሪ (Day dream) ዘምልጥ ሰብ የለን። የግዳስ ዓቀኑ ዝሓለፈ ክኸዉን እንከሎ ግናይ እዩ። ዓቐኑ ብዝሓለፈ ሕልሚ ቀትሪ ኣቢልና ብትምኒት ምንዳድ፣ ክንናሳሓሉ ዝግበኣና ሓጢኣት እዩ። ሕልሚ ቀትሪ ረብሓ የብሉን። ነቲ ኣብ ጸሎት፡ ምንባብን፡ ምጽናዕ መጽሓፍ ቕዱስን፡ ክነሕልፎ ዝግበኣና ግዜ ይጫረተልና። ብዙሓት ተመሃሮ መጽሓፎም ገንጺሎም፡ ነብሶም ተሓጺቦም፡ ብተበግሶ ከጽንዑ ኮፍ ይብሉ’ሞ፣ ሽዑ ንሽዑ ግና ኣብ ሕልማዊ ሓሳብ ይጥሕሉ።

ሕልሚ ቀትሪ ሓደገኛ እዩ። ገለ ሓሳባት ከም ተራ ነገር መሲሎም ይጅምሩ እሞ፡ ደሓር ግን ብዝሙታዊ ሕልሚ ይዛዘሙ። ኣዋልድ ብዛዕባ መርዓ ቀጻሊ እየን ዝሓስባ። ብዛዕባ ክዳን መርዓ፡ ዝቑረሰ ቶርታ፡ ስነ-ስርዓት መርዓ ዝፍጸመሉ ቤተክርስትያን ኣብ ዳስ ዝህልው እንግዶት. . . ይሓልማ። ደሓር ግና እቲ ብገርህነት ዝተሓልመ ተራ ነገር፣ ጸኒሑ ናብ ካልእ ሓሳብ ይወስደን . . .ብዛዕባ ናይታ መርዓ ለይቲ!

ፍቅሪ ዓለም

«ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ እዩ።» /ያዕ 4፥4/ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ ተመሳሳሊ ጥቕሲ «ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸው» ይብለና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ዘጠንቅቀና ጥቅሲታት እንከሎ፣ ኣብ ባይታ ግና ዝተፈለየ ኣዩ። መብዛሕቱና፣ ኣብ ዓበይቲ ፖላሶ ምንባር፣ ምሩጻት ክዳውንቲ ምኽዳን፣ ብሉጻት ምካይን ምዝዋር እንዳተመነና ብሓጢኣት ንወድቅ። ኣብ ብዙሓት መንእሰያት ዉን እዚ ሓሳብ ዓብሊሉ ይርከብ።

ብዙሓት መንእሰያት ደድሕሪ ነገራት እዮም ዝሓልዩ ዘለዉ (materialistic)። ዓለም ብትምህዞም ሓደስቲ ኣቁሑት ተዋሒጦም ይርከብ። ሞባይል፡ ፋሽን ክዳን፡ ሞዴል መካይን፡ ቪላ ገዛ፡ ምቁር ብልዒ . . . ወዘተ። ብዛዕባ ነፍሱን መንፈሳዊ ህይወቱን ዝሓስብ ዉሕድ እዩ።

እዚ ፈተና`ዚ፣ ሓደ ካብተን ድያብሎስ ንጐይታ ዝፈተነሉ ሰለስተ ርእሰ ሓጣውእ እያ። ንጐይታ ናብ ዓቢ (ነዊሕ) እንባ ወሲዱ መንግስታት ኩሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ’ሞ «ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኩሉ ክህበካ እየ» በሎ። ብርግጽ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰይጣን ገሲጹ ስዒርዎ’ዩ፡ ግን ንሕና’ከ!! ክንደይ ግዜ በዚ ሚላዚ ተፈቲንና ኣሎና፧? ክንደይ ግዜ ኢና፣ ሰይጣን ንክብርታት ዓለም  ምስ ኣርኣየና፣ ፍግም ኢልና ዝሰገድና? ኣብቲ ሰይጣን ዘርእየና ፈንተዝያ ብሓሳብ ክንሳተፍ እንከሎና፣ ኣብቲ ናቱ ሓሳብ ንሰማማዕ ከምዘለና ክስቆረና ይግባእ።

ብልዒ ምፍታው

ብፍላይ ኣብ ግዜ ጾም ሓደገኛ እዩ! ገለ ገለ እዋን፣ ጾም ኣርብዓ ክውዳእ ክልተ ሰሙን ምስተረፎ፡ ብዛዕባ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ፣ ኣብ ዕለት ፋሲጋ (ትንሳኤ) ዝቐርብ መግብታት፣ ንሓስብ ኢና። ዳርጋ ጣዕሚ ናይቲ መግቢ ውን ኣብ ኣፍና ክፍለጠና ይጅምር። ኣፍና ማይ ይሙዕግ። እዚ ነገር እዚ፣ ዋላ ኣብቲ ጾም ዘይብሉ ግዜ የጋጥመና እዩ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እቲ እንበልዖ ዝግኒ፡ ቅልዋ፣ ሃምበርገር፡ ኣይስክሬም. . ንሓስብ። ከይተረድኣና ከኣ ሃርጎምጎም ንብል።

ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፣ ብሰንኪ’ዛ ሓጢኣት ተቐጺዖም እዮም። ንሙሴ «እቲ ኣብ ግብጺ ብከምኡ ንበልዖ ዝነበርና ዓሳ፡ ዱባ፡ ብርጭቕ፡ ቃንጫ፡ ሽጉርቲ፥ ይዝከረና ኣሎ። ሕጂ ግን ገለ የልቦን፡ በጃካ መና እንርእዮ ገለ እኳ የልቦን ንሕናኸ ተሓለልና» /ዘሀ 11፥5-6/። እግዚአብሔር እቲ ህዝቢ ዝበልዓ በርኒጎታት ካብ ባሕሪ ኣዝነበሎም፣ ኮይኑ ግና ስለቲ ሃረፍረፍ ምባሎም ቀጺዕዎም እዩ። «እቲ ስጋ ኣብ ኩርምቶም ከሎ ኼይሔኽዎ ከለዉ እግዚአብሔር ኣብቶም ሕዝቢ ተቖጠዐ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ መቕዘፍቲ ውን ሰዲዶምሎም» /ዘሃ 11፥33/።

መፍትሒ

ናይዘን ዂለን ሓጢኣታት ፈዉሰን እንታይ እዩ፧?! ፈለማ  ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናየን፣ ሓጢኣት ምዃነን ክርድኣና ይግባኣና። ከም ሓደ ጉድኣት ዘይብሉ ሓሳብ፡ ወይ ከም ምንጭ ሓጎስ ጥራይ ጌርና ኣይንውሰዶ። ክንናሳሕ እንከለና ውን  ኣብ ቅድሚ ኣበነፍስና ንናዘዞም። ከምተን ካልኦት ሓጢኣታት ዉን ክንቃለሰን የድሊ፡ ናብ እግዚአብሔር ቀሪብና ረድኤት ንሕተት፡ ነዚአን ሓጢኣታት መስዓሪ ዝኸዉን ጸጋ ንለምን፣ ንጸልይ።