ሕዳር ጽዮን! ቅድስት ድንግል ማርያም

እንዃዕ ናብ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም-ሕዳር ጽዮን ኣብጽሓና። ኣብዚ ዕለት`ዚ ዳርጋ ሙሉእ ኣስመራን፣ ብዙሓት ዓዲታትን ንግደት ይገብራ፣ በዓል ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ብምኽባር፣ ተማቐልቲ በረኸትን፣ ተሳተፍቲ ሰማያዊ ኽብሪ ይዀኑ። ብፍላይ ካብ ጐደና ሓርነት ንታሕቲ ገጹ ዘሎ ክፋል ፍርቂ ኣስመራ ነዚ በዓል እዚ ብፍሉይ ክብሪ የኽብሮ፣ ትምህርቲ ዉን ዳርጋ የለን። እንዳ ማርያምን ከባቢኣን ብፍሉይ ክብሪ ማዕሪጉ፣ ክትርእዮ እንከሎኻ ዳርጋ ቅንያት ፋሲጋ እዩ ዝመስል። ግን ስለምንታይ እዚ ዂሉ?

ስለምንታይ ድንግል ናይቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ታቦተ ጽዮን መመሰሊት ኮይና?

ዉዳሴ ማርያም ከም ጸሎት ዝጥቀም ሰብ፣ ኣብ ሰንበት ምስ በጽሐ ፍሉይ ነገር ከስተዉዕል ይጅምር። ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ፣ በቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ቤተ መቅደስን ኣብ ዉሽጡ ብዝነበረ ንብረት ተመሲላ፣ መፈጸምታ ናይ ጽላሎት ናይ ብሉይ ኪዳን ክትኸዉን እንዀላ ኣብ ጸሎቱ እንዳስተማቐረ፣ ዉዳሴ የብጽሕ። ሓደ ካብቲ ጸሎት ከምዚ ይብል፦

ኦኲሉግዜንጽህትዝኰንኪወላዲተኣምላኽቅድስትድንግልማርያም፣ምእንቲ`ዚኲልናነዕብየኪኣለና።ካብቲመፍቀሬሰብዝዀነወድኺምሕረትምእንቲክንረክብ፣ናባኺነቃዕርርንንልምንንኣለና።

ካብ ዘይነቅዝ ዕንጨይቲ ዝተገብረ ብኲሉንትንኡ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት፣ ነቲ ካባኺ ብዘይ ምልዋጥን ምፍላይን ሰብ ዝዀነ፣ ናይ እግዚአብሔር ቃል (ወልድ) ይምሰል። እቲ ብባህሪኡ መንቅብ ዘይብሉ ንጹህ መለኮታዊ ባህሪኡ፣ ብባህሪኡ ምስ ኣብ ማዕረ ዝዀነ፣ ነታ ንጽህት ኣበሰራ፣ ብዘይ ዘርኢ ዉን ብፍሉይን ቅዱስን ጥበቡ ከማና ሰብ ዀነ፣ ካባኺ ብዘይ ርኽሰት ዝተወልደ መለኮታዊ ባህሪኡ ምሳና ደመሮ፣ ኦ ቅድስት ለምንልና!       ዉዳሴ ማርያም ናይ ሰንበት

ታቦት

ኣብ መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ከነንብብ እንከሎና፣ ዳርጋ ልዕሊ 50 ምዕራፋት ብዛዕባ ቤተ መቅደስን ስርዓቱን ንብረቱን ይነግረና። “ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ክነብር መቕደስ ይግበሩለይ” /ዘጸ 25፥8/ ኢሉ ናይ ሰራዊት ጐይታ እግዚአብሔር ምስ ኣዘዘ ጀሚርና፣ ክሳብ ዘመነ ነብዪ ኤርሚያስ ብዛዕባ ታቦት ነንብብ ኢና።

ታቦት ማለት 10 ትእዛዛት ዝተጻሕፈሉ ጽላት ዝቕመጠሉ፣ ሳጹን ዓይነት እዩ፣ ከምዚ ኣብ ስእሊ ንርእዮ ዘለና።  ኣርባዕተ ባላ መትሓዚ ዘለዎ፣ መኽደንን፣ ነንሕድሕዶም ተጠማሚቶም ኣኽናፎም ዝዘርግሑ ኪሩቤል ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ዉሽጢ ታቦት ድማ ሰለተ ነገራት ይቕመጣ። 10 ትእዛዛት ዝተጻሕፎ ጽላት፣ ካብ ሰማይ ዝወረደ ማናን፣ ከምኡ ዉን ብዛይ ማይ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮን። ሊቀ ነብያት ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ፎርኦን ብሓይሊ እግዚኣብሔር ሓራ ኣዉጺኡ፣ ኣብ ከባቢ ደብረ ሲና ምስ በጽሐ፣ ምስ ኣምላኹ ክዛረብ ኣብቲ ጎቦ 40 መዓልቲን ለይቲን ምስ ገበረ፣ እግዚአብሔር ልክዕ ከም ፊልሚ እንዳርኣየ፣ ከመይ ዝበለ ቤተመቅደስን ንብረቱን፣ ስርዓቱን ክሃንጽ ከም ዘለዎ ገለጸሉ። ዘጸ 25-32

ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚራ፣ እቲ ታቦት፣ ታቦተ ኪዳን ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። ምክንያቱ ጐይታ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ እቲ መኽደን ናይቲ ታቦታ፣ ኣብ መንጎ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኮይኑ፣ ግርማኡ ይገልጽን፣ በቲ ዝኣተወሎም ኪዳን መሰረት ድማ     /ዘጸ 24፥1-11/ ይመርሖም፡ ይምሕሮምን፣ ካብ ክፋእ ዘበለ ይሕልዎምን ነበረ። በዚ መሰረት ድማ ታቦተ ኪዳን ትበሃል ነበረት። ሙሴ ኣብ በረካ ምስ ዐረፈ፣ ኢያሱ ነቲ ህዝቢ መሪሑ ናብታ ተስፋ ዝተነብረላ ምድሪ የእተዎም፣ ነቶም 12 ነገዳት ድማ፣ ረርስቶም መቐሎም፣ እታ ካብ ተንኮበትን፣ ቆርበትን ዝተሰርሐት ደብተራ ኦሪት፣ ምስ ንብረታን ምስቲ ታቦትን፣ ድማ ኣብ ዝባን ይሁዳ የዕረፈት። ንጉስ ዳዊት ምስ ነገሰ ድማ፣ ካብታ ዓሪፋትሉ ዝነበረት ቦታ ኣልዒሉ፣ ናብታ ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበረት እምባ ጽዮን ኣደየባ። ክሳብ ወዱ
ሰሎሞን ቀዋሚ ቤተመቅደስ ዝሃንጸላ ግዜ ድማ፣ ኣብዚ እምባ`ዚ ነበረት፣ በዚ ምኽንያት ድማ፣ ታቦተ ጽዮን ተባሂላ ክትጽዋዕ ጀመረት። ክሳብ ምርኮ ባቢሎን ድማ፣ ኣብ ሰሎሞን ዝሃነጾ ቤተመቅደስ ነበረት፣ ደሓር ግና ኤርሚያስ ወሲዱ ከም ዝሓብኣ ይንገር። ከምኡዉን ኤርሚያስ ካብ ኣምላኽ ብዝተቐበሎ ቃል መሰረት  ነቲ እግዚአብሔር ዚርከበሉ ድንዃንን ነቲ ታቦት ኪዳንን ናብቲ እግዚአብሔር ንዝሃቦም ርስቲ ንምርኣይ ሙሴ ዝደየቦ እምባ ክወጹ ኸም ዝኣዘዞም፣ እዘን ጽሑፋት እዚአን ይነግራና እየን። ኤርምያስ ናብቲ እምባ ምስ ደየበ፣ በዓቲ ረኸበ ነቲ እግዚአብሔር ዚርከበሉ ዝነበረ ድንዃንን ነቲ ታቦት ኪዳንን ነቲ መሰዉኢ ዕጣንን ድማ ኣብኡ ሓብኦ፣ ነቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ሓተሞ 2ይ መቃ 2፡4-9

ስለምንታይ ቤተክርስቲያን ነዛ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ታቦት ምስ ድንግል ማርያም ተመሳስላ፧?

ኣብ ብሉይ ዝነበረ ኲነታት ታቦትን፣ ህይወት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽን ክንምርምር እንከሎና፣ ብዙሕ ኣዝዩ ዝደንቕ ነገራት ንረኽብ ኢና። ናይ ቤተክርስቲያን መማህራን ዝነበሩ፣ ብዙሓት ሊቃዉንቲ ዉን ገና ካብ መወዳእታ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ጀሚሮም፣ ንታቦት ምስ ድንግል ከመሳስልዋ ንረኽብ።

“እታ ብግዳምን ዉሽጣን ብወርቂ ዝተለበጠት ታቦት፣ ባዕላ ድንግል እያ፣ ምክንያቱ ንሳ ነቲ ኣድማሳዊ ቅድስና ከም ጸጋ ተቐቢላ እያ ኣሞ። ነቲ ወዲቑ ዘሎ ዓሌት ቀዳሞት ወለድና ከተልዕል፣ ኦ ጐይታ ካብ ሑቅፊ ኣቦኻ ንዓ ተንስእ”  ቅ.ጎርጎርዮስ ጎርጎርዮስ ገባሬ ተኣምራት 213-270 ዓ.ም. ዝነበረ ና ቄሳርያ ጳጳስ /Orat. in Deip. Annunciat. Int. Opp. S. Greg. Thaumaturg/

  1. ክብሪ ኣምላኽ ዝተገልጸላ ስለዝዀነ

ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ታቦተ ኪዳን፣ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክብሪን ግርማን ዝተገልጸላ ስፍራ ነበረት። ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ፣ ናይቲ መድሓኒናን ዝዀነ ዘለኣለማዊ ቃል ብስጋ መሕደሪኡ ኮይና እያ። ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ዝነበረት ታቦተ ኪዳን ህላወ ኣምላክ ብግርማ ዝግለጸሉን፣ ምስ ህዝቡ ዝራኸበሉን ነበረ። እታ ብቅዱስ ሰብነታ ኣገልጋሊት ዝነበረት ዘኽታም ማርያም ድንግል በቲ ድንግልናዊ ማህጸና ድማ ነቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ብስጋ ስለዝወለደቶ፣ ብእኣ ኣቢሉ ምስ ህዝቡ ዝተራኸበላ ኣደ እያ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሙሴ ክዛረቦ እንከሎ፣ “እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎ፡ ኣነ ብደበና ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቒ ኽርኤ እየ እሞ፡ ንሓውካ ኣሮን ከይመውትሲ፡ ናብ ቤት መቕደስ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደን መተዓረቒ ዂሉ ጊዜ ኸይአቱ፡ ንገሮ። ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ፡ ኣሮን በዚ ናብ ቤተ መቕደስ ይእቶ።” ዘሌ 16፥2 በሎ። ኣብዚ ክንርድኦ ዝግብኣና፣ ናብቲ ክብሪ ኣምላኽ ዝግለጸሉ ቦታ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ኢድ መንስኢ ማለት መስዋእቲ ሒዞም እዮም ዝኣተዉ። ብስራታዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ዉን ናብ ድንግል ክቐርብ እንከሎ፣ ብናይ ምስጋና መስዋእቲ እዩ ተዛሪብዋ፣ “እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ምስ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሐሰበት። እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።” ሉቃ 1፥ 28-34

2. ተመሳሳሊ ታሪካዊ ኣጋጣሚታት ኣብ ታቦተ ኪዳንን ድንግልን

“ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ነቲ በቲ ስም፡ ስም እቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተጸውዓሉ ታቦት ኣምላኽ ካብ በዓለይሁዳ ኸደይቦ ኸደ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኲርባ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ኣልዐልዎ፡ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዑዛን ኣሕዮን፡ ደቂ ኣቢናዳብ፡ ይመርሕዎ ነበሩ። ካብታ ኣብ ኲርባ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረ ቤት ኣቢናዳብ ከኣ ኣልዐልዎ። ኣሕዮ ኸኣ ቀቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ። ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዂሉ ዓይነት ቃናታት፡ ካብ ዕጨይቲ እተገብረ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጽላትን ብጸናጽልን ይጻወቱ ነበሩ። ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሐዞ። ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ስለ ድፍረቱ ኸኣ ኣምላኽ ቀዘፎ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ታቦት ኣምላኽ ሞተ። ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሐረረ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዘሎ፡ ጴረጽዑዛ ኢሉ ሰመያ። ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈርሁ፡ ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ፡ በለ። ስለዚ ኸኣ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ቤት ዖቤድኤዶም፡ ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ዳዊት ናብኡ፡ ናብ ከተማ ዳዊትሲ፡ ኬግዕዞ ኣይፈተወን። እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ቤት ዖቤድኤዶም፡ ጊታዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንዖቤድኤዶምን ንብዘላ ቤቱን ባረኸ። እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኣምላኽ ኢሉ ንቤት ዖቤድኤዶምን ንዘለዎ ኹሉን ባሪኹሉ፡ ኢሎም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣደየቦ። ኰነ ድማ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሹድሽተ ስጒምቲ ምስ ሰጐሙ፡ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ድዑልን ሰውኤ። ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ። ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪአቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምጺኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዕረገ፡ ዳዊት ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ

ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ባረኾ። ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ንብዘሎ ኣኼብ እስራኤል፡ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም። ድሕርዚ ኸኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ኸደ። ዳዊት ድማ ንቤቱ ኺባርኽ ተመልሰ። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ፡ ንጉስ

እስራኤልሲ፡ ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ፡ በለት። ዳዊት ከኣ ንሚካል፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መስፍን ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፡ እወ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝስሐቕ ዘሎኹ። ገና እኳ ኻብዚ ክቐልል እየ፡ ኣብ ዓይነይ ከኣ ኣዝየ ኽሐስር እየ፡ ኣብተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክከብር እየ፡ በለ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ክሳዕ እታ እትሞተላ መዓልቲ ውሉድ ኣይነበራን።” 2ይ ሳሙ 6

Super Kamagra Tablets Super Kamagra tablets offer treatment levitra online https://www.unica-web.com/archive/2008/2008-general-assembly.html for both manic depressives and for adolescents with severe disease (Cohen et al., 1997).
“በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ ብዓብዪ ስምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ እ
ንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ተሰራሰረ። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።. . . .ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ወርሔት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት።” ሉቃ 1፥39-45

ኣብዘን ክልተ ምዕራፋት እዚ ዝስዕብ ምምስሳላት ክንረኽብ ኢና፦

  • ክልቲኡ ታሪክ ኣብ ዝባን ይሁዳ እዩ ኣጋጢሙ
  • ኣብ ማህጸን ቅድስት ኤልሳቤጥ ዝነበረ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኮይኑ፣ ድምጺ ኣደ ጐይትኡ ምስ ሰምዐ፣ ብሓጎስ ተሰራሰረ። ብተመሳሰሊ ዉን እቲ ብስጋ ኣባሓጎኦም ዝዀነ ልቢ ኣምላኽ ንጉስ ዳዊት ዉን፣ ኣብ ቅድሚ ታቦት ብሓጎስ ብመዝሙር ብምስጋና ተሰራሰረ።
  • ዳዊት ሓይሊ ናይቲ ኣብቲ ታቦት ዝሓድር ኣምላኽ ምስ ረኣየታቦት እግዚአብሔር ከመይ ጌሩ ናባይ ክመጽእ በለ። ብስጋ ካብ ዓሌቱ ዝዀነት ኤልሳቤጥ ዉን መንነት ናይቲ ኣብ ማህጸን ድንግል ሓዲሩ ዝነበረ መን ምዃኑ ኣጸቢቓ ብመንፈስ ቅዱስ ስለዝተረድአት፣ ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጽኢ` እዚ ካበይ ኰነለይ በለት።ናይዞም ክልተ ብሩኻትን ቅዱሳትን ሰባት፣ ምስጋናን ትሕትናን ከነስተንትኖ ይግባእ።
  • ታቦት እግዚአብሔር ኣብ ቤት ዖቤድኤዶም ሰለስተ ወርሒ ጸንሐ፣ ከምኡ ዉን ድንግል ማርያም ንዘመዳ ቅ.ኤልሳቤጥ ከተገልግል ሰለስተ ወርሒ ጸንሐት።

“ነብዪ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦት ሳዕሰዐ። እምበኣር ብዛዕባ`ዚ ታቦት እንታይ ክንብል ኢና፣ ንቅድስት ማርያም`ዶ ኣይኰነትን እተመልክት? እታ ታቦት ኣብ ዉሽጣ ናይ ኪዳን ጽላት ሒዛ ነበረት፣ ማርያም ድማ ወራሲ ናይዚ ዂሉ ኪዳን ዝዀነ ጾረቶ። ታቦት ንሕጊ ኦሪት ተሰኪማ ነበረት፣ ማርያም ድማ ንወንጌል ጾረቶ (ወንጌል ማለቱ ንክርስቶስ እዩ)። እቲ ሓደ፡ ድምጺ ኣምላኽ ጥራይ ነበሮ፣ እዛ ሓንቲ ግና ነቲ ቃል ኣምላኽ ባዕሉ ሓዘቶ። ታቦት ብዘንጸባርቅ ወርቂ ብግዳምን ብዉሽጣን ተለቢጣ ነበረት፣ ቅድስት ማርያም ግና ብግርማ ድንግልና ብግዳማን ብዉሽጣን ተሰሊማ ነበረት። እቲ ቀዳመይቲ ብምድራዊ ወርቂ መልኪዓ ነበረት፣ እዚኣ ግና ብሰማያዊ።”  ቅ.ኣምብሮስ ዘሚላን ናይ ሚላን ሊቃ ጳጳስ ዝነበረ 339-397 ዓ.ም. (Serm. xlii. 6, Int. Opp., S. Ambros)

3. ትሕዝቶ ናይቲ ኣብ ዉሽጢ ታቦት ዝነበሩ ነገራት

ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብቦ፣ እታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ታቦት ሰለስተ ነገራት ኣብ ዉሽጣ ሒዛ ነበረት፣ ንሳተን ከኣ፣ ብኢድ እግዚአብሔር ዝተጻሕፉ ሕጊ 10 ትእዛዛት ዘለዎ ጽላት፣ ካብ ሰማይ ዝወረደ ንህዝበ እስራኤል መግቢ ዝኰኖም ማና፣ ከምኡ ዉን እታ ብዘይ ማይ ባዕላ ጠጢዓ ዝተረኽበት ናይ ሊቀ ክህነት ምልክቱ ዝነበረት በትሪ ኣሮን። 1ይ ነገ 8፡9 ዕብ 9፡4

ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳን፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ እትብሃል ነበረት፡ ኣብኣ ጽንሃን ወርቅን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሐዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዔት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንንዚሕዝ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ዕብ 9፡4

እታ ናይ ብሉይ ኪዳን ታቦት፣ ካብ ዘይነቅጽ እንጨይቲ ተሰሪሓ፣ ብግዳምን ብዉሽጣን፣ ብወርቂ ዝተለበጠት ነበረት። ኣማናዊት ማሕደር ዝኰነት ድንግል ግና፣ ብድንግልናዊ ንጽህና ዝተሰለመት ነበረት። ከምቲ ቅዱስ ጳዉሎስ ብተደጋጋሚ ዝነገረና፣” እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎት እዩ” ቆላ 2፥17 ብሉይ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጽላሎት እዩ። ስለዚ ከምቲ ሓድሽ ኪዳን ናይ ብሉይ መፈጸምታ ዝዀነ፣ ከምኡ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማህጸን ድንግል ማርያም ምሕዳሩ፣ መፈጸምታ ናይታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ታባት እዩ። እተን ሰለስተ ነገራት ድማ፣ ንዕዑ እየን ዘመልክታ።

  1. ኣብ ጽላት ዝተጻሕፈ ቃል ኣምላኽን፣ ባዕሉ ስጋ ዝለበሰ ቃል እዩ።ነቲ ጽላት ኪዳን ወሲዱ ድማ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ ነቲ ታቦት መሰላታት ገበረሉ ዘጸ 40፡20። ጐይታ ናይቲ ኣብ ጽላት ተጻሒፉ ዝነበረ ቃላት እግዚአብሔር መፈጸምታ ኮይኑ እዩ መጺኡ። ናይ እግዚአብሔር ቃል፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን ባዕሉ፣ ወልድ እዩ። ወልደ ኣብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ተባሂሉ እዩ። ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።. . . እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ።” /ዮሓ 1፡1-14/
  2. ካብ ሰማይ ዝወረደ ማና ናይቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣማናዊ እንጌራ፣ ወልድ ምሳሌ እዩ። ቁርባን ናይዚ ኲሉ ምሳሌ እዩ።እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።. . . ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። /ዮሃ 6፥48-58/። ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ። /ማቴ 26፥26/
  3. በትሪ ኣሮን ድማ ናይ ክህነት ምልክት ነበረት፣ ኣማናዊ ሊቀ ካህናትና፣ ብደም እንስሳታት ዘይዀንሲ ብገዛ ደሙ ዝዓረቐና ጐይታ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማናዊ ሊቀ ካህናትና ምዃኑ ኣብ መልእኽቲ እብራዉያን ብሰፊሑ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ከምቲ ኣብ ዘሁልቅ ምዕራፍ 17 ዝነግረና፣ እግዚአብሔር ብክህነት ኰይኖም ዘገልግልዎ ዓሌት ክመርጽ እንከሎ፣ ናይ ኩሎም ቤት እስራኤል ኣባትር ብምእካብ፣ ኣብ ቤተመቅደስ ድሕሪ ምእታዉ፣ እቲ ንሱ ዝመረጾ ዓሌት፣ በትሩ ከም ትጥጥዕ ኣርኣየ፣ በዚ ድማ ዓሌት ኣሮን፣ ተመርጸ። እዚ ናይ ክህነት መረጋገጺ ምልክት እዩ። “ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደእኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ። ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽብሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን። ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልክጼዴቅ ንዘልኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዚብል።. . . ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈልየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና። ንሱ ከምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድለዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ
    ንሓዋሩ ገበሮ።” /ዕብ 5፥6-7, 7፥1-28/

“ከምቲ እቲ ናትና ካህን ዝዀነ ክርስቶስ፣ ብኢድ ሰብ ዘይተሓርየ፣ ከምኡ እታ መሕደሪኡ ዝዀነት መቅደሱ ዉን ብሰባት ኣይተሰርሐትን። እንታይ ደኣ ብመንፈስ ቅዱስ እያ ዝተሃንጸት፣ ምእንቲ ዘለዓለማዊት መዘከርታ ኰይና ክትነብር ድማ ብሓይሊ ኣምላኽ እታ መቅደስ ተሓልያ ትነብር ነበረት፣ ንሳ ድማ ማርያም እያ። ንኣምላኽ ዝወለደት ድንግልን ኣደን።” ቅ. ዲዮናስዮስ ዘእስክንድርያ ኣብ 264 ዓ.ም ዝዓረፈ  (S. Dionysius of Alexandria, Respons. ad Quoest. v. Pauli Samos)

እምበኣር እታ ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ታቦት፣ ምሳሌ ናይ ድንግል ማርያም ምዃኑ በዘን ሓሳብ ኣጸቢቕና ክንርዳእ ንኽእል። ዋላ እኳ እታ ናይ ብሉይ ታቦት ጠፊኣ እንተተረፈት፣ ንዓና ግን ኣማናዊት ታቦት፣ ከምቲ ኣብ ብሉይ ዝነበረ ብግርማ ጥራይ ዘይኰነሲ ብስጋ ብኣካል ዝጾረቶ፣ ሓቀኛታቦት፣ ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም ኣላትና። ነዚ በዓል`ዚ እዚ ከነብዕል እንከሎና ግና፣ ሓደ ነገር ክንዝክር ይግብኣና፣ ከምቲ ንሳ ማህደር ኣምላኽ ዝዀነት፣ ንሕና ዉን ማህደር መንፈስ ቅዱስ ክንከዉን፣ ኢና ተጸዊዕና ዘለና። ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታት ዉን፣ ንድንግል ኣብነት ጌርና ብምስዓብ ልክዕ ንሕና ዉን ከምኣ ማህደር እግዚአብሔር ክንከዉን ይምዕዱና።

  • ምእንቲ ንስኻ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ ክትኸዉን፣ ንሱ እቲ ወዲ ኣምላኽ፡ ወዲ ዳዊት ኰይኑ ኣሎ፣ ስለዚኣይትጠራጠር። እምበኣር ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ኣምላኽ ለጠቕ ኢሉ ወሪዱ ዘሎ፣ ንከንቱ ኣይኰነን፣ ናብ ዝለዓለ ክብሪ ክብ ምእንቲ ከብለና እዩ። ምእንቲ ንስኻ ካብ መንፈስ ዳግማይ ክትዉለድ፣ ንሱ ካብ ስጋ ተወልደ! ንስኻ ምእንቲ ወዲ እግዚአብሔር ክትኸዉን፣ ንሱ ካብ ሰበይቲ ተወልደ     . ዮሓንስ ኣፈወርቅ ማቴ 22 ትርጓሜ
  • ኣቲ ኣብ ክርስቶስ ብምልኣት ሓዲሩ ዝነበረ ምልኣት መለኮት፣ በታ ኣበር ዘይብላ ማርያም ኣቢሉ ብርሃኑ ኣብረሀ። እንድሕሪ ሓንቲ ነፍሲ ከም ሕጊ፣ ናይ ድንግልና ህይወት ትስዕብ እንተልያ፣ እዚ ነገር እዚ ዉን ኣብኣን ኣብ  ኲሉ ሰብ ክፍጸም ይኽኣል እዩ። ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና /2 ቆሮ 56/ተባሂሉ ስለዘሎ፣ ደጊም እቲ ጐይታ ብስጋ ኣይክመጽእን እዩ፣ ግን ብመንፈስ ኣባና ክሓድር ይኽእል፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝነገረና ዉን፣ ንኣቡኡዉን ምስኡ ሒዝዎ ክመጽእ እዩ
  • እዚ ልደት እዚ ካብ እግዚአብሔር እዩ። ኮይኑ ግና፣ እቲ ዘለኣለማዊ መንፈስ ኣብ ልቢ ሰባት ክጥነስ (ክሓድር) እንከሎ ዉን፣ ንጥበብ፡ ፍትሒ፡ ቅድስናን፡ ፍጹም ንጽህናን ስለዝወልድ፣ ኲሉ ግዜ ይፍጸም እዩ። ስለዚ ኲሉ ክርስቲያን ኣደ ናይቲ ልዑል ክኸዉን ይኽእል እዩ። ምክንያቱ ንሱ ባዕሉ ጥበብ፡ ፍትሒ፡ ቅድስናን፡ ንጽህናን እዩ። ጐይታና ባዕሉ ከምዚ ኢሉ እዩ፣ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ንሱ፣ ኣደይ እዩ። ማር 335 ማቴ 1250                                                                                                                         . ጎርጎርዮስ ዘኒሱን
  • ኣንቱም ፍቓድ እግዚአብሔር እትሰርሑ ዘለኹም፣ ናይ ጐይታ ኣዲኡ ምእንቲ ክትዀኑ ኣስተዉዕሉ፣
  • እምበኣር ንዓኻ ኣብነትኻ፡ ህይወት ማርያም እዩ፣ ካብኣ ኲሉ ንጽህናን ሰናይ ምግባራትን ከም ካብ መስተያት ዝወጽእ ነጸብራቅ ኮይኑ የብርሃልካ ኣሎ
  • ነፍሲ ናብ ክርስቶስ ክትምለስ ምስ ጀመረት ማርያም ተባሂላ ክትጽዋዕ ትጅምር። ማለት ስም ናይታ ኣብ ማህጸና ንክርስቶስ ዝጾረቶ ድንግል፣ ይወሃባ። ምክንያቱ እዛ ነፍሲ እዚኣ ብመንፈሳዊ መንገዲ ንክርስቶስ ስለዝወለደቶ                                           ቅዱስ ኣምብሮስ ዘሚላን
  • ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ኣብ ልቡ ንኣምላኽ ክጠንሶ (ክጾሮ) ይኽእል እዩ     .ኣዉግስጢኖስ

“ሰላም ለንዋየ ዉስጥኪ ኣምሳለ ንዋያ ለድብተራ፣ ስብሓተ ልዑል ዘይሤወራ፣ ማርያም ድንግል ትምክሕተ ደቂቃ ለሣራ፡ ባልሕኒ ወለተ ቅስራ ለዓለመ ጽልመት እምጻዕራ፣ እስመ መቅዓን ወጠዋይ ምሕዋራ። ትርጉም/ ነቲ ናይ ደብተራ ኦሪት ንዋየ ቅዱሳት ዝምሰል፣ ዉሽጥኺ ሰላም እብል፣ ኣብኡ ናይቲ ልዑል ኣምላኽ ምስጋና ተሰዊሩ ነበረ፣ ማርያም ድንግል ንደቂ ሳራ ትምክሕቶም ኢኺ፣ ጓል ቅስራ ዝዀንኪ ንስኺ ኣደይ ካብ ጻዕራ ዝበዝሐ እዛ ጥዋይን ዝበዝሓ ጸልማት ዓለም ኣድሕንኒ

ስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር! ኣሜን!!