ም.5 ናይ ድፍረት/ትዕቢት ሓጢኣት

images (8)ነቢይ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸልዩ «ንዓይ ንባርያኻ ብትዕቢት(ድፍረት) ሓጢኣት ከይገብር ሓልወኒ ኣብ ልዕለይ ከይስልጥን ውን ዕገቶ፡ ሽዑ ሙልእ ክኸውን፡ ዓቢ ሓጢኣት ዉን ኣይክገብርንየ» /መዝ 19፥13/

ዳዊት፣ ናይ ድፍረት ወይ ናይ ትዕቢት ሓጢኣት ዝብለን ዘሎ ነየኖት ሓጢኣታት እየን፧? እዚአን ዓይነት ሓጢኣታት ብዙሕ ግዜ ሕቡኣትን እየን። በቲ ርኡይ ዝዀነ (ብኣፍኣ ንፍጽሞ) ናይ ጽድቂ ስራሕ ስለዝሽፈና፣ ሓጢኣት ኮይነን ኣይረኣያናን። ገሊኣተን ዉን፣ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ብዘሐጉስ መንገዲ ዘይተስርሓ፣ ሰናይ ተግባራትን ስነምግባራትን ዉን ክዀና ይኽእላ። ከም ስነምግባር ኣምሲልና ስለእንወስደን፣ ሓደ ሓደ እዋን «ናይ የማናይ ኢድ ሓጢኣታት» ዉን ይበሃላ እየን።

ገለ ኣብነታት ናይ ድፍረት ሓጢኣታት

1.ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምዉካል

ሰብከት ትሰምዕ፣ ልብኻ ውን ይትንከፍ፣ በዚ ስብከት`ዚ ኣቢልካ መንገዲ ጽድቂ ክትጉዓዝ ትውስን። ብቅዱስ ቅንኢ መንፈሳዊ ህይወት ትጅምር፣ ትጸውም፡ ትጽልይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ። ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ውሽጥኻ ክደፍኣካ ይጅምር። ምናልባት እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ፣ ጸጋ ኣግዚኣብሔር መሲልካ ይኸውን፣ ግን ኣይኮነን።

ደሓር ግና ፈጺምካ ትዳኸም። ካብቲ ዝነበርካዮ ደረጃ ናብ ዝገደደ ትወድቕ፡ እቲ ጸገም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ስለ ዝተወከልካ እዩ።

መፍትሒ፦ ቅድም ናብ ኣባት ነፍስኻ ኪድ፣ ንሱ ይምራሓካ። ንዓኻ ዝምጥን፣ ዓቕምኻ መደብ ክህበካ እዩ። ብኡ ጀምር!

2. እምብዛ ጽድቒ

መንፈሳዊ ህይወት፣ ኲሉ ግዜ ምስ መንፈሳዊ ማለት ኣባት ነፍስኻ ብምምዕዓድ ክጅመር ኣለዎ። ካብቲ ኣበ ነፍስና ዝመደበልና ነገራት ዉን ክንወጽእ የብልናን።

ዲያብሎስ «ኣቦይ ቀሺ መንፈሳዊ ብቕዓትካ ኣይፈልጥዎን፣ ኣቦይ ቀሺ ንመንፈሳዊ ዕብየትካ ከደናጉዩካ እዮም ዝደልዪ» እንዳበለ ኣባት ነፍስካ ካብ ዝወሰኑልካ ንላዕሊ ንኽትገብር ይምዕደካ። ነዚአን ነገራት ክትፍጽመን ምስ ጀመርካ ዉን፣ ድያብሎስ ይሕግዘካ፤ ማለት ነዚኣን ነገራት ክትገብር ከለኻ ኣይፍትነካን። ስለምንታይ ዲያብሎስ ነዚ ክትገብር ይሕግዘካ፧?

ምግባረ ጽድቅ፣ ናብ ፍጽምና መብጽሒ መንገዲ ደኣ እዩ እምበር፣ ዕላማ ኣይኮነን። ብዙሕ ሰዓታት ብምጿምና፡ ብዙሕ ግዜ ብምጽላይና፡ ብዙሕ ብምስጋድና ክንሕጎስ ንጅምር። በዘን መንፈሳዊ መንገዲታት ኣቢልና ምስ እግዚኣብሔር ተራኺብና ዲና ንዝብል ሕቶ ግና ኣይንዝክሮን። ማለት በቲ ዝጾምናዮን ዝጸለናዮን፣ ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ቀሪብና ዲና፣ ዋላስ ኣይቀረብናን?

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ይብለና። «እምብዛ ጽድቂ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን ስለምንታይ ንርእስኻ እትቐትል» /መክ 7፥16/። «ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዕእደሎ መንፈር እምነት ገይሩ ደኣ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ክይሓስብሲ ንነፍሲ መከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ ዝወሃበኒ ጸጋ እምዕዶ ኣሉኹ» /ሮሜ 12፥3/።

ርእሰ መንኮሳት ቅዱስ ኣይጦንስ፣ ጸሎት ወዲኦም ምስ ደቀሱ፣ ድያብሎስ እንዳተመላለሰ «እንጦንስ፣ ተንስእ ጸሎት ግበር» እንዳበለ የተንስኦም ኔሩ። ቅዱስ እንጦንስ ግና «ኣብ ዝመረጽክሉ ግዜ ክጽልይ እየ፡ ንዓኻ ግን ፈጺመ ኣይክሰምዓካን እየ» እንዳበለ ይምልሰሉ ኔሮም። ኩሉ ጉዕዞና ማእከላይ ክከውን ኣለዎ። ኣቦታትና፣ ነዚ ማከላይ መንገዲ «መንገዲ ክብረት» ኢሎም ይጽዉዕዎ። መንገዲ ክብረት ዝበሃል ኣመና ናብ የማን (እምብዛ ጽድቂ) ወይ ናብ ጸጋም (ሓጢኣት) ዘይምዝንባል እዩ።

በዚ ምኽንያት እዩ፣ ገዳማዉያን መነኮሳትን ደናግልን፣ ብመንፈሳዊ መራሕቶም (ኣበነፍሶም/መማህራኖም) ዝተመደበሎም ናይ ጸሎት፡ ጾም፡ ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ መዳባት ዘለዎም። ብዛዕባ መንፈሳዊ ባህግታት ኩሉ ሳዕ ትምርሓሉ መንገዲ ክምደበልካ ሕተት።

3 . ገዛእ ርእስኻ ምቕጻዕ

ገለ እዋን ባዕልና እንገብሮ መንፈሳዊ ስርዓት ኣሎ። ሓጢኣት ክንፍጽም ከለና ንገዛእ ርእስና ቐኖና ንእዝዘላ። ንኣብነት፣ ገለ ሓጢኣት ምስ ንሰርሕ፣ ባዕልና ጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ንውስኸሉ። ከምዚ ምግባርና ውን ዝተዓውትና ይመስለና፤ እዚ ግና ናብ ካልእ መንገዲ እዩ ዝመርሓና።

4.ገዛእ ርእስኻ ካብ ሓጢኣት ምፍታሕ

ንኣብነት ኣብ ጊዜ ጾም ብነፋሪት ትገይሽ ኣለካ ንበል፣ ኣብታ ነፋሪት ዝተቐረበልካ መግቢ ናይ ስዕረት ኮይኑ፣ ነቲ ዝተቐረበ መግቢ ሃሪፍካ ክትበልዕ ደሊካ። ነቲ ውሳኔኻውን «ንብዙሕ ግዜ ጾይመ እየ፡ ሕጂ ኸኣ ክበልዕ መሰለይ እዩ» ብዝብል ምኽንያት ደጊፍካ ትበልዕ።

ኣብዚ ዘየስተውዓልካዩ ነገር እንተሃልዩ! ዲያብሎስ ንካህናት ጥራይ ዝምልከት ስልጣን ምእሳርን ምፍታሕን ንገዛእ ርእስኻ ከምትውንኖ ጌርካ እዩ። ብርግጽ ዲያብሎስ እዩ ዝኣስረካን ዝፈትሓካን ዘሎ። መንፈሳዊ መራሒ ከምትስእን ጌሩ፣ ባዕሉ መንፈሳዊ ኣማኻሪኻ ኮይኑካ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና «ንመብራህቲ ኣብሪሁ እቶም ዝኣትው ምእንቲ ክርእዩ ኣብ በሪክ መቐመጢኡ እምበር ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ከፈር ዘንብሮ ሓደ እኳ የልቦን» /ሉቃ 11፥33/። ኣቦታት ነዚ ክትርጉምዎ እንከለዉ፣ ዝኾነ እትፍጽሞ ጽድቂ ስራሕ ካብ ኣባት ነፍስኻ ኣይትሕባኣዮ ኩሉ ትገብሮ ነገር መንፈሳዊ መራሒኻ ይፍለጦ፣ ብምባል ይምህሩና።

5.ኣደናጋሪ ጽድቂ

በዚ መንገዲ ምስ እትቕጽል፣ ዲያብሎስ ሰናይ ትገብር ከምዘለኻን፣ ነቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘውርስ መንገዲ ከምዝሓዝካን የእምነካ። ግደ ሓቂ ግና፣ መገዲ ድሕነትካ ገዲፍካ ናብ ጥፍኣት መንገዲ ኢኻ ትጉዓዝ ዘለኻ። «እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቕ» /ሉቃ 11፥35/ ብምባል ጐይታ ኣጠንቒቑና እዩ። ጐይታ፣ ካብቶም መራሕቲ ሸውዓተ ቤተክርስቲያናት ዝኾኑ ጳጳሳት ነቲ ሓደ ከምዚ ኢሉ ገስጽዎ እዩ፣ « ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ እኳ ዝጎድለኒ ነገር የብለይን ብምባልካ ሕሱርን ዘደንግጽን ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምኻንካ ኣይትፈልጥን ኢካ» /ራእ 3፥17/።

ኣብ ከምዚ ደረጃ ዝበጽሑ ሰባት ዳርጋ ጠፊኦም እዮም። ቅዱስ ቲዮፋን ባሕታዊ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ሞቱ እዮም ጥፍኣቶም ዝርድኦም፣ ይብለና። ጐይታ ብዛዕባ ከምዚኦም ሰባት «በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ጐይታይ ጐይታይ! ብስምካ`ዶ ኣይተነበናን ብስምካ`ዶ ኣጋንንቲ ኣየውጽኣናን ብስምካ ብዙሕ ተኣምራት`ዶ ኣይገበርናን፣ ክብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ከቶ ኣይፈልጠኩምን እየ ካባይ ርሓቑ ክብሎም እየ» /ማቴ 7፥22-23/።

6.ናይ ሓሶት ራእይን ሕልምን

ካብዚ ሓሊፉ ዉን፣ ኣብ ምድንጋርካ ምእንቲ ክትጸንዕ ነገራት ቅድሚ ምፍጻሞም ኣቀዲምካ ከምትፈልጥ ይገብረካ፣ ወይ ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ከምትፈልጥ ይገብረካ። ዲያብሎስ ነዚ ከመይ ገይሩ ይገብሮ፧? ብጣዕሚ ቀሊልዩ!

ንኣብነት ኣብ ዓዲ ዘላ ኣዴካ ብጣዕሚ ከምዝሓመመት ይፈልጥ (ወይ ከምትሓምም ይገብራ)፣ ሽዑ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮካ የንብሮ፡ ናይ ዓዲ ደሃይ ምስትገብር ከኣ ብርግጽ ከምዝሓመመት ይነግረካ። ነዚ እንተኣሚንካ፣ ቀጻሊ ሓደስቲ ነገራት ይሕብረካ። እግዚኣብሔር ንድሕነትካ ነገራት ይገልጸልካ ከምዘሎ ጌሩ የእምነካ፣ ውሽጥኻ ከኣ ናብ ሞት ብዘብጽሕ ትዕቢት ከምትምላእ ይገብረካ።

ቅዱስ ዮሃንስ ክሊማክስ፣ «ድያብሎስ፡ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ኣእምሮ ሓሳባት የስርጽ፣ ነቲ ካልእ ሰብ ከኣ ነቲ ኣብቲ ሓደ ሰብ ዘስረጾ ሓሳብ ይገልጸሉ እዩ» ይብለና። ብከምዚ መገዲ ኣቢሉ ድማ፣ ኣእምሮ ሰባት ከንብብ ዘኽእል ጸጋ ከምዝተዓደሎ ጌሩ የደናግሮ። እዞም ኩሎም ጠንቖልትን፡ ሳይኪክ (psychics) ፍልጠቶም ካበይ ይረኽቡ ይመስለኩም፧ ካብ ዲያብሎስ። ኩሎም ኣጋንንቲ ዝሓደሮም እዮም።

ሓደ እዋን ስለስተ መነኮሳት ራኣይ ይርእዩ’ሞ፣ እቲ ራእይ ካብ እግዚኣብሔር ድዩ ወይስ ካብ ድያብሎስ ንኸረጋግጹ ይካትዑ ኔሮም። ኣብ መወዳእታ ንቅዱስ ኣባ ኣንጦንስ ክሓትዎም ተሰማምዑ። ኣብ መንገዲ እንዳተጓዓዙ እንከለዉ ከኣ ሃንደበት እታ ምስኦም ዝነበረት ኣድጊ ትመውት። ንሳቶም ግና በዚ ከይተዓንቀፉ ጉዕዞኦም ቐጺሎም ናብ ኣባ ኣንጦንስ በጽሑ። ኣባ ኣንጦንስ ምስ ረኸቦም፡ «ኣድግኹም ብምማታ ብጣዕሚ ሓዚነ» በሎም። ሽዑ እቶም መነኮሳት «ኣድጊ ከምዝሞተትና ከመይ ጌርካ ፈሊጥካ» ኢሎም ሓተትዎም። ኣባ ኣንጦንስ ከኣ «ዲያብሎስ ነጊሩኒ» ኢሉ መለስሎም። ሽዑ እቶም መነኮሳት «ሕቶና ቅድሚ ምሕታትና፣ መልሲ ነጊርካና» ብምባል ናብ ገዳሞም ተመልሱ።

ንገለ ሰባት፡ ቅዱሳን ወይ መላኣክቲ ብራእይ ይግለጹሎም እዮም፣ ኣብዚ ከምዚ ኣጋጣሚታት ግና ብጣዕሚ ጥንቃቐ የድልየና። ድያብሎስ፣ መንፈሳዊ ህይወትና ምእንቲ ከባላሽው መልክዑ ይቕይር እዩ። ኣብ መጽሓፍ መነኮሳት ነዚ ኣብነት ዝኾነና ታሪኽ ኣሎ። ሰባት እቲ ዝርእይዎ ራእይ ካብ እግዚኣብሔር ድዩ ዋላስ ካብ ዲያብሎስ ምዃኑ ከይመርመሩ ዝጠፍኡ ብዙሓት ኣለዉ።

ናይ ሄሮን ዝበሃል መነኮስ ታሪኽ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ሄሮን ን50 ዓመት ብብሕትውና ዝነበረ ኮይኑ፣ ብሰንኺ ናይ ሓሶት መልኣኽ ህይወቱ ዘጥፍኣ እዩ። ናይ ሓሶት መልኣኽ (ሰይጣን) ንብዙሕ ግዜ ብቀጻሊ ይግለጸሉ ኔሩ። ብሰንኩ ድማ ናብ ቤተክርስቲያን ምኻድ ኣቋረጸ፣ ምኽሪ ካልኦት መነኮሳት ውን ሸለል ክብል ጀመረ። ኩሎም መጋድልቱ መነኮሳት፣ ንኣበምኔት ክሕብር እንተመዓድዎ ምስማዕ ኣበዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ «መልኣክ» ከም ኤልያስ ብህይወቱ ከሎ ናብ ሰማያት ከምዝውሰዶ ኣእመኖ፣ እቲ ድኩም ሰብ ሄሮን ዉን ንኩሎም መነኮሳት ክፋነዎም ጀመረ፣ እቶም መነኮሳት ክሳዕ መወዳእታ ሰዓት ከይተሓለሉ እንተመዓድዎ ዉን፣ ፍጹም ምስማዕ ኣበዮም። እቲ «መልኣክ» ናብ ጎቦ ወሲዱ፣ ንክዘልል ኣዘዞ፣ እቲ መነኮስ ውን ከምቲ ዝተባሃሎ ዘለለ፣ ኮይኑ ግና ጸዲፉ ሞተ። እቶም ኣበምኔት ገዛእ ርእሱ ከምዝቀተለ ጌሮም ብምውሳድ ፍትሓት ንከይግበር ኣዘዙ።

ካልእ ኣብነት ዉን ኣሎ። ሓደ «መልኣክ» ንሰለስተ ዓመት ንሓደ መነኮስ ተገለጸሉ። ኣብታ ንሱ ዝነበራ በዓቲ፣ በቲ «መልኣኽ»፣ ናይ ገነት ራእይ ኣርኣዮ። ኣይሁድ ኣብ ሕቑፊ ኣብርሃም ኮፍ ኢሎም፣ ክርስትያናት ግና ኣብ ሲኦል ክሳቀዮ ከለዉ ኣርኣዮ። ሽዑ ንሽዑ እቲ መነኮስ ክርስትያን ምዃን ገዲፉ ኣይሁድ ኮነ።

ናብ ሓደ ኣቦ ውን፣ ኣነ «ገብርኤል» እየ እንዳበለ፣ ሰይጣን ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝተላእከ ኮይኑ ቀረቦም። እቶም ኣቦ «ተካጊኻ ኣለካ፡ ምናልባት ኣብዛ ጥቃይ ዘላ በዓቲ ዘሎ ኣቦ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ኺድ። እንተ ኣነስ፡ ነዚ ኩሉ መልእክቲ ክቕበል ኣይብቁዕን ኣየ፡ ኣነ ሓጥእ እየ» በልዎ። «ገብርኤል» እየ ዝበለ ናይ ሓሶት መልኣኽ፣ ከም ትኺ በኒኑ ጠፍኣ።

ናብ ካልእ መነኮስ፣ «ኣነ ጐይታ እየ» ብምባል ተገሊጹ «ስገደለይ ኣምልኸኒ» በሎ። እቶም ኣቦ ግና «ኣነስ ንጐይታ ኣብዚ ምድሪ ዘይኮነ ኣብ ሰማያት እየ ክሪኦ ዝደሊ» ኢሎም መለስሉ። እቲ «ጐይታ» እየ በሃላይ ግና ከምትኪ በኒኑ ጠፍአ። እዚ ኩሉ ታሪክ ቕድሚ ኣማኢት ዓመታት ዘጋጠመ እዩ። ዲያብሎስ ግና፣ ሕጂ ውን ነዚ ሜላ’ዚ ይጥቀመሉ ኣሎ። ንብዙሓት ውን የውድቕ ኣሎ።
purchase cheap viagra http://amerikabulteni.com/2015/10/12/kristof-kolombun-amerikayi-kesfedisinin-523-yili-kutlaniyor/ They also make many different tool that are of great importance, if you really want continue relationship with your partner.
ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ሓደ ኣገልጋሊ፣ ናብ ቤተክርስቲያን ምምጻእ ኣቋረጸ፣ ንብዙሕ ግዜ ውን ቁርባን ከይተቐበለ ነበረ፣ ሽዑ ከይደ ይረኽቦ እሞ እቲ ምክንያት ይሓቶ እሞ፣ እቲ ኣጋልጋሊ «ፓፕ ቅዱስ ቄርሎስ ሰንበት ሰንበት እንዳመጽአ የቀብለኒ እዩ» ዝብል መልሲ እዩ ሂቡኒ።

ሓደ እዋን ካልእ መንእሰይ ኣእምሮይ ይርበሽ ኣሎ ይብለኒ፣ ኣነ ኸኣ ኣበነፍሱ ስለዘይኮንኩ ናብ ኣበነፍሱ ከይዱ ክናሳሕ ይሕብሮ። ሽዑ ንጽባሒቱ ንግሆ ደዊሉ «ፓፕ ቄርሎስ» ተገሊጾም ኣናሲሖም ካብ ማእሰር ሓጢኣት ከምዝፈትሕዎ ይነግረኒ። ኣነ ግና ተመሊሰ ኣትሪረ ናብ ኣበነፍሱ ክኸይድን ሓጥኣቱ ክናዘዝን ብዛዕባ እቲ ሕልሙ ኸኣ ክሕብሮም ደጊመ ነገርክዎ።

ከምቲ ሓቐኛ ባጤራን ናይ ሐሶት ማለት ፎርጅድ ባጤራን ዘሎ፣ ከምኡ ዉን ሓቀኛ ራእይ ኣሎ ናይ ሓሶት ራእይ ከኣ ኣሎ። ነቲ ዝተገለጸልካ ራእይ ኮነ ሕልሚ ብቅኑዕ ንምልላይ ዘኽእለካ እቲ ቀንዲ መንገዲ፣ ኲሉ ግዜ ምስ ኣባት ነፍስኻ ምምኻር እዩ። መንፈሳዊ ሰብ፣ ኩል ሳዕ ራእይ ክግለጸሉ ብቑዕ ከምዘይኮነ እዩ ንገዛእ ርእሱ ዝሓስባ፣ ሕልምታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ድያብሎስ እየን።

ብርግጽ እግዚአብሔር ንዝተፈላለዩ ሰባት ብሕልሚ ተገሊጽሎም እዩ፣ እዚአን ኣጋጣሚታት ግና በኣጻብዕቲ ዝቑጸራ ውሑዳት እየን። እቶም ሰባት ከኣ ቅዱሳን፡ ነብያት፡ እዮም ከማና ሓጥኣተኛታት ኣይኮኑን። ሕልሚ ብዙሕ ክብደት ክንህቦ ኣይግብኣን። ቅዱስ ኣባ ኣይጦንስ «እቲ ሕልሚ ዝኣምን መጻወቲ (ባምቡላ) ዝኣምን እዩ» ይብል

 7.ናይ ሓሶት ውህብቶ

ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን፣ ድያብሎስ ከም ሃብተ ምፍዋስ ዝኣመሰለ ውህብቶ ክህበካ ይኽእል። ብድሕሪ’ዚ ሰባት ናባኻ እንዳመጹ ጸልየልና ይብሉኻ። ብጸሎትካ ቀልጢፎም ይሓውዩ። ድያብሎስ ንካልእ ሰብ ከይዱ፣ ርእሱ የሕሚሙ ወይ ሽግር ከምዝጋጥሞ ይገብሮ እሞ፣ ናባኻ ከምዝመጽእ ይገብሮ፡ ምስ ጸለይካሉ ይሓውይ።

ኣብ ህይወት ቅዱስ ጳኩመስ ናይዚ ኣብነት ንረክብ። ኣብ ትሕቲ ኣባ ጳልምን ዝመሃር፣ ካልእ መነኮስ ነበረ። ኲሉ ግዜ ናብ ቅዱስ ጳኩምስ እንዳ ኸደ ኸኣ ከምቲ ዝግባኣ ትጽዕር የለካን፣ እንዳበለ ይወቅሶ ኔሩ። እቲ መነኮስ፣ ከም መርኣያ መንፍዓቱ ከኣ ምንም ከይነደደ ኣብ ባሕሪ ሓዊ ክስጉም እንከሎ የርእዮ ነበረ። ቅዱስ ጳኩመስ ነዚ ምስ ረኣየ ከምቲ መነኮስ ብዘይምግባሩ ኣዝዩ ተስፋ ይቆርጽ ነበረ። ሓደ መዓልቲ እቲ መነኮስ፤ «ሎሚ ናብ ሓዊ ክዘልል እየ፣ ሓዊ ውን ዋላ ሓንቲ ኣይገብረንን» በሎ። ናብቲ ሓዊ ዘሊሉ እተወ፡ እቲ ሓዊ ውን በልዖ። ቅዱስ ጳኩመስ በቲ ነገር ኣዝዩ ሰንበደ ናብ በረኻ ከይዱ ከምዚ እንዳበለ ጸለየ «እዚ ንዓይ ከቢድ እዩ።» እግዚኣብሔር ኣምላኽ ግና መልኣኽ ሰዲዱ ከጸናንዖ ጀመረ ከምዚ ውን በሎ። «ስለ ትሕትናኻ ኣምላኽ መናፍስቲ ክተለሊ ዝኽእለካ ጸጋ ክህበካ እዩ። ዲያብሎስ ውን ድሕር ሕጂ ኣይከታልለካን እዩ፡ ደቀመዛሙርትኻ ንዝኮኑ ውን ክትሕግዞም ኢኻ።»

እዞም ብቴሌቭዥን ብቪድዮን ዝረኣዩ «ፈወስቲ» ኢና በሃልቲ፡ ናይ ምፍዋስ ጸጋ ካበይ ዝረኸብዎ ይመስለኹም፧ ካብ ድያብሎስ እዩ። ድያብሎስ ንሰባት ከሕምም ከም ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ጐይታ ዝፈወሶም፣ ኣጋንንቲ ዝሓደሮም ዓባሳት፡ ዕውራት፡ ስንኩላት ኩላቶም ድያብሎስ እዩ ናብ ከምኡ ደረጃ ዘብጽሖም። ኣብ መጽሓፍ እዮብ ሰይጣን ንእዮብ «ካብ ከብዲ እግሩ ሒዙ ክሳዕ መንበስበስትኡ ብብርቱዕ ፈውሲ ወቐዖ» ይብልና /እዮ 2፥7/። ሰይጣን ናብ ሓደ ከይዱ ንግዚኡ ዓይኑ ከምዝዓውር ይገብሮ ነቲ «ፈዋሲ» ከኣ ከምዝፍውሶ ይገብሮ። ስለምንታይ፧

እቲ «ፈዋሲ» ዝበሃልን፣ ተፈዋሲን፣ ከምኡ ውን ተዓዘብቲ በቲ ተኣምር ተደናጊሮም ንክታለሉን፣ ወዲቖም ንክተርፉን እዩ።

8.ናይ ሓሶት ዕረፍትን ናይ ሓሶት ንብዓትን

ሓደ ሓደ መዓልቲ ዲያብሎስ ብናይ ምትላል መንገዲ ምእንቲ ከውድቀና ልብና ሰላም የውዕሎ ጸሎት ክንጀምር ጥብጥብ ዝብል ንብዓት ውን ይህበና። እዚ ነገር`ዚ ንእዑ ኣዝዩ ቀሊሉ`ዩ፣ ነቶም ክንጽልይ እንከሎና ዝርብሹና ዝነበሩ ኣጋንንቲ፣ ደጊም ከይርብሹና ይእዝዞም። ንስኻ ውን ቅኑዕ ነገር ዝገበርካ መሲልካ ትታለል።

ቅድሚ ብዙሕ ግዜ ይገብር፣ ክልተ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ መንእሰያት፣ ብሓደ ኣብ ሓጢኣት ዝነብሩ ኔሮም። ክረኽቦም እንከለኹ፣ «ኣቦይ ቀሺ (ኣቦና)፣ ንሕና ብሓንሳብ ንጽልይ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ውን ብሓንሳብ ነንብብ ኢና። ስለዚ እዚ ናትና ህይወት ከመይ ጌሩ ጌጋ ክኸዉን ይኽእል» ይብሉኒ።

ሓንቲ ግጥሚ ኣላ «ቅኑዕ ኮይኑ ክስመዓካ እንኸሎ፡ ጌጋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ/it can’t be wrong, when it feels right»። ነዛ ግጥሚ ክስምዓ እንከለኹ፣ ብዉሽጠይ «ነዛ ግጥሚ ባዕሉ ድያብሎስ ጽሒፍዋ ክኸዉን ኣለዎ» ይብል።

9.ቅድሚ ማዕበል ዘሎ ህድኣት

እዚ ውን ድያብሎስ ንመንእሰያት ካብ ዘታልለሉ ሓደ ሜላ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ወዲ ምስ ሓንቲ ጓል ይራኸብ። ብድሕር’ዚ ወለዲ ኣብ ዘይህልዉሉ ግዜ ውን ክራኸቡ ይጅምሩ። ንኣባት ነፍሶም ስለዝፈርሑ ከይነገርዎም ይቕጽሉ። ክናስሑ ከለዉ ነዚ ነገር ኣይናዘዝዎን እዮም። ድያብሎስ ኣብ እዝኖም እንዳመጽአ፣ «ደይ ምሕዝነት እዩ» ኢሉ ሕሹኽ ይብሎም። ንብዙሕ ሰዓታት ውን ከዕልሉ ይጅምሩ፣ ኣብ መንጎ’ ዚ ግና፣ ዋላ ሓንቲ ሕማቕ ነገር ኣይሓስቡን። ብዘይ ገለ ምትንኻፍ ይቕጽሉ፣ ሕማቕ ነገር ኣይሓስቡን፤ ምኽንያቱ ድያብሎስ ነቶም ኣጋንንቲ ከየጥቕዑ ስለዝእዝዞም። በዚ መንፈስ ተታሊሎም ኣብ በይኑ ክፍሊ ክራኸቡ ይጅምሩ፣ ካብኡ ሓሊፎም ዉን ኣብ ሓደ ሳሎን ኮፍ ክብሉ ይጅምሩ። ኣብዚ ኩሉ ግብሮም ዋላ ሓንቲ ሕማቕ (ኣጸያፊ) ነገር ከይገብሩ ይቕጽሉ (እዚ ኩሉ ግና ውዲት ድያብሎስ እዩ)። ሓደ መዓልቲ ግና ከምቲ ንብዙሕ ኣዋርሕ ዝገበርዎ፣ ኣብ ሓደ ሳሎን ኮፍ ኢሎም እንዳዕለሉ እንከለዉ፣ ሃንደበት ኣጋንንቲ ብኹሉ ወገን የጥቕዕዎም። ብኡ ንብኡ ኸኣ ኣብ ሰምዒት ስጋዊ ፍትወት ይኣትዉ፣ ከይተዳለዉ ስለ ዝጸንሑ ኸኣ ኣብ ሓጢኣት ይወድቑ።

10.ኩናት ኣንጻራዊ ሓሳባት

እዚ ሰይጣን ሜላ`ዚ ብመንፈሳዊ ህይወት ተሳላቺና ከምንወድቕ ዝገብረሉ መገዲ እዩ። ክልተ ዝጻረሩ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ የስርጽ። ክሊትኦም ጽቡቓት ሓሳባትን ነንሕድሕዶም ውን ኣብ ኣእምሮኻ ብቐጻሊ ክተኻኽኡ ዝኽእሉ እዮም።

ነፍስ ወከፍ ሓሳብ ነናቶም ብልጫ ሃልዮም ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቅሲ ዝተደገፉዉን ይኾኑ። ኣየናዮም እዩ ካብ እግዚኣብሔር ንምፍላጥ ብዙሕ ትጽዕር። እቲ ሓቂ ግን ክልትኤን ሓሳባት ካብ ድያብሎስ እየን። ነዚ ዝገብረሉ ቀንዲ ምክንያት፣ ኣእምሮኻ ኣብ ፍረ-ዘይብሉ ሓሳባት ተጸሚዱ ምእንቲ ኽትዳኸም እዩ። ካብዚ ምውልዋል ሓሳባት ንክትርሕቕ ምስ ኣባት ነፍስኻ ተዘራረብ።

11.ኲናት ኣንጻር መንፈሳዊ ዕብየትካ

ድያብሎስ፣ ኮነ ኢሉ፣ ብዛዕባ ዕብየት መንፈሳዊ ህይወትካ ኣዚካ ከምትሓስብ ይገብረኻ። «ብዙሕ ትምዕብል የለኻን ኣባት ነፍስኻ ቀይር» ብምባል ሕሹኽ ይብለካ።

እግዚኣብሔር ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ፣ ነቲ ዕብየት መንፈሳዊ ህይወትና ካባና ይሓብኦ እዩ፣ ዋላ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍትና እቲ ፍረ መንፈሳዊ ህይወትና ካባና ይሓብኦ። ማለቲ ነቲ ውጽኢት ናይ መንፈሳዊ ህይወትና ርኢና፣ ብጸጋ ከምዝረኸብናዮ ረሲዕና፣ ብሓይልና ዝበጻሕናዮ ንኸይመስለና እዩ። እቲ ኽሉ ዘጥረናዮ በረኸት፣ ብሰንኪ ትዕቢትን ከንቱ ውዳሴን ምእንቲ ከይነጥፍኦ ብምባል፣ ስለድሕነትና ኢሉ’ዩ ነዚ ዝገብር።

እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ናብቲ ተስፋ ዝተዉሃበቶም ምድሪ ምስ የእተዎም፣ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም «ነዞም ህዝብታት እዚኦም እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም በብቑሩብ ክሰጎም እዩ። ኣራዊት መሮር ምእንቲ ከይበዝሓኩምሲ ብሓንሳእ ክተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም» /ዘዳ 7፥22/።

ኣቦታት ነዚ ቃል ብከምዚ ዝስዕብ ይትርጉምዎ። እቲ እግዚኣብሔር በብቑሩብ ከጥፍኦም ዝሓሰቦም ጸላእቲ፣ ሓጢኣት ናይ ነፍስ ወከፍና እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ናይ ነፍስ ወከፍና ሓጢኣት ብሓንሳብ ከጥፍኦ ኣይደልይን፣ ምኽንያቱ ኣራዊት መሮር ዝተባህሉ ትዕቢትን ከንቱ ውዳሴን በዚሖም ምእንታን ከየጥፍኡና፣ ብምሰላ ጌሩ ውን ነጊሩና እዩ።

«ኢየሱስ ከምዚ በለ» «መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ከም ዝዘርእ ሰብ እያ። ንሱ ለይቲ ይድቅስ መዓልቲ ውን ይትንስእ እቲ ዘርኢ ድማ ንሱ ከይፈለጦ ይበቑል ይዓቢ ዉን» /ማር 4፥27/። ኣብ ገዛኻ ዝተከልካያ ገረብ መዓልታዊ ትዓቢ እያ፣ ግን ዕብየታ ክትፈልጥ ኢልካ ምስትጥምታ፣ ዕብየት ናይታ ተኽሊ ኣይረኣይን! ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ውን ከምኡ እዩ፣ ውጽኢትኻ ክትርኢ ኢልካ ኣይትጽዓር እግዚኣብሔር ንጽቡቕካ ኢሉ ካባኻ ይሓብኦ እዩ።

12.ናይ ካልኣይ ደረጃ ሓጢኣት

ኣቦታት ክምህሩ ከለዉ፣ ነፍስ ወከፍ ጋኔን ኣንጻር ምእመናን ክቃለስ እንከሎ ብየማንን ጸጋምን ክልተ ተሕጋገዝቲ ኣጋንንቲ ኣሰሊፉ’ዩ ዝዋጋእ። ብየማን ናይ ትዕቢት ጋኔን፣ ብጸጋም ከኣ ናይ ተስፋ ምቁራጽ ጋኔን።

እቲ ቀንዲ ጋኔን በቲ ዘቐረቦ ሓጢኣት እንተተዓዊቱ፣ እቲ ተሰፋ ዘቐርጽ ጋኔን ስርሑ ይጅምር። ተስፋ ምእንቲ ክትቖርጽ ኣትሪሩ ይወቕሰካ። ምናልባት ሕሊናኻ ባዕሉ ወይ እግዚኣብሔር ስለቲ ተዳጋጋሚ ውድቀትካ ዝግስጸካ ዘሎ ይመስለካ። ግና ኣይኮነን ምክንያቱ እግዚኣብሔር ክግስጸካ ከሎ ኣትሪሩ ዘይኮነስ ቀስ ኢሉ፣ ርግእ ኢሉ’ዩ ዝወቅስ።

ነቲ ዝተቐረበ ፈተና እንተስዒርካዮ ከኣ፣ እቲ ናይ ትዕቢት ጋኔን ስርሑ ይጅምር። «ንሓጢኣት ክትስዕር ብቒዕካ» እንዳበለ ይወድሰካ፣ ገዛእ ርእስካ ጻድቅ ጌርካ ክትሓስብ ይገብረካ፣ ብኸምዚ መንገዲ ኸኣ እቲ ብጸጋ ኣምላኽ ዝረኸብካዮ ዓወት፣ ማለት ናይ ኣምላኽ ዓወት ንገዛእ ርእስኻ ስለዝገብርካዮ፣ መንፈሳዊ በረኸት ካባኻ ይርሕቅ።

ሓደ ሓደ እዋን፣ እቲ ተስፋ ዘቑርጽ ጋኔን፣ ናይ ተግሳጽ ሓሳባት ወይ ናይ ስጋዊ ትምኒት ሓሳብ ኣብ ኣእምሮካ ከስርጽ ይፍትን። ብትሪ እንዳወቐሰ ውን ተስፋ ክትቆርጽ ይገብረካ። ብፍላይ ድማ፣ ስግኡን ደሙን ክትቅበል ምስ ተዳለኻ፣ በዚ ሓሳብ`ዚ ይፍትነካ፣ ተስፋ ቆሪጽካ ካብ ድሕነት ከም እትርሕቅ ድማ ይገብር።

ከምዚ ዓይነት ፈተና ዝገጥሞ ዝነበረ ሓደ መነኮስ ናብ መምህሩ ከይዱ ይነግሮም። እቶም መምህር ከኣ «ነዚ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ሸለል በሎ እዚ ናትካ ሓሳብ እንበር ናተይ ኣይኮነን፡ እቲ ኩሉ ጸርፊ ውን ኣብ ርእስኻ ይኩን በሎ» ብምባል መዓድዎ።

ናይ ኸምዚ ዓይነት ፈተናታት ቀንዲ ምፍትሒ ኩሉ ግዜ ጥንቁቕ ምዃን፡ ምቅላስን፡ ተስፋ ዘይምቁራጽን እዩ። ናብ ኣባት ነፍስኻ ከይድካ ኩሉ ሓሳባት ግለጸሎም። ኣቦታት «ኩሉ ሓሳባት ንኣበ ነፍስኻ ገሊጽካ ምስ ነገርካ እቲ ሓሳብ ፈጺሙ ክጠፍእ እዩ» ይብሉ።