ም.6 ስነ-ምግባር (ጽቡቕ ጠባይ-Virtues)

fruit-of-the-spirit

ሓደ ክርስትያን፣ ፍጹም ምእንቲ ክኸውን ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ፣ ናብ ግብራዊ ህይወት ክቕይሮ ዝግባእ ነገራት ኣለዋ። እዚኣን ነገራት ናይ ስነ-ምግባር ፍረ ይበሃላ። ስነ-ምግባር ሰናይ ፍረ እዩ። «እምበኣር’ሲ ጽቡቕ ፍረ ዘየፍሪ ዘበለ ኩሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ» /ማቴ 3፥10/ ።  ሰናይ ፍረ ኣገዳሲን ኣድላዪን ምኻኑ፣ ባዕሉ ኣምላኽ`ዩ ዝማሃረና። «ኣባይ ንበሩ፣ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ። ጨንፈር ኣብቲ ጉንዲ እንተ ዘይነበረ ካብ ርእሱ ክፈሪ ከምዘይክእል ንስኻትኩም ውን ኣባይ እንተዘይነበርኹም ከምኡ ኢኹም። እቲ ጉንዲ ወይኒ ኣነ’የ ጨንፈር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም።» /ዮሃ 15፥45/

ጽቡቕ ፍረ ክነፍሪ ዘኸእለና ቀዳመይቲ ሕጊ «በጃካይ ሓንቲ’ኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እዩ» እትብል ቃል እያ። ሰብ ብናቱ ወይ ብናታ ሓይሊ ጥራይ ሰናይ ፍረ ከፍሪ ኣይኽእልን። እግዚኣብሔር እዩ ፍረ ክነፍሪ ዘኽእለናን ዝረድኣናን።

እግዚኣብሔር ልክዕ መሬት ወኒኑ ስራሕተኛ ቆጺሩ ዝነብር ሓርስታይ እዩ። እቲ መሬትን ዘርኢን፣ ዋላ ድኹዒ ኹሉ ብእግዚኣብሔር ይውነን፤ ምእንቲ እቲ ተኽልቲ ክዓቢ፣ ዝናብን ጸሐይን ይህቦ። እቲ ቁጹር ሰራሕተኛ ከኣ ነቲ መሬት ሓሪሱ ዘሪኡ፡ ኮስኪሱ፡ ጽህዩ፡ ዶኪዑ፡ ክካናኾኖ ኣለዎ። ፍረ ጻዕሩ ኸኣ ክሓፍስ እዩ። እቲ ሰራሕተኛ፣ ብጀካ ስራሕ ምስራሕ ካልእ እጃም የብሉን። ነዚ ከመልክት ደልዩ እዩ፣ ጐይታ ከምዚ ዝበለ «ንስኻትኩም ዝተኣዘዝኩም ኩሉ ምስ ገበርኩም ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ኢና ዝገበረና በሉ።» /ሉቃ 17፥10/ ኣለካ።

ስነ-ምግባር (ሰናይ ጠባይ) ብዙሕ ደረጃ ዘለዎ፣ ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዘብጽሕ ምሳልል እዩ። ገሊአን ጠባያት ኣብ ታሕታዋይ ደረጃ ክኾና ከለዋ፣ ገሊአን ከኣ ኣብ ላዕላዋይ ደረጃ ናይቲ መሳልል እየን። ሃዲእካን ርግእ ኢልካን ነተን ደረጃታት በብሓደ ክትድይበን ይግባእ ደኣ እንበሪ፣ ክትነጥር ኣይከኣልን። ኣብ ታሕታዋይ ደረጃ መሳልል ክልተ መሰረታዉያን ጠባያት ኣለዋ፣ እዚኣተን፦ ተኣዛዝነትን ትዕግስትን፣ እየን። ኣብ ላዕላዋይ ደረጃ መሳልል ከኣ እተን ላዕለዎት ጠባያት ማለት ትሕትናን ፍቕርን ኣለዋ። ፍቕሪ ልዕሊ ኩሉ ጠባያት እያ «ጠርናፊት ኩሉ ሰናይ ጠባያት» ተባሂላ ውን ትጽዋዕ። ፍቕሪ ዘለዎ ሰብ፣ ካልእ ኩሉ ጠባያት (ስነ-ምግባር) ዉን ኣለዎ።

ሰናይ ጠባይ (ስነ-ምግባር) ክንላመድ ከለና ሓንቲ ብሓንቲ ክንላመደን ይግባእ። ነታ ሓንቲ ባህርይ (ጠባይና) ምስ ተላመድናያ (ናይ ዉልቅና ባህሪ ምስ ገበርናያ) ኣስዒብና፣ ቀጺላ ናብ ዘላ ደረጃ መሳልል ክንሰግር ንኽእል።

ሰነ-ምግባር ሓባራዊ ውጺኢት ዝህብ እዩ። ሓንቲ ሰነ-ምግባር ምስተላመድናያ ነታ ቀጺላ ዘላ ክንላመድ ይቐለልናን ይፎኽሰናን እዩ። ንኣብነት ተኣዛዝነትን፡ ትዕግስትን ዘተላመደ ሰብ ህዱእ ንክኸውን ግዜ ኣይወስደሉን። ብባህሪኡ ህዱእ ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣፍደገ ትሕትና ቀሪቡ ኣሎ ማለት እዩ።

ሰነ-ምግባር ክንላመድ እንከለና፡ ዘላምድና ወይ ዘስልጥነና ሰብ የድሊ። ከምቲ ኣብ መዳይ ስፖርት ዘሎ ኣትሌት ብዘይ ኣሰልጣኒ ክዕወት ዘይኽእል፣ «ናይ ክርስቶስ ኣትሌታት» ዝኾንና ንሕና ኸኣ ብዘይ ኣሰልጣኒ ዕውታት ክንኸው ዉን ኣይንኽእልን። ኣሰልጣኒኻ ከኣ ኣባት ነፍስኻ እዩ። ኣብቲ ትገብሮ ናይ ምልምማድ መደባትካ ሓላፊ ኮይኑ ክኣልየልካ ኣለዎ።

ተኣዛዝነትን ትዕግስትን መሰረታዉያን ጠባያት እየን። በዚአን ጠባያት ኣቢልና፣ ንካልኦት ሰናይ ጠባያት ክንላመድ ንኽእል። ነዘን መሰረታዉያን ጠባያት እንድሕሪ ዘይኣማዒብልና፣ ንካልኦት ጠባያት ክንላመድ ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ እዙዝ እንድሕሪ ዘይኮንካ፣ እቲ ኣሰልጣኒ ዝህበካ መምርሒ ብተኣዛዝነት ኣይክትፍጽምን። ተዓጊስካ እንተ ዘይተላሚድካ ኸኣ፡ ነቲ ጽቡቕ ፍረ ክተፍሪ ኣይትኽእልን። ኣብ ምስላ ዘርኢን ዘራኣይን፣ ጐይታ «እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድረ ዝወደቐ ድማ ምስላ ናይቶም ነቲ ቃል ሰሚዖም ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዝዓቕርዎ ብትዕግስቲ ውን ፍረ ዘፍርዩ እዮም።» /ለቃ 8፥15/ ይብለና።

ተኣዛዝነት

ተኣዛዝነት ማለት ፍቓድካ ንፍቃድ ካልኦት ምግዛእ ማለት እዩ። ኣድላይነት ናይዚ ጠባይ ልዑል ስለዝኾነ ኣቦታትና ነዚ መሰረታዊ ጠባይ ክላመዱ ኣበርቲዖም ጽዒሮም እዮም።

ንቅዱስ ዮውሃንስ ሓጺር መምህሩ ዝነበሩ፣ ንቑጽ ዕንጨይቲ ተኺሉ ማይ ኣስትዩ ከለምልማ ከምዝኣዘዞ ኩላትና ንፈልጦ ታሪክ እዩ። ዮውሃንስ ነታ ነቓጽ ዕንጨይቲ ተኺሉ መዓልታዊ ማይ ካብ ሩባ እንዳቐድሐ ንሰለስተ ዓመታት ምስ ኣስተያ፣ ጠጢዓ ድማ ፍረ ኣፍረየት። እቶም መምህሩ ነቲ ፍረ ወሲዶም ንካልኦት መነኮሳት «እነሀለ ናይ ተኣዛዝነት ፍረ ብልዑ» ኢሎም ሃብዎም።

ካልእ ኣበምኔት ከኣ፣ ንሓደ ሓድሽ መነኮስ፣ ኣብ ኣፍደገ ገዳም ደው ኢሉ፣ ንዝኣተወ ሰብ ርእሱ እንዳ ኣድነነ «ለምጺ ስለዘለኒ ምእንታይ ጸልዩለይ» ንክብል ኣዚዞሞ እዮም። ምናልባት ንዓይን ንዓኩምን ትርጉም ዘይብሉ ይመስለና ይኸውን፣ ኣብ ህይወት ኣቦታትና ግና ዓቢ ዓወት ዝረኽቡሉ መሳርሒ እዩ።

ተኣዛዝነት ክትላመድ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ግድን ነቲ ዝተኣዛዝካዮ ነአራት ክትሰማማዓሉ፣ ወይ ናይቲ ትእዛዝ ሓቀኛነት ክተረጋግጽ ኣይድየካን። ንዘይተሰማማዕካሉ ነገር ዉን ክትእዘዝ ኣለኻ። እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ነቲ ሓደ ወዱ ይስሃቅ ክስውኣሉ ምስ ኣዘዞ፣ ኣብርሃም ብዛዕባ ምኽንያት ናይቲ ትእዛዝ ክሓስብ ግዜ ኣየጥፈአን፣ ብኡንብኡ እዩ ተኣዛዝነቱ ኣርእዩ። ብርግጽ እግዚአብሔር ይስሃቅ ክስዋእ ደልዩ ኣይኮነን፤ ግን ተኣዛዝነት ናይ ኣብርሃም ክፍትን ደልዩ ነቲ ምኽንያት ክትረኽበሉ ዘይትኽእል ትእዛዝ ኣዘዞ፣ ስለ ተኣዛዝነቱ ከኣ ብዙሕ ዓስቢ ተዋህቦ።

ንስኻዉን ንትሰማማዓሉ (ንዝደለኻዮ) ነገር ሰለዝተኣዘዝካ ዘይኮነስ፣ ንዘይደለካዮ (ንዘይትሰማማዓሉ) ነገር ምስ ትእዘዝ እዩ ዓስቢ ዝርከብ። ንኣብነት ኣቦኻ «ክዳን ተኸደን እሞ ኣብታ ትፈትዋ ቤት መግቢ ከድርረካ» ኢሉካ «ሐራይ» እንተበልካ፣ ከምዚ ዓይነት ተኣዛዝነት ስለ ዘርኣኻ ካብ እግዚኣብሔር ዓስቢ ኣይትጸበይ። ምናልባት «ኣብ ሕርሻ ሓግዘኒ» ወይ ኣዴኻ «ኣብ ክሽነ ክትሕግዛ እንተ ሓተትካ» «ሓራይ ባባ» ወይ «ሐራይ ማማ» ኢልካ እንተተኣዘዝካ፣ ካብ እግዚኣብሔር ዓስቢ ክትቅበል ኢኻ። ሓደ ክንፈልጦ ዝግበኣና ነገር ኣሎ፣ ኩሉ ተኣዛዝነትና ብጐይታ ክኸውን ኣለዎ። «ኣቱም ዉሉድ ቅኑዕ እዩ ኣሞ ንወለድኩም ብጐይታ ተኣዘዝዎም» /ኤፌ 6፥1/ እቲ ትእዛዝ ምስ ቃል እግዚኣብሔር ዝጋጮዉ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ «ካብ ንሰብሲ ንእምላኽ ኣዩ ምእዛዝ ዝግባእ» /ግብ 5፥29/

ምልምማድ ተኣዛዝነት

ምስ ኣባት ነፍስካ ብዛዕባ ምልምማድካ ቅድም ዘትይ። ኣስዒብካ፣ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቀሪብካ፡ ኣብ ልብኻ ቅዱስ ቅንኢ ከሕድርን ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ’ውን ከጽናዓካ ጸልይ። ብድሕሪዚ ምልምማድ ክትጅምር ትኽእል።

ብንግሆ ተንሲእካ ነዚ ባህሪ ክትላማድ ዘለካ ተኽእሎታት ወይ ዕድላት ገምግምን ፈትሽን። ሙሉእ መዓልቲ ንስድራ፡ ንመምህር፡ ንሓላፊ፡ ንበዓል ቤትካ ወይ ንበዓል ቤትኪ ክትእዘዝ ወስን። «ምእንቲ እግዚኣብሔር ደኣ እምበር ምእንቲ ሰባት ኣይኮንኩን ነዚ ዝገብሮ ዘለኩ» እንዳበልካ ንገዛእ ርእስኻ መዓድ። ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ተኣዛዝነት ከተማዕብል ተጠቐመሉ፣ ብዘይ ምዉልዋል ውን ግበሮ። ኣብቲ መጀመርያ ክብድ ክብለና ይኽእል፣ ብፍላይ ትፈትዎ መድብ ቴለቪዥን እንዳተኸታተልካ እንከለኻ፣ ኣቦካ «ንዓ ሓግዘኒ» ምስ ዝብለካ፣ ይከብደካ ይኸዉን። ይኹን ደኣ እምበር ምእንቲ ነቲ ባህሪ ኣጸቢቕካ ክትላመድ፣ ንገዛእ ርእስኻ ገድዳ። ኣመና ዘቆጥዕ ምስ ዝኸውን ውን ንጽቡቕካ ምዃኑ ፈሊጥካ ገዛእ ርእስኻ ኣእምና። ካብ ሰባት ዘይኮነስ ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ደሊኻ ትገብሮ ከምዘለኻ ዉን ዘክር። ምእንቲ ናይ ተኣዛዝነት ባህሪ ከተጥሪ እቲ ዝተኣዘዝካዮ ትእዛዝ ኣድላይነቱ ከይመርመርካ ምስትእዘዝ፣ ቀልጢፍካ ነቲ ባህሪ ከተማዕብል ትኽእል። ኣብታ «መንገዲ ባሕታዉያን» ትብል ብልጽቲ መጽሓፍ ከምዚ ዝብል ኣብነት ኣሎ።

ሰማያት ናይ ደበና ምልኽት ኣብ ዘይብሉ፡ ጸሓይ ውን ኣዝያ ብርህቲ ክነሳ፤ ሰበይትኻ «ሎሚ ዝናብ ስለ ዝዘንብ ጽላል ሓዝ» ክትብለኻ እንከላ። ንስኻ ድማ፣ ኩነታት ክሊማ ሪኢካ፣ ፍጹም ማይ ከም ዘይወቅዕ ገምጊምካ «ጽላል ንምታይ ኣደለየ!!» ትብል፣ ምናልባት ከምኡ ምባልካ ዉን ሓቕኻ ትኸውን። እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ግን ናይ ተኣዛዝነት ባህሪ ክተማዕብለሉ ዕድል ምኻኑ ኣይትዘንግዕ። ስለዚ ጽላል ሓዝ። ሰባት ጽላል ምሓዝካ ገሪምዎም እንተ ጠመቱካ ብዙሕ ኣይትገደስ፣ ምኽንያቱ ስለምንታይ ነዚ ትገብሮ ከምዘለኻ ኣይፈልጡን እዮም። ተኣዛዝነት ማለት ንዝተኣዘዝካዮ ምፍጻም ማለት እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ዝኾነ ትእዛዝ ምስ ዝወሃቦም «ስለምንታይ» ወይ «ሐራይ መጻእኩ» ወይ «ሓንሳብ ሐራይ» ዝብል መልሲ ይህቡ። እታ «ሓንሳብ» ዝብልዋ ገደብ ግዜ ግና፣ ደርጋ ናይ ሓደ መዓልቲ ንውሓት ግዜ እዩ ዘለዎ።In the short run, too much alcohol may impact a man’s performance; order viagra online discover this pharmacy and in the long run.

«ማርቆስ ጸሓፋይ» ዝበሃል ኣብ ገዳም ዝነብር መንእሰይ ነበረ። ናይታ ገዳም ኣበመኔት ድማ፣ ንማርቆስ ኣዝዩ ይፎትዎ ነበረ። ነዚ ዝተመልከቱ መነኮሳት ናይቲ ገዳም፣ እቲ ኣበማኔት ንማርቆስ ልዕሊ ካልኦት መነኮሳት ስለዝፈትዎ ናብ ጳጳስ ጥርዓኖም ኣቕረቡ። እቶም ጳጳስ ከኣ ነቲ ጉዳይ ክምርምሩ ናብቲ ኣበምኔት ይመጹ። እቶም ኣበምኔት ከኣ ንዑናይ ከርየኩም ኢሎም ወሰድዎም። ናይ ነፍስ ወከፍ መነኮሳት ኣፍደገ ኸኣ በብሓደ ኳሕኩሕዎ፣ ኩሎም «ሓንሳብ መጻእኩ» ብምባል ደንጎዮም ከፈትዎም። ኣብ ማዕጾ ማርቆስ ምስ ዃሕኩሑ ግና፣ ብኡ ንቡኡ ማዕጾ ተኸፈተ፣ እቶም ኣበምኔት ነቶም ጳጳስ ናብቲ ማርቆስ ዝጽሕፎ ዝነበረ ብራና ወሲዶም ኣርኣይዎም፣ ኣብኡ ኸኣ ዘይተወደኣት ፊደል ጠልጠል ኢላ ጸንሓቶም። እቶም ጳጳስ ነቲ ነገር ምስ ረኣዩ «ስለምንታይ ልዕሊ ካልኦት ኣብሊጽካ ከም ዝፈተኻዮ ሕጂ ተረዲአ፣ ኣነ ዉን ከማኻ ፈትዬዮ ኣለኹ» ኢሎም ተዛረቡ።

ነዚ ንምልምማድ ክንደይ ግዜ ይወስድ፧?

በዚ ዝተገለጸ መምርሒ፣ ብልብና ብቕንዕናን እንተተላሚድካ ነዚ ባሕሪ ኣብ ነፍስኻ ንምስራጽ ከባቢ ክልተ ሰሙን ጥራይ እዩ ዝወስደልኻ። ኣብቲ መጀመርያ ክብድ ይብል ይከዉን፣ ደሓር ግን ብዙሕ ጻዕሪ ኣየድልየካን፣ ናይ ተኣዛዝነት ልምዲ ዉን፣ ባህሪኻ ክኸዉን እዩ።

ትዕግስቲ

ትዕግስቲ ኣድላይን ኣገዳሲን እዩ። ጐይታ ባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ትዕግስቲ ሚሂሩና። ቅድሚ ምጽኣት ኣብ ዝህሉ መከራ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉና «ስለ ስመይ ከኣ ብኩሉ ሰብ ዝተጸላኣኩም ክትኮኑ ኢኹም፣ እቲ ስጋዕ መዉዳእታ ዝዕገስ ግና ንሱ ክድሕን እዩ።» /ማቴ 10፥22/ «ነፍስኹም ከኣ ብትዕግስትኹም ክተጥርይዋ ኢኹም» /ሉቃ 21፥19/። ቀጺሉ’ውን ከምዚ ይብለና «እንተኾነ ግዳ ወዲ ሰብ ምስ መጸ እምበር ዶ ኣብ ምድሪ እምነት ክርከብ`ዩ» /ሉቃ 18፥8/። «ብሰንኪ ክፍኣት ከኣ ፍቕሪ ብዙሓት ክተዝሕትል እያ» /ማቴ 24:12/። ኣብቲ መዉዳእታ ዘመን ፍቕርን ኣምነትን ክጠፍእ እዩ፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮውሃንስ ውን ነቲ ክፋእ ዘመን ብትዕግስቲ ከምዝሕለፍ ይነግረና «እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት ኢየሱስን ዝሕልዉ ቅዱሳን ከኣ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዝረአ» /ራእ 14፥12/።

ትዕግስቲ ንመወዳእታ ዘመን ጥራይ ኣይኮነን ዝጠቕመና፣ ንዕብየት መንፈሳዊ ህይወትናዉን ብቐንዱ የድሊ። «ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ክትገብሩን ነዚ ዘተስፈዎን ከኣ ክትቅበሉን ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ» /ዕብ 10፥36/። ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ፈጸምና ተስፋ ኣምላኽ ክንቅበል ትዕግስቲ የድሊ። «እምበኣርሲ የሕዋተይ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ። ሓረስታይ ነቲ ክቡር ፍረ ምድሪ ይጸበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዝረክብ ውን ከም ዝዕገስ ረኣዩ።» /ያእ 5፥7/ ትዕግስቲ ጽቡቕ ፍረ ክነፍርን ፍጹማን ንክንኸዉን ኣብ ንገብሮ ገድሊ፣ ብቐጻሊን ብዘይ ምስልካይን ክንቃለስ ዝሕግዘና ባህሪ እዩ። ስለዚ «በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ከኣ ብትዕግስቲ ንጉየ» ዕብ 12፥1/ ኣብዚ ቅዱስ ጳዉሎስ ንመንፈሳዊ ቃልሲ ከም ጉያ ኣትሌት ጌሩ ይምህረና።

ምልምማድ ትዕግስቲ

ከምቲ ካልኦት ስነ-ምግባራት ብምክሪ ኣበ ነፍሲ ጀምር። ክመርሑኻ ሙሉእ ሓላፍነት ሃቦም። ቀጺልካ ኣግዚኣብሔር ኣምላኽ ብዝህበካ ኹሉ ኣጋጣሚታት ትዕግስቲ ንክትላመድን፣ ናቱ ሓይሊ ክረድኣካን ብጸሎት ተጊህካ ለምን። ገለ ሰባት «ኦ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ዓድለኒ፡ በጃካ ሕጂ የድልየኒ እዩሞ ሕጂ ዓድለኒ» ክብሉ ይስምዑ። ከምዚኦም ሰባት ኣይትኹን። ክትጽሊ ከለኻዉን ከምዚ ኢልካ ኣይትጸልይ።

ኣምላኽ ስለዘፍቕረና፡ ትዕግስቲ ኣንላመደሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታትን ዕድላትን ይፈጥረልና እዩ። ንሕና ግና ሓሳብን መደባት ኣምላኽ ሰኣን ምርዳእና ንሱ ንዝፈጥረልና ወርቃዊ ዕድላት ከይተጠቐምናሉ ነሕልፈን። ካብኡ ሓሊፍናዉን ከነማርር ንዉዕል።

ንኣብነት ንዉሰድ፣ ስራሕ ከይረኸብካ ክልተ ወርሒ ሓሊፉ። ናብ ኣማኢት ትካላት ናይ ስራሕ ማመልከቻ ወረቐት የኣቲኻ፡ ቀጻሊ ብዘይ ዕረፍቲ ዉዕዉዕ ጸሎት ካብ ልብኻ ኣቕረብካ። ኮይኑ ግና ዋላ ሓንቲ መልሲ ኣይረኸብካን። ስለዝዶንገየካ ግና ንእምላኽ ከተማርር ትጅምር። «ስለምንታይ ኣምላኽ ከምዚ ይገበረኒ፧» ትብል። እቲ መልሲ ኸኣ እዚ’ዩ።

እግዚኣብሔር ትዕግስቲ እትላመደሉ ወርቃዊ ዕድላት ኣዩ ዝህበካ ዘሎ። እግዚኣብሔር ሽዑ ንሽዑ ስራሕ ክህበካ ኣይጽገምን። ሽዑ ንሽዑ ስራሕ ምርካብ ግና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይመርሓካን፣ ትዕግስቲ ግና ናብ ፍቁር መንግስቲ ኣምላኽ ከብጽሓካ ይኽእል። ስለዚ ኣምላኽ ትዕግስቲ እተጥርየሉ ዕድል ከምዝሃበካ ተረዳእ። ነዚ ብሉጽ ዕድል ዉን ተጠቐመሉ። ቀልጢፍካ ትዕግስቲ ምስ እተጥርይ፡ ኣምላኽ ከኣ ቀልጢፉ ስራሕ ክህበካ እዩ!

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ሽግር ይገጥመና። ኣምላኽ ንምንታይ ናብዚ ሽግር የእትወኒ ብምባልዉን ነማርር። ኣምላኽ ብምሕረቱ ንዝፈጠረልና ዕድላት ሰኣን ምርዳእና፣ ብናትና መንገዲ ጥራይ ነቲ ሽግር ክንፈትሖ ንፍትን። «ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም ምኽሩዉን እተጸዉዑ ግና ኩሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና» /ሮሜ 8፥28/። እዚ ማለት፣ ንኣምላኽ ነፍቅር እንተኮይንና፡ ኩሉ ዘጋጥመና ሽግራት ንጹቡቕና እዩ። ስለዚ፣ ለባም ሰብ፣ ክርድኦ ዘጸግም ሽግራት ክገጥሞ እንከሎ፡ ንገዛእ ራሱ ከምዚ ኢሉ ክሓትት ኣለዎ። «ኣምላኽ እንታይ መልእክቲ ኣዩ ከመሓላልፈለይ ደልዩ ዘሎ፧? እንታይ ዓይነት ሰነምግባር እዩ ክላመድ ደልዩኒ ዘሎ፧?» ይበል።

ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚ ይብል፡ «ቅጽዓት ዘበለስ ንግዚኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጎስ ከምዝኸዉን ኣይመስልን እዩ። ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ፡ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቒ እዩ ዚፈሪ።» /ኣብ 12፥11/። እንታይ ማለቱ’ዩ፣ ጸገማት ክፍጠሩ እንከለዉ፡ ኣብ መጀመርያ ሓጎስ ዘምጽኡልና ኣይመስሉናን። ትዕግስቲ ከነጥርየለን ዘኽእላና ኣጋጣሚታት ምዃነን ተረዲእና፣ ክንጥቕመለን ምስ እንጅምር ግና፣ ናይ ሰላምን ሓጎስን ፍረ ክህባና ኣየን።

«ደቀይ ከጸልሉኒ እዮም» በለትኒ ሓንቲ ኣደ መጺኣ። ኣነ ኸኣ «ዕድለኛ ኢኺ። ደቕኪ ትዕግስቲ እትላመዱሎም ቤት ትምህርቲ ክኾኑኪ ኣምላኽ ሂቡኪ። ስለዚ ነዚ ዕድልን ዉላድን ስለዝሃበኪ ኣመስግኒ» በልክዋ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ «ጸጋማትን  ሽግራትን» ትዕግስቲ ስለዝምህራና ሰናይ ከምዝኾና ይነግረና። «እቲ ምፍታን እምነትኹም ትዕግስቲ ኸም ዝገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ከይጎደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ክትኾኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዎ» /ያዕ 1፥3-4/። እዚ ማለት፣ ፈተናን መከራን ትዕግስቲ ክፈጥራልና እየን። ኮይኑ ግና እዚ ትዕግስቲ ምሉእ ምእንቲ ክኸዉንን ናብቲ ክርስቲያናዊ ፍጽምና ክንበጽሕን፡ ፍጹም ግብሪ ክህልዎ ይግባእ። ብተወሳኺ ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚ በለ «እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ከም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና. . . ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንዉን ተስፋ።» /ሮሜ 5፥3-4/።

እዚ ዓይነት ርድኢት ኣብ ኣእምሮና እንድሕሪ ኣስሪጽና፣ ኩሉ ጸጋማትን ኣብ ህይወት ዝህልወና ፈተናን ጸበባን ንሰናይና ምዃኑ ተረዲእና፣ ብትዕግስቲ እንምዕብለሉ ኣጋጣሚ ከም ዝተፈጠረልና ኣሚንና፣ ትዕግስቲ ከነጥሪ ምስ እንጽዕር፣ ነዛ ብልጽቲ ባህሪ ክንዉንና ንኽእል። ጸገማትን ሽግራትን ከም ወርቃዊ ዕድላት ምዃነን ፈሊጥና፣ ኣእምሮና በዚ ርድኢት ኣዳሊና፡ ነቲ ዝተፈጥረ ዕድል ብኩሉ ዓቕምና ንጠቐመሉ። ቅዱስ ያዕቆብ ከም ዝበሎ ከኣ «እቲ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዎ»።

ዋላ ክልተ ወርሒ ብዘይ ናይ ስራሕ ቃለ-መጠየቅ ይሕለፍ፣ ብዉሽጠይ ከምዚ ክብል ኣለኒ «ዋላ ክልተ ዓመት ብዘይ ስራሕ ይሕለፍ፡ ፍጹም ትዕግስቲ ንከጥሪ ክጻዉሮ እየ»። ገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ኣጸናንዕ «እግዚኣብሔር የፍቕረኒ እዩ፡ ስለዚ’ዩ ከኣ ኣብ ክንዲ ሓላፊ፡ ዘለኣለማዊ፣ ኣብ ክንዲ ምድራዊ፡ ሰማያዊ፡ ኣብ ክንዲ ጠፋኢ፡ ንዘንተ ዕለት ዝኸዉን`ዩ ዝህበኒ»። «ቀልጢፈ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሰ እንድሕሪ ጸኒዐ፡ ኣምላኸይ ከኣ ቀልጢፉ ጸገመይ ክፈትሓለይ እዩ» ኢልካዉን ንገዛእ ርእስኻ ኣበርትዕ።

ሓደ ቅዱስ ኣቦ ከምዚ በሉ «ንሓደ ሰብ ጣዕሚ መዓር ክትገልጸሉ ከቢድ`ዩ፡ ባዕሉ ክጥዕሞ ኣለዎ»። ባዕልካ ከተስተማቅሮ `ዩ ዝግባእ። ጣዕሚ ዉጽኢት ማልምማድካ ከተስተማቕር፡ ቅድም ባዕልካ ብእምነት ነቲ ባህሪ ክትላመዶ ይግባእ። እቲ ዉጽኢት ከኣ ኣዝዩ ባህ ዘብል ክኽዉን እዩ። ምክንያቱ ዉሽጣዊ ሰላም ክህልወካ እዩ። ነዚ ልምምድ ብዓወት ምስ ዛዘምካዮ ከኣ፣ እዚ ተሞክሮ ክሳብ መዉዳእታ ህይወትካ ምስኻ ክነብር እዩ። ዝኾነ ጸገም ክገጥመካ እንከሎ ዉን፣ ጣዕሚ ውጽኢቱ ኣንታይ ምዃኑ ስለእትርዳእ ክትዕገሶ ኢኻ። ኣምላኽ ብጸበባ ኣቢሉ ትዕግስቲ ከተጥሪ ከምዝገበረካን፡ ደሓር ዉን ነቲ ጸበባ ኣልዩ፣ ልዕሊ እቲ ንስኻ ዝሓሰብካዮ ፍጹም ሓጎስ ከም ዝሃበካ ዘክር። እምበኣር ሕጂ ኣብ ትዕግስቲ ፍጹም ስለዝተሰረትካ፡ ቀጺሉ ናብ ዘሎ ደረጃ ክርስቲያናዊ ፍጽምና ክትዓቢ፡ ጉዕዞኻ ቀጽል።