ክርስትያን – ኦርቶዶክስ – ተዋህዶ

ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት፣ ስም ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። “ስም ይመርሕ ጧፍ የብርህ” እኳ ተባሂሉ ተመሲሉ እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዉን፣ “ካብ ጽቡቕ ጨና፣ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ /መክ 7፡1/። ምስ ኣምላኽ ኣብ ንገብሮ ህይወትናን ተወፋይትነናን ዉን ስም ፍሉይ ቦታ ኣለዎ። ንገዛእ ርእስና ዉን፣ ነቲ ንሕና እንኣምኖን እንኽተሎ ህይወትን፣ እንኣምኖ መሰረተ እምነትና ዝገልጽ፣ ስም ክወጽኣልና ግድን እዩ።

“ኣነ ክርስቲያን እየ፣ ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን! ኣባል ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ድማ እየ”

ምስ ሓደ መናፍቅ ብዛዕባ እምነተይ ምስ ሓተተኒ ዝህብክዎ መልሲ እዩ። ንሱ ግን ፍጹም ትብዓተይ ኣይገደሶን፣ ንስኻ “ክርስቲያን” ኣይኰንኻን በለኒ። ልዕሊ ኣርባዕተ ኣጋጣሚታት፣ መናፍቃን ከምኡ ኢሎምኒ ስለዝነበሩ፣ ብዙሕ ኣይተገድስኩሉን።

ናይዚ ከይኣክል ዉን፣ ኣብ ማሕበር ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዘተ እንዳገብርና እንከሎና፣ ኣጋጣሚ ሓደ መስተዉዓሊ ሰብ፣ “ንሕና ተዋህዶ ዲና ዋላስ ክርስቲያናት” ኢሉ ይሓትት እሞ፣ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ “ንሕና ተዋህዶ ኢና፣ ክርስቲያናት ኣይኰንናን” ብምባል ኣርባዕተ ነጥቢ ዘለዋ ሓሳብ ተዛረበ።

እቶም መናፍቃን፣ ናይ ትዕቢት ንዕቀትን ናይ ጸርፊ መልሓስ ስለዘለዎም ከምኡ ይብሉ። እንተ እቶም ናትና ዝዀኑ ግና፣ ነዚ ቃል ክዛረብዎ እንከለዉ፣ ብዙሕ ኣሰንቢዱኒ። እቲ ምክንያት እንታይ እዩ? ከምኡ ተባሂሉ ስለዝተነግረና ድዩ ዋላስ ዋሕዲ ፍልጠት ድዩ፣ እንድዒ!!!

ትዝክሩ እንድሕሪ ኮይንኩም፣ ህጻናት ከሎና ኣብ ቤተ ክርስቲያን፣ “መን ፈጠረካ” እንዳተማሃርና፣ ሓደ ካብቲ ብቃልና ክነጽንዖ ዝግብኣና ናይ ሚስጢረ ተዋህዶ እዩ (ድሓር ኣግፊሐ ክገልጾ)። “እንታይ እምነትካ?” ተዋህዶ፣ “ተዋህዶ እንታይ ማለት እዩ?” ቃል ምስ ስጋ ተወሃሃደ። “ብኸመይ ተወሃሂዱ?”. .  ይቅጽል።  እንዳበልና ስለዝዓበና፣ ኣብ ክንዲ እታ “ክርስቲያን” ትብል ስም፣ እታ “ተዋህዶ” ትብል ስም ስለንደጋግማ ክኸዉን ይኽእል።

ከምኡ ዉን፣ ብዙሓት መማህራን፣ (ንምንታይ ከምኡ ከም ዝብሉ ንዓይ ኣይርድኣንን) ኣብ ክንዲ ነታ “ክርስቲያን” ትብል ስም፣ “ተዋህዶ” ወይ ድማ “ኦርቶዶክስ” ዝብል ስም ጥራይ ክጥቀሙ እዮም ዝመርጹ። እዚን ካልእ ኣጋጣሚታትን፣ ብዛዕባ ስም ክሓስብ ጌሩኒ። ሓጺር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን፣ ታሪክ ቤተክርስቲያንን ጌረ ነቲ ዝተረዳእክዎ ከካፍለኩም።

ክርስቲያን-መሲሓዊ-ናዝራዊ-እታ መንገዲ

ክርስትና ከም ናይ ካልኦት እምነታት ሰብ ዝመስረቶ መንገዲ ኣይኰነን። ኣምላኽ ስጋና ለቢሱ፣ ኣብዚ ምድሪ እዚ ከማና ሰብ ኮይኑ ዝተመላለሶ መንገዲ እዩ። ዕላማ ክርስቲና ድማ፣ “ኲሉ እቲ ክርስቶስ ብባህሪኡ ዝዀኖ፣ ንሕና ብጸጋ ንኽንከዉን እዩ”። እቲ ናብዚ ዘብጽሕ መንገዲ ድማ፣ ሓደን እንኮን እዩ “መገዲን ሓቅን ህይወትን” ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ /ዮሃ 14፡6/፣ ብዙክኡ ድማ ካልእ መገዲ የለን!!!

ጐይታ ብስጋ ካብ ድንግል ተወሊዱ፣ ን33 ዓመት ኣብዚ ምድሪ`ዚ ተመላሊሱ፣ ዕለተ ዓርቢ “ነቲ ንሞት ኣብ ኢዱ ንዝሓዘ ማለት ንዲያብሎስ” ምእንቲ ክስዕርን፣ ሓይሊ ሞት ካብ ህይወትና ምእንቲ ክድምስስን፣ ብስጋ ንሞት ብምጥዓም፣ ድሕሪ ሳልስቲ ተንሲኡ ሓድሽ ህይወት ኣበሲሩና። ነቲ ወዲቑ ዝነበረ ስጋና ድማ፣ ኣክቢሩ ኣንጺሁ ኣድሒኑ፣ ምስ ገዛእ ርእሱ ኣወሃሂዱ፣ ኣብ የማን ዝፏን ኣምላኽ ኮፍ ኣበሎ። ንሕና ዉን በቲ ናቱ ህይወትን ቃልን እንድሕሪ ተመላሊስና ብዚ መልክዕ ከም እንኸብር ዘለኣለማዊ ተስፋ ሃበና። ነዚ ተስፋ እዚ ተቐቢሎም ነዚ ህይወት ዝመረጹ ሰባት፣ ዝስዕብዎ ፍሉይ መንገዲ ማለት ኣካይዳ ኔርዎም። እዛ ህይወት ድማ “መገዲ ወይ እታ መገዲ” ተባሂላ ዝጽዋዕ ነበረት።

ቀዳሞት ኣመንቲ ሰዓብቲ “እታ መገዲ” ተባሂሎም ይጽዉዑ ነበሩ። “እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ”/ማቴ 7፡14/

ንኣብነት ቅዱስ ጳዉሎስ፣ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣመንቲ ክኣስር ካብ ሊቀ ካህናት ፍቓድ ደብዳቤ ሒዙ ከም ዝተበገሰ ክንግር እንከሎ፣ “ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡” /ግብ 9፡2/። ብዘይኻዚ ዉን፣ ሓዋርያ ኮይኑ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽ ምስ ጀመረ፣ ብዛዕባ እታ ንሱ ዝስዕባ ዘሎ መገዲ እንታይ ምዃኑ ነቲ ፊሊክስ ዝስሙ መራሒ ክዛረቦ እንከሎ ከምዚ ይብል፣ “ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ እናኣመንኩ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ።” /ግብ 24፡14/።

እቲ ካብ እስክንድርያ ዝመቦቆሉ ምሁር መጽሓፍቲ ዝነበረ ኣጵሎስ ዉን፣ ብዛዕባ እታ መገዲ እግዚአብሔር ምሁር ከም ዝነበረ ይንግረና። “ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስክንድርያ፡ ብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ። መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዚፈልጥሲ፡ ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ፡ ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።” /ግብ 18፡24/

ኣብዚ ኲሉ ንርድኦ እንታይ እዩ፣ እቶም ፈለማ ንጐይታ ኣሚኖም ዝሰዓብዎ፣ ብዛዕባ ስም ብዙሕ ኣይተገደሱን። እኳ ደኣ፣ መገዲ ኣምላኽ፣ ከም ዝስዕቡን፣ ነቲ ንሳቶም ዝነበሮም ኣስተምህሮ ድማ፣ ብቃልን ብህይወትን ጥራይ የርእይዎ ነበሩ።

ስዒብና ከም ንርእዮ ግና፣ ንመጀመርያ ግዜ፣ ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ኣንጾክያ ክርስቲያናት ተባሂሎም ተጸዊዖም እዮም። ” እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾክያ ክርስትያን ተሰምዩ።” /ግብ 11፡26/።

ከተማ ኣንጾክያ፣ ኣብ ጥንቲ፣ ዝለግብ ስም ኣብ ምዉጻእ ኣዝያ ግንንቲ ነበረት። ስለዚ ዉን እዩ፣ እቶም ኣብታ ከተማ ዝቕመጡ ዝነበሩ ህዝቢ፣ ነቶም ነቲ ሞይቱ ዝተንስአ ክርስቶስ ዝኣምኑን፣ ፍሉይ ህይወትን ፍቕርን ሓድነትን ንዝነብሮም ሰባት፣ “ክርስቲያናት” በልዎም። እዚ ስም እዚ ዳርጋ ከም ሓዉሲ ጸርፊ እዩ ተሓሲቡ። ነቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለን፣ ዝሞተን፣ ሞይቱ ካብ መቃብር ዝተንስአን ምእማን፤ ነቶም ዘይኣምነቲ ጻዉቲን ዕሽነትን ኮይኑ ይስምዖም ነበረ። “ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና።” /1ይ ቆሮ 1፡23/

ብስም ክርስቶስ ምጽራፍ ማለት፣ ንኣመንቲ፣ ከም በረኸት ስለዝዀነ፣ ነቲ ስም፣ ከም ስልማት ተቐበልዎ። ካብቲ ሽዑ ግዜ ጀሚሩ እነሆ ክሳብ ሕጂ፣ “ብክርስቶስ ክርስቶሳዉያን” ተባሂልና፣ “ክርስቲያናት” ተባሂልና፣ ካብ ስም ዝበለጸ ስም ጌርና፣ ንሕልዎ ኣለና። እዛ ቃል ክልተ ግዜ ተደጋጊማ ክንረኽባ ኢና።

ሃዋርያ ቅ.ጳዉሎስ ንንጉስ ኣግሪጳን ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩን ነዊሕ ቃል ምስ መሃሮም፣ “ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ፡ በሎ።” / ግብ 26፡28/። ቅዱስ ጴጥሮስ ዉን ብዛዕባ ህይወት ኣመንቲ ክዛረብ እንከሎ፣ “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር።” /1ይ ጴጥ 4፡15-16/

ክርስቲያን ዝብል ካብ ክርስቶሳዊ፣ ወይ ድማ ነቲ ክርስቶስ ዝስዕቡ ማለት እዩ። ክርስቶስ ድማ፣ ግሪካዊ ቃል ኮይኑ፣ ትርጉሙ፣ ቅቡእ ማለት እዩ። መሺያህ ብእብራይስጢ፣ መሲሕ ብዓረብ፣ ቅቡእ ብትግርኛ፣ ክርስቶስ ድማ ብግሪክ እዩ። ስለዚ እዚ ስም እዚ፣ “መሲሓዊ” ወይ ዉን “መሲሓዉያን” ዝብል መጸዉዒ ክሕዝ ግድን እዩ። በዚ ምክንያት እዚ ዉን እዩ፣ ኣብ መጽሓፍቲ ናይ ቤተክርስቲያን፣ ኣብ ገለ ገለ ጽሑፋት “”ብዉስተ ሕግ መሢሓዊት. . ለመሥሓዊ ኢይደልዎ. .” ዝብል ጽሑፍ ንረኽብ ኢና።
There are also other drugs available that hope to become alternatives to viagra 100 mg ronaldgreenwaldmd.com.
ኢየሱስ ‘ናዝራዊ’ ሰለ ዝበሃል ዉን፣ “ናዝራዊያን” ዝብል ስም ዉን ለጊቡና እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓዲ ዓረብን፣ ኣብ ሃገረ እስራኤልን፣ ክርስቲያናት በዚ ስም እዚ ኢና እንጽዋዕ።

ኲሉ ተሪፉ እታ ክርስቲያን ትብል ስም፣ ስልማትናን ሃብትናን ኮይናትና እያ። ብዘይካ እዛ ስም እዚኣ ትምክሕቲ የብልናን። እቲ ነፍሱ ናብ ኣናብስ ተደርብዩ፣ ብኣራዊት ተቐቲሉ ብሰማእትነት ዝሞተ፣ ናይ ኣንጾቅክያ ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ኣግናጥዮስ፣ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝሰደዶ መልእክቲ ከምዚ ይብል (ም 3)

"ክርስቲያን ተባሂለ ክጽዋዕ ጥራይ ዘይኰነሲ፣ ክርስቲያን ኮይነ ምእንቲ ክርኸብ፣ ብዉሽጢን ብደገን ጽንዓትን ሓይሊን ምእንቲ ክህልወኒ፣ ጸልዩለይ። እንድሕሪ ከምኡ (ክርስቲያን) ኮይነ ተረኺበ፣ ከምኡ (ክርስቲያን) ተባሂለ ዉን ክጽዋዕ ብቁዕ ክኸዉን እየ፣ ካብዚ ዓለም እዚ ዉን ብጽንዓት እምነተይ ክፍለ እየ። ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንሱ ምስ ኣቦ ስለዘሎ፣ ንሱ ልዕሊ ማንም ብሩህ እዩ፣ ስለዚ ኲሉ ዝርአ ጽቡቕ ኣይኰነን። ክርስትና፣ ኣብቲ ጽልኣት ዓለም ዘለዎ ቦታ ክቡር ኮይንካ ምንባር ደኣ እዩ እምበር፣ ናይ ዘረባን እምነትን ጥራይ ኣይኰነን።"

ኦርቶዶክስ

እቶም እመንቲ ከም ክርስቲያናት፤ እቲ እምነት ከም ክርስትና፤ እታ ማሕበር ድማ ከም ቤተክርስቲያን እንዳተባህለት፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ብዉርሻ እንዳተመሓላለፈት ትቅጽል ነበረት። ኣብ መንጎ ግና፣ ገለ ሰባት፣ ንገዛእ ርእሶም “ክርስቲያናት” እንዳበሉ፣ ኮይኑ ግና ናይ ክርስትና ትምህርቲ ዘይምህሩን፣ ክርስቶስ ስጋ ለቢሱ ከም ዝመጽአ ዘይኣምኑን፣ ክረኣዩ ጀመሩ። ብብዝሒ እንዳ በርከቱ ክመጽኡ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ክ/ዘ ክሳብ መፋርቅ ሳልሳይ ክ/ዘ፣ ንቤተክርስቲያን ከሸግርዋ ጀመሩ።

ብፍላይ፣ ግኖስቲስዝም ዶሰቲዝም፣ ዝበሃሉ ጉጅለታት፣ ነቲ ሓዋርያዊ ትምህርቲ ክብርዝዎ ጀመሩ። ናይ ባዕሎም መጽሓፍቲ እንዳ እዳለዉን፣ ነቲ ናቶም ትምህርቲ ዝጥዕም፣ ናይ ሓሶት ወንጌል እንዳ ጸሓፉን ነቲ ካብ ክርስቶስ ብሓዋርያት ኣቢሉ ዝተዋህበ ሓቀኛ ትምህርቲ ክጽይቅዎ ዉን ጀመሩ። ንኣብነት ቅዱስ ኣግናጥዮስ ነቶም ኣብቲ ዘመኑ ዝተላዕሉ ኣምሰሉ ክርስቲያናት ክዛረቦም እንከሎ፣ ናብ ጣርለስ  (Tarllians) ፍቅዲ 6 ከምዚ ይብል፦

"ኣነ ዘይኮንኩስ እቲ ፍቅሪ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ ዝምሕጸነካ ዘሎ፣ ስለዚ ብዘይካ`ቲ ክርስቲያንዊ መግቢ ካልእ ጛሻ መግቢ ማለት ምንፍቅና ኣይትብላዕ (ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝርከብ ሓቀኛ ትምህርቲ ጥራይ እምበር ናይ ምንፍቅና ትምህርቲ ኣይትቀበል)። ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝስዕቡ መሲሎም ክረኣዩን፣ ዘምስል እምነት ሒዞም ክጸንሑካን እዮም፣ እዚ ነገር ልክዕ ከምቲ ስሚ ዘለዎ ዝመዓረ (ምቁር) ወይኒ እዩ። ዘየስተዉዕሉ ሰባት ብድንቁርንኦም ተሓጉሶም ይሰትይዎ፣ ኣቡኡ ግና ሞት ኣሎ"

ከምዚ ዓይነት ነገራት ክበዝሕ ምስ ጀመረ እዩ፣ እቶም ነቲ ካብ ክርስቶስ ብሓዋርያት ኣቢሉ ዝተመሓላለፈ ትምህርቲ ብቅኑዕ መገዲ ዝሕልዉን፣ ብቅኑዕ መገዲ ንኣምላኽ ዘምልኹን፣ ብቅኑዕ መገዲ ህይወቶም ዝመርሑን ዝነበሩን ክርስቲያን፣ ኦርቶድክሳዉያን ክርስቲያናት ተባሂሎም ክጽዉዑ ዝጀመሩ።

ኦርቶዶክስ ማለት፣ ኦርቶ-ቅኑዕ፣ ትኽ ዝበለ፡ ቀጥታዊ፤ ዶክስ ድማ-እምነት፡ ኣምልኾ፡ ምግላጽ ሓሳብ እዩ። ብሓጺሩ ኦርቶዶክስ ማለት- ብቅኑዕ መገዲ ምእማንካ ምጽናዕን፣ ነቲ ዝኣመንካዮ ድማ ብቅኑዕ መገዲ ምምላኽን ማለት እዩ። በዚ መገዲ እዚ ዝኸዱ ኣመንቲ፣ ክርስቲያናት ጥራይ ዘይኮነሲ፣ ኦርቶዶክሳዉያን ክርስቲያናት ተባሂሎም ክጽዉዑ ጀመሩ። እቶም ነቲ ቃል ሓቂ ብቅኑዕ መገዲ ዘይሕልዉን፣ ብቅኑዕ መገዲ ዘየምልኹን ድማ፣ ሄትሮዶክስ ይበሃሉ ነበሩ፣ ትርጉሙ ጸረ-ሓቂን ጸረ-ቅኑዕ መገዲን ዝስዕቡ እዩ።

ኦርቶዶክስ ትብል ቃል፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ከም ሓሳብ ይዝዉተር ኔሩ። ብፍሉይ ነቲ ቃል ንመጀምርያ ግዜ ዝተጠቕመሉ ግና፣ ናይ ሊዮንስ ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ኢራንዮስ እዩ (ካብ 115-202 ዓ.ም.) ። ንሱ ነቶም ጎንስቲክስ ዝበሃሉ መናፍቃን ኣብ ዝሃቦ 8 ክፋል ዘለዎ “ሓዋርያዊ ትምህርቲ/Appostlic Preaching” መጽሓፍ፣ ነቶም ሓዋርያዊ ትምህርቲ ዝስዕቡ ኦርቶድክሳዉያን ምዃኖም ክምስክር እንከሎ ንረኽቦ።

የግዳስ እዛ “ኦርቶዶክስ” ትብል ቃል ግና፣ ካብታ “ክርስቲያናት” ትብል ቃል ተፈልያ ኣይትግለጽን። ኲሉ ግዜ ዉን ንበይና ደዉ ኣይትብልን። ኣቦታት ከም ግሲ ክጥቐሙላ ኢና እንርኢ እምበር፣ ከም መለለዪ ስም ትዝዉተር ኣይነበረትን።

ጉዕዛ ምንፍቅና እንዳሓየለን፣ እንበዝሐን ምስ መጽአ፣ ብፍላይ ድሕሪ ራብዓይ ክፍለ ዘመን፣ “ክርስቶስ ብመለኮታዊ ባህሪኡ ምስ ኣብ ማዕረ ኣይኰነን፣ ቅሩብ ካብ ኣቦ ይንእስ እዩ” ዝብል ኣርዮሳዊ ትምህርቲ ምስ ሓየለን፣ ነቲ ነገር ዝኣምኑ ጉጅለታት እንዳበዝሑ ምስ ኸዱ፣ እቲ “ክርስቲና” ዝብል ስም፣ “ኦርቶዶክስ” ዝብል መላግቦ ተወሲኽዎ፣ እቶም “ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር እዩ፣ ብኲሉ ነገሩ ምስ ኣቡኡ ብባህሪኡ ማዕረ እዩ፣ ብመለኮታዊ ባህሪኡ ምስ ኣቡኡ ፍጹም ማዕረ እዩ” ኢሎም ዝኣምኑ፣ ክርስቲያናት፤ “ኦርቶድክሳዉያን ክርስቲያን” ተባሂሎም ከም ስም ክጽዉዑ ጀመሩ። ነቲ ሓደ ክርስቶስ ዝስዕቡን፣ ምእንቲ ስሙ ክጽረፉ ዝመረጹን፣ ብዘይክኡ ካልእ ዝዉሰኽን ዝጎድልን ዘይሓዙ፣ ነቲ ሓንሳብ ንቅዱሳን ዝተዋህበ እምነት ጸኒዖም ዝሓዙን፣ ብቅኑዕ መገዲ ድማ ንስሉስ ቅዱስ ንኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኹን፣ ኣመንቲ ማለት እዩ።

ተዋህዶ

ሓይሊ ምንፍቅና ኣብ ሓምሻይ ሻዱሻይን ክፍለ ዘመን ዉን መልክዑ ቀይሩ፣ ብዙሑ ወሲኹንን ክግለጽ ጀመረ። ገለ ካብቶም ኣመንቲ፣ ክርስቶስ ክልተ እዩ፣ ኣምላካዊ ባህሪኡ ምስ ስጋ ፍጹም ዉህደት ኣይገበረን፣ ክልተ እዩ፣ ዝብሉ ክቅልቀሉ ጀመሩ። ስለዚ፣ እቶም ኣምላኽ ፍጹም ስጋ ከም ዝለበሰን፣ ፍጹም ንሰብኣዊ ባህሪና ከም ንብረቱ ከም ዝተወሃሃደን ዝኣምኑ ሰባት፣ ተዋህዶ ተባሂሉ ሳልሳይ ዝድረብ ስም ተወሰኸ።

ተዋህዶ ማለት- ተወሃሂዱ፣ ሓደ ኮይኑ ማለት እዩ።”ቃል ስጋ ኮነ፣ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ድማ ኣብ ማእከልና ሓደረ” /ዮሃ 1፡14/። ኣምላኽ ብሓቂ ናይ ሰብ ስጋ ለቢሱን ተወሃሂዱን እዩ፣ ክልተ ኣይኰነን፣ ሓደ እዩ፣ ስግዉ ቃል ኣምላኽ እዩ።  ኣብዚ ኣርእስቲ ዝያዳ ክበርሃልኩም፣ ናይ ክርስቶስ ባህሪ ትብል መጽሓፍ ኣንብቡ።

ኣብዚ ግና ሓደ መብርሂ ክዉስኽ ይደሊ። “ተዋህዶ” ዝብል ቃል ስም /noun/ እዩ፣ ግሲ /verb/ ወይ ቅጽል /adjective/ ኣይኰነን። ከም ግሲን ቅጽልን ጌርና ክንጥቀመሉ ዉን ኣይንክእልን። ንኣብነት፣ “ኣነ ብተዋህዶ ይኣምን/ ወይ ከኣ ኣነ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣባል እየ” ክትብል ይከኣል እዩ፣ “ኣነ ተዋሕዶኣዊ እየ” ክትብል ግና ብሕጊ ሰዋስዉ ጌጋ እዩ። በንጻሩ “ኦርቶዶክስ” ዝብል ቃል፣ ከም ቅጽል ክንጥቀመሉ ይከኣል እዩ። ንኣብነት “ኣነ ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን እየ” ክትብል ይከኣል። ሕጊ ሰዋስዉ ዉን ይፈቕደልና እዩ።

መጠቃለሊ

ከምቲ ናተይ ርድኢትን፣ ኣቦታት ዝመስከርዎን፣ ኲሉ ግዜ ምልኣት ዘለዎ ስም ክንጥቀም ይግባእ። ልዕሊ ማንም፣ እታ “ክርስቲያን” ትብል ስም ክብርቲን ልዕልቲን እያ። ቅዱስ ኣግናጥዮስ እኳ ካልእ ስም ከም ዘየድሊ ኣብ መልእክቲታቱ ይምዕድ እዩ። ስለዚ ነዛ ስም ኲሉ ግዜ ካብ ኣፍና ኣይንፍለያ። ቅድም ቀዳድም፣ ኲሉ ግዜ ክርስቲያናት ኢና፣ ግን ከኣ ብዙሓት “ክርስቲያን” ዝብል ስም ዝሓዙ፣ ግን ከኣ ነቲ ካብ ክርስቶስ ብሓዋርያት ኣቢሉ ዝተመሓላለፈ ኣምነትን ስርዓት ኣምልኾን ዘይሓዙ፣ ጌጋ ትምህርቲ ዝምህሩን ስለዘለዉ፣ ኦርቶዶክሳዊነትና ከነረድእ ጽቡቕ እዩ። ስለዚ “ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን/ ወይ ድማ –ኦርቶዶክሳዉያን ክርስቲያናት” ምዃንና ምግላጽ የድሊ። ዝያዳ ፍሉይን ንጹርን ንክኽዉን ድማ፣ “ኣባል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን/ ወይ ድማ –ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ክርስቲያን” ክንብል ይግባእ። ኲሉ ግዜ ነታ መሰረታዊ ስምና ክንሓድግ የብልናን፣ ማለት “ክርስቲያን” ትብል ስም ኲሉ ግዜ ክንጥቀመላ ይግባእ።[pullquote]”ከምቲ ዓሳ ብዘይ ማይ ዘይንብር፣ ኣዕዋፍ ዉን ብዘይ ኣየር ክነፍራ ዘይክእላን፣ ከምኡ ድማ፣ ሓደ ክርስቲያን ብዘይ ክርስቶስ ሓንቲ ስጉምቲ ዉን ክስጉም ኣይክእልን”[/pullquote] ቅዱ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ

ካብ ሓዋርያት ጀሚሮም ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት፣ ካብ በዓል ቅዱስ ፖሊካርፐስ ሰማእት ጀሚርና ክሳብ ቅዱስ ያዕቆብ ዘኢልበረዲ፣ ክሳብ ቅዱስ ሳዊሮስ ዘኣንጾክያ፣ ኲሎም ሊቃዉንቲ ኣቦታት፣ ነዛ ስማ ጥራይ እዮም ዝጥቀሙላ ኔሮም። መልእክቲ ፋሲጋ ክጽሕፉ እንከለዉን፣ ኣንጻር መናፍቃን ክምልሱ እንከልዉን፣ ነዛ ስም እዚኣ ኣይገድፍዋን እዮም። ነታ “ተዋህዶን”  ወይ “ኦርቶዶክስን” ትብል ቃል ዉን፣ ብመንጽር ናይ መናፍቃን ትምህርቲን፣ ንፍሉይ ትምህርቲ ዉህደት መለኮትን ስጋን ክዛረቡ እንከለዉ ጥራይ እዮም፣ ዝጥቀሙሉ። በዚ መልክዕ ዉን፣ ሚዛኑ ሓልዮም መልእክቶም የመሓላልፉ ኔሮም።

ስለዚ ንሕና ዉን፣ ሚዛኑ ዝሓለወ፣ ሰረቱ ዘይገደፈ፣ ስም ክንጥቀም ይግባእ። ክርስቲያናት ኢና፣ [pullquote]”በቲ ሓደ ክርስቶስ ኲላትና ክርስቶስ ኮይንና” ቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት[/pullquote]። ግን ከኣ፣ ነቲ ሓደን ሰለስተን ዝዀነ ኣምላኽ፣ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ ብቅኑዕ መንገዲ (ብኦርቶዶክሳዊ) እንኣምን፣ ብቅኑዕ መንገዲ እነምልኽን ኢና። ኣምላኽ ብሓቂ ስጋ ከም ዝለበሰን፣ ፍጹም ንባህሪና ከም ዝተወሃሃደን፣ ንተዋህዶ ንኣምን ኢና። ስለዚ፣ ኦርቶዶክሳዉያን ክርስቲያንት ኢና። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዉን፣ ቤተክርስቲያንና እያ።

ስም ኣገዳሲ እዩ። ስም ንመንነትካን፣ ነቲ ሰረታዊ እምነትካን፣ እምንቶኻን ይገልጽ እዩ። ኮይኑ ግና ስም በይኑ እኹል ኣይኰነን። ተግባር እዩ ወሳኒ። ጽቡቕ ስም ከም ስልማት ዝሓዝና፣ ግን ድማ ጽቡቕ ግብሪ ዘይብልና ብዙሓት ኢና። ክርስቲያናት እንበሃል፣ ተግባር ክርስቶስ ዘይንገብር ኣለና። መስቀል ኣብ ክሳድና ዝሓዝና፣ ኣብ ክዳንና ዝጠለፍና፣ ኣብ ኢድና ዝሓዝና ኣለና፤ ግብሪ መስቀል ማለት ፍቕሪን ምሕረትን፣ ሕድገትን ይቅረ ምብህሃልን፣ ንብጻይካ ምፍቃርን ዘይሓዝና ድማ ብዙሓት ኢና። ስለዚ ስም ናይ ዘጸበቕካ ኣይኰነን፣ ተግባር ናይ ዝሓዝካ ፍረ ናይ ዘፍረኻ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያትን ቀዳሞት ኣመንቲን፣ ብዛዕባ ስያሜ ኣይተገደሱን። እቲ ካልእ ኣካል ከም ጸርፊ ጌሩ ዝሃቦ ስም ዉን ከም ጸጋን ከም ስልማትን ተቐቢሎም ይነብሩሉ ኔሮም። ንሳቶም ዝተገድሱሉ ነገር፣ ነቲ ህይወት ምንባርን፣ ነቲ መገዲ ምስዓብን እዩ።

“ኦ ጐይታ፣ ንሕና ስጋዉያን ኢና እሞ፣ ሕጊ ስጋ ንሓስብን፣ ስራሕ ስጋዉን ንሰርሓን፣ ብመገዲ ስጋዉን ኢና እንነብር። ንስኻ ደኣ መንፈሳዊ ስራሕ ምሃረና፣ መንፈሳዊ ሕጊ ዉን ኣለብመና፣ ንስኻ ንዓና ምገዲ መንፈስ ምርሓና። ኣሜን!!”