ም.7 ለዉሃት (ሕያዉነት-ምስኪን ምዃን)

ለዋህ

 

 

 

 

 

 

 

 

ለዋህነት «ፍረ መንፈስ ቅዱስ» እዩ /ገለ 5፥23/። ጐይታ ውን ባዕሉ፣ ለዉሃት ክንከዉን ይምዕደና «ኣነ ለዋህ እየ ልበይ ውን ትሑት ኣርዑተይ ፈኩስ ጾረይ ውን ቀሊል እዩ እሞ ኣርዑተይ ጹሩ ካባይ ውን ተመሃሩ ንነብስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።» /ማቴ 11፥29-30/። ከመይ ጌርና ኢና፣ ናይ ጐይታ ለዋህነትን ሕያዉነትን፣ ናትና ባህሪ ክንገብሮ፧?

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብለና «ኣይክጭድርን ድምጸይ ውን ዓው ኣቢለ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እየ። ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እየ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ» /ኢሳ 42፥2-3/ ኣብዚ ጥቅሲ/ዚ ሓደ ሱቕ ዝበለ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ዝነብር ድምጹ ኣትሒቱ ዝዛረብ ሰብዩ፡ ተሳኢሉልና ዘሎ። ቅዱስ ጳዉሎስ «ዝከኣል ኣንተኾይኑ ብኣኻትኩም ዝመጸ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ» /ሮሜ 12፥18/ ይብለና።

ሎምዘበን ሕርቃን ዓቢ ጸገም እንዳኮነ ይመጽእ ኣሎ። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ቀልጢፎም ብቐሊል ነገር ይሓርቑ፡ ይበኣሱ፣ ገሊኦም ብዘይ ገለ ምኽንያት ይኹርዩ። ዝሰርሑ ፊልማታት፡ ናይ ቴሌቪዥን መደባት፡ ናይ ህጻናት ካርቱን ፊልሚታት፣ ምኽንያት ሕርቃን እንዳኾኑ ይመጹ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት በዚ ጉዳይ ኣዝዮም ስለዝሽገሩ፣ ናብ ክኢላታት እንዳኸዱ ምኽሪ ይሓቱን፣ ሕርቃኖም ብከመይ መንገዲ ክገልጽዎ፣ ወይ ክቆጻጸርዎ ዉን ልምምድ ይገብሩ እዮም፤ ስለዚ ዉን እዩ «ምሕደራ ሕርቃን» ዝብል ትምህርቲን ምኽሪ ኣገልግሎትን ዳርጋ ምንጪ እቶት ኮይኑ ዘሎ።

ደረጃታት ለዋህነት

ለዋህነት ደረጃታት ኣለዎ። ኣቦታት ነዚ ደረጃታት ምስ ምስላ ዘርኢ ኣዛሚዶም ይምህሩና። «ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ ገሊኡ ማእቲ ገሊኡ ሱሳ ገሊኡ ደማ ስላሳ ፈረየ።» /ማቴ 13፥8/

ቀዳመይቲ ደረጃ ለዋህነት ንክፋኣ ብክፋእ ዘይምምላስ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ «ንሓደ እዃ ክፋኣ ኣብ ክንዲ ክፋእ ኣይትፍደይዎ» /ሮሜ 12፥17/ ይብለና። ቅዱስ ጴጥሮስ ውን «ምረቓ ምእንቲ ክትወርሱ ነዚ ጽውዒት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ውን ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትመልሱ» /1ይ ጴጥ 3፥19/ ይብለና። ነዚ ፍጹም ኣብነት ዝኾነና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። «ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ ተንኮል ውን ኣብ ኣፍ ዘይተረኸበ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቅንዕና ዝፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕለፉ ሃበ እምበር ዘየፈራረሄ» /1ይ ጴጥ 2፥23/።

እቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ውሽጣዊ ስላምካ ከይተረበሸ ጸርፊ ምቕባል’ዩ። ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ካብ ምምላስ ዝቑጠቡ፣ ኮይኑ ግና ብውሽጦም ሕርር ዝብሉ ኣለዉ። ብናይ ሕርቃን ስምዒት ዉሽጦም ይምላእ ሕነ ክፈድዮ ውን ይደልዩ። ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ናብ ካልኣይ ደረጃ ለዋህነት ኣይበጽሑን። ነዚ ደረጃ`ዚ ዝበጽሑ ብዙሓት ኣብነታውያን ኣለዉና።
Confirm with your prescribing doctor about the use of best website cialis 10 mg if you take nitrates for chest pain.
ቅዱስ የውሃንስ ሓጺር ብዝነበሮ ህይወት ሰብ ኩሉ ይፈትዎ ስለዝነበረ ብዙሓት ቃሉ ክሰምዑ ናብኡ ይእከቡ ኔሮም። በዚ ነገር ዝቀንአ ካልእ መነኮስ፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ «ዮውሃንስ ንስኻ ኣብ ቅድሚ ፈተውታ ኣካላት እተርኢ ኣመንዝራ ኢኻ» ብምባል ንዮውሃንስ ጸረፎ። ቅዱስ ዮውሃንስ ከኣ «ኣታ ሓወይ ነዚ ግዳማዊ ትርኢተይ ርኢኻ ብዛዕባይ ከምዚ ካብ በልኻ፣ ውሽጠይ እንተትሪኦ ደኣ እንታይ ምበልካ፧» ብምባል ብትሕትና ተዛረቦ። እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ በቲ ነገር እንዳተገረሙ «እዚ ኩሉ ምስ ጸረፈካሲ ብውሽጥኻ ሓሪቕካዶ፧» ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ዉን «ንዮሃንስ፣ እቲ ዉሽጡ ዘሎ ስምዒት፣ ልክዕ ከምቲ ብግዳም ዘሎ እዩ» ብምባል መለሰሎም። (ከምቲ ብግዳም ዘይሓረቕኩ፣ ብዉሽጠይ ዉን ኣይሓረቕኩን ማለቱ እዩ)

ኣብ ሶርያ ዝነበሩ መነኮሳት፣ ዝና ናይ ግብጻውያን መነኮሳት ሰሚዖም ናብ ገዳማት ግብጺ ይኸዱ ኔሮም። ግብጻውያን መነኮሳት ከኣ ኣጋይሽ ክመጽእዎም እንከለው፣ እቲ ናቶም ናይ ጾም ስርዓት ነቶም ኣጋይሽ ምእንቲ ከይከብዶም ብምባል፣ ምእንቲ ኣጋይሽ ኢሎም ቀልጢፎም ናይ ምብላዕ ስርዓት ኔርዎም። ሶሪያዉያን ኣጋይሽ ምስ መጽእዎም ከኣ፣ ከም ስርዓቶም ሰዓት 9፡00 መኣዲ ቀሪቦም ክበልዑ ጀመሩ። ነዚ ዝረኣዩ ሶርያውያን፣ ብሓሳቦም፣ ግብጻውያን ንስርዓት ጾም ግዲ የብሎምን፡ ንሕና ክሳዕ ጸሓይ ትዓርብ ንጸውም፣ ንሳቶም ግን ሰዓት 9፡00 ይበልዑ ኣለዉ፣ ክብሉ ጀመሩ። ነዚ ዘሰተብሃሉ ኣበምኔት ናይቲ ገዳም፣ ነቶም ኣጋይሽ ትምህርቲ ክምህርዎም ደለዩ። ብዕድመ ዝዓበየ መነኮስ ባኒ እንዳዓደለ ኣብቲ ኣብምኔት ምስ በጸሐ፣ እቲ ኣበምኔት ሃንደበት፣ ነቲ መነኮስ ብሓይሊ ጸፍዖ። እቲ ዓቢ መነኮስ ግና ምስሊ ገጹ ከይቀየረ ኣቐዲሙ ብዝህቦ ዝነበረ ትርኢት ገጹ፡ ምዕዳል ባኒ ቀጸለ። እቶም ሶርያውያን ነዚ ምስ ተዓዘቡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣበምኔት ብምስጋድ «ይቕረ በሉና ኣባ! ብዘይ መግቢ ጾይምና ነዊሕ ሰዓታት እዃ ክንጸንሕ እንተኸኣልና፤ ከምዚ ጌርና ስምዒትና ክንቆጻጻር ግና ፈጺምና ኣይንኽእልን» ብምባል ተዛረቡ።

እቲ ሳልሳይ ደረጃ ለዋህነት ከኣ፡ ሰባት ክጸርፍዎ ከለዉ፣ ንሓወይ (ንሓፍተይ) ሓጢኣት ንኽፍጽም ምኽንያት ኮይነዮ እንዳበሉ ዝሓዝኑ እዮም።

ማልምማድ ለዋህነት

ንኣባት ነፍስኻ ኣፍሊጥካ ፍቓድ ምስ ረኸብካ፣ ጐይታ ከምቲ ናቱ ለዋህ ምእንቲ ክገብረኻ፣ ጸልይ። «ኦ ጐይታይ ንስኻ ‘ኣነ የዋህ ኣየ ካባይ ተማሃሩ’ ከምዝበልካና ንነፍሰይ ዕረፍቲ ምእንቲ ክትረኽብ፣ ለዋህነት መሃረኒ» በሎ።

ነዚ ዝስዕብ ሞገተ (ስነሓሳብ)ኣብ ልቦናኻ (ሓንጎልካ)ከተሕድርን ከተሰርጽን ፈትን።

ሰላም ውህብቶ ጐይታ እዩ፣ ምኽንያቱ ባዕሉ ንሱ «ሰላመይ እሓድገልኩም ኣለኹ ሰላመይ ውን እህበኩም ኣለኹ» /ዮሃ 14፥27/ ኢሉና። ክትሓርቕ እንከሎኻ፣ ስላምኻ ትስእን ኣለኻ። ክርስቶስ ብውልቁ ዝሃበካ ፍሉይ ህያብ፣ ትድርብዮ ኣለኻ። ውህብቶ ክርስቶስ ተቐቢልካ ናብ ግዳም ከም ምድርባይ ማለት’ዩ። ሓደ ጳጳስ ህያብ እንተዝህበካ ናብ ጽርግያ ምደርበኻያ’ዶ፧? ኣይፋል እንተኾይኑ መልስኻ፤ ውህበቶ ክርስቶስ ደኣ ክንደየናይ ኣብዚሓካ ክትዕቅቦ ዘይግበኣካ። ኩሉ ሳዕ ክትሓርቕ እንከለኻ ነዚ ብሉጽ ውህብቶ`ዚ ትድርብዮ ከምዘለኻ ተረዳእ።

ብኸምዚ ርድኢት ገዛኣ ርእስኻ ምስ ኣእመንካ፡ ብቅዱስ ቲዮፋን ባህታዊ ዝተነግረ፣ እዚ ዝስዕብ መምርሒ ክትግብሮ ትኽእል። ንግሆ ተንሲእካ ጸሎት ምስ ገበርካ፣ ስላምካ ከተጥፍእ ዝገበሩኻ ኩነታት መርምር። ኣብ ኣእምሮኻ ዝኸፍኣ ኩነታት ሕሰብ’ሞ ሽዑ ገዛእ ርእስኻ ዋላ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እንተገጠመኒ ንውህብቶ ጐይታ ብኸንቱ ምድርባይ ቅኑዕ ድዩ፧ ኢልካ ሕተታ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነግረ መምርሒ እንተተግቢርካዮ መልስኻ ኣይፋል! እዩ ክኸውን። ብድሕሪ’ዚ ብውሽጥኻ፣ ዋላ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እንተገጠመኒ፣ ናይ ውሽጠይ ሰላም ኣይከጥፍእን እየ! በል።

ፍቑራተይ! እዚ መምርሒ ዕውት ከም ዝዀነ ብእምነት ክምስክረልኩም። ኣብ ህይወትኩም ውን ለውጢ ከምጸኣልኩም እዩ። ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ዘይረአ ኩናት (unseen warfare) ትብል መጽሕእፍ ዘንበብኩዋ መምርሒ ንብዙሓት ሰባት ከም መምርሒ ሂበዮም ኔረ። እቶም ብጽቡቅ ዝተኸታተልዎ ርኡይ ውጽኢት ረኺቦምሉ።

ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ዝኮነት ስበይቲ፣ ነቲ ዝተዋህባ መምርሒ ብእምነት ምስ ዛዘመት፣ በቲ ውጽኢት ብዙሕ ሰብ ተገሪሞም እዮም። ህድኣታን ሰላማን ዝረኣዩ ደቃ ከማን «ማማ እንታይ ኮይና እያ? ኣይጠዓየትን» ክሳብ  ዝብሉ እዮም ኮይኖም። የግዳስ ንሳ ተጸሊእዋ ኣይኰነትን፣ ነቲ መብዛሕቱና ብቀሊሉ ንድርብዮ ዘለና፣ ዉህብቶ ጐይታ ዝዀነ፣ ናይ ክርስቶስ ሰላም እያ፣ ኣብ ልባ ተስተማቕሮን ትዕቅቦን ዘላ።

እቲ ኣማናዊ ዝኾነ ውሽጣዊ ሰላም ዝርከብ፣ ግና ምእንቲ ጸላእትኻ ምስ እትጽልይ እዩ። «ሰለቶም ዝጸርፍኹምን ዝሰግኹምን ጸልዩ» /ማቴ 5፥44/። እዚ እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ እዩ። ስለቶም ዝሃስዩኻን ዝጸልኡኻን ምስ ትጽልይ ስላመ ክርስቶስ ይዓስለካ። ነዚ ትእዛዝ ብግቡእ ምስ እትፍጽሞ ድማ፣ ንጸላእትካ ክተፍቅር ዘኽእለካ መንፈሳዊ ደረጃ ክትበጽሕ ኢኻ። ስላመ እግዚኣብሔር ውን ክተስተማቕር ትጅምር። ፈትን እሞ ሰናይ ምኻኑ ኣስተብህል።

ነዚ ንነር ብግቡእ ዝተግበሩ ሰባት ማንም ሰብ ካብኦም ክምንጥሎም ዘይክእል ውሽጣዊ ሰላም ረኺቦም እዮም። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ይኸውን ኣብ ሓደ ዓቢ ትካል ናይ ሓላፈነት ጽፍሒ ዝነብሮ መንእሰይ ኔሩ። ግብጻዊ ክርስትያን ከኣ’ዩ። ኣብ ግብጺ ክርስትያን ምዃንን ብፍላይ ድማ ሓላፍነት እንተሃልዩካ ንህይወትካ ኣስጋኢ ኣዩ። ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ትካል ንክርስትያናት ዝጸልእ ናይ ላዕሊ ሓላፊ ነበሮ። ነቲ ክርስትያን መንእሰይ ብዝተፈላለየ ገበናት ኣእሲሩ፣ ኣብ ክንድኡ ካልእ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ ከእቱ፣ ከም ዕላማ ሒዙ ይጽዕር ነበረ። ኩሉ ግዜ ውዲትት ይኣልመሉ ነበረ። ፖሊስ ከምዚ ጌሩ ተባሂሎም ክምርምሩ ይመጹ፡ ግን ዋላ ሓደ ጌጋ ክረኽበሉ ኣይከኣሉን። ነዚ ዝተገንዘቡ ሓለቓ ፖሊስ (ክርስትያን ዘይኮነ፣) ነቲ መንእሰይ «ኣብ ከባቢኻ ካብ ዘለዉ ሰባት ንዓኻ ክጎድእ ዘደሊ ኣሎ» ኢሉ ብግልጺ ሓበሮ።

ሓደ መዓልቲ ከእስሮ ሓሲቡ ስለዘይሰለጦ ክቐትሎ ውዲት ኣለመሉ። ሓደ ፖሊስ መጺኡ ግና፣ ሓደ ሰብ ንዕዑ ክቐትሎ ከም ዝተኸፈሎ ብምሕባር፣ መሬት ምስ ጸልመተ ካብ ገዝኡ ንከይወጽእ ኣጠንቀቖ። ኣብዚ ኩሉ ጸገም ግና እቲ ወዲ ብዘይካ ምጽላይን መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ካልእ ነገር ይገብር ኣይነበረን። መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቦ ኢሉ ምስ ገንጸሎ ኸኣ ኩሉ ግዜ /ማቴ 5፥44/ ትጸንሖ ኔራ። «ኦ ጐይታ ብሓቂ ዲኻ ህይወተይ ክጽይቕን፡ ክቐትለኒ ንዝደሊ ሰብ ክጽልይ ትእዝዘኒ ዘለኻ፧» ብምባል ይሓትት ነበረ። ቀጻሊ ዝረኽቦ መልሲ ኸኣ እወ ዝብል ነበረ።

እዚ ሓሳብ ቀጻሊ ምስተመላለሶ ግና፣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ ስቕ ኢሉ ብሃሰሰ ለባም ክፍጽሞ ወሰነ። ቅድም ብልቡ ዘይኮነስ ብከንፈሩ ምእንቲ ሓላፊኡ ክጽልይ ጀመረ። በዚ ጸኒዑ ውን ንብዙሕ ግዜ ቀጸለ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ድማ ሰለቲ ሓላፊኡ ካብ ልቡ ክጽልይ ጀመረ። ክርስትያን ኮይነ እንተዘይውለድ ኔረስ፣ እዚ ሰብኣይ ዝገብሮ ዘሎ ኲሉ ምገበርኩ ኔረ፣ እንዳበለ ብውሽጡ ክሓልየሉ ጀመረ። «ዝቐትለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ከምዘሎ ዝመስሎ ግዜ ክትመጽእ እያ» /ዮሃ 16፥2/። እቲ መንእሰይ ውን ብዛዕባ ሓላፊኡ ከምዚ ኢሉ ክጽሊ ጀመረ «ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንቤተክርስትያን ብምቅዋም ንኣምላኽ ዘኽበሮ ዝመሰሎ ዝነበረ እዚ ድኹም ሰብኣይ ውን ንዓይ ሕማቕ ነገር ብምግባር ንኣምላኽ ዘገልግል ዘሎ እዩ ዝመስሎ» ብምባል ይሓስብ ነበረ። «እግዚኣብሔር ናቱ ክኸውን ብምሕረቱ እንተዘይሓርየኒ ኔሩስ ኣነ ውን ከምኡ ምገበርኩ ኔረ» እንዳበለ ብምሕሳብ ንጐይታ ኣብ ክንዲ ኣሳዳዲ፣ ተሰዳዲ ስለዝገበሮ ከመስግን ጀመረ። ነቲ ሓላፊኡ(ኣሳዳዲ) ጽቡቕ ክገብር ጀመረ። ኣምላኽ ይቅረ ክብለሉ ውን ብልቢ ይጽልይ ነበረ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ግና፣ ወናኒ ናይቲ ትካል ነቲ መንእሰይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጸዊዑ «እንታይ ሽግር ይገጥመካ ከምዝነበረን፣ እቲ ሓላፊ ክሃስየካ እንታይ ይገብር ከምዝነበረን ስለምንታይ ነዚ ይገብር ከምዝነበረ ፈሊጠ ኣለኹ። ስለዚ እየ ኸኣ ካብዚ ስራሕ እዚ ከምዝሰጎግኩዎ ብቐዳምነት ንዓኻ ክፍልጠካ ዝደለኹ» ብምባል ተዛረቦ። እቲ መንእሰይ ነዚ ምስ ሰምዐ፣ ብልቡ ኣይተሓጎሰን፣ እኳ ደኣ ካብ ስራሕ ስለዝተሶግገ ኣዝዩ ሓዘነ። ኣቡኦም ካብ ስራሕ ስለዝተሶግገ፣ ዝሳቐዩ ደቁ ኣሕዘንዎ። ንስኻ ውን ሓወይ ኣብ ልብኻ ዘይነቓነቕ ጽኑዕ ስላም ክሕልወካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ተማሂርካ ብትግሃት ፈጽሞ።