ኢየሱስ VS እየሱስ VS የሱስ

ሕቶ ተሓቲተ፧?? ኣየናይ ኣጸዋዉዓ ንጠቀም? ኢየሱስ እንተብልና ድዩ ቅኑዕ? ዋላስ እየሱስ ወይ የሱስ? ነዚ ሕቶ`ዚ ብዙሓት ነልዕሎ ኢና። ኣብ ማሕበራት ዉን ተሓቲቱ ይፍለጥ እዩ። ዝጎደለ ብኣፍ መላኣክቲ ይኣርመለይ! ኢለ ገለ ብዛዕባ`ዚ ሓሳብ ዘለና ትንታነ ከካፍለኩም።

የሱስ-እየሱስ-ኢየሱስ

ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኤርትራ ኣብ ቴስዓታት ዘሕተሞ መጽሓፍ ቅዱስ፣ “የሱስ” ዝብል ስም እዩ ዝጥቀም። ካብዚ መጽሓፍ እዚ ተወሲዱ ናብ PDF ን ናብ ዝተፈላለዩ ሶፍትዌር ዝማዕበሉ ዉን፣ ነዚ ስም እዮም ዝጠቀሙ። ኲሎም ፕሮቴስታንት “የሱስ” ኢዮም ዝብሉ። ኣብዚ ብሎግ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ክጽሕፍ እንከለኹ፣ ካብዚ ዝብለኹም ናይ PDF መጽሓፍ ቅዱስ ኮፒ ጌረ ፔስት ስለዝገብሮ፣ ኣብ ገለ ጽሑፋተይ (ብዙሕ ግዜ ይእርሞ እየ) “የሱስ” ዝብል ስም ክጸንሓኩም ይኽእል።

ሚንስቲሪ ዜና፣ “ቅኑዕ ትግርኛ” ንምእራም ብዝብል ዕላማ፣ ኣብ 2004 ዘሕተማ ቀጠልያ ሓጻር መጽሓፍ (ኣርእስታ ብርግጽ ኣይዝክራን እየ፣ ግን ጽቡቕ ጌረ እየ እንቢበያ)፣ “የሱስ” ተባሂሉ ክጸሓፍ ኣለዎ፣ ዝብል መኣረምታዊ ስም ከም ርእይቶ ዉን ተዋሂቡ እዩ። ኣብ ክንዲ “የሱስ” የሱስ፣ “ዮብ” ተሪፉ ዮብ፣ “ያሱ” ተሪፉ ያሱ. .ዝብል ርእይቶ ኣብታ መጽሓፍ ኣስፊሮም ኔሮም።

ምድረ ኣግኣዚ ዝዓበየ፣ ቤተክርስቲያን ዘቀድስ፣ መስቀል ካህናት ዝሳለም፣ ማዕተብ ኣብ ክሳዱ ዝኣስር፣ ክበልዕ ብትእምርተ መስቀል ዘማዕትብ፤ ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን፣ ድማ “ኢየሱስ” ዝብል ስም እዩ ዝጥቀም። ብግእዝ ዘለዉ ጥንታዊ መጽሓፍትና፣ መጽሓፍ ቅዱስና፣ ናይ ጸሎት መጽሓፍና፣ ቅዳሴና፣ ማህሌትና፣ ሰኣታትና. . ኣብ ኲሉ “ኢየሱስ” ኢና ንጥቀም። ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኤርትራ ዉን፣ ካብ 2000 ዓ.ም. ጀሚሩ ዘሕተሞ መጽሓፍ “ኢየሱስ” ብምባል ኣሪሞሞ እዮም። እዚ ዂሉ ፍልልይ እንታይ እዩ? ኣይናይ ስም ኢና ክንጥቀም ዝግባእ?

ብዙሕ ዓይነት መግለጺ ሰሚዐ ይፈልጥ እየ። ዝበዝሑ ትንታነ ግና፣ ታሪካዊ ጭብጢታት ኣይረኸብኩልሞን። ብዘይ ብኡ ዉን፣ እቲ ዝተዋህበ ምክንያት ኣይዓገብኩሉን። ንኣብነት፤ ገለ ሰባት፣ “የሱስ” ዝብል ስም፣ ከሓድያን እዮም ጀሚሮሞ ዝብል እዩ። እቲ መግለጺ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

ቤተክርስርቲያን ካብ ቅድም፣ “የሱስ” ዝብል ስም ኔራ እትጥቀም። ትርጉሙ ድማ፣ መድሓኒ ማለት እዩ። ጐይታ መድሓኒ ከም ዘይኰነ ዝኣምኑ ከሓድቲ ስለዝነበረኡ ድማ፣ እቶም ከሓድቲ ነቲ ናይቲ ስም ርዝነት ንምቅዋም፣ ኣብታ “የሱስ” እትብል ስም፣ “ኢ” ብምዉሳኽ፣ “ኢየሱስ” ኢሎም ክጽዉዕዎ ጀመሩ። ኣብ ግእዝ፣ ንሓንቲ ግሲ፣ “ኢ” እንተወሲኽካላ፣ ፈራሲ ወይ ድማ ኣንጻራዊ እዩ ዝኸዉን። ንኣብነት ብግእዝ፣ “በላዕኲ” ማለት በሊዐ፣ “ኢ” እንተወሲኽናላ “ኢበላዕኲ” ትኸዉን፣ ትርጉሙ ድማ ኣንጻራዊ፣ ማለት ኣይበላዕኹን ይኸዉን። ስለዚ ነታ መድሓኒ ዝትርጉማ ስም “የሱስ”፣ “ኢ” ብምዉሳኽ “ኢየሱስ” ትኸዉን እሞ፤ መድሓኒ ኣይኰነን ዘለዎ ትርጉም ይሕዝ። ስለዚ ኢየሱስ ዝብል ኣጸዋዉዓ በዚ እዩ ጀሚሩ። ቤተክርስቲያን ነቶም ከሓድያን ተቃዊማ፣ መድሓኒ ምዃኑ መስኪራ እያ። እቶም መናፍቃን ዘተኣታተዉዎ ኣጸዋዉዓ ግና፣ ነቶም ካሓድያን ብተግባር ንምምሃር፣ ነቲ “ኢየሱስ” ዝብል ስም ክትጥቀመሉ ጀሚራ። ምክንያቱ፣ ዋላ ንሳቶም “ኢ” ወሲኾም መድሓኒ ኣይኰነን ንምባል ዝተወስደ ተበግሶ እኳ እንተዀነ፣ ንሱ ማለት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ በቲ ናቶም ፊደል ምዉሳኽ ዉን፣ መድሓኒ ካብ ምዃን ፈጺሙ ከም ዘየቋርጽ ንምርኣይ፣ ነቲ ስም ከም ዘወሰደቶ፣ ይዛረቡ።

ኣነ ብወገነይ ኣዚ ታሪክ`ዚ ብሰንኪ እዚ ዝስዕባ ነጥቢታት ቅቡል ኮይኑ ኣይረኸብክዎን

  1. ታሪካዊ መወከስታ የብሉን። እቶም ከምዚ ኢሎም ዝዛረቡ ሰባት፣ ንጹር ዝዀነ ታሪካዊ መወከስታ ኣይጥቀሙን። መዓሰይ፡ ኣበይ፡ በዓል መን. .ዝብሉ ታሪካዊ መነጻጸሪ ነጥቢ፣ የብሎምን። (ኣነ ብወገነይ ነዚ ታሪክ እዚ መወከስታ ኣይረኽብኩሉን)።
  2. ነዚ ሓሳብ ብስነ ቋንቋ ክንምርምሮ እንከለና፣ ርትዓዊነቱን ንጹርነትን ኣይሕልዉን። ንኣብነት እተን ብ “ኢ” ዝጅምራ ኣስማት`ከ፧? ማለት በዓል፣ ኢያሱ፡ ኢሳይያስ፡ ኢዮብ፡ ኢዩኤል፡. . .ወዘተ ዘለዋ ኣስማት`ከ ብምንታይ ዓየነት መረዳእታ ኢና ከነነጻጽረን። ዋላስ፣ እቶም ከሓድያን ነዘን ኣስማት እዚአተን ዉን ቀይሮሞን እየን? መልሲ ዘይርከቦ ሕቶ እዩ።
  3. ቤተክርስቲያን`ከ እንታይ ክንጭዑ ኢላ እያ፣ መናፍቃን ዝኣወጅዎ ስም፣ እተጽድቕ?!!! ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ፣ ቅድስት ቤተክርስቲያን መናፍቃን ዘዉጽእዎ ኣስማት ተቐቢላ ኣይትፈልጥን። ንኣብነት በዓል ንስጥሮስ፣ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ (Theotokos) ክትበሃል ኣይግባእን ወላዲተ ክርስቶስ (Christotokos) ንበላ ምስ በሉ፤ ናይ እምነት ሓርበኛ ቅዱስ ቄርሎስን ኲሎም ኣብ ኤፈሶን ዝተጋብኡ መማህራንን፣ ነቲ ናቱ ትምህርቲ ነጺጎም፡ ንህዝቢ ኣረዲኦም፣ ወላዲተኣምላክ ዝብል ስም እዮም ዘጽደቑ። እታ ኣብ ስማ ቅድስት ድንግል ማርያም ክንድዚ ተሪር ስጉምቲ ዝወሰደት ቤተክርስቲያን፣ ኣብ ስም እቲ ልዕሉ መድሓኒ፡ ጀማሪን ፈጻሚን እምነትና፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ድያ፣ ሓሳባን ኣክያዳኣን እትልዉጥ?!!! ስለዚ እዚ ታሪክ እዚ ኣነ ብወገነይ ኣይዓገብኩሉን።

እሞ ከመይ ዝበለ መግለጺ ኢና ክንረኽብ? ነገራት`ከ በየናይ መልክዑ እዩ ክንፍትሾ ዘለና? ብወገነይ ልበይ ዝዓገብኲሉ መረዳእታን፣ ንጹርነቱን መትከላዊነቱን ዝሓለወ ስነ መጎተን ከካፍለኩም። ምምሳል ኣስማትን፣ ኣብ መንጎ ቋንቋታት ዘሎ ሓድነት ምስ እንርድኦ እዩ፣ ነገራት ዝበርህ።

ኢያሱን ኢየሱስን

ኣብ መንጎ ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ዘሎ ተዛማዳዊ ርድኢት ዝምርምር ሰብ፣ ብሉይ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጽላሎት ምዃኑ ብቀሊሉ ክርዳእ ይኽእል /እብ 10/። ኣብዚ ጽላሎት እዚ ልዕሊ ማንም ደሚቑ ዝርአ ድማ፣ እቲ ንሊቀ ነብያት ሙሴ ዝተክኦ፣ ኢያሱ ብኲሉ ነገሩ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝዉክሎ እዩ። ኢስራኤላዉያን ብመሪሕነት ሙሴ፣ ካብ ግብጺ ባርነት ሓራ ዉጺኦም እኳ እንተተበገሱ፣ ኣብታ ምድረ ርስቲ ዝኣተዉ ግና ብመሪሕነት ኢያሱ እዩ። ንዓና ዉን ናብታ ዘለዓለማዊት ዕረፍቲ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘእተወና፣ እቲ ሓቀኛ መራሒና ባዕሉ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ /እብ 4፡8-10/።

ስም ኢያሱ፡ ቅድም “ሆሽዓ” እዩ ኔሩ፤ ሙሴ ግና ነታ ስሙ ናብ “ኢያሱ” ቀይርዎ /ዘሁ 13፡8,16/። “ሆሽዓ” ማለት ብእብራይስጢ- የሀዋ መድሓኒ እዩ፡ ወይ ድማ እግዚአብሔር የድሕን ማለት እዩ። ብእብራይስጢ ስም ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ሆሽዓ” እዩ። (ብቋንቋ ኣራማይክ-ማለት ጥንታዊ እብራይስጢ ዝተሰርሐት ፊልም ‘The Passion of Christ’ ዝረኣኹም ሰባት፣ ኣብታ ፊልም እቲኣ ነዛ ስም ማለት ሆሽዓ ኢሎም ንጐይታ ይጽዉዕዎ እዮም)

“ኢያሱ” ዝብል ስም- ብእብራይስጢ “יֵשׁוּעַyēšūă‘ ” ትርጉሙ ድማ መድሓኒ ማለት እዩ። ስለዚ ስሙ፣ ካብ “እግዚአብሔር መድሓኒ እዩ” ኔሩ ናብ “መድሓኒ” ተቀይሩ። እዚ ስም ድማ እዩ፣ ንጐይታ ዝተዋህቦ። መልኣከ እግዚአብሔር መጺኡ ንዮሴፍ ” ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኻ” /ማቴ 1፡21/።

ኣቲ ዝገርም፣ ብግሪክ “ኢያሱ” ዝብል ስምን “ኢየሱስ” ዝብል ስምን ብሓደ ስም እዩ ዝጽዋዕ። ንክልቱኡ  Ιησους – Iesous-ኢኤሱስ እዮም ዝጥቀሙ። ንክፈላልይዮ፤ ኢኤሱስ ወልደ ነዌ ይኸዉን፣ ንጐይታ ድማ- ኢኤሱስ ክርስቶስ ይኸዉን።ኣብ ቋንቋ ግእዝ ዉን ተመሳሳሊ እዩ። “መጽሓፍ ኢያሱ”  ብግእዝ “ኦሪት ዘኢየሱስ” እዩ ዝበሃል። ኦሪት ዘሁልቅ 13፡16 ብዛዕባ፣ ሙሴ ስም ናይ ኢያሱ ከምዝቀየሮ ክዛረብ እንከሎ “ወሰመዮ ሙሴ ለኣዉሴ ወልደ ነዌ ኢየሱስ ይብል። ዋላ መጽሓፍ ኢያሱ ብግእዝ ከነንብብ እንከለና፣ “ኢየሱስ ወልደ ነዌ” ኢና እንረኽብ። “ወኮነ እምድህረ ሞተ ሙሴ ገብረ እግዚአብሔር፣ ተናገሮ ለኢየሱስ ወልደ ነዌ ለላእኩ ለሙሴ እንዘ ይብል. .” ትርጉሙ ” ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ን (ኢየሱስ ብግእዝ) ኢያሱ ወዲ ነዌ ኣገልጋሊ ሙሴ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ” /መጽ ኢያሱ 1፡1/።

ኣብ 16 ክ/ዘ፣ ምስ ምምስራት ፕርቴስታንታዊ ተሓድሶ እዩ፣ ኢያሱን ኢየሱስን ዝብል ስም ፈሊኻ ምጥቃም ዝጀመረ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ፣ ዝተዋህቦ ስም ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ብእብራይስጢ ኢያሱ እዩ- ካብ ኢያሱ ድማ ኢየሱስ ዝብል ስም መጺኡ። ከመይ?

ካብ ኢያሱ ናብ ኢየሱስ

ስም ጐይታ ብእብራይስጥ- הוֹשֵַׁע Howshea` (ho-shay’-ah)- ሆሽዓ ወይ יְהוֹשׁוּעַ YhowShuw`a (yeh-ho-shoo’-ah) ኢያሱ ዝብል ስም ኔሩ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ`ዚ ብስጋ ክግለጽ እንከሎ፣ ሃገረ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮም ነበረት። ናይዚ ግዝኣት መረዳድኢ ቋንቋ ድማ ግሪክ እዩ ኔሩ። እንትርፎ ናይ ማቴዎስ ወንጌል፣ ካልእ ኲሉ 26 መጽሓፍቲ ሓዲሽ ኪዳን ዉን ብግሪክ እዩ ተጻሒፉ። በዚ ምክንያት እዚ እዩ፣ እታ “ሆሸዓ” ወይ ከኣ የሆሽኣ ትብል ስም ክርስቶስ፣ ብግሪክ Iesous ኢኤሱስ ዝብል ስም ሓዘት። ησοῦς, οῦ, ὁ ኣደማምጻ ቃላት ee-ay-sooce ማለት ኢኤሱስ እዩ።

ካብዚ ግሪካዊ ስም እዩ፣ ኲሉ ኣስማት ክርስቶስ ዝነቅል። ብግሪክ ኢኤሱስ፣ ብላቲን ኢሱስ፣ ብኢንግልሽ ጂሱስ፣ ብዓረብ ኢሳ፣ ብእርሜንያ ሂሱስ፣ ብናይ ጥንቲ ሶርያ ኢሾ፣. .ወዘተ።

ምትእስሳር ቋንቋ ግሪክን ግእዝን

ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ቋንቋታት ቤተሰባዊ ዝምድና እኳ ኣንተይዘይብለን፣ ወንጌል ግና ኣዛሚድወን እዩ። ናብ ምድረ ኣግኣዚ መጺኦም ወንጌል ዝሰበኹ፣ ካብ ቅዱስ ፌርሚናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ክሳብ 8 ክ/ዘ ዝመጽኡ ተስዓቱ ቅዱሳን፣ ኲሎም ተዛረብቲ ቋንቋ ግሪክ እዮም ኔሮም። ቋንቋ ግሪክ ብግእዝ ጽርእ እዩ ዝበሃል። ኣብ ቃል ስብከት ናይዞም መማህራን ድማ፣ ኲሉ ግዜ “ኢየሱስ ክርስቶስ”  ትብል ስም ክትወጽእ እያ። ክትወጽእ እንከላ ግና፣ ከምቲ ኣብ ግሪክ ዘድምጽዋ እዮም ከዉጽእዋ። ማለት ነቲ ግስን ቅጽልን ክትርጉምዎ ግድን እዩ፣ ስም ግና ኲሉ ግዜ ኣይቱርጎምን እዩ።

ንኣብነት “ማሪቆስ” ዝስሙ ኤርትራዊ፣ ናብ ምዕራብ ሃገር ከይዱ ስማካ መንዩ ኢሎም ምስ ዝሓትዎ፣ “ማርክ” ኢሉ ኣይነግሮምን እዩ (ብርእሶም ዘይተኣማመኑ ሓደ ሓደ ገዲፍካ)፣ እኳ ደኣ “ማሪቆስ” ይብሎም፣ ንሳቶም ድማ እንዳተጸገሙ “ማርኮስ” ይብልዎ። ብሓጺሩ ነቲ ካልእ መረዳእታ ኢና ንትርጉሞ እንበሪ፣ ንስም ናብ ካልእ ቋንቋ ኣይንቅይሮን።

ንዓይ ከም ዝመስለኒ (ከምቲ ዝተረዳእክዎ እየ ዝጸሓፍኩ) እቶም ግሪክ (ጽርእ) ዝዛረቡ መማህራን ኣቦታት፣ ነቲ ስም መድሓኒ ዓለም ክጽዉዕዎ ኣንከለዉ፣ በቲ ናይ ሃገሮም ማለት “ኢኤሱስ” ስለዝብልዎ፣ ካብዚ ስም እዚ እዩ፣ ብግእዝ “ኢየሱስ” ዝብል ስም ዝረኽብና።

ከነስተዉዕሎ ዝግባእ ሓደ ነጥቢ ኣሎ፣ 9ቱ ቅዱሳን ኣብ ቋንቋ ግእዝ ኣናባቢ ብምእታዉ፣ ኣማዕቢሎሞ እዮም። ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣጸዋዕዋ ኣስማት፣ ብቀጥታ ምስ ቋንቋን ግሪክን እብራይጢን ዝተታሓሓዘን፣ ዝተጸልወን ክኸዉን ተክእሎታት ኣሎ። እዚ ሓሳብ ክበርሃልና፣ ተመሳሳሊ ኣስማት ንዉሰድ፦

This can be due why not try this out viagra no prescription to construction or clogging of tiny arteries of penile tissue.

ብትግርኛ ብእብራይስጥ ብግሪክ (ኣደማምጻ ብግሪክ) ብእንግሊሽ
ኢያሱ ሆሽዓ ኢኤሱስ Joshua
ኢዮብ אִיוֹב ‘Iyowb (ee-yoɓe’ Ιωβ ኢዮብ Job
ኢሳይያስ יְשַׁעיָה Ysha`Yah (yesh-ah-yaw’) Ἠσαΐας ኢሳያስ Isaiah
ኤርሚያስ יִרמְיָה YirmYah (yir-meh-yaw’ Ἱερεμίας ኤረሚያስ Jeremiah
ኢዩኤል יוֹאֵל Yow’el (yo-ale’) Ἰωήλ ኢዮኤል Joel

ኣብዘን ኣስማት እዚኣተን ጥራይ ነገራት ምስ ነመሳስል፤ ግእዛዊ ኣሰያይማ ምስ ግሪካዊ ኣደማምጻ ይሰማማዕ እዩ። ካብ ቋንቋ ግእዝ ድማ፣ ቋንቋ ትግሪኛ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ እቲ ስያሜ፣ ናይቲ ካብ ኲሉ ዝበለጸን ዝኸበረን ስም “ኢየሱስ”፣ ብኸምዚ መንገዲ ከም ዝተጸልወ ክንዕዘብ ይከኣል።

ትዕዝብቲታት

ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኤርትራ ምስ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ኣብ ምሕታም መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ስራሕ ኣበርኪቱ እዩ። እግዚአብሔር ይባርኮም!! ኮይኑ ግና፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከሕትሙ ሓላፊነት ዝወስዱ ኣካላት ብማዕረ ነተን ሰለስተ ስድራ ቤታት ማለት፣ ንኦርቶዶክስ ንካቶሊክን ንፕርቴስታንትን ብዝዉክል ምልክዑ ዝተደራጀወ ኣይነበረን። ስለዚ ዉን እዩ፣ ኣብቲ ዝሕተሙ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃላት ምቅይያራት ዝርአ። እቲ ምቅይያር ዉን ብዝያዳ ነቶም ፕርቴስታንት ብዝድግፍ መልክዑ እዩ ኔሩ። ኣብ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ተመሳሳሊ ነገር ኢና እንዕዘብ። ቅድም “የሱስ” ዝብል ጥራይ ይጥቀሙ ኔሮም፣ ድሒሩ ኣብ ዝወጽአ (2000 ዓ.ም.) ግና “ኢየሱስ” ቀይሮሞ። ልቢ ሂብዎም!

መደምደምታ

ኣየናይ ስም ንጠቀም?

ኣነ ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን እየ፣ ከምቲ ብግእዝ ዘንበብክዎ ኣብ ቤተክርስቲያን ዉን ብቃለይ ዝዛረቦ፣ ከምቲ ኣቦታት ዝመሃሩኒ፣ “ኢየሱስ” ክብል ይመርጽ! ንዓይ እሱ እዩ ዕግበት ዝህበኒ! ከምቲ ግእዛዊ ሰረትናን ግእዛዊ ሃብትናን፣ “ኢየሱስ” ንበል።

የግዳስ ታሪክ ቅዱስ ኤዌስታትዮስ ከዘካክረኹም

ኣቦና ቅዱስ ኤዌስታቴዎስ፣ ኣብ መንገዲ እንዳሓለፉ እነከለዉ፣ ጸሎተ ኢየሱስ ክደግም እንከሎ ሓደ ጓሳ ይረኽቡ። ክጽሊ እንከሎ ድማ “እግዚኦ ኢትምሃረኒ ክርስቶስ” ይብል ነበረ፣ እዞም ኣቦ ምስ ሰምዕዎ ድማ፣ “ዝወደይ ‘እግዚኦ መሓረኒ ክርስቶስ’ እዩ ዝበሃል” ብምባል ኣሪሞሞ መንገዶም ቀጸሉ። ወዮ ጓሳ ቅሩብ ምስ ከደ ግና፣ እታ ቃል መሊሳ ጣፊኣቶ ክሓቶም ኢሉ ናብ ድሕሪት ተመልሰ። ወዮ ኣቦና ግና፣ ባሕሪ ክሰግሩ ተንኮበቶም ኣብ ማይ ኣንጺፎም፣ ምስ ደቀ መዛሙርቶም ማእከል ማይ በጽሑ። እቲ ጓሳ በዚ ኣይተዓንቀፈን፣ ማየ ማይ ብእግሩ እንዳ ጎየየ ኣርከቦም፣ “ኣቦ እንታይ እያ እታ ቃል ጠፊኣትና” በሎም። ቅዱስ ኣቦና ግና፣ ንሳቶም ቅኑዕ ቃላት እንዳዉጽኡ በተንኮበት ክሰግሩ እንከለዉ፣ ንሱ ግና ዋላኳ ብኣፉ ካልእ ይበል፣ ብልቡ ቅኑዕ ስለዝነበረ፣ ብእግሩ ኣብ ልዕሊ ማይ እንዳኸደ ስለዘርኸቦም፣ በዚ ዉን ኣዝዮም ስለዝተገረሙ፤ “ደሓን ዝወደይ ጽቡቕ ኢኻ ኔርካ፣ ከምቲ ቀደምካ ቀጽላ” በልዎ ይበሃል።

“ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።” ሮሜ 10፡9-13

ብልብኻ ኣሚንካ ናይ ዘዉጽኣካዮ እዩ እምበሪ፣ ብኣፍካ ናይ ዝበልካ ኣይኰነን። ጐይታ ኣብ ፊደል ሙግዳልን፣ ምድማርን ዝግደስ ኣይኰነን፣ እቲ ዝዓበየ ነገር፣ ኣብ ልቢ ዘሎ እምነት እዩ። ስለዚ እምነት ይዓቢ፣ ክንጽዉዖ እንከለና፣ ብልቢ ኣሚንና እንተዘይጸዋዕናዮ ትርጉም የብሉን።

“ምስጋና ንዓካ ይኹን ኢየሱስ ብኣፍ ኲሉ ዉዱስ
ምስጋና ንዓካ ይኹን ኢየሱስ ንዕሩቃት ልብሲ
ምስጋና ንዓካ ይኹን ኢየሱስ ንሕሙማት ፈዉሲ
ምስጋና ንዓካ ይኹን ኢየሱስ ዘይትሰዓር ንጉስ
ምስጋና ንዓካ ይኹን ኢየሱስ ናይ ኣብ ቃል ቅዱስ”  ኣሜን!!!!!