ም.8 ንጽህና (ድንግልና)

Bible-Verses-About-Purity

ስለምንታይ እዩ፣ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ኣንጻረ ጾታ ጌሩ ዝፈጠረ፧ ንክንፋረይ ጥራይ ድዩ፧

ብጹእ ጳጳስ ኣባ ሙሳ ናይዚ ምክንያት ብከምዚ መገዲ ይገልጽዎ፦

«እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ጾታውነት (ኣንጻር ጾታ ኮይንና ናይ ጾታዊ ስምዒት ዘለና)ኣብ እንስሳታት ዝፈጠረ ንኽዋለዱ ጥራይ እዩ። ስለዚ ዉን እዩ፣ እንስሳታት ኣብ ዓመት ንዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ብጾታዊ ስምዒት ንቑሓት ዝኾኑ። እዚ ጾታዊ ስምዒት ዝረኣየሉ ወቕቲ`ዚ «ናይ ዋዒ ግዜ» (the heat period) ይበሃል። ኣብዚ ወቕቲ`ዚ እታ ኣንስተይቲ፣ ጾታዊ ስምዒት ናይቲ ተባዕታይ ዘለዓዕል ጨና ኣብ ስጋኣ ክተፍርይ ትጅምር። ኣብቲ ወቕቲ ምስ ተራኸቡ ብድሕሪኡ እንስሳታት ብጾታዊ ስምዒት ዘይንቑሓት ይኾኑ። ኣብ ደቒ ሰባት ግን ከምዚ ኣይኮነን። ሰብ ጥራይ እዩ፣ ሙሉእ ዓመት ኣብ «ናይ ዋዒ ግዜ» ዝህሉ። እዚ ስለምንታይ ኮነ፧

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነዚ ቅዱስ ጸጋ እዚ ዝዓደለና፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተክርስትያንን ዘሎ ቅዱስ ፍቕሪ ምእንቲ ከነስተማቕሮ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ «እዚ ምስጢር ዓቢ እዩ፣ ኣነ ግን ብናይ ክርስቶስን ቤተክርስትያንን እብሎ ኣለኹ።» /ኤፈ 5፥32/ ብምባል ኣብ መንጎ ክልተ መጻምድቲ ዝህሉ ፍቕሪ፣ ልክዕ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተክርስትያኑን ዘሎ ፍቕሪ ምዃኑ ገሊጽዎ እዩ። መርዓ፣ ከም ፍቕሪ ክርስቶስን ቤተክርስትያንን ኮይኑ፡ ዓቢ ምስጢራዊ ስርዓት እዩ። ኣብ ዝተቐደሰ ሓዳር ኸኣ ጾታዊ ርክብ ቅዱስ እዩ። ካብ መርዓ ወጻኢ ግና ፍንፉንን ርኹስን እዩ።»

ቅዱስ ጳውሎስ «መውስቦ (መርዓ) ኣብ ኩሉ ክቡር እዩ። እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን» /እብ 13፥4/ «ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዝገብሮ ሓጢኣት ካብ ስግኡ ወጻኢ እዩ፡ ዝምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስግኡ እዩ ሓጢኣት ዝገብር» /1 ቆሮ 6፥18/ ይብለና። ኣብ ቃል ኪዳን ኮይንኻ ዝግበር ስጋዊ ርክብ ቅዱስን ፍሉይን እዩ ምክንያቱ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን መርዓቱን ዝኾነት ቤተክርስትያንን ዘሎ ፍቕሪ ስለዘርኢ። ካብ ቃል ኪዳን ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ግና ካብ ካልእ ሓጢኣት ዝተፈልየን፣ ፍጹም ፍንፉንን ርኹስን እዩ። ምክንያቱ ምስሊ እቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተክርስቲያኑን ዘሎ ፍቅሪ፣ ስለዝጽይቕ።

«እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑ’ ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርከስ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ክገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን» /1 ቆሮ 6፥15/

ኣብ ሓዳርን ካብ ሓዳር ወጻኢን ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ ክምህር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣትናትዮስ ዘእስክንድርያ ከምዚ ጌሩ ይምስሎ።

«ሓደ ወታሃደር ናብ ኩናት ወፊሩ 20 ጸላእቲ እንድሕሪ ቀቲሉ፣ ከም ጅግና ተቖጺሩ ብዙሕ ስልማት ይወሃብ፣ ክብሪ ዉን ኣለዎ። ኣብ ግዜ ስላም ግና፣ ናብ ከተማ ከይዱ ሓደ ንጹህ ሰብ እንድሕሪ ቀቲሉ፣ ብገበን ይፍረድ። ኣብ ሓዳር ውን ተመሳሳሊ እዩ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነት ዝተፈጸመ፡ ዝተፈላለየ ኣንጻራዊ ውጽኢት ዝህብ፡ ነገር እዩ።»

እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዝህሉ ፍቕሪ ብሩኽ ምዃኑ ክረድኣና እንከሎ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተክስትያንን ዘሎ ፍቕሪ ጌሩ፣ ብምሳሌ ይጥቀም። ነዚ ዝምህር መጽሓፍ መሃልዬ መሃልይ ዉን ሂቡና (ሳልሰይቲ መጽሓፍ ናይ ንጉስ ሰሎሞን ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ኣንጻር ጾታ ዝህሉ ፍቕሪ ዘረድእ እዩ) ። ገለ ሰባት ነዚ መጽሓፍ ንዝሙት ዝደፋፍእ ጌሮም ብጌጋ ስለዝርድእዎ፡ ነዚ መጽሓፍ የናሽውዎ። ኣብዚ መጽሓፍ ግን ዝሙታዊ ሓሳብ ኮነ ካልእ ኣጸያፌ ነገር የብሉን፡ እኳ ደኣ ኣብ መንጎ ተጻመድቲ (ሰብኣይን ሰበይትን) ቅዱስ ፍቕሪ ክህሉ ይምህር። ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ፡ ሓጢኣት ውይ ዝሙት ኣይኮነን እካ ደኣ ንፍቕሪ የነቓቕሖ እዩ።

«ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስትያን ዘፍቅራ ኣንቱም ሰብኡት ኣንስትኹም ኣፍቅሩ» /ኤፌ 5፥25/። ኣብ መንጎ ዝሙትን (ብምዝማው ዝፍጸም ፋሉል ስጋዊ ርክብን) ኣብ ውሽጢ ሓዳር ምስ መጻመድትኻ ዝፍጸም ስጋዊ ርክብን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ዝሙት ገዛእ ፍትወትካ ምዕጋብ፡ ምውሳድ፡ ምምዝማዝ እዩ። ኣብ ሓዳር ዝግበር ስጋዊ ርክብ ግና ብምሃብ እዩ ዝፍጸም። ከምቲ ክርስቶስ ንርእሱ በጃ ብምሃብ ንቤተክርስቲያን ዘፍቐራ፣ ስጋዊ ርክብ ውን ብከምዚ መልኽዕ ክኸውን ይግባእ። ብምዉሳድ፡ ገዛእ ፍትወትካ ብምዕጋብ ዘይኮነስ፣ ብምሃብ ብምልጋስ ብመስዋእትነት ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ’ ዩ ቅዱስ ዝገብሮ። ንክርስቶስ ስለዝመስል!

ቅዱስ ጳውሎስ «ካብ ዝሙት ርሓቑ» ኢሉ ኣዚዙና። ብዙሓት ሰባት ነዚ ቃል ካብ ክትፍጽሞ ክትዛረቦ ይቐልል ይብሉ። ብርግጽ ሓቆም እዮም። ንጽህናኻ ምሕላው እቲ ዝበርተዐ ቃልሲ እዩ። ንዝሙት ስዒረ ተቆጻጺረ ክትብል ትጸንሕ እሞ፡ ብዘይፈለጥካዮ ምኽንያት ከኣ ተመሊስካ ትወድቕ።

መጽሕፍ ቅዱስ ሓደገኛነት ናይ ዝሙት ብኸምዚ መንገዲ ጌሩ ይገልጸልና። «ኣይትስሓቱ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣኦታት ዘመውቲ ወይ ሕንቁቓት ወይ ግብረ ሰዶም ዝገብሩ ሰረቕቲ ወይ ሱሱዓት ወይ ሰኽራማት ወይ ተጻረፍቲ ወይ ዘረፍቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይክወርስዎን እዮም» /1 ቆሮ 6፥9-10/

ኣብዚ ቃል እዚ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሉ ዓይነት ዝሙት ክኹንኖ እንከሎ ንርእይ ኣለና። ኣመንዝራነት ቅድሚ ሓዳር ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ እዩ። ዝሙት ከኣ ካብ ሓዳርካ ወጻኢ ዝፍጸም እዩ። ኣመንዝራ፣ ኣንጻር ስግኡን መዳቅስቱን /ወይ ኣንጻር ስጋኣን ኣንጻር መዳቅስታን/ እዩ እቲ ሓጢኣት ዝፍጸም። ዘመውቲ ግና፣ ኣንጻር ስግኦም፡ ኣንጻር መዳቅስቶምን፡ ኣንጻር በዓል ቃል ኪዳኖምን እዮም ነቲ ሓጢኣት ዝፍጽምዎ።

ግብረ ሰዶም ውን ፍንፉን ሓጢኣት እዩ። «ግብረ ሰዶም ዝገብሩ» ብምባል ወዲ ምስ ወዲ፡ ወይ ጓል ምስ ጓል ኣብ ተመሳሳሊ ጾታ ዝፍጸም ዝሙት ኩሉ ዓቢ ሓጢኣት ከምዝኾነ የረዳኣና። «ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራክቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጠኦ። እቶም ተባዕትዮን ውን ከምኡ እቲ ናይ ባህርይ ምርኻቡ ጓል ኣንሰተይቲ ሓዲጎም ኣብ ነንሕድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ» /ሮሜ 1፥26-27/ ብምብል ግብረ ሰዶም ኣጸያፊ ከምዝኾነ ብግልጺ ቅዱስ ጳውሎስ ነጊሩና። ጐይታ ብወገኑ ኩሉ ዓይነት ፍትወት ሓጢኣት ምዃኑ ይነግረና። «ንሰበይቲ ክብህጋ ዝጥምታ ኩሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብእ ዘመወ» /ማቴ 5፥28/። ናብ ኣንጻር ጾታ ብትምኒት ምብሃግ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናብ ተመሳሳሊ ጾታ ብፍትወት ምጥማት ውን ሓጢኣት እዩ።

ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘበን፣ እቲ ናይ ሓጢኣት ዓይነት እንዳወሰኸ፣ ሓደስቲ ሓጢኣት ናብ ዝርዝር ኣስማት ይውሰኹ ኣለዉ። ኣጸያፊ ስእሊ ብዕልግና(pornography) ምርኣይ ኣብ ንኣሽቱ ህጻናትን መንእሰያትን ዓቢ ጸገም ኮይኑ ኣሎ። ኣጸያፊ ስእሊ ምርኣይ ናብ ስጋዊ ፍትወትን ግብረ ሕቡእን ይመርሓካ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብከምዚ መንገዲ ኣግፊሑ ንኹሉ ዓይነት ዝሙት እንዳኾነኖ ክነሱ፣ ከመይ ጌርካ ክትቃለስ ከምእትኽእል ግና ኣይምህረናን። ስለዚ ካብ ተመኩሮ መነኮሳት ኣቦታትና ኣገደስቲ መምርሒታት ክንወስድ ኢና። ኣቦታት ሓደ ሰብ ኣቐዲሙ ክጥንቀቐሎም ዝግባኣ ነገር ከምዘሎ ይምህረና። ንሳተን ከኣ

  • ኣመጋግባኻ ተቆጻጸር፦ ንብልዒ ሃርገፍገፍ ዝብል ሰብ ንዝሙት ክስዕር ኣይክእልን’ ዩ። ከብዲ ኣመና ክትጸግብ እንከላ ስጋዊ ስምዒት ከምተለዓዓል፣ ኣቦታትና ይምህሩ። ሓደ ሰብ ናብ መግቢ ዘለዎ ስምዒት ክቆጻጸር ዘይክእል እንድሕሪኾይኑ፣ ከመይ ጌሩ’ኸ ነቲ ኣዝዩ ከቢድ ዝኮነ ስምዒት ጾታዊ ርክብ ክቆጻጸር ይኽእል፧?!
  • ድቃስካ ተቆጻጸር፦ ኣመና ድቃስ ምብዛሕ ጾታዊ ስምዒት የለዓዕል እዩ። ኣብ ናይ ዝሙት ሓጢኣት ንከይትወድቅ ድቃስካ ክትቖጻጸር ይግባእ። ብዝሒ ድቃስ ጽቡቕ ኣይኮነን «ኣታ ሃካይ ክሳብ መዓስ ኢኻ በጥ እትብል፧ መኣስከ ኢኻ ካብ ድቃስ ትትስእ፧» /ምሳ 6፥9/ «ድኻ ምእንቲ ከይትኸውን ድቃስ ኣይትፍቶ» /ምሳ 20፥13/።
  • ሕርቃንካ ተቖጻጸር፦ ሕርቃንና ክንቆጻጸር ዘይንኽእል እንድሕኾይንና ዝኾነ ስጋዊ ፍትወት ክንስዕር ከምዘይንኽእል ኣቦታትና ኣትሪሮም ይምህሩና። ንሕርቃንን፡ ዝሙትን «ብቐሊሉ ዝለዓዓል ሓጢኣት» ብምባል ኣብ ሓደ ክፍሊ ይምድብወን። ገለ ኣቦታት ዉን፣ ናይ ዝሙትን ናይ ሕርቃንን ጋኔን ሓደ ዓይነት እዮም ብምባል ይምህሩ። ብቀሊሉ ሕርቃኑ ክቆጻጸር ዘይክእል ሰብ፣ ንጽህንኡ ክሕሉ ውን ኣይኽእልን።

«ሓደ ሰብ ብባህሪኡ ኣንዳዘሓለን ትዕግስተኛ እንዳኾነን ክመጽእ እንከሎ ግና፣ ንጽህና ስግኡ ውን ክሕሉ ይክእል። ሕርቃን ፍጹም ክቆጻጸር ምስ ጀመረ ከኣ ድንግልንኡ ንዘለኣለም ክሕሉ ይኽእል።»

ካብ ውልቃዊ ተመኩሮይ ኣዘን ክልተ ትጥብታት ክውስኸለን፦

  • መስተ ኣልኮላዊ መስተ ስጋዊ ስምዒት የለዓዕል እዩ። ሼክስፒር ንመስተ «ድሌት የለዓዕል ኣፈጻድምኡ ውን ኣይሕብርን» ብምባል ይገልጾ። ምስታይ ኣልኮላዊ መስተ እንዳነከኻ ክትመጽእ እንከለኻ፡ ስጋዊ ስምዒት ናይ ምቑጽጻር ሓይሊ እንዳደለብካ ትኸይድ።

ካህን ኮይነ ካብ ዘገልገልኩሉ ነዊሕ ዓመታት ብዙሕ ዘሕዝን ታሪኽ መንእሰያት ሰሚዐ እየ፡ እዛ ታሪኽ ግን ፈጺማ ካብ ሕሊናይ ክትጠፍእ ኣይከኣለትን። ጀርመናዊ መበቆል ዘለዋ ጓል 16 ዓመት ሃይማኖታዊት መንእሰይ እያ፡ ንደቀይ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብበሎም ስለዝነበረት ብጣዕሚ ንፈትዋ ኔርና። ሓደ እዋን ኣዲኣ «ዓለምኪ ዘይትርኢ ናብ እንዳ ጎረቤት ዘሎ ጓይላ ኬድኪ ሳዕስዒ» ኢላ ምስ ተዛረበታ በቲ ሓሳብ ሰለ ዝተሰማመዐት ናብቲ ጓይላ (ፓርቲ) ከደት። ሓደ ወዲ መስተ ሂብዋ ክትሰቲ ሓደረት። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ፣ ድንግልንኣ ኣፍሪሳ፡ ጥንሲ ውን ሒዛ ተረፈት። እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ዉን በዓል ሓዳርን ኣቦ ቆልዑን ነበረ። ነቲ ጥንሲ ክትሰዶ እንተደለየት ኣዲኣ ከልከለታ። ንዕኣ ክትናቢ ድማ፣ ኣዲኣ ናብ ስራሕ ዓለም ተመለሰት። እቲ ዘሕዝን ግና ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እታ ጓል ብሰንኪ ልቢ ድኻም ካብዚ ዓለም ተፈልየት።

  • ሳዕስዒት፦ መብዛሕትኡ ዝምድናታት (ጾታዊ ዕርክነት) ብሳዕስዒት (ዳንስ) ይምስረት እዩ። ሕጂ ውን ካብ ተዘክሮታተይ ከዕልለኩም። ኣብ ሰማንያታት እዩ፣ ናብ ሕ.መ.ኣሜርካ ከገልግል ኢለ ከይደ ነይረ። ቅዳሴ ተወዲኡ እተው ምስተባሃለ፡ ጓል 13 ዓመት ቆልዓ ኣንዳ ነበዐት ትቐርበኒ። ቀስ ኢለ ምስ ኣህዳእክዋ ነቲ ነገር ክተዕልለኒ ናብ ቤ/ጽ ወሰድክዋ። ድሕሪ ብዙሕ ንብዓት ከኣ ስጋዊ ርክብ ከም ዝፈጸመት ነገረትኒ። ናብ ናይ ሳዕስዒት ቦታ ከይዳ ምስ ሓደ ወዲ 15 ዓመት ክትስዕስዕ ድሕሪ ምምሳይ፣ በታ ለይቲ`ቲኣ ድንግልና ከምዘፍረሰት ነገረትኒ። «ዓሚጽኪ ድዩ፧?» ኢለ ሓተትክዋ። «ኖኖእ ኣቦይ ቀሺ ምስቲ ዝነበረ ብርሃን፡ ደርፍን ሳዕስዒትን ኣካላትና ይላገብ ሰለዝነበረ ድሌታተይ ክቆጻጸር ኣይከኣልኩን ከምቲ ንሱ ዝደለየኒ ኣነ ውን ደልየዩ እየ» ብምባል ብሰንኪ ሳዕስዒት ናብዚ ሓጢኣት ከምዝወደቐት ነገረትኒ።

ናብ ምህሮ ኣቦታትና ንመለስ

መማህራን ኣቦታትና፣ ብልዒ፡ ድቃስን፡ ህርቃንን ተቖጻጺርና ከነብቅዕ፣ ትሕትና እንድሕሪ ዘይብልና ንጽህናና ክንሕልው ከም ዘይንኽእል ይነግሩና። «ድንግልና ክትሕልው እንድሕሪ ደሊኻ ትሕትና ይሃሉኻ፡ ብዘይ ትሕትና ንጽህና ክህልወካ ኣይክእልን» ብምባል ይምህሩና። ኣንጻር ስጋዊ ድሌት ኣብ ዝግበር ቃልሲ፣ እቲ ቀንዲ ጸገም ኣብ ርእስና ጥራይ ስለ እንምካሕ እዩ። «ኣነ ከምዚ ክገብር እየ ኣነ ክዕወት’የ» ንብል።

ሓደ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ መምርሒ ክነግረኩም፤ «ኣነ» ኢሉ ዝጅምር ስራሕ፣ ኩሉ ግዜ ውድቀት’ዩ ዝገጥሞ። ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ንውከል እንድሕሪ ኮይንና ክንወድቕን መመሊስና ክንወድቕን ኢና። ብሰብኣዊ ሓይሉ ንስጋዊ ትምኒት ዝስዓረ ሰብ የለን። ኣቦታት ከምዚ ይብሉ፣

«ብሓይልናን ጻዕርናን ጥራይ ንጽህናና ክንሕሉ ኣይንኽእል፤ ብቐጻሊ ክንቃለስ እንከለና ግና ብመለኮታዊ ጸጋ ብኣምላካዊ ረድኤት ብዙሕ ትምህርቲ ክንረክብ ኢና። ስለዚ፣ ሓደ ሰብ ካብ ስጋዊ ትምኒትን ፍትወትን ሓራ ምእንቲ ክኸዉን ብዘይ ምቁራጽ ክጽዕር ኣለዎ። ብናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይሊ ንስጋዊ ንጽህና ምሕላው ከምዘይከኣል ኣቀዲምና ንፍለጥ። ኮይኑ ግና እቲ ንገብሮ ጻዕሪ፣ መለኮታዊ ሓይሊ የውህበና እዩ።»

ብምሳሌ ከረደኣኩም፦

ኣብ ልዕሊ ጣውላ ዘላ መጻወቲት ከረክብ ደልዩ ዝጽዕር ቆልዓ ውሰዱ። ነቲ ጣውላ ከርክቦ ስለዘይክእል ናብ ላዕሊ እንዳነጠረ ክርክባ ይፍትን፣ ከርክባ ግና ኣይከኣለን። ኣብ ልዕሊ ዱኳ ተሰቂሉ ከርክባ ፈቲኑ ኣይከኣለን፣ መናብር ሰሪዑ ውን ከርክባ ጽዒሩ ግና እቲ መንበር ሸተት ስለዘበለቶ ከይረኸባ ወደቐ። ስለዝተሃሰየ ኸኣ በኸየ። ክዕዘቦ ዝጸነሐ ኣቡኡ ድማ ነቲ መጻወቲ ኣውሪዱ ሃቦ። እቲ ቆልዓ ነቲ መጻወቲ ብጻዕሩ ኣይኮነን ዝረከቦ፣ ኮይኑ ግን እቲ ዝገበሮ ጻዕሪ ሓገዝ ኣቡኡ ከምዝረክብ ጌርዎ፣ ብናይ ኣቡኡ ሓገዝ ድማ ነታ ዝደለያ መጻወቲት ረኸበ።

ኣባና ዘሎ ጸገም ውን ከምዚ እዩ። ንፍትን ንወድቅ፣ መመሊስና ዉን ንፍትን፣ ኣመና ስለእንሓዝን ከኣ ንነብዕ፣ ኣምላክ ከኣ ስለቲ ዝገበርናዮ ቃልሲ ርእዩ ይሕግዘና።

እዚ ምስ ገበርና ግና፣ ሽዑ ንሽዑ ዲያብሎስ ብሓይልና ከም ዝተዓወትና ጌሩ፣ ከረድኣና ይፍትንን። ነዚ ሓሳብ እንድሕሪ ተቐቢልናዮ ድማ፣ ናብ ናይ ቀደም ምግባርና ተመሊስና ንወድቕ። እዚ ነገር ምድግጋሙ እዝዩ የገርም እዩ። ንሕናውን ስለምንታይ ከምዝወደቕና ከይመርመርና፣ ኣብቲ ናይ ውድቀት ዓንኬል ኮለል ንብል። ኣበምኔት ኬርሞን (Abot Chaermon) ከምዚ ይብሉ፦Ease of Use Despite initially coming in 100 mg tablets, the companies have transformed the product and released easily usable versions of the product and its cialis price cheap cost, many purchase Kamagra online, as it comes to them in discreet package, with complete details of the medicine.

«ኣንጻር ናይ ዝሙት መንፈስ ክንቃለስ እንከለና ብዉልቃዊ ጻዕሪና ዓወት ከምዘይንረክብ ክንፈልጥ ይግባእ። ካብ ተመኩሮ ዉን እንተኾነ እዚ ነገር ከቢድ እዩ። ገለ ሰባት ንጹህንኦም ዝሓለዉ ይመስሎም እሞ፣ ዉሽጣዊ ቅሳነት ይስምዖም፣ ብውሽጦም ዉን ክዕበዩ ይጅምሩ። ነዚ ኹሉ ብናቶም ጻዕሪ ጥራይ ዝበጽሑ ይመስሎም። እቲ ብኣምላካዊ ረድኤት ዝዘሓለ ስጋዊ ስምዒት ምእንቲ ከሳቅዮም ከኣ፣ እቲ ሰማያዊ ጸጋ ካብዞም ሰባት ይርሕቕ። ብናታቶም ጻዕርን ሓይልን ንጽሕንኦም ክዕቅቡ ከምዘይክእሉ ብተመኩሮ ክሳዕ ዝርዱኡ ውን፣ ምንም ሓገዝ ኣይረኽቡን እዮም። ምሕረት ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ንጽህና ክዕድለና እንከሎ፣ ነቲ ብጸጋ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ረሲዕና፡ ብጻዕሪና ከምዝበጻሕናዮ ጌርና ብምርኣይና፡ ኣብ መጻወድያ ድያብሎስ ንኣቱ። ብጸጋ ኣምላኽ ደኣ እምበር ብጻዕርና ንጽህናና ክንሕልው ከምዘይንኽእል ክሳብ ዝርድኣና እዚ መስርሕ ይቕጽል።»

ኣብ ከምዚ ዓይነት መጻወድያ ምስ ዝወድቕ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧?

ቅድሚ ኩሉ እዚ ውድቀት እዚ ኣምላኽ ንጽቡቕካ ኢሉ ከም ዝፈቀዶ ፍለጥ። ካልኣይ፣ ምኽንያት ውድቀትካ ትዕቢትካ ምዃኑ ኣሚንካ ኣምላኽ ጸግኡ ክህበካ ለምኖ። ኣበምኔት ኬርሞን፦

«ሓደ ሰብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንጽሕንኡ ክዕቅብ ይክእል`ሞ፣ ብድሕሪ`ዚ ዘይወድቕ ኮይኑ ስለዝስምዖ፡ ክዕበ ይጅምር። ትዕቢት ከርኢ ምስ ጀመረ ድማ፣ ጐይታ ምእንቲ ድሕነት ናይቲ ሰብ`ቲ ኢሉ፣ ካብኡ ይፍለዮ። ጐይታ ካብኡ ምስ ረሓቀ (ጸጋ ኣምላክ ምስ ገደፎ) ከኣ፣ እቲ ዝምክሓሉ ዝነበረ ደረጃ ንጽህና ክስእኖ ይጅምር። ነዚ ነገር ምስ ኣስተበሃለ ግን ቀልጢፉ፣ ናብታ ወሃቢ ጸጋ ኣምላኽ ክምለስ ኣለዎ። እዚ ናይ ነዉ ነጀዉ ወይ ከኣ ናይ ዕንኪላሎ ኣካይዳ፣ ኣብ ህይወትና ጠቓሚ ትምህርቲ እዩ። ኣምላኽ በዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ዕንኪላሎ መስርሕ ኣቢሉ፣ ነቲ ብጸግኡ ዝርኸብ ኣማናዊ ንጽህና ክሳብ እንበጽሖን፣ ምስ በጻሕናዮ ዉን ኣኽቢርና ተጠንቂቕና ክንሕልዎን፣ ይገብረና። እዚ ኲሉ ዉን በቲ ናቱ ሓይሊ ስለዝበጻሕናዮ፣ ትዕቢት ካብ ህይወትና ኣርሒቅና፣ ብትሕትና ክንቃለስ ንጅምር»

እዚ ኮለል`ዚ፣ ማለት ሓንሳብ ጽድቂ ሓንሳብ ከኣ ዉድቀት፣ ብዙሕ ግዜ ዋላ ዓመታት ውን ከይተረፈ ክወስድ ይኽእል። ኮይኑ ግና እዚ መስርሕ`ዚ ብዙሕ ተመኩሮ ስለዝምህረናን፣ ኣንጻር ትዕቢትን ከንቱ ውዳሴን ውን ክንቃለስ ስለዘኽእለና፣ ንዓና ሰናይ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መጻወድያ ዉን ብተደጋጋሚ እንተ ወደቕካ ኣይትጨነቕ። ኣብ በረኻታት ኣስቀጢስ ብብሕትውና ፍልጥቲ ዝኾነት እሞሆይ ሳራ (Amma sarah) ን14 ዓመት ኣንጻር ዝሙት ከምዝተቓለስትን ኣምላኽ ግና፣ ደሓር ሓራ ከምዘውጽኣ ገድላ ይነግረና። ሙሴ ጸሊም ውን ከምኡ።»

ቀጻሊ ክንወድቕ እንከለና፣ ዉልቃዊ ሓይሊናን ክእለትናን ካብዚ ኩናት ከድሕነና ከምዘይክእል ንእመን። ሽዑ`ዩ ኣምላኽ ካብ ሓልዮቱ ተበጊሱ ዕረፍቲ ዝህበና። ሕጂ፣ በቲ ዓቅሚ ዘይብሉ ክእለትና ስለዘዋረደና ብጣዕሚ ትሑታት ኮይንና ኣለና። ጸጋ ግና በዚሑልና፣ እቲ ኩናት ኣቋረጹ፣ ፈተና ውን ኣየሸገረናን። ሽዑ ኣብ ልብና ስላም ንረክብ። እቲ ዝረኸብናዩ ዕረፍቲ ፈጺሙ ምስ ጻዕሪና ዘይዛመድ እዩ፣ ግና ጸጋ ኣምላኽ ዘምጽኦ ዓወት ምኳኑ ስለዝርድኣና፣ ባህ ይብለና።

ንጽህና (ድንግልና) ንምሕላው ዝግበር ቃልሲ

ከምቲ ካልእ ስነ-ምግባር ሕጂውን ብጸሎት ጀምር። ኣምላኽ ናይ ከናፍር ምንቅስቓሳት ዘይኮነስ፣ ንጽህና ብልቢ ከምትደሊ ኣርእዮ። ንርክሰት (ዝሙት) ክትጸልእ ኣለካ፣ ምኽንያቱ ኣብ ልብኻ ናይ ሓጢኣት ድሌት እንከለካ፣ ኣምላኽ ንጽህና ክዕድለካ ምልማን፤ ድርጋ ክተተዓሻሽዎ ምፍታን`ዩ።

ነዚ ደረጃ ክትበጽሖ ምስ ዘይትኽእል`ከ እንታይ ክትገብር ይግባኣካ፧? ማለት፣ ብዙሓት መንእሰያት ክናስሑ ይደልዩ፣ ግን ሓጢኣት ስለዘይጸልኡ ክናስሑ ኣይከኣሉን። ኣብ ከምዚ ኩነት፣ ብቐጥታ ነቲ ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ምንጋር እዩ። ምስ ዘማራይ ዳዊት «ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ» በል።

ኣብ ንግሆ ዝቐርብ ጸሎት መባእ፤ «. .ብዙሕን ዉሑድን ሕቡእን ግሁድን ዝኾነ ዘቕረቡ፣ ክህቡ እናደለዩ ዚህብዎ ንዘይብሎም ድልየቶም ተቐቢልካ ብጽሒቶም ክትከዉን ንዂሎም ዓስቢ በረኸት ሃቦም» ኢልና ንጽልይ ኢና።  ነቶም ሞባእ ዝሃቡ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቶም ክህቡ ዝደልዩ ግና ስለዘይብሎም ዘይሃቡ፣ ከምዝሃቡ ተቖጺሩ ክባረኹ ቤተክርስትያን ትጽልይ እያ። ካብዚ ጸሎት ተበጊስካ ኣብ እግሪ መድሓኒዓለም ተደፊእካ «ኦ ጐይታ፡ ኣነ ሓደ ካብቶም እንዳደለዩ፡ ግን ብሰንኪ ስእነት ክህቡ ዘይከኣሉ እየ። እንተዝህልወንስ ንጽህናይ ምወፈኹልካ ግን ኣይከኣልኩን» በሎ። ቅዱስ ኣውግስጢኖስስ ሓደ ግዜ ኣብ ከምዚ ዓይነት ደረጃ ስለዝነበረ «ኦ እግዚኣብሔር ክናሳሕ ይደሊ ኣለኹ፣ ሕጂ ግና ኣይኮነን ስጋዕ ሕጂ ስምዒታተይ ኣይፈጸምኹን» ብምባል ጽልዩ እዩ። ኣምላኽ ጸሎቱ ስለዝተቐበሎ፡ ነቲ 30 ዓመት ሙሉእ ኣብ ዝሙት ዝነበረ ሓጥያተኛ፡ ጳጳስ ንክኸውን ኣብቅዖ።

ብዛዕባ ንጽህና ንኣምላኽ መብጽዓ ኣይትእተው። ዝኾነ ነገር ውን ኣይትመባጽዑ፣ ምኽንያቱ ክትቆጻጸርዎ (ክትመልኽዎ) ንዘይከኣልኩም ነገር መብጽዓ ኣይእተዉን እዩ።

ከምዚ ኢልካ ብጸሎት ምስ ተበገስካ፣ ኣስዒብካ ኣንጻር ዝሙት ሓቀና ጻዕርን ቃልስን ግበር። በዚ ኣጸያፊ ስእልታትን ፈልምታትን (Pornography) እናረኣካን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ክፋእ ሓሳባት እንዳሓሰብካን፣ በቲ ሓደ ግን ደው ኢልኻ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ፣ ዓቢ ጌጋ እዩ።

ቅጽበታዊ ውጽኢት ጻዕርኻ ኣይትጸበ፤ ከምዚ ትገብር እንድሕሪ ኮይንካ ንርእስኻ ተመጻድቕ ኣለኻ። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዕብየትኻ ዝፈልጦ። ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከይሓሰብካ፣ ብሙሉእ ዓቕምኻ ተቓለስ ኣምላኽ ጻዕርኻ እንበር ውጽኢትኻ ኣይደልይን። ኣምላኽ ዋላ ኣብ መወዳእታ ውደቕ ብዘየገድስ፣ ትብዓት ቃልስኻ ጥራይ እዩ ዝደሊ።

ቅዱስ ቲዮፋን ባህታዊ ብምሳሌ ከምዚ ብምባል የረድኣና።

«ሓደ ወታሃደር ብጸላእቱ ተኸቢቡ ክነሱ ተስፋ ከይቆረጸ ክሳብ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ ብኹሉ ዓቕሙ እንድሕሪ ተቃሊሱ፣ ከም ጅግና ተቖጺሩ ብዙሕ ማዕርግ ይወሃቦ እዩ። ኮይኑ ግና፡ ጸላእቱ ርእዩ ብምፍራሕ፣ ናይ ስዕረት ምልክት ጻዕዳ ባንዴራ ኣርእዩ እንተተማረኸ ግና፣ ከም ጠላም ከዳዕ እዩ ዝቑጸር። ስለዚ ንስኻ ውን ውጽኢት ጻዕርካ ከይተገደስካ ተቓለስ። ምናልባት ንስኻ ከም ውድቐት ትቆጽሮ ትኸውን፣ ኣምላኽ ግን ከም ዓወት እዩ ዝቖጽሮ።»

ዲያብሎስ ንቅዱስ እንጦንስ ርእሰ መነኮስት ብብዙሕ መንገዲ ፈቲንዎ እዩ። ሓንሳብ ብዘፈራርሑ ኣራዊት፡ ሓንሳብ ብጓል፡ ሓንሳብ ወርቂ ብምርኣዩ ተፈቲኑ። ኣብቲ ኩሉ ፈተና ግን እንጦንስ ተቓሊሱ። ኣብ መወዳእታ ግና ብክፋእ ኣራዊት ተመሲሉ ብምምጻእ ሃለዋቱ ክሳብ ዘጥፍእ ቀጥቀጦ። ወዲ መዝሙሩ ወዲቑ ምስ ረኸቦ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረት ቤተክርስቲያን ወስዱ ከም ዝሕከም ገበረ። ቅዱስ እንጦንስ ሃለዋቱ ምስ ፈለጠ፣ ናብ ላዕሊ ጠመተ`ሞ፣ ናሕሲ ናይቲ ቤተክርስቲያን ተኸፊቱ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዙፋኑ ኮፍ ኢሉ ረኣየ። ሽዑ ቅዱስ እንጦንስ እንዳሓዘነ «ጐይታይ ድያብሎስ ክሳዕ ክንድዚ ጌሩ ክቕጥቅጠኒ እንከሎ ኣበይ ኔርካ፧» ብምባል ተዛረቦ። ጐይታ ከኣ «እንጦንስ፣ ኣነስ ኣብ ጥቓካ እየ ኔረ፣ ኮይኑ ግን ጽቡቕ ጌርካ ትቃለ ስለዝነበርካ ዓስብኻ ምእንቲ ከይትስእን ኢለ፣ ጣልቃ ካብ ማእታው ተቖጠብኩ» ብምባል መለሰሉ። ርኢኹም! ኣንጦንስ ብድያብሎስ ስለ ዝተቐጥቀጠ ከም ውድቀት ወሲድዎ፣ ጐይታ ግና ዓስቢ ዘውህብ ዓወት ጌሩ ገሊጽዎ። ካብዚ ታርኽ ንመሃሮ ነገር እንተሃልዩ፣ ውጽኢቱ ብዘየገድስ፣ ሱቕ ኢልካ ተቓለስ።

ፈተናታት ዲያብሎስ

ክትቃለስ ከለኻ ዲያብሎስ ብብዙሕ መንገዲ ክፍትነካ እዩ። እዚኣን እተን ፍሉጣት ሜላታቱ እየን።

ንነዊሕ ግዜ ትቓለስ እሞ ሓደ መዓልቲ ግና ወዲቅካ ንበል። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እንከለኻ፣ ድያብሎስ እቲ ቅድም ሕጂ ዝገበርካዮ ንብላሽ ምዃኑን ኩሉ ነገር ከምዝኸሰርካን ኣምሲሉ ብምቕራብ፣ «ኩሉ ጻዕርኻ ከንቱ ካብ ኮነስ ንቑሩብ ግዜ ስምዒትካ ኣርውዮ እሞ ደሓር ትቃለስ» ዝብል ሓሳብ የቕርበልካ። ጌጋ! ብትብዓት ስለዝተቓለስካ ኩሉ ነገር ንከንቱ ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ንብላሽ ኣይኮነን። ኣብ ኩናት ኢካ ተወጊእካ እምበር ኣይተስዓርካን። ብናይ ርኽሰት ሓሳብ ኣይተወሓጥ! «ክዕወት ኣይክእልን እየ» ኢልካ ናብ ዝሙት እንተተመሊስካ፤ እዚ ጥልመት እዩ። እንዳተቓለስካ እንከለኻ እንተወደቕካ፣ ዓስቢ ክትረክብ ኢኻ። ስለዚ «ተሳዒረ እየ» ፣ ኢልካ ናይ ስዕረት ባንዴራ ኣይትስቐል። ደው በል፣ ነቲ ዝጀመርካዮ ቃልሲ ቀጽሎ፣ ተቓለስ፣ ጽናዕ፣ እቲ ንፈተነታት ዝብድህ ጐይታ፣ ብርህራሂኡ ክሕግዘካ እዩ`ሞ ክትዕወት ከኣ ኢኻ።

እቲ ካልእ ሜሉኡ ኸኣ፦ «ደሓር ክትወድቕ ስለዝኾንካ ስለምንታይ ክትቃለስ ትፍትን» ዝብል ሓሳብ የቕርበልካ። ሓደ እዋን፣ ሰይጣን ንሓደ መነኮስ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ምስ ኣቕረበሉ፣ «ሓንቲ ጉስጢ ንዓኻ ሓንቲ ጉስጢ ንዓይ» ዝብል መልሲ እዩ ሂብዎ። መንፈሳዊ ህይወት ልክዕ ከም መኸተ ጉስጢ እዩ። ኣብቲ ዓንኬል ቃልሲ መንፈሳዊ ህይወት ኣተኻ፣ ኣንጻር ጸላኢኻ ካብቲ ዓንኬል ከይወጻእካ ክትጓሰጥ ወይ ክትቃለስ ይግባእ። ክትዕወት እንድሕሪ ኮይንካ ድማ፣ ጸላኢ ክንደይ ግዜ ከም ዝሃረመካ ምጽብጻብ ሓዲግካ፣ ነቲ መቀናቕንትኻ ብጉስጢ ክትሃርሞ ይግባእ። እቲ ውጽኢት ኣብ መወዳእታ እዩ ዝፍለጥ።

ካልእ ሓጢኣት ትፍጽም`ሞ በቲ ግብርኻ ተጣዒስካ ምሕረት ክትረክብ ናብ ኣምላኽ ክትምለስ ክትደሊ እንከለኻ፤ ዲያብሎስ «ክንደይ ትደርቕ ኢኻ፣ ነዚ ኩሉ ኣበሳ ጌርካሲ ናብ ኣምላኽ ክትምለስ ኣይትሓፍርን» ብምባል ይወቕሰካ። ጸኒሑ፣ «ክሳዕ እትነጽህ ቁሩብ ሰዓታት ወይ መዓልታት ጽናሕ`ሞ ድሕሪኡ ትጽልይ» ዝብል ሓሳብ የቕርበልካ። ጌጋ! ናብ እግዚኣብሔር ከምታ ዘለኻያ ኢኻ ክትመጽእ ይግባእ። ኣብነት ናይቲ ጥፉእ ወዲ ዘክሩ /ሉቃ 15/። እቲ ጥፋእ ወዲ ናብ ኣቧኡ ክምለስ ምስ ደለየ፣ ብኡንቡኡ እዩ ተመሊሱ። ናይተን ሓሰማታት ርስሓት ኣብ ነብሱ ነበረ፣ ኮይኑ ግና ክሳብ ዝጸርይን ሓድሽ ክዳን ክሳዕ ዝኽደንን ኣይተጸበየን። ኣብኡ ዉን ንወዲ ፍጹም ብረስሓቱ ኣይተጸየፎን። ብፍቅሪ ናይቲ ሞይቱ ዝነበረ ግን ሕጂ ግና ህያው ዝኾነ ወዱ ስለዝተሸነፈ፣ ንወዱ ምስ ርስሓቱ እንከሎ ጎይዩ ሓቑፉ ሰዓሞ።

እቲ ብመንፈሳዊ ጽሑፋቱ ዝፍለጥ ኦርቶዶክሳዊ መነኮስ፣ ኣባ ለዌ ጊለት ከምዚ በለ፣ «ሓደ ነገር ርጉጻት ኩኑ፣ እግዚኣብሔር ሓጢኣት እንዳፈጸምኩም ኮሎኹም ውን የፍቅረኩም እዩ» ። ድያብሎስ ኣንጻር ናይዚ ሓሳብ`ዚ እንተነገረካ ሓሳዊ ስለዝኾነ እዩ። ስለዚ እንድሕሪ ወዲቕካ ሽዑ ንሽዑ ብድድ ኢልኻ ናብ ኣቦኻ ኺድ። ኣብ ቅድሚኡ ተንበርኪኽካ «ኦ ኣቦይ ኣብ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ክበሃል ኣይበቅዕን`የ» በሎ። እቲ ሰማያዊ ኣቦ ኸኣ ብቕጽበት ክሓቁፈካን ብፍቕሪ ጌሩ ክስዕመካን እዩ። ዘይውዳእ ሓልዮቱ ከኣ ክተስተማቅሮ ኢኻ። ደጊም ደልዲልካ ብምቛም ተቓለስ። ኣብዚ ግናክትዝንግዖ ዘይብልካ ነገር ኣሎ፣ ኲሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣብ ነፍስኻ ቀሪብካ ሓጢኣትካ ተናዘዝ።

እቲ ካልእ ሚላታት ብተደጋጋሚ ትወድቕ ትናሳሕ። ሽዑ ዳያብሎስ «ክንደይ ግዜ ኢኻ ከምዚ ትገብር ኩሉሳዕ ናባኡ ክትምለስ ኮለኻ ሱቕ ኢሉ ዝቕበለካ መሲሉካ፧» ብምባል ተስፋ ከቁርጸካ ይፍትን። እቲ መልሲ ግና፣ እወ እዩ። ጴጥሮስ ንሓወይ ክንደይ ግዜ ይቕረ ክብለሉ ኢሉ ምስ ሓተቶ ሸውዓት ግዜ ሰብዓ ብምባል`ዩ ጐይታ ዝመለሰሉ። ንዓና ሸውዓተ ግዜ ሰብዓ ይቕረ ክንብል ዝጽበየና ኣምላኽ፣ ክንደየናይ ንሱ ኣብዚሑ ይቕረ ዘይብለና። ብተደጋጋሚ ሓጢኣት እንተፈጸምካ ብድድ ኢልካ ናብ ኣምላኽ ኪድ። ፈጺሙ ዝባኑ ኣይህበካን`ዩ።

ሓደ እዋን ሓደ ኣብ ዓለም ዝነበር ናብ ገዳም ከይዱ፣ ንሓደ መነኮስ «ንስኻትኩም ካባና ካብቶም ኣብ ዓለም እንነብር ብምንታይ ትፍለዩ፧» ኢሉ ሓተቶም። እቶም መነኮስ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለስሉ። «ንሕና ንወድቕ ንትንስእ፡ ንወድቕ ንትንስእ፡ ንወድቕ ንትንስእ» ርኢኹም ኩላትና ኣብ ሓንቲ ጀልባ ኢና ዘለና!

ብተደጋጋሚ እንተወደቕካ ኣይትጉሃይ እዚ ናይ ትዕቢት ምልክት እዩ። እዚ ውድቐት ኣምላኽ ትሕትና ክምህረካ ደልዩ ዝሰደዶ ጌርካ ተረዳኣዩ። ሓደ ኣቦ «ካብ ዓወት ምስ ትዕቢት፣ ውድቐት ምስ ትሕትና ይበልጽ» ይብሉ። ቅዱስ ይስሃቅ ሶርያዊ «ገለ ሰባት ንኣምላኽ ብሰነ-ምግባሮም የሖጉስዎ፣ ገሊኦም ከኣ ብሰቡርን ትሑትን ልቢ የሖጉስዎ» ይብለና። ስለዚ ዋላ ብሓጢኣት እንተወደቕካ ስቡርን ትሑትን ልቢ ኣርእይ። ብልብኻ ተጠዓስ፣ ኣምላኽ ከኣ ባህ ክብሎ`ዩ።

ገለ ሰባት ብዙሕ ጽዒሮም ዓወት ስለዘይረኸቡ፣ ተስፋ ይቖርጹ። ንኣበምኔት ኬርሞን፤ «ሓደ ሰብ ንጽህንኡ ክዕቅቦ ክንደይ ግዜ ይወስደሉ፧» ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፣ ከምዚ ኢሉ መለሰ።

«ካብ ዘይጠቕም ዘረባ፡ ዋዛ ርሒቑ፡ ሕርቃኑ ተቆጻጺሩ ዓለምን ፍትወታን ንዒቑ ኣብዙሑ ከይበልዐ፡ ኣብዚሑ ከይደቐሰ፤ ነዚ ኩሉ እንዳገበረ ውን ንጽህና ብናቱ ጻዕሪ ዘይኮነስ ብምሕረት ኣምላኽ ዝረኸብ ምዃኑ ንዝኣምን ሰብ፣ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ክዕወት ይኽእል።»

ከምዚ ዓይነት ንምግባር መንፈሳዊ ዓቕሚ ዝውሕዶ ሰብ`ከ ክንደይ ግዜ ክወስደሉ እዩ፧ ሽዱሽተ ዓመት፧ እምኔት ሳራ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ከምዝወሰደላ ኣይትዘንግዕ።

ሓደ ሓደ እዋን ብከምዚ ዝስዕብ ሜላ ጌርና ንሰይጣን ክነታልሎ ንኽእል ኢና። ኣብ ግዜ ጾም ቀልጢፋ ዝጠምይ ሓደ መነኮስ ኔሩ፣ ሰይጣን ከኣ ጾሙ ንኸቓርጽ ይፍትኖ። ብከምዚ ክፍተን እንከሎ ግን «ክልተ ምዕራፍ ዳዊት ንጸልይ`ሞ ደሓር ክንበልዕ ኢና» ይብሎ ነበረ። ጸኒሑ ድማ «ሕጂ ከኣ ክልተ ዳዊት ንድገም`ሞ ክንበልዕ ኢና» እንዳበለ ብኸምኡ ይቕጽል። ሃንደበት ከኣ እቲ ናይ ጥሜት ስምዒት ካብኡ ይርሕቀሉ፣ ምኽንያቱ ድያብሎስ ተስፋ ቆሪጹ ካብኡ ስለዝረሓቀ።

ንሕና ውን ተመሳሳሊ መንገዲ ክንኽተል ንኽእል ኢና። ንሓጢኣት ብቆጸራ እንዳናዋሕና፣ ተስፋ ከምዝ ቆርጽ ንግበሮ። ሰይጣን ክፍትነካ እንከሎ «ሎሚ ንደቅስ እሞ ጽባህ እንታይ ከምንገብር ክንርኢ ኢና» ብምባል ኣታልሎ። ከምዚ ብምግባርና ድማ፣ ነቲ ሓጢኣት ስዒርና ክሳብ ነርሕቆ፣ ውድቀትና ክነናውሖ ንኽእል። ሓጢኣት ናይ ምቅዋም ሓይልና ይውስኽ፣ ናይ ውድቐትና ብዝሒ ውን ይንክይ።

ኣብ መወዳእታ፤ ኣምላኽ ንጽህና ምስ ዓደልካ ኣንታይ ክንገብር ይግባእ፧? ኣባ ኬርሞን ንስመዓዩ፦

«ንጽህና ዝተዓደሎ ሰብ በቲ ዝተወሃቦ ጸጋ ክሕጎስ ይግባእ። ነዚ ንጽህና ከኣ ብናቱ ጻዕርን ንቕሓትን ዘይኮነስ ጐይታ ስለ ዝሓለዎ ከምዝረኸቦ ይረዳእ። ስግኡ ውን፣ ኣምላኽ ብምሕረት ክሳዕ ዝፈቐዶ ግዜ፣ ብንጽህና ከምትጸንሕ ይፍለጥ። ኣብ ኣካይድኡን ኣብ ምግባሩን ኣይመካሕ፣ «ገዛእ ርእሰይ ክገትእ ይኽእልየ» ኢሉ ውን ብሓሶት ኣይታለል። መለኮታዊ ሓለዋ ንቑሩብ ግዜ እንድሕሪ ሓዲግዎ፣ መሊሱ ክወድቕ ከምዝኽእል ይዘክር። ነዚ ንጽህና ንዘለኣለም ኣምላኽ ክዕቅበሉ ድማ ብዘይምቁራጽ ብስቡርን ትሑትን ልቢ ይጸልይ።»