ም.9 ምልላይ ሓሳባትን መናፍስትን

fighting-thoughts-makes-stronger-colored

መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ተግባር ክንነብሮ እንከለና፣ምልላይ ሓሳባትን መናፍስትን ኣድላይ እዩ። ምልላይ መናፍስቲ ካብ ጸጋታት መንፈስ ቅዱስ ሓደ`ዩ /1 ቆሮ 12፥10/። መጽሓፍ ቅዱስ «እቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ ምዃኖም መርምሩ እምበር ንመንፈስ ዘበለ ኩሉ ኣይትእመንዎ» /1 ዮሃ 4፥1/ ይብለና። ንጉስ ስለሞን እግዚኣብሔር ንክህቦ ዝለመኖ ውን ነዚ ጸጋ`ዚ እዩ። «እምበኣርሲ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፋእን ፈልየ ንህዝቡ ምእንቲ ክፈርድ`ሲ፣ ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሃቦ።» /1 ነገ 3፥9/። ቅዱስ እንጦንስ፣ ንምልላይ ሓሳባት ከም ቀንዲ ረቋሒ መንፈሳዊ ህይወት ጌሩ ይሰርዖ፣ ምኽናይቱ ብዘይምልላይ ሓሳባት፤ ኣየናይ ስነምግባር`ዩ ንኣምላኽ ዘሐጉሶ፣ ፈሊና ክንፈልጥ ስለዘይንኽእል።

ምልላይ ሓሳባት

ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት፣ መዓልታዊ ዝመላለስ ሓሳባት ኣለዋ። እዘን ሓሳባት ካብ ሰለስተ ነገር ይምንጭዋ፦

  1. ካብ ገዛእ ርእስና«እግዚኣብሔር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ» /መዝ 94፥11/ ከምዝብለና፣ ሓሳባት ካብ ሰብ ባዕሉ ይብገስ`ዩ።
  2. ካብ እግዚኣብሔር (ካብቲ ምሳና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ) ሓሳባት ይምንጭው «ኣሕሊፎም ክህቡኹም ከለዉ ኣንታይ ከምትዛረቡ በታ ግዜ እቲኣ ክወሃበኩም እዩ ከመይ ወይስ እንታይ ከምትዛረቡ ኣይትጨነቑ።» /ማቴ 10፥19-20/
  3. ካብ ዲያብሎስ «ክድረሩ ከለዉ ኸኣ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ከትሕዞ ቅድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ» /ዮሃ 13፥2/። «ጴጥሮስ ከኣ በል እንሆ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ካብ ዋጋ እቲ ምድሪ መቒልካ ክትሓብእሲ ስለምንታይ ንልብኻ ሰይጣን መልኦ» /ግብ 5፥3/።

ምንጪ ናይ ሓሳባት ክተለልዮ፣ ማለት ናይቲ ትሓስቦ ሓሳብ ምንጩ ፈሊኻ ክተፈልጦ ከቢድ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሓደ እዋን ቅድም ካብ ኣምላኽ ዝተበገሰ ሓሳብ ይመጽእ እሞ፣ ጸኒሑ ድማ መሊሱ ካብ ካብ ሰይጣን ክመጸካ ይኽእል። ኣብ /ማቴ 16/ ነዚ ይምህረና። «ስምኦን ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ኢሉ መለሰሉ ኢየሱስ ከኣ መሊሱ በሎ ሰምኦን ወዲ ዮና እዚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ እምበር ስጋን ደምን ኣይገልጸልካን እዩ`ሞ ብጹእ ኢኻ። /ማቴ 16፥16-17/ «ካብ ሽዑ ኢየሱስ ንደቐ መዛሙርቱ ናብ እየሩሳሌም ክድይብ ብዓበይትን ብሊቃውንት ካህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ክጸግብ ክቕተል ብሳልሳይቲ መዓልቲ ውን ክትንስእ ከምዝግብኦ ክገልጸሎም ጀመረ። ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ጌሩ ይባህልካ እባ ደኣ ጐይታይ እዝስ ኣይብጻሕካ ኢሉ ክገንሖ ጀመረ። ኢየሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ካባይ ረሓቕ ሰይጣን ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ንዓይ መዐንቀፊ ኢኻ በሎ» /ማቴ 16፥21-23/።

ኣብዚ ጽሑፍ`ዚ ከምንርድኦ፣ ኣብ ኣእምሮ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድም ካብ እግዚኣብሔር ዝመንጨወ ሓሳብ ተቀቢሉ ከብቅዕ፣ መሊሱ ግና ብኡንብኡ ሓሳብ ሰይጣን ስዒብዎ። ቅዱስ ጲጥሮስ፣ መንፈስ ቅዱስ ስለዘይተቐበለ ሓሳብት ኮነ መናፍስቲ ከልልይ ኣይከኣለን። መጽሓፍ ቅዱስ «መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ ምኻኖም መርምሩ» ኢሉ የጠንቅቐና ኣምበር መናፍስቲ ከምይ ጌርና ክነለሊ ከምንኽእል እቲ ልክዕ መምርሒ ኣይነገረናን። ስለዚ ሕጂ ውን ናብ ተመኩሮ ገዳማውያን ኣቦታትና ክንምለስ ኢና። ሕጽር ብዝበለ ከኣ፦

  1. እቲ ሓሳብ ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣለዎ ድዩ የብሉን፧?
  2. ንኹሉ ሰብ ጽቡቕ ድዩ፧?
  3. ምስ ትምህርቲን ስነምግባር (ኣካይዳ) ጐይታን ሓዋርያትን ዝሳነይ ድዩ፧?
  4. እቲ ሓሳብ ሰላምን ህድኣትን የለዓዕል ድዩ፧ ዋላስ ሕርቃን፡ ህውከትን ረብሻን እዩ፧?

ውሽጣዊ ሰላምካ ዝዘርግ እንተኾይኑ፡ እቲ ሓሳብ ብዙሕ ኣይትእመኖ። ገለ ገለ እዋን ናይ ሕርቃን፡ ምኹናን፡ ፍርዲን ምፍልላይን ዘለዎ ሓሳብ ክለዓዕለልና እንከሎ፤ ገሌና ነዚ ሓሳብ`ዚ ተቀቢልና ብቅንኢ ኣምላኽ ዝተመራሕና ይመስለና። እግዚኣብሔር ከመይ ኢሉ ከምዝዛረብ ኣብ ታሪኽ ኤልያስ ነጊሩና እዩ።

እግዚኣብሔር ንኤልያስ ክዛረቦ ምስ ደለየ «እግዚኣብሔር ሓለፈ ቀቅድሚ እግዚኣብሔር ከኣ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኮነ እግዚኣብሔር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን፡ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ እግዚኣብሔር ግን ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን ድሕሪ እቲ ሓዊ ከኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ።» /1 ነገ 19፥11-12/

ድምጺ ኣምላኽ ኣኽራን ዝስንጥቕ ወይ ሓዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝገብር ብርቱዕ ኣይኮነን። ቅንኢ ምፍልላይ ጭንቀት ዝተመልአ ሓሳብ ካብ ኣምላኽ ከምዘይከዉን ንረዳእ። ህድኣት፡ ስላምን፡ ትሕትናን ዝመልኦ ግና ሓሳብ እግዚኣብሔር እዩ።

  1. እቲ ሓሳብ ክብገስ ከሎ ናይ ታህዋኽ መንፈስ ኣለዎ ድዩ፣ ቀልጢፍካ ክትገብሮ ይህውኸካ`ዶ፧? ከምዚ እንድሕሪ ኮይኑ ካብቲ ፈታኒ ድያብሎስ እዩ ዝኸውን። መንፈስ ቅዱስ ቀስ ኢሉ ብህድኣትን ብስቕታን`ዩ ዝዓዪ። ሓደ እዋንቅዱስ መቃርዮስ ዓቢ፣ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ባሕታውያን ንክርኢ፣ ዘለዓዕል ሓሳብ ምስ መጾ እቲ ሓሳብ ካብ ድያብሎስ ከይከውን ብምባል ንክልተ ዓመት ዝኣኽል ነቲ ሓሳብ መርመሮ።

ኣድላይ ዝበሃል ጥንቃቐታን ጌርካ ክነስኻ ድያብሎስ ግን ከሽክዓካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ጉዳይ ማለት ሓሳብካ ኣብ ምምርማር እቲ ዝበለጸ መንገዲ ንኣባት ነፍስኻ ምንጋር እዩ። ቅዱሳን ኣቦታትና ምንጪ እቲ ዝመላለሶም ሓሳብት ምእንቲ ከለልዩ፣ ነዚ ሜላ`ዚ እዚ ከም ቀንዲ ይጥቀሙሉ እዮም። ንኣብነት ቅዱስ መቃርዮስ ንእመምኔት ሳራ ኩሉ ሓሳቡ የካፍላ ኔሩ። ቅዱስ ሙሴ ጸሊም መንፈስ ቅዱስ ንዝመልኦ 18 ዝዓመቱ ንኣባ ዘካርያስ ሓሳብ ይገልጸሉ ኔሩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኹም ሓሳብ ኣይትመርኮሱ ብፍላይ ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ንመንፈሳዉያን ኣቦታት ነማኽር። ኣነ ብውልቀይ ተማሂረሉ እዩ።

ቅድሚ ብዙሕ ዓመትይገብር፣ ኣብ ናይ መጀመርያ ዓመት ናይ ክህነት ኣገልግሎተይ እዩ። ኣብ ቤተክርስቲያን ሓድሽ መድብ (ፕሮጀክት) ምስ ኣመምና፣ ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ምፍሕፋሕ ተፈጢሩ። ገለ ኣባላት ናይቲ ጉባኤ ውን ካብ ቤተክርስትያን ክርሕቁ ይጅምሩ። ክልተ ሰሙን ቅድሚ ምጅማር እቲ ፕሮጀክት ኣብ ኣኣምሮይ “ካብዚ ፕሮጅክት`ዚ ፍቕርን ሓድነትን ይበልጽ” ዝብል ሓሳብ ክመላለሰኒ ጀመረ፤ ። ነቲ ፕሮጅክት ኣቛሪጸ ነቶም ህዝቢ ከተዓርቖም ከምዝግባእ ዝነግር መልእኽቲ ዉን ካብ ኣምላኽ ዝተላእከኒ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። ሽዑ ነቲ ዝሓሰብክዎ ንኣባላት ሰበካ ጉባኤ ይነግሮም። ሓደ ካብኦም ግና «ኣቦና፣ ኩሉሳዕ ሓሳብና ንኣበ ነፍስና ከናካፍል ከምዝግባኣና ኢኹም ትመኽሩና ኔርኩም፣ ንስኹም`ከ ሓሳብኩም ንአበ ነፍስኹም ኣካፊልኩም ዲኹም፧?» ብምባል ተዛረበኒ። ነዚ ዘረባ ምስ ሰማዕኩ ብጣዕሚ ሓፊረ። ንኣበነፍሰይ ደዊለ ኸኣ ኣዛረብክዎም ንሶም ከኣ ናይ ድያብሎስ ምዃኑ ነገሩኒ። ኣስዒቦም ውን ብጹእ ጳጳስ ናብቲ ከተማ ከምዝመጹ`ሞ፡ ንዕዖም ብዛዕባ መደባተይ ከማክሮም ነገሩኒ። እቶም ጳጳስ ውን፣ እቲ ዝተመላለሰኒ ሓሳብ ካብ ድያብሎስ ምዃኑ  ደጊሞም  ነገሩኒ። ብጣዕሚ ሓፊረ! «ኣነ ክፈልዮ ዘይከኣልኩ ንስኹም ከመይ ጌርኩም ክትፈልይዎ ክኢልኩም፧» ብምባል ሓተትኩዎም እቶም ጳጳስ ከኣ «ብዙሕ ስለዝተሞከርና ኢና» ብምባል መለሱለይ። ቀጺሎም ድያብሎስ ነቲ መደብ ክዕንቅፍ ሰለዝደለየ ቅድም ናዕቢ ከምዝለዓል ገበረ። ደሓር ነቲ ጉዳይ ፍቕርን ስላምን ይሓይሽ ብዝብል ምስምስ ነቲ መደብ ከትርፎ ሓሲቡ እዩ። ስለዚ ሕጂ ሱቕ ኢልካ ነቲ መደብ ቀጽሎ። እቲ መደብ ተሳሊጡ ምስ ረኣይዎ እቶም ዝቃወሙ ዝነበሩ ሰባት ክሃዳኡ እዮም በለኒ።

ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ውሳኔ ክንህበሉ ዘይንኽእል ኩነታት ምስ ዝፍጠር እንታይ ክንገብር ይሓይሽ፧? ንኣብነት ክልተ ዩኒቨርሲታት ተቐቢለናካ ንበል። እታ ሓንቲ ኣብ ዓድኻ ትርከብ እታ ካልኣይቲ ኸኣ ኣብ ካልእ ከተማ ኮይና ግና ፍልጥቲ ዮኒቨርስቲ እያ። ወይ ከኣ ስራሕ እንከለካ ኣብ ካልእ ዓዲ ብዝሓሸ ደሞዝ ናይ ስራሕ ዕድል ረኺብካ ንበል። ሕጂ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ውሳኔ ክትህብ ስለትሽገር «ኣብዚ ጉዳይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣንታይ እዩ፧» ኢልና ክንሓትት ኢና።

ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጥ ብዙሕ ከቢድ እዩ። ብቅኑዕ መምርሒ ኣቦታት እንድሕሪ ከይድና ግና ቀሊል እዩ። ቅድሚ ነዚ ሕቶ ምምላስና ግና ኣቐዲምና ክንሓስበሉ ዝግበኣና ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ «ስለምንታይ ንዓይ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ ኣድለየ፧»

ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝነግረና ፍቓድ ኣምላኽ ሰናይ፡ ባህ ዘብልን ፍጹምን እዩ /ሮሜ 12፥2/። ፍቓድ ኣምላኽ ፍጹም እዩ ምንም ኣይጎድሎን። መንፈሳዊ፡ ስነ-ልቦናዊን፡ ስምዒታዊን ዕግበት ዝህብ፣ ሰናይን፡ ባህ ዘብልን እዩ። እግዚኣብሔር ናይ መጻኢ ኩነት ስለዝፈልጥ ኣብ መጻኢ ህይወት ንጽቡቕ ዝኸውን ዝሓሸ ነገር ይፈልጥ እዩ።

ናተይ ፍቓደይ ግን ፍጹም ኣይኮነን። ናይ መጻኢ ህይወት ከይተረዳእኩ ንግዚያዊ ጥቕሚ ጥራይ እየ ዝሓስብ። ዋላውን ክፈልጥ ኣንተደለኹ ዓቕሚ የብለይን። ኣይኮነን ናይ መጻኢ ህይወት፣ ኣብ መጻኢ ሰሙን እንታይ ከም ንኸውን ኣይንፈልጥን። ስለዚ`ዩ እቲ ጥበበኛ ሰብ ኣብ ኩሉ ዝገብሮ ነገር ፍቓድ ኣምላኽ ይሓትት እዩ።

ከመይ ጌርና ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጥ ንኽእል፧?Dosage:Sildenafil citrate is conveyed orally generico levitra on line http://www.icks.org/data/ijks/1482965794_add_file_7.pdf as 25 mg, 50 mg and 100 mg tablets.

ቅዱስ ቲዮፋን ባህታዊ፤ «ኣምላኽ እቲ ሰናይን ፍጹም ዝኾነ ፍቓዱ ክገልጸልና እንተኾይኑ ናትና ፍቓድ ክንገድፎን ክንንዕቆን ይግባእ» ይብለና፤ ማለት ብሓቂ ፍቓዱ ክንፈልጥ ከምንደሊ ንእግዚኣብሔር ክነርእዮ ይግባእ።

ገለ እዋን ብውሽጥና ወሲንና ክነስና ፍቓድ ኣምላኽ ንሓትት ሰባት ኣለና። ገለ እዋን ከኣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ምሳና ዝሰማማዕ እንተኮይኑ ጥራይ ንቕበሎ፣ ካልእ ኣንድሕሪ ኮይኑ ግና ኣይንቕበሎን። ብከምዚ መንገዲ ንቀርቦ እንተኾይንና ኣምላኽ ፍቃዱ ኣይገልጸልናን።

ቅዱስ ቲዮፋን ባህታዊ በዚ ምስላ የረድኣና

መጺጽ ነገር ዝመለኣ ጥርሙዝ ኣሎ ንበል። ነዚ ጥርሙዝ መዓር ክንመልኦ እንድሕሪ ኾይንና፣ ቅድም ነቲ ጥርሙዝ ኣጽሪና ንሓጽቦ`ሞ፣ እቲ ጨንኡ መታን ከልግስ ንፋስ ክነህርሞ ኣለና። ብድሕሪ`ዚ ነቲ መዓር ንመልኦ። እቲ መጺጽ ዝበሃል ናትና ድሌትን ፍቓድን እዩ። ፍቓድናን ድሌትናን፤ ፈታዊ ርእሱ፡ ስጋዊ፡ ንሓጺር ግዜ ዝጥምት እዩ። ከምቲ ሰናይ፡ ባህ ዘብልን ፍጹምን ዝኾነ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኾነን። እቲ መዓር ግና ሰናይን ፍጹምን ዝኾነ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ውልቃዊ ሓሳብናን ፍቓድናን ካብ ኣእምሮና ከየልገስና፣ ኣምላኽ ፈጺሙ ፍቓድ ኣይገልጸልናን። ብውሽጥና ወሲንና እንከለና ፍቓድ ኣምላኽ ምሕታት ዳርጋ ኣብ ኣምላኽ ምልጋጽ እዩ።

ስለዚ ከመይ ጌረ ነዚ ነገር ክገብሮ ይኽእል፧?

ኣተሓሳስባና ሚዛናዊ ብምግባር። ዝኮነ ሓድሽ ነገር ክትሰምዕ እንከለኻ፣ በቲ መጀመርያ ዝሰማዕካዮ ነገር ተመሪሕካ ዘይሚዛናዊ ኣረኣእያ ከተማዕብል ግድን እዩ። ንኣብነት ኣነ ሰራሕተኛየ ንበል፣ ኣብ ካልእ ዓዲ ብዝሓሸ ደሞዝ ናይ ስራሕ ዕድል ተዋሂቡኒ። ናይቲ ሓድሽ ስራሕ ብዝሒ ወሰኽ ደሞዝ ንኣተሓሳስባይ ስለዝጸልወኒ፣ ነቲ ናይዚ ዕድል ኣሉታዊ ጎንታቱ ከምዘየስተውዕሎ ይገብረኒ። ኣነ ናይቲ ብዝሒ ገንዘብ ጥራይ ክሓስብ እንከለኹ፤ ከስተዉዕሎ ዘይከኣልኩ ነገር ኣሎ። ምናልባት፤ ኣብቲ ሓድሽ ስራሕ ዘይፈትዎ ነገር ክሰርሕ ይግደድ ይኸውን፣ ወይ እቲ ስራሕ ብዙሕ ባህ ዘየብል ይኸውን። ሓንቲ ጽብቕቲ ጎኒ ጥራይ እዩ ዝረኣየኒ፣ ብዝሒ ደሞዝ። ስለዚ ኲሉ ግዜ ነገራት ክንፍትሽ እንከለና፣ እቲ ሓደ ወገን ናይታ ሳንቲም ገልቢጥና ክንሪኣ ይግባእ። ወይ ከኣ ኣንጻር ናይቲ ጦብላሕታና ክንሓስብ ኣድላይ እዩ።

ኣብነት ንርኣ። ኣብ ክልተ ዮኒቨርስቲ ተቐባልነት ረኺበ ንበል። እታ ሓንቲ ኣብ ዓደይ ኮይና ጽቡቕ ዩኒቨርስቲ እያ። እታ ሓንቲ ከኣ ኣብ ካልእ ከተማ እያ። ካብ ስድራ ምስ እትፍለ፣ ነጻነት ስለዝህልወካ፤ እቲ «ድሌትካ ናይ ምግባር ነጻነት» ናይ ምርኻብ ድሌት፣ ካብ ስድራኻ ተፈሊኻ ኣብ ካልእ ዓዲ ኮይንካ ክትመሃር እንኮለኻ ዘሎ፣ ኣሉታዊ ጎንታት ከም ዘይተስተውዕሎን ከም ዘይትምርምሮን ይገብረካ። ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ`ዚ፣ እቲ ሰናይ ባህ ዘብልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ እንድሕሪ ደሊኻ ኣተሓሳስባኻ ሚዛናዊ ክትገብሮ ይግበኣካ። ኮነ ኢልካ ብዕላማ ነቲ ኣሉታዊ ጎንታት ክትፍትሽ ይግባእ። ካብ ከተማ ወጻኢ ክከይድ እንከለኹ ካብ ስድራይን የዕሩክተይን ክፍለ፣ በይነይ ክኸውን እየ። ዘይፈልጦምን ሓደሽቲ ሰባትን እየ ክረክብ፣ ኣብቲ ከባቢ ዩኒቨርስቲ ዉን ቤተክርስቲያን ኣይርከብን ይኸዉን ወይ ዉን ቤተክርስቲያን ክረክብ ብዙሕ ሰዓታት ክጓዓዝ የድልየኒ ይኸዉን፣ ካብ ኣበ ነፍሰይ ክርሕቕ እየ. . ወዘተ እንዳበልካ ብንጹር ፍለጦ። ብርግጽ እዚ ኣሉታዊ ጎንታት ሓቂ እዩ። ግን እቲ «ናጻ ናይ ምዃን» ድሌት ከም ዘይነስተውዕለን ይገብረና። ነዚ ነገር ጽቡቕ ጌርና ምስ ኣመዛዘንዮ ነፍሲ ወከፍ ምርጫ ርእሱ ዝኸኣለ (ጽቡቕን ሕማቕን) ኣወንታዊን ኣሉታዊን ጎንታት ክረኣየና እዩ።

እዚ ሜላ እዚ፣ ዋላ ኣብቲ ናይ ስራሕ ዕድላት፣ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ካብቲ ሒዝናዮ ዘለና ስራሕ፣ ናይ ሽሕ ናቕፋ ወሰኽ ደሞዝ ተጌሩልና ኣብ ካልእ ዓዲ ናይ ስራሕ ዕድል ክወሃበና እንከሎ፤ ንደቅና ካብ ቤት ትምህርቶምን የዕሩክቶምን ከም ዝፍለዩ፣ ንሕና ዉን ካብ ቤት ሰንበት፡ ቤተክርስቲያንን ኣበ ነፍስን ንፍለይ ከም ዘለና ክነመዛዝን ይግባእ።

ሓሳብካ ሚዛናዊ ክትገብር ከለኻ ብቀዳምነት፤ ነቲ ኣሉታዊ ጎንታት ማዕረ ኣወንታዊ ጎንታት ሚዛን ሃቦ። ብድሕሪ`ዚ ኣምላኽ እቲ ፍጹምን ሰናይን ባህ ዘብልን ፍቓድ ክገልጽ ብጸሎት ሕተቶ። ንኣበ ነፍስኻ ውን፣ ኣምላኽ ፍቓዱ ምእንቲ ክገልጸልካ ክጽልዩልካ ንገሮም። እዚ መርኣያ ትሕትናኻን ድልውነትካን እዩ። ምናልባት፣ ነቲ ዘደለክዎ ነገር ክመርጽየ፣ ኢልካ ትፈርሕ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ኣተሓሳስባኻ ሚዛናዊ ኣይገበርካን ማለት`ዩ። ንኣባት ነፍስኻ ንኽጽልዩልኻ ሓቲትካ ክተብቕዕ ዉን፣ ብሕልናካ ግን እግዚአብሔር ነቲ ሓደ ፍቓድ ክመርጽ ትምነይ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ሕጂ ውን ገና ዕዮ ገዛኻ ኣይወዳእካን ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ንዓኻ ዝሓሸ ነገር ከምዝመርጽ ኣይትዘንግዕ። ስለዚ ንሱ ክመርጽ ፍቐደሉ።

ምናልባት፣ ኣምላኽ ንኣተሓሳስባኻ ሚዛናዊ ከይገበርካ እንከለካ፣ እቲ ዝመረጽካዮ ሓሳብ ክገልጸልካ ይኽእል`ዩ። ንኣብነት ኣብ ግብጺ እንከለኹ ዝፈልጦ ሓደ መንእሰይ ኔሩ። ስድርኡ ብምሉኦም ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ክነሶም፣ ንሱ ግና ክሰልጦ ኣይከኣለን። ናይ ካናዳ እምባሲ ፍቓድ ቪዛ ብቓጻሊ ይኸልእዎ ኔሮም። በዚ ዝተላዕለ ከኣ ናባይ ዘማርር ደብዳቤ ጸሓፈለይ። ኣነ ኸኣ ብወገነይ፣ ምናልባት ኣምላኽ ዘይፈቐዶ ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር ኣተሓሳስብኡ ሚዛናዊ ጌሩ ፍቓድ ኣምላኽ ክሓትት ነገርክዎ። እቲ ወዲ ዉን ምኽረይ ሰሚዑ ናብ ካናዳ ዘይምኻዱ ብጽቡቕ ጎኑ ክምርምሮን ክቅበሎን ጀመረ። ንበዓልቲ ቤቱ ውን ኣብ ግብጺ እንድሕሪ ኮይንና፣ ስድራይ ኣብ ግብጺ ክመጹ እንከለዉ፣ ኣብ ገዛና ከዓርፍ እዮም። ናብ ካናዳ ከይድና ሓድሽ ስራሕ ምድላይ ከጸግመና`ዩ፣ ኣብዚ ግና ስራሕ ኣለና። ከድልየና እንከሎ ውን ናብ ካናዳ ኬድና ስድራና ክንበጽሖም ንኽእል ኢና፤ ብምባል ኣረድኣ። ክልቲኦም በዚ ተሰማሚዖም ኣተሓሳስብኦም ሚዛናዊ ጌሮም ክነብሩ ጀመሩ። ኣብ ግብጺ ምትራፎም ዉን ከም ረብሓ ወሰድዎ፤ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ዉን እምነት ሓደሮም። ኣብ ከምዚ ሓሳብ እንከለዉ ድማ፣ ናይ ዕድል ኮይኑ ናይ ካናዳ እምባሲ፣ ኩሉ ነገር ከም ዝተሳለጠሎምን ሕክምናዊ መርመራታት ከጻፍፉን ብቴሌፎን ዝሓበርዎም።

ጽባቐ ናይዚ ሜላ`ዚ ኣብ ምንታዩ ይመስለኩም፧?

ተመሳሳሊ ኩነታት ክፍጠር እንከሎ ብተደጋጋሚ በዚ መስርሕ`ዚ ክትፈትሖ ይከኣል`ዩ። እንታይ ክገብር ኢልካ ምሕሳብ ኣየድልየካን`ዩ። ኣተሓሳስባኻ ሚዛናዊ ብምግባር፣ ፍቓድኻ ንዒቕካ ኣምላኽ እቲ ሰናይ ባህ ዘብልን ፍጹም ዝኾነ ፍቓዱ ክገልጸልካ ምጽባይ ጥራይ እዩ ዘድሊ። ኣብዚ ግና ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ንኣምላኽ ከነታልሎ ኣይነፈትን። ሓደ ሓደ መዓልቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንሓትት እሞ ፍቃዱ ምስ ገለጸልና ንጸልኦ። ገለ ሰባት ከማን፣ ፍቓድ ኣምላኽ ዝቕየር መሲልዎም፣ ኣበ ነፍሲ ካህናት ዝቕይሩ ኣለዉ።

እቲ ካልእ ጸገም ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ረሲዕና ጥራይ እቲ ዝደለናዮ ክህበና ምድላይ እዩ። እዚ ዓቢ ጌጋ እዩ። ብፍላይ ኣብ ሓዳር። ናብ ጳጳስ ኣባ ጶይሞን ቀጻሊ እንዳመጸ ብዛዕባ ሓዳሩ ዘማርር ሓደ ሰብኣይ ኔሩ። ከምዚ ኮይነ ከምዚ ጌራትኒ እንዳበለ ምምራር ምስ ኣብዘሐ፣ «ንምዃኑ ነዛ ጓል ቅድሚ ምምርዓውካ ጸሎት ጌርካ`ዶ፧?» ኢሎም ሓተትዎ። «እወ ብዘይ ምቑራጽ ሽዱሽተ ወርሒ ጸሊየ`የ» ኢሉ መለሰሎም። «እሞ እንታይ ኢልካ ጸሎት እቕሪብካ፧?» ኢሎም ደጊሞም ሓተትዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ «ኦ ኣምላኽ ነዛ ጓል ከምዝምርዓዋ ግበረኒ» ኢለ`የ ጸሎት ዘቕረብኩ ብምባል መለሰሎም።

ብዙሓት መንእሰያት ኣብ መስርሕ ሓደር ፍቓድ ኣምላኽ ኣይሓቱን። ሓደ እዋን ሓንቲ ጓል «እንትርፎ ኣብ መርዓ ኣብ ካልእ ኲሉ ጉዳይ ፍቓድ ኣምላኽ ክቕበል`የ፣ ኣብ ሓዳር ግና ኣይደልይን» በለትኒ። ኣነ ከኣ እቲ ምክንያት ሓተትክዋ። ንሳ ድማ «ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣብ ቤ/ት/ሰንበት ዝምህር ሱቅ ዝብል፡ መሰላቸዊ ዲያቆን ክምርዓው እዩ፡ ዝደልየኒ። ኣነ ኸኣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓዳር ክኣቱ ኣይደልይን» ። ብምባልያ መሊሳትለይ። ብወገነይ «መን ይፈልጥ ምናልባት ኣምላኽ መምህር ቤ/ት/ሰንበት ዝኾነ ሕጉስ ዲያቆን እንተሃበኪ`ኸ» በልክዋ።

ሓደ ወዲ ውን «ኣብ ጉዳይ ሓዳር ባዕለይ ክሓሪ`የ ዝደሊ» ብምባል ክዛረብ እንከሎ። «መጻመድቲ ክትመርጽ እንከለኻ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይትሓትት እንድህሪ ኾይንኻ፣ መንገዲ ጥፍኣትካ ባዕልኻ ትሓሪ ከምዘለኻ ኣይትረስዕ።» ብምባል መለስኩሉ።

ህይወትና ብኽልተ ሰባት እትቕዘፍ ጀልባ እያ። እቲ ሓደ ይቀዝፍ (ይጀልብ) እቲ ሓደ ኸኣ ኣንፈት ይቖጻጸር። ጥበበኛ ሰብ እቲ ናይ ኣንፈት መቖጻጸሪ «ኦ ጐይታ ንስኻ ኣንፈተይ ሓልው» ኣነ ግና ክጀልብ እየ፡ ብምባል ንጐይታ ኣንፈቱ (ህይወቱ) ክመርሓ የረክቦ። መብዛሕቱና ግና ኣምላኽ ክጅልብ ንሕና ኣንፈት ክንቆጻጸር ኢና ንደሊ።

ፍቕድ ኣምላኽ ምሕታትን ኩሉ ነገር ብጸጋ ምቕባልን ጽቡቕ እዩ። ዝተከስተ ኲነታት ብዘየገድስ ኣይትፈርሕን ኢኻ ምኽንያቱ ፍቓድ ኣምላኽ እንተኮይኑ ሰናይ፡ ባህ ዘብልን፡ ፍጹምን እዩ። ዋላ ንግዚኡ ቀጨውጨው እንተበለና ንዘልኣለም ሰላም ዝህብ እዩ።

መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ ዝብል ጽሑፍ ኣብዚ ተዛዚሙ ኣሎ፣ ነዚ ጽሑፍ ከም pdf መልክዕ መጽሓፍ ፖስት ክግበሮ ስለዝዀንኩ፣ ግዱሳት የሕዋት ነዚ ጽሑፍ ክትእርሙ፣ ግድፈት ፊደል፣ መስርዕ ሰዋስዉን፣ ኣገላልጻ ሓሳብ ብምእራም ሓሳብኩም ክተካፍሉኒ ብትሕትና ይሓትት። → መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ

መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ

ሰብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!