መንገዲ ባሕታዉያን 20

ምዕራፍ 20. ጾም

ጾም ንቁሕ ንኽትከዉን ይሕግዝ፣ ክትጸዉም ከለኻ ዓቕምካ ክኸዉን ይግባእ። ልዕሊ ዓቕምካ ወይ ዉን ትሕቲ ዓቕምካ ኣይትጹም። ከምዚ እንድሕሪ ኣዘዉቲርካ ንቑሕ ትኸዉን። “ዝዀነ ሰብ ከብዱ ጸጊቡ ብዛዕባ ኣምላኻዊ ነገራት ክሓስብ የብሉን” ይብሉ ባሕታዉያን ኣቦታትና። ነቲ ኣዝዩ ጽጉብ ሰብ ዋላ`ቲ ግሁድ ዝዀነ ሚስጢረ ሥላሴ ዉን ይሽፈኖ እዩ። 

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ነርባዓ መዓልቲ ብምጿምን ንሰይጣን ብምስዓርን፣ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ንሕና`ዶ ካብኡ ንዓቢ ኢና? “እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ” /ማቴ 4፥11/። እዞም መላእኽቲ ንዓኻ ዉን ከገልጉሉኻ ድሉዋት ኣለዉ።

“ጾም ለፍላፊ ካብ ምዃን ትሕልወና” ይብል ቅ.ዮሃንስ ክሊማኮስ። ርህራሀ ኣብ ህይወትና ከም ዝህልወና ትገብር፣ ንተኣዛዝነት ድማ ድሉዋት ትገብረና፣ ጾም። ጾም ኣብ ልብና ዝነገሰ ትረት-ልቢ ካብ ሱር ሞንቂሳ ከተዉጽኣልና ትኽእል፣ ክፋእ ሓሳባት ዉን ትስዕር። ጾም ናብ ገነት አተብጽሕ ኣፍደገ እያ፣ ከብዲ ክትጠምይ እንኸላ፣ ልቢ ትትሕት።  እንዳጾመ ዝጽልይ ሰብ፣ ንቁሕ ጸሎት የቕርብ። ኣእምሮ ናይቲ ነብሱ ዘይገትእ ሰብ ግና ኩሉ ግዜ ብርኹስ ሓሳብን ስምዒትን ከምዝተገዝአ እዩ።
 

ጾም መግለጺ ፍቕሪን ተወፋይነትን እዩ። ምድራዊ ጽጋብ ብምሕዳግ ሰማያዊ ጸጋ ዝርከበሉ እዩ። መብዛሕቱና ብዛዕባ እኽለ-ማይ ክንሓስብን፣ ኣብ ማእድና እንቕርቦ ዓይነት መግቢ ብምሕሳብ ጥራይ ብዙሕ ግዜ ነጥፍእ ኢና፣ ካብ ከምዚ ዓይነት ባርነት ሓራ ምዉጻእ ንመንፈሳዊ ህይወት ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ዉን ጾም ናብዚ ዓይነት ሓርነትን እተብጽሕ መንገዲ እያ። In addition, several other problems which may arise due to free radicals click this storefront cialis on line in the body.

ኣንጻር ስጋዊ ፍትወትን፣ ነብሰ ፍትወትን ኣብ ዝግበር መንፈሳዊ ገድሊ፣ ጾም እቲ ቀንዲ መሳርሒ እዩ። ጾም ምስ ጸሎት፣ እቲ ዝዓበየ ዉህብቶ እዩ። ኣምላኽ ካብ ዝሃበና ዝዓበየ መሳርሒ ድማ እዘን ክልተ መንገዲ እየን፣ ጾምን ጸሎትን። ነዘን መንገዲ ብግቡእ ዝጥቀመለን ሰብ ዉን ብዙሕ መንፈሳዊ ረብሓ ይረክብ። ኣብ ግዜ ጾም፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ናይ ምጿም ዓቕሚ ዝዓደለ ኣምላኽ ምስጋና ይበዝሕ። 

ጾም፣ ቅድሚ ሕጂ ኣስተማቒራካዮ ኣብ ዘይትፈልጦ ጣዕሚ መንፈሳዊ ህይወት ትመርሓካ። ኣብ ከባቢካ ዘሎ ጽባቐን፣ መግለጺ ተስፋ ህይወትን ብምስትምቓር ብዉሽጥካ ከም ትሕደስ ትገብረካ። ዓይንካ ተኸፊቱ ብዝይዳ ከም እተስተዉዕል ትገብር። ብሓሳባት ተገዚእካ ብዕሽነት ትገብሮ ዝነበርካ ግብሪ ርሒቑ፣ ብንቕሓት ንነፍስኻ ክትሕልዋ ትሕግዘካ። ጸገማት ከጋጥሙኻ እንከሎ ዉን፣ ጾም ብትሕትናን ብጸጋን ከምትቕበሎ ትገብረካ። ጾም፡ ጸሎትን፡ ንቅሓትን ሓቢረን ምስ ዝሰርሓ፣ እቲ ኽክፈተልና እንደልዮ ማዕጾ ይረሓወልና።

ኣብ ገድሊ ቅዱሳን ኣቦታት፣ ጾም መዐቐኒ ፍቕሪ እዩ። እቲ ብዙህ ዘፍቅር፣ ብዙሕ ይጸዉም፣ እቲ ብዙሕ ዝጸዉም ዉን ብዙሕ በረኸት ይረክብ። እቲ ብዙሕ ዘፍቅር ብዙሕ ይሕደገሉ እዩ`ሞ ነገሩ፤ እቲ ብዙሕ ዝጸዉም ብዙሕ ይረክብ /ሉቃ 7፥47/።

ቅዱሳን ኣቦታት ዓቕምና ክንጸዉም ይምዕዱና። ልዕሊ`ቲ ስጋዊ ኣቕምካ ምጿም ግቡእ ኣይኰነን፣ ምክንያቱ እዚ ንነፍሲ እንኰላይ ክሃስያ ስለዝኽእል። ብሃንደበት ዉን ምጿም ኣየድልይን፣ ዂሉ ነገር ቀስ እንዳበለ ክዓቢ ይግባእ፣ ብምልምማድ ክምዕብል እዩ ጽቡቕ። ኲሉ ሰብ ብመንጽር`ቲ ዘለዎ ጥዕናን ዓይነት ስራሕን ክጸዉም ይኽእል።

ዂሉ ብልዒ ኣምላኽ ዝሃበና እዩ፣ ስለዚ መግቢ ምፍንፋን ጌጋ እዩ። ኣብ ግዜ ጾም ግና፣ መቕረት ዝበዝሖ፣ ብዙሕ ቅመማት ጌሩ ዝተደለወ መግቢ ከነወግድ ይግባእ። ስጋ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ጸባ፣ ጠስሚ፣ ብሓጺሩ ንስጋዊ ዕግበት ንከማልእ ኢሉ ዝተዳለወ ብልዒ ዘበለ ኲሉ ኣይትብላዕ። ብቐረባ ዝርኸብን፣ ሕሱርን  ዘበለ መግቢ ጥራይ ተመገብ። ንኸብድኻ ንመዓልቲ ከጻንሓ ዝኽእል ዓቐን ዉን ብላዕ፣ ክሳብ እትጸግብ፣ ወይ ዉን ከብድኻ ክሳብ ዝትርበብ ኣይትብላዕ።