መንገዲ ባሕታዉያን 25

ምዕራፍ 25. ጸሎተ ኢየሱስ

ጸሎተ ኢየሱስ ተብሂሉ ዝፍለጥ ጸሎት፣ ብሓፈሻ “ምህለላ”፣ ወይ ዉን “እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ/ ኪርያላይሶን/ኦ ጐይታና ክርስቶስ መሓረና” ኢልና እንጽልዮ ጸሎት እዩ። “ኪርያላይሶን” ግሪካዊ ቃል ኮይኑ፣ ካብ “Kýrie” ማለት “ኣምላኽ ወይ ጐይታ” “eléison” መሓረና ማለት እዩ፣ Greek: Κύριε, ἐλέησον “Lord, have mercy” “ኦ ጐይታ መሓረና፣ እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ” ማለት እዩ። ብሓባር ክኽዉን እንከሎ፣ “. . . መሓረነ ወይ ዉን መሓረና” ንብል፣ ብዉልዊ ክንጽሊ እንከሎና ድማ “. . .መሓረኒ” ንብል። እዚ ጸሎት ሓጺርን ቀልጢፉ ኣብ ልብኻ ዝኣቱን፣ ምሕረት ካብ እግዚአብሔር ዘዉህብ ስለዝዀነ፣ መነኮሳት ኣቦታትና “ኲናታዊ ጸሎት” ዉን ይብልዎ። ኲናት ዓሊምካ እንድሕሪ ሰንዲኻያ፣ ኣብታ ዝዓለምካያ ከምትበጽሕ፣ እዚ ጸሎት ዉን ብዕላማ እንድሕሪ ጸሊኻዮ፣ ኣብ መንበረ ጸባኦት በጺሑ፣ ምሕረት ዘዉህብ እዩ። እዚ ጸሎት 12 ግዜ ወይ ዉን 41 ግዜ ክንጽልዮ ይከኣል። “እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ” ድሕሪ ምባልና ዉን ስም ቅዱሳን እንዳወሰኽና “በእንተ ማርያም፣ በእንተ ሚካኤል፣ ገብርኤል፣ ሩፋኤል፣ መላእክት፣ ነቢያት፣ ሓዋርያት፣ ሰማዒታት፣ ጻድቃን፣ ሰንበት. . . መሐረነ ክርስቶስ” እንዳበልናን ከምኡ ዉን ስም ቅዱሳን እንዳእተና ናይ ኣማላድነት ጸሎት ከነብጽሕ ንኽእል። ንኣብነት “በእንተ ኣትናቴዎስ፣ ዮሃንስ፣ ቄርሎስ፣ ዲዮስቆሮስ. . . ወዘተ. መሓረነ ክርስቶስ” ክንብል ዉን ይኸኣል።

መበገሲ ናይዚ ጸሎት፣ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕራፍ 18 ዘሎ፣ ካብ ፍቕዲ 1-8 ዘሎ ጐይታ ዝሃቦ ምስላ እዩ።  “ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት። እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፥ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ፡ እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡  መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡  ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ። ጐይታ በለ፥ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧  ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎም፡ እብለኩም አሎኹ።”
 
እዚ ክፋል ወንጌል ዝምህረና፣ ብቀጻሊ ኣምላኽ ክምሕረና፣ ይቕረ ክብለናን፣ ደጋጊምና ከየዕረፍና፣ እንድሕሪ ለሚንናዮ፣ ኣምላኽ ከምዝምሕረና እዩ። እዚ ንሰብ ዘይፈርህ ምድራዊ ጨቃን ዳኛ፣ ‘ንኣምላኽ እዃ እንተዘይፈርሀ፣ ሰብ ዉን እንተዘሓፈረ፣ ግን ላሕ ምእንቲ ከይተበሎ’ ብምባል፣ ንሱ ንከዕረፍ፣ ፍትሒ ኣዉጺኡላ። ጐይታ፣ ንሕና ምድራዉያን ስለዝዀንና፣ ብምድራዊ ዳኛ ጌሩ ኣረዲኡና። እምበር ኣምላኽ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጨቃን ኣይኰነን፣ ግን ቀንዲ ሕመረት ናይዛ መልእኽቲ፣ ከየባተኽካ ምጽላይ እዩ። ከየዕረፍካ፣ ‘ኣምላኽ ኦሮማይ ኣይምሕረንን’ ከይበልካ፣ ብቐጻሊን፣ ሓጢኣትኻ ኣሚንካ እንድሕሪ፣ ብተደጋጋሚ “ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ንዓይ ንሓጥእ መሓረኒ” እንዳበልና እንድሕሪ ጸሊና፣ ብርግጽ ኣምላኽ እሙን እዩ፣ ክምሕረና እዩ።
 
እዚ ጸሎት እዚ፣ 41 ግዜ ይበጽሕ። እተን 39 ግዜ ኣብ ዝባን ጐይታ ዝዓለባ፣ ግርፋት ክዀና እንከለዋ፣ እተን ክልተ ድማ፣ ኣብ ርእሱ ብዘንጊ ዝተሃርሞን፣ ዝጸፍዕዎን፣ ንምዝኻር እዩ። ብድምር 41 ግዜ ንብለን። እዚ ማለት ግና፣ በዚ ተሓጺሩ ይተርፍ ማለት ኣይዀነን፣ 100 ግዜ፣ ተኺእልና ዉን 300 ግዜ፣ ከም ዓቕምና ቁጽሩ ብዘየገድስ፣ ብልቢ መጠን እቲ ዝኸኣልናዮ፣ ከነብጽሕ ጽቡቕ እዩ። እዚ ጸሎት`ዚ ስግደት ምስ ዝሕወሶ ዝያዳ ኣድማዒ ይኸዉን። 
 

ኣብ መወዳእታ ሳልሳይ ክ/ዘ ዝነበረ፣ መስራቲ ማሕበር መነኮሳት፣ ቅዱስ ጳቅሙዮስ ነቶም ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ምፍቃድ ቁጽሪ ዘይኽእሉ ዝነበሩ ገዳማዉያን ኣቦታት፣ ሓገዝ ምእንቲ ክኾኖም፣ 41 መቑጸሪን፣ ኣብ ጫፉ ድማ መስቀል ዘለዎ መቑጸርያ ሰሪሑ ከም ዝሃቦምን፣ ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፣ ነዚ መቁጸርያ ንጥቀመሉ ኣለና። ኣብ ግዜና ዝተፈላለየ ቁጽሪ ዘለዎ መቑጸርያ ንረኽብ። 33 ብናይ ጐይታ ምድራዊ ዕድሚኡ፣ 41 ብዝተቀበሎ መኸራ ሕማማት፣ 64 ብዕድመ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ 100ን 300ን ዝሓዘ መቑጸሪያ ኣሎ። ኣብ ቤተክርስቲያን ፍትሓት ክወሃብ እንከሎ፣ ነተን ኣብ ኣርባዕተ ኣጻብዕትና ናይ መተዓጻጸፊ ዘለዋ ሰለስተ መሳምር ብምቑጻር 12 ግዜ “እግዚአ መሓረና ክርስቶስ” ንብል።

 ኣብ ግብጺ ኣበምኔት ዝነበሩ ባሕታዊ ቅዱስ ኣባ ኢሳይያስ ነዚ ጸሎት`ዚ “ናይ ኣእምሮ መስትያት፣ ናይ ሕሊና ፋኑስ እዩ” ብምባል ይገልጽዎ። ካልኦት ኣቦታት ዉን፣ ኣብ ሓደ ጽሙው ዝበለ ገዛ ብዘይምቁራጽ ዝስማዕ ድምጺ ጸሎት ብምባል ይገልጽዎ። ኣብ ሓደ ገዛ፣ ሰረቕቲ ምእንቲ ክዝርፉ ኢሎም ናብ ቤት ሶሊኹም ይኣትዉ እሞ፣ ድምጺ ናይ ሰባት እንድሕሪ ሰሚዖም ሃዲሞም ይሞልቁ። ቤት ዝተባህለት፣ ልቢ እያ፣ ሰረቕቲ ዝተባህሉ እኩያት ኣጋንንቲ እዮም። ንነፍሲ ምእንቲ ክዝርፍዋ ክቐርቡ እንከለዉ፣ ድምጺ ናይቲ ብጸሎት ዝነቕሐ ሰብ ይሰምዑ`ሞ ከም ትኺ ይበንኑ ይሃድሙ።  ጸሎት ቤትና እንሕልወሉ መሳርሒ እዩ፣ ግን እቲ ሓላዊ ኣነ ኣይዀንኩን፣ ክርስቶስ ደኣ እምበር።

ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ተግባራት ምስዘዘዉትር፣ ንክርስቶስ ኣብ ነፈሱ የወሃህዶ። ሓደ ካብቲ ንክርስቶስ ምስ ህይወትና ከነሕብረሉ ንኽእል መዳይ ድማ፣ ጸሎት እዩ። ኲሉ ግዜ ንእግዜኣብሔር ጐይታና ንዝኽሮ እንድሕሪ ኮይንና፣ ንሱ ድማ ኣብ ልብና፡ ኣብ ነፍሲና፡ ኣብ ሕሊናና፡ ኣብ ህይወትና ይወሃሃድ፣ ይሓብር።  “ኣነ ደቀስኩ፡ ልበይ ግና ነቕሔ” /መሃልየ 5፥2/። ኣነ ደቂሰ ኣለኹ፣ ልበይ ግና ብጸሎት ነቒሓ ጸኒዓ ኣላ፣ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፣ ኣበ ሰማያዊ ህይወት፣ ብክርስቶስ ጸኒዓ ኣላ። መሰረት ህላወ ዝዀነት ልቢ፣ በቲ ምንጫ ህይወታ ዝዀነ ኣምላኽ ጸኒዓ ትነብር።

ናብዚ ደረጃ እንበጽሓሉ ጸሎት ከኣ እዚኣ እያ፣ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ንዓይን ንሓጥእ መሓረኒ”። ልብና ካብ ኲሉ ነገራት ኣጽሪና፣ ብርግኣትን ከይተሃወኽና ቀሰይ ኢልና፣ ብሙሉእ ቀልቢና፣ ብሓሳብና ዓዉ ኢልና፣ ደጋጊምና ነዛ ጸሎት ንበላ። ዓለማዊ ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ክንሓድግ ዘለና፣ እንታይ ደኣ እንኰላይ፣ ብሓሳብካ እትገብሮ ዕላል፡ ናይ ጾታዊ ፍቕሪ ሓሳብ፡ ብዛዕባ ብልዒ፡ ሓሳባዊ መጎተ፣ ሕልማዊ ሓሳብ፡ ሕልሚ ቀትሪ፡ ዝርብሻ ሕቶታት ንዚአን ዝምኣመሰላን ክንሓድግ ይግብእ። ትሕትናን፣ ቅንዕናን ብምሓዝን፣ ጾም ብምዉሳኽን፣ ብዝርአ ነገራት ካብ ዝቃለሰና ነገራት ርሒቕና ክንጽሊ ጽቡቕ እዩ።ኣብዚ ግና ጥንቃቐ ከድልየና እዩ፣ ብፍላይ ጀመርቲ ሰባት ንጸሎት ከመ ብሓሳብ ጥራይ ዝፍጸም ነገር ጌርኩም ከይትሓስብዎ። ጸሎት ግብሪ እዩ። ብስራሕ ዝትርጎም እዩ። በዚ ኣቢልና ኸኣ ህላወ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ይበዝሕ። ብፍላይ ኣባና ኣብቶም ብስሙ ዝተጠመቕና ሰባት፣ እዚ ሓይሊ እዚ ሕቡዕ ይምሰል እምበር፣ በዚ ጸሎት`ዚ ህላወ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ይገሃድ`ሞ፣ ፍረ ድማ ከነፍሪ ኢና። ጸሎት ኣብ ነፈሲና መንፈሳዊ ፍረ ከምዚፈሪ ዝገብር ሓይሊ እዩ፤ ካልእ ዕላማ የብሉን። ኣካዉሕ ዘፍርስ ሞደሻ እዩ፣ ሓይሉ ድማ ብርቱዕ እዩ። ኩሉ ሓሳባት ፍትወታት ግደፎ፣ ሰማያት ዝእዉጅዎ ድምጺ ዉን ስማዕ። ናብ መንግስቲ ኣምላኽ (ሰማያት) ንበጽሓሉ መንገዲ ሓንቲን እንኮን ጥራይ እያ፣ ንሳ ኸኣ መንገዲ መስቀል እያ። ኣብ መስቀል ተሸንኪርካ ምስቃል ኣዝዩ ብዙሕ መከራ ዘለዎ፣ ሕማም እዩ። ሕማምን መከራን ክገጥመካ እዩ፣ እምበኣር ንስኻዉን ልዕሊ`ዚ ዋላ ሓንቲ ኣይትጸበ። 

Many couples find that the great getaways, known as rallies and bike weeks are perfect for them. purchasing this purchase cheap viagra

ርእስኻ ምግታእ ኣብ ዝብል መስቀል፣ ብልሙድን፣ ቀጻልነት ብዘለዎ መስማር ስነ-ስርዓትን ጸኒዐን ንኽነብራ፣ ስጋኻ ሸንኪርካ ሰቕልካያ ኣለኻ። ናይ ሓሳብን ሕልማዊ ህይወትን ብትሪ ክትቆጻጸሮ ይግባእ። ብጸሎት፡ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃላት፡ ብመዝሙራት፡ ጽሑፋት ቅዱሳን ኣቦታት ብምንባብን፣ ኣጽኒዕካ ሸንክረን። ሓሳባትኻ ከም ድሌቱ ክመላለስ ኣይትፍቀደሉ። ሓሳባትካ ከም ድሌቱ ክመላለስ ትፈቕደሉ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ዕላማ ኣብ ዘይብሉ ሕልማዊ ዓለም ትነብር ኣለኻ። ግብሪ ዘየሰንዮ ሓሳባት እንድሕሪ ተመላሊሱኻ፣ ተቐላጢፍካ ብጸሎት እሰሮ።
ንሓሳባትካን ሕልማዊ ፍትወትኻን ምቑጽጻር ልመድ፣ ከምቲ ንሓደ ከልቢ ስነ-ስርዓት ምሂርካ ተላምዶ፣ ከምኡ ዉን ንሓሳባትካ ምግታእ ተላመድ። ንከልቢ ክትምህሮ እንከለኻ፣ ኣብ ድሌቱ ክጎይይ፣ ንጐሓፍን ንገዛን ክዘርግ፣ ኣይትፈቕደሉን። ከምኡ ዉን ሓሳብኻ ናብ ድሌቱ ክሕንብስ ኣይተፍቕደሉ፣ ካብቲ ግቡእ ከይወጽእ ኣሲርካ ሓዞ። ነዚ ነገር ድማ ደጋጊምካ ግበሮ፣ ሓንሳብ ጥራይ ጌርካ ሱቕ ኣይትበል፣ ኲሉ ግዜ ከምኡ ግበር። “ሓሳብካ እንድሕሪ ዘይገቲእካዮ፣ ብዋንኡ ዘይኰነስ ብካልእ ኣካል ዝምራሕ ፈረስ ተቐዪርካ ኣለኻ ማለት እዩ፤ ክሳብ ትንፋሱ ትሞልቕ ይጎዪ እሞ ኣብ መወዳእታ ድማ ይመዉት” ይብል ቅዱስ እንጦንስ ኣበ መነኮሳት። 

ነገራት ኲሉ ብጥንቃቐ ግበሮ፣ ኣይትተሃወኽ። ንሓደ ዛዕጎል ኣትሪርኻ እንድሕሪ ሃርምካዮ፣ ነቲ ተሪር ቕራፍ ጥራይ ዘይዀነ፣ እንኮላይ ነቲ ኣብ ዉሽጡ ዘሎ ህይወት ትጎድኦ። ስለዚ ናብ ጸሎተ ኢየሱስ ብታህዋኽ ኣይትዝለል። “እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ” ጥራይ ትብል ቃል ንምድጋም ኣይትተሃወክ። ዂሉ ግዜ ምስ ካልኦት ጸሎታትኻ ሓዉሶ፣ ቅድሚን ድሕሪን ጸሎተ ኢየሱስ፣ ካልእ ጸሎት ግበር። ልዕሊ ዓቕምኻ ሃረር ኣይትበል። ሙሉእ ኣድህቦኻ ሂብካ ክትጽሊይ ክኸብደካ ምዃኑ ዘኽር፣ “እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ” ትብል ጸሎት ብሙሉእ ኣድህቦኻ ክትጽሊይ ክኸብደኻ እዩ። ሰብ ስለዝዀንኻ፣ ኲሉ ግዜ ሓሳብኻ ክስረቕን፣ ክትርበሽን ኢኻ። እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላኣኽቲ ጥራይ እዮም ገጽ እግዚአብሔር ኣቦ፣ ኲሉ ግዜ ዝርእይዎ(ማቴ 18፥10)። ንስኻ ግና በንጻሩ ምድራዊ ሰብነት ኣለኻ፣ እዚ ሰብነት ዉን ድሌታት ኣለዎ። ስለዚ ብዙሕ ላዕሊን ታሕቲን ከጋጥመኻ እዩ። ምናልባት ንሓደ ሰዓት ወይ ንሓደ መዓልቲ ወይ ዉን ንሓደ ወርሒ ወይ ዓመት ዝኸዉን ጸሎት ከይገበርካ ተሕልፈሉ ኣጋጣሚ ክፍጠር ይኽእል። ከምዚ ከጋጥመካ እንከሎ፣ ኣመና ኣይትሕዘን፣ ንምንታይ ከምዚ ጌረ ኢልካ ዉን ናብ ሰማያት ኣይትወጭጭ፣ እኳደኣ በንጻሩ ተሞኩሮ ዝዉሕደካ ገና ጀማሪ ምዃንካ ዘክር፣ እዚ ነገር ዉን ከጋጥም ዝኽእል ባህሪያዊ ምዃኑ ተረዳእ። ንስኻ ገና ጀማራይ ባሕረኛ ኢኻ፣ ኣብ ባሕሪ ብትርእዮ ነገራት ኣዚኻ ስለትምሰጥ፣ ነቲ ዘጋጥመካ ማዕበል ፈተናታት ኣይተስተዉዕለሉን። ምክንያቱ ሓሳባትካ ኣብ ካልእ ስለዝጽመድ፣ ናይ ምስትዉዓል ዓቕምካ ድኹም ይኸዉን፣ ዘጋጥመካ ማዕበላት ዉን ክስዕሩኻ ይኽእሉ። እምበኣር በዚ ትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ ብዙሕ ነገር ክትረኽብ  ኣይትጸበይ። ካልኦት ዉን ክገብሩልካ ኣይትጸበይ።

ትኩር ምዃንን ምስትዉዓልን ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ፣ በንጻሩ ዝምቡል ምዃኑ ሓደገኛ እዩ። ጸሎት ትኩር ክትኸዉን ይሕግዝ፣ ነገራት ብንጹር ክትርእዮምን ክትመዝኖምን ይረድኣኻ፣ ስለዚ ጸሎት ጽቡቕ እዩ።  ጸሎት ዘዘዉትር ሰብ ንኹሉ ነገር ብንጹር ይርእይ፣ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ነገራት ይመዝንን፣ ይዕዘብን። ብጸሎት ኣቢሉ ኣብቲ ክትግበር ተሓሲቡ ዘሎ ዕማም ዉን ብርሃን ስለዘብርሃሉ፣ እቲ ዕማም ድማ ቀልጢፉ ይሰልጥ። ጸሎት ዘሰነዮ ተግባር ኲሉ ግዜ ይቀንዕ።እቲ መንፈስ፣ በቲ ኣባና ዘሎ ንጽህና ኣቢሉ እዩ ዝዓዪ። ንጽህና ክንዕቅብ እንድሕሪ ዘይተጊህና፣ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣባና ሓዲሩ ኣይክዓዪን። ስለዚ ነዚ ንጽህና ክንዕቅብ ንትጋህ፣ ከምኡ እንድሕሪ ጌርና እቲ መንፈሳዊ ሰብነትና ክዓቢ እዩ።

እንድሕሪ ጸሎት ኣዘዉቲርና፣ ፍቕሪን ትሕትናን ምስጋናን ስለዝህልወና፣ ካብ ጋሂ ናጻ ኮይንና ቅሳነት ንረኽብ። ብነጻሩ ተረርቲ ክሳድን፣ ትዕቢተኛታትን፣ ተስፋ ብምቑራጽ ወይ ዉን ብትዕቢት መንፈስ ንምራሕ እንድሕሪ ኮይንና፤ ወይ ድማ ብጣዕሳን ምምራርን፣ ግኑን ብዝዃኑ ኣተሓሳስባን ተምሪሕካ ነገራት ክትግብር ትሓስብ እንድሕሪ ኮይንካ፤ ህዋሳትካ ኣብ ዝመሩሕካ ትኸይድን፡ ብስጋዊ ፍስሃ ትምራሕን፣ ማለት ደርፊ ብምስማዕ ዝኣመሰሉ መዘናግዒታት ትሕጎስን፣ ባህታ ዝስመዓካን እንድሕሪ ኮይኑ፤ “ብዓለምን ንስኻ ብትዉንኖን ነገራት ዕጉብ ኣለኻ” ማለት እዩ፣ ከምዚ ዓይነት ሰብ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ኣብ ናይ ጌጋ መንገዲ ኣለኻ። ኣብቲ ናትካ ዓለም ጥራይ ተዋሒጥኻን ንዓኻ ዘድለየካ ነገራት ኣብ ምህናጽ ጥራይ ተጸሚድካ ኣለኻ፣ እዚ ድማ ጌጋ እዩ። ንድሕሪት ገጽካ ተመለስ፣ ገዛእ ርእስኻን ኣካይዳኻን መርምር። ነዚ ትገብረሉ እንኮ መሳርሒ ድማ ጸሎት እዩ።

ናይ ብርሃን መላኣኽቲ ብርሃን ሒዞም ክቐርቡኻ እዮም፣ ኣጋንንቲ ድማ ነዚ ብርሃን ስለዘይፎትዎ፣ ብርሃን ከይዓስለኻ፣ ክቃለሱኻ እዮም። ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚን፣ ዕድላትን፣ ነዚ ብርሃን ካባኻ ከርሕቅዎ ክጽዕሩ እዮም። ነዚ ኹሉ ተጻብኦ እትስዕረሉ ጸሎት ድማ እዚ እዩ፣ በዚ ጸሎት ሓይሊ ኣጋንንቲ ክትስዕር ኢኻ። ንክፋኣት ድማ ካብ ጽቡቕ ክትፈልዮ ትኽእል።

“እግዚኦ መሓረኒ/ና ክርስቶስ”
“ኪርያላይሶን”
“ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ንዓይ ንሓጥእ መሓረኒ”