ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን

12801483_1746204835614392_2127308009144957829_n

ኣብ ማሕበር ሓቢርና ጸሎት ክነቕርብ እንከሎና፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና ማዕረ ኣወዳት ኣሕዋቶም መዝሙር ዳዊትን ዉዳሴ ማርያምን ሕዘን ክጽልያ ይፍቐደለን ድዩ?

ሎሚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ፣ በዚ ኣጋጣሚ ንኩልኽን ደቂ ኣንስትዮ ብሩኽ በዓል ይግበረልኽን ይብል። ነዚ መዓልቲ ኣመልኪተ፣ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝቐረበልይ ሕቶ ክምልስን እግረ መገደይ ድማ ብዛዕባ ክብሪን ቦታን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክዛረብ ክፍትን እየ። ሚስጢር ገላጺ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኲሉ ሓሳብና ይደግፈና!

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ ንክልቲኡ ጾታ፣ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብማዕረ እያ እትጥምቶም። ክልቲኦም ብማዕረ ብመልክዕን ብምስልን ኣምላኽ እዮም ተፈጢሮም። “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።” /ዘፍ 1፡27/ ክልቲኦም ብማዕረ ወዲቖም፣ ክልቲኦም ድማ ብማዕረ ብደም ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሒኖም እዮም።

"ኵላትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።"
ገላ 3፡28

ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ ጓል ኣንስተይቲ ዝነበራ ቦታ ኣዝዩ ትሑት ነበረ። ክትምስክር ኮነ፣ ክትመሃር ይፍቀደላ ኣይነበረን። ዉድቀት ደቂ ሰባት ብሄዋን ስለተበገሰ፣ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረ ኣረኣእያ ኣዝዩ ትሑትን፣ ንዕቀት ዝተሓወሶ ነበረ። ታሪክ ኲሉ ዓለም ዝለወጠ ጐይታ ግና፣ ነዚ ነገር ሓንሳብ ንሓዋሩ ቀይርዎ እዩ።

ብስጋ ዝዉለደሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፣ ነቲ ብዝኽትምና ዝዓበየት ድንግል ማርያም እዩ መሪጽዋ። ብእኣ ኣቢሉ ድማ ኲሉ ታሪክ ተቀይሩ እዩ። ደጊም ጓል ኣንስተይቲ እትኽሰስ፣ እትንዓቅ፣ እትጽረፍ ፍጥረት ኣይኰነትን። ብሰንኪ ሄዋን ዝኣተወ ዉድቀት፣ ብሰንኪ ማርያም ከኣ ድሕነት ተረኺቡ እዩ። እታ ድንግል ዝነበረት ሄዋን፣ ቃል እቲ ዝወደቐ መልኣኽ ማለት ቃል ሰይጣን (ተመን) ሰሚዓ፣ ትእዛዝ ኣፍሪሳ ኣብ ትሕቲ ሞት ከም ንቑረን ገበረትና። በንጻሩ ድንግል ማርያም ድማ፣ ቃል ሰማያዊ ቅዱስ መልኣኽ ሰሚዓ፣ ብትሕትና መርሚራን ተኣዚዛን፣ ንወሃቢ ህይወት ንጐይታ ወለደትልና። ቀዳማይ ፍረ ማህጸን ናይ ሄዋን ማለት ቃየል ቀታሊ ነፍሲ ኮነ። ቦኽሪ ወዳ ንድንግል ግና ወሃቢ ህይወት እዩ። ስለዚ ኲሉ ታሪክ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ጐይታ ተቐይሩ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣገልግሎት ጐይታ

ብዘይካ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያም ካልኦት ብዙሓት ኣንስቲ ንጐይታ የገልግልኦ ነበራ። “ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያምዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።” ሉቃ 8፡3 ሓፍቲ ኣልኣዛር ዝነበራ ማርያምን ማርታን (ዮሃ 11 ሉቃ 10)። ቅድሚ ልደቱ ትንቢት ዝተዛረበት ቅድስት ነብዪት ሃና  /ሉቃ 2፡38/።

ጐይታ ክፍዉስ እንከሎ ናይ ጾታ ፍልልይ ይገብር ኣይነበረን። ንዂለ ብማዕረ ይጥምት፣ ብማዕረ ድማ ይፍዉሰን ነበረ። ነታ ልዕሊ 12 ዓመት ደም ዝፈስሳ ዝነበረ ሰብይቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሞጊስዋ እዩ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪ፡ በላ።” /ማር 5፡38/። ነታ 18 ዓመት ሙሉእ ሕቆኣ ጎቢጡ ዝነበረት ሰበይቲ “ጓል ኣብራሃም” ብምባል ፈዊስዋ /ሉቃ 13፡10/። ማርያም መግደላዊት /ሉቃ 8/ . . ወዘተ ተዘርዚሩ ኣይዉዳእን።

እታ ንጐይታ ኣብ ዔላ ዝተራኸበቶ ሳምራዊት ሰበይቲ ዉን ፍሉይ ኣብነትና እያ /ዮሃ 4/። ከምቲ ወንጌል ዝነግረና እዛ ሰበይቲ እዚኣ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ማይ ዝርርብ ከም ዝጀምሩ እሞ፣ ጐይታ ድማ ንሱ ወሃቢ ዘለኣለማዊ ማይ ከም ዝዀነን፣ ካብቲ ንሱ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ሰብ ዉን ንዘለኣለም ከም ዘይጸምእ ነገራ። ቀጺሉ ዉን ብዛዕባ ናታ ዉልቃዊ ህይወታ ከም ዝነገራን፣ በዚ ዉን ከም ዝተገረመትን፣ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ከም ዝኣመነት ይነገረና። ግን ወንጌል እዚ ጥራይ ኣይኰነን ዝነግረና።  እዛ ሰበይቲ ናብ ዓዲ ናብ ከተማ ኣትያ ” ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧” ኢላ ንህዝቢ ከም ዝመስከረት /ፍቕዲ 29/፣ እቶም ህዝቢ ዉን ” ስለቲ እታ ሰበይቲ፥ ዝገበርክዎ ዘበለ ነጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ።” /ፍቕዲ 39/። ታሪክ ቤተክርስቲያን ከም ዝምህረና፣ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ድሕሪ ምዉራድ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተጠምቀትን፣ “ፎትኒ”  ትርጉሙ “ብርሃን” ዝብል ክርስቲያናዊ ስም ከም ዝተዋህባን፣ ንሳ ደቃን ናብ ክርጣግና /ካርቴጅ-ናይ ሕጂ ቱኒዝያ/ ከም ዝኸዱን። ኣብኡ ድማ ኣብ ዘመን ኔሮን ብሰማእትነት ዓረፈት። ብሓጺሩ፣ እዛ ቅድስት ሰበይቲ ብንስሓ ህይወታ ዝቐየረት፣ ዞይራ ቃል ጐይታ ዝመሃረት፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ብሰማእትነት ከም ዝዓረፈት እዩ። በዚ ዉን “ማዕረ ሓዋርያት” ዝብል ናይ ክብሪ ስም ተዋሂብዋ እዩ።

ንጐይታ ክሳብ እግሪ መስቀል ዝሰዓብኦ ደቂ ኣንትዮ እየን። ካብ ኲሎም ዝተሓውረዩን፣ ሰለስተ ዓመት መመላእታ ደድሕሪ ጐይታ ዘሰዓቡን 12 ሓዋርያት፣ እንትርፎ ሓደ ዮሃንስ ወንጌላዊ ፍቁረ እግዚእ፣ ኩሎም ካልኦት ክሃድሙ እንከለዉ፣ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግና ኣብ እግረ መስቀል ነበራ። “ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።” /ዮሃ 19፡25/  “ንሳተን፡ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ዝሰዓባኦን ዘገልግላኦን ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ እየን።” /ማር 15፡41/። እቲ ዝገርም ድማ ናይ ትንሳኤ ጐይታ ቀዳመይቲ ብስራት ዝተቀበለት ጓል ኣንስተይቲ እያ። “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ።” /ማር 16፡9/

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል

ወንጌል ጽቡቕ ጌርና ክንምርምር እንከለና፣ ብዛዕባ ደቂ ኣንትዮ ብዙሕ ኣብነታት ንረኽብ ኢና። ብፍላይ ኣብ ህይወት ቅዱስ ጵዉሎስ ብዙሓት ኣንስቲ ንረኽብ። እታ ቀዳመይቲ እትጥቀስ ፌበን እያ። ቅድስት ፌበን ነታ ኣብ ክንክርኤስ ዝነበረት ቤተክርስቲያን እተገልግል ዝነበረትን፣ ንመልእክቲ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዘብጽሐት መልእክተኛ እያ። “ፌቤን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም ኣሎኹ። ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ።” /ሮሜ 16፡1/

ጵርስኪላን ኣኪላስን /ግብ 18፡2,18,26 ሮሜ 16፡3 1ይ ቆሮ 16፡9/ እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር፣ ኣብ ኣገልግሎት ጐይታ ምስ ጳዉሎስ ዝተግሁ ዝነበሩን፣ ንኣጵሎስ ጸዊዖም ቃል ኣምላኽ ዝመሃሩን፣ ኣብ ክንዲ ህይወት ጳዉሎስ ክሳዶም ኣሕሊፎም ንክህቡ ድልዋት ዝነበሩ እዮም። ኣብዚ ክንርድኦ ንደልዮ ነገር ተሃልዩ፣ ቅዱስ ጵዉሎስ ማዕረ ኣኪላስ (ሰብኣይ) እዩ ንሰበይቱ ንጵርስኪላ ቦታ ዝህባን፣ ኣኽቢሩ ዘመስግናን። ብዘይካዚ ኤዋድያንን ስንጤኪንን ዝበሃላ “ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዓራ እየን።” ቅዱስ ጳዉሎስ ዝመስከረለን ክልተ ቅዱሳት ኣገልገልቲ ጐይታ ንረኽብ /ፊለ 4፡3/

ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘዉዲ እያ /ምሳ 12፡4/

ሰብኣይ ብዘይ ሰበይቲ ማለት፣ ደጋፊ ዘይብሉ ጎዶሎ ኣካል እዩ። ኣዳም “በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ። ካብ መሰንገሊኡ ኸኣ ሓንቲ ወሰደ፡ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል፡ በለ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ። እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ።” /ዘፍ 2፡18-25/።

“ኣብ ድሕሪት ዓበይቲ ሰብኡት፣ ዓባይ ሰበይቲ ኣላ” ዝበሃል ቢሂል፣ ዳርጋ ንኲሉ ዘረባና መእሰሪ እዩ። ድሕሪ ናይ እምነት ኣቦ ኣብራሃም፣ ሳራ፤ ድሕሪ ይስሓቅ- ርብቃ ኣለዋ። ኣብ ታሪክ ሊቃዉንቲ ኣቦታት ዉን ተመሳሳሊ ነገር ንረኽብ። ንቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት ኣብ ዓቢ ደረጃ ዘብጽሓቶ፣ ኣዲኡ ቅድስቲ ኖና እያ። ንቅዱስ ባሲልዮስን ሓዉ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱንን ከምኡ ዉን ሰለስተ ቅዱሳት ኣሕዋቱ (ቅድስት ማክሪና፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ጳጳስ ናይ ሰባስቲያ፣ ቅድስት ቴዎሰቢያ ዲያቆናዊት) ብመንፈሳዊ ህይወታ ዝጸለወቶም ዓባዮም ቅድስት ማቅሪናን፣ ብሰማእትነት ዝተሰዉአት ኣዲኦም ቅድስት ኤምሊያን እየን። ንቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ዉን መሰረተ ክርስቲና ብተግባር ዝመሃረቶ፣ ኣዲኡ ቅድስት ኣንቱሳ እያ።

ሰበይቲ ናይ ሰብኣይ ዓንዲ ሕቆ እያ። ናይ ስድራቤት፡ ናይ ከባቢ፡ ናይ ዓዲ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሃገር ዓንዲ ሕቆ እያ። “ንሰብኣይ መሃሮ፣ ነቲ ትምህርቲ ንበይኑ ይጥቅመሉ፤ ንጓል ኣንስተይቲ መሃራ፡ ንሃገር ሙሉእ ክትምህር እያ”። እዚ ስለዝኰነ እዩ፣ ቅዱሳን ኣቦታት ንጓል ኣንስተይቲ ፍሉይ ቦታን ክብሪን ይህቡ ነበሩ። ከም በዓል ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌምን ቅዱስን ዮሃንስ ኣፈወርቅን፣ ፈልዮም ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ይምህሩ ነበሩ። ሰበይቲ እንድሕሪ ተማሂራ፣ ዉላድ ይመሃር። ዉላድ እንድሕሪ ተማሂሩ፣ መጻኢ ወለዶ ብሩኻት ይዀኑ። ብተዘዋዋሪ መልክዕ ድማ፣ ኲሉ ወለዶ ይመሃር።

ኲልና እንኣምኖ ሓቂ ኣሎ፣ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገዛ ጥራይ ዘይኰነ ናይ ቤተክርስቲያን ዉን ዓንደ ሕቆ እየን። ቀጻልነት ናይ ቤተክርስቲያን ኣብ ጥዑይ ስድራቤት እዩ ዝሙርኮስ። ጥዑያት ስድራ፡ ጥዑያት ቆልዑት የፍርዩ። ጥዑያት ቆልዑትን ጥዑያት ስድራ ቤተን ድማ፣ ነታ ቤተክርስቲያን መሰረታ እዮም። ከምቲ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ዝበሎ፣ “ቤት ናይ ክርስቲያን፣ ርእሳ ዝኸኣለት ንኢሽተይ ቤተክርስቲያን እያ”። ሓንቲ ክርስቲያናዊት ገዛ፣ ብሕጊ ወንጌል እትምራሕ እንድሕሪ ኮይና፣ ቤተክርስቲያን ተስፋ ኣለዋ። ኣብ ቤትና እዩ ክርስቲያንዊ ትምህርቲ ዝጅመርን ዝፍጸምን። ኣብዚ ቀንዲ ጉዕዞ ድማ፣ ተራ ጓል ኣንስተይቲ ወሳኒ እዩ። ኣብ ምህናጽ ስድራ ቤት ጓል ኣንስተይቲ ዝለዓለ ኣበርክቶ ኣለዋ። ንሳ፣ ፈቃር በዓልቲ ቤት፡ ሓብሓቢት ኣደ፡ ኣብ ሰበካ ጉባኤ እጃማ እተብርክት፡ ንፍዕቲ መራሒት እያ። ክንዲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኲሉ መዳይ ዝዋሳእ ኣካል ማንም የለን፣ እንተበልኩ ምግናን ኣይኰነን።

ንቀበሎ ኣይንቀበሎ፣ ፈቲኹም ጸሊእኹም፤ ንስድራ ቤት ጠርኒፋ ብፍቕሪ እትሕዝን፡ ዉለድ ብስነ ስርዓት እተዐቢን፣ ልዕሊ ሰብኣይ ሰብይቲ እያ። ብርግጽ ሰብኣይ ዉን ተራ ኣለዎ፣ የግዳስ ኣይክንዲ ሰበይቲ። ሰብኣይ ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ፣ ናይ ሰበይቲ ግና ይዛይድ። እግዚአብሔር ንጓል ኣንስተይቲ ክፈጥራ እንከሎ፣ ንከምዚ ዓየንት ጸጋ ከም ትዕድልቲ ሂብዋ እዩ። [pullquote]”ኣደ ልክዕ ቤት ትምህርቲ እያ፤ ነደ ጽቡዕ ጌርካ እንድሕሪ ኣዳሊኻያ፣ ጽቡቕ ህዝቢ ኣዳሊኻ ኣለኻ” ምስላ ኣዕራብ።[/pullquote]

ዲቦራ

ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ኣይኰነን፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዉን ኣብነት እትዀነና ቅድስት ዲቦራ ነበረት። ኢስራኤል ን20 ዓመት ሙሉእ ናይ ሲሳራ ሓለቃ ሰራዊት ክገዝኦም እንከሎ፣ ነብዪት ዲቦራ ንህዝቢ ኣምላኽ ትፈርድ ነበረት። ንባራቅ ጸዊዓ፣ ኣምላኽ ንሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኣብ ኢድካ ክህበካ እየ፣ ኢሉኻ ኣሎ እሞ ዉረድ፣ ምስ በለቶ። ባራቅ ጓል ኣንስተይቲ ኢኺ ኢሉ ከይነዓቃ “ምሳይ እንድሕሪ ከይድኺ ክኸይድ እየ፣ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከይድን እየ” ብምባል መለሰላ። ክሳዕ ክንደይ ጓል ኣንስተይቲ ክብርቲን፣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ድማ ማዕረና ጸጋ ተማቓሊት ምኳናን ካብዚ ክንርዳእ ንኽእል። ደቂ ኣንስትዮ፣ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ መዋርስቲ ንጸጋ ህይወት ምዃኖም ተረዲእና፣ ከንኽብረንን፣ ምስአን ብኣእምሮ ክንነብር ዉን ቅዱስ ጴጥሮስ ሚዒድና ኣሎ /1 ይ ጴጥ 3፡7/

ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን

667a5d4c68d042befcdf7ed26b094649ቅድስት ቤተክርስቲያን ንክልቲኡ ጾታ ብማዕረ እጥትምትን ብማዕረ እተግልግልን እያ። ቅዱስ ጳዉሎስ ብዛዕባ ቤተክርስቲያን ክዛረብ እንከሎ ከምዚ በለ፣ “እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ። እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ።” /1 ይ ቆሮ 12፡25-29/። ካብዚ ቃል ንመሃሮ ነገር ተሃልዩ፣ ኲሉና ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ምዃንና እዩ። ኮይኑ ግና ነናትና እጃም ኣለና።

ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ መንፈስ ቅዱስ ዝቐበላን፣ ኣምላኽ ብዝሃበን ጸጋ ዘገልግላን እየን። “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም።” /ግብ 2፡17/ ስለዚ ተማቐልቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምዃነን ክንፈልጥ ይግባእ። እዚ ስለዝዀነ ድማ እዩ፣ ቅድስት ቤተክርስቲያን ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚራ ዲያቆናዊት ዝብል ማዕረግ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሃበት።

ዲያቆናዊት

ካብ ዘመን ሓዋርያት ዝነበረ ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ናይ ኣገልግሎት ዓይነት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሓዋርያት፣ “ዲያቆናት ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዮም፣ ዲያቆናዊት ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምሳሌ እዮም” ይብለና። ቀዳመይቲ ዲያቆናዊት ዝነበረት ፌበን እያ። ብድሕሪኡ ዝጀመረ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ” ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት” ዲያቆናዊት ተባሂላ ትሽየም እያ። ኣገልግላታ ድማ፦

  • ንደቂ ኣንስትዮን ንህጻናትን ወንጌል ትምህር
  • ኣብ ግዜ ቅዳሴ ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ንካህናት ትተሓጋገዝ
  • ጎርዞ ጓል ክትጥመቅ እንከላ ኢድ ካህን ብምሓዝ ቅብኣ ሜሮን ትቀብእ
  • ሕሙማት ትበጽሕ፣ ኣጋይሽ ትቕበል፣ ድኻታት ትሕግዝ
  • ገዛ ገዛ እንዳዞረት ንሓደስቲ መርዑት፣ ሓዳረን ከመይ ጌረን ብክርስቲያናዊ መንገዲ ክኣልያ ከም ዝግባእ ትምህር. . ወዘተ

ስልጣነ ክህነት

ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ጓል ኣንስተይቲ ዘይትሳተፈሉ ኣገልግሎት፣ ብስልጣነ ክህነት ጥራይ እዩ። ማለት ካህን ወይ ጳጳስ ኮይና ከተገልግል ኣይፍቀደላን። ካብ ኣወዳት ዉን፣ ኩሎም ኣይኰኑን ዝፍቀደሎም፣ እቶም ዝተመርጹን ዉሑዳትን ጥራይ እዮም፣ ነዚ ኣገልግሎት ዝበቅዑ። ናይ ሓዋርያነት ስልጣን ዝተቐበሉ እቶም 12 ኣወዳት ጥራይ እዮም። ክህነት ብኲሉንትንኡ ንክርስቶስ ዝዉክል ስለዝዀነ፣ ክርስቶስ ከኣ ንቤተክርስቲያን መርዓዊኣ ኮይኑ ዝመጽአ ብጾታ ተባዕታይ ስለዝዀነ፣ ጓል ኣንስተይቲ ንኸምዚ ኣገልግሎት ኣይፍቀደላን። ሓዋርያት ዉን ኣብ ሕጎም ኣጽዲቖሞ ኣለዉ።

” ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት (ቤተክርስቲያን) ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ። ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምሃራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ።” 1ይ ቆሮ 14፡34 ከም ዝበለ ቅዱስ ጳዉሎስ፣ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዉሽጢ ቤተክርስቲያን ብስልጣን ናይ ክህነት ክትምህር ኣይፍቀደላን እዩ። ክትዝምር፣ ከተመስግን፣ ክትጽሊ፣ ክትንበ ግና ፍቑድ እዩ /1ይ ቆሮ 11/። ብዘይካ`ዚ ንዝሓቱዋ ምላሽ ክትህብ፣ ኣብ ቅድም ስብ ንጐይታ ክትምስክር፣ ንዝተጋገዩ ክትእርም ግና ትኽእል እያ።However, the most likely reason for this rise in cases is seen in http://djpaulkom.tv/sim-djs-x-just-blaze-x-baauer-higher-remix-and-club-mix/ levitra no prescription teenagers.

መዘምራን

ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ካብ ዘመነ ሊቃዉንቲ ጀሚሩ፣ ደቂ ኣንስትዮ ከም መዘምራን የግልግላ ኔረን። ህዝቢ እስራኤል ባሕሪ ኤርትራ ተመቒሉ፣ ኣምላኽ ብዓቢ ቅልጽሙ ምስ ኣድሓኖም። ሙሴን ኲሎም ደቂ እስራኤልን ” ንእግዚኣብሄር እዝምር ኣሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡” ኢሎም ብሓባር ክዝምሩ እንከለዉ፣ “ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።” /ዘጸ 15/። ካብዚ ንርድኦ ነገር እንተ ሃልዩ፣ ደቂ ኣንስትዮ ሱቕ ኢለን ይዕዘባ ከም ዘይነበራ እንታይ ደኣ፣ ኣብቲ ምስጋና ኣምላኽ፣ ማዕረ ኣሕዋተን ይሳተፋ ከም ዝነበራ እዩ።

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፣ ንደቂ ኣንስዮ ፈልዩ፣ መዝሙር ይምህረንን፣ ኣብ ቤተክርስቲያን ቀሪበን የዘምረን ከም ዝነበረ፣ ናቱ ታሪኽ ይሕብረና። ስለዚ ዉን “ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሙሴ” ዝብል ናይ ክብሪ ስም ዝተዋህቦ። ሕጂ ዉን ኣብ ቤተክርስቲያንና፣ ኣሓትና ደቂ ኣንስትዮ፣ ማዕረና ኣብ መዝሙር ኣብ ቅዳሴ ኣብ ምስጋና ኣብ ሰዓታት ይሳተፋ እየን፣ ክሳተፋ ዉን ይግብአን።

ነፍሲ ወከፍ ስርዓት ቤተክርስቲያን፣ ካህን እንታይ ኢሉ የመስግን፣ ዲያቆን እንታይ ይብል፣ ህዝቢ`ኸ እንታይ ይብል፣ ተፈልዩ ተነቢሩልና ኣሎ። ኣብቲ ህዝቢ ዝብሎ ድማ፣ ብማዕረ ንኲልና ዝምከልት እዩ። ስዓታት፡ ቅዳሴ፡ ማህሌት፡ ናይ ወጋሕታን ናይ ለይቲን ናይ ቀትሪን ምስጋናን፣ ማዕረ ኲሉ ህዝቢ ክሳተፋ ይግብአን እዩ።

ነዚ ኲሉ ኣብነት እትዀነና ባዕላ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መልኣከ እግዚአብሔር መጺኡ ነቲ ናይ ሰማይ ንጉስ ከም እትወልዶ ብስራት ምስ ነገራ፣ ዝጸለየቶ ጸሎት ንመርምሮ። ናይ ድንግል ማርያምን ናይ ሃና ኣደ ሳሙኤልን ጸሎት ብማዕረ ንመርምሮ። ሓደ ነገር ክንርዳእ ኢና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ጸሎታት ብቃላ ትፈልጦ ከም ዝነበረትን፣ ክትጽልይ እንከላ ድማ፣ ቅድሜኣ ካብ ዝነበሩ ኣቦታትን ኣዴታትን ዝተምሃረቶ ጌራ ትጽልይ ከም ዘላን እዩ።

ጸሎት ቅ.ድ.ማርያም

ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፣ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ በቲ ምድሓንየይ ባህ ይብላ። ዉርደት ባርይኡ ርእዩ እዩሞ እንሆ ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብጽዕቲ ኪብሉኒ እዮም። እቲ ኵሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ጌሩለይ እዩሞ፣ ስሙ ቅዱስ እዩ ምሕረቱዉን ኣብቶም ዝፈርኍኦ ንዉሉድ ወለዶ እዩ፣ ብቕልጽሙ ስልጣኑ ሓይሊ ገበረ፣ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም፣ ንሓያላት ካብ ዙፋዉንቶም ኣዉረዶም ንዝተዋረዱ ከኣ ልዕል ኣበሎም፣ ንጥሙያት ካብ በረኸቱ ኣጽገቦም፣ ንሃብታማት ከኣ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም ንዘለዓለም ምሕረቱ እናዘከረ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።

ጸሎት ሃና ኣደ ሳሙኤል

ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ ኣሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡
ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ ኣሎ። …ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ፡ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡ እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ፡ እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡ እቶም ጥሙያት ድማደጊም ኣይጠምዩን..እግዚኣብሄር የድኪ፡ የሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል። ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ..ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጕድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድ፡ ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ፡ ንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ።

ስለዚ ኣሓትና ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብ ምዝማር፣ ተስጦ ናይ ቅዳሴ ማዕረ ህዝበን ምምላስ፣ ዉዳሴ ማርያምን ዳዊትን ዉን ማዕረ ኲሉ ኣገልጋሊ ክጽልያን ይኽእላ እየን፣ ንሕና ዉን ከነተባብዐን ይግባእ። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ጓል ኣንስተይቲ ሓንቲ ነገር ጥራይ እያ ክትገብር ዘይትኽእል። ክህነት ክትቅበል ኣይትኽእልን። ብካልእ መልክዑ ግና ማዕረ ሰባ ብዘይተጉላባ ከተገልግል ትኽእል እያ። ኣካል እታ ስጋ ክርስቶስ ዝዀነት ቤተክርስቲያን ስለዝዀነት፣ ማዕረ እቶም ካልኦት ኣካላት ኣብ ምስጋና ክትሳተፍ ኣለዋ።

ኣነ ካብ ህይወተይ ክምስክልረልኩም። ኣብ ትምህርቲ እንከሎና፣ ኣብቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መሕደሪ ኣትየን ወንጌል ይሰብኻን፣ ዜማ ቅዳሴ ንዘይፈልጥ ሰብ ይምህራን (ካብቶም ዝመሃሩ ኣወዳት እንኮላይ ኔሮም) ኔረን። ኣነ እኳ ባዕለይ፣ ዜማ ናይ “እሴብሕ ጸጋኪ” ብክርስቶስ ዓባይ ሓፍተይ ካብ ዝዀነት ካብ ሓንቲ ነፍስሔር እየ ተማሂረ።

ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ

  • ብርኽቲ ሓፍቲ፣ ቅድስት ማክሪና ንሓዋ ንቅዱስ ባሲልዮስ ትሕግዞ ነበረት
  • ኣደ እያ፣ ንጳጳሳት፡ ንካህናት፡ ንዲያቆናት፡ ንሊቃዉንት፡ ንሰማእታት፡ ንቅዱሳን ዝወለደት እያ
  • ናይ ገዛ ብርሃን እያ /ምሳሌ 31/
  • ዓንዲ ሕቆ ናይ ስድራ ቤትን ናይ ቤተክርስቲያንን እያ፣ ከም በዓል ሱሳን
  • ኣመስጋኒት እያ ከም በዓል ማርያም ሓፍቲ ሙሴ
  • ወንጌል ትምህር እያ ከም በዓል ቅድስት ፎትኒ፡ ቅድስት ፌበን
  • ናይ ቅኔ መምህር እያ እሞሆይ ገላነሽ
  • ናይ ቅዳሴን ድጓን መምህር እያ  መምህርት ጥዕምተ ዜማ
  • ስልጣነ ክህነት ዘይብላ ክነሳ፣ ንካልኦት ካህናት ግና ዝባረኸት እያ፣ ቅ.ማርያም ግብጻዊት ንቅዱስ ዞሲማስ
  • መንፈሳዊ ኣማኻሪት እያ፣ ቅዱስ መቃርዮስ ዓቢ ናብ እመምኔት ሳራ መጺኡ መንፈሳዊ ምኽሪ የማኽራ ነበረ
  • ሕሙማት እትፍዉስ፣ ኣጋንንቲ እትዉጽእ እያ
  • እትንበ እትጽሊ እያ /1ይ ቆሮ 11/
  • ብሓጺሩ ስልጣነ ክህነት ገዲፍና፣ ደቂ ኣንስትዮ ዘይሳተፍዎ ኣገልግሎት ዳርጋ የለን

መጠቓለሊ

ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን፣ ተራ ጓል ኣንስተይቲ ማዕረ ናይ ወዲ ተባዕታይ እዩ። ክልቲኦም ብማዕረ ኣካል ስጋ ክርስቶስ እዮም። ኣካላት እዛ ስጋ ማለት ኣካላት ቤተክርስቲያን ስለዀኑ ድማ፣ ኲልና ንእግዚአብሔር ኣምላኽናን ክንሰምዕ፡ ክንእዘዝ፡ ከነምስግን ተጸዊዕና ኣለና። ከምቲ መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ ምእንታና ክብል ንገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ፣ ነፍሲ ወከፍና፣ ኣብዛ መዋቲት ስጋና ሓጢኣት ከይነግስ እንስዳተቃለስና “ንስጋና ህያዉን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርና” ናብ ጐይታ ክንዉፍዮ ይግብኣና። ኩልና ኣብ ቅድሜና ብድሆታት ኣለና። ካብ ወንጌል ዘየሰረቱ ድሑር ባህሊ ተበጊሱ ዝመጽእ ኲሉ ዕንቅፋታት ብጸጋ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ክንሓልፎን፤ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዕንቀፊታት ዘይኮነሲ፣ ክንዮኡ ጠሚትና፣ ዝተዋህበና ጸጋ ከነፍረይሉ ይግባእ። ኣብ ኲሉ ናይ ቤተክርስቲያን ኣገልግሎት ብማዕረ ክንሳተፍን፣ ብጸሎትን ብግብረ ሰናይን ክንተግህን፣ ደቂናን ስድራናን ብክርስቲያናዊ መንገዲ ብምዕባይን፣ ንስሙ ከነገልግልን ክንግዛእ ይግብኣና። እቶም ኣወዳት ዉን፣ ንሳተን ብክርስቶስ መዋርስቲ ህይወት ምዃነን ተገንዚብናን፣ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣብ ናይ ክሽነ ስራሕ ጥራይ ከይተሓጽራ፣ ኣብ ዂሉ ካልኦት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንክሳተፋ ከነተባብዐን ኣለና።

ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፣ ንሰበይቲ ኣኽቢሩ፣ ብደም ዘድሓነና ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ይኽበር ይመስገን፣ ኣሜን።