ዘንብብ ይዕንብብ

SummerReadingBanner copy

መንፈሳዊ ንባብ

ንባብ ንህይወትና ኣገዳሲ እዩ። “ዘንብብ ይዕንብብ” ስለዝዀነ፣ ንክዕንብብ፣ ዓንቢብና ዉን 30፡ 60፡ 100 ፍረ ከነፍሪ፣ ምንባብ ኣገዳሲ እዩ። መንፈሳዊ ሰብ ህይወቱ ብናይ ንባብ ልምዲ ዝተሃንጸ ክኸዉን ይግባእ። ሓደ ክርስቲያን መንፈሳዊ ጽሑፋት ዘንብብን፣ የዕሩኽት መጽሓፍቲ እንድሕሪ ኮይኑ ኣብ ህይወቱ ዕብየት፡ ጸጋን፡ ሓይሊን ይረኽብ።

እንታይ ክነንብብ?

ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ምንጪ ንባብ ኮይኖም ከገልግሉና ዝኽእሉ ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ኣለዉ።

  1. መጽሓፍ ቅዱስ፦ ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ኲሉ ምንባብ። ከምኡ ዉን ትርጉም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዋጽኡ ጽሑፋት ዉን ከነንብብ ይከኣል።
  2. ኣዋልድ መጽሓፍቲ፦ ናይ ትምህርተ መለኮት ወይ መንፈሳዊ ህይወት ዝምህሩና መጽሓፍቲ። ንኣብነት፣ ሃይማኖተ ኣበው፡ ብሂል ቅዱሳን፡ መጽሓፈ መነኮሳት. .ወዘተ። ኣብ እምነትና ዘለና መሰረታዊ ፍልጠት ከነግፍሓሉ፣ ንመንፈሳዊ ህይወትና ክንሃንጸሉ ዘኽእሉና ጽሑፋት ብዛዕባ ኣምላኽ ስጋ ምልባሱ፡ ሚስጢረ ሥላሴ፡ ብዛዕባ ጾም፡ ጸሎት፡ ድኻታት ምሕጋዝ. . ወዘተ ብሓፈሻ ናይ ባህሪ ለዉጢ ከነምጽእ ዝሕግዙና ጽሑፋት እየን። እዘን ጽሑፋት ሰባት ከከም ደረጅኦም ከንብብወን ይግባእ።
  3. ገድሊ ቅዱሳን፦ ስንክሳር፡ ታሪክ ወይ ገድሊ ቅዱሳን. .ወዘተ ኮይኖም፣ ታሪክ ናይ ገዳማዉያንን ደናግልን፡ ሰማእታት፡ ሰበኽቲ ወንጌል፡ ሊቃዉንቲ፡ መማህራንን፡ ናይ እምነት ጀጋኑ ሓርበኛታትን ዝሓዘለ ታሪካት ክኸዉን ይኽእል። ኣብዚ ታሪክ`ዚ ቅድሜና ዝነበሩ ክርስቲያናት፣ ንክርስቶስ ኣብ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘኽበርዎ፣ ንዝመጽኦም ፈተናታት ከመይ ጌሮም ብጸጋ ኣምላክ ይስዕርዎ፣ ወዘተን ክንመሃር ንኽእል።

ስለምንታይ ምንባብ ኣድለየ?

ሓደ ሰብ መገዱ ምእንቲ ከይስሕት፣ ዕላማ ናይ ምንባብ ክዝኽርን ዕላምኡ አንታይ ከም ዝኾነ ክርዳእ ይግብኦ። ንኣብነት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ መልክዕ የንብብዎ እይም። እቲ ዕላማ ዉን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዉን ይፈላለ አዩ። ገሊኡ ሰብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝትኡ፡ ታሪኩ፡ ጠባያቱ፡ ትእዛዛቱ ክርዳእ ደልዩ የንብብ። እቲ ካልእ ከኣ ኣብ ዝተወሰን ጥቅሲ ጸቒጡ ኣብኣ የስተንትን፣ ኣብ ህይወቱ ብምዉዓል ዉን መንፈሳዊ ረብሓ ይረክብ። እቲ ሳልሳይ ግና ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ናይ ኣካዳሚ መጽሕፍቲ ጌሩ ብምዉሳድ፣ ኣዕሚቑ ከጽንዕን ክመራመርን የንብብ። ብሓፈሻ ዘይኮነስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት፡ ኣንድምታ፡ ከም መወከሲ ይጥቀምን፤ ብተወሳኪ`ዉን መእተዊ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጽሑፋት፡ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ምድሪ እስራኤልን ባህለንን የጽንዕ። ትርጓሜ፡ ባህሊን፡ ትውፊትን ከም መርትዖ ብምቅራብ ተገራጨዉቲ ዝመስሉ ጥቅስታት የሰማምዕ፤ ምስ ታሪክ፡ ስነ ፍልጠት፡ ባህሊ፡ ስነ ከዋክብቲ፡ ስነ መሬት ንዘይሰማምዑ ቃል ኣምላኽ ኣብ ምርድዳእ ኣብ ፍልጠት ዘተኮረ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብር። ስለዚ ገሊኡ ግዜ፣ ገሊኡ ንፍልጠት፣ ገሊኡ ድማ ንህይወት የንብብ።

ጥቅሚ ንባብ

ንባብ ንኣእምሮካ ኣብቲ እተንብቦ ነገር ከም እትሓስብ ስለ ዝገብረካ፣ ብቐሊሉ ሓሳባትካ ጠሚሩ ይሕዘልካ፣ ተንብቦ ነገር ከም እተስተዉል ይገብረካ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ንኣእምሮኻ፣ ረብሓ ብዘይብሉ ሓሳባት ከይእሰር ይሕግዘካ። ብፍላይ መንፈሳዊ ጽሑፋት ከነንብብ እንከሎና፣ ብመንፈስ ንኽንነብር ይሕግዘና እዩ። ማር ይስሃቅ፣ ብዛዕባ ምንባብ መንፈሳዊ ጽሑፋት ክዛረብ እንከሎ “ሰናይ ምግባር ንዝነበሮም ኣቦታት ብምዝኽኻር ንሰናይ ነገር ከም ትለዓዓል ይገብረካ” ይብል። ብኣንጻሩ ፍልስፍናዊ ማለት ዓለማዊ ጽሑፍ ምንባብ ናብ ክፍኣት የዘንብለና። ስለዚ ምንባብ መፈሳዊ ጽሑፋት፣ ካብ ሓንጎልና ጠፋእን ሓላፍን ነገራት (ሓጢኣታዊ ሓሳባት) የርሕቀልና። በዚ ኣቢሉ ድማ ንሰማያዊት እየሩሳሌም ከም ንዝክራ ብምግባር ናብ መንፈሳዊ ኲነታት ልብና ኣለዓዒሉ፣ ኣምላኽና ሰናይ ምዃኑ ከነስተማቕሮ ይሕግዘና። ብሓፈሻ መንፈሳዊ ጽሑፋት ምንባብ ክልተ ዓበይቲ ጥቕምታት ኣለዎ፦

  1. ምንባብ መንፈሳዊ ጽሑፋት ካብ ርኹስ (ክፉእ) ሓሳብ ከርሕቀና ይኽእል። መንፈሳዊ ጽሑፋት፣ ክፋእ ሓሳባት ዘርሕቅ፡ ናይ ሕርቃን ስምዒት ዘወግድ፡ ንነፍሲ ዘዝሕል፡ ሕማቕን ከንቱ ሓሳብን ቆራሪጹ ዘጥፍእ ሴፍ እዩ፣ ብሓፈሻ ካብ ሓጢኣት የርሕቐና እዩ።
  2. ምንባብ መንፈሳዊ ጽሑፋት፣ ክፋእ ሓሳባት ጥራይ ዘይኰነ ዘርሕቀልና፣ መሊሱ ድማ ሰናይ ሓሳባት ኣብ ልብና የሕድረልና። ንኣእምሮና ናብ ኣምላኻዊ ሓሳባት ልዕል የብሎ። እዚ ጽልዎ`ዚ ቀስ እንዳበለ ደረጅኡ ሓልዩ ዝጉዓዝ ኮይኑ፣ ብቀጻሊ ምስ እግዚአብሔር ሕብረት ከም ዝህልወና ይገብረና እዩ።

ምንባብ መንፈሳዊ ጽሑፋት፣ ንነፍሲ ወከፍና ብመንፈስ ከም ንቃጸል ዝገብር ኣፍደገ መንፈሳዊ ህይወት እዩ። እታ ብዓለማዊን ንዋታዊን ሓሳብ ተታሒዛ፣ ብሕማቅ ዕርክነት ተመሪሓ፣ ብመንፈሳዊ ህይወት ዝደኸምት ነፍሲ፤ መንፈሳዊ ጽሑፋት ምስ ኣንበበት፣ ነቲ ዝነበራ ኣምላኻዊ ክብሪ ብምዝካር ንኣምላኽን ቅዱሳኑን ክትናፍቖምን ሃረር ክትብሎምን ትጅምር። በዚ ከኣ ናብቲ ዝነበራ ደረጃ ክትምለስ ትጽዕር። ካልእ`ዉን ልብና ብፍቕሪ እግዚአብሔር ከም ዝነድድ ይገብረናን፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ኣብ ገድሊ ቅዱሳን ዝሰማዕናዮ ሰናይ ምግባራት ዉን፣ ኣብ ህይወትና ክንትግብሮም ሓይሊ ይኮነና።

መንፈሳዊ ንባብ፣ ካብ ህይወትና ምስልቻዉን ድኻምን ኣወጊዱ ንልቢ የዳልዋን የንጽሃን። ነቲ ዘንብብ ሰብ ድማ ናብ ሰናይ ምግባር የቀላጥፎ፣ ማለት እቲ ዘንብብ ሰብ ሰናይ ምግባር ንምፍጻም ዝደፍኦ ዉሽጣዊ ድርኺት ይረኽብ። ከም ዉጽኢቱ ድማ ኩሉ ዓለማዊን ከንቱ ሓሳብን ካባና ይርሕቅ፣ ንክንፍንፍኖምን ንከይዝክሮምን ይገብረና።

መንፈሳዊ ንባብ፣ ናይ ቅዱሳን ህይወት ክትስዕብ ይደፋፍኣካ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ጻድቅ ሰብ ዝገበሮ ሰናይ ነገርን፡ ስነምግባርን ክተንብብ እንከለኻ፣ ነቲ ጻድቕ ሰብ ክትመስል ድሌት ይሓድረካ። እቲ ቅዱስ ሰብ ዝገበሮ ሰናይ ግብሪዉን ክንገብሮ ንደሊ። ስለዚ ሰናይ ግብሪ፣ ብመንፈሳዊ ንባብ ኣቢሉ ናብ ህይወት ኣንባቢ ይሰጋገር፣ በዚ ኣቢሉዉን ባህሪ ናይቲ ኣንባቢ ክኽዉን ይኽእል። ስለዚ ዉን እዩ “ነቲ ዘንብብ ሰብ ኣፍደገ ስነምግባር /virtues/ ይኽፈተሉ” ዝተባህለ።

ብዛዕባ ሕጊ እግዚአብሔርን፡ ሰናይ ግብሪን ዘንብብ ሰብ፣ ንገዛእ ርእሱ ብመስትያት ጌሩ ክርኢ ይኽእልን፣ እቲ ዘንብቦ ድማ ንዝገብሮ ግብርን ንህይወቱን ክምዝነሉ ዘኽእሎ ሚዛን ኮይኑ ዉን የገልግሎ እዩ። ስለዚ ንባብ ገዛእ ርእስኻ ኣትግምግመሉን እትምዝነሉን መሳርሒ ኮይኑ የገልግለካን፣ ናብ ንስሓ ዉን ክትበጽሕ ይሕግዘካን እዩ።

ሓደ ኣንባቢ፣ ቅዱሳን ሰባት ድሕሪ ብዙሕ ትግሃት፡ ትዕግስቲን ቃልስን (ገድሊ)፣ ዘጥረይዎ ሰናይ ባህሪን፣ ዝበጽሕዎ ደረጃ መንፈሳዊ ህይወትን፣ ከንብብ እንከሎ፤ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ናታቶም ሰናይ ግብሪ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ናቱ ግብሪ ብምግባር ከመዛዝን ይኽእል እሞ፣ መሊሱ ክሳዕ ክንደይ ንኡስን ገና ጀማሪን ከምዝኾነ ክርዳእ ይኽእል፣ ነፍሱ ዉን ይፈልጥን። ከብዚ ብምብጋስ ድማ ትሑት ይኸዉን። ስለዚ መንፈሳዊ ንባብ ኣብ ሓቀኛ ፍልጠት ዝተሞርከሰ ትሕትና ከም ዝህልወካ ይገብረካ እዩ። ብዙሕ ከንብብ ከሎ ዝያዳ ትሑት እንዳኾነ ይመጽእ፣ ምክንያቱ “ካብቲ ብዙሕ ዝፈልጥ ብዙሕ ክገብር የድልዮ” ስለዝብል ቃል ኣምላኽ።

መንፈሳዊ ንባብ ንጸሎት ሓጋዚ እዩ። ሓደ ሰብ፣ ካብቲ ዘንብቦ ዓይነት ጽሑፍ ተበጊሱ፣ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸሎት ከቕርብ ይኽእል። ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ብዝተፈላለየ መገዲ ይጸልዉና። ገሊኡ ዓይነት ጽሑፍ ክብደት ሓጢኣትኻን ድኽመትካን ይገልጸልካ። እቲ ንኸምዚ ዓይነት ጽሑፋት ዘንበበ ሰብ ከኣ፣ ብስቡር ልቢ ብሓጢኣቱ ሓዚኑ እንዳተናዘዘ ካብ እግዚአብሔር ምሕረትን ስርየትን ይሓትት። እቲ ብዛዕባ ሰናይ ግብሪ ዘንበበ ሰብ ከኣ፣ ልቡ ንሰናይ ግብሪ ስለዝለዓዓል፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንመገዲ ኣቦታት ክስጉመሉ ዘክእሎ ሓይሊን፣ ነቲ ሰናይ ግብሪ ናብ ህይወቱ ዝቕይረሉን ዝለምደሉን ጸጋን ክልግሰሉ ይጽልይ። ብዛዕባ ፍቕሪ ዝምህሩ ጽሑፋት ምስ ነንብብ ከኣ ምእንቲ ካልኦት ክንጽልይ ይሕግዘና። ብዛዕባ፣ ፍጹም ጽባቐ፡ ሓይሊን፡ ግርማን እግዚአብሔር ዝነግር ጽሑፍ ምስ እነንብብ ድማ፣ ክብሪ እግዚአብሔርን ሓይሊ ልዕልንኡን ስለዝበርሃልና፣ ምስኡ ክንዘራረብዉን ብቑዕ ከም ዘይኾንና ይርድኣናን፣ ተምበርኪኽና ክነመስግኖን፣ ንልዕልንኡን ብዝነግሩ ቃላት ጌርና ክንጽልይ ይገብረና። ንባብ ንጸሎት የተባብዕ እዩ። ቅዱስ ማር ይስሃቅ “ነፍሲ ካብ ንባብ ብዝርከብ ናይ ጸሎት ቃላት ደሚቓ ትበርህ፣ ሓደ ሰብ ክጽልይ ኢሉ ምስዝቀዉም ዉን እቲ ዘንበቦ ቃላት እንታይ ኢሉ ክጽልይ ከምዝግባእ ይሕግዞ” ብምባል የረድኣና።
If the price is too low – there would be a catch. viagra price try this link
ንባብ ምንጪ ጸሎት ጥራይ ዘይኰነ፣ ምንጪ ኣስተንትኖ ዉን (meditation) እዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብናዮ ጥቅሲ ብኣስተንትኖ ምስ ንምርምሮ፣ ወይ ታሪክ ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ምስ ነንብብ፤ እግዚአብሔር ኣብ ቅዱሳኑ ብዙሕ ጸጋ ኣሕዲሩ ስርሑ ከምዝሰርሐ ነስተንትን፣ ወይ ቅዱሳን ኣቦታት ንእግዚአብሔር ክሳዕ ክንደይ ከምዘፍቀርዎ ንርዳእ። ቅዱሳን ኣቦታት ናብ ኣምላኽ ክቀርቡ እንከለዉ፣ ከመይ ኢሎም ናይ ቅድስና (ናይ ስነምግባር) መሳልል እንዳደየቡ ከምዝሰገሩዉን ይምህረና። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብናዮ፣ ኣብ ኣእምሮና ብምዕቃብ ንደሓር ምንጪ ተመስጦ ክኾነና ይኽእል። ክፋእ ሰብ ካብ ልቡ ክፉእ ነገር የዉጽእ። ካብ ኣጸያፊ መጽሄታት፡ ጽሑፋት፡ መጽሓፍትን፡ ፊልሚታትን ክፋእ ነገር ዓቂቡ፣ ደሓር ምንጪ ክፍኣት ጌሩ ይጥቀመሉ። እቲ ሰናይ ነገር ዘንብብ ጻድቅ ሰብ ግና፣ ንደሓር ምንጪ ጽድቂ ስራሕ ኮይኑ ዘገልግሎ ኣምር ክዕቅብ ይኽእል። ተዘክሮታት ናይቲ ዘንብቦ ጽሑፋት ንነፍሱ ይምግብኦ፣ ንጸሎትን መንፈሳዊ ግዚኡን ምንጭ ተመስጦ ዝኾኖ ነገራት ይረክብ። ሳላ እቲ ዘንበቦ መንፈሳዊ ጽሑፋት ሓሳባቱ ከም መንፈሳዊ ምንጫጫዕታ ኮይኑ ክፈስስ እዩ።

መንፈሳዊ ንባብ ናብ መንገዲ እግዚአብሔር ይመርሓና፣ ፍቕድ እግዚአብሔር ይገልጸልና፣ መገድና’ዉን የብርሃልና እዩ። ዘማርይ ዳዊት “ቃልካ ንሱግምተይ መብራህቲ፣ ንመገድይ ብርሃን እዩ” ከምዝበለ /መዝ119÷105/። ሓደ ሰብ ቃል ኣምላኽን፣ ታሪክ ቅዱሳንን ከንብብ እንከሎ፣ ብዛዕባ ህይወት ንጽህና ፍልጠት ይረክብን መንገዱዉን ይርዳእን። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምንባብ ጥበብ ይልግስ እዩ። በዚ መንፈሳዊ ጥበብ ኣቢልካ ከኣ ህይወትካ ክትመርሕ ይከኣል። ብፍላይ ነቲ ዘንበብናዮ ኣብ ህይወትና እንድሕሪ ተግቢርናዮ፣ ዓቢ ለውጢ ንረኽብ ኢና።

ካልእ ናይ ንባብ ጥቕሚ ዉን ኣሎ። እዚ ጥቕሚ`ዚ ከከም ኩነታት ናይቲ ዘንብብ ሰብ ክፈላለይ ይኽእል። ንኣብነት ብፈተናን መከራን ዝተጨነቐት ነፍሲ ተስፋ ዝህብን ዘጸናንዕን መንፈሳዊ ጽሑፋት ከተንብብ እንከላ ትጸናናዕ እያ። ንኣብነት እግዚአብሔር ብፍሉይ ግብሩ ንኸምዚ ዓይነት ጸገም ክፈትሕ እንከሎ ዘርኢ፣ ወይ ምእንመናን ኣብ ዓቢ መከራ ዘርኣይዎ ጽንዓትን ተስፋን፣ ዘረድኡ ጽሑፋት እንድሕሪ ኮይነን፤ እቲ ዘንብብ ሰብ ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ መከራ ዝሓልፈሉ ጥበብ  ይረኽብ`ሞ፣ በዚ ዉን ነፍሱ ክትጸናናዕ ትኽእል። ካልእ ንኣብነት፣ ምናልባት ሓደ ሰብ ዓቢ ሓጢኣት ስለዝፈጸመ ተስፋ ይቖርጽን ካብ ኣምላኽ ከኣ ክርሕቅ ይጅምር ንበል። እዚ ሰብ`ዚ ብዛዕባ ንስሓን፡ ካብ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ወጺኦም ብንስሓ ዝተመልሱን እግዚአብሔር ድማ ዝተቀበሎምን፣ ናብ ዓቢ ቅድስና ከም ዝበጽሑን ምስ ዘንብብ፤ ልቡ ተስፋ ሰኒቓ ብንስሓ ናብ እግዚአብሔር ክምለስ ይኽእል። ካልእ ሰብ ድማ ንበል፣ ብዛዕባ ሓንቲ ጉዳይ ናብ እግዚአብሔር ጸልዩ መልሲ ኣይረኸበን፤ ካብዚ ተበጊሱ ዉን ኣምላኽ ከም ዝጸልኦን፡ ከም ዘየፍቅሮን፡ ጸሎት ደቁ ዘይሰምዕን ጌሩ ይይሓስብ። ከምዚ ዝበለ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ እንከሎ ግና፣ ቅኑዕ መልሲ ኣብ ግዚኡን ኣብ ሰዓቱን ብመንገዲ ኣምላኽ ክረኽብ ይክእል።

መንፈሳዊ ንባብ ንሓሳባት ኣነቃቂሑ ንኣእምሮ የማዕብል እዩ። ሓንቲ ሓሳብ ንካልእ ሓሳብ (ወይ ሓሳባት) ክትወልድ ትኽእል። እቲ ብኣስተንትኖ ብተመስጦን ዘንብብ ሰብ፣ ብመንፈሳዊ ሓሳባት ኣቢሉ ንህዋሳቱ ብመንፈሳዊ መገዲ ከነቃቕሐን ይኽእል እዩ። በቲ ዘንበቦ ኣርእስቲ ተወሲኑ ንህዋሳቱ ከለማምደን ይኽእል። መንፈሳዊ ኣገባብ ሓልዩ ጽቡቕ መጽሓፍ ምስ ዘንብብ ኩሉ ግዜ ረብሓ ኽረክብ እዩ። መንፈሳዊ ንባብ ስለዝተላመደ ከኣ ንዝኾነ ነገር ብተመስጦ (meditation) ክኸታተል ይኽእል።

መንፋሳዊ ንባብ ንኣእምሮ ብሰናይ ሓሳብ ስለዝሕዝ ከም ግዜ መሕለፊ ዉን ይጠቅም እዩ። ሕማቕ ሓሳባትን ትህኪትን ኣርሒቁ ኩሉ ግዜ ንቁሑን ትስፉዉን ይገብረካ።

ከመይ ጌርና ክነንብብ

  1. ንባብካ ብጸሎት ጀምር። ክትጋገ ስለትኽእል ኣብ ሰብኣዊ ፍልጠትካ ኣይትመርኮስ። ኣምላኽ ብመንፈሱ ጌሩ ምእንታን ክድግፈካ ድማ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ንባብ ምጅማርካ ጸልይ። ድኹምን፣ ሰብኣዊ ጥበብካ ድማ ዉሱንን፡ ነገራት ክርዳእ ዘይክእል ዓቕሚ ዘይቡሉ ምዃኑ ኣሚንካ ናብ እግዚአብሔር ጸሎት ኣቕርብ። “ኣብ ሕግካ ተኣምራት ክርኢስ ኣዒንተይ ክፈተለይ” በሎ /መዝ 119÷18/። ዘንበካዮ ክርድኣካ፣ ዝተረዳእኻዮ ልብኻ ክትቅበሎ፣ ዝተቀበልካዮ ዉን ብፍቓደኛ መንፈስ ክትፍጽሞ፤ ኣምላኽ ክሕግዘካ ሕተቶ። “ድሕሪ`ቲ ቃላት ዘሎ ሓይሊ (መልእክቲ) ምእንቲ ክስምዓኹምን ክርድኣኩምን፣ ረድኤት እግዚአብሔር ከይሓተትኩም ብዘይ ጸሎት ሚስጢራት መጽሓፍቲ ክትፍትሹ ኣይትቅረቡ” ብምባል ማር ይስሃቅ የጠንቅቐና። መለኮታዊ መጽሓፍ ክትርዳእ ጸሎት ቀንዲ መሳርሒ እዩ።
  2. ንዉልቕካ ጽቡቅ ትምህርቲ ከምትረክብ ዘለካ ፈሊጥካ ኩሉ ኣድህቦካ ኣብቲ ተንብቦ ዘሎ ነገር ጥራይ ግበር። ሓሳባትኻ ናብ ካልእ ከይስረቅ ተጠንቀቕ። ሓሳብካ ክትስረቕ ኣንከለኻ ዉን፣ ስለቲ ድኽመትካ ብትሕትና ሕዘን። ድሌታትካ ኩሉ ንእግዚአብሔር ንገሮ፣ ኣማላድነት ናይቶም ብናይ ንባብ ህይወቶም ዝፍለጡ ቅዱሳን ኣቦታት (ሊቃዉንቲ ከም በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቅ፣ ንኣብነት ንሱ መዓልታዊ ኲሉ ናይ ቅዱስ ጳዉሎስ መልእክቲ ይንብብ ነበረ) ሕተት። ነቲ ዘንበብካዮ ነገራት ኩሉ ግዜ ዘክሮ፣ እዚ ንኩሉ ግዜ ከርብሓካ እዩ።
  3. ነቲ ዘንበብካዮ ነገራት ከተስተንትን (meditate)ክትገብር እንከለኻ፣ ብዛዕባ ዘሸግሩን ዝተሓላለኩን ነገራት ክትሓስብ ኣይትፈትን፣ ከምዚ ዓይነት ነገራት ኩሉ ግዜ ግደፎም።
  4. ኩሉን መጽሓፍቲ ንኣስተንትኖ ከየገልግላ ይኽእላ እየን። ብፍላይ ናይ ንባብ ልምዲ ዘይጸንሖም ሰባት፣ ከም መበገሲ ናይ ታሪክ መጽሓፍቲ ከንብቡ ይግባእ። እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ከመይ ጌሩ ከምዝሓረዮምን፣ ከመይ ጌሩ ከም ዝረድኦምን፣ ከምኡ ዉን ቅዱሳን ሰባት ንእግዚአብሔርን ንጎረቤቶምን ብጻዮምን ከመይ ጌሮም ከምዘኽበሩን ጽቡቕ ጌርካ መርምር። ብድሕሪዚ ትምህርታ ዝህቡ መጽሓፍቲ ኣንብብ።
  5. ኣስተዉዕል፣ ንባብ ናብ ዕላማኻ መብጽሒ እምበር፣ ባዕሉ ትበጽሖ ዕላማ ኣይኮነን። ስለዚ ብምንባብ ኣቢልካ ናብቲ ዝሓሰብካዮ ዕላማ እንተበጺሕኻ፣ ምንባብ ሓዲግካ ነቲ ብምንባብ ዝበጻሕካዮ ዕላማ ክትግብሮ ይግብኣካ። ምንባብ ንነፍሲ ብፍቕሪ እግዚአብሔር ዘንድድ ክርቢት እዩ። ስለዚ ነፍሲኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ እንድሕሪ ተቓጺላ፤ መመሊስካ ክርቢት ክትሽርጥጥ ኣይትዉዓል። ብቅዱስ ሓዊ ቀንዴልካ ወሊዕካ ከም ሓሙሽተ ለባማት ደናግል ንመርዓዊ ክትቅበል ዉጻእ። ምንባብ ንቕሩብ ግዜ ሓዲግካ፤ ብኣስተንትኖ ወይ ገዛእ ርእስካ ብምምርማር ወይ ስለ ሓጢኣትካ ብምብካይ ወይ ብመንፈሳዊ ምልምማድ፤ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ሓዲሩ ዝፍጽሞ ግብሪ ክትዓዪ ፈትን። እቲ ብምንባብ ዝተወልዐ ሓዊ ከይጠፍእ እቲ ረስኒን ዋዒን ከይዝሕል ግን ምንባብ ኣዘዉትር። ምኽንያቱ እቲ ሓዊ እንድሕሪ ጠፊኡን ዝሒሉን፣ መሊስኻ ደሊኻ ኣይክተረኽቦን ኢኻ።

ግዜን ዓቀን ንባብን

ብተመስጦ ዝንበብ ንልቢ ኣነቃቒሑ ብጸጋ ከም ትዓቢ ስለዝገብረካ ንባብ ብተመስጦ ክንበብ ይግባእ። ኣብ ሓንቲ ጥቅሲ ጥራይ ተሞርኪስካ ብኣስተንትኖን ተመስጦን ምምርማር ጽቡቕ እዩ፣ ኮይኑ ግና ዕግበት ኣይህብን። ንነፍሲ ወከፍ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ በብሓደ ክነምርምሮን ከነስተንትኖን እንተንፍትን ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ዓመትዉን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና ኣይመወዳእናዮን። ኲልና ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኣት ክንፈልጦ ይግባኣና እዩ፣ ምልኣት ፍልጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዉን ንድሕነትና ኣገዳሲ እዩ። ፍልጠት ብመንፈስ ከነስተንትን ስለዝሕግዘና ንመፈሳዊ ህይወትና ሓጋዚ እዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕና ክንፈልጦን ክነጽንዖን ይግባእ። ግን ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክተስተንትን ጽቡቕ እዩ። እሞ`ኸ ደኣ ነዘን ክልተ ነገር፣ ማለት ንምልኣት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ምፍላጥን፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጥቅሲ ምስትንታንን ከመይ ጌርና ከነወሃህደን ይከኣል? ብኸመይ መገዲ ከነንብብ? ኣየናይ መጽሓፍ ክንመርጽ? ብፍላይ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ከንጽንዕን ክንምርምርን እንደሊ ኮይኑ ግና ናይ ግዜ ሕጽረት ዘለና ሰባት ከመይ እንተገበርና ይሓይሽ? እቲ መፍትሒ ቀሊል እዩ። ሓንቲ ካብዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ መገዲታት መሪጽና ክንጥቀም ይከኣል፦

  1. ዝተወሃሃደ ናይ ንባብ መደብ ምስራዕ። ዉሑዳትን ተከታተልቲ ምዕራፋትን ተንብብ`ሞ ካብተን ዘንበብካየን ጥቅስታት ሓንቲ መሪጽካ፣ ወይ ከኣ ነቲ ቀንዲ ሓሳብ (መልእክቲ) ናይቲ ጽሑፍ ወሲድካ ምስትንታን። መዓልታዊ ንፍርቂ ሰዓት ዘንብብ ሰብ፣ ዒስራ ደቃይቅ ንምንባብ፣ እቲ ዝተረፈ ዓሰርተ ደቃይቅ ከኣ ንኣስተንትኖ ክጥቀመሉ ይክእል።
  2. ካልእ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጽሑፋት ኣብ ዝተፈላለዩ መዓልታት መዲብካ ምንባብን፣ ሶሙናዊ ድማ ነቲ ዘንበብካዮ ምስትንታንን ምግምጋምን። መዓልታዊ ዘንበቦ እንዳመዝገበ ይጸንሕ እሞ፣ ኣብ ሶሙን ሓንቲ መዓልቲ ነቲ ዘንበቦ ይግምግምን የስተንትንን። እዚ መደብ ዝያዳ ነጻነት ዝህብ ጽቡቕ ሜላ እዩ። ኣንባቢ ግና ኣዝዩ ከስተዉዕል ይግባእ፣ ንዂሉ ዓይነት ንባብ ዘጠቃልል መደብ ዉን ክሰርዕን፣ በቲ ዝመደቦ መደብ ዉን ክጉዓዝ ይግባእ።
  3. እቲ ሳልሳይ ኣማራጺ ከኣ ብተመስጦ ተንብበሉ ፍሉይ ግዜ መዓልታዊ ምምዳብ እዩ። እቲ ንፍልጠት ኢልካ እተንብቦ ከኣ ኣብ ካልእ መዓልቲ ምምዳብ፣ ኣብዚ ግና ምዕሩይ ዝኾነ ሶሙናዊ መደብ ክህልወካ ኣለዎ።
  4. ዝረኸብካዮ ዕድላት ንረብሓ ምዉዓል፣ ነጻ ግዜ ኣብ ትረኽበሉ ኣጋጣሚታት ምንባብ። ንኣብነት ብዕረፍቲ ክትገይሽ ከለኻ ብዙሕ ናጻ ግዜ ስለዝህልወካ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ምምዝማዝ ኣዝዩ ኣድማዒ እዩ። ከምዚ ዓይነት መደብ፣ ስራሕ ኣብ ዝጽዕቀሉ ግዜ ንዝኸሰርካዮ ኣጋጣሚታት፣ ከተከሓሕሶን ዘኽእለካ መመላእታ ስለዝኾነ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ።

ኣብ ዝኾነ ሃዋሁ ግና፣ ሓደ ሰብ ምቹእ ግዜ ክመርጽ ኣለዎ። ኣመና ክትደኽም እንከሎኻን፣ ስራሕ ክበዝሓካ፣ ወይ ክስልችወካን እንከሎ ጥራይ ምንባብ ጌጋ እዩ። ማለት ተረፍ ሰዓታትካ ጥራይ ንእግዚአብሔር ክትህብ ኣይግባእን። እዚ ነገር እዚ ኣየርብሓካን እዩ፣ እቲ ምንባብዉን ጾር ዝዉስከልካ መሲሉ ክርኣየካ ስለዝክእል ጥንቃቀ የድልየካ እዩ። ናይ ምንባብ ልምዲ ከነጥሪ እግዚአብሔር ይሓግዘና ኣሜን!!

           The Paradise of the spirit.
            by the late Bishop Youannis