መንፈሳዊ ትርጉም ናይ ሳእኒ ምዉጻእ እንታይ እዩ፧?

mosኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዝዓበየ ኣማኒ፣ ካብ ህጻንነቱ ጀሚራ ኣብ ልቡ ዝተሰረተት ስርዓት፣ ቤተክርስቲያን ክትኣቱ እንከለኻ ኣሳእንኻ ምዉጻእ እዩ። እዚ መንፈሳዊ ልምዲ እዚ ባህሊ ዝሰረቱ ዘይዀነስ፣ ትእዛዝ እቲ ልዑል ኣምላኽ እዩ። ታቦት ኣብ ዘለዎ ቅድስት ቤተክርስቲያንን፣ ስግደት ኣብ ዝግበረሉ ቦታን፣ ሳእንና ነዉጽእ ኢና። እዚ ስርዓት ኣብ ኲለን ኦርቶዶክሳዉያን ቤተክርስቲያናት ልሙድ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ቦታ ዉን፣ ታባት ኣብ ዘይርኸቦ ኣዳራሻት ከይተረፈ ዉን፣ ሳእኒ ይወጽእ እዩ። ስለምንታይ? መንፈሳዊነት ናይዚ ተግባር`ከ እንታይ እዩ?

ቅዱስ ቦታ

ቃል ኣምላኽ ከም ዝነግረና፣ ሙሴን ኢያሱን ብትእዛዝ ኣምላኽ ሳእኖም ኣዉጺኦም እዮም። ሊቀ ነብያት ሙሴ ነታ ሃልሃል ኢላ እትነድድ ዝነበረት ኣገራሚት ቁጥቋጥ ትርኢታ እንታይ ምዃኑ፣ ማለት እቲ ሓዊ ነታ ቆጥቋጥ ዘይምብልዑ፣ ጠሊ ናይታ ቆጽሊ ድማ ነቲ ሓዊ ዘይምጥፍኡ፣ ክምርምር ኢሉ ምስ ቐረበ፣ ” እዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡” ኢሉ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተዛረቦ /ዘጸ 3/።

እቲ ኣብ እግሪ ሙሴ ዝዓበየን፣ ሙሴ ምስ ዓረፈ ዝተክኦ ኢያሱ ዉን ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢምዎ እዩ። ኢያሱ ንህዝቢ ኣምላኽ መሪሑ፣ ኣብ ጊልጋል ምስ በጽሐ፣ ሰይፉ ምሉሕ ዝዀነ ሓለቃ ሰራዊት እግዚኣብሔር ምስ ተገልጸሉ፣ ዝተዛረቦ ዘረባ ልክዕ ከምቲ ናይ ሙሴ እዩ።

ስለምንታይ?

ስለምንታይ ሳእኒ ምዉጻእ የድሊ? እንታይ ኣገዳሲነት ኣለዎ? ከምቲ ኣቦታት ካብ ቀደም ዝመሃሩና፣ ናይዚ ትእዛዝ እዚ መንፈሳዊነቱ ኣዝዩ ዓሙቕ እዩ።

ሰባት ክንበሃል እንከሎና፣ ስጋ፡ ነፍሲን መንፈስን ኢና /1ይ ተሰ 5፡23/። ስጋ እንብሎ ብሓፈሻ እቲ ኣጽሚ ስጋ ደም እዩ። ነፍሲ ዝበሃል ድማ እቲ ኣእምሮ ርድኢት ሕሊና እዩ። መንፈስ እንብሎ ግና እቲ ኣምላኽ ኣባና “ኡፍ” ኢሉ ዘሕደሮ ናይ ኣምላኽ ጸጋ እዩ። ኣብ ሰብነትና ናይዘን ሰለስተ ነገራት ዉህደት ኣገዳሲ እዩ፣ ሓዲአን ምስ ዘይሓብራ፣ እቲ ሰብ`ቲ ጉድለት ኣለዎ ይበሃል። ንኣብነት፣ ስግኡ ጥዑይ ሓንጎሉን ሕሊንኡን ዘይጥዑይ ሰብ፣ ሙሉእ ኣይንብሎን። ምናልባት ስግኡን ሓንጎሉን ጥዕዩ፣ መንፈሱ ምስ መንፈስ ኣምላኽ ዘይሓበረ ሰብ ዉን፣ ጥዑይ ኣይበሃልን /ዓለማዊ ወይ እንስሳዊ ንብሎ/። ሓንጎሉ ጥዕዩ፣ መንፈሱ ምስ መንፈስ ኣምላኽ ሕብረት ዘለዎ ሰብ፣ ስግኡ ግና ጎደሎ እንድሕሪ ኮይኑ ድማ፣ ስንኩል ንብሎ።

ናይ ሰለስቲአን ነገራት ጥዕናን ዉሕደት ኣገዳሲን ኣድላዪን እዩ። ኮይኑ ግና ናይ መንፈስን ናይ ነፍሲን ጥዕናን ግና ዝያዳ የገድስ። እዚ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፣ ነፍሲን መንፈስን ምስቲ ግዳማዊ ኣካል ዘሎ ነገራት ርኽብ ዝፈጥራን፡ ዝምርምራን ብስግአን እየን። ሓንጎልና ናይ ጸሓይ ረስኒ ክርዳእ ዝክእል፣ ቆርበትና ብዝስምዖ ዋዒ እዩ። ናብ ትምህርትና ንመለስ።

መንፈሳዊ መልእክቲ

ኣብ ቦታ ሙሴ`ሞ ነፍስኹም የእትዉዋ። ሃልሃል እትብል ቆጽሊ ርኢኹም፣ ኣዚኹም ተገሪምኩም፣ ነቲ ዘገርም ትርኢት እንዳረኣኹም ክትቐርቡ እንከለኹም፣ ብርግጽ እንታይ ከም ትረግጹ ኣይክተስተዉዕሉን፤ ምክንያቱ ኣእምሮኹም በቲ ዝርእዮ ነገር ተሰሪቑ ኣሎ። ሳእንኹም እንድሕሪ ኣዉጺእኹም ግና፣ ብኡንብኡ እቲ ትረግጽዎ ነገራት እንታይ ምዃኑ፣ ማለት በሊሕ ዲኹም ረጊጽኹም ዋላስ ሑጻ፣ ክፍለጠኩም ይጅምር። ሽዑ እቲ ብዘደንቕ ትርኢት ተሰሪቑ ዝጸንሐ ኣእምሮኹም፣ ናብ ልቡ ይምለስ`ሞ እቲ ዘልዎ ቦታ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሙሴን ኢያሱን፣ ብእኦም ኣቢሉ ድማ ናባና ማለት እዩ፣ “ኣሳእንኩም ኣዉጽኡ” ኢሉ ዝእዝዝ ዘሎ፣ ኣብ ቅድሚ መን ደዉ ከም ዝበልና ክፍለጠናን፣ ንክብሪ ኣምላኽ ብዝበቕዕ ኣቃዉማ ንኸነመስግን እዩ። ከምቲ ሳእኒና ካብ እግሪና ምስ ወጽአ፣ ኲነታት ናይቲ ንረግጾ ዘለና ቦታ ዝፍለጠና፣ ከምኡ ድማ፣ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣሳእንና ከነዉጽእ እንከለና፣ ኣብ ቅድሚ መን ከም ዝቆምና፣ ገዛእ ርእስና ከነዘኻክር እዩ። ስለዚ ዉን እዩ፣ ኣብ ቅዳሴና “ሕሊናኹም ናብ ላዕሊ ይኹን፣ ሓሳብኩም እዉን ኣብ ሰማይ ይሃሉ። ደዉ ኢልኩምሉ ዘሎኹም ፍለጡ። ቃል ጽድቂዉን ስምዑ። ሰናይ ነገር ከኣ ጽን በሉ” ተባሂሉ ዝእወጀልና /ቅዳሴ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ፍ.2 ይ.ዲያቆን/። ኣብ ቅድሚ`ቲ ኣምላኽ ሰማይን ንጉስ ኲላ ምድሪ እግዚአብሔር ደዉ ኢልካ ከም ዘለኻ፣ ፍለጥ ኣስተዉዕል። ሳእኒኻ ናይ ምዉጻእ ዕላማ እዚ እዩ።

ሳእኒ ምዉጻእ ዉን ምስ ሞት ይተኣሳሰር እዩ። ሳእኒ ካብ ቆርበት ይስራሕ፣ ቆርበት ድማ ካብ ዝሞተ እንስሳ ይርኸብ። ስለዚ ሳእኒ ካብ ኣእጋር ምዉጻእ፣ ብመንፈሳዊ መገዲ፣ ካብ ምዉት ግብሪ ምርሓቅ ማለት እዩ። ሳእንና ከነዉጽእ እንከለና፣ ናብ ሞት ካብ ዘብጽሓና ኲሉ ግብሪታት ገዛእ ርእስና ከነንጽህ ከም ዝግብኣና መዘካኸሪ እዩ። ቅዱስ ጳዉሎስ “ብንስሓ ካብ ምዉት ግብሪ” ክንምለስ ዝመዓደና ዉን ነዚ ከርኢ እዩ /እብ 6፡2/። “እምነት፡
ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ” /ያእ 2፡17/ ሳእኒ ናይ ሞት ምልክት እዩ፣ ነቲ ምልክት ዝዀነ ሳእንና ኣዉጺእና፣ ኮይኑ ግና ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓሳባት ኣብ ልብና ዝዓቆርና (ኣነ ዝቐዳማዮም!) ክንደየኖት ኢና?

ናብ ቅዱስ ቦታ ንመጽእ ዘለና፣ ክብሪ ኣምላኽን ሞገስ ግርምኡን ንምድናቕ፣ ካብቲ ንሱ ዘዉሕዞ በረኸት ምእንቲ ክንኻፈል፣ ምስቲ ሰማያዊ ንጉስ ፍጹም ሓድነት ክህልወናን፣ ኣብ ሕብረት ቅዱሳን ተሳተፍቲ ምእንቲ ክንኸዉን እዩ። እዚ ክኸዉን ግና፣ ኣቐዲምና ናብ ሞት ከብጽሑ ካብ ዝኽእሉ ዓለማዊ ምዉት ነገራት፣ ንርእስና ከነንጽህ ይግባእ።

ብጥዕናዊን ተግባራዉን ነገራት ዉን፣ ሳእኒ ምዉጻእ ኣገዳሲ እዩ። ሳእኒ ብዙሕ ጎሓፍ ዝረግጽን፣ ረስሓት ዘለዎ ነገራት እዩ። ኣብቲ ንሰግደሉ ቦታ፣ ሳእንና ኣዉጺእና ክንኣቱ እንከለና፣ እቲ ንሰግደሉ ቦታ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ይከዉን። ኣብ መንፈሳዊነት ክንመጽእ እንከለና ድማ፣ ንሰብነትና ካብ ዘርኽሱና ነገራት ከነንጽሃ ከም ዝግባኣና መዘኻከሪ እዩ። “ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ።” /ማር 7፡15/።

“እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17 እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” 1ይ ቆሮ 6፡15-20. ሳእኒ ምዉጻእ ማለት፣ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ክሓድረሉ ብክቡር ደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ሰብነት፣ ካብ ዘርክስ ሓጢኣት ምሕላው ማለት እዩ። ነዛ ቤት መቅደስ ኣምላኽ ዘርኸሳን ዘማሰናን ሰብ፣  “ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም” /1ይ ቆሮ 3፡17/።The most important step of men that are suffering from ED who has no knowledge of the availability of More Discounts cialis 10 mg is expected to experience the loss of confidence, enjoyment and the motivation for performing.

ቤት ፍቱሕ ሳእኑ

ኣዕሙቕ ኣቢልና እንድሕሪ ከይድና ከኣ፣ ኣብ ሕጊ ሙሴ ምስ ሳእኒ ምዉጻእ ዝተኣሳሰር ሕጊ ክንረኽብ ኢና።

” ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተ፡ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትተአቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ ኣትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ። ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ፡ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕ። እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኺወርሳ እንተ ዘይፈተወ፡ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ደገ፡ ናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዚግብኦ ኺፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም። ሽዑ
እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዎዖም ይዛረብዎ። ንሱ ከኣ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እዩ፡ ኢሉ እንተ ጸንዔ። እታ ሰበይቲ ሓዉ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ሳእኑ ካብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉ፡ ቤት ሓዉ ንዘይሰርሕ ሰብ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስ። ስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤል፡ ቤት ፍቱሕ ሳእኑ፡ ይበሀል።” ዘዳግም 25፡5-10

ኣብ ህይወት ሩት እዚ ሕጊ ኣብ ተግባር ክዉዕል እንከሎ ነንብብ ኢና። ቦኤዝ ብኩልንትና ኣካይዳ ናይ ሩት ምስ ተሓጎሰ፣ ሽሕ እዃ ሞኣባዊት ትኹን፣ ክወርሳ ወሰነ። ኮይኑ ግና ከምቲ ሕጊ ዝብሎ፣ ካብ ቦኤዝ ዝያዳ ብስጋ ዝቐርባ ዘመድ ካልእ ስለዝነበረ፣ ቅድም ንሱ ኽሕተት ኔርዎ። ስለዚ ዉን እዩ ቦኤዝ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኣቕሪቡ፣  “እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡ ነቲ ኽፍሊ ምድሪ ኤሊሜሌክ ሓውና፡ ክትሸጦ ደልያ። ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዐድጐ ኢለ ከስምዓካ ሐሰብኩ። ብጀካኻ ወራሲ የልቦን፡ ብድሕሬኻ ኸአ ኣነ እየ እሞ፡ ትወርስ እንተ ዄንካ ውረስ፡ ዘይትወርስ እንተ ዄንካ ግና፡ ክፈልጥ ንኣይ ንገረኒ በሎ“። ንሱ ድማ ንብረት ጥራይ ስለዝመሰሎ፣ “ክወርስ እየ” በሎ። ምስቲ ርስቲ መሬት ግና ንሩት ዉን ክወርሳ ከም ዘለዎ ምስ ነገሮ ግና፣ “ርስተይ ከየባላሹ ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ዝወርሳስ፡ ንስኻ ውረሳ በለ።  …እቲ ወራሲ ኸአ ንቦአዝ፡ ንስኻ ዐድጎ በሎ። ሳእኑ ድማ ኣውጽኤ።” /መ.መሳ 4/

ሳእኒ ምዉጻእ ናይ ምዉራስ ምልክት ምዃኑ ካብዚ ክንርዳእ ንኽእል። ንስኻ ዉረስ ኢልና፣ ነቲ ክወርሰና ዝግብኦ ሳእንና ኣዉጺእና ንህቦ። ምስቲ ናትና ስርዓት ከነተሓሕዞ እንከለና፣ እቲ ኣማናዊ መርዓዊ ክርስቶስ እዩ /ኤፈ 5፣ ራኢ 19፡6-7/። ቅዱስ ጳዉሎስ ድማ፣ ” ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።” /2ይ ቆሮ 11፡2/ በለና። ስለዚ ንሕና መርዓት ክርስቶስ፣ ንሱ ድማ መርዓዊና እዩ። ብዘይኻ ንሱ ካልእ ክወርሰና ኣይግባእን። ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን መጺእና ሳእንና ከነዉጽእ እንከለና፣ “ኦ ጐይታ ንስኻ ኢኻ ሰማያዊ መርዓዊ ንስኻ ዉረሰና፣ ካልእ ኣይዉረሰና። ንስኻ ሰብኣይና፣ ንስኻ ኢኻ መርዓዊና” ኢልና፣ ንክልኦት ኣማልኽቲ ንገንዘብ፡ ጥሪት፡ ርኽሰት፡ ዝሙት፡ ኣመንዝርነት፡ ፍትወት ስጋ፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ቂም. . ነዚኣቶም ዝመስሉን፤ ከይንግዛእ ምልክት ክኸዉን፣ ሳእንና ነዉጽእ።

መደምደምታ

ሳእኒ ናይ ምዉጻእ መንፈሳዊ ትርጉሙ እዚ ይመስል። ከምቲ ኣንተዎ ዝበለናዮ ድማ፣ እቲ ብስጋ ዝግበር፣ ነፍስና ክትርድኦ ኣለዋ፣ ብመንፈስ ድማ ክፍጸም ይግባእ። እቲ ብስጋ ዝግበር ሳእኒ ምዉጻእ ኣገዳሲ እዩ፣ መንፈሳዊነቱ እንድሕሪ ክሒድናዮ ግና፣ ረብሓ ዘይብሉ ከንቱ ተግባር እዩ። እቲ ካብ ምዉት እንስሳ ዝርከብ ካብ ቆርበት ዝተሰርሐ ሳእንና ኣብ ደገ ኣዉጺእና፣ ኣብ ዉሽጥና ግና ገበታ ሓጢኣት ተሰኪምና ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደዉ ንብል ኣለና። እቲ ረስሓት ዝረገጸ ሳእኒ ኣብ ደገ ኣሎ፣ ነፍስና ግና ብረስሓት ናይ “ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን” ተመሊኣ ኣላ። ናይ ዉርሲ ምልክት ዝዀነ ሳእኒ ነዉጽኦ ኣለና፣ ግና ዓሌትነትን ከባቢየይ ከባቢኻን፣ ወገነይ ወገንኻን ኢልና ግና ንክርስቶስ ንኸፍሎ ኣለና።

ሳእኒ ምዉጻእ ጽቡቕ እዩ፣ ግን ስጋዊ ተግባር ጥራይ እዩ። ሳእኒ ዝዉክሎ ኲሉ መንፈሳዊ ተግባራት እንድሕሪ ዘይሓሊና፣ ግብዝና ስለዝዀነ፣ ኣምላኽ ክፈርደና እዩ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ /ሳእኒና`ዶ ኣየዉጻእናን/ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን።” /ማቴ 7/።

ግብዝና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ። ኣብ ወንጌል ዘመዉቲን ሰረቕትን ቀተልቲ ነፍሲን  ኣይተጸርፉን፣ ንግቡዛት ግና ሙሉእ ምዕራፍ ተጸሪፎም ኣለዉ /ማቴ 23/። ነዚ ኣብ ማቴዎስ 23 ዘሎ ናይ ጐይታ መግናሕቲ፣ በዚ ናትና ኲነታት እንተንጽሕፎ ኔርና፣ ከምዚ መስመዐ /ንቃል ወንጌል ኣይኰንኩን ዝቕይር ዘለኹ፣ ክብደቱ ንክርድኣና እዩ። እግዚኦ መሓረኒ ክርስቶስ/

“ኣቱም ግቡዛት ሳእኒ ኣብ ኣፍ ቤተክርስቲያን ተዉጽኡ፣ ናይ ሞት ሓሳብ ሒዝኹም ግና ኣብ ቅድመይ ደዉ ትብሉ ኣሎኹም እሞ ወይለኹም። ኣቱም ርኽሰት ኣለዎ እሞ ሳእኒ ናብ መቕደስ ኣይተእትዉ እትብሉ፣ ርኹስ ነገር ግና ኣብ ቤተይ ኮይንኹም እትዛረቡ፣ ጸርፊ እትጻረፉ እትሓምዩን፣ ሌላን ሻራን እትገብሩ ወይለኹም። ኣቱም ደናቑርትን ዕዉራትን ኣየናይ ይኸፍእ፣ ሳእኒ ምግባር ድዩ ዋላስ፣ ነቲ ብደመይ ዝዓደግክዎ ማህደር መንፈስ ቅዱስ ክኸዉን ዝመድብክዎ ስጋኹም ብዝሙትን ጸርፊን ሓሜትን ፍቕሪ ገንዘብን ምርካስ፧? ወይለኹም፣ እዚ ምግባር፣ እቲዉን ዘይምሕዳግ ይግባእ። ሳእኒኻ ምዉጻእን፣ ነቲ ሳእኒ ዝዉኽሎ ርኽሰት ነገር ዉን ካብ ህይወትና ምርሓቅን እዩ ዝግባእ።”

ስለዚ ሳእኒና ኣብ ምዉጻእ ጥራይ ከይተሓጸርና፣ ትርጉም ናይዚ ተግባር ተረዲእና፣ ብመንፈስ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ክንሰግደሉ ይግባእ።

በከመ ምህረትከ ኣምላክነ፣ ወኣኮ ብከመ ኣበሳነ። ኣሜን