ጸሎትን ጾምን ምሕረትን-ቅዱስ ጴጥሮስ ቃለወርቅ

ጾም-ጸሎትቅደስ ጴጥሮስ ቃለወርቅ (ክሪሶሎገስ) ካብ 380- 450 ዓ.ም. ናይ ራቬና ትበሃል ዓዱ ጳጳስ ዝነበረ፣ ሓደ ካብቶም ሊቃዉንት ቤተክርስቲያን እዩ። እዚ ብመሪሕነት ራእይ ካብ እግዚአብሔር፣ ጳጳስ ኮይኑ ዝተሾመ ኣቦ፣ ብዙሕ ትሩጓሜ፣ መልእኽቲታትን፣ ዝተፈላለዩ ትምህርተ ሃይማኖታዊ ጽሑፋትን፣ ኣንጻር ኣርዮስን ኣዉጣኺን ዝኣመሰሉ መናፍቓን ብዙሕ ጽሑፍ ዝጸሓፈ እዩ። እዛ ጽሕፍቲ ድማ ምስ`ዚ ሒዝናዮ ዘለና ቕነ ስለትኸይድ፣ ዳግማይ ነዛ ጽሕፍቲ ፖስት ይገብራ ኣለኹ፣ ኣንቢብና ንጠቀመላ።

የሕዋተየ፣ ንሰናይ ግብሪ ዘጽንዓ፣ ንተወፋይነትና ዘራጉዳ፣ ንእምነትና ዉን ዘትርራ ሰለስተ ነገራት ኣለዋ። እዚኣተን ድማ፣ ጸሎት፡ ጾምን፡ ምሕረትን እየን። ብጸሎት ኣፍደገ ትኹሕኩሕ፣ ብጾም ትህብ፣ ብምሕረት ድማ ትቕበል። ጸሎት፡ ጾምን፡ ምሕረትን፣ እዘን ሰለስተ ሓደ እየን፣ ንኹልና ዉን ህይወት ይህባና።

ጾም ናይ ጸሎት ነፍሲ (እስትንፋስ) እዩ፣ ምሕረት ድማ ናይ ጾም ደም እዩ። ማንም ሰብ ነዘን ሰለስተ ክፈላልየን ኣይግባእን፣ ዝፈላለያ ዉን ኣይኮናን። ንሓንቲ ካብዚአን ጥራይ ሒዝካ፣ ግን ድማ ነተን ካልኦት እንድሕሪ ሓዲግካየን፣ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብልካን። እምበኣር ካብ ጸለኻ፣ ምስኡ ድማ ጾም ጹም፣ ትጸዉም እንድሕሪ
ኮይንካ ድማ፣ ምሕረት ግበር። ጸሎት ልማኖኻ ክስማዓልካ እንተደሊኻ ንስኻዉን ናይ ካልኦት ልማኖ ስማዕ። እዝንኻ ንካልኦት ዘይትዓጹ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ኣምላኽ ጸሎትኻ ክሰምዕ እዝኑ ትኸፍት ኣለኻ ማለት እዩ።

ክትጸዉም እንከለኻ፣ ናይ ካልኦት ጾም ድማ ተመልከት። እግዚአብሔር ጾምካን ጥሜትካን ክፈልጠልካ እንተደሊኻ፣ ንስኻ’ዉን ናይ ካልኦት ጥሜት ተረዳእ። ምሕረት ክትረክብ ተስፋ ትገብር እንድሕሪ ኮይንካ፣ ንስኻ’ዉን ምሕረት ግበር።

ርህራሄ ክትርኢ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ንካልኦት ራህርህ። ሃብ ምእንቲ ክትቕበል። ካልኦት ንዓኻ ሓቲቶምኻ ንስኻ ግና ከልኪልካዮም ከተብቅዕ፣ መሊስካ ግና ነቲ ንስኻ ዝከልካዮም፣ ካብ ካልኦት ትሓትት እንድሕሪ ኮይንካ፣ ልማኖኻ ዳርጋ ጸርፊ እዩ።

ኩላትና ክንስዕቦ ዝግባእ ሓባራዊ ሕግና እዚ ይኹን፣ “ከምቲ ካልኦት ንዓኻ ምሕረት ክገብሩልካ ትደልዮ፣ ንስኻ’ዉን፡ ብሓደዓይነት መንገዲ፡ ብሓደ ዓይነት ብፍጥነት፡ ብሓደ ዓይነት ለዋኅነት፣ ንኻልኦት ምሕረት ግበር።”

ስለዚ፣ ጾም፡ ጸሎት፡ ምሕረት ብሓድነት ቀሪበን ካብ እግዚአብሔር ምእንቲ ኲሉ ይለምና፣ ምእንቲ ኲሉ ሓደ ጥርዓን ይኹን። ከምዚ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ስሉስ ሓይሊ ዘለዎ፣ በረኸት ዘዉህብ ጸሎት ክኾነልና እዩ።
It decreases levitra without prescription a person’s self-confidence and self-esteem.
ንኻልኦት ሰባት ብምንዓቕ ዘዉረድናዮ መከራ ንምኽሓስ፣ ጾም ንጹም። ብጾም ኣቢልና ንገዛእ ሥጋና መስዋእቲ ጌርና ናብ ኣምላኽ ነቕርባ። “መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር ልቢ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።” ብምባል ዘማራይ ዳዊት ከም ዝነገረና፣ ካብዚ ዝዓቢ ካልእ ኣምላኽ ዝሕጎሰሉ መስዋእቲ
የለን።

ነፍስኻ ናብ ኣምላኽ መስዋእቲ ጌርካ ወፍያ፣ ማለት ብጾምካ ኣቢልካ ንነፍሲኻ መስዋእቲ ጌርካ ወፍያ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ነፍስኻ ምሳኻን ናትካን ክነሳ፣ ብፍቃድካ ናብ እግዚአብሔር ትዉፍያ ኣለኻ ማለት እዩ፣ በዚ’ዉን መስዋእትኻ፣ ቅዱስ መስዋእቲ፡ ንጹህ ቁርባን፡ ሕያዉ መስዋእቲ ይኸዉን። ገዛእ ርእሱ ንኣማላኽ ዘየወፊ ዘበለ ኲሉ ምሕረት ኣይግበረሉን። ምኽንያቱ ገዛእ ርእስኻ ክትዉፍየሉ ዘኽእለካ ብዙሕ መንገዲ ኣሎ። ስለዚ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከተቕርብ ኣይከኣልን።

እዚ ዀሉ መስዋእትኻ ተቀባልነት ክረክብ፣ ምሕረት ወስኸሉ። ናይ ማይ ምሕረት እንድሕሪ ዘይሰትያ፣ ጾምካ ፍረ ኣይክትህብን። ምሕረት እንድሕሪ ነቒጹ፣ ጾም’ዉን ይነቅጽ። ከምቲ ዝናብ ንምድሪ ዝኸዉን፣ ምሕረት ድማ ንጾም እዩ። ዋላ ግራት ልብኻ ኮስኩሶ፡ መሬት ጠባይካ’ዉን ጸሃዮ፡ ኩሉ ክፍኣትካ ሞንቁሶ፡ ሰናይ ግብሪ’ዉን
ዝርኣሉ፤ እንድሕሪ ናይ ምሕረት ፈልፋሊ ማይ ዘይከፊትካሉ፣ ጾምካ ፍረ ኣይከቡቅልን።

ክትጸዉም እንከለኻ፣ ንስኻ ተርእዮ ምሕረት ዉሑድ እንድሕሪ ኮይኑ፣ እቶትካ’ዉን ዉሑድ ይኸዉን። ኣብ ጾምካ፣ ብምሕረት ኣቢልካ ዘፍሰስካዮ ዘበለ ኲሉ፣ ናብ ቆፎኻ እዩ ተመሊሱ ዝኣቱ። ስለዚ ክትቁጥብ እንዳበልካ
ኣይተጥፍእ፣ የግዳስ ገንዘብካ ዝረዎ እሞ፡ ዝያዲ ክትረክብ። ንድኻታት ሃብ፣ ንገዛእ ርእስኻ’ዉን ክትቕበል ኢኻ። ንካልኦት ምሃብ ዝኣበኻዮ ዘበለ ኩሉ፣ ንርእስኻ ዉን ኣይክትዕቅቦን ኢኻ።

ምስጋና ንኣምላኽ!