ወዲ ሰራሕ ማዕጾ ዝብኢ በልዖ

ብሕትዉና /ናይ ጽሞና ግዜ / (Retreat)

alone with godሰላም ንዓኩም፣ እዚ ሕጂ እተንብብዎ ዘለኹም ጽሑፍ፣ ንኩልና ዝኸዉን ዉን እንተዀነ፣ ብዝያዳ ግና ነቶም ኣብ ቤተክርስቲያን እተገልግሉ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ መማህራን ትምህርቲ ሰንበት፡ መዘምራን ብሓፈሻ ንኲሎም ኣገልገልቲ ቤተክርስቲያን ዝኸዉን እዩ።  እቶም ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘለና ሰባት፣ ብዙሕ ግዜ ንካልኦት ጥራይ ከነገልግል ንገዛእ ርእስና ኣይንዝኽራን ኢና። ስለዚ ዉን እዩ ኣርእስቲ ናይዛ ጽሕፍቲ “ወዲ ሰራሕ ማዕጾ ዝብኢ በልዖ” ዝገብርክዋ። መልእክቲ ናይዛ ምስላ፣ እቲ ማዕጾ ዝሰርሕ ሰብኣይ ናይ ካልኦት ሰባት ማዕጾ ክሰርሕ፣ ንገዝኡ ስለዝረስዓ፣ ዝብኢ መጺኡ ነቲ ወዱ ከም ዝበልዖ፤ ንሕና ዉን ንካልኦት ክንምህርን ክንጓስን፣ ንርእስና ንኸይንርስዕ ንምዝኽካር እዩ። እዚ ጽሑፍ`ዚ ከመይ ጌርና ኣብ ጽሞና ወይ ኣብ ብሕትዉ ዝበለ ቦታ ኮይንና ገዛእ ርእስና ክንምርምር ከም እንኽእል ዘረድእ ጽሑፍ እዩ።

“ንሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ምጻር ሰናይ እዩ። ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፡ ትም ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።” ደጉኣ ኤርሚያስ 3፥27-28

መእተዊ

ከመይ ጌረ ንገዛእ ርእሰይ ብሓቂ ክፈልጣ ይኽእል፧? ካብዚ ጌጋኣ ሸፊኑ ዝርከብ፣ ናይ ኣምሰሉ ክዳዉንታ ዕርቃና ኮይና፣ ንኩሉንትናኣ መዓስ`የ ዝፈልጣ፧? ጐይታ “ንሓቂ ክትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተዉጽኣኩም እያ” /ዮሃ 8፥32/ ዝበሎ ሓቂ መዓስ`የ ዝበጽሖ፧?

ኣብዛ ጫዉጫዉ እትብል ዓለም ንገዛእ ርእሰይ ክፈልጣ ይኽእል ድየ፧? ኣብ መንጎ ጭኑቃትን ዓዉዓዉን ኣዉያትን ዘብዝሑ ሰባት ኮይነ`ኸ፣ ብሓቂ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ክፈልጦ ይኽእል ድየ፧?

ፍጹም ኣይኽእልን! ካብ ሰባት ርሒቀ፣ ካብቲ ንከየስተዉዕል ዝዓግተኒ መሰናኽል ተፈልየ፣ ብብርሃን ኣምላኽ ጥራይ`የ፣ ንነፍሰይ ክፈልጣ ዝኽእል። ንዓለም ኣብ ድሕረይ ሓዲገ፣ ናብቲ ብርሃን ጐይትነቱ ዝተጋህደሉ ናብ ደብረ ታቦር ክድይብ ኣለኒ። እንተዉሓደ ብሓሳብ ጥራይ ዉን ይኹን፣ ክብሪ ኣምላኽ ናብ ዘለዎ ቦታ ብተመስጦ ክድይብ ይግባእ። ሽዑ እየ ንነፍሰይ ክፈልጣ ዝኸእል።

ሰብ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፣ ከምዚ ሕጅ እዋን ኮይኑዎ ዘሎ ኣይፈልጥን። ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ሰብ ኣብ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ይሕንብስ ኣሎ። እቲ ግዜ ክፉእ እዩ። ሰብ ብስጋዊን መዋቲን ነገር ተኣሲሩ ኣብ ድሕሪት ተሪፉ ኣሎ፣ “ወይልኡ ነቲ ድሕሪት ተሪፉ ዘሎ”። ብዙሕ ግጉይ መምርሒታትን፡ ዘይቅኑዕ ኣተሓሳስባ መንፈሳዊ ህይወትን ኣብ ሕብረተሰብና ብሓፈሻ፣ ኣብ ዉልቃዊ ህይወት ዉን ብፍሉይ ሰሪጹ ይርኸብ። ብፍላይ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እንርኸብ ሰባት በዚ ጸገም እዚ ተለኺፍና ኣለና። ማለት ንካልኦት ከነገልግል ጥራይ ኣብ ንጎየሉ ዘልና እዋን፣ ብዛዕባ ድሕነት ነፍስና ሓሲብናን ኣስተዉዒልናን ኣይንፈልጥን። ጎዳኢን ክፉእ ነገረን ኣብ ዓለማዊ ሓሳብ ጥራይ ዝርኸብ ኣይምሰልኩም፣ ኣብ ዓዉዲ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ዉን ኣሎ። ክንደይ ብሩኻት ሰባት እዮም፣ ኣብ ገለ እዋን ናይ ህይወቶም ኣዝዮም ንፉዓትን ንጡፋትን ኣገልገልቲ ዝነበሩ፣ ደሓር ግና ንካልኦት ከገልግሉ እንከለዉ ንገዛእ ርእሶም ብምርሳዕ ወዲቖም ዝጠፍኡ? ብዙሓት ኣብ ዓዉዲ ኣገልግሎት ሓቂቆም ጠፊኦም እዮም።

እዚ ብኸምዚ ዝበለ ፈተና ተሳዒርና ክንወድቕ ዝገብረና፣ “ናይ ኣገልግሎት ሰይጣን” ይበሃል። ናይ ኣገልግሎት ሰይጣን፣ ንስኻ ንካልኦት ከም ንፋስ እንዳተወንጨፍካ ከተገልግል ሱቕ ኢሉ ይሓድገኻን፣ ትገብሮ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ምዃኑን የስድዓካ። ንገዛእ ርእስኻ ግና ከም ዘይትምርምር ይገብረኻ። “ንጐይታ ኣገልጊለ እየ፣ ኣጋንንቲ ብስም ክርስቶስ ኣዉጺአ እየ” ከም ትብል ይገብረኻ፣ ፍቃድ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር “ኣቦ” ግና የረስዓካ። ኣብ መወዳእታ ዉን “ኩዱ ካባይ ረሓቁ፣ ፍጹም ኣይፈልጠኩምን እየ” ብዝብል ቃል ጐይታ ከም ትፍረድ ይገብረኻ። እቲ ብኸምዚ መገዲ ተታሊሉ ዝወደቐ ኣገልጋሊ፣ ብሓቂ ድኹም እዩ።

ኣብ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ ጸጋ ዝረሓቆም እዮም። ነቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት መሸፈኒ ጌጋኦም ይጥቀሙሉ። እቲ ምልኩዕ ክዳን ክርስቶስ ይኽደንዎ፣ ባዕሉ ነቲ ዋና ቤት ግና ይርስዕዎ። ቃል ኣምላኽ ግና፣ ክዳኑ ዘይኰነስ ባዕሉ ንክርስቶስ ኢና ክንለብሶ ዝነግረና፤ “ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ” /ሮሜ 13፡14/።
ስለምንታይ ብሕትዉና ግዜ የድልየና፧?

ርእስኻ ክትምርምር፣ ካብ ሓቂ ከም ዝረሓቕካን ምእንቲ ክትፈልጥን፣ ናይዚ ዘመን`ዚ መንፈስ ክንዲምንታይ ከም ዝጸየቐካ ንኽትፈልጥ፣ ናይ ብሕትዉና ግዜ ከተሐልፍ ይግብኣኻ።

ብሓቂ ንገዛእ ርእስኻ ክትፈልጥን፣ ኣብ ጉንዲ ወይኒ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጨንፈር ኮይንኻ ዘፍረኻዮ ፍረ ክትምርምር እንድሕሪ ደሊኻ፤ ገዛኻ እቶ ማዕጾኻ ዕጾ፣ ንበይንኻ ኮፍ በል፣ ዉሽጥኻ ዉን መርምር። ሽዑ ድኹም፡ ድርቡይ፡ ዝተዋረድካን፡ ዕዉርን ምዃንካ ክትፈልጥ ኢኻ /ራኢ 3፡17/። ጨንፈርኻ ምንም ፍረ ከምዘየፍረየትን ድማ ከተስተዉዕል ኢኻ። ምሳር ኣብ ጉንዲ ወይኒ ተነቢሩ ኣሎ፣ ፍረ ዘየፍረየ ኦም ኲሉ ክቁረጽን ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ ክድርበይን እዩ። እዚ ዘይዕጸፍ ቃል ጐይታ እዩ፣ ኣብ ህይወትኻ ክፍጸም ከም ዝኽእል ዉን ኣስተብህል። ኣምሰሉ ተግባርኻ ክበርሃልካን፣ “ንሕና መማህራን ዝበርተዐ ፍርዲ ከም እንቕበል” /ያዕ 3፡1/ ዝብል ቃል ዉን ጽቡቕ ጌርካ ከተስተማቕሮ ኢኻ።

ዕርቃንኻ ኽትተርፍ ኢኻ፣ ንገዛእ ርእስኻ ምስ`ቲ ዝተፈጠርካሉ ምስሊን መልክዕን ኣምላኽ ከተነጻጽራ እንኸለኾ ዉን፣ ንስኻ ፍጹም ንኣምላኽ ከም ዘይትመስልን፣ ክፍለጠካ እዩ። ሽሕ እኳ ብመልክዑ ዝተፈጠርካን ንምስሊ ወዱ ክትመስል ቐደም ዝተመደካ ዉን እንተዀንካ፣ ሕጂ ግና ከምኡ የለኻን /ሮሜ 8፡29/።

ድኽመትካ ምፍላጥ ዓቢ በረኸት እዩ፣ ምኽንያቱ እታ እንኮ ምንጪ ፍታሕ ንሳ ስለዝዀነት። “ርእስኻ ምፍላጥ ናብ ኣምላኽ ዘቕርብ ቅኑዕ መገዲ እዩ” ከም ዝበሉ ሓደ ቅዱስ ኣቦ። ግናኸ ርእስኻ ምፍላጥ እንታይ ይጠቕመና፧? ኣብ ጽምዋ ወይ ኣብ ብሕትዉ ዝበለ በይንና ኮይና`ኸ ከመይ ጌርና ንገዛእ ርእስና ክንፈልጣ ንኽእል፧?

ንገዛእ ርእስኻ ግዜ ሂብካ ክትምርምራ እንከለኻ፣ ብዛዕባ ሓጢኣትካ፡ ድኽመትካን፡ ስንፍናኻን ክርድኣኻ እዩ። ኣብ ሰብኣዊ ባህሪኻ ገለ ሰናይ ከም ዘየልቦ ዉን፣ ምስ ጳዉሎስ ክትሰማማዕ ኢኻ /ሮሜ 7፡18/።

ድኽመትካ ምፍላጥ እንታይ ይጠቅም? ድኽመትካ ምስ ፈለጥካ፣ ንኣምላኽ ብዝያዳ ክትፈልጦ ኢኻ! “ምስ ዝደኽም ሽዑ እየ ዝብርትዕ” /2ይ ቆሮ 7፡18/። ክብደት ናይ ሓጢኣተይ ምስ ኣስተዉዓልኩ፣ ሽዑ ጸጋ ኣምላኽ ክበዝሓለይ እዩ።

ንኣብነት፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ክብደት ናይ ሓጢኣቱ ምስ ተረድአ፣ ንጐይታ “ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ ካባይ ርሓቅ” በሎ። ጐይታ ግና፣ “ኣይትፍራሕ ካብ ሕጂ ንደሓር ገፋፊ ሰብ ክትኸዉን ኢኻ” በሎ /ሉቃ 5፡8,10/። መዓስ እዩ ጴጥሮስ ናይ ሓዋሪያዊነት ሓላፍነት ዝተቐበለ? ንገዛእ ርእሱ ምስ ፈለጣ እዩ!ብሓቂን ከምቲ ዘላቶ ስለዝፈለጣ ድማ፣ “ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ`ሞ ካባይ ረሓቅ” ዝበለ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፣ ጴጥሮስ ከም ዝግባእ ጌሩ ንርእሱ ስለዝፈለጣ፣ “ገፋፊ ሰብ” ክኸዉን ሓረዮ። ካብቲ ንርእሱ ዝፈለጠላ ግዜ፣ ካብቲ ግዜ`ቲ ጀሚሩ ንኣምላኽ ክፈልጦ ጀመረ። ስለዚ ንኣምላኽ ክትፈልጦ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ቅድም ንገዛእ ርእስኻ ፍለጥ!

ገዛእ ርእስኻ ምእንቲ ኽትፈልጣ ድማ፣ ካብዛ ጫዉጫዉ ትብል ዓለም ተፈሊኻ ናብ ጽምዋ ቦታ ኬድካ፣ ብሕትዉ ኢልካ ንርእስኻ መርምር። ኣብ ብሕትዉናን ጽሞናን ኮይንካ፣ ጌጋኻ መርሚርካ ስለ ሓጢኣትካ ክትነብዕን ኣምላኽ ምሕረት ክገብረልካ ዉን ትልምን። ነዚ ዕድል`ዚ ግና ኣብ ዓለም ኮይንካ ኣይትረኽቦን። ብፍላይ ብናይ ኣስተንትኖ መንፈስ ዝግበር ብሕትዉና፣ እቲ ዝበለጸ እዩ።

ርእስኻ ክትገዝእን መንነትኻ ከተመዓራርን እንድሕሪ ደሊኻ፣ ብሕትዉና እቲ ዝበለጸ ባይታ እዩ። ስነ ምግባር ኣትምሃረሉ ቤት ትምህርቲ፣ ብቅልጡፍ ናብ ኣምላኽ ዘቕርብ ብርሃናዊ መሳልል፣ ብሕትዉና እዩ። ብናይ ኣስተንትኖ መንፈስ ክትነብር ዝገብረኻ ብሕትዉና እዩ። ከምቲ ድምጺ እምብልታን ከበሮን ንድምጺ ሻምብቆ ዝርብሾ፤ ከምኡ ዉን ንሕና ኣብ ዉሽጢ ዓለም ኮይንና፣ ሓሳብና ብዝሰርቁ ንገራት ተኸቢብና፣ ኣእምሮና ዓለም ብተቃልሖ ዘላ ድምጺ እንዳተጠወየ፤ ነፍስና ንድምጺ ኣምላኽ ክትሰምዕ ኣይትኽእልን።

ከምቲ ንዝተዘርገ ማይ ኣብ ሳንኬሎ ጌርና እንድሕሪ ሓዲግናዮ፣ ጸሊሉ ዝጸርይ፤ ከምኡ ድማ ነፍሲ ንበይና እንድሕሪ ኮይና፣ ትጸርን ናብ ቅድስና ትበጽሕን እያ። ዓሰርተ ክልተ ዓመት ደም ዝፈስሳ ዝነበረት ሰበይቲ፣ ኣብ ሓካይም ከይዳ ኣይሓዋየትን፣ ገንዘባ ዉን ወዲኣ። ደሓር ግና ብሕቡእ ከይዳ ንኽዳን ጐይታ ምስተንከየቶ ብሓደ ግዜ ሓወየት፣ ደማ ዉን ጠጠው በለ /ማቴ 9፡20-22/። ብተመሳሳሊ መገዲ፣ እዛ ሓጢኣት ከቢድዋ መድሓኒት ስኢና ተዕለብጥ ዘላ ነፍሲ፣ ብብሕትዉና ኣቢላ ብምስጢር ንመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትትንክዮ ይግባእ። ብካልእ መገዲ ክትፍወስ ኣይትኽእልን። ኣብ ዉሽጢ ዓለም ኮይንካ ብዛዕባ ዓለማዊ ናብራ እንዳሓሰብካ ነፍሲ ክትጸናናዕ ኣይትኽእልን።

ንዝትረበጸት ነፍስኻ ምጽንናዕ፣ ንልብኻ ሰላም፣ ምእንቲ ሓጢኣትካ ክትነብዕ ትደሊ ዲኻ፧? ነፍስኻ “ምብላዕ እንጌራይ ረሲዔ`የ እሞ ልበይ ከም ሳዕሪ ጸምለወን ነቐጸን። ካብ ድምጺ ገዓረይ እተልዓለ ኣዕጽምተይ ኣብ ስጋይ ተጣበቐ” መዝ 102፡4-5፣ እንዳበልኻ ክትጽሊን ክትነብዕን ትደሊ ዲኻ፧? ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ተባሂሉ ባዕሉ እግዚአብሔር ዝመስከረሉ፣ ከም ዳዊት ዓይነት ልቢ ክህልወካ ትደሊ ዲኻ፧? /ግብ 13፡22/ ምክሪ ዳዊት ስማዕ፣ “እነሆ ኣርሒቐ ምሃደምኩ ኣብ በረኻዉን ምሓደርኩ።” /መዝ 55፡7/፣ ነዚ ምኽሪ ተቀበል፣ ብብሕትዉና ዉን ተግብሮ።

ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ ንዉሰዶ። ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦን፣ ጐይታ ባዕሉ ዉን ‘ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ’ ንቅዱስ ዮሃንስ ዝዳረጎ ከም ዘየለ ዝመስከረሉ፣ ካብ ንእስነቱ ኣብ በረኻ ዝዓበየን ክሳዕቲ ንእስራኤል ናይ ንስሓ ፍረ ንከፍሪ ዝመሃረሉ ግዜ፣ ኣብ በረኻ ከም ባሕታዊ እዩ ኔሩ። ኣቡቀለምሲስ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፣ ነቲ ዝተቀደሰ ራእይ ክርኢ ዝበቅዐ፣ ንበይኑ ኣብ ፍጥሞ ዝበሃል ደሴት እንከሎ እዩ። ኣብኡ ኣብቲ ጽሞና ደሴት፣ ብመንፈስ ነበረ/ራእ 1፥10/።

ሰባኪ ወንጌል ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳዉሎስ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ንጐይታ ምስ ረኸቦ፣ ብኡንብኡ ናብቲ ብወገን ምብራቕ ደማስቆ ዝርከብ ምድረበዳ ዓረብ መነነ። “ሽዑ ብኡንብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት ናብ ኢየሩሳሌም እኳ ከይደየብኩ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ” /ገላ 1፥16-17/። ኣብዚ በረኻ ንሰለስተ ዓመት ሙሉእ ምስ ጐይታ ብብሕትዉና የሕለፎ። በዚ ግዜ እዚ`ዩ ከኣ፣ ንህይወቱ መምርሒ ንቤተክርስቲያን ድማ መገዲ ዝኸዉን፣ ትምህርቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበለ። ስለዚ`ዩ ከኣ ንሰብ ቆሮንቶስ፣ “ኣነ ካብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ ንዓኻትኩም ዉን ዝነገርኩኩም” /1ይ ቆሮ 11፥23/ ዝበሎም። ብርግጽ ቅዱስ ጳዉሎስ ከምቶም ንጐይታ ዝሰዓቡን ብኣካል ካብኡ ዝተማህሩን ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ሃዋርያት ኣይኰነን። እሞ`ከ ደኣ ነቲ ኲሉ ዝሰበኾ፡ ዝመሃሮን ዘመሓላልፎ መምርሒታትን ትምህርታትን መዓስ ተቐቢልዎ? ኣብ ምድረ በዳ ብብሕትዉና እንከሎ እዩ! ነብይ ኤልያስ`ዉን በይኑ እንከሎ፣ ሰማያዊ መግቢ ይበልዕ ኔሩ፣ ምስ ካልኦት ሰባት እንከሎ ግና ቅሩብ ይበልዕ ነበረ።

ነፍስና ኣብ መንጎ ሰባት ኮይና፣ ብዋጢጥ ሓጢኣትን ናብራን ንድሕሪት እንዳተሳሕበት፣ ጸጋ ክትቅበል ኣይትኽእልን፤ ንበይና ክትኸዉን እንከላ ግና ጸጋ ይዓስላ። ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ማና ተመጊቦም። ኣብራሃም ካብ ዓዱን ቤተሰቡን ተፈልዩ፣ ናብቲ ኣምላኽ ዝመርሖ ቦታ ስለዝኸደ፣ ዓቢ ህዝቢን ኣቦ ብዙሓን ክኸዉን በቂዑ፣ ተባሪኹ ንበረኽት ኮይኑ። ንስኻ ዉን ሓወየ፣ ከምኡ ግበር። ካብ ዓድኻ ዉጻእ ካብ ቤት ኣቦኻ ተፈለ፣ ናብ ብሕትዉ ዝበለ ናብ ጽምዋ ቦታ ኪድ፣ ኣምላኽ ድማ ዓቢ ህዝቢ ክገብረኻ እዩ። “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ተፈለ፣ ናብቲ ዘርእየካ ምድሪ ዉጻእ። ንዓቢ ህዝቢ ክገብረካን፣ ክባርኸካን እዩ። ንስምካ ዉን ከዕብዮ እዩ፣ ንበረኸት ክተከዉን ኢኻ” /ዘፍ 12፥1-2/።

ብዙሓት ቅዱሳን ንብሕትዉና ኣፍቂሮሞን ነቢሮምሉን እዮም። ንኣብነት መምህር ነገስታት ዝተባህለ ቅዱስ ኣርሳንዮስ፣ ካብ ቁስጥንጥንያ ወጺኡ ናብ በረኻታት ኣስቄጥስ ብምምጻእ ኣምላኽ ከመርሖ ምስ ጸለየ፣ “ኣርሳንዮስ ሱቕ በል ኣይትዛረብ፣ ምኽንያቱ እዚኣተን ናይ ሓጢኣት መትንታት እየን። ክትድሕን ትደሊ ዲኻ፧? ካብ ሰባት ተፈለ!” ዝብል ቃል መጽኦ። እዚ ቃል እዚ ክልተ ግዜ ምስተነግሮ፣ ብኡንብኡ ናብ ምድረ በዳ ብምኻድ ባሕታዊ ኮነ። መበል 23 ፓትሪያርክ ናይ እስክንድርያ ፖፕ ቴዎፍሎስ፣ ናይ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ዝና ምስ ሰምዐ፣ መጺኡ ክሪኦ መልእኽቲ ሰደደሉ። ኣባ ኣርሳንዮስ ግና ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፣ “እንድሕሪ መጺእኻኒ፣ ማዕጾይ ክኸፍተልካ ክግደድ እየ፣ ንዓኻ ተኸፊተልካ ድማ፣ ንካልኦት ማዕጾይ ኣይክዓጽዉን። ንዂሉ ሰብ ማዕጾይ እንድሕሪ ከፊተ ድማ፣ ኣብዚ ቦታ ክነብር ኣይክእልን።” ብምባል ንብሕትዉና ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅሮ ገለጸሉ። ሕሉፍ ሓሊፉ ቅዱስ ኣርሳንዮስ፣ ኣብ ግዜ ቅዳሴ፣ ሰባት ምእንቲ ከይርእይዎ ብዓንዲታት ናይቲ ቤተክርስቲያን ይሕባእ ነበረ። ንሱ ዝቆመሉ ዝነበረ ዓንዲታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዋዲ ኤልናትሮን ተዶኺኑ ዘሎ ገዳም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ግብጺ ይርኸብ።

ቅዱስ እንጦንስ ርእሰ መነኮሳት “ኣእምሮ ካብ ሰባት ርሒቁ ናብ ጽምዋ ቦታ እንድሕሪ ከይዱ፣ ኣምላኽ ሓይሊ ይህቦ እዩ። ክብሪ እግዚአብሔርን ኣብ ፍጥረታት ዘሕደሮ ጸጋን ክፈልጥ ዉን እዩ።” በለ።

ኣብ ብሕትዉና እቲ ልዕሊ ዂሉ ዝዀነ ናይ መጀመርያ ኣብነትና፣ ባዕሉ እቲ ጀማሪን ፈጻሚን እምነትና ዝኾነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጐይታ ብሕትዉና ይፎቱ ስለዝነበረ፣ ብዙሕ ግዜ ናብ በረኻታትን ጎቦታትን ተፈልዩ ንበይኑ ይኸይድ ነበር። “ምስ ወግሐ ድማ መጺኡ ናብ ጽምዋ ቦታ ከደ እቶም ህዝቢ ከኣ ንደልይዎ ነበሩ፣ ናብኡ መጺኦም ዉን ካባታቶም ከይከይድ ሓዝዎ” /ሉቃ 4፥42/።

ስለዚ ሓወይ፣ ንስኻ ዉን ከምኡ ግበር! ናብ በረኻታት ኺድ፣ ንጐይታ ዉን ኣብ ዉሽጥኻ ድለዮ፣ ካባኻ ዉን ከይፍለየካ ለምኖ። ምስ ረኸብካዮ ድማ ከም ማርያም ሓፍቲ ማርታ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኮፍ ኢልካ ተማሃር። “ማርያምሲ ካብኣ ዘይዉሰድ ጽቡቕ ህደ ሓርያ ኣላ” /ሉቃ 10፥42/።

ንእግዚአብሔር ሒዝካ ምብሕታው፣ ዝዓበየ ህያብ እዩ። ፋልማይ ግዜኻ ምስ ባሕተዉኻ፣ “መምህር መጺኡ ይጽዉዓካ ኣሎ” ዝብል ቃል ክትሰምዕ ኢኻ /ዮሃ 11፡2/። ደሓር ግና “ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ” ክትብል ኢኻ /ማቴ 17፥23/።

on line levitra purchased this The infection will cause high fever, so chills are often the case with IgA Nephropathy.

ብሕትዉና እንታይ እዩ?

ካብ ሰባት ተፈሊኻ ማለት ባሕታዊ ኾይንካ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ሓደ መነኮስታን ደናግልን ኣለዉ፣ ኣብ ገዳም ዝነብሩ ክነሶም፣ ኣብ ዉሽጦም ግና እታ ዝመነንዋ ዓለም ቦታ ይህብዋ። እዚኣቶም ባሕታዉያን ኣይዀኑን።
ብሕትዉና ማለት ንልቦናኻን ኣእምሮኻን ካብ ዓለማዊ ነገራት ሓራ ጌርካ፣ ምስ ኣምላኽ ጥራይ በይንኻ ምዃን እዩ። ኣእምሮና ካብ ኲሉ ስጋዊ ፍትወት፣ ልብና ድማ ካብ ኲሉ ዓለማዊ ድሌትን ህርፋንን ብምርሓቅ፣ ነቲ ፍቑር ጐይታና ንኢየሱስ ክርስቶስ ምድላይ እዩ። ኣብ ጽምዋ ቦታ፣ ድምጺ ነፍስኻ ክትሰምዕ ትኽእል። ነፍሲ ኸኣ ነዚ እንተረኺባ፣ ካብ ዉሽጣ ክትነብዕ ትጅምር። ካብ መዓሙቕ ልቢ፣ “ኣሜን ጐይታ ኢየሱስ ንዓ” ክትብልያ /ራእ 22፥20/። ጸኒሖ ግና “መምሕር መጺኡ ይጽዉዓኪ ኣሎ” ዝብል ጻዊዒት ክትቕበል እያ /ዮሃ 11፡28/።

ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣቡኡ ኲሉ ግዜ ይብሕትው ነበረ። ኲሉ ሰብ ናብ ገዝኡ ክኸይድ እንከሎ፣ ንሱ ግና ናብቲ ሙሉእ ለይቲ ዝጽለየሉ ቦታ፣ ናብ ደብረ ዘይት ይኸይድ ኔሩ። “ኲሎም ነናብ ቤቶም ከዱ። ኢየሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ”/ዮሃ 7፥53/። ደቀ መዛሙርቱ መመንገዶም መሪጾም ፋሕ ኢሎም ረሕሪሖሞ ክሃድሙ እንከለ፣ “ኣቦይ ምሳይ እዩ`ሞ በይነይሲ ኣይዀንኩን” /ዮሃ 16፥32/ በሎም። በዚ ቃላት ኣቢሉ ዉን፣ ሓቀኛ ትርጉም ናይ ብሕትዉና ገለጸልና። ብሕትዉና ማለት ምስ እግዚአብሔር ኣቦና ብሉጽ ግዜ ምሕላፍ፡ ምስኡ ምሕባርን ምስኡ ምብሕታዉን እዩ። እምበኣር ካብዛ ጫዉጫዉታን ጸፋዕፋዕን እተዘዉትር ዓለም ንፈለ፣ ብብሕትዉና ዉን ነቲ ፈቃር ጐይታ ንድለ፣ ምስ ጥበበኛ ሰለሞን፣ “ፍቑረይ ናተይ እዩ ኣነ ዉን ናት እየ” እንዳበልና ንዘምር /መሃ 2፥16/።

ገለ ገለ ሰባት ንብሕትዉና ይቃወሙ እዮም። ‘ቅዱስ ጳዉሎስ “ፍቕሪ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣይትደልን” እዩ ዝበለ፣ ስለምንታይ ንበይንና ክንኸዉን ንመርጽ’ ይብሉ።

መልሲና ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦ “ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ፣ ኲሉ ተግባርካ ከዘንቱስ እምንቶይ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ገበርኩ” /መዝ 73፥28/።

ብሕትዉና ማለት ንሰብ ጸሊእኻ ካብ ሰብ ምርሓቅ ማለት ኣይኰነን። ብሕትዉና ገዛእ ርእስኻ ክትምርምርን፣ ነቲ ኣብ ዉሽጥካ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ምንዳይን እዩ። ልቢ ምስ ፈጣሪኣ፣ ነፍሲ ምስ ኣፍቃሪኣ እትዀነሉ ግዜን መደብን እዩ። ቦታ ኣይኰነን ዘድሊ፣ እንታይ ደኣ ድምጺ ነፍስኻ እትሰምዓሉ ስቕታን ጽሞናን እምበር። ናብ መዓሙቕ ልብኻ ክጥምት ዝሕግዘኻ ናይ ልቢ ስቕታ እዩ ዘድሊ። ሰባት ንስጋኻ ክኸብዋ ይኽእሉ፣ ልብኻ ግና ማንም ክቐርባ ኣይኽእልን። ስለዚ ልብኻ ምስ ኣምላኽ ክትሓብርን ክትወሃሃድን ትኽእል እያ። ነብዪ ዳዊት ነዚ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ ተሞክሮ ኣብ ህይወቱ የስተማቕሮ ነበረ። ንጉስ ከም ምዃኑ፣ ኲሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ጽሙድ እዩ፤ ኮይኑ ግና ኣብ መዝሙሩ ከምዚ በለ “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ።” /መዝ 16፥8/።

ኣገልጋሊ ኲሉ ግዜ ናይ ብሕትዉና መደብ ክህልዋ ይግባእ

ኣብ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ ድኹማት እዮም። “ድኹማት” እትብል ቃል ዉን ንዂነታቶም ክትገልጽ ብቕዕቲ ኣይዀነትን፣ ኣዝዮም ሕምቀት ዝመልኦም እዮም። ንካልኦት ከገልግሉ እንከለዉ፣ ህይወቶምን ሰላሞምን የጥፍኡ። ኣብ ማእኸል ኣገልግሎት ንገዛእ ርእሶም ይርስዕዋ። ንካልኦት የገልግሉ፣ ንገዛእ ርእሶም ግና ኣይምርምሩን። ምንጪ ናይዚ ኲሉ ድኻሞምን ሕምቐቶምን ድማ፣ ናይ ብሕትዉና ግዜ ስለዘይብሎም እዩ። ገዛእ ርእሶም ዝምርምሩልን፣ ምስ ኣምላኽ ኮይኖም በይኖም ኣብ ጽሞና ዝሓብሩሉን ግዜ የብሎምን።

ሓደ ኣቦ ከምዚ በሉ፡ “እቲ ንሰብነቱ ህያዉ መስዋእቲ ጌሩ ንኣምላኽ ክዉፍያ ዝደሊ ሰብ፣ ወትሩ ንገዛእ ርእሱ ዝምርምረላ ናይ ብሕትዉና ግዜ ክህልዎ ይግባእ”።

መንፈሳዊ ኣገልጋሊ ልዕሊ እቶም ዘገልግሎም ምእመናን ክብርትዕን ክቃለስን የድልዮ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወቱ ኣበርቲዑ ክተግህን፣ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምንጻህ ድማ ክብርትዕን ይግባእ። ረድኤት ናይ ኣምላኽ ዉን ኲሉ ግዜ ክሓትት ኣለዎ።

ኣገዳሲነት ናይ ብሕትዉን እንተዝስወጠና (ጽቡቕ ጌሩ እንተዝረድኣና) ኔሩ፣ ኲልና መፍቀርናያ፣ ብፍላይ ኣብ ህይወት ኣገልገልቲ ድማ ክሳዕ ክንደይ ከም እተድሊ ምፈለጥና ኔርና።

እቲ ንካልኦት ዘገልግል ኣገልጋሊ፣ ኲሉ ግዜ ኣካይድኡ ከመዓራሪን፣ ኣብ ብርሃን ኣምላኽ ኮይኑ ንርእሱ ክምርምርን፣ ብብርሃን ኣምላኽ ክምላእን ይግብኦ።

“ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፣ ንሓንቲ ሰዓት ትኣክል ምስ ገዛእ ርእስኻ ኮፍ ኢልካ፣ ስለምንታይ ከም ዝወደቕካን ከም ዝተዓንቀፍካን መርሚርካ፣ ንገዛእ ርእስኻ እንድሕሪ ዘየመዓራሪኻያ፤ ነታ ዕለት እቲኣ ከም መዓልታት ናይ ህይወትካ ኣይትቚጸራ። ኣብኣ ህይወት ክትረኽብ ኢኻ እሞ፣ ንብሕትዉና ኣፍቅር። ኣብ ጽሞና (ስቕታ) እታ ሓቀኛ መንነትካ ክትፈልጣ ኢኻ። ካብ ብሕትዉና ወጻኢ ግና፣ እንትርፎ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ፣ ንዉሽጥካ ክትርእያ ኣይከኣልን። ንካልኦት እንዳጠምትካ፣ ንገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ ኣይከኣልን።” ይብል ማር ይስሃቅ።

ናይ ብሕትዉና ግዜ ከመይ ጌርካ ከተሕልፎ ይግባእ፧?

እታ ሓንቲ ክትገብራ ዝግብኣካ፣ ዋላ ሓደ ነገር ዘይምግባር እዩ። ስብከት ወይ ትምህርቲ ከተዳሉ፣ ወይ ኣብ ቤተክርስቲያን (ኣብ ትምህርቲ ሰንበት)ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣይትፈትን። እቲ ‘ናይ ኣገልግሎት ሰይጣን’ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ክትሓስብ ኣይደልይን እዩ። ስለዚ ኲሉ ሓዲግካ ሓጢኣትካ ዘክር፣ ስለ በደልኻ ሕዘን፣ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝፈለየኻ ሓጢኣትካ ብስቡር ልቢ ኣስተንትኖ፣ ብንብዓት ዉን ተናዘዞ። ንገዛእ ርእስኻ ብምርማር ኣብ ጽሞና የሕልፎ፣ ብህንጡይን ብናፍቆትን ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣስተንትን፣ ንመምርሒ ህይወትካን ኣካይዳኻን መርምር፣ ጌጋካ ዉን ኣርም።

ኲሉ ዓለማዊ ድሌታትኻን ፍትወትኻን ኣርሕቅ። እንተተካኢሉ፣ ምስ ኣባት ነፍስኻ ተማኺርካ፣ ብልዒ ሓድግካ ጾም ጹም።

ኣብ መጀመርያ ክኸብደካ እዩ፣ የግዳስ ጸኒዕካ ብትዕግስቲ ተጋደል። ልዕሊ ኲሉ ከተስተዉዕል የድልየኻ፤ ናይ ብሕትዉና ግዜኻ ምስ ተዛዘመ ተመሊስካ ናብቲ ናይ ቀደም ግብርኻ ኣይትመለስ። ብሕትዉና ንስሓ እትኣትወሉ ዕድል ምዃኑ ተረዳእ፣ ምስ ኣምላኽ ዘለኻ ኣካይዳ ኣሐድሶ፣ ንገዛእ ርእስኻ ዝጠቕመካ መንፈሳዊ ልምምድ ግበር።

ናይ ብሕትዉና ግዜኻ ኣበይ ከተሕልፎ ይግባእ?

ብዉልቂ ክንብሕትዉ እንድሕሪ ደሊና፣ ፍሉይ ግዜ መዲብና ኣብ ጽምዉ ዝበለ ቦታ ከነሕልፎ ይከኣል። ኲሉ ግዜ ቀዋሚ ቦታ እንተኰነ ይምረጽ፣ ምክንያቱ ምስ ምቅይያር ቦታ ክብገሱ ዝኽእሉ ፈተናታት ኣለዉ፣ ሓሳብና ናይ ምልዋጥ ድፍኢት ዉን ክመጸና ይኽእል።

ብጉጅለ ክንብሕትዉ እንድሕሪ ደሊና ድማ፣ ብሕትዉ ዝበለ ማእከል ክንመርጽ ይከኣል። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ናይ ብሕትዉና ማእከል /retreat center/ ክህሉ ይግባእ፣ እቲ ማእኸል ዉን፣ መጓዓዝያ ኣብ ዝርኸቦ ቦታታትን፣ ግን ከኣ ጽምዉ ዝበለን ረብሻን ዘይበዝሖን ይኹን። ነቲ ማእከል ዝምርህዎን ዝጓስይዎን መንፍሳዊ ኣቦታት ተመሪጾም ክምደቡ ዉን ይግባእ።

እምብኣር ብብሕትዉና መንፈስ ተምሪሕና፣ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከነፍሪ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሕረት፣ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ኣይፈለየና፣ ኣሜን።

ምንጪ፦ http://www.suscopts.org/servantsprep/pdf/SPR/SPR101.pdf
The Paradise of the spirit.
by the late Bishop Youannis