ቀኖና ብዛዕባ ብልዒ

ሰላም ክርስቶስ ምስ ኲሉኹም ይኹን፣ ዝኸብርኩም ተከታተልቲ እዛ ብሎግ እዚኣ፣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዙሓት ሰባት፣ ብዛዕባ ዘይብልዑን ዝብልዑን፣ ዓይነት እንስሳታት ኣብ ፍትሃ ነገስት እንተሃልዩ ቶርጊመ ከቕርብ ሓቲትኩምኒ ኔርኩም። ብተወሳኺ፣ ትርጉም 1ይ ጢሞ 4፥4 ቃል ዉን ተሓቲተ ኔረ። ብዛዕባ እቲ ቀኖና ዝምልከት ኣብኡ እንከሎ፣ ቶርጊመዮ ኣለኹ። ብዛዕባ ናይ ትርጉም ጢሞቴዎስ ግና፣ ኣብቲ ናይ ግእዝ ዝርዝራዊ መግለጺ ኣይረኽብኩን። ኣብ ትርጓሜ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ግና ነቲ ዝረኽብክዎ ቀሪበልኩም ኣለኹም። ሰናይ ንባብ፦

ዓንቀጽ 23. ገጽ 189

ብዛዕባ ዓይነት መግቢ፡ ክዳንን፡ ገዛን ዝምልከት ንሓደ ክርስቲያን ዝግባእ ሕጊ። ንምክትታሉ ክጥዕመኩም፣ ኣብ ገሊኡ እንኮላይ ነቲ ግእዝ ኣስፊረዮ ኣለኹ፣

  1. {ወምብልዕሰ በዉስተ ሕግ መሢሓዊት ኣልቦ ዉስቴቱ ሕርመት ዘእንበለ ዘከልኡ ሓዋርያት እምኔሁ በመጽሓፈ ኣብረክሲስ ወበቀኖናሆሙ በብሂሎቶሙ ናሁ ሠምረ መንፈስ ቅዱስ ወሠመረነ ንሕነኒ ካዕበ ከመ ኢናንብር ላዕሌክሙ ፆረ ክቡደ ዘይፈደፍድ ዘእንበለ ዝንቱ ዘተኀድጉ ኪያሁ በግብር ወውእቱ ከመ ትርኅቁ እምበሊዐ ደም ወሕኑቅ ወመሥዋዕተ ጣዖት ወብላዐ ኣርዌ} ኣብ ሕጊ ክርስትና፣ በዘይካቲ ሓዋርያት፣ «ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ» ኢሎም ኣብ ቀኖናኦምን ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ካብ ዝኸልከልዎ ዓይነት ብልዒ እንተዘይዀይኑ፣ ካልእ ዝኽልከል (ክንሕረሞ ዝግባኣና) መግቢ ወይ ዓይነት ብልዒ የለን። እተን ከይንበልዐን ዝኸልከሉና፤ ደም፡ ሕኑቅ፡ ንጣኦታት ካብ ዝተሰዉአን፡ ኣራዊት ዝነከሶን እየን። /ግብረ ሓዋርያት 15፥27-29/
  2. {ወለእሉሂ የሐርምዎሙ በእንተ ዘሀሎ ዉስቴቶሙ እምሕማም ነፍሳዊ እስመ ተስናእዎ ምስለ መምለኪያነ ጣዖት በበሊዐ ዘይዘብሕዎ ለአማልክት ይከዉን ዘይሳተፎሙ በአምልክቶሙ ወይስሕቦ ዝንቱ ኀበ ኣምልኮ ጣዖታት ወበእንተ ዘሀሎ ዉስቴቱ እምሕማም ሥጋዊ ወነፍሳዊ እስመ ይእቲ ታማስን ተስሕተ ሥጋ ማስኖ ዘያበጽሕ ኀበ ሙስና ፍጥረት ወዓዲ ትወስድ ኀበ ሀጒለ ኣባል} እዚኣተን ዝተኸልከላሉ ምኽንያት ድማ፣ ንሰብነትና (ንኣካላትና) ጎዳኢ ስለዝዀና እዩ። ንጣኦታት ዝተሰዉአ ምብላዕ፣ ምስቶም መምለኽቲ ጣኦት ከም ዝሓብሩ ስለዝገብር፣ በዚ ኣቢሎም ናብ ኣምልኮ ጣኦት ክኣትዉ ይኽእሉ። ኣብዚአን ንነፍስን ንስጋን ዝጎድእ ሕማም ኣለዎ። ስምምዕ ስጋዊ ባህሪያት ስለተጥፍእን፡ ኣካላዊ ሙግዳል ስለተብጽሕን፣ ስርዓት ኣፈጣጥራና ከተጥፍእ ትኽእል።
  3. {ወኣኮዘአሕረምዎ እስመ ርኲስት ይእቲ በፍጥረታ እስመ እምፍጥረተ እግዚአብሔር ይእቲ ወናሁ ተጽሕፈ ለነ በዉስተ ኦሪት ዘይብል «ወርእየ እግዚአብሔር ኲሎ ዘፈጠረ ከመ ሠናይ ዉእቱ» ወበወንጌልኒ ይቤ እግዚእነ ኣኮ ኲሉ ዘይበዉእ ዉስተ ኣፈ ሰብእ ዘይክል ኣርኲሶቶ ወአፈወርቅኒ ይቤ ብእንተ ዝንቱ እስመ እግዚአብሔር ኣብጠለ በዝንቱ ቃል መብዝኅታ ለትእዛዘ ኦሪት} ኲሎም ፍጥረታት ብእግዚአብሔር ዝተፈጥሩ ስለዝዀኑ፣ ብተፈጥሮኣ ርኽስቲ ትበሃል ፍጥረት የለን። ምኽንያቱ ኣብ ኦሪት «ወርእየ እግዚአብሔር ኲሎ ዘፈጠረ ከመ ሠናይ ዉእቱ/ . . . በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።» /ዘፍጥረት 1፥25/ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ኣብ ወንጌል ዉን ጐይታና «ካብ ኣፍ ዝወጽእ እምበር፣ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ንሰብ ኣየርኽሶን» በለ /ማቴ 7፥15/። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ[1]፣ እግዚአብሔር በዚ ቃል ኣቢሉ ንመብዛሕትኡ ትእዛዛት ኦሪት ሰዓረ (ኣሕለፈ) በለ።
  4. {ወያጸንዕዘንተ ምክረ ዘተነግረ በአብረከሲስ ወውእቱ ቃለ ሉቃስ ወንጌላዊ ዘይቤ ወዐርገ ጴጥሮስ. . .}    ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተነግረ ቃል፣ ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ዘስፈሮ ታሪክ ዝያዳ የጽንዖ። ግብረ ሓዋርያት 10፥9-16

ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። ሽዑ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ፡ ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ። ሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኺወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ኪበጽሕ ከሎ ረኣየ። ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፡ ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሐሪድካ ብላዕ፡ ዚብል ድምጺ መጾ። ጴጥሮስ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዔ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ጊዜ፡ «ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዚብል ድምጺ መጾ። እዚ ሰለስተ ሳዕ ኰነ፡»

  1. ቅዱሳን መማህራን፣ ኣፈወርቅን ካልኦት ኣቦታትን፣ ካብዚ ኣጋጣሚ`ዚ ክልተ ተግባራት ከምዘድልዩ ተረድኡ። እቲ ቀዳማይ ሕቡእ (ስዉር) እዩ። ንሱ ኸኣ፣ ከምቲ ኣብ ሕጊ ኦሪት ተኣዚዙ ዘሎ /ኦሪት ዘሌዋዉያን 15፥1-30፤ 22፥25-27/፣ ምእመናን ምስ ዘይኣመንቲ ኣህዛብ ኽራኸቡ ዘይፍቀድን እዩ ኔሩ፣ ምኽንያቱ ርኹሳን ኢዮም ስለዝብል፣ ደጊም ግና ከምኡ ዓይነት ሓሳብ ክህሉ ከምዘይግባእ ዘረድእ እዩ (ንዘይኣመንቲ ኣህዛብ ርኩሳን ኢዮም ኢልና ምስኦም ካብ ምርኻብ ክንሕረም ከምዘይግባእ)። እቲ ካልኣይ ግና ንጹር (ግሉጽ) እዩ። ሰባት ኣእምሮ ዘለና ስለዝዀንና፣ ኲሎም እንስሳታት ንጹሃን ከም ዝዀኑ ፈሊጥና (ሓሲብና)፣ እንትርፎ፤ ደም፡ ሕኑቅ፡ ንጣኦታት ካብ ዝተሰዉአን፡ ተረፍ ኣራዊት ዝነከሶን ሓዲግና፣ ንጠባይ ኣእምሮና ዝሰማማዕ ካብ ምብላዕ ከይንክልኸል እዩ።
  2. ኣእምሮ ዘጥፍእ፡ ስጋዊ ሕማም ዘብጽሕ፡ ባህርይናዉን ዘናዉጹ ስለዝዀኑ፣ እንትርፎ ካብቲ ናይ ሕጊ መጽሓፍ ዝነገረና ወጻኢ፣ ካልእ ኲሉ ክንበልዕ ፍቑድ እዩ። እዚኣቶም ኣብ ክልተ ይምቀሉ። እቲ ቀዳማይ ንመድሓኒት (ጥዕና) ኰነ ንመግቢ ስለዘይጠቅሙ እዩ። ካብ እንስሳት ጥራይ ኣይኰንናን ንኽልከል፡ ካብ ኣታኽልቲታት ዉን እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ስሚ ዘለዎም እንስሳትን፣ ዝወግእ ጽፍሪን፡ ዝቖርጽን ነገር ዘለዎም ዝሃድኑ (ንኻልኦት እንስሳታት ዝምንጥሉን ዘጥቅዑን) ኣራዊትን ምእንቲ ከይንበልዕ እዩ። ካብቶም ዝቐትል ስሚ ዘለዎምን፡ ምስ በላዕካዮም ልብኻ ክተጥፍእ ዝገብሩኻን፣ ንኣካልና ክሃስዩና ዝኽእሉን፣ ካብ ዓይነት ኣታኽልቲታት ዉን ምእንቲ ክንክልኸል እዩ። ኣብዚ ዓንቀጽ ኣይትብልዕዎም ካብ ዝተባህለ ዓይነት ብልዒ፣ ሓደ ጥዑይ በሊዑ ዘሕምሞ፣ ሓደ ሕሙም ቢሊዑ ግና ዘሕዉዮ እንድሕሪ ኮይኑ፣ እቲ ጥዑይ ሰብ ነዚ ካብ ምብላዕ ይኸልከል፣ እቲ ሕሙም ግና ዘሕዉዮ ስለዝዀነ ክበልዖ ይግብኦ እዩ። እቲ ካልኣይ ክፋል ግና ብዛዕባ እንዳተጠራጠሩ ዝበልዑን፣ ወይ ዉን ንርእሶም በሊዖም ንካልኦት ክጠራጠሩ ዝገብሩ ይዛረብ።
  3. ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ጳዉሎስ ኣብ መልእክቱ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 14 ከምዚ በለ፡

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን ኣሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን ኣሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።

  1. ንሕና እቶም ብሃይማኖት ጸኒዕና እንነብር፣ ድኻም ናይቶም ድኹማት ክንጸዉር ይግብኣና እዩ። ዳግማይ ኣብቲ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝለኣኾ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚ በለ፡ «ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ። ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ» /1 ቆሮ 6፥12/። ኣብ ምዕራፍ 8 ድማ ከምዚ በለ፡

«ብዛዕባ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ። ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ። ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እንተለዉስ፡ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና። እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና። ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀፊ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ። ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረኣየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውኤ ንምብላዕዶ ሕሉናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧ ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም። ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።» /1 ቆሮ 8፥1-13/

ኣብ ካልእ ዉን ከምዚ በለ፡

«ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹም፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ። ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ።» /1ይ ቆሮ 10፥23-29/

ንጢሞቴዎስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ከምዚ በለ፡

«መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ አለዉ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።» /1 ጢሞ 4፥3-5/

  1. ቀኖና ናይ ቅዱስ ባሲልዮስ መበል 52 ዓንቀጽ፡ እንትርፎ ባዕላቶም ምእንቲ እግዚአብሔር ኢሎም ዝገድፍዎ (ዝሕረምዎ) እንተዘይኰይኑ፣ ማንም ካህን ወይ ኤጲስቆጶስ ንዝዀነ ብልዒ (ዓይነት መግቢ) ርኹስ እዩ ኣይበል። ማንም መስሓዊ (ክርስቲያን)፣ ካህን፣ ብፍላይ ድማ መነኮሳት፣ ንብዝሒን ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢን ግዙኣት ክኾኑ ኣይግባእን። ብጣዕሙ፡ ብመኣዝኡ፡ ብምልስላሱ፡ ብትርኢቱ ተደፋፊኦም ናይ መግቢ ግዙኣት ክኾኑ ኣይግባእን። የግዳስ ንስጋ ንዉሕዳት ዘመን ክትቆዉም ዝሕግዛ መግቢ ይመገቡ። ብዙሓት ኣብ ዘመኖምን ኣብ ቦትኦምን ዝረኸበዎ መግቢ ይብልዑ። ጐይታና ዉን ብዛዕባ ዓለም ብዙሕ ክንጭነቅ ከምዘይግብኣና፣ ካብ ስካር ካብ ጽጋብ ዉን ክንርሕቅ ከምዝግብኣና መዓደና

«ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ።» ሉቃ 10፥42

«ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይእከለና።» 1 ጢሞ 6፥8Several options that can be opted to achieve secretworldchronicle.com discount cialis increased size are – Mechanical devices – Penis pumps and clamps are most common contraptions available.

«ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።» /ማቴ 5፥6 ሉቃ 6፥21

————————————————-

ሕጊ ሓዋርያት ዲድኣኬ 6፥3

ብዛዕባ ብልዒ ዝምልከት ግና፣ መጠን እቲ ዝኸኣለኩም ነቲ ባህልኹም ሓልዉ፣ ሓንቲ ግና ንጣኦት ካብ ዝተሰዉአ ፍጹም ከይትበልዑ ብኲሉ መገዲ ተጠንቀቑ። ጣኦት ህይወት ዘይብሎም ኣማልኽቲ እዮም።

ኣመክንዮ ዘሓኣዋርያት ቁ 39

እግዚአብሔር ዝፈጠሮ ኲሉ ፍጥረት ንጹሕ ከም ዝዀነ ዚድርበ ዉን ይብሉን ንብል። ናይ ስጋ ህይወት ነፍሲ ግና ብኲሉ ቅድስትን ንጽህትን እያ።

ቀኖና ቅዱስ ባሲልዮስ ቁ.28

እዚ ጽሑፍ`ዚ ካብቲ ቀንዲ መጽሓፍ ቀኖና ናይ ቅዱስ ባሲልዮስ ዝተወስደ እዩ፣ ኣብ ፍትሃ ነገስት የለን።

ሓደ መንእሰይ፣ «ስጋ ሓሳማ ኣይበልዕን እየ» ኢሉ ንዝኣተዎ መብጽዓ፣ ክግነሖ እንከሎ ኣብ ቀኖንኡ ፍቕዲ 28 ከምዚ በለ፦

ከምቲ ናተይ ርድኢት፣ ዝዀነ ይኹን ሰብ ስጋ ሓሳማ ንከይበልዕ ኢሉ መብጽዓ ምእታዉ፣ ፍጹም ትርጉም ዘይብሉ ነገር እዩ። ስለዚ ንኲሎም ሰባት፣ ኣብ ቅኑዕ ትምህርቲ ዘይተሰረተ መብጽዓ፣ ንከይኣትዉ ጽቡቕ ጌርካ መሃሮም። ብዛዕባ ብልዒ ዝምልከት ግና፣ ፍጹም ምሕራም ዘየድልዮ፣ ፍቑድ ነገር እዩ፣ «እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።» /1ይ ጢሞ 4፥4/። ስለዚ እዚ ከምዚ ዓይነት መብጽዓ ትርጉም ኣልቦ እዩ፣ ካብኡ ክንሕረም ዉን ኣድላዪ ኣይኰነን።

ምንጪ፦ The cannon of the Church Fathers-St Basil the Great -28

ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

«እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።» /1ይ ጢሞ 4፥4/

«ኲሉ ፍጥረት ኣምላኽ ጽቡቕ እዩ። ምክንያቱ እቲ ቃል ከም ዝብሎ «ኣምላኽ ኲሉ ዝገበሮ ረኣየ፣ ኣዝዩ ጽቡቕ ድማ ኰነ» ይብል /ዘፍ 1፥31/። ቅዱስ ጳዉሎስ ነዚ ምባሉ ሓደ ነገር ከብርሃልና ደልዩ እዩ። ኣብቲ ግዜቲ ብዘይካ ኣምላኽ ካልእ ፈጣሪ ከም ዘሎ ዝኣምኑን፣ ስጋ ዝፈጠረ ድማ እዚ ካልእ ክፉእ ፈጣሪ ከም ዝዀነን ዝምህሩ መናፍቃን ኔሮም። {እዞም መናፍቃን ካልእ ፈጣሪ ከም ዘሎ ብምዝራብ፣ ስጋ ዘበለ ኲሉ ካብዚ ክፉእ ፈጣሪ ዘተበገሱ እዮም ኢሎም ስለዝምህሩ፣ ጳዉሎስ ብዚ ቃል ኣቢሉ ይምለሰሎም ኣሎ (ፈጣሪ ሓደ በይኑ ኣምላኽ ከም ዝዀነን ኲሉ ፍጥረታት ዉን ብባህሪኡ ጽቡቕ ከምዝኰነን ይምስክረሎም ኣሎ)።} ኮይኑ ግና፣ ንምንታይ እዩ «በቲ ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ» ዝብሎ ዘሎ? ክቕደስ እንድሕሪ ኮይኑሲ፣ ርኹስ እዩ ኔሩ ማለት ድዩ? ከምኡ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፣ ንሓደሓደ ብልዒታት ከም ርኹስ ጌሮም ዝጥምቱ ሰባት ስለዝነበሩ፣ ንዕዖም እዩ ከምኡ ዝብሎም ዘሎ። ነቶም ንፍጥረት ኣምላኽ ከም ርኹስ ዝጥምቱ ከምዚ ጌሩ የብርሃሎም ኣሎ። ብመጀመርያ፣ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ዘበለ ኲሉ ርኽሰት ዝበሃል የብሉን።  በቲ ካልኣይ ወገን ድማ፣ ምናልባት ርኹስ ኢልና ንሓስቦ እንድሕሪ ኮይንና ግና፣ ነዚ ርኽሰት ዝፍዉስ መድሃኒት ኣሎ። ብትእምርተ መስቀል ጌርካ ሕተሞ፣ ምስጋና ኣቕርብ፣ ብጸሎት ባርኾ፣ ንኣምላኽ ዉን ኣመስግን፤ እቲ ኲሉ ርኽሰት  ዉን ክርሕቅ እዩ። እሞ እቲ ንጣኦት ዝተሰዉአ`ኸ ክንቅድሶ ይኸኣል ድዩ? ንጣኦት ከም ዝተሰዉአ ከይፈልጥካ እንከለኻ፣ እንድሕሪ ጸሊኻሉ፣ ክቕደስ እዩ። ንጣኦት ከም ዝተሰዉአ እንዳተነገረካ ግና፣ እንድሕሪ በሊዕካ ክትረኽስ ኢኻ። እትረክስ ዘለኻ ግና፣ ንጣኦት ስለዝተሰዉአ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ሕጊ ኣምላኽ ስዒርካ ኣብቲ ናይ ዲያብሎስ ኣምልኾ ስለዝተሳተፍካ እዩ። ስለዚ፣ እቲ ብባህሪኡ ርኹስ ዘይኰነ ነገራት፣ በቲ ዘይምእዛዝኻ ክረኽስ ይኽእል።

ስጋ ሓሳማ`ከ፣ ርኹስ`ዶ ኣይኰነን? ፍጹም ኣይኰነን! ብትእምርተ መስቀል እንድሕሪ ሓቲምካዮ፣ ብምስጋና እንድሕሪ ተቐቢልካዮ፣ ርኹስ ኣይኮነን። ካልእ ኲሉ ዉን ከምዚ ጌርና እንድሕሪ ተቐቢልናዮ፣ ርኹስ ኣይበሃልን። የግዳስ፣ እቲ ምስጋና ዘይብሉ ናብ ኣምላኽ እተቕርቦ ህይወት እዩ፣ ርኹስ ዝበሃል።

ምንጪ፦ መበል 12፥4  ትርጓሜ  1ይ ጢሞቴዎስ ብቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

መደምደምታ

ካብዚ ኲሉ ንርድኦ ነገራት እንተሃልዩ፣ ብልዒ ናብ ህይወት ዘብጽሓካ ኣይኰነን፣ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዉን ኣየትርፈካን እዩ። ኮይኑ ግና እዘን ነጥቢታት እዚአን ከንስተዉዕለለን ይግባእ።

  1. መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን.
  2. ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ
    ዘይበልዔ፡ ይዂነን።
  3. ምናልባት እምነት ሃሊና ክንበልዕ እንከለና ግና፣ ነቲ ድኹም ሓዉና ከይንዕንፍ ክንጥንቀቕ ይግባኣና። “ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ።”
  4. እቲ ዘይበልዕ ኣብ ልዕሊ`ቲ ዝብለዕ ኣይፍረድ፣ እቲ ዝብለዕ ድማ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ
  5. ኣብ ሕጊ ክርስቲና እንታይ ትብለዕ ዘይኰነሲ፣ ከመይ ትበልዕ እዩ ዘገድስ። እቲ ትበልዖ ብእምነት ይኹን። ብተወሳኺ ድማ፣ ብፍቕሪ ብምስጋና ብጸሎት ብሕብረት ንድኻታት ብምዝኻር፡ ክኸዉን ኣለዎ።
  6. “ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ።” 1ይ ቆሮ 6፥13. ስለዚ ፈትዉቲ ብልዒ፡ መማረጽቲ፡ መስተማቐርቲ፡ ሃርጎምጎም በሃልቲ፡ ስሱዓት ክንኸዉን የብልናን። ብሓጺሩ ነቲ ሓላፊ መግቢ ግዙኣት ክንኸዉን የብልናን፣ የግዳስ ነቲ ዘለዓለማዊ ህይወት ዝህብ ስጋን ደምን ወልደ እግዚአብሔር ክንምገብ ይግብኣና።

ዕድመ ንንስሓ፣ ዘመን ንፍስሃ ይዓድለና፣ ናብቲ ዘለዓለማዊ መኣዱ ክንቐርብ ብምሕረቱ ይደግፈና፣ ኣሜን!