ሆሳእና-ቅዱስ እንድርያስ ዘቅርጤስ

ቅዱስ እንድርያስ ዘቅርጤስ ሓደ ካብቶም ኣብ ሶርያ ዝፈረዩ ቅዱሳን ሊቃዉንቲ ኣቦታት ኮይኑ፣ ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ እዩ። እዚ ኣቦ`ዚ ብዛዕባ ሆሳእና ካብ ዝመሃሮ ገለ ክፋል፣ ጆባእ እብለኹም። ብምስትዉዓል ነንብቦ።

01hosaena

ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንቅበሎ፣ ናብ ደብረ ዘይቲ ንኺድ። እምበኣር ንኺድ ንርኸቦ። ሎሚ ካብ ቤታንያ ተመሊሱ ናብቲ ኢየሩሳሌም ክኣቱ እዩ። ሚስጢር ምድሓንና መዛዘሚ ክገብረሉ፣ ብፍቓዱ ናብቲ ቅዱስን ብሩኽን ዝዀነ መከራ ሕማማቱ ዝቕበለሉ ቦታ ተመሊሱ ኣሎ። ንሱ እዚ መድሓኒ፣ ንዓና ካብ መዓሙቚ ሓጢኣት ኣልዒሉ ምስኡ ምእንቲ ከኽብረና፣ ካብ ሰማያት ወረደ። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝነገረና፣ ንሱ ብሓቂ ልዕሊ ማንም ስልጣናት ሓይላትን መናብርትን ክብ ዝበለ፣ ካብ ዝስመ ዘበለ ኲሉ ስም ዝበለጸ ስም ዘለዎ እዩ። ሕጂ ግና ብፍቃዱ መገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቅነዐ። ብጃሕራን ብግሩም ትርኢትን ኣይኰነን ዝመጽአ። እንታይ ደኣ ከምቲ እቲ ዘማራይ (መዝሙር ናይ ኢሳይያስ)ዝበሎ፣ “ኣይኪጭድርን፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ። ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ። ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን።”  ምእታዉ ብስቕታ እዩ ጌርዎ /ኢሳ 42፡2/።” 

ከምቲ ንሱ ምእንታና ክብል ሕማም መከራ ክቕበል ዝተሃወኸ፣ ንሕና ዉን ቀልጢፍና ንኺድን፣ ንቀበሎ። ከምቶም ዝተቀበልዎ፣ ንሕና ዉን ንዕኦም ንምሰል። ግን ከምቲ ንሳቶም ዝገበርዎ፣ ክዳዉንቶምን እንድንጸፉን፡ ቆጽሊ ኣዉሊዕን ስየን ሒዞም ዝተቀበልዎ፣ ኣይንግበር፤ እንታይ ደኣ፣ ህይወትና ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ጌርና እንዳነበርና፣ ብትሕትና ንዕኡ ንስገደሉ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርና፣ ነቲ ማንም ክዉስኖ ዘይክእል ኣምላኽ ዝዀነ ነቲ “ቃል” ክንቅበሎ ኢና፣ ንሱ ዉን ምሳና ክኸዉን እዩ።
It discards the low https://unica-web.com/watch/2017/do-it-yourself.html generic cialis online blood inflow task performed by PDE5 and replaces this problem by triggering the blood inflow and obstructing its outflow for longer duration.
ክርስቶስ ትሑት ስለዝዀነ፣ ናብዛ ጸልማት ዝዀነት ዝወደቐት ዓለምና ኣተወ። ምእንታና ኢሉ መከራ ምቕባሉ ዉን ኣዝዩ ሕጉስ ነበረ። ኣብ መእከልና ሓዲሩ፣ ነቲ ናትና ባህሪ ባህሪኡ ጌሩ ብምውሳዱ፣ ሕጉስ እዩ። ነቲ ናትና ባህሪ ዝተወሃሃደሉ ቀንዲ ምክንያት ዉን፣ ነቲ ዝወደቀ ባህሪና ናብቲ ናቱ ክብሪ ክብ ምእንቲ ከብሎ እዩ። ብርግጽ ንሱ ሓያልን መለኮታዊ ኣምላኽን ምዃኑ ምእንቲ ከረጋግጸልና፣ ኣብ ላዕሊናብ ናይ ቀደም ክብሩ ተመሊሱ እዩ። የግዳስ ንዓና ካብ ምፍቃር ግና ፈጺሙ ኣይቋርጽን እዩ። ነዚ ምድራዊ ባህሪና ለዊጡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እንዳኣሰጋገረ፣ ንዂልና ናብቲ ሰማያዊ ክብሪ ኣብጺሑ፣ ምስ ገዛእ ርእሱ ሓደ ክሳዕ ዝገብረና፣ ኣይዓርፍን እዩ።

እምበኣር ኣብ እግሪ ነንጽፈሉ። የግዳስ ክዳንን፣ ህይወት ዘይብሊ ቆጽሊ ኣዉሊዕን ስየን ኣይኹን። እዚ ኹሉ ንዓይኒ ዝማርኽን፣ ንቅሩብ ግዜ ተራእዩ ዝነቕጽን ዝበሊን እዩ። የግዳስ ንገዛእ ስጋናን ሰብነትናን ነንጽፈሉ። ብጸግኡ ማዕሪግና፣ ንዕዑ ማለት ንክርስቶስ ብምልኣት ለቢስና፣ ንሰብነትና ኣብ ትሕቲ እግሩ ነንጽፈሉ። ምክንያቱ እቶም ዝጠመቅና ዘበልና፣ ኲልና ንክርስቶስ ለቢስናዮ ኢና /ገላ 3፡27/። ልብሲና ናይዞም ዝተጠመቕና ዘበልና ድማ፣ ንሱ እዩ። በቲ መድሓኒ ዝዀነ ማይ ጥምቀቱ፣ እቲ ድሙቕ ዝነበረ ማክያ ሓጢኣትና ተሓጺብልና፣ ከም በረድ ጻዕዲና ኢና። 

እምበኣር ነዚ ሞት ስዒሩ ዝመጽአ፣ ቆጽሊ ስየ ዘይዀነስ፣ ንዓወቱ ዝበቕዕ ግብሪ ንወፍየሉ። ነፍስና ነቶም ህጻናት ኢየሩሳሌም ትምሰል፣ ኣብ ክንዲቶም ስየ ሒዞም ዘመስገኑ ህጻናት ኢየሩሳሌም፣ ነዚ መዝሙር ንዘምር።  

ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም! ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ። እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም!  ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ፣ ብሩኽ ንጉስ ኢስራኤል እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም! ኣሜን!!