ለከ ሓይል-ዝማሬ ሕማማት

bridg

ኣብ ግዜ ሕማማት፣ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ዘሎ ግዜ ኣብ ቤተክርስቲያን፣ ካልእ ኲሉ ጸሎት ተሪፉ፣ እዚ ዝስዕብ ጸሎት ይጽለይ። ብሓባር ኰንኻ ብየማንን ብጸጋምን እንዳተቀባበሉ ይበጽሕ። ቅድም ናይ ወትሩ ጸሎት ይበጽሕ፣ ዳዊትን ዉዳሴ ማርያምን ይዕደል። ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ዝገልጻ ሓረጋት ይዝለላ። መክፈቲ ጸሎት ምስ ተወድአ ከምዚ ዝስዕብ ይበሃል፣

ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/

ኣማኑኤል ኣምላኪየ! ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ኦ ኣማኑኤል ኣምላኸይ ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/

ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ! ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/

ኃይልየ፣ ወጸወንየ ዉእቱ እግዚእየ፣ እስመ ኮንከኒ ረዳእየ፣ /ኣብ ግዜ ጸገመይ ረዳኢየይ ዝዀንካኒ፣ ሓይለይን ጸግዐይን፣ ንስኻ ኢኻ ጐይታይ/ እብል በአኰቴት፡ /ብምስጋና ከምዚ ይብል፣ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና. . . / «ኣቡነ ዘበሰማያት! ይትቀደስ ስምከ! ትምጻእ መንግስተከ! ወይኩን ፈቃድከ፣ በከመ ሰማይ ከማሁ በምድር! ሲሳየነ ዘለለዕለትነ፣ ሀበነ ዮም! ኅድግ ለነ፣ ኣበሳነ ወጌጋየነ! ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰ ለነ! ኢታብኣነ እግዚኦ ዉስተ መነሱት! ኣላ ኣድኅነነ፣ ወባልሃነ! እምኲሉ እኲይ! እስመ ዚኣከ፣ ይእቲ መንግስት ኃይል ወስብሓት ለዓለመ ዓለም።»

ሽዱሽተ ግዜ ብጸጋም ሽዱሽተ ግዜ ብየማን ይበሃል

/ንኣምላኽ ይግብኦ/ ለኣምላክ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/

/ንስላሴ ይግብኦ/ ለሥሉስ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም።

/ንመሕወዪ ይግብኦ/ ለማኅየዊ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም።

/ንዕብየቱ ይግብኦ/ ለዕበዩ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም።

/ንተኣዛዝነቱ ይግብኦ/ ለዕዘዙ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም።

/ንመንግስቱ ይግብኦ/ ለመንግሥቱ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም።

/ንኢየሱስ ይግብኦ/ ለኢየሱስ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም።

/ንክርስቶስ ይግብኦ/ ለክርስቶስ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም።

/ንሕማሙ ይግብኦ/ ለሕማሙ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም።

/ንመስቀሉ ይግብኦ/ ለመስቀሉ ይደሉ! ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም።

ድሕሪዚ ነዚ ዝስዕብ ጸሎት 3 ግዜ የዚምዎ።

ለከ ይደሉ ኃይል፣ ለከ ይደሉ ስብሓት፣ ወለከ ይደሉ ኣኰቴት፣ ኦ እግዚእየ እየሱስ ክርስቶስ ለዓለመ ዓለም። /ሓይሊ ንዓኻ ይግባእ፣ ምስጋና ንዓኻ ይግባእ፣ ኣኰቴት ንዓኻ ይግባእ ኦ ጉይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንዘለዓለም ዓለም/

ድሕሪ ንባብ ወንጌልን ጸሎትን እዚ ዝስዕብ ጸሎት ይቕጽል

ክርስቶስ ኣምላክነ፣ ዘመጽአ ወሓመ በእንቲኣነ፣ በሕማማቲሁ ቤዘወነ! /ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ምእንታና መጺኡ ሕማምት ዝተቐበለን ዝሓመመን፣ ብሕማማቱ ተበጀወናን/ ንሰብሖ ወናልዕል ስሞ ኅቡረ፣ እስመ ዉእቱ ገብረ መድኃኒተ፣ በብዝኅ ሣህሉ ወምሕረቱ! /ብብዝሒ ምሕረቱን ይቕሬትኡን፣ ናይ ድሕነት ግብሪ ንዝግበረልና፣ ንጐይታ ብሕብረት ስሙ ነመስግኖን ልዕል ነብሎን/

ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን!

ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! እብኖዲ ናይናን! ኪርያላይሶን!

ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ታዖስ ናይናን! ኪርያላይሶን!

ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ማስያስ ናይናን! ኪርያላይሶን!

ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ኢየሱስ ናይናን! ኪርያላይሶን!

ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ክርስቶስ ናይናን! ኪርያላይሶን!

ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ኣምኑኤል ናይናን! ኪርያላይሶን!But buy generic viagra navigate to this page even better, he is listing this masterpiece for $ 2.35 million.

ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ትስቡጣ ናይናን! ኪርያላይሶን!

ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን! ኪርያላይሶን!

ትርጉም ቃላት፣ ኪርያ ላይሶን፣ Κύριε, ἐλέησον, Kýrie eléison ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ፣ ኪርዬ- ጐይታ ማለት ኮይኑ፣ ኤለኢሶን ድማ፣ መሓረና እዩ። “ናይናን” ብቅብጢ መሓረና ማለት እዩ። “እብኖዲ” ብቅብጢ፣ ኣምላኽ፤ “ታዖስ” ብግሪክ Theos ኣምላኽ፤ “ማስያስ” ብእብራይስጢ መሲሕ /ክርስቶስ/፤ “ትሱብጣ” ብግሪክ ዴስፖታ ማለት ገዛኢ ማለት እዩ። ሕጽር ብዝበለ፣ ነዘን ኣስማት ብእብራይስጢ፣ ግሪክን፣ ቅብጢን፣ ዘለዋ ቃላት፣ “ኦ ጐይታ መሓረና/እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ” ዝብል ትርጉም ክሕዝ ይኽእል።

ኣብዚ ቅነ እዚ፣ መስተበቁዕ ይኹን፣ ጸሎጠ ዕጣን፣ ወይ ድማ፣ ካልእ ስብሃታት ኣይግበርን። እዛ ዝማሬ እዚኣ ንኲለን ጸሎታት ቤተክርስቲያን ትትክአን። እንትርፎ ኣብ ሓሙስ ጽግቦ ዝግበር ቅዳሴ ገዲፍና፣ ሙሉእ ሶሙን በዚ ጸሎት ኢና እንምራሕ።

ስለምንታይ ነዚ ዝማሬ እዚ ኣብ ግዜ ሕማማት ንዝምር?

ሶሙነ ሕማማት፣ ኣብ ዓመት ካብ ዘለዋ ሶሙናት እታ ኣዝያ ኣገዳሲትን መወዳድርቲ ኣልቦን ሶሙን እያ። ብመንፈሳዊ ስርዓታን ሓዋህዉን ኣዝያ ብልጽቲ እያ። ቤተክርስቲያን ካብ ብሉይን ሓድሽን እንዳሳነየት ዝነበብ ንባባት ይንበብ። እቲ ዝገርም ድማ፣ ካብ ሙሉእ ዓመት፣ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣብዚ ሶሙን`ዚ ጥራይ እያ፣ ካብ ብሉይ ኪዳን እተንብብ፣ ካልእ ሙሉእ ዓመት ግና እንትርፎ መሰነይታ ዝኸዉን ካብ መዝሙር ዳዊት ዝወጽእ ምስባክ ገዲፍና፡ ካብ ሓድሽ ኪዳን ጥራይ እያ እተንብብ። ኣብቲ ቀደም ዘመን፣ እሱራት ይፍትሑን፣ ብሓባር ቤተክርስቲያን ተረኺቦም፣ ምስ ህዝቦም ሶሙነ ሕማማት ይሳተፉን ነበሩ። ኣብዚ ሶሙን`ዚ ገሊኦም ኣመንቲ፣ ሕብስቲን ማይ ጨዉን ጥራይ ይሰትዩ፣ ክሳብ ዕራርቦ ጸሓይ ድማ፣ ዝበዝሐ ሰብ ይጸዉም። ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ሶሙን ኲሉ መጸባበቒ ይገድፍኦ፣ ወርቀንን ኣምባረንን ድማ፣ ኣብ ገዛ የንብርኦ። ኲላ ማሕበር ዉን ኣብ ሓደ ጉዳይ ጥራይ እያ ኣትግደስ፣ ኣብ ሕማማትን መኸራን ክርስቶስን ጥራይ።

ኲሉ ጸሎታት ሓዲግናን፣ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ግዜን፣ ኣብ ለይቲ ድማ ሓሙሽተ ግዜን፤ ኣብ ነፈሲ ወከፍ ግዜ ዉን ብምቕብባል 12 ግዜ፣ “ለከ ሓይል” ኣንዳበልና ብምዝማር ንሰግድ። ብዚ ዉን ምሕረት ካብ ኣምላኽ ብሕብረት ንሓትት።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ሓይላ ኣምላኽ እዩ። ናቱ ሓይሊ ፍጹም መግለጺ የብሉን። ተገሊጹ ዘዉዳእ ሓይሉ ከነበስር ድማ፣ “ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/” እንዳበልና ንዝምር፣ ንምህለል፣ ንሰብኽን፣ ንሰግድን። ኣብ ሙሉእ ሕማማት ክርስቶስ ድማ፣ “ለከ ሓይል” እንዳበልና ንስዕቦ፣ ኣብ መከርኡ ተሳተፍቲ ኮይንና ናብ ትንሳኤ ክብሪ ምእንቲ ክንበጽሕ ዉን፣ ካብኡ ኣይንፍለይን።

ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኢየሩሳሌም ገዲፉ ናብ ቤታንያ ክኸይድ እንከሎ፣ ንሕና ድማ “ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/ እንዳበልና ንስዕቦ። ጐይታ ናብ ቤት መቅደስ ኣትዩ ነቶም ዝሸጡን ዝሽቅጡን ዝነበሩ ብጩግራፍ ተቲዑ እንዳገረፈ ክሶጎም እንከሎ ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ፈሪሳዉያንን ኣዝዮም ተቆጥዑ፣ ንሕና ግና “ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/

ንሳቶም ክቐትልዎን መኸሩ፣ ንሕና ግና  “ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/ እንዳበልና ክንጣበቀሉ ኢና። ጐይታ ብትሕትንኡ ድንን ኢሉ እግሪ ሃዋርያት ሓጸበ፣ ንሕና ድማ  “ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/ እንዳበልና ነመስግኖ።

ጐይታ ኣብ ጌተሰማኒ፣ ረሃጽ ካብ ገጽ ከም ደብ ጥብጥብ እንዳበለ፣ ተጨኒቑ ይጽሊ ነበረ። ንሕና ግና  “ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/ ነቲ ናቱ ክብሪ ንእዉጅ።

ኣብ ኲሉ ጉዕዞ ጐይታ ንስዕቦ፣ ካብ መከርኡ ፈጺምና ኣይንፍለይን። ኣብ ኲሉ ግዜ ኣብ ኲሉ ሰዓትን ምስኡ ኣለና። ክተሓዝ እንከሎ፣ ናብ ፍርዲ ከቕርብዎ እንከሎ፣ ኣብ ቅድሚ ጸላእቱ ክቀዉም እንከሎ፣ እሾኽ ኣኽሊል ክደፍኡሉ እንከለዉ፣  ዝባኑ ክገርፍዎ እንከለዉን፣ መስቀል ኣሰኪሞም ክንከራትትዎ እንከለዉን፣ ኣብ መስቀል ብመስማር ክሽንክርዎን፣ ተሰቑሉ ክሳቐን፣ ነፍሱ ብፍቓዱ ኣሕሊፉ ኣብ ሑቅፊ ኣቡኢ ከማዕቁባ እንከሎንም፣ ነቲ ብየማኑ ዝነበረ ሽፍታ ናብ ገነት ክወስዶ እንከሎን፤ ኲሉ ግዜ ምስኡ ኮይንና “ለከ ኃይል፣ ክብር ወስብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/ ኣማኑኤል ኣምላኪየ! ለከ ኃይል፣ ክብር ወስድብሓት ወዕዘዝ ለዓለመ ዓለም። /ኦ ኣማኑኤል ኣምላኸይ ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ/

 

ሓያል ጐይታ

ኣብ ቅነ ሕማማት እታ ቀንዲ ንደግማ ሓረግ፣ “ለከ ሓይል/ ሓይሊ ናይ ባህሪኻ” ትብል እያ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓያል ኣምላኽ እዩ። ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚገለጾ ንሱ ማለት “ክርስቶስ እቲ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” /1ይ ቆሮ 1፡24/።

ብሓቂ ንስኻ ጐይታ ፈጣሪ ዓለማት ዝዀንኻ ሓያል ኢኻ፣ ፈጣሪ ብምዃንካ ሓይልኻ ገለጽካልና፣ “ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።” /ዮሃ 1፡3/። ደሓር ዉን ንህይዋንን ንሙታንን ክትፈርድ ክትመጽእ ኢኻ፣ ፈራዲ ብምዃንካ ሓያል ኢካ። ኣብዚ ምድሪ`ዚ ብስጋ ክትመላለስ እንከለኻ፣ ገሊኦም ድኻም ዝጠብቀካ ይመስሎም እዩ። ኣስተዉዕልና ተግባርኻ ክንምርምሮ እንከለና ግና፣ ንስኻ ብሓቂ ሓያል ኣምላኽ ኢኻ።

ንስኻ ብቅድስናኻ ሓያል ኢኻ። ዓለም ኲሉ ብሓጢኣት ተኣሲራ ክትሳቐ እንከላ፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ። ዓለም ኲሉ ንሓጢኣት ምቅዋም ስኢኑ ነበረ። ሓጢኣት  “ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም” /ምሳ 7፡25/። መጽሓፍ ዉን ከምዚ በለ “ኵላቶም ዘምቢሎም፣ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፣ ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።” /መዝ 14፡3/። ንስኻ በይንኻ ግና ቅዱስ ኢኻ፣ ኣብ ዘመን ስጋዌ ዉን ሓንቲ ሓጢኣት ኣይፈጸምካን፣ ስለዚ ዉን “ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን አሎ፧” ኢልካ ሞጎትካ /ዮሃ 8፡46/። ንስኻ በይንኻ ኢኻ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን።” በልካ /ዮሃ 14፡30/። መጽሓፍ ዉን ብዛዕባኻ “ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ” /ራኢ 15፡4/ መስከረ። ንስኻ በይንኻ ቅዱስ ኢኻ፣ ብቅድስናኻ ዉን ሓያል ኢኻ “ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈልየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል” ዝበልካ ኢኻ /እብ 7፡26/።
ብተኣምራትካ ዉን ሓያል ኢኻ። ኣብ ቅድሚኦም ብዙሕ ተኣምራት ገበርካ፣ ቅድሚ ማንም ጌርዎ ዘይፈልጥ ተኣምራት ገበርካ /ዮሃ 15፡24/። ንማዕበላትን ንባሕሪ ንፋስን ገሲጽካ ኣህዳእካ። ዳዊት ዉን ብዛዕባኻ ከምዚ ኢሉ ዘመረ “ባሕሪ ትገዝኦ፣ ማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፣ ንስኻ ተህድኦ” /መዝ 89፡9/። ንዕዉራት ኣብራህካ፣ ንሓንካሳት ኣቕናዕካ፣ ንጸመሙ ምስማዕ፣ ንዝሞቱ ህይወት፣ ብጋኔን ንዝተኣስሩ ምፍታሕ፣ ሃብካ። 12 ዓመት ደም ዝፈሰሳ ፈወስካያ፣ 38 ዓመት ንዝደቀሰ ዓራቱ ተሰኪሙ ከም ዝኸይድ ገብርካዮ፣ ብላዕሊ ናሕሲ ንዘምጽእዎ ልሙስ ፈወስካ። ጐይታየ፣ ኣርባዕተ መዓልቲ ንዝገበረ ሬሳ ህይወት ሃብካ። ክልተ ዓሳን ሓሙሽተ ህብስቲን ባሪኻ፣ ንኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ብምጋብካ፣ ናይ ፈጣሪነት ባህሪኻ ገለጽካልና። ንስኻ ዝገበርካዮ ተጸብጺቡ ኣይዉዳእን፣ “ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን” /ዮሃ 21፡25/።

ብቅድስናኻ ሓያል ኢኻ፣ ብትሕትናኻ ሓያል ኢካ፣ ብትዕግስትኻ ሓያል ኢኻ፣ ብተጻዋሪነትካ ሓያል ኢኻ፣ ሚስኪን ብምዃንካ ሓያል ኢኻ፣ ከም በጊዕ ተሳሒብካ ብምኻድካ ሓያል ኢኻ፣ ብስቕታካ ሓያል ኢኻ፣ ብጥበብካ ሓያል ኢኻ፣ ብትምህርትኻ ሓያል ኢኺ፣ ብጉስነትኻ ሓያል ኢኺ፣ ነቲ ሓንቲ በጊዕ ንክትደልዪ ክንድዚ ብምድኻምካ ሓያል ኢኻ፣ ነታ ዝተፍአት ሓንቲ ሳንቲም ክትደሊ ክንድዚ ምትጋህካ ሓያል ኢኻ፣ ብፍቕሪኻ ሓያል ኢኻ።

እዚ ዂሉ ብምግባርካ ድማ፣ ቅኑዕ ትርጉም ናይ “ሓይሊ” ገለጽካልና። ንዝሃረሙኻ ምህራም፡ ንዝጸረፉኻ ምጽራፍ፡ ንዝተባኣሱኻ ምብኣስ፡ ንዝጸልኣካ ምጽላእ፡ ንዝሓምዩኻ ምሕማይ፡ ንዘላገጹልካ ምልጋጽ፡ ንዝኸሓዱኻ ምኽያድ፡ ጉስጢ ኣብ ክንዲ ጉስጢ፡ ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ከኣ ኣብ ክንዲ ስኒ፣ እዚ ዂሉ መግለጺ ሓይሊ ኣይኰነን። መግለጺ ድኻም እዩ። ድኹም ሰብ ከምዚ ይግበር። ንስኻ ግና ሓያል ኢኻ። መግለጺ ናይ ሓይሊኻ ድማ ኣብ ትዕግስትካ፡ ኣብ ዓቅሊኻ፡ ኣብ ፍቅሪኻ፡ ኣብ ትሕትናኻ፡ ኣብ የዋህነትኻ፡ ኣብ ጐስነትካ እዩ።

ናይ ዓለም መግለጺ “ሓይላ” ፍጹም ሓሶት እዩ። ናትኻ ሓይሊ ግና ኣማናዊ እዩ። ነዚ ሓቀኛ ትርጉም ሓይሊ ስለዝመሃርካና ድማ፣ ንሕና ዉን ምስቲ ምሩጽ ኣቅሓ ዝሰመኻዮ ኣገልጋሊኻ ሓዋርያ ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚ ኢልና ንዓለምን ነቶም ዝሰምዑን ንእዉጅ ኣለና።

እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። /ሮሜ 15፡1/

ነዚ ሓቀኛ ሓይሊ ስለዝገለጽካልና ድማ፣ “ለከ ሓይሊ” እንዳበልና ነመስግነኻ። መግለጺ ሓቀኛ ፍቕሪ እዚ እዩ። ብፍቕሪ ዝመልአት ልቢ፣ ንዝብድልዋ ትዕገስ፣ ነቶም ሕማቕ ዝገብሩዋ ተፍቅር፣ ምእንትኦም ትጽልዪ፣ ንሳቶም ድሕነት ምእንቲ ክረኽቡ ድማ ገዛእ ርእሳ ኣሕሊፋ ትህብ።

ፍቅሪ ክርስቶስ እንድሕሪ ተሰዊጡና፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ ብልቢ ኣብ ቅድሚኡ ብትሕትና እንዳሰገድና ንዘምር። ንዕኡ ንወድስ፣ ንዕኡ ነመስግን፣ ንዕኡ ነገልግል።

ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ። 

ኦ ኣማኑኤል ኣምላኸይ ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ። 

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ሓይሊ ናትኻ ናይ ባህሪኻ እዩ፣ ክብሪን ምስጋናን ተኣዛዝነትን፣ ንዘለኣለም ዓለም ንዓኻ ይግባእ። ኣብ ግዜ ጸገመይ ረዳኢየይ ዝዀንካኒ፣ ሓይለይን ጸግዐይን፣ ንስኻ ኢኻ ጐይታይ!! ኣሜን!

ንተወሳኺ ዜማን ካልእ ስርዓታትን ዜማ ሰሙነ ሕማማት፣ ዓርቢ ስቕለት፣ ኪርያ ላይሶን ዓርቢ ስቕለት፣ ሰላምታ ሕማማት