ምዕዶ-ካብ ቃል ኣረጋዊ መንፈሳዊ

ኣረጋዊ መንፈሳዊ፣ ሓደ ካብቶም ንመጽሓፈ መነኮሳት ካብ ዝጸሓፉ ኣቦ ኮይኑ፣ ብዛዕባ ምንኩስናዊ ህይወት፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ገድሊታትን፡ ብዛዕባ ነፍስኻ ኣንጺህኻ ብቅድስና ከመይ ንዓቢን ከመይ ናብ ምስሊ ወልደ እግዚአብሔር ብትሕትና፡ ብምሕረት፡ ብምልግሲ፡ ብመንፈስዊ ገድሊ ክንዓቢ ንኽእል ዝምዕድ፣ ብዙሕ ጽሑፋት ዝጸሓፈ ኣቦ እዩ።

last ned“ኲላትና ናብ ሕብረት እምነት፣ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፣ ናብ እዂል ሰብኣይ፣ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፣ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ኪዀኑ ኢሉ፣ ንሱ ንገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፣ ገሊኦም ከኣ ወንጌላዉያን፣ ገሊኦም ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ” ኤፈ 4፥13

እምቃለ ኣረጋዊ መንፈሳዊ/ካብ ቃል ኣረጋዊ መንፈሳዊ ም. 38፥1-8

“ጐይታ ክጸዉም እንከሎ፣ ምስኡ ሓቢርካ ጹም፤ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ክልዉጦ እንከሎ፣ ኣብቲ ግዜ`ቲ ካብኡ ከይተፈለኻ፣ ነቲ ኣጋንእ ማይ እንዳመላእኻ ምስኡ ዂን። ኣብ ጥቃ ዒላ ኮይኑ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ክዛረብ እንከሎ፣ ንስኻ ዉን ምስኡ ኮይንኻ ነቲ ንሱ ዝምህሮ ጽን ኢልካ ስምዓዮ፣ ኣቦ ዝደልዮ ናይ መንፈስን ናይ ሓቂን ስግደትን እንታይ ምዃኑ ተረዳእ፣ ንሱ ዝደልዮ ናይ ባህርይ ስግደት ዉን ስገድ።

ንሙቷን ከተንስኦም እንከሎ፣ ባዕሉ ንሱ ናይ ሙቷን ትንሳኤን ህይወትን ምኳኑ ፍለጥ። ንህብስቲ ክባርኽ እንከሎ ዉን፣ ብኣብራኽ ኣእዳዉኻ ተቐቢልካ፣ ነቶም ኮፍ ኢሎም ተኣኪቦም ዘለዉ ሃቦም። ናብ በረኻ ገዳም ክኸይድ እንከሎ፣ ካብኡ ኣይትፈለ፣ ምስኡ ኮይንኻ ኣፋንዎ። ኣብ መርከብ ደይቡ ክድቅስ እንከሎ፣ ጸዊዕካ ኣተንስኣዮ። ኣብ ጉባኤ ምስ ሃልው። ኣብ መገዲ ክኸይድ እንከሎ፣ ምስኡ ዂን፤ ኣብ በረኻ ምስኡ ሃሉ፤ ኣብ ዉሽጢ መርከብ ምስኡ ሃሉ፤ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኮይኑ ክጽሊ እንከሎ፣ ምስ ኲን፤ ኣብ ሙክራብ ኮይኑ ክምህር እንከሎ፣ ንትምህርቱ ጽን ኢልካ ስምዓዮ።

ካብ ናይ ድንቁርና ጸልማት ኣዉጺኡ፣ ምስኡ ምእንቲ ከተንስኣኻ፣ ንኣልኣዛር ካብ መቃብር ከተንስኦ እንከሎ፣ ምስኡ ዂን። ካብ ኣንደበቱ ናይ ሓጢኣት ስርየት ቃላት ምእንቲ ክትሰምዕ፣ ንስኻ ዉን ምስ ማርያም ኮይንኻ፣ ኣእጋሩ ብንብዓት እንዳጠልቀኻ፣ ብጸጉርኻ ጌርካ እግሩ ድረዞ። ኣብ ሓሙስ መዓልቲ ድራር ፋሲኻ ጌሩ ቅዱስ ቁርባን ክሰርዓሎም እንከሎ፣ ኣብ ኣፍልቢ ተጸጋዕ፣ ካብ ኢዱ ዉን ህብስተ ቁርባን ተቐበል። ጐይታ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ክሓጽብ እንከሎ፣ ንስኻ ዉን ምእንቲ ካብ ሓጢኣትካ ኽሓጽበኻ ናብኡ ቅረብ።”

You should also http://icks.org/n/data/ijks/1482467798_add_file_1.pdf discount cialis stop thinking negatively.
ክርስቶስ ኣምላክነ፣ ሓመ ብእንቲኣነ፣ ወበሕማማቲሁ በዘወነ!

ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ምእንታና መኸራ ተቐበለ፣ ብሕማማቱዉን ተበጀወና!

ምንጪ፦ መጽሓፍ ሕማማት ገጽ 492