ተግሳጽ ዘቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ

ክርስቶስ ስለዘፍቀረና፣ መጺኡ ባዕሉ ምእንታና ሞይቱልና። ብሓጢኣት ንገዛእ ርእስና ምስ ኣማሰንናያ፣ ፈጢሩ ሱቅ ኢሉ ኣይሓደገናን። ካብ ሰማያት መጺኡ፣ ምእንታና መከራ ጸጊቡ፣ ህይወቱ ሂቡና። ከም ሓኪም ክፍዉሰና፣ ብግህዶ መጽአ።
ካብ ሕማምና ክፍዉሰና ጥራይ ኣይኰነን ዝምጽአ፣ እንታይ ደኣ፣ እንኮላይ ካብቲ ብባርነት ጌሩ ዝገዝኣና ዝነበረ ሞት ከተንስኣና እዩ። ካብ ባርነት ሞት ሓራ ኣዉጺኡና። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ ምስኡ ንዘለዓለም ብህይወት ክንነብር፣ ሞይቱልና።
ንሱ ጐይታ ክነሱ፣ ኣብ መከራና ተሳቲፉ። እሞ`ከ እቲ ኣብ ባርነት ዘሎ ሰብ፣ ከመይ ጌሩ ይድሕን፧! ጐይታ ንሞት ኣብ ትሕቲ እግሩ ረጊጹ፣ ሰዓሮ! ስኦል ድምጺ ናይ ጐይታ ምስ ሰምዐት ሰንበደት! ጐይታ ነቶም ኣብ ባርነት ሞት ዝነበሩ ከምዚ ኢሉ ኣዋጅ ኣወጀሎም፡-

“ኣብ ጽላል ሞትን፣ ኣብ ዉሽጢ ጸልማትን ዘሎኹም፣ ኲሉኹም፣ ካብ ባርነትኹም ተፈትሑ። ኣነ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚአብሔር ኣምላኽ`የ፣ ህይወት ይሰብከልኹም ኣሎኹ`ሞ ካብ ባርነት ተፈትሑ”

Snorers might sale (viagra on line) in no way go through good night sleep.

ሲኦል ጥራያ ተረፈት!
ስብሐት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስን
በረከት ቅዱስ ኣቦና ምስ ኩልና ይኹን!
ምንጪ መጽሐፈ ሕማማት!