ተግሳጽ ዘቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ፍቑራት ምእመናን፣ ብዛዕባ ኣስቆረታዊ ይሁዳ እንታይ ክንብል ኢና። ንጐይትኡ ኣሕሊፉ ዝሃበ ይሁዳ ብምንታይ ንገልጾ። ንሱ ሓደ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ክነሱ ናብቶም ሊቃነ ካህናትን ሽሟሙንትን ከይዱ፣ “ኣነ ኣሕሊፈ ክህበኩም፣ ክንደይ ትኸፍሉኒ፧” በሎም። ሰላሳ ዲናር ክኸፍልዎ ተሰማምዑ።
እንታይ ዓይነት ዕሽነት`ዩ፧ ክንደይ ዝኣኽል ድንቁርና`ዩ፧ እንታይ ዓይነት ፍቕሪ ገንዘብ`ዩ፧ ትርእይዎ ዶ ምንጪ ዂሉ ክፍኣት!!
ንገንዘብ ስለዝፍቀረ፣ ነቱ ሕያዋይ መምህሩን፣ ጻድቕ ጐይትኡን ኣሕሊፉ ሸጦ። ፍቕሪ ገንዘብ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ነስተዉዕል። ፍቕሪ ገንዘብ፣ ኲሉ ዓይነት እኩይ ምግባራት ይፍሕስ፣ ልዕሊ ናይ ዲያብሎስ ምትላል ዉን ይብርትዕ።

Food and alcohol have no influences on cialis 10 mg unica-web.com effects.

ሓደ ሰብ ብፍቅሪ ገንዘብ እንድሕሪ ተሳዒሩ፣ ባርያ ገንዘብ ኮይኑ ይተርፍ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት፣ ንገዛእ ርእሶምን ንካልኦትን ከድሕኑ ኣይኮነሎምን። ባህሪያዊ ሕጊ ኣይገዝኦም፣ ዕጉሳት ዉን ኣይኮኑን። እስከ ርኣዩ፣ ፍቕሪ ገንዘብ ንይሁዳ፣ ካብ ከመይ ዝበለ በረኸትን ጸጋን`ዩ ኣርሒቅዎ።
ብዛዕባ ናይ መንግስተ ሰማያት ጽባቐን፣ በረኸትን ጐይታ ብግልጺ፣ ይምህሮም ነበረ፣ ገሃነም ዉን ኣዝዩ ከም ዘስካሕክሕ ገሊጽሎም`ዩ። ስቃይ ሓጥኣን ኣዝዩ መሪር ምዃኑ ኩሎም ጽቡቕ ጌሮም ፈሊጦም ኣለዉ። ግን ፍቅሪ ገንዘብ ንይሁዳ ኣስቆረታዊ ስዒራቶ። ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቶም ምእንቲ ነፍሶም ዝጋደሉ የኽብሮምን፣ ይባርኾምን`ዩ እሞ፣ እሞ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ንርሓቅ።
ስብሓት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ!
በረከቱ ለቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ የሓሉ ምስለ ኩልነ፣ ኣሜን!
ምንጪ መጽሓፈ ሕማማት፣ ዘነግሕ ዓርብ!