ጸሎት ስምኦን ኣምዳዊ- ናይ ሆሳእና ዋዜማ

ቅ. ስምኦን ኣምዳዊ ዝጸለዮ ኣብ ናይ ሆሳእና ዋዜማ ዝጽለ ጸሎት።

ቅዱስ ስምኦን ኣብ ከባቢ 5ይ ክ/ዘ ዝነበረ፣ ቅዱስ ኣቦ ኮይኑ፣ ኣብ ሓንቲ ዓንዲ ን45 ዓመት ከየወረደ ብምጽላዩ፣ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ 392 ዓም ኣብ ኣንጾክያ ዝተወልደ፣ ስምኦን፤ ኣዲኡ ማርታ ኣብኡ ድማ ዮሃንስ ይበሃሉ ኔሮም። ቅድሚ ልደቱ፣ ነዲኡ፣ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ፣ ተገልጹ፣ እቲ ዝዉለድ ዉላድ ቅዱስ ምኳኑ ነገራ። ገና ካብ ዝዉለድ ጀምሩ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዝሓደሮ፣ ስምኦን ወዲ 16 ዓመት ምስ ዀነ ናብ ገዳም ኣትዩ፣ መንኮሰ። ኣሰር ቅዱስ ጳኹሚዩስ ብምስዓብ ድማ፣ ብቅድስና ዓበየ። ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረ፣ ብዙሕ መጽሓፍቲን ዝደረሰ፣ ናይ ምንኩስና ህይወት ዝምህሩ መጽሃፍቲ ዘዳለወን፣ ቅዱስ ስምኦን፣ ኣብ 461 ዓም ግንቦት 30 ዓረፈ። በረኸቱን ጸሎቱን ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣይፈለየና።

ኣብ ግዜ ዋዜማ ናይ ሆሳእና ዝጽለ፣ ቅዱስ ስምኦን ኣምዳዊ ዝጸለዮ ጸሎት።

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንስኻ፣ ኣብ ናይ ሰረገላ ሓዊን ኣብ ኣኽናፍ ናይ ኪሩቤልን፣ እትቕመጥ ክነስኻ፣ ከም ትሑት ሰብ፣ ኣብ ኣድጊ ተወጢሕካ፣ ናብ ኢየሩሳሌም ብትሕትና ዝመጻእካ፣ ኣብቲ ሕቡእ ዝዀነ ማንም ክምርምሮ ዘይኽእል ማህደርኻ፣ ንዓካ ምስጋና የቕርቡልካ። ንስኻ ዘይትዉሰን ኢኻ፣ ኣብ ሰማይን ምድሪን ዉን ሙሉእ ኢኻ። ኣብ ቅድሚ ዙፏንኻ እልፊ ኣእላፋት ዝሰግዱልካ እንከለኻ፣ ብትሕትና ናብ ኢየሩሳሌም መጻእኻ።

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንዉሽጠይ ብመንፈሳዊ ሓጎስ ዝመልእን፣ ኣብ ዉሽጢ ሰብነተይ ዉን ናይ ትሩፋት ፍረ ዝወልድን፣ ናይ ትሕትና መንፈስ ሃበኒ። ንነፍሲ ናብ ዉሽጢ ጸልማት ካብ ዘእቱን ብዙሕ መከራ ካብ ዝወልድን፣ ካብ ናይ ትዕቢት መንፈስ ድማ ንዓይ ኣድሕነኒ።

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ካብዚ ዓለም ንኽፍለይን፣ ካብ ዉሽጢ ልበይ ፍቕሪ ዓለም ሞንቂስኻ ደርብየለይ። ብናይ ሕግኻ ኣርዑት እሱር ንክኸዉን ዉን ምስ ደቀ መዛሙርትኻ፣ ሓደ ግበረኒ። ልቦናይ ብፍቕርኻ እሱር ኮይኑ፣ ነዛ ዓለም እዚኣን ንዂሉ ፍትወታን ንክጸልእን ገብረኒ። ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።

There also can be erectile dysfunction and other kind of sexual difficulties http://deeprootsmag.org/2015/12/16/tis-the-season-to-be-rhonda/ order generic viagra in men.

ሰንበት ለይቲ ናይ ሆሳእና፣ዝጽለይ ናይ ቅዱስ ስምዖን ኣምዳዊ ጸሎት፣

ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ናይ ዘይቲ ጨናፍርን፣ ኣእዋም ስየን ሒዘ ክቕበለካ፣ ምስ ህጻናት ኢየሩሳሌም ዉን ‘ሆሳእና ብኣርያም’ እንዳበልኹ ክዝምረልኻን፣ ብቁዕ ግበረኒ። ኦ ወልደ ዳዊት!! ኣማኑኤል (ኣምላኽ ምሳና) ኣምላኸይ ምሳኻ ሓደ ግበረኒ።  ኣባላትኻን ደቂ ማሕበርካን ክንኸዉን ግበረና፣ ናይ ጐይትነትኻ ብርሃን ምስጋናኻ፣ ኣብ ልቦናና  ኣብርሃልና፣ ደቂ ርስትኻ ክንኸዉንን ብቁዓት ግበረና። ንስኻ ናይ ብሓቂ ጓሳና፡ ሓላዊና፡ መጋቢናን መራሒናን ኢኻ፣ ንስኻ ንጉስና ኢካ፣ ንሕና ከኣ ደቂ ርስትኻ ኢና። ኦ ንጉስና ኣምላኽናን ናትኻ ናባና ምምጻእ ብሓቂ ብርኽቲ ኢያ ። ካብ ናይ ጸልማት መንግስቲ ኣድሕነና፣ ናብታ ፍጹም ብርሃን ዝመልኣ መንግስቲኻ ዉን ኣእትወና። ናይ ጸልማት ገዛኢ ከይረግጸናን ዉን ኣድሕነና፣ ብስማኻ ዘድሕነና ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክንወርስ፣  ኣብ ልዕሌና ሕጊኻን ኪዳንኻን ጸሓፍ።

ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ቤተ መቅደስ ኣቲኻ ነቶም ረጋቢት ዝሸጡን፣  ‘ቤተይሲ ቤት ኣምላኽ ትስመይ፣ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገብርኹማ’ እንዳበልኻ፣ ነቶም ሸቓጦ ኲሎም ከም ዝሰጎግኻዮም፣ ካባይ ዉን ካብ ልበይን ካብ ነፍሰይን፣ ንዂሉ እኩይ መንፈስን ንዑቕ ነገር ካብ ምሕሳብን ኣርሕቀለይ። ልበይ ቤት ጸሎት ክኸዉን ዉን ድሉው ግበሮ፣ ወትሩ ንምስጋናን ንባርኾት ስማኽን ክተግህ፣  ድማ ልበይ ኣንቅሓለይ፣ ንዘለኣለም ኣለም ኣሜን።

ምንጪ፦ መጽሓፍ ግብረ ሕማማት ዘማህትዉ ሆሳእና- ገጽ 8 ትንሳኤ ማሳተምያ ድርጅት 2005ዓምግ